ህግደፍ፡ ኤርትራዊ ፈታዊ የብሉን!

2022-07-25 12:03:29 Written by  ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in EPDP Editorial Read 1132 times

EPDP Banner

ርእሰ-ዓንቀጽ ሰዲህኤ

ጉጅለ ህግደፍ ጸላኢ ህዝቢ ኤርትራ ክነሱ፡ ክሳብዚ እዋንዚ ውሱናት ኤርትራውያን ከም ዝድግፍዎ ዝከሓድ ኣይኮነን። እንተኾነ ምስቲ ጸረ ህዝብነቱ ቀጻሊ ምህላዉን ኣብ መጻኢ እውን ናብ ልቡ ክምለስዩ ዝብል ተስፋ ዘየለ ምዃኑን፡ ናይቶም ዝድግፍዎ ቁጽሪ እናሓደረ ከንቆልቁል ግድን እዩ። ካብቶም ይድግፍዎ ዝበሃሉ እሞ ከም ናይ ደገፍ መገለጺኦም ኣብ ዘዝተኸሎ ጓይላ ዝስዕስዑ በሃማት፡ መብዛሕትኦም ደገፎም ካብ ልቢ ዘይኮነ፡ ካብ ክሳድ ንላዕሊ ዝኾኑ ሰንበድቲ ብዙሓት እዮም። ምኽንያቱ ተሓቢኦም ብዛዕባ ህግደፍ ዝብልዎ ምስቲ ሳዕሳዒቶም ኣብ ጓይላ ዘሳኒ ኣይኮነን። ሓንሳብ ኣፍ ኣውጺኦም “ንድግፎ ኢና”  ስለ ዝበሉ፡  ኣበሳኡ እንዳርኣዩ ናብ መንገዲ ሓቂ ምምላስ ዝጸገሞም ኣለዉ። ቀንዲ ምኽንያት ስግኣቶም ምስ ነቲ ጉጅለ ዘይምድጋፎም ክመጽእ ዝኽእል ምብኳር ነገራዊ ጠቕሚ እዩ። ካብ ዘለዉዎ ሃገር ናብ ኤርትራ መገሻ ከይትኽልከልን ገዛን ካልእ ንዋትን ከይውረሰካ ምስጋእን እውን ኣብዚ ዝጽብጸብ እዩ። እንተኾነ ምድጋፍ ኮነ ምቅዋም ብሓንሳብ ብሃንደበት ዝመጽእ ዘይኮነ፡ ብመስርሕ ዝረጋገጽ ብምዃኑን ህግደፍ ደገፍ ዘውህብ ተግባርን ባህርን ስለ ዘየብሉን  ውዒሉ ሓዲሩ ጥራይ ኢዱ ከም ዝተርፍ ናይ ግዜ ጉዳይ እዩ።

ኣብ ኤርትራ ብህግደፍ ዝተካሕደን ዘይተካሕደን ኢልካ ፈላሊኻ እትጠቕሶ የለን። ምኽንያቱ ምናልባት ደኣ ገሊኡ ብቐጥታ ገሊኡ ድማ ብተዘዋዋሪ ይኸውን እምበር፡ በዚ ጉጅለ ዘይተጠልመ ኤርትራዊ የለን። በዚ እዩ ከኣ፡ “ህግደፍ ኤርትራዊ ፈታዊ የብሉን” ኢልካ ምጥቕላል ዘየጸግም። እቲ ነዊሕ ግዜ ዝወሰደ ተግባራት ኢሳያስን ጉጅለኡን ገዲፍካ፡ ናይ ድሕሪ ናጽነትና ጉዕዘኡ ጥራይ እንተዳህሲስካ ንጥልመት ህግደፍ ኣዕሚቑ ዘርኢ እዩ። ዝተጠልመ ህዝቢ ናይቲ ዝጠለሞ ፈታዊ ከም ዘይከውን ውሁብ እዩ። እቲ ኢሳያስ “ብውድባት ሓሸውየ የለን” ዝበለሉ መደረ’ውን ናይ ጥልመቱን ጽልኡን መግለጺ እንድዩ፡ መሰሎም ስለ ዝሓተቱ ጥራይ “ሕንቑቓት” ዝብል ቅጽል ተዋሂብዎም፡ ተረፍ ጥይትን ቡንባን ስንኩላን ውግእ ማይሓባር ዝተረሸንሉ ተረኽቦ ኣዝዩ ፍሩይ ናይ ጽልኢ መግለጺ ነይሩ። ጽልኢ ህግደፍ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኤርትራ በቲ ዝጀመሮ እንተቐጺሉ፡ ሳዕቤኑ እዚ ሕጂ ኣብ ሃገርና ዘሎ ከይከውን ስግኣት ካብ ዝሓደሮም ኤርትራውያን፡ ብ2000 ዓገብ ዝበሉ ብበርሊን ማንፈስቶ  ዝልለዩ ጉጅለ-13 ምሁራት ሓሳቦም ተጠሊሙ እዩ። እዚ ጥልመት ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኤርትራ እምበር፡ ኣብ ልዕሊ እቶም 13 ምሁራት ጥራይ ኣይነበረን።

