ዕዉት ዑደትን ኣራሚ ስጉምትታትን ኣቦ-መንበር ሰዲህኤ

2017-07-17 22:34:05 Written by  ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in EPDP Editorial Read 4430 times

ኣቦ-መንበር ሰልፊ ደሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ ኣቶ መንግስተኣብ ኣስመሮም ካብ መፋርቕ ወርሒ ሰነ 2017 ጀሚሩ ኣብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት ስሜን ኣሜሪካን ካናዳን ዑደት የካይድ ምህላዉ ክግለጽ ዝጸንሐ እዩ። ኣብ ምጅማር ዑደቱ ብወግዒ ከም ዝተሓበረ ዕላማ መገሻኡ፡ በቲ ሓደ ወገን፡ ምስ ግዱሳት ኤርትራውያን ተራኺቡ፡ ብዛዕባ ህልዊ ኩነታት ኤርትራን፥ ወጽዓ ህግደፍ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኤርትራን፥ ብሰዲህኤ ከም መዋጸኦ ቀሪቡ ዘሎ እማመ ሓባራዊ ስረሓት ፖለቲካዊ ውድባት ምብራህን እዩ። ብዘይካዚ ምስ ጨናፍር ሰዲህኤ ርክባት ምግባርን ኣገዳሲ ሰልፋዊ መምርሒታት ምሃብን እዩ። በዚ መሰረት ክሳብ ሕጂ ኣብ ኦክላንድ፡ ሳንድያጎ፡ ቺካጎ፡ ስያትል ዋሽንግተን ዲሲን ከተማዊኒፐግ፡ካናዳን ኣብ ዘካየዶ ኣኼባታት ነዞም ክልተ መደባቱ ኣዐዊትዎም ኣሎ። መጻኢ መደባቱ ዕዉት ከም ዝኸውን ከኣ ክሳብ ሕጂ ዘሎ ውጽኢት ሓባሪ እዩ።

ኣቦ-መንበር ሰልፊ፡ ሓው መንግስተኣብ ኣስመሮም፡ ኣብዚ ኣኼባታት ብመሰረት ዝሃቦ መብርሂታት፡ ካብ ተሳተፍቲ፡ ነኣድትን ምስዚ ሰልፊ ክቃለሱ ቅሩባት ዝኾኑን፥ ካብ ነቐፍቲ ምናልባት እውን ካብ ተቓወምቲ ሓሳባት ክቐርብሉ ጸኒሖም እዮም። ብመሰረቱ እውን ናይ ከምዚ ዓይነት ርክብ ዕላማ፡ ሰዲህኤ ክርእዮም ዘይከኣለ ንምርኣይን ኣብ መጻኢ መደባት ኣብ ግምት ንምእታዎምን ዝሕግዝ ሓሳባት ምምእራር ስለ ዝነበረ፡ እቲ ኣኼባታት ኣዝዩ ሃናጺ እዩ ነይሩ።

