ዝሓለፈ ድኽመት ንዘይምድጋም!

2018-10-09 17:52:59 Written by  ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in EPDP Editorial Read 2707 times

ርእሰ-ዓንቀጽ ሰዲህኤ 

ከም ኤርትራዊ ናይ ለውጢ ሓይልታት፣ ናይ ክሳብ ሕጂ ጉዕዞና ክንርኢ እንከለና፣ ብዙሓት ድኽመታት ከም እንዕዘብ ፍሉጥ እዩ። በቶም ሰኣን ዓቕሚ ዘይተግበርናዮም ብዙሕ ንጠዓስ ኣይመስለናን። በቶም ክንገብሮም እንዳኸኣልና እንከለና ዘይተግባርናዮም ግና፡ ክንሓስብን ክንጠዓስን ናይ ግድን እዩ። እቲ ክንገብሮ እንዳኸኣልናዮ ዘይገበርናዮ ኣዝዩ ብዙሕ ምዃኑ ርዱእ ኮይኑ፣ ንቕሎናን ሸቶናን ሓደ ድሕነት ህዝብን ሃገርን ናይ ምርግጋጽ ሓላፍነት እንዳሃለወ ናእሽቱ ፍልልያት ኣተዓባቢና ንቕድሚት ብምምጻእ ብሓባር ክንወፍር ዘይምኽኣልና እቲ ጐሊሁ ዝረአ ድኽመትና እዩ።

ብመንጽር እዚ ንርከበሉ ዘለና ግዜ ነቲ ዝሓለፈ ድኽመትና ንምቕያሩ እንደጋና ናብ ድሕሪት ናብቲ ዝሓለፈ ድኽመት ንቋመተሉ ዘይኮነ፣ ነቲ ድኽመት ከይንደግሞ ንቕድሚት እነማዕድወሉ እዩ። እቲ ዝከኣል ንዝሓለፈ ጌጋ ምቕያር ዘይኮነ፣ ካብኡ ተማሂርካ ንከይትደግሞ ምስራሕ ስለ ዝኾነ። ዝሓለፈ ድኽመትና ኣሲሩ ሒዙ ኣብኡ ዘንብረና ዘይኮነ ኣብ መጻኢ ጌጋ ከይንደግም ንመሃረሉ ተመኩሮ ክኸውን ይግበኦ። ኣብ ቅድሜና ዝከኣልን ዘይከኣልን ከም ምርጫ እንዳሃለወ ነቲ ዝከኣል መሪጽና ክንስጉም እምበር ኣብቲ ዘይከኣል ክንሽከል ኣይግበኣናን። ሎሚ ነቲ ዝከኣል ብሓባር እንተሰጊርናዮ ጽባሕ ነቲ ሎሚ ዘይከኣል ዝመስል ብደሆ ክስዕር ዘኽእል ዓቕሚ ከነጥሪ ናይ ግድን እዩ። እቲ ኣዝዩ ዘተሓሳስብ ከኣ ነቲ ዝሓሸ መንገዲ እንዳተረዳእናዮ ንመጻኢ ብዘየሰጉም ኒሕ ተኣሲርና ኣብቲ ዘየድምዕ መንገዲ ጠጠወ ንብል ምህላውና እዩ።

እቲ ብኸመይ?፣ ምስመን?፣ መዓስ? ኣበይ? ሓቢርና ከም እንሰርሕ ዝቕልሰና፣ ህልዊ ኩነታት ሃገርናን ህዝብናን መመሊሱ እንዳገደደ እምበር እንዳሓሸ ይኸይድ የለን። ንሕና ግና ኣብ ክንዲ ምስቲ እንዳገደደ ዝኸይድ ዘሎ ኩነታት፣ ኩሉ ክኢልናን ተጸሚምናን ክሳብ ሕጂ ዘይበቓዕናዮ መዋጸኦ መንገዲ እንሕዝ ብኣንጻሩ ክሳብ ሕጂ ኣብ ኢድና ዝጸንሐ ዝርካቡ ኒሕን ሓቦን ንድሕሪት ንመልሶ ዘለና ኢና ንመስል። ሎሚ እቲ ካብ ነዊሕ ግዜ ከሻቕለና ዝጸንሐ ስደት ናብ ዝለዓለ ፍልሰት ዓሪጉ፣ ኣብ መዓልቲ ልዕሊ ሓደ ሺሕ ስድራቤት ናብ ኢትዮጵያ ይፈልስ ኣሎ። ናይዚ ናብ ኢትዮጵያ ዝፈልስ ዘሎ ኤርትራዊ ምኽንያቱ ፍሉጥ እዩ። ቅድሚ ሕጂ’ውን ምስ ህግደፍ ምንባር ኣጨኒቕዎ፣ ካብ ሃገር ክወጽእ እንዳደለየ ጸጊምዎ ዝጸንሐ እዩ። ብለይቲ ንዘሰጋግሩ ዝኽፈል ገንዘብ ስኢኑ ዝጸን ኣሎ።፣ ብለይትን ኣጻንዕ ቦታታትን ቆልዑት ሒዘን ክወጻ ዓቕሚ ንኢስወን ዝነበራ ሎሚ ኣፍደገ ተኸፊቱ ምስተባህለ ክሳብ ሸውዓተ ቆልዑ ኣኸቲለን ዝውሕዛ ዘለዋ ኣደታት ኤርትራ ብዙሓት እየን። መብዛሕትኡ ናብ ኢትዮጵያ ዝሰግር ዘሎ ኤርትራዊ መጻኢ ዕድሉ እንታይ ከም ዝኸውን ኣይፈልጥን እዩ። እቲ ኣብ መዓልቲ ብኽንድዚ ኣሃዝ ምውጻኡ ከኣ ምናልባት ማዕጾ ከይዕጸዎ ስግኣት ስለ ዘለዎ እዩ።

