ሎሚ ካብ ትማሊ ብዝተፈልየ ንሕሰብ

2020-08-08 08:55:54 Written by  ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in EPDP Editorial Read 2675 times

ርእሰ-ዓንቀጽ ሰዲህኤ

ህዝቢ ኤርትራ፡ ትማሊ ንኹሉ ኣንጻሩ ዝእለም ዝነበረ  ናይ ርሑቕን ቀረባን ውዲታት ስዒሩ ሳላ ዝተቓለሰ ናጽነቱ ጨቢጡ እዩ። ምእንቲ ዓለም ኣጸቢቓ ክትኣምንን ኤርትራዊ ልኡላውነት ወግዒ ክለብስን ከኣ መስርሕ ረፈንደም ተኻይዱ፡ 99.83% ካብ ህዝቢ ኤርትራ ኣዳዕዲዑ፡ “እወ ንናጽነት” ዝብል ሰማያዊ ካርዱ መዚዙ። እዚ መስርሕ ህዝቢ ኤርትራ ንናይ ግዳም ይኹን ንናይ ውሽጢ ኣዕለበጥቲ፡ ኣብ ልኡላውነቱ ዝኾነይኹን ምጥርጣር ከምዘይብሉ ዘረጋገጸሉ ኣዝዩ ድሙቕ ማሕተሙ ዘንበረሉ  እዩ። ኣብቲ መድረኽ’ቲ ዲክታቶር ኢሳያስ ደጊኡ ገዲፍካ “ውሽጡ እንታይ ይሓስብ ነይሩ?” ምስቲ ሎሚ ዘርእዮ ዘሎ ወለቕዘለቕ ንምግማቱ ዘጸግም ኣይኮነን።

ኣብቲ ናጽነት ኤርትራ ንምርግጋጽ ዘካየድናዮ፡ ነዊሕን ኩርኳሕ ዘይተፈልዮን ጥምጥም ኣንጻር ሓይሊ መግዛእቲ፡ ኣብ ሕድሕድ ኤርትራውያን እውን ብዙሓት ዘቀሓሓሩና፡ እንተኾነ ንመስርሕ ቃልሲ ምእንቲ ናጻ ኤርትራ ዘይዓገቱ፡ ኣጋጣምታት ከም ዝነበሩ ኣብ ሕልና ኩልና ዘሎ እዩ። ምቅሕሓር ጥራይ ኣይኮነን፡ ከምቲ ሓደ ለባም ኤርትራዊ ኣቦ “ኤርትራውያን ጸባ ሓንቲ ላንምን እቶት ሓደ ዓውድን ኢና” ዝበልዎ፡ ኣሕዋትን ሰብ ሓደ ዕላማን  ክንስና ተጓኒጽናን ክኽፈል ዘይነበሮ ዋጋ ከፊልናን ኢና። እዚ ናይ ሽዑ ጐንጽና ንገዛእትና እንተዘይኮይኑ፡ ነቶም ናይቲ ጐንጺ ተዋሳእቲ ዝነበርና ኣካላት ኮነ ንህዝብና  ፋይዳ ከምዘይነበሮ ሎሚ ኣብ ቅድሚ ኩልና ብሩህን ከይድገም መምሃሪ ክኸውን ዝግበኦን ምዃኑ ኣብ ኣእምሮ ነፍሲ ወከፍና ተመዝጊቡ ዘሎ እዩ።

ኣብዚ እዋንዚ ናይተን ኣብ ሕድሕደን ዘይቃደዋ ዝነበራ፡ ውድባት ድሕረ-ባይታታት ዘለና ኤርትራውያን፡ ነቲ ናይ ሽዑ ምስሕሓብና ንታሪኽን ንተመራመርቲ ታሪኽን ገዲፍና፡ ኣብ ንቕድሚት ዘማዕዱ ሓባራዊ ናይ ለውጢ ቃልሲ መስርሕ ክንስለፍ ምብቃዕና ዓብይ ስጉምቲ ንቕድሚት ኣብ ምሕጻር ዕድመ ጉጅለ ህግዲፍ እዩ። ነዚ ብሓባር ምስላፍና ኣስጢምና ሒዝና ከነማዕብሎን ነቲ ናይ ሓባር ሸቶና ኣብቲ ክበጽሖ ዝግበኦ  ከነብጽሖን ከኣ ዕዙዝ ሓላፍነት ኣለና። ኣብቲ ግቡእ ናይ ሓባር መስርዕ ምእታውና ቅኑዕ ኮይኑ፡ ኣብቲ ኣብ ቅድሜና ዘሎ ብቐዳምነት ዝስራዕ ምውጋድ ህግዲፍ እንተዘየብጺሕናዮ ግና፡ ምጅማርና ንበይኑ ትርጉም የብሉን። ምጅማርን ኣብቲ ክትበጽሖ ዝግበኣካ ምብጻሕን እንተዘይተናቢቦም ተነጻጺሎም ዝህብዎ ውጽኢት ትርጉም የብሉን።

