ውሽጣዊ ጉዳይካ ከይወገንካ ናብ ዞባዊ

2018-09-07 06:50:35 Written by  ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in EPDP Editorial Read 2907 times

ርእሰ-ዓንቀጽ ሰዲህኤ

“ኣብ ዞና ቀርኒ ኣፍሪቃ፡ ሰላምን ቅሳነትን ሓባራዊ ምጣኔ ሃብታዊ ዕብየትን ብምድግጋፍ ክረጋገጽ ምቅላስ፤” (9፡1፡2 ካብቲ ኣብ 2ይ ጉባአኡ ዝጸደቐ ፖለቲካዊ መደብ ዕዮ ሰዲህኤ ዝተወስደ)

መረረ ህዝቢ ኤርትራ ክለዓል እንከሎ ንዘይምስማዕ ንሓንሳብ ባጽዕ ንሓንሳብ ከኣ ዓዲ ሃሎ ምሕካል ክመርጽ ዝጸንሐ ኣቶ ኢሳይያስ ኣብዚ እዋንዚ እቲ ናይ ቀደም ህርፋኑ ግዲ ደጊስዎ ናይ ዞባ ቅርኒ ኣፍሪቃ ኣባጓይላ መሲሉ ክቐርብ ጸፋዕፋዕ ይብል ኣሎ። ምስ ኢትዮጵያ ዝረአ ዘሎ ኣጀማምራኡን መዓልብኡን ዘይፍለጥ ዝምድና፡ ምምጻእ መራሕቲ ደቡብ ሱዳንን ሶማልያን ናብ ኤርትራ ከኣ ናይዚ መርእያ ተገይሮም ይውሰዱ ኣለዉ። ምናልባት ከሎ ጋና ብዛዕባ ስፍሓቱ፡ ኣተሓሕዛኡን መጻኢ ዕድሉን “ከምዚ ክኸውን እዩ” ኢልና ምዝራብ’ኳ እንተዘይከኣልና እዞም ዝጠቐስናዮም መራሕቲ ኣብ ሃሃገሮም ዘካይድዎ ናብ ጠለብ ህዝቦም ዝቐረበ ጽገናታትን ምምሕያሻትን ከምዘሎ ተዓዚብና ኣለና። ንኣብነት መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብ ኤርትራን ካልእ ከባብታትን ዝጸንሑ ተቓወምቱ “ተወዳደርቲ” ዝብል ስም ሂቡ ናብ ዓዲ ይመልሶም ኣሎ። ኣብ ደቡብ ሱዳን ድሕሪ ነዊሕ ኮለልን ጻዕርን ኣብ ሕድሕዶም ክቃተሉ ዝጸንሑ ኣካላት ተስፋ ዝተነብረሉ ናይ ሰላም ስምምዕ ተፈራሪሞም ኣለዉ። ኣብ ሶማልያ ናብ ርግኣት ንምምጻእ ጻዕሪ ይካየድ ኣሎ። እዞም ኩሎም ትማሊ ኣቶ ኢሳይያስ ንገዛእ ርእሱ ከይርኢ ዓዊሩ ክነሱ ዝጥቅወሎም ዝነበሩ በብናይ ሃገሮም ቀጥዒ ብኣፍልጦ ህዝቦም ናብ ሓላፍነት ዝመጹ መራሕቲ እዮም።