መንግስቲ ህግደፍ ኣብ ሎሚ በጺሑ ሓላይ ህዝቢ ኮይኑ፣ ናይ ህዝቢ ጸገም፡ ጸገመይ ኢሉ ከተሃዳድእ ኩልና ኣይተጸበናዮን። ሃገር ለኪሙ ክጠፍእ ዝዓጠቐ ስርዓት ስለ ዝኾነ፣ ኤርትራ ብሓፈሻ፣ ብፍላይ ከኣ ሰሪሑ ዘፍሪ ሓይሊ ሰብ ከምዘይህልዋ እንተገበራ ስራሑ እዩ ዝሰርሕ ዘሎ ኢልካ ክውሰድ ዝከኣል እዩ። ንሕና እቶም ጉዳይ ህዝብናን ሃገርናን ዓዚዙና ንመሰረታዊ ለውጢ ኣብ ኤርትራ ንቃለስ ዘለናኸ እንታይ ንገብር ኣለና። ነገራዊ ዓቕሚ ስለ ዘየብልና መጽለልን መዕንገልን ክንልግሰሉስ ኣይከኣልናን። ብመሰረቱኸ ጸገሙን ጨንቁን ናትና’ውን ምዃኑ ብግቡእዶ ተርዲእናዮ ኣለና። ኣውያቱ ኣውያትና ምዃኑ ተገንዚብና ዶ፡ ድምጺ ክንኮኖዶ ንቃለስ ኣለና፣ ነነብስና ክንምርምረሉ ዝግበኣና ጉዳይ እዩ። ስለዚ ነዚ ክንበቅዕ ሓቢርካ ብምስራሕ ከተድምዕን ሓቢርካ ብምድማጽ ከተስምዕን ምብጋስ ኣብዚ እዋንዚ መተካእታ የብሉን።

እዚ ኣብ ኤርትራ ወሪዱ ዘሎ ጸገም ኣብ መስርዕ ተቓውሞ ንዘለዉ ውድባት፣ ሰልፍታት፣ ሲቪላዊ ማሕበራትን ግዱሳት ውልቀሰባትን ጥራይ ዝምልከት ኣይኮነን። እቲ ቀንዲ ናይቲ ጸገም ተሰካምን ልዑል ናይ ምቕያሩ ዓቕሚ ዝውንን ህዝቢ ኤርትራ ካብ ደሓር ምጠዓስን ዝያዳ ዋጋ ምኽፋልን ብግብሪ “ዓገብ” ንምባል ክትንስእ ይግበኦ። ኣብዚ እዋንዚ ሕቖ ህግደፍ ኮይኖም ዘለዉ ውሑዳት ኣካላትን ሓይልታት ምክልኻልን ድሓር ካብ ዘጣዕስ ስቕታ ክወጹ ይግበኦም። እዚ ማለት ንህግደፍ ክድግፍዎ ኣይግበኦን ጥራይ ዘይኮነ፣ “ደጊም ይኣክል” ኢሎም ከርዕድዎ ይግበኦም። ኣብ ወጻኢ ዝነብሩ ኤርትራውያን “ደጊምስ ዓገብ” ዝብልሉ ሰፊሕ ዕድል ዘለዎም፣ ርእዮም ከምዘይረኣዩ ብምምሳል፣ ክሳብ ሕጂ ንህግደፍ ዘየብሉ ጽቡቕ ምስልን ህዝባዊ ሓልዮትን ከልብስዎ ዝጸንሑ፣ ብረሃጾም ብዝረኸብዎ ገንዘብ ሳጹኑ ዘህጥሩን ወገናትና ናብ ልቦም ብምምላስ ነቲ ጌጋ ካብ ምድጋም ክዕቀቡ ግዜኡ ሎሚ ምዃኑ ነዘኻኽሮም።

ሎሚ ኣብ ቅድሚ ኤርትራውያን ዘለዉ ምርጫታት ወይ ምስቲ ሓላፊ ጉጅለ ህግደፍ ወይ ድማ ምስቶም ዘይሓልፉ ህዝብን ሃገርን ምስላፍ እዮም። ኣብዚ ወሳኒ ናይ ሃገርናን ህዝብናን ምህላውን ዘይምህላውን መድረኽ ንኤርትራን ህዝባን ሕቖኡ ሂቡ፣ ንህግደፍ ዝመርጽ ኤርትራዊ ኣሎ ዝብል ስግኣትና ኣዝዩ ትሑት እዩ። እንተኾነ ከየዘኻኸርና ኣይንሓልፍን። ስለዚ ኩልና ብሰንኪ ክሳብ ሕጂ በብደረጃና ክንሰርሖ ዝግበና ዝነበረ ዘይምስራሕና፣ ህግደፍ ህዝቢ ኣብ ናይ ምጽናት ደረጃ/ሰገነት ንክድይብ ጠንቂ ከም ዝኾና ከይዘንጋዕና፣ ነዚ ተመሊስና ክንቅይሮ ዘይንኽእል ድኽመት ከይንደግሞ ክንጥንቀቕ ይግበኣና።

Last modified on Tuesday, 09 October 2018 19:57