ኣብቲ ንሰልፊፍና ብዝምልከት ዛዕባ ከኣ ኣብ ርእሲ እቲ ምስ ጨናፍር ከካይዶ ዝጸንሐ ርክባት ዓሚቝ ልዝባትን ብ9 ሓምለ 2017 ናይ መላእ ኣባላት ሰልፊ ሰሜን ኣሜሪካን ካናዳን  ናይ ተለ ኮንፈረንስ ኣኼባ ኣካይዱ ነይሩ። ኣብዚ ኣኼባዚ ካብ ዝተንጸባረቑ ቀንዲ ጉዳያት ከኣ ምቛም ህጹጽ ጉባአ ዞባ ሰሜን ኣሜሪካ እተዳሉ 7 ቀወምትን 2 ተጣባበቕትን ዝኣባላታ ኣሰናዳኢት ሽማገለ እዩ። እታ ሽማግለ  ብሕጊ ድሕሪ ምቛማ ቀልጢፋ ነብሳ ኣብ ንኡሳት ናይ ስራሕ ሽማግለታት ምክፍፋል ምግባራን ንጥፈታታ ምጅማራን ከኣ ኣባላት ሰልፊ ክሳብ ክንደይ ህልውና፡ ቀጻልነትን ሓያልነትን ሰልፎም ብጭረሖ ዘይኮነ ብተግባር ንምዕቃብ ቅሩባት ምህላዎም ዘርኢ እዩ። ኣቦ-መንበር ሰልፊ ነዚ ስጉምትታት ዝወሰደ ብሕግን ቅዋማዊ ኣሰራርሓን እምበር ብውልቃዊ ብዊንታ ከምዘይኮነ ክንጸር ዝግበኦ እዩ። ናይዚ ስጉምታቱ መሰረት ከኣ፡  እቲ ፈጻሚት ሽማግለ ሰልፊ ብ7-8 ጉንበት 2017 ኣብ ዘካየዶ ስሩዕ ኣኼባኡ ናይ ዞባ ሰሜን ኣሜሪካን ካናዳን ህጹጽ ጉባአ ክካየድ ዝወሰኖ ውሳነ እዩ። ብዘይካዚ መሪሕነት ዞባ ነዚ ሕጋውን ቅዋማውን ዝኾነ ናይ ፈጻሚት ሽማግለ ውሳኔ ክምእዘዝ ቅሩብ ከም ዘይኮነ ብምዕዛብ ፈጻሚት ሽማግለ ብ22 ሰነ 2017 ኣብ ዘካየዶ ፍሉይ ኣኼባ እዚ ኣብ ታሕቲ ዘሎ ውሳኔታት ምውሳዱ ከኣ፡ ካልእ ኣቦ-መንበር ሰልፊ፡ ኣሰናዳኢት ህጹጽ ጉባአ ዞባ ሰሜን ኣሜሪካን ካናዳን ክመዝዝ ዝኸኣለሉ ሕጋዊ መሰረት እዩ።

1. ፈጻሚ ሽማግለ ሰዲህኤ፡ ዞባ ሽማግለ ሰሜን ኣመሪካ ከም ትካል ፈሪሳ ብህጹጽ ጕባኤ ኣቢላ ክትካእ፤

2. ጨናፍር ዞባ ሰሜን ኣመሪካ፡ ክሳብ ህጹጽ ጕባኤ ዝካየድ ብግዝያውነት ርክበን ብቕጥታ ምስ ቤት ጽሕፈት ውደባን ወኪል ቤት ጽሕፈት ኣቦ መንበርን ክኸውን፤

3. ኣባላት ሽማግለ ዞባ ነበር፡ ከም ውልቀ ሰባት ኣባላት ጨናፍሮም ኰይኖም ክቕጽሉ፤

4. ጽ ጕባኤ ዞባ ሰሜን ኣመሪካ ብቤት ጽሕፈት ውደባን ቤት ጽሕፈት ኣቦ መንበርን ክዳሎ ወሲኑ።

ብመንጽርቲ ኣብ ጉባአ ዝጸደቐ ቅዋም ሰዲህኤ እዚ ኣቦመንበር ዝወሰዶ ስጉምቲ ብቅንዕና ንዝመዝን ሕጋውን እዋናውን እዩ። እዚ ስጉምትታት ኣቦመንበር ባህ ዘይብሎም ኣይሰኣኑን እዮም። ስለዝኾነ ድማ፡ ብርእይቶና ሰባት ቅኑዕ ኢሎም ዝኣመንሉ ሓሳባት ከቕርቡ፡ መሪሕነቶም ንዝወሰኖ ውሳነ “ኣይፋሉን ግጉይ እዩ’ሞ ይተኣረም” ዝብል ሓሳብ ወይ ለበዋ ከቕርቡ መሰሎም እዩ። መሪሕነት ከኣ ካብዚ ብዘይፍለ ነቲ ብመሰረታት ዝቐርበሉ ርእይቶታት  ብምሉእ ኮነ ብኸፊል ክቕበልን ክነጽግን ሓላፍነቱ ምዃኑ ዘይስገር ኣሰራርሓ ምዃኑ ክፍለጥ ዘለዎ ነጥቢ እዩ።  ካብዚ ወጻኢ መሰረት ብታሕቲ ኮይኑ ንመሪሕነት ምግዳድ ዘይኮነ፡ ዘይዕግበቱ እናገለጸ ንውሳኔታት ላዕለዎት ኣካላት ግን ክፍጽም መተካእታ ዘይብሉ ዲሞክራስያዊ ኣካይዳ እዩ። እቲ ካብዚ ወጻኢ ዝተሓዝ ንሕጋዊ ኣሰራርሓ ብድሌትካ ናይ ምቕናይ ተግባር “ልጓም ሰዲድካ ቶሽቶሽ ወይ ዋሕስ ዘይብሉ ነገር ጥፉእ ማሕለኻ ዘየብሉ ጸባ ድፉእ” ናብ ዝብል ኣበሃህላ እዩ ዝወስድ። እቲ ልጓም፡ ማሕለኻን ዋሕስን ንብሎ ዘለና፡ ነቲ “ውሑዳት ብርኢቶ ብዙሓት፡ ታሕተዎት ከኣ ብርኢቶ ላዕለዎት ይምእዘዙ” ዝብል ደሞክራስያዊ ኣዕኑድ ወሲኽካ ንቕዋምን ሕግን ዝውክል እዩ። እዚ ማለት ግና በቲ ሓደ ወገን ውሑዳትን ታሕተዎትን ዝተሳዕረ ሓሳባቶም ንክስመዓሎም ከቃልሑን መሰረት መሪሕነቱ ብመንጽርቲ ዕቃበ ኣንቢርሉ ዝጸንሐ ሓሳብ ኣይቆጻጸርን ማለት ኣይኮነን። እዚ ምጽብጻብ ግና ኣብ ክሳድ መንገዲ  ጸኒሕካ “ከምዚ ተዘይገበርካ” ዝብል ኣጓጣጥ ዘይኮነስ፡ ቅዋም ኣብ ዝፈቕዶ  ሕጋዊ መድረኽ ጥራይ”ዩ ዝትግበር።