እዚ ናይዘን ሃገራት ሓቢርካ ምውሳእ ዞባዊ ጽልዋኡ ርዱእ ኮይኑ፡ ውሽጣዊ ጉዳያተንን ዕለታዊ ህይወት ህዝበን ምቕናይን ከኣ ዝያዳ ዝምልከተን ሓላፍነት እዩ። መንግስታት ኣብ ውሽጣውን ከባብያውን ምናልባት እውን ኣብ ዓለም ለኻዊ መድረኻት ክዋስኡ ንቡር እዩ። እቲ ቀንዲ ዝምዘንሉ መሰረት ናይ ዞባዊ ኣበርክተኦም ዝኸውንን ግና ኣብ ሃገሮም ምስ ህዝቦም ዘለዎም ርክብን ዝምድናን እዩ። መንግስታት ኣብ ውሽጣዊ ጉዳያቶም ከመይ ይዋስኡ፡ ብኸመይ ናብ ስልጣ ከም ዝመጹ ይውስን እዩ። ብዘይ ናይ ህዝቢ ድሌትን ኣፍልጦን: ሓይልን ጉርሕን ብዝኣመሰሉ ኣገባባት ዝመጹ፡ ንህዝቢ ክድልዮም እንከሎ እምበር፡ ክደልዮም እንከሎ ኣይግደስሉን እዮም። ኣብ ስልጣን ንምቕጻል ኣብቲ ዘምጸኦም ዘይሕጋዊ ኣገባብ እምበር ኣብቲ ዝመርሕዎ ህዝቢ ኣይምርኮሱን። ዲሞክራስያዊ ተሳትፎን ተጠቃምነትን ህዝቢ፡ ልዕልና ፍትሕን ግሉጽነትን ንዝኣመሰሉ ናይ ቅኑዕ ምምሕዳር ኣዕኑድ ፈጺሞም ኣይግደሱን። ሎሚ ኣብ ኤርትራ ሃገርና ምስ ዘሎ ብቓላት ኤርትራዊ በዓሉ ግርማ ሚኒስተር ብርሃነ ኣብርሀ “ዘራጊቶ” ህሞት ዝመሳሰል እዩ።

እቶም ህዝቢ ኤርትራ ደልይዎም ዘይኮነ ከይፈተወ ለሚድዎም ምስኣቶም ዝነብር ዘሎ፡ ስግኣት፡ እግርኻ መሊእካ ዘይምርጋጽን ኣፍካ መሊእካ ዘይምዝራብን፡ ስደት፡ ብኩራት ነጻነት ምዝራብ፡ ግህሰት ምምላኽን ምንቅስቓስን፡ ምስዋር እሱራት ኩሎም ኣብቲ ባይታ ኣለዉ። ሰባት ብተግባር ብዝሰትይዎ ይረውዩ፡ ብዝበልዕዎ ከኣ ይዕንገሉ፡ ካብዚ ሓሊፉ “ኣብ ዓዲ እገለ ከምዚ ይግበር ኣሎ” ዝብል ወረን ፈኸራን ንናይቲ ዝካየደሉ ከባቢ ህዝቢ እምበር፡ ናይቲ ብማዕዶ ዝሰምዕ ህዝቢ ርውየትን ዕግበትን ከምጽእ ኣይክእልን እዩ። ብመንጽር እዚ ንናይ ህዝቢ ኤርትራ ናይ ኩሉ ቅኑዕ ኣካይዳታት ጽምኢ፡ ብማዕዶ ንውሽጣዊ ኩነታትካ ጓሲኻ ብጉልባብ ዞባዊ ምትሕብባር ብዝግበር ዳንኬራ ከተርውዮ ኣይከኣልን እዩ። ህዝቢ ኤርትራ እውን “እቲ ዞባዊ ምትሕብባርስ ሕራይ ጉዳይናኸ” ዝብል ድምጹ ወርትግ ክብ ከብል ይግበኦ።

ከምዚ ናይ ዲክታተር ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ዝረአ ዘሎ ካብ ውሽጣዊ ጉዳይካ እንዳሃደምካ፡ ኣብ ዞባዊ ዛዕባ ጥራይ ዝግበር ላዕልን ታሕትን ጉድኣቱ ናይ ህዝቢ ኤርትራ መሰረታዊ ናይ ለውጢ ሕቶ ዘይምምላሱ ጥራይ ዘይኮነ፡ እቲ ብኸምዚ ንዕዘቦ ዘለና ንጉዳያት ብርእሱ እንዳሓዝካ ዝግበር ዞባዊ ስምምዓት ኣብ ህዝባዊ መሰረት ዘይተሰረተን ናይ ርሑቕ ዓንገልቲ ትንፋስ ዝቋመትን ስለ ዝኸውን ቀጻልነቱ ዘተኣማምን ኣይኮነን። ስለዚ እቶም ዞባዊ ምርግጋእን ቁጠባዊ ዕቤትን ከነምጽእ ኢና ኢሎም ዝጽዕቱ መንግስታት እውን ቀንዲ ዋኒኖም’ኳ እንተዘይኮነ “ምስ መን እየ ዞባዊ ዝምድና ዝገብር ዘለኹ” እቲ መዛምድተይ ንጉዳይ ህዝቡ ብኸመይ ይሕዝ ኣሎ፡ ኣእዳዉ ካብ ደም ንጹሃትን ስርቅን ንጹህ ድዩ?” ክብሉ ይግበኦም። ምኽንያቱ ነዚታት እንተዘኣቕሊበምሉ ናይቲ ዝድኩንዎ ዞባዊ ምሕዝነታት ዕድል ዘይውሑስ እዩ ዝኸውን። ንኣብነት ንእቶ ኢሳይያስ ምስ መራሒ ጅቡቲ ቅድሚ ምዕራቖም “ምስ ህዝብኻ ተዓረቕ” እንተዝብልዎ ክንደይ መምሓረሎምን መመልከዓሎምን። እዚ ከባሀል እንከሎ ውሽጣዊ ጉዳዩ ግቡእ ቆላሕታ ንክረክብ ናይቲ ኣብ ጭቆና ተጐዳእን ኣብ ራህዋ ተጠቃምን ዝኸውን ህዝቢ ኤርትራ መተካእታ ዘየብሉ ሓላፍነት ምዃኑ ኣይዝንጋዕን።

