መንግስቲ ኢትዮጵያን፡ ሰብኣዊ ትካላትን

2020-12-08 19:57:25 Written by  ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in EPDP Editorial Read 1928 times

ርእሰ-ዓንቀጽ ሰዲህኤ

ኤርትራውያን ን30 ዓመታት መሪር  ቃልሲ ኣካይድናን ኩሉቲ ቃልሲ ዝሓቶ ዋጋ ከፊልናን ነጻነትና ኣውሒስና። ሞሳቲ ዝኸፈልናዮ ከቡር ዋጋን መሪር ቃልስን ግና ኣይረኸብናን። እኳ ደኣ ድሕሪ ናጽነትና እውን ደረጃታቱ ደኣ ይፈላለ እምበር ብሰንክቲ ሕድሪ ሰማእታትን መብጸዓ ህዝብን ጠሊሙ ስልጣን ዝበሓተ ጉጅለ ካብ ግዜ ናብ ግዜ ኤርትራን ህዝባን ኣይቀሰናን።

ከምቲ “ንበዓል ነጐዳስ ሓዊ ደብሶ” ዝበሃል፡ ህዝብና እቲ ተጻዒንዎ ዘሎ በደል ውሒድዎስ፡ እነሆ ሎሚ እውን ኣብ ክንዲ ካብ ተመኩሮኡ ዝመሃር ንግጉይ መሊሱ ዝደገም ጉጅለ ህግዲፍ፣ ኣብቲ ኣብ ትግራይ ዝካየደ ዘሎ ውግእ ስለ ዝኣተወ ሻቕሎትን ስእነትን ህዝብና ዝያዳ ዓሪጉ ኣሎ። እዚ ናይ ጉጅለ ህግዲፍ ኣብቲ ኣብ ኢትዮጵያ ዝካየድ ዘሎ ውግእ ኣዳዕዲዑ ምስታፉ፡ ወዮ ደኣ “ኮይኑ” ክብሉኻ እንከለዉ ምስንባድ ንቡር ኮይኑ እምበር፡ ብፍላይ ንዓና ነቶም ኣንጻር ጉጅለ ህግዲፍ ንሕያሎ ዓመታት ክንቃለስ ዝጸንሕና ኣካላት ዝተጸበናዮ ደኣ እምበር ሃንደበት ኣይኮነን። እቲ ጉጅለ እውን ንህዝቢ ኤርትራ ንዒቕዎ ዲዩ፡ ወይስ እንታይ ይብል ከምዘሎ ጠፊእዎ፡ ኩሉ ኤርትራዊ ዘቤታዊ ሓላፍነቱ ጠንጢኑ ኣብ ኢትዮጵያዊ ዛዕባ ኣጓድ ሓዊ ምዃኑ ኣብ ዝተፈላለዩ መድረኻት ነጊሩና እዩ። ብግብሪ ከኣ ዓለም ብግብሩ ትግረም ኣላ። ካብ እቶም ዝሕግዞም ዘሎ ዝመስሎም ዝነበረ ኢትዮጵያውያን እውን ብዙሓት በቲ ተግባሩ የጉረምርሙ ኣለዉ።

