ሎሚ’ውን “ኤርትራ ሕጂኸ ናበይ?”

2018-07-24 07:55:04 Written by  ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in EPDP Editorial Read 2774 times

ርእስ-ዓንቀጽ ሰዲህኤ

ፖለቲካዊ ጉዕዞ ሃገርና ርግኣት ዝሓረሞ ኣብ ሓፍዞቕ ዝተመስረተ ምዃኑን ምንባሩን ተመኩሮና ይምህረና። ካብቶም ከምዚ መልክዕ ክሕዝ ዝድርኽዎ ምኽንያታት ወትሩ ኣቀማምጣ ሃገርና ናይ ዝመስጦም ሓይልታት ግዳም ረብሓ ዘንጸላልዋ ምንባሩን ምዃኑን እዩ። እዚ ካብ ነዊሕ ግዜ ጀሚሩ ቀንዲ መርኣያ ታሪኽና ኮይኑ ዝጸንሐ እዩ። ድሕሪ ምብቃዕ 2ይ ውግእ ዓለም፡ ኤርትራ ከም ኩለን ኣብ ትሕቲ መግዛእቲ ዝጸነሓ ሃገራት ኣፍሪቃ ግቡእ ናጽነታ ከይትረክብ ዝደረኸ ጠንቂ ከኣ እዚ ነዊሕ ኢድ ናይ ግዳም እዩ። ናይ ሽዑ ኮነ ናይ ሎሚ ሰብ ነዊሕ በትሪ ሓይልታት ወጻኢ፡ ንኤርትራን ኢትዮጵያን ነነብሰን ኣኽኢልካ ዘይኮነ ንኤርትራን ህዝባን ግዳይ ብዝገብር ጐባጢ መልክዕ ዓምጺጽካ ምሓዝ ዝብል እምነት ከም ዝነበሮም ሎሚ’ውን ከም ዘለዎም ምርዳእ ዘጸግም ኣይኮነን።

ኣብ ብዙሕ ምዕራፋት ቃልስና ከም ዝይተራእየ፡ እቶም ህዝቢ ኤርትራ ቀንዲ በዓል ጉዳይ እንዳሃለወ “ንሕና ኣለናልካ” እንዳበሉ ናብቲ ንሳቶም ዝደልይዎ ዝጐትዎ ናይ ግዳም ሓይልታት ጥራይ ኣይነበሩን። ከምቲ “ገረብ ብሓኽላ ወይ መንገዲ ምስ ወዲ ዓዲ” ዝበሃል ህዝቢ ንምትላል ዝዋፈር ኤርትራዊ ሓይሊ እውን ነይሩ እዩ። ህዝቢ ኤርትራ ግና ምናልባት ደኣ ድምጹ ዝሰምዓሉ ዓቕሚ ይስእን ነይሩን ኣሎን እምበር፡ ከቶ ረብሓኡን ዕላምኡን ካብ ልኡላዊ ክብሪ ሃገሩ ከምዘይፍለ ዘንጊዑ ኣይፈልጥን። ብሰንኪ ዕድል ምስኣኑ ግና ክሳብ ሕጂ ባህጉ ኣይሰመረሉን።

ህዝቢ ኤርትራ ብሓፈሻ ቃልሱ ምእንቲ ናጽነት ካብ ዝጅምር፡ ብፍላይ ከኣ ድሕሪ ናጽነት ሃገሩን ክብራን ከም ብሌን ዓይኑ ክሕሉ ዝጸንሐ ህዝቢ እዩ። እቲ ናይ ታሪኽ ኣጋጣሚ ኮይኑ ድሕሪ ናጽነት ንኤርትራ ዝመረሓ ናይ ሎሚ ህግደፍ ነዚ ሕኑን ኤርትራዊ ስምዒት ብኸመይ ከም ዝጥቀመሉ ብጉርሒ ክኸይድ ዝጸንሐ እዩ። ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ርእሲ ናጽነቱ መሰረታዊ መሰላቱ ንክሕለወሉ ዘቕርቦ ዝነበረ ጠለባት ምስ ባህሪ እቲ ገዛኢ ጉጅለ ስለ ዘይሳነ፡ እቲ ጉጅለ ካብኡ ንምህዳም ብዙሕ መዳህለሊ ተንኮላት ክምህዝ ጸኒሑ። ካብቲ ተንኮላቱ እቲ ብዝጐልሐ ክትርጎሞ ዝጸንሐ፡ ህዝቢ ኤርትራ ናብ ውሽጣዊ ጉዳዩ ምእንቲ ከይርኢ ብጉዳይ ፍቕሪ ሃገሩ ኣሰናቢድካ ናብ ግዳም ጥራይ ከም ዘመዓዱ ምግባሩ እዩ። ናይቲ ብየመንን ብሱዳንን ጀሚርካ ክሳብ ምስ ኢትዮጵያ ዝተኻየድ ውግኣት ከኣ መልእኽቱ እዚ እዩ። ካብዚ ሓሊፉ ኣዞም ምስ ጐረባብቲ ዝተኻየዱ ውግኣት ምስቲ ምእንቲ ናጽነት ዝተኻየደ ውግእ ኣወዳዲርካ ክካየዱ ዘይግበኦም ከምዝነበሩ ደጋጊምና ክንብሎ ዝጸናሕና እዩ።

