2016 ኣፋኒና፡ 2017 እንክንቅበል

2016-12-30 08:21:39 Written by  ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in EPDP Editorial Read 3426 times

ርእሰ-ዓንቀጽ ሰህኤ

ግዜ ብዘይዝኾነ ይኹን ተጽዕኖን ዕንቅፋትን እዩ ጉዕዘኡ ዝቕጽል። ኩሎም ናይ ግዜ መለክዕታት ካብ ካልኢት ጀሚርካ ክሳብ ላዕሊ ዝኾነ ሓይሊ ከቐልጥፎ ወይ ከደንጉዮ ዘይክእል ናጻን ቀጻልን መስርሕ ጉዕዞ ኣለዎም። ንግዜ ኣብቲ እዋኑ ቆጸርኡ ኣኽቢሩ ክጥቀመሉ ዘይከኣለ ኣካል ቅልጣፈን ቀጻልነትን መስርሕ ጉዕዘኡ ቀይሩ ከም ዝጽበዮ ክገብር ኣይክእልን እዩ። ብዙሓት በቲ ዝተዋህቦም ናይ ግዜ ጸጋ ዘይተጠቕሙ ምስ ግዜ ከማርሩን ክራገሙን ምስማዕ ዝተለምደ እዩ። እንተኾነ ንግዜ ኣብ ቅድሚ ዳኛ ክኸስስ ኮነ ክምጉት ዝኸኣለ የለን። ግዜ ናጻ ስለ ዝኾነ ከም መጽዓን ዘርጊሕካ ተንውሖ ወይ ጠቕሊልካ ተሕጽሮ ኣይኮነን።

ግዜ ንወዲ ሰብ ብናጻ ካብ ዝተዋህቡ ህያባት ሓደ እዩ። እንተኾነ መንዩ ንግዜ ብግቡእ ዝጥቀመሉ ኣዛራራቢ እዩ። ሃብትን ድኽነትን፡ ፍልጠትን ድንቁርናን፡ ሰላምን ህውከትን፡ ፍቕርን ጽልእን፡ ዓወትን ውድቀትን ኩሎም ምስ ኣጠቓቕማ ግዜ ምትእስሳር ዘለዎም ተጻረርቲ ተረኽቦታት እዮም። ብባህሪኦም ከኣ እቲ ሓደ  ንኣውንታ እቲ ካልእ ከኣ  ንኣሉታ ዝውክሉ እዮም። እቶም ኣውንታ ናብኡ ካብ ዘብጽሕዎም ረቛሒታት ንግዜ ብግቡእ ምጥቃም ዓብይ እጃም ኣለዎ። እቲ ንግዜኡ ብግቡእ ዝጥቀም ትጉህን ህርኩትን ናይቲ ኣውንታ ተጠቃሚ ከም ዝኸውን ርዱእ እዩ። እቲ ሃካይን ንግዜኡ ብግቡእ ዘይጥቀምን ከኣ ግዳይ ናይቲ ኣሉታዊ ሸነኽ ከም ዝኸውን ዘዳዲ ኣይኮነን።

ግዜ ብኽብርን ጥንቃቐን ክተሓዝ ዝግበኦ ህያብ ብዛዕባ ምዃኑ ኣብ ሕብረተሰብና ናይ ግንዛበ ቦታ ኣለዎ። “ግዜ ወርቂ እዩ” ነዚ ብዝምልከት ገላጺ ምሳልያዊ ኣበሃህላ እዩ። ምስ ግዜ ቆጸራኻ ኣኽቢርካ ምጉዓዝ ከም ዘድሊ ንምብራህ ወለድና “ግዜ ከለካ ግዜ ኣይትጸበ” ዝብልዎ ውን ዓብይ ቦታ ዝወሃቦ ኣገላልጻ እዩ። “ዕድል ሓደ ግዜ እዩ” ዝበሃል ናይ ወለድና ምሳለ’ውን ግዜ ኣብቲ ብሱል ደረጃኡ ተዘይተጠቒምካሉ ዘይጽበየካ ምዃኑ ንምብራህ ዝቐርብ እዩ።

ግዜ ኣብ ህይወትና ፈጣሪ ተጽዕኖ ምዃኑ ስለ እንርዳእ፡ ሓደ ክፋል ግዜ ንኣብነት ዓመት ክሓልፍ እንከሎ፡ ብዛዕባቲ ዝመጽእ ሰናይ ትምኒትና ክንገልጽን መብጸዓታት ክንኣቱን እንከለና፡ ንግዜ ዘለና ክብሪ ንገልጽ ምህላውና ብሩህ እዩ። ኣይኮነንዶ ንናይ ዓመት ምቅይያር ንናይ ወርሒ መጀመሪ ባሕቲ እውን ትርጉም ንህቦ ኢና። እዚ ከኣ ካልእ ንክብሪ ግዜ ዘመላኽት እዩ። በዚ መሰረት ኣብ ከምዚ ሕጂ ዘለናዮ ናይ ክልተ ዓመታት ናይ ሓላፍነት ምርኽኻብ “እንኳዕ ኣብጸሓና ኣብጸሓኩም” ተተበሃሃልና ተዘይንኢሱና ኣይዓብየናን እዩ። ስለዚ “ርሑስ ዓድሽ ዓመት 2017 ይኹነልና”። እዚ ግብራዊ ዝኸውን ግና ብምምናይና ዘይኮነ፡ ትምኒትና ኣብ ምትግባር ብቑዓትን ትጉሃትን ኮይና እንተቐሪብና ጥራይ እዩ።

