ዝብእስያ ኣብ ዘይፈልጦ ዓዲ ከይዱ፡ ቆርበት ኣንጽፉለይ በለ ድዩ ዝበሃል”

2019-10-16 11:02:18 Written by  ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in EPDP Editorial Read 2482 times

ርእሰ-ዓንቀጽ ሰዲህኤ

ኣብዚ እዋንዚ ንኹሉ መሰላት ህዝብና ጓዕጺጹ ንኤርትራ ዝመርሕ ዘይኮነስ፡ ዝገዝእ ዘሎ ዲክታቶር ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ኣብ ቅድሚ ኤርትራውያን ገበነኛ እዩ። መን ይፈልጥ ኣብ ቅድሚ ካለኦት ንዓቶም ብዝኽድሞ ሰይጣን ዘይኮነ መልኣኽ መሲሉ ይሰኣል ይኸውን። እቲ ብገለ ጉዳይ ኤርትራ ውራዮም ዘይኮነ ወገናት ዝትኮበሉ መዳልያታት ከኣ ነዚ ዘመልክት እዩ። ንሕና ንዲክታቶር ኢሳይያስ “ዕሉል ገበነኛ” እንብሎ ብስምዒትን ጽልእን ዘይኮነ፡ ብመንጽርቲ ብሰንኩ ኣብ ኤርትራ ሳዕሪሩ ዘሎ ባዕሉ ዝዛረብ፡ ጸረ-ህዝቢ ተግባራቱ ኢና።

ኢሳይያስ ብቁንጣሮ “እንተለና ምስኡ፡ እንተሞትና ምስኡ” ዝመዝምሮም ድኑሳት ተሰንዩ፡ ብዘይ ሕገመንግስቲ ዝገዝእ፡ ሕድርን መስዋእትን ኤርትራውያን ዝጠልም፡ ድምጺ ህዝብና ይሰማዕ ንዝበሉ ዝኣስርን ዝስውርን፡ መሰል ሓሳብካ ምግላጽን ምውዳብን ዝገፍፍ፡ ናይ ዜጋታት ዝመረጽዎ እምነት ናይ ምስዓብ መሰል ዝነፍግን ብሰንክዚ ብዙሓት ዝኣሰርን ዝሕይርን፡ ንውልቃዊ ትዕቢትን ጉጅላዊ ረብሓን ልዕሊ ሕጊ ዝሰርዕ፡ መወዳእታ ዘየብሉ ግዱድ ዕስክርና ዘዘውትር፡ ኩሉ መሰረታዊ መሰል ህዝቢ ዝግህስን ካብዚ እኩይ ተግባራቱ ንክወእ ንዝተገብረሉ ዓለም ለኻዊ መጸዋዕታ ዝነጽግ፡ ኤርትራውያን ዜጋታት ኣብ ዓዶም ከይቅበሩ’ውን ዘይፈቅድ፡ ብኤርትራውያን ግዳያት ሓደጋ ባሕርን ምድረበዳን ዝባጩ፡ ልዕሊ ኩሉ ድማ ኤርትራዊ ልኡላውነት ኣብ ሓደጋ ዘእቱ፡ ኣብ  ድሑር ኣተሓሳስባ ምፍዳይ ሕነን ቂምን ዝነብር፡ ኣብ ሎሚ ኮይኑ ብዛዕባ ጽባሕ ዘይኮነ ብዛዕባ ትማሊ ጥራይ ዝሓስብ ድንዙዝ እዩ። ስለዚ ንዲክታቶር ኢሳይያስ “ዕቡድ” ዝውሕዶ እምበር ዝበዝሖ ኣይኮነን።

