ክልተ ዓይኒ ናይ ምርኣይ ሓደጋ

2022-02-17 18:37:21 Written by  ርእሰ ዓንቀጽ ሰዲህኤ Published in EPDP Editorial Read 917 times

ኣብዚ እዋንዚ ኤርትራ እትልለየሎም ሕማቕ ምስልታት ብዙሓት እዮም። ፍትሒ ኣልቦነት፡ ብኩራት ኩሉ ዓይነት ሰብኣውን ዲሞክራስያውን መሰላትን ዋሕዚ ናብ ስደትን ከም ኣብነት ካብ ዝጥቀሱ መለለይኣ ካብ ዝኾኑ ነዊሕ ኮይኑ እዩ። ስደት ኣብ ኤርትራ ካብ እዋን መግዛእቲ ዝጀመረ፡ ነዊሕ ዕድመ ዘለዎ ኮይኑ፡ ኣብ ግዜ ህግደፍ ከኣ ኣዝዩ ገዲዱ። ጠንቂ ስደት ብዙሕ ኮይኑ ናይ ኤርትራ ህልዊ ስደት መሰረታዊ ጠንቂ ኣብታ ሃገር ዘሎ ኩርኳሕ ምምሕዳር እዩ።

ናይዚ ኣብ ኤርትራ ንነዊሕ ዓመታት ዝቐጸለ ሕጂ እውን ዘይዛረየ ስደት መሰረታዊ ምኽንያት እቲ ኣብ ኤርትራ ዘሎ ምምሕዳር ባዕሉ ክነሱ፡  ነቲ ጠንቂ ካብኡ ንምርሓቕ ዘቕርቦ ብዙሕ ምህዞታት ኣለዎ። ካብቶም ንስደት ኤርትራውያን መንእሰያት ተሓተትትን መለዓዓልትን  ገይሩ ክቕርቦም ዝፍትኖም ብሓፈሻ ሃገራት ምዕራብ ብፍላይ ከኣ ምምሕዳር ኣሜሪካ ኮይኖም  ከምኡ ከኣ ንህዝባዊ ወያነ ሓርነት ትግራይ ተሓተቲ ይገብሮም። እቲ መሰረታዊ ጠንቂ ግና እዞም ዝኸሶም እንተገደደ ጽልዋ ካብ ምሕዳር ዘይሓልፉ ናይ ግዳም ወገናት ዘይኮኑስ፡ እቲ ወሳኒ ጠንቂ ኤርትራዊ ውሽጣዊ ምኽንያት ምዃኑ ዘይሕበል ሓቂ እዩ።

ቀንዲ ደፋኢ ጠንቂ ስደት ኤርትራውያን መንእሰያት መጀመርታኡ እምበር መወዳእትኡ ዘይፍለጥ ግዱድ ወተሃደራዊ ኣገልግሎት ምዃኑ ብዘይካ ህግደፍ ኩሉ ዝረዳዳኣሉ እዩ። ካብዚ ንምድሓን ሃገሮም ለቒቖም ዝተሰዱ ኤርትራውያን ኣብ ዝተፈላለያ ሃገራት ዑቑባ ዝረኸቡኳ እንተለዉ ናብዚ ንክበጽሑ ኣብቲ መስርሕ ዝኸፍልዎ ዋጋ ኣዝዩ ክቡርን ክሳብ ህይወት ዘኽፍልን ምዃኑ ፍሉጥ እዩ። ካብቶም በዚ ኣጸጋሚ መስርሕ ዝሓለፉ መንእሰያት እቲ መሰረታዊ ፍታሕ ስደት ዘይኮነ፡ እቲ ናብ ስደት ዘገደደ ጠንቂ ምምሓው ምዃኑ ተገንዚቦም ኣብ ቃልሲ ዘለዉ ብዙሓት እዮም። ቃልሶም ከሐይሉ ናይ ዕቑባ ሕተኦም ፍታሕ ክረከብ መሰረታዊ ቅድመ ኩነት እዩ። ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ ኣብ 3ይን ሓድነታውን ጉባአኡ ጉዳይ ስደተኛታት ዝምልከተን ዓለም ለኻዊ ትካላትን ሃገራትን፡ ናይ ዓለም ሕግታት ኣኽቢረን፡ ኣብ ኤርትራ ዘሎ ስርዓት መሰላት ህዝቢ ዘየኽብር፡ ህዝቢ ሃገሩ ራሕሪሑ ክወጽእ ዝደፋፍእን ዜጋታቱ ምቕባል ዝሕሰምን ምምሕዳር ምዃኑ ኣሚነን መሰል ኤርትራውያን ስደተኛታት ንከኽብራን ሰዲህኤ ይምሕጸነን።   ክብል ዝጸወዐ ከኣ ካብዚ ነቒሉ እዩ።

