ስንብራት ስደት፡ ኣብ ኤርትራውያን

2022-01-03 17:12:25 Written by  ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in EPDP Editorial Read 1268 times

ኣብ ኤርትራ ካብቲ ብሰንኪ ዲክታቶርያዊ ጭቆና ኣብ ልዕሊ ህዝብና ዝወረደን ዝወርድ ዘሎን ስንብራታት ሓደ፤ ስደትን ሳዕቤናቱን ምዃኑ ፍሉጥ እዩ። እቶም ግዳይ ስደትን ሳዕቤናቱን ኮይኖም ዘለዉ ክፋል ሕብረተ-ሰብና መብዛሕትኦም መንእሰያት ኢዮም። ከምዚ  ምዃኑ ከኣ ጉድኣቱ ካብቶም ግዳያት ሓሊፉ ኣብ ቀጻልነት ሃገርን ህዝብን ዝህልዎ ስንብራት ከቢድ  እዩ። ምኽንያቱ ተስፋን ቀጻልነትን ሃገር ብመንእሰይ ዝውሰን ስለ ዝኾነ።

ስደት ጠንቁ ብዙሕ እዩ። ቁጠባዊ ድኽነት፡ ውግእን ዘምርግጋእን ዘይምዕሩይ ምምሕዳርን ፖለቲካዊ ጭቆናን ካብቶም ብኣብነት ዝቐርቡ እዮም። ኣብ ኤርትራዊ ተመኩሮ ከኣ እቲ ጠንቂ ብሓደ ካብዚኣቶም ጥራይ ዝግለጽ ዘይኮነ፡ ኩሎም እቶም ጠንቅታት ህያው እዮም። ስደት ኣብ ኤርትራ ብድድ ኢልካ ሃገርካ ለቒቕካ እትኸዶ መገሻ፡ ሳዕቤኑ ከኣ ካብ ቤተሰብካ፡ ሃገርካ፡ ህዝብኻን ባህልኻን ምርሓቕ ጥራይ ኣይኮነን። እኳደኣ እቲ ዝመረረ መግለጺኡ ናብቲ ንስደት ዝመረጽካዮ ንክትበጽሕ ዘጋጥም ናይ ምህላውን ዘይምህላውን ከቢድ ፈተነ እዩ።

ኤርትራውያን ኣብዚ ዝሓለፈ ዓመታት ሃገሮም ጸሊኦም ዘይኮነ፡ ኣብ ሃገሮም ምንባር ስለ ዘይከኣሉ ከም መተካእታ ስደት መሪጾም፡ ብዝተፈላለዩ ዘይተጸንዑን ዘይውሑሳትን ኩርነዓት ክጐዓዙ ዝኸፈልዎ ናይ ህይወትን ንዋትን ዋጋ ኣብ ቅድሚ ሕብረተሰብ ዓለም ከይተረፈ ብምረት ክዝከር ዝነብር እዩ። ኣብቲ መስርሕ ዝጠፈአ ህይወት ኣዝዩ ብዙሕ እዩ። ኣብ ሓደ ኣጋጣሚ ዝተፈጥረ ህልቂት ላምፓዱሳ ምዝካር ጥራይ እቲ ማህሰይቲ ክሳብ ክንደይ ሰማይ ዝዓረገ ምዃኑ ዘርኢ እዩ። ተመኩሮ ላምፓዱሳ ስምብራት ሳዕቤን ስደት ጥራይ ዘይኮነ፡ ዝለዓለ ጫፍ ጭካነ ናይቲ ኣብ ኤርትራ ዝገዝእ ዘሎ ሬሳ ዜጋታቱ ዝሕሰም ጉጅለ ዝተራእየሉ እዩ።

ምምሕዳር ህግደፍ ንጠንቂ ስደት ናብ ካለኦት ኣላጊቡ ንገዛእ ርእሱ ሓላይ መሲሉ ክቐርብ ብዙሕ ፈተነታት እዩ ዝገብር። ኣብ ልዕሊ እቶም ብሰንኩ ተገዲዶም ዝተሰዱ ኤርትራውያን ዘዋርድን ብኽድዓት ዝኸስስን መግለጽታቱ፡ ንኣሜሪካን ካለኦት ምዕራባውያን መንግስታትን ከምኡ ከኣ ኣብ ልዕሊ መንግስቲ ክልል ትግራይ ቀጻሊ ክሲ ከቕርብ ጸኒሑ እዩ። እንተኾነ “ንስኻ እንተዘይትደፍኣኒ መንዶ መጽደፈኒ” ከም ዝበሃል ብጉዳይ ስደትን ሳዕቤናቱን እቲ ቀዳማይ ተሓታቲ ባዕሉ ምዃኑ ዝሃድመሉ መንግዲ የብሉን።