እዚ ኣብ ቅድሜና ተገቲሩ ዝጽበየና ዘሎ፡ ኣብ ኤርትራ ለውጢ ናይ ምምጻእን ሓድነት ህዝብና ናይ ምዕቃብን ሓላፍነት፡ ናይ ኩልና ለውጢ እንብህግን በቲ ዝረጋገጽ ለውጢ እንሕበንን ኤርትራውያን እምበር፡ ብናይ ውሱናት ውድባት፡ ሰልፍታት፡ ህዝባዊ ምልዕዓላትን ማሕበራትን ጻዕሪ ጥራይ ዝዕወት እዩ ኢልካ ዝግደፍ ኣይኮነን። ናይዞም ኩሎም ሰብ ዋኒን ኣበርክቶ በበቲ ዝጥዕሞም ኣገባብ ዝብገስ’ኳ እንተኾነ፡ ናብ ሓደ ናይ ሓባር ናይ ቃልሲ ፈለግ ከም ዝውሕዝ ምግባሩ ግና ኣገዳሲ እዩ።  ኩሉ ብሰንኪ ጉጅለ ህግዲፍ ደም ዝነብዕ ዘሎ ኤርትራዊ፡ እንተላይቲ ብረት ዓጢቑ ዘሎ ሓይልታት ምክልኻል ኤርትራ፡ ኣካል ናይቶም ናይ ለውጢ ተዋሳእቲ ኤርትራውያን እዩ። ሓይልታት ምክልኻል ኤርትራ እቲ ደጋዊ ለቢስዎ ዘሎ ወተሃደራዊ ክዳንን ተዓጢቕዎ ዘሎ ኣጽዋርን እምበር፡ ውሽጣዊ ኣተሓሳስባኡስ ናይቲ ህዝባዊ ናይ ለውጢ ሓይሊ ኣካል ምዃኑ  ብሩህ እዩ። ምኽንያቱ ንጹር እዩ። ንሱ እውን ኣብ ምምሕዳር ህግዲፍ ዝያዳ ዝጭቆን ዘሎ ክፍሊ ሕብረተሰብ ኤርትራ ስለ ዝኾነ። ህግዲፍ እውን ርእዩ ከምዘይረኣዮ ክሓልፎ እንተዘይኮይኑ ኣተሓሳስባዚ ኣካልዚ ናበይ ገጹ ምዃኑ ዝስሕቶ ኣይመስለናን።

ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ (ሰዲህኤ) ኣብ መቕድም’ቲ ኣብ ዕዉት 3ይን ሓድነታውን ጉባአኡ  ዘጽደቖ ፖለቲካዊ መደብ ዕዮኡ “ኩሎም  ዜጋታት ብዘይ ገለ ተጽዕኖን ደረትን ኣብ ፖለቲካዊ መስርሕ ሃገሮም ብምስታፍ፡ ብህዝባዊ ምርጫ ብሓላፍነት ዘገልግሉ ተሓታትነቶም ንህዝቢ ዝኾኑ  መንግስታውያን ኣካላት ከቑሙ መሰሎም ምዃኑ ይኣምን።” ኢልዎ ዘሎ፡ ነዚ ኣቐዲሙ ዝተጠቕሰ ዝያዳ ዘዕዝዝ እዩ።