ናይ ጉጅለ ኢሳያስ ኣብዚ ኣብ ኢትዮጵያ ዝካየድ ዘሎ ውግእ ኢድ ምእታው ሳዕቤኑን ማህሰይቱን ብብዙሕ መዳያት ዝግለጽ እዩ። ንዕምቆቱ ብዝምልከት ከኣ ብዓብይኡ ንኤርትራዊ ልኡላውነት ኣብ ሓደጋ ዘእቱን ስዑራት ንዝነበሩ ገዝእቲ ኤርትራ፣ መሊሶም ክበራበሩ ዘተባብዕን እዩ።  ካብቲ ሳዕቤናት ሓደን ኣዛራቢ ኮይኑ ዘሎን  ከኣ፡ ብሓፈሻ ጉዳይ ኤርትራውያ ኣብ ኢትዮጵያ፡  ብፍላይ ከኣ ኣብ ትግራይ ዝጸንሑን ዘለዉን ኤርትራውያን እዩ። ኣብ ኢትዮጵያ ዘለዉ፡ ጉጅለ ህግዲፍ ነቲ ብዶ/ር ኣብይ ኣሕመድ ዝምራሕ ፈደራላዊ መንግስቲ ኢትዮጵያ ተጐዝጒዙን ኣደናጊሩን ክሃስዮም ዝደሊ ኤርትራውያን ኣብ ዝተፈላለየ ደረጃታት መነባብሮ ዝርከቡ እዮም። ኣብ ኢትዮጵያ ነዊሕ ዓመታት ዝተቐመጡን ቁጠባውን ማሕበራውን ህይወቶም ዝመርሑ ዘለዉ ምናልባት እውን ኣብኡ ዝተወልዱ እሞ ንምምሕዳር ጉጅለ ህግዲፍ ዘይፈልጥዎ ብዙሓት እዮም። ኣብ ሃገሮም ኣተሓሳስባኦም ከየንጸባርቑ ዝተነፍጎም ናይ ዝተፈላለያ ፖለቲካዊ ውድባትን ሰልፍታትን ኣባላት እውን ኣለዉ። ስደተኛታት ኮይኖም በቲ ቅድም ዝነበረ ፖሊሲ ኢትዮጵያ ኣብ ጉዳይ ኤርትራውያን ስደተኛታት ተፈቒድሎም ኣብ ዝተፈላለያ ከተማታት ኢትዮጵያ ዝነብሩን ኣብ ዩኒቨርሲቲታት ዝመሃሩን ስደተኛታት እውን ኣካል እዚ እዮም። ብዓብይኡ ከኣ ኣብተን ኣብ ኢትዮጵያ ዘለዋ 6ተ መደበራት ስድተኛ ኣብ ትሕቲ ላዕለዋይ ኮሚሽን ጉዳይ ስደተኛታት ዝተዓቖቡ ኣለዉ።

ካብተን 6ተ ኣብ ኢትዮጵያ ዘለዋ መደበር ስደተኛታት ኤርትራውያን፡ ሽመልባ፡ ሕንጻጽ፡ ማይ ዓይንን ዓዲ ሓርሽን ኣብ ትግራይ እሞ ድማ ኣብቲ ሓያል ውግእ ዝተኻየደሉን ገና ዘይዓረፈን ከባቢ እየን ዝርከባ። ነዘን መደበር ስደተኛታት ዘመሓድሩን መሰረታዊ ጠልባት ዘቕርቡ ዝነበሩ ሰራሕተኛታትን በቲ ውግእ ስለ ዝተጸልዉ ነብሶም ከውጽኡ ነተን መደበራት ገዲፈምወን ከይዶም እዮም። ኣብዚ መደበራት ብሰንኪ እቲ ዝካየድ ዘሎ ውግእ ኩሉ ዓይነት መራኽብታት ስለ ዝበኾረ፡ ቤተሰብ ስደተኛታት፡ ሓለፍቲ ላዕለዋይ ኮሚሽን ጉዳይ ስደተኛታት፡ ሰብ መዚ ቤት ምኽሪ ጸጥታ ሕቡራት ሃገራት፡ ዓለም ለኸ ማሕበር ቀይሕ መስቀልን ሓያሎ ተሰማዕነት ዘለወን ሃገራትን ሻቕለቶም ይገልጹ ኣለዉ። መንግስቲ ኢትዮጵያ ናብቶም ስደተኛታት ዘብጽሕ መንገድታትን ናይ ርክብ መሳለጥታትን ክኸፍት ብብዙሕ ኩርነዓት ምሕጽንታ ቀሪብሉ ክነሱ ተግባራዊ ምላሹ ኣዝዩ ዘገምታዊ ኮይኑ ኣሎ። 

ኣብዚ መደበር ስደተኛታትን ከባብታትን ውግእ ስለ ዝተኸፍተ በቲ ውግእ ዝሞቱን ዝተወግኡን ስደተኛታት ከም ዘለዉ ተረጋጊጹ ኣሎ። ናይቶም ስደተኛታት ሞባይላት፡ ስልማት ወርቅን ካልእ ክቡር ናውትን በቶም ኣብቲ ከባቢ ዘለዉ መንነቶም ዘይተፈልጡ ከም ዝተራሰየ እውን መርተዖታት ኣለዉ። ካብቶም ስደተኛታት ብዙሓት ገሊኦም ናብ ሱዳን ገሊኦም ከኣ ናብ ማእከል ኢትዮጵያ ዝሃደሙ ኣለዉ። ኣብ ጉዕዝኦም ግዳያት ዝኾኑ እውን ኣለዉ። ብዕድመ ዝደፍኡን ኣዴታትን ህጻናትን ከኣ ዓቕሚ ስኢኖም ብዓቕሊ ጽበት ተዋሒጦም መፍትሒ ይጽበዩ ኣለዉ።

