ኢሳያስ! “ኣባ ጉንባሕሲ፡ ዘይግራቱ ይኾልል”

2020-05-06 06:05:03 Written by  ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in EPDP Editorial Read 2822 times

ኢሱ፡ወያካብ ቻይና ዝተሓስማ መሸፈኒ ኣፍን ኣፍንጫን ኣብ ባቱስ ግጥም ኣቢልዋ

ርእሰ-ዓንቀጽ ሰዲህኤ

  1. ኣብዚ እዋንዚ መላእ ዓለምናን ህዝባን፡ ኣብ ኣዝዩ ሓደገኛ ሻቕሎት ኣለዉ። ኤርትራን ህዝባን እውን ከም ኣካል ናይ ዓልም ኣብዚ ናይ ሻቕሎት ህሞት እዮም ዝርከቡ። እዚ ዘለናዮ ዓለማዊ ኩነታት፡ ኣብ ልዕሊ ነፍሲ ወከፍ ሰብ ከቢድ ሻቕሎት ዝፈጠረ ኮይኑ፡ ብፍላይ ኣብ ልዕሊ መራሕቲ ሃገራት ዘንብሮ ሓላፍነት ኣዝዩ ከቢድ እዩ። መራሕቲ ሃገራት ኣብዚ እዋንዚ ቀንዲ ዝረባረብሉ ዘለዉ ዕማም ምድሓን ህይወት ዜጋታቶም ኮይኑ፡ እዚ እዋናዊ ሻቕሎት ምስ ሓለፈ ክመጽእ ዝኽእል ቁጠባውን ፖለቲካውን ሃስያታት ንምቅላል ካብ ሕጂ ጀሚሮም ኣብ ምስራሕ ነብሶም ጸሚዶም ኣለዉ። መላእ ዓለም ንጉድኣት ኮረና ቫይረስ ብሓባር ይገጥም ምህላዉ ዘይከሓኳ እንተኾነ፡ ብሰበብ ኣብ ኮረና ቫይረስ ዝተራእየ ኣተሓሕዛ ኣብ መንጎ ቻይናን ኣሜሪካን ዘሎ ናይ ሓሳባት ትንዕምንዕን ኣብዚ ቀረባና ኣብ ፖለቲካ ኢትዮጵያ ዝረአ ዘሎ ሕቶ ግዜ ምርጫ ዘንቀሎ ምፍሕፋሕን ከም ኣብነት ዝጥቀስ እዩ። ብሰንኪ ከምዚ ዓይነት ተደራራቢ ከቢድ ሓላፍነት፡ ሎሚ ካብ ሃገሩ ዝወጽእ መራሒ ሃገር ዳርጋ የለን።
  2. ኣይኮነዶ ኣብዚ ፍሉይ ኣቓልቦ ዘድልዮ ኩነታት፡ ኣብቲ ንቡር ኩነታት እውን፡ ኣብዚ ዓለምና ብሳላ ምዕባለ ናብ ቁሸት ተቐይራትሉ ዘላ፡ ናይ መራሕቲ ሃገራት ልዝባትን ምትሕግጋዛትን ልዑል ቆላሕታ ኣብ ዝረኸበሉ ኢና ዘለና። እዚ ከኣ ንዘቤታዊ ኣጀንዳ ብዘይሃሲ፡ ዲፕሎማስያዊ ርክባት ብኣካል ዘይኮነ ሓሳብ ኣቀራሪብካ፡ ብዘመናዊ ኣገባብ ኣብ ዝካየደሉ ተነቃፊ ህሞት ኢና ንርከብ። ኣብ መንጎ መንግስታት ጥራይ ዘይኮነ፡ ኣብ ውሽጢ ሓደ መንግስቲ እውን፡ ኣብተን ብንቡርን ስሩዕን ትካላዊ ኣገባብ ዝምረሓ ሃገራት፡ ኣኼባታ ላዕለዎት ሓለፍቲ ኣብ በቤት ጽሕፈትካ ኮይንካ ምክያድ ናይ ግድን ኣብ ዝኾነሉ ኢና ንርከብ።