ዲክታቶር ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ብውሽጣዊ ንቕሎኡ ዘይኮነ፡ ብግዳማዊ ተልእኾ ብዝተሃንደሰ ወዘኽዘኽ ተሰንዩ ምስ ኢትዮጵያ ከም ዝተዓርቀ ዘምስል፡ ሓድሽ ምስሊ ሒዙ ከውደኽድኽ ተኸታቲልናዮ ኢና። ምክትታል ጣራይ ዘይኮነ ኣዕሚቑና እውን ተዓዚብናዮ። ተግባራት ኢሳይያስ ኣብቲ ምስ ናይ ኢትዮጵያ ቀዳማይ ሚኒስተር ዶ/ር ኣብይ ኣሕመድ ርክባቱ ዘርኣዮ ክሳብ ብነጻነት ኤርትራ ምጥዓሱ ዘመልክት ምንቅስቓስ ዝተገረሙ ወገናት ብዙሓት እዮም።  ምስቲ ፍኹሰቱን ካብቲ ንልኡላውነት ኤርትራ መጢጡ ህዝቢ ኤርትራ ከዕሽወሉ ዝጸንሐ መርገጹ ሃንደበት ሸታሕ ምባሉን ከኣ ንህዝቢ ኤርትራ፡ ኣገሪምዎ፡ ኣሻቒልዎን ኩነታት ናበይ ገጹ ይምዕብል ከምዘሎ ክርዳእ ኣኽኢልዎን እዩ።

ኢሳይያስ በዚ ኩሉ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኤርትራ ዝፈጸሞ ገበን ኣብ ክንዲ ዝሓፍር፡ ብጹእ መሲሉ ክቐርብ ዝፈተነሉ፡ እንተኾነ ዕዳጋ ዝሰኣነሉ ኩነታት ክንዕዘብ ጸኒሕና ኢና። ንኣብነት ናትካ ዕዮ ገዛ ከይዓመምካ ናይ ዞባና ኣታዓራቒ ክትከውን ምህቃን። እንተኾነ ሓሓሊፎም ኤርትራዊ ዛዕባ ዘይኣጀንዳኦም ወገናት፡ ከሻህርትዎ ኣይጸንሑን ማለት ኣይኮነን። ግደ  ሓቂ ግና ዲክታቶር ኢሳይያስ፡ ኣብኡ ደኣ የብጸሓና እምበር፡ ኣብ ቅድሚ ሕጊ ዝሕተት ብናይ ብዙሓት ኤርትራውያን ንጹህ ደም ዝተሓጽበ ገበነኛ እዩ።

ከምቲ ወለድና “ ንዘረባ ዘረባ የምጽኦ፡ ንሓመድ ድጉሪ የውጸኦ” ዝብልዎ፡ ኣብዚ እዋንዚ ኣዛራቢ ኮይኑ ዘሎ ናይ ከባቢና ኣጀንዳ፡ ናይ ኢትዮጵያ ቀዳማይ ሚኒስተር ናይ ዓመተ-2019 ናይ ሰላም ኖበል ተዓዋቲ ምዃኖም እዩ። ንኢትዮጵያዊ ቀዳማይ ሚኒስተር ብመንጽር ኣብ ሃገሮም ዘሎ ኩነታት፡ እዚ መዓርግዚ “ይምልከቶ ድዩ ኣይምልከቶን” ኣብ ኢትዮጵያውያን ውዑይ ኣዛራቢ ኮይኑ ዘሎ እዩ። እቲ ነዚ ኖበል ዝሃበ ኣካል እውን፡ እቶም ቀዳማይ ሚንስተር ነዚ ዝበቕዑ ክሳብ ሕጂ ብዝሰርሕዎ ዘይኮነስ፡ ኣብ መጻኢ ዝሓሸ ንክሰርሑ ንምትብባዕ እዩ ብዝብል ስኽፍታኡ ካብ ምግላጽ ዓዲ ኣይወዓለን። እቲ ዝርካቡ ነዚ መዓርግ ዘብጸሖም ከኣ ኣብ መንጎ ኤርትራን ኢትዮጵያን ዝጸንሐ ናይ “ኣይውግእ ኣይሰላም” ህሞት ምጥሓሶም ምዃኑ ክግለጽ ሰሚዕና ኣለና፡

