ነቲ ንደልዮ፡ ምእንቲ ከነተግብሮ

2021-12-21 19:20:29 Written by  ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in EPDP Editorial Read 3313 times

ርእሰ-ዓንቀጽ ሰዲህኤ

ኤርትራውያን ካብ ነዊሕ ግዜ ጀሚሩ ናጻን ልኡላዊትን ሃገር ደሊናን ብሂግናን ኢና። እቲ መሰረታዊ ምኽንያት ናይቲ ዘካየድናዮን ነካይዶ ዘለናን ነዊሕን መሪርን ቃልሲ ከኣ መሰረቱ እዚ ድሌትናን ባህግናን እዩ። ድሌትና ታሪኻውን ሕጋውን መሰረት ዝነበሮ፡ ኣብ ሕልና ኩልና ኤርትራውያን ዝሰረጸ ፍትሓዊ፡ እምበር፡ ብስምዒትን ጸቢብ ድሌትን ዝተደፍአ ኣይነበረን። ናይ ምዕዋቱ ምስጢር ከኣ ኣብ ልዕሊቲ ናይ ህዝብና ሓጺናዊ ጽንዓትን ናይ ቃልስና ፍትሓውነትን እቲ ቅኑዕ ታሪኻዊ መበገሲኡ እዩ።

ድሌትን ባህግን ህዝቢ ኤርትራ ብቐሊል ዋጋ ኣይተተግበረን። ብቐሊሉ ናይ ዘይምትግባሩ መዐቀኒ ከኣ፡ እቲ ንምትግባሩ ዘኽእል ዓብላሊ ዓቕሚ ምጥራይ ቀሊል ከም ዘይነበረ ዘመልክት እዩ። ነዚ መተግበሪ ዓቕሚ ብቐሊሉ ዘይምጥራይ፡ ካብቲ ጠንቅታት ሓደ ናትና ናይ ኤርትራውያን ቀልጢፍካ ቀያሪ ዓቕሚ  ክትከውን ዘይምኽኣል እዩ። ነዚ ዘጋደዶ ከኣ ኩልና ብሃግቲ ናጽነት ክነስና፡ ብተግባር ብሓባር ከነሰንዮ ዘይምብቃዕና ከይተዘከረ ዝሕለፍ ኣይኮነን። ነዚ ብኣብነት ንምስናይ ነቲ ኣሉታዊ ግደ ዝነበሮ ናይ ውድባት ምውጣጥ ንመጻኢ እውን መምሃሪ ንክኸውን፡ ምልስ ኢልካ ምዝካሩ ኣገዳሲ እዩ።  እዚ ሕጽረትና መሰረታዊ ኮይኑ፡  ግደ ግዳማዊ መግዛእታዊ ተጻብኦን ደገፍቱን እውን ቀሊል ብጽሒት ኣይነበሮምን። መግዛእቲ ኢትዮጵያ  ኣብ ኤርትራውነትና ከም ቁርዲድ ተጣቢቑ ንነዊሕ ግዜ ዘካየዶ  በደል ንድሌትና ብትሑት ዋጋን ሓጺር ግዜን ንከይትግበር ተጻራሪ ተጽዕኖኡ ብቐሊሉ ዝግመት ኣይነበረን። ኣብ መወዳእታ ግና ኤርትራዊ መተግበሪ ዓቕምና ኣብ ልዕሊ ዓቕሚ ጸላኢ ጸብለል ስለ ዝበለ፡ ቀዳማይ ምዕራፍ ድሌት ህዝቢ ኤርትራ ተተግቢሩ ኤርትራ ናጻን ልኡላዊትን ኮይና።