ስንብራት ስደት ኤርትራውያን፡ በመንገዲ ሱዳን ሊቢያ ናብ ኤውሮጳ፡ ሱዳን ግብጺ ሲናይ ናብ እስራኤል፡ ኢትዮጵያ ኬንያ፡ ኡጋንዳ ታንዛንያ ደቡብ ኣፍሪቃ ሜክሲኮ ናብ ኣሜሪካ ኣቢልካ ኣብቲ “እዝስ ዝኾነኒ ሃገር እዩ” ዝበልካዮ ምስ በጻሕካ ቀልጢፉ ዝሓዊ ኣይኮነን። ኣብቲ ዝበጻሕካዮ፡ ምስ ዝጸንሓካ፡ ቁጠባዊ፡ ባህላዊ፡ ቋንቋውን ካልእ ኩነታት ህይወትን ብግቡእ ከተሳኒ ምብቃዕን ዘይምብቃዕን ካልእ ብደሆ ምዃኑ ፍሉጥ እዩ። ኣብዚ እዋንዚ ብዙሓት ኤርትራውያን መንእሰያት፡ ንናብራ ስደት በዲሆም፡  ስድራቤታዊ ዋኒኖም ወጊኖም፡ ኣብ ቃልሲ ንጉዳይ ህዝብን ሃገርን ክሳተፉ ንዕዘብ ኣለና። እዚ እቲ ተስፋ ዝህብን ክተባባዕ ዘለዎን እዩ። ብኣንጻሩ ውሑዳት ብሰንኪ ስደት ብዘሕደሮም ጸቕጢ፡ ነዚ ፈተና ምስጋር ስኢኖም፡ ኣብ ዘይርጉእን ኣጨናቕን ኩነታት ዝርከቡ ምህላዎም ግና ዝሕባእ ኣይኮነን። ኣብዚ ቀረባ ግዜ “5ተ ኤርትራውያን ደቂ ኣንስትዮ ብሰብ ሓዳረን ተቐቲለን። ገለውን ደቆም ዝለከሙ ኣለዉ። ካብዚ ዘሰንብድ ፍጻመታት እቲ 3ተ ኣብ ሓደ ሰሙን ዝተፈጸመ እዩ። እቶም ቀተልቲ’ውን ህይወቶም ኣሕሊፎም። ደቆም ዘኽቲሞም ኣብ ማእከል ጎልጐል ተደርብዮም።” ዝብሉ ኣዝዮም ዘደንጽዉቲ ዜናታት ክስምዑ ምቕናዮም፡ ናብራ ስደት ኣብ ክንዲ ዝብድህዎ፡ ዝበደሆም ኤርትራውያን ከም ዘለዉ ዘመልክት እዩ። እዚ ንመጀመርያ ግዜ ዝስማዕ ዘሎኳ እንተዘይኮነ፡ ኣብ ሓጺር ግዜ ብኽንድዚ ጻዕቒ ምፍጻሙ ግና ኣሰንባዲ እዩ።

ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ (ሰዲህኤ) ምስ ናብራ ስደት ምልምማድን ብደሆታት ምስዓርን ከቢድን ናይ ዝምልከቶም ኣካላት ምትሕግጋዝ ዘድልዮን ምዃኑ ስለ ዝግንዘብ፡ ኣብ 3ይን ሓድነታዊ ጉባአኡ ኣብ ዝወሰኖም ውሳነታት ነዚ ብዝምልከት ኣብ ዘቕረቦ ምሕጽንታ፡ “…… ዓለም ለኻዊ ትካላትን ሃገራትን፡ ናይ ዓለም ሕግታት ኣኽቢረን፡ ኣብ ኤርትራ ዘሎ ስርዓት መሰላት ህዝቢ ዘየኽብር፡ ህዝቢ ሃገሩ ራሕሪሑ ክወጽእ ዝደፋፍእን ዜጋታቱ ምቕባል ዝሕሰምን ምምሕዳር ምዃኑ ኣሚነን መሰል ኤርትራውያን ስደተኛታት ንከኽብራ  ንምሕጸነን።”  ዝበሎ ምስትብሃል ኣገዳሲ እዩ።