መንግስቲ ህግደፍ ድሕሪ’ቲ መሪር፡ ኣዝዩ ዘስካሕካሕ ጉድኣት ዘውረደን ዘይናይዶብ ክንሱ “ናይ ዶብ” ዝብል ስም ዝተዋህቦን ውግእ ምስ ኢትዮጵያ ጠጠው ኢሉ፡ ናብ ዓለም ለኻዊ መድረኽ ምስ ተመርሐን ምስ ተወሰነን፡ ቀራን ተሓላቓይ ናይቲ ውሳነ ኮይኑ ጸኒሑ። በቲ ካብ ልቡ ዘይነቐለ “ቅድሚ ኩሉ ጉዳይ ዶብ ተመልኪቱ ልኡላውነት ክዕቀብ ኣለዎ” ዝብል መኸተ ንህዝቢ ኤርትራ ጅሆ ሒዝዎ ጸኒሑ። ህዝቢ ኤርትራ ከኣ እቲ ጉጅለ ከምኡ ኢሉ ስለ ዝጨረሐ ዘይኮነስ፡ ኣብ ልዕልቲ መወዳድርቲ ዘይብሉ ዋጋ ዝኸፈለሉ ልኡላውነት ዘለዎ ክቱር ፍቕሪ፡ ንኩሉ ሳዕቤናቱ ክኢሉ ንናይ ሓሶት መርገጽ ጉጅለ ህግደፍ ክድግፎ ጸኒሑ። እዚ ከኣ ዝያዳ ኩሉ ህዝብና ሕጉግ ምዃኑ ዘርኢ እዩ። ኣብዚ እዋንዚ ግና ጉጅለ ህግደፍ ኣብ ሓጺር ግዜ፡ ብዘይህዝባዊ ወኸሳ፡ ብኣዝዩ ቅልጡፍ ፍጥነት፡ ብፍጹም ህዝብና ዘይተጽበዮ “ጉጅላዊ ረብሓይ ይሕልወለይ” ኣብ ዝበሎ ኩርናዕ ተኾይጡ እነሆ።

ኣቀያይራ መርገጽ ህግደፍ ቅልጡፍ ጥራይ ዘይኮነ፡ ጉዳይ ሃገር ኣብ ሓደጋ ዘእቱ ከይከውን እውን ዓብይ ስኽፍታ ኣሕዲሩ ዘሎ እዩ። ጉጅለ ህግደፍ ኣብ ልዕልቲ ናይ ቅድም ኣሰካፊ ቀልባዕብዑ፡ ልኡኻቱን መራሒኡን ናብ ኣዲስ ኣበባ ከይዶም፡ “ህዝቢ ኤርትራን ህዝቢ ኢትዮጵያን ሓደ እዩ፡ ዶ/ር ኣብይ ኣሕመድ ዓሊ ምቕሉል መራሒ ረኺብና፡ ህዝቢ ኤርትራን ኢትዮጵያን ክልተ ህዝቢ እዩ ዝብሉ ነቲ ሓቂ ዘይፈልጡ እዮም፡ ሓድሽ ታሪኽ’ዩ ዝስራሕ ዘሎ፡ ዶር ኣብይ ክመርሓና ኣረኪበዮ ኣለኹ” ዝብሉ ሓረጋት ህግደፍ ብ “ናይ ኤርትራ ናይ ወጻኢ ጉዳይ ስረሓት ክሰርሕ ሓላፍነት ተረኪበ ኣለኹን ናይ ወሰን ጉዳይ ብናይ ፍቕሪ ድንድል ሰጊርናዮ ኢናን” ዝብሉ ጥቕስታት መራሒ ኢትዮጵያ ተቓሚሞም ምቕራቦም ከኣ ዓሚቝ ስግኣት ፈጢሮም ኣለዉ። ገለ ብዛዕባ ድሕረ-ባይታ መራሒ ህግደፍ ይፈልጡ ዝበሃሉ ወገናት፡ እዚ ጉዳይ ሓድሽ ዘይኮነስ ተሓቢኡ ግዜ ክጽበ ምስ ጸንሐ፡ ሕጂ ዝወጽእ ዘሎ ስምዒት ከም ዝመስል ምጥቃሶም ከኣ ነቲ ስኽፍታ ናብ ሓደገኛ ሻቕሎት ከምዘዕርጎ ዝሰሓት ኣይኮነን።