ብኣንጻርዚ ተመሊሶም ነቲ “ጠንቂ ስደትና ንሱ እዩ፡ ዑቑባ ተኸሊእና ናብ ሃገርና እንተ ተመሊስና  ከኣ ኣብ ኤርትራ ዝመርሕ ዘሎ ኣካል ክመቑሓናን ክቐትለናን እዩ” ኢሎም፡ ዑቑባ ምስ ረኸቡ፡ ተመሊሶም ብምስጢር ድዩ ብጋህዲ ነቲ ስርዓት ዘገልግሉን ክልተዓይኒ ዝርእዩን ውሑዳት ስደተኛታት ኣለዉ። እዚ ተግባርዚ ንሕቶ ዕቕባኦም ኣብ ሓደጋ ከምዘእትዎ ዘየጠራጥር ኢዩ። ንኣብነትኳ ሓንቲ ካብተን ኤርትራውያን ተቐቢለን ምኽንያት ስደቶም ተረዲአን ዑቕባ ዝህባ ለጋሳት ሃገራት ኖርወይ  እያ። ኣብዛ ኢዳ ዘርጊሓ ኤርትራውያን ዘዕቆበት ሃገር፡ ኣብዚ ቀረባ ግዜ ናይ 150 ኣብ ኖርወይ ናይ ምንባር ፈቓድ ዝረኸቡ ኤርትራውያን መዛግብቲ፡ ብትእዛዝ ናይታ ሃገር ሚኒስትሪ ፍትሒ ብክፍሊ ኢሚግረሽን ኖርወይ ተመርሚሩ። ከም ውጽኢት ናይቲ መርመራ ከኣ ናይ 13 ካብቶም መዛግቦም ዝተመርመረ  መንበሪ ፈቓድ ክስረዝን  4 ከኣ ካብታ ሃገር ክስጐጉን ተወሲንዎም ዝብሉ ዜናታት ይስምዑ ኣለዉ።

እዚ መርመራ ክካየድ ዝደረኸ፡ ኣብ ወርሒ ነሃሰ 2019፡ ኣብ ከተማ ኦስሎ፡ የማነ ገብረኣብ  ኣማኻሪ ኢሳያስ ኣፈወርቅን ናይ ህግደፍ ፖለቲካዊ ሓላፍን ኣብ ዝተረኽበሉ፡ ናይቲ ብሰንኩ ተሰዲድና ዝበልዎ ምጅማር ግዱድ ዕስክርና ኣብ ኤርትራ ዝምልከት ጽንብል ብምስጢር ምስታፎም ነይሩ። ናይ ኖርወይ ኢሚግረሽን ኣብቲ ናይ ኤርትራውያን መዛግብቲ ዝመርመረሉ መስርሕ ካብ ዝመዝገቦ ገበናት፡ ብዛዕባ ውልቀ መንነትካ ግጉይ ሓበሬታ ምሃብ፡ ብዛዕባቲ ዕቑባ ንክትሓትት ዘቕረብካዮ  ምኽንያት ዘይቅኑዕ ምዃንን ናይታ ሃገር ሕግታት ምጥሓስን ዝብሉ ይርከብዎ።

ናብዚ ኩሉ ዋጢጥ ኣብጺሑ ዘሎ እምበኣር፡ ንሓንሳብ ኣንጻር ህግደፍ ንሓንሳብ  የማናይ ኢድ ህግደፍ ክልተ ዓይኒ ምርኣይ ምዃኑ ፍሉጥ እዩ። እዚ ጉዳይዚ ኣብዚ ዝተጠቕሰ ኣሃዝ መዛግብቲ ስደተኛታት ጥራይ  ከይተደረተ፡ ናብ መዛግብ ኩሎም ኣብታ ሃገር ብሰሪዚ ኣብ ኤርትራ ዘሎ ስርዓት ክንስደድ ተሰዲድና ብዝብል ምኽንያት  ዑቕባ ዝረኸቡ ኤርትራውያን ከይልሓም ዘየስግእ ኣይኮነን። ኣብዚ እዋንዚ ሃገራት ናይ ህዝበን ድሕንነትን ምርግጋእን ዝያዳ የገድሰን ስለ ዘሎ፡ እዚ ናይ ሃገር ኖርወይ ተመኩሮ  ናብ ካለኦት ተመሳሳሊ ልግሲ ዘርኣያ ሃገራት    ናይ ምልሓም ዕድል ከይህልዎ ዘየተሓሳስብ ኣይኮነን።

ስለዚ ህግደፍ ንህዝብና ኣብ ገዛእ ሃገሩ ደም የንበዖን ጽልእን ውግእን እናዓደመ የዳምዮን ከም ዘሎ፡ እቶም ኣብነት ኮይኖም ክምስክሩን ከቃልዕዎን ዝግበኦም ተጠውዮም ብምስጢር ከገልግልዎን ጅቡኡ ክመልእሉን ዝፍትኑ ኢደ-እግሮም ክእክቡ ክንነግሮምን ከነጠንቅቖምን ይግበኣና። ካብ ቀድሙ ስደተኛ ተመሲሎም ደድሕሪቲ ስደተኛ እናሰዓቡ ክዘርግዎ ዝዓለሙ ክህልዉ ከም ዝኽእሉ ምግማት ናይ መስተውዓልቲ ተግባር እዩ። ንሳቶም እውን ንገዛእ ርእሶም ክልተ ዓይኒ ክርእዩ ክብሉ ኣብ ሓደጋ ኣትዮም ንኻለኦት ከይልክሙ ክሓስቡ ይግበኦም። እንተ ህግደፍ ኣብ ሃገር ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ዝፍጽሞ ዘሎ በደል ስለ ዘየዕግቦ፡ ኤርትራውያን ኣብ ዝኸድዎ እንዳሰዓበ ሰላሞምን መነባብረኦምን   ካብ ምዝራግን ሜላታት እንዳፈጠረ ገንዘቦም ካብ ምምንዛዕን  ዓዲ ከምዘይውዕል ፍሉጥ እዩ።

Last modified on Thursday, 17 February 2022 19:48