እዞም ኢትዮጵያዊ ቀዳማይ ሚኒስተር እቲ ንኢትዮጵያ ኣብ ዝምልከት ዝገበርዎ ኣስተዋጸኦ ነዚ የብቅዖም ድዩ ኣየብቅዖም ንግዜኡ ንኢትዮጵያውያን ንግደፎ። እቲ ኣዝዩ ዘሕዝንን “ዝብእስ ኣብ ዘይዓዱ ከይዱ ቆርበት ኣንጽፉለይ ይብል” ዘብልን ግና፡ ገለ ኤርትራዊ ሓልዮት ኣዝዩ ዝረሓቖም ኤርትራውያን፡ “ዲክታቶር ኢሳይያስ እውን ኣብዚ ክሳብ ሕጂ ዝዕጾን ዝኽፈትን ዘሎን መጻኢኡ ዘይፍለጥ፡ ኢሳይያስን ጉጅለኡን ዝተቓልዕሉ፡ ሓድሽ ዝምድና ኤርትራን ኢትዮጵያን ኣበርክቶ ኣለዎ። ስለዚ ከምቲ ኣብ 1979 ንግብጻዊ ፕረሲደንት ኣንዋር ኣልሳዳትን እስራኤላዊ ቀዳማይ ምኒስተር መናቸም በጊን፡ ኣብ 1994 ድማ ኣቦመንበር ውድብ ሓርነት ፍልስጥኤም ያሲር ዕራፋትን እስራኤላዊ ቀዳማይ ሚኒስተር ኢሳቕ ራቢንን ብሓባር ዝተዋህበ፡ ኣብዚ ናይ 2019 ከኣ ኢሳይያስ ምስ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብይ ኣሕመድ ክማቐል ይግበኦ ነይሩ ክብሉ ይደናደኑ ኣለዉ።” ከምዚኦም ዝኣመሰለ ድምጺ “ዓይኖም ብጨው ካብ ዝተሓጽቡን ሕንኮም ዝቐንጠጡን” ኤርትራውያን ምስማዕና እምበኣር ኣዝዩ ዘሕዝን እዩ። ንሕናን ምእንቲ ፍትሕን ርትዕን እንቃለስ ኤርትራውያንን ዘይኤርትራውያን ተጣበቕቲ ፍትሕን መሰረታዊ መሰላትን ግና፡ ዲክታቶር ኢሳይያስ ናይ ሰላም ኖበል ክስለም ዘይኮነስ፡ ኣብ ቅድሚ ፍትሒ ቀሪቡ ክፍረድ ኢና እንጽበን እንቃለስን። ንጹህ ደም ኤርትራውያን ፈሲሱን መሰሎም ተገፊፉን ስለ ዘይተርፍ ከኣ፡ እዚ ከም ዝኸውን ናይ ግዜ ጉዳይ እንተዘይኮይኑ ናይ ግድን እዩ። ምኽንያቱ ዝዘራእካዮ ክትሓፍስ ናይ ግድን ስለ ዝኾነ።

ኢሳይያስ እቲ ከምስል ዝብሎ ዝነበረ ቃሉ ዓጺፉ፡ ልዕሊ ክብሪ ኤርትራ ብሕታዊ ረብሓኡ ክብሩን ኣቐዲሙን፡ ቃል እስትራተጅያዊ ተረባሕቲ ለኣኽቱ ከየዕብር፡ ኢዱ ንቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ዘርጊሑ ኣብ ኣስመራ፡ ንህዝቢ ኤርትራ ኣርእይዎ ዘይፈልጥ፡ ፍሽኽታን ዕልልታን ብክልቲኡ ኣእዳዉ ኣፍልቡ እንዳወቐዐ ኣርእዩ። ሰላም ዝጸምኦ ህዝብና ከኣ ነቲ ወትሩ ዘይእመን ጠላም ዲክታቶር ኣሚኑን፡ ሓቂ መሲልዎ፡ ኣጣቒዑን ዓሊሉን። ልዕሊ ኩሉ ድማ ነቲ ኢሳይያስ ዝድርጐሖ ቅድም ናይ ስምዒት ዝመስል ዝነበረ፡ ደሓር ግና ናይ ልቡ ምዃኑ ኣፉ መሊኡ ዝረጋገጾ “ክድዓት” ኣየቕለበሉን። ሕጂ እውን ኣብ ክንዲ በዚ ገበኑ ክሕተተሉ ምቅላስ፡ ኢሳይያስ ያኢ ናይ ሰላም ኖበል ተሰላሚ ክኸውን ጭልም ዝብሉ ኤርትራውያን ምህላዎም ኣዝዩ ዘሕዝን እዩ። እንተ ኢሳይያስ ሎሚ ገበነኛ ምዃኑ ዓለም ብዓለማ ስለ ዝፈለጠቶ፡ ብቕኒት “ዝብእስያ ኣብ ዘይፈልጦ ዓዲ ከይዱ፡ ቆርበት ኣንጽፉለይ በለ” ዝሕበኣሉ ዕድል ዕጹው እዩ።

   

Last modified on Wednesday, 16 October 2019 13:05