ግዜ ዕዳ እዩ። እዚ ዕዳ ከኣ ናይ ግድን ክንከፍሎ ዝገበኣና እዩ። ዝተወሰነ ናይ ግዜ መለክዒ፡ ንኣብነት ዓመት ኩሉ’ቲ ኣብ በኹሪ ዕለት ዝተመነናዮ መኺኑ፡ ዓመት ብዘይለውጥን ሓድሽ ተረኽቦን ክንሓልፎ እንከለና ክሳብ ክንደይ ዕዳና ይውህለል ምህላዉ ኣይንዘንግዕ። ሳዕቤኑ ከኣ ናብ ካለኦት ዘይኮነ ናብ ርእስና እዩ። ንሕና ኤርትራውያን 30 ዓመታት ተቓሊስና ናጽነት ኣውሒስና። ስለዚ እቲ 30 ዓመት ናይ ቃልሲ ግዜ ምስ ኩሉ ዝሓለፎ ዕንቅፋታት ንቁምነገር ዝተኸፍለን ብመኽሰብ ዝተሰነየን ግዜ እዩ። ድሌት ህዝብና ቀልጢፍካ ናጽነትካ ምጭባጥ  ከም  ዝነበረ ፍሉጥ እዩ። እንተኾነ ግዜ ብናቱ ስርዓት ዝጐዓዝ እምበር፡ ብድሌት ሰባት ዝስራሕን ዝብተንን ስለ ዘይኮነ፡ ኣብቲ ዝበሰሎ በሲሉ።

ኣብዚ እዋንዚ ግዜ ንኤርትራውያን ቀይሕ መብራህቲ የርእየና ኣሎ። ትሕዝቶ ተጽዕኖኡ ኣብ ልዕሌና ኣብ ልዕሊ ኤርትራውያን ናይ ለውጢ ሓይልታት ከኣ  “ሃየ ተጠቐሙለይ፡  ኣብ መሰረታዊ ዘይኮኑ ጉዳያት ኣይተህልኹኒ፡ በበይንኻ ካብ ምውፋር ተዓቂብኩም ብሓባር ስርሑ ….. ወዘተ” ዝብል ቅዱስ ሓረጋት ይርከቦ። “እንተዘየለ ጉዕዞይ ገቲአ ኣይጽበየኩምን እየ” ዝብል መጠንቀቕታ’ውን ኣለዎ። ንሕና ግና “ወይከ ቅጭጭ”።

እዚ ንርከበሉ ዘለና ወቕቲ ዓመት ኣፋኒና ሓድሽ ዓመት እንቅበለሉ ዘለና እዩ። ኣብዚ ምስግጋር ነቲ ሓደ ኣፋኒኻ ነቲ ሓድሽ ብፍሕሹው ገጽን ኣውንታዊ መብጸዓታትን ምቕባል ልሙድ እዩ። እነሆ ከኣ “ሕጉስን ዕዉትን ናይ ሰላም ዓመት ይግበረልኩም ይግበረልና” ክንብሃሃል ቀኒና። ዝበሃግ ህያባት እውን ተወሃሂብና። እዚ ጽቡቕ መግለጽታት ክሳብ ክንደይ ኣብ ሕልናና ሱር ሰዲዱ ናብ ተግባር ደሪኹና ግና ፍሉጥ ኣይኮነን። ጽባሕ ሓድሽ ዓመት ከምቲ ዝበልካዮ ኮይንካ ዘይምጽናሕ ከኣ ኣብ ልዕሊ ክብሪ ግዜን ቃልካን ተኣማንነት ምጉዳል እዩ።

ኤርትራውያን ብሓፈሻ፡ ተቓወምቲ ሓይልታት ከኣ ብፍላይ፡ ኣብ ሓድሽ ዓመትን ካልእ ኣጋጣምታትን  ዝሓለፈ ኣፋኒና ንመጻኢ ጽቡቕ ምምናይ ከም ባህሊ ሒዝናዮ ዘለና ተግባር እዩ። ከምዚ ምምናይና ቅቡል ተግባር እዩ። እንተኾነ እዚ ጽቡቕ ትምኒት ብዝምጥኖ ተግባር እንተዘይ ኣሰኒናዮ ትርጉም የብሉን። ነዚ ንምትግባር ከኣ ነዚ ሓድሽ ዓመት ብሓድሽ ናይ መዋጸኦ ኣተሓሳስባ ከነሰንዮ ናይ ግድን ይግበኣና።

ብዛዕባ ርኡይ ንምዝራብ ኣብዛ ነፋንዋ ዘለና ዓመተ-2016 ነፍሲ ወከፍና ማዕረ ትጽቢትናን ትጽቢት ህዝብናን ኔርና ኢልና ከም ዘይንንየት ፍሉጥ እዩ። እቲ ክንዓሞ ዝግበኣና ዕማም ከኣ ኣብ ቦኡ ዘሎ ዘይተኸፍለ ዕዳ እዩ። ስለዚ ሕጂ’ውን ኣብ ክንዲ ኣብ ዝሓለፈ ክሳራ ምስትንታን፡ ካብኡ ተማሂርና ንመጻኢ ተሊምና ዘይተግበርናዮም ንምፍጻም ንቕድሚት ከነማዕዱ ይግበኣና።

Last modified on Friday, 30 December 2016 09:29