ካብዚ ኣብ ሰብ-ሓደር ዘጋጠመ ቅትለት ንምድሓን ሓድሽ ትምህርቲ ምውሳድ ዘድልዮ ዘይኮነ፡ እቲ ሃናጺ ክፋል ባህልን ልምድን ህዝቢ ኤርትራ ኣጽኒዕካ ምሓዝ ሓደ ካብቲ መፍትሕታት እዩ። ህዝቢ ኤርትራ ካብ ዝልለየሉ ሓደ ብሰብኣዊ ሕልና ተመሪሑ፡  ናይ ሕጊ ምእዙዝነትን ናይ ጸገማት መፍትሒ ሕጋዊ መንገዲ ምሓዝን ምዃኑ  ምእማንን ብኣኡ ተቐይዱ ዝምራሕን ህዝቢ ምዃኑን እዩ። ኣብ መብዛሕትኡ ክፍልታት ሃገርና፡ ሓደ ዝበደለካ እሞ ኣብ ቅድሚ ሕጊ ከተቕርቦ ዝደለኻዮ ሰብ “ዝባን ሕጊ ካብ እግረይ ከይትተርፍ” ተባሂሉ ዝተገዘዘ፡ ካብቲ ዝገዝዞ ንላዕሊ ሓያል ይኹን ሃብታም ኣብ ክንዲ ብሓይሊ ምጥቃም ቀጥ ኢሉ እዩ ናብ ቦታ ሕጊ ዝኽተሎ። እዚ ናይ ሕጊ ምእዙዝነት ኣብ ግዜ ቃልስና ምእንቲ ናጽነት እውን “ዝባን ገድ” እናተባህለ ዝኽበር ዝነበረ እዩ። ካብዚ ብምንቃል እዮም ከኣ ዝተፈላለዩ ወገናት ንህዝቢ ኤርትራ “ባዕሉ ክመሓደር ዝኽእል ህዝቢ” ዝብል ቅጽል ዝህብዎ። ብመንጽርዚ ክረአ እንከሎ እዞም ሕጂ ካብ ቅትለት ጀሚርካ ንሓይሊ ከም መፍትሒ ዝወስዱ ዘለዉ ወግናትና እቲ ኣብ ሃገሮም ዝነበረ ናይ ሕጊ ምእዙዝነት ባህሊ ዘየርከብሉ ክኾኑ ይኽእሉ። ምናልባት እውን እዚ ተርእዮ፡ ካብቲ ሎሚ ኣብ ኤርትራ ሳዕሪሩ ዘሎ ናይ ፍትሓውያን ዘይኮነ፡ ናይ ዓመጽቲ ልዕልና ዘተባብዕ ምምሕዳር ተቐሲሙ  ዝሳዕረረ እዩ፡ ኢልካ ዘይግመት ኣይኮነን።

ስለዚ ኣሓትን ኣሕዋትን ኤርትራውያን ኣብ ስደት፡ ኣብ ክንዲ ተስፋ ቆሪጽካ ኣብ ተጣዒስካ ዘይምለስ ናይ ምቅትታል ስጉምቲ ምእታው፡ እቲ መፍትሒ ተስፋ ሰኒቕካ በቲ ሓደ ወገን ኣብ መነባብሮ ዘጋጥም ፈተነ እንዳሰገርካ፡ ሕግን ወግዕን ናይቲ እትነብረሉ ሃገራት ተረዲእካ ምንባር ኣገዳሲ እዩ። ኣብ መንጎ ሰብ ሓዳር ንዝራኣዩ ሓደስቲ ናይ ጠባይ ምቅይያራት ምክትታል፡ ጸገም ክፍጠር እንከሎ ከም መፍትሒ ሕጋዊ ስጉምትታት ከምዝቕድሙ ናይ ምርዳእ ኣስተምህሮን ምኽርን ምውድ ኣድላይ እዩ።

ብዘይካዚ ናይ ስነ ኣእምሮን ስነ ሕብረተሰብን ትምህርቲ፡ ክእለትን  ተመኩሮን ዘለኩም ኤርትራውያን ብውልቂ ይኹን ብሓባር መፍትሒ ኣብ ምንዳይን ምትህድዳእን ክትጽዕቱ፣  ጸዋዒታና ነቕርብ። ብቀንዱ ግና ምእንቲ ቀጻሊ ድሕነት ሃገርን  ራህዋ ህዝብን እቲ መሰረታዊ መፍትሒ ጠንቂ ስደት  ንምውጋድን ተወዲብካ ምቅላስ  ምዃኑ ዘይምዝንጋዕ። 

Last modified on Monday, 03 January 2022 18:20