እቲ ስግኣት ውግእን ኣብተን መደበራት መሰረታዊ ቀረብ ምብኳርን ጥራይ ኣይኮነን። ጉጅለ ህግዲፍ እውን ምስ ወተሃደራት ፈደራላዊ መንግስቲ ኢትዮጵያ ተሻሪኹ፡ ንስደተኛታት ዝምልከት ፖሊሲ ላዕለዋይ ኮሚሽን ጉዳይ ስደተኛታትን ጥሒሱ፡ ነቶም ብሰንኩ ዝተሰዱ ኤርትራውያን ብሓይሊ ናብ ኤርትራ ክመልሶም ይንቀሳቐስ ኣሎ። ዝተፈላለየ ኣሃዛት እንዳጠቐሱ እቲ ኣገዲድካ ምምላስ ከም ዝተተግበረ ዝእምቱ ወገናት እውን ኣለዉ። ብዶ/ር ኣብይ ኣሕመድ ዝምራሕ መንግስቲ ኢትዮጵያ ከኣ፡ ልቃሕ ናይቲ ኢሳያስ ዝዘረየሉ ዘሎ ክመልስ ክብል፡ ርእዩ ከምይዘይረኣየ ኮይኑ ንጉጅለ ህግዲፍ ከምዘይዕንቅፎ ርዱእ እዩ።

 ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ (ሰዲህኤ) ወትሩ ጉዳይ ህዝቢ ኤርትራ ጉዳዩ ስለ ዝኾነ፡ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙናት ኣብ ዘካየዶ ህጹጽ ኣኼባ ማእከላይ ባይቶኡ፡ “ነዚ ህዝቢ ኤርትራ ወሪዱዎ ዘሎ ሕሰም ተረዲኦም ዓቕሞም ዝፈቕዶ ሓገዝ ካብ ዝገብሩ ገበርቲ ሰናይ ጐረባብቲ መንግስታት ኢትዮጵያን ሱዳንን ዝጥቀሳ እየን። ብፍላይ ኣብ ኢትዮጵያ፡ ብዝሒ ዘለዎም ዜጋታትና ኣብ ዝተፈላለያ ከተማታትን ዞባታትን ተበቲኖም ምህላዎም ዝፍለጥ ኰይኑ፡ እቶም ዝበዝሑ ድማ ኣብ ትግራይ ኣብ ዝርከባ ዝተፈላለያ መዓስከራት ኢዮም ዝነብሩ ዘለዉ።  ምስ ተፈጢሩ ዘሎ ሓድሽ ናይ ውግእ ኩነታት ሃለዋት ዜጋታትና ኣብ ከቢድ ፈተና ከምዝወደቐ ዘጠራጥር ኣይኰነን። ኢሉ ኣሎ። ስለዚ ሕጂ እውን ደጊምና እቲ ሓድገኛ ጉጅለ ነዚ ኣብ ኢትዮጵያ ተፈጢሩ ዘሎ ዕግርግር ተጠቒሙ፡ ኣብ ልዕሊ ኣብ ኢትዮጵያ ዝነብሩ ኤርትራውያን በደልን ጭውያን ከየካይድ ግቡእ ሓለዋ ንክገብር ንፈደራላዊ መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣትሪርና ንምሕጸን። እዚ ጉዳይ ዝምልከቶም ዞባውን ዓለምለኻውን ሰብኣዊ ትካላት ከምቲ ጀሚረምዎ ዘለዉ፡ ብዘለዎም ዓቕሚ መሰል ኤርትራዊ ዜጋታትን ስደተኛታትን ኣብ ኢትዮጵያ ክሕለው ክጽዕቱ ንጽውዕ። ንሕና ኤርትራውያን ከኣ ብንዋታዊ ሓገዝን ሞራላዊ ምትብባዕን ኣብ ጐኒ እዞም ኣብ ጨንቂ ዘለዉ ኤርትራውያን ክንስለፍ ግቡእና ምዃኑ ደጊምና ነዘኻኽር።

Last modified on Tuesday, 08 December 2020 21:00