ኣብ 2001 ናታቶም ቃልሲ ብዝተሓወሶ ኣብ ስልጣን ዝደየበ፡  ውሱን ኢሳያስ ዝዝውሮ ጉሒላ ሓይሊ፡ ካብቶም ኣብ ውዑይን ዝሑልን  ከእትዎም ዝጸንሐ ባእታታት ዝርከብዎ ጉጅለ-15 “ደጊም ምስምስ ከይፈጠርና፡ ኣካይዳና ነተዓራሪ” ስለ ዝበሉ ኣዳዕዲዑ ጠሊሙ ኣህጢምዎም። ኣብቲ ዓመትቲ ናይ ህዝብና ናይ ሓበሬታ ጽምኢ ብዝተወሰነ ደረጃ ከርውያ ጀሚረን ዝነበራ ናይ ብሕቲ መዲያታት ዓጽዩ፡ ንጋዜጠኛታተን ኣሲርዎም። ኣብ ልዕሊ እዞም ዝፈልጥዎ ክነሶም፡ ዝተገርሁ ወገናት ዝተወስደ ስጉምቲ እውን ኣብ ልዕሊ እቶም ውሱናት ባእታታት ጥራይ ዝዓለመ ዘይኮነ፡ ጽልኢ ህግደፍ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኤርትራ ዝደረኾ ጥልመት እዩ። ገለ ግሩሃት ግና፡ ሎሚ’ኳ ተረዲእዎም ይኸውን፡ ክሳብዚ ቀረባ ግዜ፡ “ዓሻ ሰብይትስ ወዲ ሓሙታ ዘይወዳ ይመስላ” ከም ዝበሃል፡ እቲ ሽዑ ዝተወስደ ጥልመት ኣብ  ልዕሊ ውሱናት ዝተወስደን ኣብኣቶም ዘይበጽሕን ገይሮም ይወስድዎ ነይሮም። ኣብ 2013 “ናይ ወዲ ዓሊ” እናተባህለ ዝዝከር፡ “ስርሒት ፎርቶ” ካልእ ናይ ህዝቢ ትጽቢት ዝተዓጽፈሉ ጥልመት እዩ ነይሩ። እዚታት ንኣብነት ዝጥቀስ እምበር፡ ካብቲ ኣብ ልዕሊቲ ተወዲቡ ብቓልዕ ዝቃለስ ዘሎ ኤርትራዊ ፖለቲካዊ ሓይልታት ተቓውሞ ዘርኣዮ ብደዐ ጀሚርካ፡ ጥልመት ህግደፍ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኤርትራ መዓልታዊ ተረእዮ እዩ እንተ ተባህለ ምግናን ኣይኮነን።

