ድምጽና በሪኹ ንኽቕጽል

2019-09-17 08:22:23 Written by  ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in EPDP Editorial Read 2277 times

ርእሰ-ዓንቀጽ ሰዲህኤ

ንሕና: ኣዝዩ ዝዓዘዘ ዋኒን ዘለና ኤርትራውያን ኢና። “ንሕና” ንብል ዘለና፡ ወጽዓ ህግዲፍ ከይንቕበል ዝወሰና፡ ናይቲ ኣፍ እንከለዎ  ዝተዓበሰን ዝተጠልመን ህዝብና ልሳን ክንከውን  “ወጽዓ ህግዲፍ ዝቕበል ዝባን/እንግደዓ የብልናን” ኢልና ምስ ህዝብና ኣብቲ ንወጽዓ ኣወጊድካ ዲሞክራስያዊ ስርዓት ናይ ምትካል ቃልሲ ተጸሚድና ዘለና ኤርትራውያን ማለትና ኢና። ዕድመ ቃልስና ነዊሕን ሰንሰለታውን፡ ቅድም ኣንጻር ግዳማዊ ወራርን  መግዛእትን ድሕሪኡ ከኣ ኣንጻር ወጽዓን ጭቆናን ናይቲ ኣስማቱን ስልቱን እንዳቐያየረ ሎሚ ግና ኣብ ሓደ ሰብ ዲክታቶር ተንጠልጢሉ ዘሎ ህግዲፍ እዩ።

እዚ ወጻዕን ጨፍላቕን ጉጅለ፡ ብሰንኪ ዝዘርኦ መርዛም ውዲታት ኣንጻሩ ሓደ ዓይነት ሚዛን ምሓዝ ክሳብ ክንደይ ከቢድ ከም ዝነበረ ንኹላትና ንጹር እዩ። እቲ ጉዳይ ኣጸጋሚ ዝነበረሉ ምኽንያት እኩብ ድምር ናይቲ ብምክፍፋልና ዕድሚኡ ዘንውሕ ጉጅለን ናትና ንጉዳያት ብግቡእ ህዝባውን ሃገራውን ረብሓ ዘይርዳእን ምንባሩ እንኽሕዶ ኣይኮነን። ሎሚ ግና ሳላ ዘይስልኪ ቃልሲ ሓይልታት ለውጢ፡ ህግዲፍ ሃይማኖቱ፡ ቋንቋኡ ኮነ ኣውራጃኡ ብዘየገድስ ናይ ዝኾነ ኤርትራዊ  ፈታውን ተሓላቕን ከም ዘይኮነ ተጋሂዱ እዩ። ከምኡ ስለ ዝኾነ እዩ ከኣ ኣብ ዝተወሰነ ግዜ ዝድግፍዎ ኣምሲሉ ዘቕርቦም ዝነበረ ወገናት’ውን እንዳጠለምዎ፡ ትካላዊ መለለይ ናብ ዘየብሉ ርጉም ውልቀሰብ ወሪዱ ዘዕለብጥ ዘሎ። እቶም ኣብ ከባቢኡ ዘለዉ ሓደ እዋን ሓላፍትን ኣብ ውሳነ ዝሳተፉን መሲሎም ዝርኣዩና ዝነበሩ’ኳ፡  ናይ ኣካል እምበር ናይ ሓሳብ መሰነይትኡ ከም ዘይኮኑ ተፈሊጡ እዩ። ሎሚ “ኢሳይያስ ናብ ከምዚ ዝኣመሰለ ሃገር ክገይሽ እዩ፡ ወይ ልኡኽ ክሰድድ እዩ” እንተተባሂሉ እቶም ዘሰንዩ ወይ ዝለኣኹ መቐየርታ ዘይብሎም ዑስማን ሳልሕን የማነ ገብረኣብን ምዃኖም ዘተሓትት ኣይኮነን።

