ህዝቢ ኤርትራን ጐረባብቱን

2020-10-28 08:23:56 Written by  ቤት ሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in EPDP Editorial Read 2039 times

ርእሰ-ዓንቀጽ ሰዲህኤ

ህዝቢ ኤርትራ ምስ ጐረባብቱ ህዝብታት ጥራይ ዘይኮነ፡ ብዞባ ኮነ ብዓለም ደረጃ እንተዝወዳደር እውን፡ “እምቢ ንመግዛእትን ወጽዓን” ኢሎም መሰሎም ብቃልሶም ካብ ዘረጋገጹ ህዝቢታት ቅድሚት ዝስራዕ እዩ። ኣብቲ ጌና ቀጻሊ ዘሎ ጉዕዞ ቃልሱ ጽንዓቱ፡ ትብዓቱን ሓድነቱን ምስጢር ዓወቱ ምዃኑ ዝተረድኡ ናይ ግዳም ገዛእቲ ኮኑ ዘቤታውያን ወጻዕቲ ነዚ ምስጢር ናይ ዓወቱ ዝኾነ ባህርያቱ ከዳኽሙ ቅድም ላሕ ኢሎም፡ ሎሚ’ውን ይቕጽሉ ኣለዉ። ቅድም ናጽነቱ ከም ዘይከልከልዎ፡ ሎሚ’ውን ናይ ግዜ ጉዳይ እንተዘይኮይኑ፡ ወሳንነት ህዝባ ዝረጋገጸሉ ዲሞክራስያዊት ኤርትራ ካብ ምህናጽ ኣይክዓግትዎን እዮም።

እወ! ህዝቢ ኤርትራ ክሳብ ሎሚ ሞሳ ናይቲ ዝኸፈሎ ክቡር ዋጋ ኣይረኸበን፡ ጥራይ ዘይኮነስ ምስ ግዜ መግዛእቲ እንዳወዳደረ፡ “ባዕለይዶ በላዕየይ ጸዊዐ” ብዘብል ምረት ክንዲ ዝያዳ ዝተቓለሰ፡ ዝያዳ ተወጻዕን ተበዳልን ኮይኑ ምህላዉ ይረአ ኣሎ። ንዝሓለፈ ሰላሳ ዓመታት ብሰንኪቲ ሕድሩ ዝበለዐ መላኽዒ ኢሳያስ ኣፈወርቂ ዝመርሖ ጉጅለ ህግዲፍ፡ “ድምጹ ኣብ ዘይስመዓሉ” ሃለዋት  ይደሃኽ ምህላዉ ንዕዘቦ ኣለና። “ነዚ ኣፉ ዝተለጉመ  ህዝቢ ድምጺ ንኹኖ” እንብል ከኣ ካብዚ ነቒልና ኢና።

ኣብ ትሕቲ ወጽዓ ምንባር ብህዝቢ ኤርትራ ዝተጀመረ ኣይኮነን። ርሑቕ ከይከድና፡ ጐረቤቱ ህዝቢ ሱዳን ዳርጋ ንሰላሳ ዓመታት፡ ኣብ ትሕቲ  ምምሕዳር ዑመር ኣልበሽር ኣብ ተመሳሳሊ ወጽዓ ጸኒሑ። ግን ከኣ ምሉእ ዳኣ ይግበሮ እምበር ብቓልሱ ንበሽር ኣልጊስዎ እዩ። ጉጅለ ህግዲፍ ምእንቲ ናይ ለውጢ ንፋስ ካብ ሱዳን ናብ ኤርትራ ከይነፍስ፡ ኣብ ሱዳን እውን ሓቀኛ ናይ ለውጢ ድምጺ ንከይስማዕ ኢድ ኣእትዩ ንሓያሎ ዓመታት ክዘርግ ከም ዝጸንሐ ዝዝንጋዕ ኣይኮነን። እቲ ምዝራግ ናይ ህግዲፍ ሎሚ እውን ኣብ ሱዳን ምልክታቱ ይረአ ኣሎ። ናይቲ ጉጅለ ኢድ ኣብ ምግዳድ ጸገማት ምብራቕ ሱዳን ኣብ ዝተፈላለዩ መድረኻት ኣዘራራቢ ኮይኑ ምህላዉ ከኣ መረጋገጺ እዩ።

