እስከ ንራኸብ፡ ሓሳብና ክእርነብ

2020-02-05 08:56:26 Written by  ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in EPDP Editorial Read 2523 times

ርእሰ-ዓንቀጽ ሰዲህኤ

ኣገዳስነት ሓቢርካ ምቅላስ፡ ኣይኮነንዶ ኣብዚ ሕጂ ንሕና ዘለናዮ ወሳኒ፡ ህዝብን ሃገርን ናይ ምድሓን ውዑይ ወቕቲ፡ ኣብ ዝኾነ ግዜ እውን ንሓቢርካ ምስራሕ መተካእታ የብሉን። እቲ ነባር ምሳልያዊ ኣበሃህላና “ኣሕዋት ምስ ዝሓብሩ ጸላኢ የባርሩ” እውን ነዚ እዩ ዘመላኽት። ሓቢርካ ምቅላስ ኣብ ኤርትራዊ ተመኩሮ ቀደም ኮነ ሎሚ፡ ብዘይካ ውሑዳት ኣሰነይቲ ጉጅለ ህግዲፍ፡ ናይ ኩልና ኤርትራውያን ናይ ሓባር መለለይ ከም ዝኾነ ከኣ ርዱእ እዩ። ንሕና ናብቲ ኣብዚ እዋንዚ ዘድሂ ዘሎ ናይ ሓባር ኣረዳድኣ ክንበጽሕ ነዊሕ ግዜን ቃልስን ከም ዝወሰደልና ኩልና እንፈልጦ እዩ። ምኽንያቱ ዳርጋ ስዒርናዮም ኢና እንብሎም ዘለና፡ ምንጽጻግ፡ ምጽልላምን ምንዕዓቕን ልዕልና ሒዞም፡ ሓቢርካ ኣንጻር ህግዲፍ ኣብ ምቅላስ ዓገቲ ምንባሮም ናይ ትማሊ ተዘክሮና እዩ። ሎሚ ከኣ እነሆ ብምጽውዋር፡ ምክብባርን ምድልላይን ተደፊኦም ካብ መድረኽ ይወጹ ኣለዉ።

ናይ ውድባትና፡ ሰልፍታትናን ማሕበራትናን ኣዋጃት፡ መግለጽታትን ውሳኔታትን፡ ኣገዳስነት ሓቢርካ ምቅላስ ዘይጐስዩ ኮይኖም ኣለዉ። ናይዘን ዝጠቐስናየን ፖለቲካዊ ትካላትና ጉባአታት፡ ሰሚናራትን ኣኼባታትን ኣብዚ እዋንዚ ነዚ እዩ ዘንጸባርቕ፡ መራሕተን ዝምድርዎን ኣብ ሚድያታ ወጺኦም ክሕተቱ እንከለዉ  ዝምልስዎን እውን ካብዚ ዝረሓቐ ኣይኮነን። መደበራት ተለቪዥን ወሲኽካ ኩለን ናይ ኤርትራዊ ናይ ለውጢ ደንበ ማሕበራዊ ሚድያታት እውን ኣብዚ ዛዕባዚ እየን ዝዝንብያ ዘለዋ። ኣብ ግብሪ ግና ኣብቲ እንደልዮ ዘተኣማምን ትካላዊ ኮነ ካልእ ሓቢርካ ናይ ምቅላስ ደረጃ ኣይበጻሕናን። ክሳብ ሎሚ ኣይበጻሕናን ማለት ግና ንመጻኢ እውን ኣይክንበጽሕን ኢና ዘስምዕ ኣይኮነን።

ናይቲ ብግብሪ ኣብ ናይ ቃልሲ ባይታ ከምቲ እንብሎ ክንከውን ናይ ዘይምኽኣልና ምስጢር ኣብ ኢድና እንከሎ ምዃኑ ሓደሓደ ግዜ ይድንጽወና እዩ። ከምኡ ስለ ዝኾነ ከኣ ባዕልና ንባዕልና “ስለምንታይ?” ኢልና ክንሓትት ንግደደሉ ግዜ ኣሎ። እንተኾነ ናይዚ ሕቶዚ መልሲ፡ ኣብ ኢድና ዘሎ እምበር ካብ ልሳን ካልእ ኣካል እንጽበዮ ኣይኮነን። ከምኡ ዝኾነሉ ቀንዲ ምኽንያት ንጉዳይና ኣብ ዝምልከት ቅድሚ ብዛዕባ ካለኦት፡ ብዛዕባና ክንዛረብን ብጽሞና ክንሓስብን ናይ ግድን ስለ ዝኸውን እዩ። እዚ ክበሃል እንከሎ ግና ነቲ ናትና ድኽመት መዝሚዙ ጉዳይና ኣብ ምግዳድ ረብሓ ዘለዎ ኣካል የለን ማለት ኣይኮነን። ኣብዚ እጃም ጉጅለ ህግዲፍ ዓብይ እዩ። ምኽንያቱ ናትና ሓቢርካ ኣንጻሩ ምቅላስ፡ ቀንዲ ዕድመኡ ዘሕጽር ምዃኑ ኣዳዕዲዑ ስለ ዝፈልጥ፡ ምዝራግ ሓድነትና ንዓኡ መድሕን ህይወትን መቐጸሊ ኣብ ስልጣኑን እዩ።