ምስዚ ኩሉ ግና እዚ ዲክታቶር ብዛዕባኡ  ጸረ-ህዝቢ መራሕን ብዛዕባ ኤርትራ ከም ኣብ ቀራና መንገዲ ዘላ ሃገርን  እንታይ ይበሃሎ ከም ዘሎ ኣብ ግምት ከእቱ፡ ፈጺሙ ቅሩብ ስለ ዘይኮነ፡ ብቕኒት “ንኺድ ጥራይ” ይጋልብ ኣሎ። ደጊም በቲ ሒዝዎ ዘሎ ክቕጽል እምበር መላሲ የብሉን። እዚ ኣካይዳ ኣብ ዲክታቶር ኢሳይያስ ጥራይ ዝረአ ዘሎ ጥራይ ዘይኮነ፡ ብዙሓት ከምኡ ዝኣመሰሉ ዲክታቶራት ዝሓለፍዎ ብውርደትን ውድቀትን ዝድምደም  መንገዲ እዩ። እዚ ናባና ዘመሓላልፎ መልእኽቲ ከኣ፡ ናይ ህዝብናን ሃገርናን መጻኢ ዕድል ኣብ ኢድ ህዝቢ እምበር ኣብ ኢድ ኢሳይያስ ዘየለ ምዃኑ እዩ። ኣብዚ ኩነታት ብጽሒትና ብጽሒት ሓይልታት ለውጢ እንታይ ምዃኑ’ኳ ዝጠፍኣና ኣይኮነን። እንተኾነ ብጽሒትካ ምፍላጥ ጥራይ እኹል ኣይኮነን። በቲ ዝፈለጥካዮን ዝመረጽካዮን መንገዲ “ድምጽኻ ኣበሪኽካን ስጉምትኻ ኣንዊሕካን” ብቐጻሊ ምጉዓዝ ናይ ግድን የድሊ። እቲ ኣብ ቅድሜና ዘሎ ብደሆ ከኣ ነዚ ምብቃዕን ዘይምብቃዕን እዩ።

ህግዲፍ ንህዝብና መዘና ብዘየብሉ ኣገባብ  ይውጽዖ ከም ዘሎን፡ ንሕና ከኣ ኣንጻርዚ ወጽዓ ንቃለስ ከም ዘለና ደጋጊምና ክንጠቕሶ’ኳ ባህርያዊ እንተኾነ፡ እቲ ቀንዲ ኣድህቦናስ ብዛዕባ ንዓና ዝምልከት ቃልሲ እዩ ክኸውን ዝግበኦ። ንሕና ሓንሳብ ህግዲፍ ጸላኢ ህዝብናን ሃገርናን ምዃኑ ካብ ተረዳእና ኣንጻሩ እንታይ ክንገብር ከም ዝግበኣና ኣጽኒዕናን ተሊምናን እንንቀሳቐስ እምበር፡ እቲ ጉጅለ በብዝጥዕሞ ነናብ ዘዝኸፈተልና ኣጀንዳ ክንኩብኮብ ኣይግበኣናን። ካብ ኩሉ ግዜ ተኻላኻላይ ምዃን ወጺእና ኣጥቃዕቲ እውን ክንከውን ይግበኣና። ክሳብ ከም ናይ ላምፓዱሳ ህልቂትን ናይ ኢሳያስ ክሕደት ኣብ መገሻኡ ናብ ኢትዮጵያን ዝኣመሰሉ ዘነድሩን ደምካ ዘፍልሑን ተረኽቦታት ዘጋጥሙ ከይተጸበና ተበግሶታት ክንወስድ ይግበኣና። ኣብ መስርሕ ቃልሲ፡ ክብን ለጠቕን ከጋጥም ንቡር’ኳ እንተኾነ፡ ኣብ ነናይ ውድባትና ኮነ ናይ ሓባር ንጥፈታትና ብዝከኣለና ካብ ናይ “ሕዝ ግድፍ” ኣካይዳ ክንወጽእ ይግበኣና። ቃልስና ንትማሊ፡ ሎምን ጽባሕን ዘተኣሳሰር ቀንዲ ቆላሕታኡ ንቕድሚት ዝጥምት እምበር፡ ወትሩ ጀማሪ ክኸው ኣይግበኦን። ኣብ  ምዕራፋት ቃልስን ተዋሳእቱን ሓደ ካብቲ ካልእ ምብልላጽ ክህሉ ባህርያዊ ኮይኑ፡ ክንመዝን እንከለና ኣተሓሕዛና ንነፍሲ ወከፍ ምዕራፍ ነናቱ ሚዛን ዝህብ ርትዓዊ እምበር፡ ነቲ ሓደ ሓጢጡ ዝድርቢ፡ ነቲ ካልእ ከኣ ሰማይ ሰቒሉ ዝንእድ ዕሙት ኣገባብ ክኸውን ኣይግበኦን።