ህግደፍ በቲ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኤርትራ ዘለዎ ጽልኢ ተደሪኹ፡ ዝወስዶ ዘይሓላፍነታዊ ናይ ጥልመት ስጉምትታት ኣመላኺዑ ካልእ ትርጉም ከትሕዞ እዩ ዝፍትን። ቅድሚ ኩሉ ነቶም ተዋሳእቱ ብሕማቕ ስኢሉ፡  ከም መፈራርሒ ናብ ህዝቢ የቕርቦም። ከከም ኩነታቱ መሳርሒ ወያነ ትግራይን ምዕራባዊ ዓለምን ይብሎም። ሓሙሻይ መስርዕ ኢልካ ምጥማቖም ከኣ  ካልእ ሜላኡ እዩ። ንሓንሳብ ድማ ንገለ ናይ ለውጢ ተበግሶ ሃይማኖታዊ መልክዕ የትሕዞ’ሞ፡ ንኣመንቲ ምስልምና ወይ ኣመንቲ ክርስትና “ኣንጻር እምነትኩም መጽኹም” እናበለ የሰናብዶም። እዚ ጽልእን ጥልመትን ህግደፍ ኣብ ኤርትራ ጥራይ ዝድረት ዘይኮነ፡ ዶባት እናሰገረ ጸላእቲ ናይ ምዕዳም ጠባይ ዘለዎ እዩ። እቶም ቀደም ቀራናት ዝበሃሉ ዝነበሩ፡ ሎሚ እውን ዝያዳ ንዝረአ ምርኣይ ስኢኖም፡ ንዝስማዕ ከኣ ምስማዕ ስኢኖም ደንዚዞም፡ ናብ ግኡዝ ስለ ዝተቐየሩ “ከምዚ እዮም” ኢልካ ክትጠቕሶም ናብ ዘጸግምሉ ደረጃ ዝወረዱ ውሑዳት ደገፍቱ፡ ነቲ በብግዜኡ ዝምህዞ ጸለመ ከም ዘለዎ ጐሲሞም ዝግዕሩ የማነ-ጸጋም ዘይርእዩ ሽቡባት እዮም።

ናይ ኩሎም እቶም ጸረ ጥልመትን ጽልእን ህግደፍ ተበግሶታት ሸቶ፡ ጸረ ህዝቢ ኣተሓሳስባ ኣወጊድካ ህዝባዊ ኣተሓሳስባ  ምስራጽ እዩ። ናይዚ ቀጻሊ ዘሎ ናይ ለውጢ ቃልሲ መስርሕ ዕላማ እውን ካብዚ ዝተፈልየ ኣይኮነን። እዚ ተበግሶ ቅድም ኮነ ሎሚ ምንጪ ናይቲ ጸረ ህዝቢ ኣተሓሳስባ ህግደፍ ምድራቕ እዩ። ጠመትኡ ናብ ምውጋድ ጉጅለ ህግደፍ ዝዓለመ ምዃኑ ከኣ ብሩህ እዩ። ምስጢር ናይቲ ህግደፍ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኤርትራ ዘርእዮን ዘርእዮ ዘሎን  ጽልእን ጥልመትን ካብቲ ሰይጣናዊ ኣረዳድኣኡ ዝነቅል እዩ። ህግደፍ ኣንጻር ስልጣኑ ክሳብ ዝኾነ፡ ጽልኡን ጥልመቱን ኣብ ህዝቢ ኤርትራ ጥራይ ዝድረት ዘይኮነ፡ ነታ ኩሉ እከይ ተግባራቱ ንምሽፋን፡ “ምእንተኣ እየ” እናበለ ዝሽቅጠላ ልኡላዊት ኤርትራ እውን ፈታዊኣ ኣይኮነን።  ብዋጋኣ ኣብ ስልጣን ዝቕጽል እንተኮይኑ ክምጥዋ ንድሕሪት አይብልን እዩ። ኣይሰለጦን እምበር ኣብ ፈቐዶ ኣደባባያት ክሳብ ኢትዮጵያዊ መራሒ  ክምዝዘላ ዝተዓዘብናዮ ናይዚ መርኣያ እዩ።

ስለዚ ምናልባት ክሳብ ሎሚ ብውልቂ “ጽልእን ጥልመትን ህግደፍ ኣባና ኣይበጸሐን’ ብዝብል ህግደፍ ፈታዊኦም ዝመስሎም ኤርትራዊ ወገናት እንተልዮም፡ እንተኾነ ንጉዳያት ብኹሉ ኩርናዑ ንዘመዛዝን  ክሳብ ሕጂ ህግደፍ  ዘየረኻኸበሉ የለን። “ፍጹም ኣነ ደሓን እየ” ዝብል እንተልዩ ከኣ ድሕንነቱ ንግዜኡ ምዃኑ ይረዳእ። ኩልና ኤርትራውያን ቀዳማይ ጸላኢና እቶም ህግደፍ ንምፍርራሕ ኣስማቶም ዝጽብጽበልና ናይ ግዳም ዘይኮኑ፡ ንሱ ባዕሉ ምዃኑ ኣስተውዒልና ሓቢርና ካብ ምቅላሱ ሓሊፍና ካልእ መተካእታ የብልናን። 

Last modified on Monday, 25 July 2022 14:11