እንተኾነ ግን፡ ፖለቲካዊ ድሌት ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ግምት ዘየእተወ መስርሕ ናጻ ሃገር፡ ምሉእ ብምሉእ ተዋሒሱ ክበሃል ዝከኣል ኣይኮነን። እቶም ንኤርትራ ህዝባ ኣግሊሎም ክገዝኡ ዝደለዩ እሞ “ኤርትራ መሬታ እምበር ህዝባ ኣየድልየናን እዩ” ዝብሉ ዝነበሩ፡ ኣብ መወዳእታ መተግበሪ ዓቕሚ ስኢኖም ዝተሳዕሩ፡ ሎሚ እውን ሓሓሊፎም ድምጾም ዘስምዑ ዘለዉ ሓይልታት መግዛእቲ እዮም። ናይዚ ተሰሊፍናሉ ዘለና ካለኣይ ምዕራፍ ቃልስና ድሌትን ባህግን፡ ኣብ ናጻን ልኡላዊትን ኤርትራ፡ ብሕገ-መንግስቲ ዝቕለስ፡ ንልዕልና ህዝቢ ኤርትራ ግቡእ ቦታ ዝህብን ብዙሓነት ዝጸውርን ዲሞክራስያዊ ስርዓት ምትካል ምዃኑ ተደጋጊሙ ተነጺሩ እዩ። ከምዚ ዓይነት ድሌትን እምነትን ምሕዳርና መበገሲ እምበር ናይ መወዳእታ ናይ ዓወት ሸቶና ኣይኮነን። ስለዚ ድሌት ህዝቢ ኤርትራን ናይ ለውጢ ውዳበታቱን ተተግቢሩ ነቲ ንደልዮ ንምብቃዕ፡ መተግበሪ ዓቕሚ ሃኒጽካ ምውናን መተካእታ የብሉን። እዚ ዓቕሚ ኣብ ዘይተዋሕሰሉ እቲ ዝጸሓፍ ኮነ ዝዝረብ ድሌት ሕልሚ ኮይኑ እዩ ዝተርፍ። ሓይልታት ዲሞክራስያዊ ለውጢ ኤርትራ እውን ክሳብ ሕጂ ነቲ ናይ ካለኣይ ምዕራፍ ድሌት ህዝቢ ኤርትራ መተግበሪ ዓቕሚ ኣይደለብናን። ክሳብ ሕጂ ኣንጻር ህግዲፍ ናይ ዘይምዕዋትና ምስጢር ከኣ እዚ እዩ። ስለ ዝኾነ እዩ ድማ፥ ህግደፍ መኣዝናት እንዳቐያየረ ኣብ ልዕሊ ህዝብና ዘሽካዕልል ዘሎ።

ድሌት ህዝቢ ኤርትራን ጉጅለ ህግደፍን ተጻራሪ እዩ። ህዝቢ ኤርትራ ኣብታ ብደሙን ኣዕጽምቱን ናጻነት ዘልበሳን ብድምጹ ከኣ ኣኽሊል ልኡላውነት ዝደፈኣላን ሃገሩ መሊኡ ዝረግጸሉን ዓው ኢሉ ድምጹ ዘስመዓሉ ውሑስ ባይታ ክረጋግጽዩ ዝቃለስ ዘሎ። ህዝቢ መንግስቲ ዝወርደሉን ዝደይበሉን እምበር፡ መንግስቲ ንህዝቢ ዘፈራርሓሉ ምምሕዳር ክህልዎ ኣይደልን። ጉጅለ ህግደፍ ብኣንጻሩ ኣብዛ ብክቡር ዋጋ ደቂ ህዝቢ ዝተዋሕሰት ኤርትራ፡ መዕንደሪ ዝንቡዕ ኣተሓሳስባኡን ክትከውን ይደሊ። ክሳብ ሕጂ ኣብ ኤርትራ ብዘሎ ፖለቲካዊ ኣሰላልፋ፡ ብሰንኪ ህግደፍ ዘይጥዑይ ምዃኑ ንጹር እዩ። ጉጅለ ህግደፍ   ዘይህዝባዊ ድሌቱ ዘተግብረሉ ጨካን ዓቕሚ እዩ ኣጥርዩ። በዚ ዓቕሚዚ እዩ ከኣ ህዝብን ሃገርን ካብኡ ሓሊፉ ከኣ ጐረባብቲ ዝሕምስ ዘሎ። “ንሕና ኣንጻር ህግደፍ ንቃለስ ኣለና ክንብል እንከለና እንታይ ማለትና እዩ?” ናይ ዝብል ሕቶ መልሲ ኣዝዩ ሰፊሕ ዝርዝርን ዝተፈላለዩ ጽላታት ዝትንክፍን ከም ዝኸውን ርዱእ እዩ። ብሓጺሩ ንምምላሱ ግና፡ “ነቲ ኣዝዩ ጸቢብ ድሌትን ዓቕምን ናይቲ ጉጅለ ዓጺፍካ ሰፊሕ ድሌት ህዝቢ ኤርትራ ዘበርኽ ዓቕሚ ንምፍጣር እዩ”  ኢልካ ምጥቕላሉ ጌጋ ኣይኮነን።

