ማዕበል “ይኣክል” ብውደባ እንክስነ!

2019-04-26 07:36:52 Written by  ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in EPDP Editorial Read 2308 times

ርእሰ-ዓንቀጽ ሰዲህኤ

ኤርትራውያን ኣንጻር ዲክታቶር ኢሳይያስን ስርዓቱን ምቅዋም ካብ ዝጅምሩ ነዊሕ ግዜ ከም ዝኾነ ብሩህ እዩ። ኣብቲ መጀመርያ ናይ ምቅዋሙ ግዜ፡ “የለን ንሱ በጃ ህዝብን ሃገርን ስለ ዝኾነ፡ ክትንከፍ የብሉን” ዝብሉ ውሱናት ግና ቀራናት ደገፍቲ ነይረምዎ። እናወዓለ እናሓደረ ግና እቲ ንዕኡ ዝድፍ ዓይኒ ማይ እንዳነጸፈ፡ እቲ ዝቃወሞ ከኣ መመሊሱ እንዳሰሰነ ከም ዝመጸ ካልእ ኣብ ተመኩሮና ዝረኣናዮን ሕጂ’ውን ቀጻሊ ዘሎን እዩ። እዚ ዲክታቶር በቲ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኤርትራ ክፍጽሞ ዝጸንሐ ሕቡእን ግሁድን ኣሽካዕላል ሻዲኑ፡ ሕሉፍ ናይ ልኡላውነት ተሓላቒ መሲሉ ክዋሰኣሉ ዝጸንሐ ድራማ ገልቢጡ፡ ብኣንጻሩ “ሕሉፍ ተደማሪ” ምዃኑ ብዘገርም ቅልጣፈ ምስ ኣርኣየ ግና፡ ደገፍቱ ዝነበሩ ጥራይ ዘይኮነ ግርማኡ ከም ሰብ እውን ከም ዝሃደሞ  ትማሊ ዘይኮነ፡  ሎሚ ንዕዘቦ ዘለና ተረኽቦ እዩ።

ኤርትራውያን በብኹርንዑ መጻኢ ዕድል ሃገሮም እንዳተቛመቱ፡ ኢሳይያስ ንኹሉ ምስ ኤርትራዊ ክብርን ልኡላውነትን ዝተሓሓዝ መርገጻቱ ራሕሪሑ፡ ናይ ኢትዮጵያ ቀዳማይ ሚኒስተር ናይ “ምድማር” ፖሊሲ መዳኸሪ ምስ ኮነ ሃንደፍ ኢሎም ክቕበልዎ ተጸጊሞም። ኢሳይያስ ኣብቲ ሓቂ ከምስል ዝንየተሉ ዝነበረ፡ “ኤርትራዊ ልኡላውነት” ተማቲኡ። ድሕሪዚ ከኣ ኤርትራውያን ደጊም “ድሕሪ ሞት ጥዕና ቅበጽ’ዩ” ጉዳይና ባዕልና ንሓዝ ኢሎም። ወዮ ከምቲ ዝድለ ከይዓመረ፡ ኣብ ቀጻሊ ቃልሲ ዝጸንሐ ካብ ኢሳይያስ ዝጽየፍ ናይ ለውጢ ደንበ ከኣ ዓሚሩ ዘይኮነስ እንሆ ኣዕለቕሊቑ። እንዳ ዲክታቶር ከኣ ብኽንድኡ ደረጃ ኣዝዩ ዓቢሩ። ማዕበል “ይኣክል” ከኣ ናይዚ መርኣያ እዩ።

