ኪኖ’ቲ ሰላማዊ ሰልፍታት ከ?

2017-11-08 12:28:47 Written by  ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in EPDP Editorial Read 3297 times

ርእሰ-ዓንቀጽ ሰዲህኤ

ነቲ ኣብ ኤርትራ ከተማ ኣስመራ ኣብ ከባቢ ኣኽርያ ብፍላይ ከኣ ኣብ ቤት ትምህርቲ ኣልድያእኣልእስላምያ “ ዝተራእየን ናብ ህዝባዊ ናዕቢ ዝማዕበለን ተረኽቦ ኣብ ዝምልከት ኤርትራውያን ቁጠዐኦም ኣንጻር ስርዓት ህግደፍ ይገልጹ ኣለዉ። መርበባት ሓበሬታን ካልኦት ናይ ተቓውሞ ሚድያታትን ከኣ ብናይ ሰልፍታት መጸዋዕታታትን ዜናዊ ጸብጻባትን ኣዕለቕሊቐን ኣለዋ። ጌና እውን እቲ ናይ ቁጠዐን ተቓውሞን ማዕበል ይቕጽል ኣሎ።

ህግደፍ ኩለንተናኡ ኣብ ዓመጽን ግህሰትን ዝተመስረተ ስለ ዝኾነ፡ ወርትግ በደል ዘሪኡ በደል ዝዓጽድ ስርዓት እዩ። ባህሪኡ ከምኡ ክሳብ ዝኾነ ድማ ካብኡ ብሰናይ ዜና ዝስነ ተግባር ምጽባይ ኣይከኣልን’ዩ። እንተኾነ ከምቲ “ነቲ ሕማቕ ዝሓመቐ ኣለዎ” ዝበሃል እንዳዘንግዑ ዝኽሰቱ ዝያዳ ዘቖጥዑ ናይቲ ስርዓት ተግባራት ኣለዉ። ኣብ ማይሓባር ኣብ ልዕሊ ምእንቲ ህዝቦምን ሃገሮምን ክፋል ኣካላቶም ዘወፈዩ ሓርበኛታት ዝተወስደ ስጉምቲ፡ ኣብ ልዕሊ ፖለቲካዊ መራሕቲ ዝነበሩን ጋዜጠኛታትን ብኣልማማ ዝተወስደ ማእሰርትን ምዕጻው ዘይመንግስታዊ ሚድያን፡ ኣብ ደሴት ኢጣልያ ላምፓዱሳ ንዝሃለቑ ኤርትራውያን በቲ ስርዓት ዝተራእየ ሕጫጨን፡ እዚ ናይ ትማሊ ኣብ ኣኽርያ  ኣብ ልዕሊ ክብርታትን ትካላትን እምነት ዝወስዶም ስጉምትታት ወሲኽካ  በሪኾም ዝረኣዩን ነቲ ወትሩ ጉሁይ ኤርትራዊ ልቢ መሊሲም ዘቑስሉ ተግባራት እዮም። እዞም ዝተዝርዘሩ ተግባራት ዘጉህዩ ጥራይ ዘይኮኑ፡ ነቲ ኣብ መስርሕ ቃልሲ ዘሎ ናይ ለውጢ ወገን መሊሶም ዘንህሩ እዮም።

ህግደፍ ህዝቢ ንምርዓድ ኢሉ ዝምህዞም እከይ ተግባራት፡ ብኣንጻሩ ወኒ ተቓለስቲ ከም ዘበርኹ፡ ኣብ ግዜ ፈተነ ዕላዋ በዓል ወዲ ዓሊ፡ ተረኽቦ ህልቂት ደሴት ላምፓዱሳን ሕጂ ኣብ ጉዳይ ቤት ትምህርቲ ኣኽርያን ዝረአ ዘሎ ምብርባር ብኣብነት ዝጥቀስ እዩ። ኣብዚ እቲ ቀንዲ ጉዳይ እቲ ሕጂ ብውዕዩ ዝካየድ ዘሎ ናይ ተቓውሞ ሰልፍታትን ኣኼባታቱን ዘይኮነ “ድሕሪኡኸ ናበይ?” ዝብል ሕቶ ክትምልስ ምኽኣልን ዘይምኽኣልን እዩ። ህግደፍ ሓደ ኣዕናዊ ፍጻመ ምስ ደርበየ፡ ነቲ ኣንጻሩ ዝለዓል ማዕበል ይዕዘቦ’ሞ ቁሩብ ምስ ቀሃመ ድማ ኣዘንጊዑ ካልእ ስጉምቲ ይወስድ። ስለዚ እቲ ዝጅመር ረስኒ ብቐጻሊ ዝኸደሉ ጉዳይ ክረኣይ ናይ ግድን እዩ። ናይ ጀነቭ ሰላማዊ ሰልፊ ክሳብ ክንደይ ሰፊሕን ዓለም ዘነቓነቐን ከም ዝነበረ ንዝክሮ ኢና። እንተኾነ ስለ ዘይቀጸለ ኣብ ልዕሊ ህግደፍ ክንዲ ትጽቢትና ኣየድመየን።