ተመኩሮ ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ፡ ኣብ ኤርትራ ጥራይ ተሓጺሩ ዝነበረ ዘይኮነ፡ ካብ ኤርትራ ወጻኢ ዘሕድሮ ጽልዋታት ነይርዎ እዩ። ብፍላይ ከኣ ኣብ ሱዳንን ኢትዮጵያን ጽልዋኡ ርኡይ ነይሩ። ኣብ ሱዳን ዘነበረ ወጽዓ ምስ ናይ ኤርትራ ዝመሳሰል እምበር፡ ዝሓሸ ምንባሩ ፍሉጥ እዩ። ካልእ ይትረፍ ሱዳናውያን ኣብ ገዛእ ዓዶም ኣብ ፖሊታዊ ኮነ ሲቪላዊ ምልዕዓላት ናይ ምውዳብን ናይ ተቓውሞ ሰልፍታትን ኣድማታትን ናይ ምክያድን ተኽእሎ ነይርዎም። ሳላዚ ዕድል ምርካቦም ከኣ ነቲ ወጻዒ ጉጅለ ብማዕዶ ዘይኮነ ብቐረባ ኣብ ኣፍንጫኡ ኮይኖም ክከታትልዎን ድቃስ ክኸልእዎን ኣኽኢልዎም። ሳላዚ ተኽእሎዚ ከኣ  ንምምሕዳር ዑመር ኣልበሽር ብዘይጐነጻዊ ህዝባዊ ማዕበል ኣወጊደምዎ። ህዝቢ ሱዳን ናብዚ ዓወትዚ ካብ ዘብቅዕዎ ቀንዲ ምኽንያታት  ኩሎም ኣብ ለውጢ ረብሓ ዘለዎም ምስ ኩሉ ፍልልያቶም ብሓባር ኣንጻር ናይ ሓባር ወጽዓኦም  ክስለፉ ምብቀዖም እዩ። ካብዚ ሓሊፉ ናይታ ሃገር ሰራዊት ምስ ህዝቡ ምስላፉ ኣብነታዊ ብጽሒት ነይርዎ።

ብዙሓት ወገናት ነቲ ነዊሕን መሪርን ተመኩሮ ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ግምት ኣእትዮም፡ ናይ ለውጢ ንፋስ ካብ ኤርትራ ናብ ሱዳን ኣብ ክንዲ ዝነፍስ ብኣንጻሩ ኮይኑ ክብሉን ከስተንትኑን ይስምዑ እዮም። በዚ ኮነ በቲ  ሎሚ ህዝቢ ኤርትራ ካብ ተመኩሮ ህዝቢ ሱዳን ክቐስሞ ዝግበኦ ናይ ቃልሲ መስርሕ  ኣለዎ። ኣብዚ ዝሓለፈ ክልተ ዓመታት፡ ቅድም  ኣብ ኢትዮጵያ ድሕሪኡ ከኣ ኣብ ሱዳን ናይ ለውጢ ድምጽታት ምስተሰምዐ ኣብ ኤርትራ  እውን ጽልዋ ከምዘሕድር ናይ ብዙሓት ግምት ነይሩ። ብግብሪ ግና ትሕቲ ግምት ኮይኑ። ከምኡ ዝኾነሉ  ምኽንያት ከኣ፡ ክጽናዕ ዝግበኦ እዩ።