ኣብ ኣሰራርሓ ሰልፍና ዝተፈላለዩ ነናቶም ናይ ሓላፍነት ደረት ዘለዎም ትካላት ኣለዉ። መሪሕነት ዞባ ሓደ ካብኣቶም እዩ። ቅድሚ ኩሉ መሪሕነት ዞባ ኣብ ትሕቲ መሪሕነት ሰልፊ ኣብቲ ዝዋሰኣሉ ክሊ ዝመርሕ እምበር መወዳድርቲ’ቲ ንመላእ ሰልፊ ዝውክል መሪሕነት  ከምዘይኮነ ብንጹር ክተሓዝ ይግበኦ። ዞባ ሰሜን ኣሜሪካ ከኣ ኣብ ትሕቲ ጽላል ሰልፊ እትነጥፍ እምበር ውሽጣዊ ምምሕዳር ዝኣወጀት ናጻ ትካል ኣይኮነትን።

ንዓንቀጻት ቅዋም ሰደህኤ ዝትርጕም  ማእከላይ ባይቶ ወይ ጕባኤ ደኣ’ምበር ውልቀ ኣባላት ወይ ጨናፍር ኣይኰናን። ነቲ ኣብ ግጉይ መንገዲ ዘሎ ኣካል ዓገብ ከይበልካ ኣብ ክሳድ እቲ ኣራማይ መሪሕነት መስገደል ክትቆርን ምድንዳን ብውሕዱ ፍትሓዊ ኣይኮነን። ንጉዳያት ብልዙብን ኩሉ ወገናት ተዓዋቲ ብዝኾነሉን ኣገባብ ንምፍታሕ ኣብ ዘይተኻእለሉ እዋን መሪሕነት ኢዱ ኣጣሚሩ ዝዕዘብ ዘይኮነስ፡ ሕጊ ንዝጠሓሱ ኣካላት ዝእርመሉ ብቕዋም ዝተዋህቦ  ሓላፍነት እውን ኣለዎ ኢዩ። ነዚ ብዝምልከት ኣብቲ ቅዋምና ካብ 4.7.1 ክሳብ 4.7.5 ምውካስ ይከኣል። ብመንጽር እዚ ኣቦ-መንበር ኩነታት ሰልፊ ኣብ ሰሜን ኣሜሪካን ከናዳን ግቡእ መንገዱ ንምትሓዝ ዝወሰዶም ኩሎም ስጉምትታት ብመሰረት ኣብ ጉባአ ዝጸደቑ ዓንቀጻትን  ውሽጣዊ ሕግታት ማእከላይ ባይቶን ሕጋውን ቅዋማውን እዮም።

Last modified on Tuesday, 18 July 2017 00:48