ኩሉቲ ካልእ ገዲፍካ ነቲ ናይ መራሒ ህግደፍ ንቡር ዘይኮነ ቀልባዕባዕ፡ ካብ ኣካይዳኡ ጀሚርካ ክሳብ ኣሰሓሕቓኡ፡ “እገለ ካባይ ይሓይሽ” እትብል ቃል ወጺኣቶ ዘይትፈልጥ፡ ሕጂ ዶ/ር ኣብይ ይምረሓና ክብል ዝሰምዑ ወገናት፡ ኩሉ እቲ ዲክታቶር ክገብሮ ዝቐነየ ናቱ ዘይኮነስ፡ ናይቶም ምስ ኣብይ ጸሚዶም ዝሓርስዎ ዘለዉ፡ ካሮትን በትርን ዝዓተሩ ሓይልታት ድፍኢት እዩ ኢሎም ዝድምድሙ ብዙሓት እዮም።

ክልቲኦም ወገናት ኣብ ኣስመራ 5 ነጥብታት ዝሓዘ ኣቐዲሙ ብካለኦት ወሓላሉ ክኽሸን ዝጸንሐ ስምምዕ ተፈራሪሞም። ቀንዲ ትሕዝቶ ናይቲ ስምምዕ እቲ መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣቐዲሙ ከቕረቦ ዝጸንሐ ኣብ ኩነታት ናብ ንቡር ምምላስ ዘድሃበ እማመ ኮይኑ፡ እታ ንውሳነ ኮሚስሽን ዶብ እትምልከት እሞ ኢሳያስ ንዝሓለፈ 17 ዓመታት ከም ሽግ ዓቲሩዋ ዝጸነሓ ሓሳብ ግና ኣብቲ ሓደሓደ ዝተርፉ ንኡሳን ጉዳያት ዝሓዘ ዘንቢል ምስፋራ መመሊሱ የገርመካ።

እቲ ቀንዲ ጉዳይ እምበኣር ኢሳያስ ብዛዕባ ሕንኩ ቀንጢጡ ዝመረጾ ርቡጽ መንገዲ ደጋጊምካ ምዝንታውን ምግራምን ኣይኮነን። እቲ ቀንድስ ንሕና እቶም ክብሪ ህዝብናን ሃገርናን ብሓደ ወገን ለውጢ ናይ ምርግጋጽ ሓላፍነት ከኣ በቲ ካልእ ወገን ዝምልከትና ወገናት ክንገብሮ ዝግበኣና ክንገብር ምብቃዕ እዩ። ስለዚ ዓው ኢልና እሞ ከኣ ንህግደፍ ብዝምችእ ፋሕፋሕ ኢልና ዘይኮነ፡ ብስሙርን ሕቡርን ሓላፍነታዊ ድምጺ፡ “ኤርትራ ብቕዋምን ግዝኣተ-ሕግን ክትመሓደር፤ ናይ ፖለቲካን ናይ ሕልናን እሱራት ክፍትሑ፤ ደረት ዘይብሉ ሃገራዊ ኣገልግሎት ክተርፍ ብሕግን ብግዜን ዝተወሰነ ኣገልግሎት ጥራሕ ክኸውን፤ መሰረታዊ ሰብኣዊ መሰላት ኤርትራዊ ዜጋ ከይተሽራረፉ ኣብ ግብሪ ክውዕሉ፤ ተቓወምቲ ስርዓት ህግዲፍ ብናጻ ኣብ ሃገሮም ዝንቀሳቐስሉ ባይታ ምፍጣር፤ ናይ ዕርቅን ይቕረ ምብህሃል መድረኽ ምኽፋት።” ናብ ዝብሉ ህልውና ሃገር ዘውሕስን ለውጢ ዘረጋግጽን ቃልሲ ከነሕይል ይግበኣና።

Last modified on Tuesday, 24 July 2018 09:59