ይንዋሕ ይሕጸር፡ ንህግደፍ ዝስዕር ክእለትን ዓቕምን ኣብ ኢድ ህዝቢ ኤርትራ ከም ዘሎ ርዱእ እዩ። ህዝብና ነዚ ከተግብር ካብ ኣባላት ናይቲ ጉጅለ ኮነ ካልእ ውዳበታት ዝበዝሐ ምዃኑ ሓደ ብልጫኡ እዩ።  ናብቲ ዝደልዮ ንክበቅዕ ግና ክውደብን ምስቲ ንዲሞክራስያዊ ለውጢ ዝቃለስ ዘሎ ተቓዋሚ  ውድባትን ሰልፍታትን ከምኡ እውን ህዝባዊ ምልዕዓላትን ሚድያታትን ክተኣሳሰር ናይ ግድን እዩ። በዚ ዘለዎ ዘይተሰርዐ ናይ እንዳረኣኻ “ምዕዛብ” ኩነታት፡ ድሌቱ ናብ ተግባር ኣማዕቢሉ ኣብ ዓወት ክበጽሕ ከምዘይክእል፡ እንተኾነ ክሳብ ሕጂ ምተረደኦ’ሞ ስጉምቲ ምወሰደ፡ ካብዚ ሓሊፉ ሕጂ እውን “ካብ ጠቕሊልካ ምብኳር ምድንጓይ ሓይሽ” ይብሃል’ዩ እሞ ይለዓል። ካልእ ኣቋራጭ ድሌትካ ናብ ተግባር መሰጋገሪ መንገዲ ግና የለን። እንተሃለወ’ውን ዘይውሑስን ዘይቀጻልን ምርጫ እዩ።

ብመንጽርቲ ሎሚ ሓይልታት ለውጢ ኤርትራ ዘለናዮ ኣርሒቑ ዘይርኢ፡ ምእንቲ ብሓባር ምስጓም ግቡእ ዋጋ ክኸፍል ዘይውፈ ኣተሃላልዋ፡ ብብዙሓት መልከዓት ዝግለጽ ክስገር ዝግበኦ ሕጽረት እዩ። ኣብ ዝርዝር ከይኣተና ሓይልታት ለውጢ ኤርትራ ድሌትናን ባህግናን ተመሳሳሊ ክነሱ፡ ናብቲ ንብህጎ ንምብጻሕ ዝተበተነ ሰብኣውን ንዋታውን ዓቕምና፡ ውድባዊ ናጽነት ኣብ ዘይነፍግ ሰፊሕ ጽላል ከነዋሰኦ ዘይምኽኣልና፡ ብኣንጻሩ ኣብ ናእሽቱ ምትእኽካባት ጥራይ ምትእምማና፡  እቲ ንደልዮ መተግበሪ ዓቕሚ ናይዘይምፍጣርና ድኽመት ማእከላይ መግለጺ እዩ። ኣብ ኤርትራ ሰላም፡ ዲሞክራሲ፡ ልዕልና ሕጊ፡ ምኽባር መሰረታዊ ሰብኣዊ መሰላት፡ ምህናጽ ሃገርን ህዝብን ዘርብሕ ዝምድና ምስ ጐረባብትን ንዝኣመሰሉን ድሌታትናን ባህግታትናን፡ መተግበሪኦም ዓቕሚ ከነጥሪ ናይ ግድን እዩ። ነዚ ክሳብ ዘይፈጠርና፡ ቃልስና ዘይፍታሕ ሕልሚ ናይ ምዃን ዕድል ከንጸላልዎ  እዩ። ስለዚ ካብዚ ሻቕሎት ንምድሓን፡ ካብ ምምሳል ናብ ምዃን፡ ካብ ምድላይ ናብ ድሌትካ ናይ ምትግባር ብራኸ ክንድይብ ቅሩባት ንኹን።

Last modified on Tuesday, 21 December 2021 20:26