  3. ከም ኢሳያስ ኣፈወርቂ ዝኣመሰሉ ኩሉ ነገር ዝተፈንጠሖም፡ ጉዳይ ህዝብን ሃገርን “ዘይንታዮም” መራሕቲ ኢና በሃልቲ ግና፡ ኣብዚ እዋንዚ ዝመርጽዎ ሜላ፡ ወይ ተሓቢእካ ምጽቃጥ፡ ወይ ድማ ዘይእዋናዊ ምኽንያት ፈጢርካ፡ ምህዳም እዩ። እንሆ ከኣ ኢሳያስ ምሕባእ ንክጥዕሞ “ክሕባእ እየ እሞ፡ ሞይቱ ኢልኩም ኣውሩዩለይ” ኢሉ ኣጽቂጡ ምስ ቀነየ፡ እዛ ምህዞ፡ ግዜ በሊዓ ምስራሕ ምስ ኣበየቶ፡ ኣብ ቅድሚ ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ክንዲ ዝቃላዕ፡ ህጹጽ ጉዳይ ከም ዘለዎ ኣምሲሉ፡ ነታ ሓንቲ ምርጫ ወሲዱ ናብ ኢትዮጵያ ከይዱ “ኣሎኹ” ክብል ዝመረጸ ይመስል። ህዝቢ ኤርትራ ኢሳያስ ዘይንታዩ ምዃኑኳ ብናይ ክሳብ ሕጂ ተመኩሮ ዝተረደአ እንተኾነ፡ እነሆ ሕጂ ከኣ ከምቲ “ንኡሽተይ ውራይ ግበር እሞ ፈታዊኻን ጸላኢኻን ኣለሊ” ዝበሃል፡ ጉዳይ ህዝብና ንኢሳያስ ዘይንታዩ ምዃኑ ተወሳኺ መረጋገጺ ረኺቡ። ኢሳያስ ጥዑይ እንተዝነብር፡ እቲ ዘምሕረሉ፡ “ኣብዚ ዘተዓዛዝብ እዋን ናብ ኢትዮጵያ ከይዱ” ዘይኮነስ “ኣብ ሆስፒታል እገለ ከይዱ ሕሙማት ኣተባቢዑ” ዝብል ዜና እዩ  ዝነበረ። እቲ በቲ ቫይረስ ዘይተለኽፈ፡ ብስእነት ማይን ካልእ መሰረታዊ ነገራትን ዝሻቐልን ኣብ ጥራይ ገዛ ተዳጒኑ ዘሎን ህዝብና እውንኮ፡ ኣበይ ደኣ ረኺብዎ እምበር፡ ናይ መራሕቲ “ኣጆኻ” መድለዮ።
  4. እዚ ናይ ኢሳያስ ዘይእዋናዊ መገሻ ንኢትዮጵያውያን እውን ዘገረሞምን ፍጊዕ ዝበሎምን እዩ ዝመስል። “እዚ ሰብኣይ ለካ ሓቂ እዩ ኣብቲ ዓዱ ስራሕ የብሉን፡ መምስ ጸመዎ እንዳመጸ ንመራሕትና ካብ ስራሕ ከየብኩረልና።” ዝብሉ ኢትዮጵያውያን ውሑዳት ከምዘይኮኑ ርዱእ እዩ። እቲ ዘገርም እዚ ቅድሚ ሕጂ “ሚሊንየም ኣዲስ” ኣብ ዝበሃል ሰፊሕ ኣዳራሽ ክሳብ 15 ሺሕ ሰባት ኣብ ዝተዓደምሉ፡ እንግዶት ዝግበረሉ ዝነበረ፡  ከም ኣባ ጉንባሕ ዘይግራቱ ዝኾልል ሰብኣይ፡ ኣብዚ ናይ ሕጂ መገሻኡ ግና ጡረተኛታት ወሲኽካ 7 ሰባት ኮይኖም እዮም ንምሳሕ “ንቐደም በል” ኢለምዎ።
  5. ነቲ መገሻ ንምምልኻዕ፡ ኢስያስ ናብ ኢትዮጵያ ዝኸደሎም ተባሂሎም ዝተጠቕሱ፡ ዛዕባታት ጉዳይ ምክልኻል ሕማም ኮሮናቫይረስን ምቁጽጻር ኣንበጣን ምዃኖም ካብ ናይ ሚድያ ጊላታቱ ሰሚዕና። ወዮ ደኣ ከምቲ “ላምሲ ብኢዳ ዝቐርባ ብእግራ ትሓክኽ” ዝበሃል ኮይኑ እምበር፡ ነዞም ጸገማት እዚኣቶም ንምፍታሕ ደኣ ቅድሚ ናብ ኣዲስ ኣበባ ዞኽዞኽ፡ ካብ ኤርትራ እንድዩ ክጅመር ዝግበኦ ነይሩ። እዚ ኣብ መራኸቢ ብዙሓን ወጺኡ ህዝቢ ከተባብዕ “ኣጀኹም ኣጆና” ክብል ወይ ኣብ ትካላት ጥዕና ከይዱ “ምሕረት የውርደልኩም” ከይብል ህዝቢ ዝተሓሰመ ጋኔንሲ፡ ነቲ ምክልኻል ኮሮና ኣብ ኣዲስ ኣበባ ከይዱ ከካይዶ ምሕሳቡ ክሳብ ክንደይ ኩሉ ነብሱ ግርንቢጥ ኮይኑ ከም ዘሎ  ዘረድእ እዩ።