ማዕበል ይኣክል ናይ ሓይልታት ለውጢ ዕሙር መድረኽ ስለ ዝኾነ መመሊሱ ክቕጽል ዝግበኦ እዩ። ማዕበል ይኣክል ዲክታቶር ኢሳይያስ፡ ንኹሉቲ ብጉልባብ ልኡላውነት ሒዝዎ ዝነበረ ናይ ካብ ክሳድ ንላዕሊ መኸተ ምስ ራሕረሖ፡ “ሀ” ኢሉ ዝጀመረ ዘይኮነ፡ ውህሉል ውጽኢት ናይቲ ቅድሚ ነዊሕ ዓመታት ኣንጻር ኢሳይያስን ወጻዒ ስርዓቱን ክካየድ ዝጸንሐ ቃልሲ እዩ። እቲ ነዊሕ ዝሰንሰለቱ፡ ቅድም ንምውጋድ ዲክታተር፡ ደሓር ከኣ ኩለ-መዳያዊ ረብሓ ኤርትራን ህዝባን ዘውሕስ ስርዓት ንምትካል ክካየድ ዝጸንሐ ቃልሲ፡ ብደረጃ ግዜ፡ ንዋትን ህይወትን ዝተኸፈሎ ዋጋ ኣዝዩ ክቡር እዩ። ምእንትዚ ዝተሰውኡን ዝተሰዱን ኤርትራውያን ብዙሓት እዮም። ኣብ ኣብያተ ማእሰርቲ ዝማስኑ’ውን ከምኡ። ኣባላት መሪሕነት ተሓኤ ሰውራዊ ባይቶ ዝነበሩ ወልደማርያም ባህልብን ተኽለብርሃን ገብረጻድቕን ንነዊሕ ዓመታት ብምእሳር  ከም ኣብነት ዝጥቀሱ እዮም።

ብዛዕባ ሓደ ጉዳይ ናይ ሓባር ሚዛን ምሓዝን ድሕሪኡ ናይ ሓባር ጭረሖ ኣምሪሕካ ኣብ ቀዳማይ መስርዕ ምስላፍን ኣገዳሲ ዕቤት እዩ። እዚ ነቲ ሕጂ ዝቃላሕ ዘሎ ናይ “ይኣክል” ማዕበል ዝውከል እዩ። እንተኾነ ብሓደ ቅኒት ምድማጽ ሓደ ስጉምቲ ንቕድሚት ኣብ ቃልሲ እምበር፡ ናይ መወዳእታ ከምዘይኮነ ንኹላትና ብሩህ እዩ። እዚ ናይ ሓባር ድምጺ፡ ቀጻልን ትካላውን ዘተኣማምን ቀያሪ ዓቕሚ ንክኸውን ኣብ ትሕቲ ናይ ሓባር ርኢቶ ነቕ ኣብ ዘይብል መሰረት ክጽመድ ናይ ግድን እዩ። እቲ መጽመዲ ከኣ ውደባ እዩ። እዚ ካብቲ ብግብሪ ተፈቲኑ ዘዕወተ “ውደባ ሓይሊ እዩ” ዝብል ኣምር ዝነቅል እዩ። ዝተወደበ ዓቕሚ ለውጢ ዘምጽእ ጥራይ ዘይኮነ፡ በቲ ውደባ ዘይጥቀሙ ኣካላት ኣንጻሩ ካብ ዝፍንዉዎ ወስታውን ክከላኸል ዝበቅዕ እዩ። ስለዚ ናይ ይኣክል ማዕበል ኣብ ጽኑዕ ውድባዊ ባይታ ክስረት ናይ ግድን እዩ።