ገለ ካብቲ ጐሊሑ ዝተራእየ፡ እቲ  ናይ ጐረባብቲ ሃገራት ለውጥታት ንኤርትራ ክንድቲ ትጽቢት ዝተገብረሉ ዘይምጽላዉ ምኽንያት፡ እቲ ኣብ ኤርትራ ዝገዝእ ዘሎ ጉጅለ፡  ለውጢ ናብ ኤርትራ ከይልሑኽ፡ ተሓላቒ ልኡላውነት ሃገር ተመሲሉ፡ ንህዝቢ ጅሆ ሒዝሉ ዝነበረ ኣጀንዳታቱ ብተጻራሪ  ቀይሩ፡ ኣብተን  ሃገራት ኢድ ኣእትዩ ዝፈጠሮን ዝፈጥሮ ዘሎን ዕግርግርን ምዝራግን እዩ። በዚ ኣቢሉ ከኣ “ለውጢ ኣብ ሱዳን ኮነ ኣብ ኢትዮጵያ ብዘይካ ህውከትዶ እንታይዶ ጠቒሙ እዩ?” ዝብል ስምዒት ኣሕዲሩ፡ ህዝቢ ሰጊኡ ንለውጢ ዝካይዶ ቃልሲ ከም ዘዋድቖ ንምድራኽ ይጽዕር ኣሎ። እቲ ምስዘን ክልተ ጐረባብትና ሃገራት ብመሬት ንዝራኽብ ዶባት ንሓንሳብ ምዕጻዉ ንሓንሳብ ድማ ምኽፋቱ ከኣ ናይዚ ስግኣቱ ምልክት እዩ። እዚ ምዕጻውን ምኽፋትን ምስ ኤርትራ ዘራኽብ ዶባት፡ ናይ ለውጢ ንፋስን ዲሞክራስያዊ ጽልዋን ንምዕጻው ጥራይ ዘይኮነ፡ ንህዝቢ ኤርትራ ብስእነት መሰረታዊ ቀረባት ቀጺዕካ፡ ብዛዕባ “ካብዚ ዝኸፈአ ኣይተምጸኣልና”  ምህልላ እምበር፡ ብዛዕባ ዝሓሸ መጻኢ ከም ዘይሓስብ ንምግባሩ እዩ። እንተኾነ ንህግዲፍ ደኣ ይመስሎ ይኸውን እምበር፡ ህዝቢ ኤርትራስ ክሳብ ዝተወጸዐ ኣንጻር ወጽዓ ምቅላስ ከዋድቖ እዩ ኢልካ ምጽባይ  ዘበት እዩ። ማሕለኻታት ህግዲፍ በቲኽካ፡ ካብ ተመኩሮ ህዝቢ ሱዳንን ካለኦት ለውጥታትን ተመኲርካ ቃልስኻ  ምሕያልን ምብርባርን፡ ሕጂ እውን ኣብ ቅድሚ ህዝቢ ኤርትራ ዘሎ ካልእ ዘይዓሞ መሰረታዊ ሓላፍነት እዩ።

ካብዚ ጌና ብዙሕ ጸገማት ዘለዎን ኣብቲ ዝዓለሞ ክበጽሕ ብዙሕ ብደሆታት ዝጽበዮ ዘሎን ተመኩሮ ለውጢ ህዝቢ ሱዳን፡ ክመሃር ዝግበኦ ህዝቢ ኤርትራ ጥራይ ኣዘይኮነ፡ ዝያዳ ሓይልታት ምክልኻል ኤርትራ እዩ። ሓይልታት ምክልኻል ኤርትራ ህዝቡ ኣብ ከመይ ዝኣመሰለ መሪር ወጽዓ  ከም ዘሎ ንሱ ዝምህርን ዝሕብርን እምበር፡ ኣብ ማእከል እቲ ማዕበል ወጽዓ ስለ ዘሎ “ከምዚ እዩ” ተባሂሉ ኢልካ ዝንገሮ ኣይኮነን። ጉጅለ ህግዲፍ ንህዝብና ዝብድሎ ዘሎ ከኣ ንዓኡን ካለኦት ትካላት ጸጥታን ተጐዝጒዙ እዩ እምበር ብኻልእ ተኣምር ኣይኮነን። ስለዚ ከምቲ ሰራዊት ሱዳን ዝገበሮ፡ ምስ ህዝቡ እምበር ምስቲ ወጻዒ ጉጅለን ትካላቱን ክስለፍ እዋናውን ወድዓውን ኣይኮነን። እቲ ጉጅለ መስመር ኣስሒቱ ዘይሩዘይሩ ንኤርትራዊ ጉዳይና ሓላሊኹ ናብ ዝኸፈአ ዝወስድ ዘይምልከቶ መንገዲ ህውከት ከየእትዎ ክጥንቀቕ ይግበኦ። ኤርትራዊ ናይ ለውጢ ሓይልታት እውን ካብዚ ኣብ ከባቢና ዝረአ ዘሎ ለውጥታት ንኩነታት ሃገርናን ቀጻሊ ረብሓ ህዝብናን ኣብ ግምት ብምእታው ዝውሰድን ዘይውሰድን ተመኩሮ መሚኻ ናይ ምቕሳሙ ሓላፍነት ከም ዘለዎም ክዝንግዑ ኣይግበኦምን።

Last modified on Wednesday, 28 October 2020 09:27