ከምቲ ግቡእ ብናይ ትማሊ ጌጋታት ተኣሲርና፡ ካብ ናይ ሎምን ጽባሕን ኣድማዒ ምንቅስቓሳትና ጅሆ ክንሕዝ ኣይግበናን። እዚ ከበሃል እንከሎ ግና “ሰባት በቲ ሎምን ጽባሕን ክሰርሕዎ ዝግበኦም ጥራይ  ዘይኮነ፡ በቲ ትማሊ ክሰርሕዎ ዝግበኦም ዝነበረ’ሞ ዘይሰርሕዎ እውን ክሓስቡ ይግበኦም” ዝብል ሓሳብ ኣይንዝንግዖን ኢና። እዚ  ነቲ ናይ ትማሊ ሕጽረት ሓሊፉ ክነሱ፡ ናብ ሎሚ ኣምጺእና ክንቅይሮ ንኽእል ኢና ማለት ግን ኣይኮነን። ናይ ሎሚ ስራሕና ካብኡ ዝሓሸ ምእንቲ ክኸውን ነቲ ናይ ትማሊ ሕጽረትና ክንመሃረሉ ከም ዝግበኣና ግና ኣይንዘንግዕ። ትማሊ ዘካየድናዮ ዘየርብሓና ናይ ሕድሕድ ጐንጺ ኣሕሊፍና ኢና። ካብኡ ብዘይምምሃር፡ ኣብዚ ናይ ድሕሪ ናጽነት መድረኽ ቃልሲ’ውን ሰኣን ምክእኣልን ምጽውዋርን ብሓደ ክንሰርሓሉ ዝግበኣና ዝነበረ ወርቃዊ ንህግዲፍ ናይ ምስዓር ግዜ ከም ዘባኸና ክንእመን ይግበኣና። ካብቲ ዝሓለፈና ዕድል  ክንመሃር ግና ሕጂ’ውን ቅኑዕ እዩ። ነቲ ካብቲ ዝሓለፈ ኣሉታ ክንመሃሮ  ዝግበኣና እንተ ኣጽኒዕናዮ ዳግማይ ጌጋ ኣይክንፍጽምን ኢና። ነዚ እንተዘይበቒዕና ግና በቲ ኣብ መጻኢ ክንትግብሮ ዝጽበየና ዕማም ዘይምትግባር ጥራይ ዘይኮነ፡ በቲ ክንመሃረሉ ዝግበና ብዘይምምሃርና’ውን ክንጣዓስ ኢና።

ሎሚ እነርእዮ ናይ ትግሃት፡ ሓልዮትን ምክእኣልን ብቕዓት ናይቲ ጽባሕ ዝጽበየና ዕማም ምዕዋት ኣመላኻቲ እዩ። ሎሚ ኣብ ዘይመድመድናዮ ባይታ ናይ ጽባሕ ኣብ ዘተኣማምን ባይታ ክስረትን ክዕወትን ዘለዎ ዕድል ጸቢብ እዩ። ዕላማና ሎሚ ንህግዲፍን መላኺ ኣተሓሳስባኡን ኣወጊድና ጽባሕ ኣብ ክንድኡ፡ ሕገ-መንግስታዊ፡ ብዙሕነታውን ህዝባውን ስርዓት ምትካል እዩ። እዚ ዘመልክቶ ከኣ፡ እቲ ናይ ጽባሕ ኣርሒቑ ዝጥምት ናይ ራህዋ ሸቶና፡ ብናይ ሎሚ ኣተሓሳስባናን ግብራዊ ስጉምትናን ኣዝዩ ዝጽሎ ምዃኑ እዩ። ሎሚ ካብ ሕዱር ቂም ወጺእና፡ ቀዳምነታትና ብንጹር ሰሪዕና፡ ሕድገትን ምክእኣልን፡ ልዕሊ ኩሉ ከኣ ህዝባውን ሃገራውን ሓላፍነት ዓጢቕና እንተዘይተሰሊፍና፡ ኣብ ዘይብሩህን ዘይምትእምማንን መጻኢ “ከምዚ ክንገብር ኢና” እንተበልና፡ ተቐባልነትና ኮነ ተዓዋትነትና ምሉእ ከም ዘይከውን ምግንዛብ የድልየና። ምስዚ ኣብ ዝዛመድ  ምሁራት  “እቲ ዘርብሕ ኣብ ቃልሲ ዘሕለፍካዮ ንውሓት ግዜ ዘይኮነ፡ ኣብቲ ዘሕለፍካዮ ግዜ ዘመዝገብካዮ ቁምነግር እዩ” ንዝብልዎ ምርዳኡ ኣገዳሲ እዩ።

Last modified on Saturday, 08 August 2020 11:12