ምውዳብ ብጥሪኡ ምእካብ ጥራይ ማለት ከምዘይኮነ፡ ንኹላትና ብሩህ እዩ። ኣብየናይ ናይ ቀረባን ናይ ርሑቕን ተልእኮ ትውደብ ምንጻር ሓደ ኮይኑ፡ ኣወዳድባኻ ብጠማሪ ሕግታትን ዲሞክራስያዊ መትከላትን ጸኒዑ፡ ብመሪሕ ተግባሪ ኣካላት ዝተሰነየ ክኸውን መሰረታዊ ተደላይነት ኣለዎ። ንትካላውን ግሉጽን ኣሰራርሓን ተሓታትነትን ከኣ ግቡእ ግምት ዝህብ ክኸውን ይግበኦ። ናይቲ ኣወዳድባ መልክዕ ብምርጫ ናይቶም ዝውደቡ ዝውሰን እዩ። ከከም ውሳነኦም ከኣ ብደረጃ፡ ውድብ፡ ሰልፊ፡ ጽላልን ግንባርን ከምኡ’ውን ሲቪላዊ ማሕበር ክኸውን ይኽእል። ኣብ ከምዚ ንርከበሉ ዘለና ወሳኒ መድረኽ ግደ ናይቶም ብውልቆም ዝዋስኡ ምሁራትን ክኢላታትን እውን ኣገዳሲ ቦታ ዝወሃቦ እዩ። እጃምካ ኣብቲ ቃልሲ ከኣ ብመንጽርቲ ዝመረጽካዮ ኣገባብ ቃልሲ ዝዕቀን እዩ። ፖለቲካዊ ውድባትን ሰልፍታትን ንጹር ፖለቲካዊ መደብ ርኢቶ ወኒኖም ንፖለቲካዊ ስልጣን ዝወዳደሩ እዮም። ሲቪላዊ ማሕበራት ከኣ ፖለቲካዊ ትካላት መስመሮም ስሒቶም ህዝብን ሃገርን ከይብድሉ ዝኣልዩን ዓቕሚ ክጐድሎም እንከሎ ከከም ሞያኦም ዝድግፉ፡ ሰብ ዓብይ እጃም እዮም። ኣብቲ ዝምድና ናይ ብጽሒት ዘይንጹርነት እንተ ኣጋጢሙ ነቲ ቃልሲ ኣብ ዕንክሊል እዩ ዘእትዎ። ብመንጽር እዚ ኣብዚ ዘለናሉ ወሳኒ መድረኽ፡ ቀዳማይ ጸገምና ንዲክታቶር ኢሳይያስ ኣብ ምቅዋም ኣይኮነን። ሎሚ እቲ ኣብ ቅድሜና ዘሎ ግዜ ዘይህብ ዕማም፡ ብኸመይ ብሓባር፡ ቅድም ነቲ ዳርጋ ከምዘይተርፍ ዘመላኽት ዘሎ ውድቀት ህግዲፍ ነላእሞ ኮይኑ፡ እቲ ቀንዲ ከኣ ከመይ ገይርና ብሓባር ዝሓሸ መተካእታ ኮይንና ንቐርብ ዝብል እዩ። ነዚ ብዝምልከት ክንመሃረሉ ዝግበኣና ተመኩሮ ሱዳን ኣብ ቅድሜና ኣሎ።

ብቑዕ ኣወጋዲ ስርዓት ህግዲፍን ብዲሞክራስያዊ ስርዓት ተካእን ክንከውን ጌና ዘይተዓመ ናይ ደለይቲ ለውጢ ዕዮ ገዛ ኣለና። እቲ ይኣክል ናብ ህግዲፍ ጥራይ ዘይኮነ ንዓና’ውን ይምልከተና’ዩ እንብል ከኣ ምእንቲዚ እዩ። ንህግዲፍ ዝቕይርን ዝትክእን ዓቕምን ህዝባዊ ተኣማንነትን ክንረክብ፡ ካብ፡ ምንጽጻግ፡ ምግላል፡ ናይ ካለኦት ኣበርክቶ ምንእኣስን እታ ሓቂ ምሳይ ጥራይ እያ ዘላ ስምዒታትን ክንነጽህ ናይ ግድን እዩ። እዚ ከኣ ጐኒንጐኒ ምስቲ ኣንጻር ህግዲፍ ዝግበር ቃልሲ ኣብ ወውዳበና ክንዓሞ ዝግበኣና ዕማማት እዩ። ብሓጺሩ ነቲ ክሳብ ሕጂ ዘየዕወተና ኣገባባት ተቓሊስና ክንስዕሮ መሰረታዊ ጉዳይ እዩ። ኣብዚ ዕዉታት ክንከውን ከኣ፡ ናይቲ ዝሓለፈ ቃልስና ኣውንታ መቐጸልቲ እምበር ወትሩ ጀማሪ ክትከውን ካብ ምድላይ ሕማቕ ወልፊ ናጻ ክንከው ይግበና። ንኣብነት ንርእስኻ እንዳተወደብካ፡ “ውድባት ኣየድልያን እየን” ምባል ትማሊ፡ ሎሚ ኮነ ጽባሕ ሓጋዚ ኣይነበረን ኣይኮነን።  

Last modified on Friday, 26 April 2019 09:39