ምናልባት ደኣ ሓንሳብ ዓይንኻ ብጨው ተሓጺብካ ጥልመት ምስ ጀመርካ ይስበለካ እዩ እምበር፡ ኣቶ ኢሳይያስ ምስዞም ካብዚ ቀረባ ግዜ ጀሚሩ ምስኣቶም ዝውዕል ዘሎ መራሕቲ ሃገራት ክዛረብ እንከሎ፡ ሕገመንግስቲ፡ ልዕልና ፍትሒ፡ መስርሕ ምርጫ፡ ናይ ኣረኣእያ ብዙሓነት፡ ናይ እምነትን ሓሳብካ ምግላጽን ናጽነት፡ ዝምድና ሓገግቲ፡ ፈጸምትን ፈረድትን ኣካላት መንግስቲ …. ወዘተ ዝብሉ ቃላት ክለዓሉ እንከለዉስ ኣይስከፍንዶ። ብግምትና ምናልባት ደኣ እቶም ከምዚ ዓይነት ዕላል ዘምጽኡ ኣካላት ካብ ፈቓድ ህዝቦም ወጺኦም ናብቲ ናቱ መላኺ ስልቲ ክመጹ ይሕንክር ይኸውን እምበር፡ ናይ ህዝብኻ ድምጺ ቀሪብካ ብምስማዕን ተሳትፎ ህዝቢ ብምውሓስን ቅንኢ ይሓድሮ ኢልካ እትጽበዮ ኣይኮነን። ምኽንያቱ ሓንሳብን ንሓዋሩን ካብቲ ብንጹር ፖሊሲ ክትመርሕን ክትምራሕን ዝብል ቅኒት ወጺኡ፡ ኣብቲ ብሓይሊ እንዳዳነኻ ኣብ ስልጣን ምንባር ዝብል ዓመጽኛን ሓደገኛን ባሕሪ ስለ ዝጠሓለ።

ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ (ሰዲህኤ) ኣብዚ ንርከበሉ ዘለና መዋእል ንኣገዳስነት ኩለ-መዳያዊ ዞባውን ዓለማውን ምትሕብባርን ምትሕግጋዝን ግቡእ ቆላሕታ ሂቡ ከም ዝቃለሰሉ በቲ ካብ ፖለቲካዊ መደብ ዕዮኡ ተወሲዱ ኣብ መእተዊ’ዚ ጽሑፍ ሰፊሩ ዘሎ ንኡስ ዓንቀጽ ምርዳእ ይከኣል። እዚ ክብል እንከሎ ግና ከምዚ ህግደፍ መሪጽዎ ዘሎ ኤርትራዊ ጉዳይ ደፊንካ ዘይኮነ፡ ኣብ ድሌትን ናጻ ተሳትፎን ህዝቢ ኤርትራ ዝተሰረተ ክኸውንዩ ዝቃለስ። ካብዚ ሓሊፉ ኣብዚ እዋንዚ ብኣቶ ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ዝካየድ ዘሎ ዞባዊ መስርሕ መሰረታዊ ሕቶ ህዝቢ ኤርትራ ቀቢርካ ደገደገ ንምምዕዳው ዝዓለመ መዳህለሊ ምዃኑ ስለ ዝርዳእ፡ ህዝቢ ኤርትራ ክርደኦን ክቃለሶን ከም ወትሩ ይጽውዕ።

Last modified on Friday, 07 September 2018 08:55