እቲ ኣውንታና ከም ዘለዎ ኮይኑ፡ ኣብ መስርሕ ብቓልሲ ክንስዕሮ ዝግበኣና ድኽመታትና ብዙሕ መልከዓት ዘለዎን ብወድዓውን በዓል ቤታውን ዝግለጽ እዩ። ማለት ገሊኡ ፈውሱ ኣብ ኢድና ዘሎ እዩ። ገሊኡ ከኣ ግዜን ዓቕምን ምውህላል ዝሓትት እዩ። እቲ እንውቀሰሉ እቲ ሰኣን ዓቕምና ዝተርፈና ዘይኮነ፡ እቲ ክንገብሮ `ንኽእል ክነስና ዘይንገብሮ እዩ። ኣብዚ እዋንዚ ሓቢርና እንቃለሰሉ መድርኽ ምፍጣር ክሳብ ክንደይ ኣድላይ መድረኻዊ ዕማም ምዃኑ ኩልና እንርደኦ እዩ። ኣድላይነቱ ስለ ዝተረደኣና ኢና ከኣ ዝተበተነ ዓቕምና ኣርኒብና ናብ “ተዛሪቡ ዘስምዕን ወቒዑ ዘድምዕን” ከነበርኾ ንቃለስ ዘለና። በቲ ሓደ ወገን እዚ ወሳኒ ኣብ ሓደ መኣዲ ቃልሲ ናይ ምምጻእ ዕማም ግዜ ምርካብን ዓቕሚ ምድላብን ኣየድልዮን ማለት’ኳ እንተዘይኮነ ነቲ ዝዓበየ ክፋሉ ከነሰላስለሉ ዘኽእል ዓቕምን ግዜን ግና ኣብ ኢድና ዘሎ እዩ። ነቲ ኣብ ኢድና ዘሎ ክሳብ ሎሚ ኣብ መዓላ ከነውዕሎ ዘይምኽኣልና ከኣ ብሓቂ ከተሓሳስበና ዝግበኦ እዩ። ምትሕስሳብ ጥራይ ዘይኮነ ካብ ናይ ክሳብ ሕጂ ተመኩሮና ተማሂርና ንመጻኢ ከም ደፋኢ ዓቕሚ ክንጥቀመሉ ይግበኣና። ስለዚ ኢና እምበኣር ወዮ ክሕቆን ጸኒሑ ክሳብ “ይኣክል” በጺሑ ዘሎ ድምጽና፡ ብራኸኡ ሓልዩ ይቐጽል” ንብል ዘለና።

ብሓባር ክንሰርሕ እንዳደለናን እንዳተገበኣናን፡ ከም ድሌትና ናይ ዘይምዃና ምኽንያት፡ ንዓና ነቶም ተዋሳእቲ ኮነ ኢልና ክንምስጥሮ እንተዘይደሊና ምስጢር ኣይኮነን። እቲ ዝርዝሩ ገዲፍና እቲ ጠንቂ መሊእና ካብ ጸቢብነት ክንወጽእ ስለ ዘይከኣልናን ካብ ናይቲ ጸቢብነት እንዳባለሒ ዝነብር ወጻዒ ጉጅለ ጽልዋ መሊእና ሰለ ዘይወጻእናን እዩ። ኣብ ብዙሕ ዝርዝር ከይኣተና፡ ንሃይማኖታውን ኣውራጃውን ጸቢብነት ተመሊሱ ከምዘይድገስ እንተስዒርናዮ ትርጉም ምውድዳርን ምትሕብባርን ተረዲእና ብቕንዕና እንተ ተንሲእና ከም እንስዕርን ድምጽና በሪኹ ከም ዝቕጽል እሙን እዩ። ነዚ ከነረጋግጽ እንተዘይበቒዕና ግና ከቶ፡ ሹሻይ ህግዲፍ ካብ ምዃን ኣይክንድሕንን ኢና’ሞ ነስተብህል።

Last modified on Tuesday, 17 September 2019 10:37