ክሳብ ሕጂ ኣብ ክንዲ ሓቢርና ኣንጻር ናይ ሓባር ወጻዒና ንቃለስ ከተፋኑንና ዝጸንሑ ዝንባለታት ክንስዕር ዘይምብቃዕና፡ እቲ ቀንዲ ተኣኪብና ኣተሓሳስባና ኣርኒብና ኣንጻር ህግዲፍ ከይንቃለስ ዓጊቱና ዝጸንሐ እዩ። ኣብዚ እዋንዚ ከም እንድግፎን እንብህጎን እንገልጾ ዘለና ሓቢርካ ምስራሕ፡ ብእርኑብ ትካላዊ መልክዕ ከነተግብሮ ዘይምኽኣልና ከኣ ናይዚ ዘይሓጋዚ ዝንባለታት ሃፈጽታ ዘይገደፈና ምህላዉ ዘመልክት እዩ። ልክዕ እዩ ኣብዚ እዋንዚ ኣብ ሕድሕድና ዝጸንሑ ምንጽጻግ፡ ምጽልላምን ምንዕዓቕን ቦታ ይስእኑ ኣለዉ። እንተኾነ ክሳብ ብሓደ ዘቃልሰና፡ ከከም ኣድላይነቱን ተቐባልነቱን፡ ሓድነት፡ ልፍንቲ፡ ግንባርን ጽላልን ከነዕውት እንኽእል፡ ኩሉ ጉዳይ ህዝብን ሃገርን ድሕሪት ካብ ዝሰርዕ ድሕረትን ድሑር ዝንባለን ነጺህና ኢና ክንብል ኣይንኽእልን ኢና።

ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ (ሰዲህኤ)፡ ቅድም ኣብ 2017 ዝነደፎ ናይ ሓቢርካ ምቅላስ እማመኡ፡ ኣብ 3ይን ሓድነታውን ጉባአኡ ከኣ፡ በዚ ዝስዕብ ውሳነ ኣራጒድዎ እዩ፡

“ 3.1. ነቲ ምስ ዝተፈላለዩ ኤርትራዊ ፖለቲካዊ ውድባትን ግንባራትን ተጀሚሩስ ከይተውድአ ዝጸንሐ መስርሕ ዘተ ኣብ ዝሓጸረ እዋን ኣብ መፈጸምታኡ ንምብጻሕ፡ ማእከላይ መሪሕነት ሰልፊ ኣድላዪ ስጉምቲ ንኽወስድ፤

3.2. ክሳብ ሕጂ ምስ ኩሎም እቶም ምሳና ኣብ ግብራዊ ዘተን ጽምዶን ዘይኣተዉ ሰልፍታት፡ ውድባትን ማሕበራትን ከምኡ እውን ግዱሳት ኤርትራውያን፡ በበቲ ዝምጥኑዎን ዝሰማምዑሉን ደረጃ፡ ክሳብ ምሉእ ሓድነት ኣብ ዝበጽሕ ኮነ፡ ኣብ ሓባራዊ ጽላል ዘስርሓና ኰነታት ንምፍጣር ኣብ ዕቱብ ዘተን ልዝብን ክንኣቱ፤” ብዝብል። ከም ቃሉ ከኣ ምስ ዝተፈላለዩ ወገናት ኣብ መስርሕ ትስፉው ዘተ ኣትዩ ኣሎ።

ኣይኮነንዶ ኣብዚ ንርከበሉ ዘለና ኣዝዩ ኣሻቓልን ቅልጡፉ ሃገራውን ዞባውን ኩነታት፡ ኣብ ህዱእ ኩነታት እውን ግዜ ቀንዲ ኣብ ግምት ክኣቱ ዝግበኦ እዩ። ህዝብና በዚ ሓይልታት ለውጢ ጀማሚርናዮ ዘለና  እሂን-ምሂን’ኳ ተስፋ እንተሰኾዐ ግና “እሞ መዓስ እዩ ብግብሪ?” ይብለና ኣሎ። ክሕተት ዝግበኦ ሕቶ ከኣ እዩ። ስለዚ ንሕና በቲ ትስፉው ናይ ምቅርራብ ምልክት ከይተዘናጋዕና ክንቅልጥፍ ኣለና። ሎሚ ብናይ “የርክቦ ሮማዕ ኢለ” ዘይኮነ ብናይ “ግዜ እንከለካ ግዜ ኣይትጸበ” ናይ ጉያ መንፈስ ኢና ክንጐዓዝ ዝግበና። እቲ ርግጸኛ እትኾኖ ብዛዕባ ሓደ ተረኽቦ ብግብሪ ምስ ተራእየ’ኳ እንተኾነ፡ ካብዚ ንዕዘቦ ዘለና ንላዕሊ ውድቀት ጨቋኒ ጉጅለ ከም ዝቐረበ ዝእምት ኩነታት ክንጽበ የብልናን። ከምቲ “እምኒ እንተወደቕካዮ ይሰብረካ፡ እንተወደቐካ’ውን ይሰብረካ” ዝበሃል፡ ህግዲፍ ኣብ ህልውናኡ ኣበሳቢሱናስ ዉድቀቱ ካልእ ሓማቕ ሳዕቤን ምእንቲ ከይጐተልና፡ ከሎ ጌና ብዘይቅቡል ምኽንያት ግዜ ከይበላዕና “እስከ ንራኸብ’ሞ፡ ሓሳብና ክእርነብ” ዝብል ሓሳብ ኣብ ልብና ክሓድር እዋኑ እዩ።

Last modified on Wednesday, 05 February 2020 10:04