እዚ ክበሃል እንከሎ ግና ነቲ በብኩርናዑ ዝውደብ ዘሎ ሰልፍታት ንምንእኣስ ኣይኮነን። እኳደኣ ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ ኣባላቱ ኣብ ዘዘለዉዎ ኩርነዓት ዓለም ኣብ ከከባቢኦም ምስ ዘለዉ ናይ ለውጢ ሓይልታት ብሓባር ብተወፋይነት ንክሳተፉ ኣቦመንበር ሰዲህኤ ኣብ ዝሓለፈ ሰንበት ኣብ ዘካየዶ ሰፊሕ ናይ ኣባላት ኣኼባ ኣተንቢሁ እዩ። እንተኾነ  ዘዝተፈጥረ ባርዕ ኣብ ምጥፋእ ጥራይ ከይተወሰና፡  ሓንስብን ንሓዋሩን ነቲ ጠንቂ ባርዕ ካብ መሰረቱ ምቕሃም ዘኽእል ነባሪ ፍታሕ ምትኳር ናይ ግድን እዩ። ኣብ ከምዚ ኣጋጣሚ ነቲ ኩሉ ግዜ እንጭረሓሉ ግና ንምትግባሩ ዘይበቓዕናዮ ብሓባር ስርዓት ህግደፍ ናይ ምውጋድን ልዕልና ህዝቢ ብዘውሕስ ምትክኡን ክንሰርሓሉ ዝግበኣና መሰረታዊ ጉዳይ እዩ። እቲ ምንጪ ወጽዓ እንተዘየወጊድና ግና እቲ ወጽዓ ግዜ እንዳተጸበየ ወትሩ ፈኸም ክብል ናይ ግድን ስለ ዝኾነ።

ስርዓት ህግደፍ ነዚ ግዜ ሓልዩ ወሲድዎ ዘሎ ስጉምቲ ከም መቃነዪ ክጥቀመሉ ምዃኑ ፍሉጥ እዩ። እቲ ስርዓት “ነቲ ሓደ ኣጆኻ ነቲ ካልእ ከኣ ወይለኻ” እንዳበለ ንምፍልላይ ዝጥቀመሉ ሜላታት ብዙሕ እዩ። ሓደ ካብኡ እቲ ናይ ብዙሕነት መመልክዒና ሃይማኖት እዩ። ህግደፍ ኣብ ሓደ ግዜ ነቲ ሓደ ዝድግፍን ዝከላኸልን መሲሉ ይቐረብ። ኣብቲ ካልእ ግዜ ድማ ብኣንጻሩ። እዚ መጻወድያ’ዚ ኣንጻር ህዝቢ ኤርትራ ዝጻወድ ዘሎ ሎሚ ኣብ ግዜ ህግደፍ ንመጀመርያ ኣይኮነን። ኣብ ዝሓለፈ ተኸታታሊ መግዛእታዊ ስርዓታት እውን ህዝብና ንከፋፈልቲ እናገጸበ፡ ክበታትኾ ዝጸንሐ ማሕለኻታት እዩ።

ኣብዚ ክንጥንቀቐሉ ዝግበኣና ኣገዳሲ ጉዳይ እምበኣር፡ ናይቲ ህግደፍ ዘጻወዶ ዘይቅዱስ መፈንጠርያታት ግዳይ ከይንኸውን እዩ። ብስምዒት ተላዒልና ንህግደፍ ዘጉሃናዮ መሲሉና፡ ንኤርትራ ናይ ሓዲኡ እምነት ሰዓብቲ ሃገር ጥራይ ክንገብራ ክንዋጠጥ ኣይግበኣናን። ከምዚ እንተጌርና’ሞ ህግደፍ ብኮራርምቱ ክስሕቕ እዩ። እቲ ሓቂ ኤርትራ ብኹሎም ኤርትራውያን ህልውነኣ ዘረጋገጸት ናይ ኩሎም ደቃ እያ። ኣብ ልዕሊ ሰዓብትን ትካልን ሓደ ሃይማኖት ዝተፈጸመ በደል ኣብ ልዕሊ ኩሉ ኤርትራዊ ክብሪ ከም ዝተፈጸመ ኣረጋጊጽና ህግደፍ ንክፈላሊ ዝኣትወሉ መዓጹ ኣጽኒዕና ክንዓጹ ይግበኣና። እዚ ከኣ ብሰላማዊ ሰልፍታት ጥራይ ዘይኮነ “ድሕሪቲ ሰላማዊ ሰልፍታትከ እንታይ ንግበር?” ንዝብል ግቡእ ኣቓልቦ ክወሃቦ ይግባእ። 

Last modified on Wednesday, 08 November 2017 13:33