  6. ኢትዮጵያውያን ናብ ዝወስድዎ ምስ ጠፈኦም፡ ናብ ከባቢ እታ ቀደም ዝዋይ ትበሃል ዝነበረት፡ ሎሚ ግና “ባቱ” ተባሂላ ዘላ ከተማን ቦታ ሕርሻ መቅን  ተማሊአምዎ። ኣብኡ ከኣ ኣብ ምምራቕ 200 ሺሕ ሄክታር  ከልምዕ ዝኽእል ዘመናዊ መስኖ ኣሳቲፈምዎ። ቅድሚ ሕጂ እውን ኣብ ኣዋሳ፡ ባህርዳርን ጅማን ናይ ልምዓት ትካላት ምምራቕ ኣሳቲፈምዎ ነይሮም እዮም። ምናልባት ናይ ኢትዮጵያውያን ናብ ከምዚ ዓይነት ኣጋጣምታት ንኢሳያስ ምውሳዶም፡ ኮንደኾን ይቐንእ’ሞ ኣብ ሃገሩ ከምኡ ዓይነት ስጉምቲ ይወስድ ብዝብል ተስፋ ይኸውን። ኢሳያስ ግና፡ ርኹስ ናይ ምጭቋን፡ ምቕታልን ምእሳርን እምበር፡ ቅዱስ ናይ ልምዓት፡ ሰላምን ዲሞክራስን ቅንኢ ዘሕድር ሕልናኡ ንሓዋሩ መኺኑ እዩ። ንጽቡቕ ዝቐንእ ነይሩ እንተዝኸውን ደኣ ኣብ ኤርትራ እውን እኮ ብዙሕ ዘቕንእ ተርእዮ ነይርዎ። ጭቁን ህዝቢ ክርኢ እንከሎ በቲ ኣብ ራህዋ ዝነብር ናይ ካልእ ሃገር ህዝቢ መቐንአ። ድኻ ህዝቢ ክርኢ እነከሎ በቲ ኣብ ካልእ ሃገር ብሳላ ቅኑዕ ምምሕዳር ካብ ድኽነት ዝወጸ ህዝቢ መቐንአ።
  7. ኢሳያስ ኣብቲ ናይ ከባቢ ባቱን መቂን ምምራቕ መስኖ ከይሓነኸ ተዛሪቡ። ኣብቲ ዘረብኡ ከኣ “ኣነን ብጾተይን ካብዚ ፕሮጀክትዚ ብዙሕ ተማሂርና ኣለና” ኢሉ። እንተደኣ ብዛዕባ መስኖ ሎሚ ካብ ፕሮጀክት ባቱ ወይ መቂ ዝመሃር ኣልዩ፡ ነቲ ኣብ ዓዲ ሃሎ፡ ገርገራ፡ ፋንኮን ካልእ ከባብን ኣዕቚርዎ ዘሎ ማይ “ነጻ ጉልበት ተረኽበ” ኢሉ ዘስርሖ እምበር፡ ብዛዕባ ቁጠባዊ ፋይዳኡ ዘይሓሰበሉ ምንባሩ እዩ ዘረድእ። እቲ ቀንዲ ጉዳይ መውጽኢ ኣፍ ክኾኖ ዝበሎ እምበር፡ ጸገም ኢሳያስስ ስእነት መምሃሪ፡ ዘይኮነስ ክትመሃር ቅሩብ ዘይምዃን እዩ። እወ! ክመሃር ቅሩብ እንተዝኸውን ደኣ፡ ካብ ሳዕቤናት፡ ቅትለት ማይሓባር፡ ውግእ ምስ ጉረባብቲ፡ ምዕጻው ዩኒቨርሲቲ ኣስመራ፡ ምእሳር ጉጅለ-15ን ጋዜጠኛታትን፡ ግዱድ ውትህድርና፡ ኣብ ሃይማኖታዊ ትካላት ኢድ ምእታውን ምዕጻው ኩሉ ቁጠባዊ ወፍርታትን እንዶ ኣይመተማህረን።
  8. በቲ በለ በዚ፡ እዚ ተግባራት ኢሳያስ ከምቲ ናይ ቅድሚ ሕጂ፡ ናብ ህዝቢ ኤርትራን ናይ ለውጢ ሓይልታቱን ዘመሓላልፎ መልእኽትን ዘሰክሞ ሓላፍነትን ኣለዎ። እቲ መልእኽቲ ንጹር እዩ። ኢሳያስ ኣብ ቀልቢ ህዝቢ ኤርትራ ቦታ ከምዘየብሉ ተረዲኡ ዓቕሉ ምስ ዝጸበቦን ጉዳይ ህዝቢ ጉዳዩ ከምዘይኮነ ተርዲኡን ዝወስዶ ዘሎ ጽሉል ስጉምቲ እዩ። እቲ ንዓና ዘሰክመና ሓላፍነት ከኣ፡ ነቲ መልእኽቱ ተረዲእና፡ ጉዳይ ሃገርናን ህዝብናን ድሕነቶምን ኣብ ዝባና ዘሎ ምዃኑ ተነግዚብና ብኽንድኡ ደረጃ ናይ ለውጢ ቃልስና ናይ ምዕዝዝ ሓላፍነት ክንወስድ እዩ።
Last modified on Wednesday, 06 May 2020 18:26