ኣብ ኤርትራውያን ጉዳይ ፖለቲካ ክለዓል እንከሎ፡ ኣዛረብቲ ካብ ዝኾኑ ጉዳያት ሓደ፡ ኣብ መንጎ ሰልፊ/ውድብን ህዝብን ክህሉ ዝግበኦ ዝምድና እዩ። እዚ ዛዕባ ዝያዳ ኣዛራቢ ዝኸውን ነቲ ዝምድና ብሕግን ስርዓትን ዘይኮነ፡ ብሸፈጥን ዓመጽን ዝብለጽሉ ዘይሓላፍነታዊ ውዳበታት ኣብ ዝዋስእሉ መስርሕ እዩ። ብኣውርኡ ድማ ጉጅለ ህግደፍ ናይዚ ሸፋጢ ኣገላልጻ ዝምድና ህዝብን ግንባርን ኣብነት ኮይኑ፡ ዕድመ ስልጣኑ ንምንዋሕ ካብ ዝጥቀመሎም ስልትታት ሓደ እዩ።

ውድብ ወይ ሰልፊ፡ ኣብ ፖለቲካዊ ንጥፈታት ዝተግህ፡ ከዕውቶ ዝቃለሰሉ ሸቶ ዘለዎ፡ ናይ ኣባላቱ ድሌትን እምነትን ጥራይ ዝውክል ትካል እዩ። እቲ ዝሕዞ መልክዕ ውዳበ ከኣ ከከም ምርጫ ናይቶም ወደብቱ ዝተፈላለየ ክኸውን ይኽእል። ዜጋታት ፖለቲካዊ ዕድል ህዝቦምን ሃገሮምን ኣብ ዝውስን ቃልሲ ንምስታፍ ኣብ ዙርያ ንኣተሓሳስባኦም ዝውክል ትካል ናይ ምውዳብ መሰል ኣለዎም።  መሰረታዊ ዕላማ ናይ ምውዳቦም ኩለ-መዳያዊ ዕቤት ሃገሮምን ህዝቦምን ምብራኽን ተነፊጉና ዝብልዎ መሰላት ንምውሓስን እዩ። ናብኡ ንምብጻሕ ዝተፈላለዩ ኣተሓሳስባታት ስለ ዝሕዙ፡ ከከም ምርጫኦም ናይ ዝተፈላለያ ውዳበታት ኣባላት ይኾኑ።  እቲ ዝተፈላለየ ኣተሓሳስባታት ዝወልዶ   ውዳበታት ክበዝሕን ክውሕድን ይኽእል። ኣብ ሓንቲ ሃገር ዝህልው ብዝሒ ውድባት “ክንድዚ ክኸውን ኣለዎ”  ዝብል ገደብ’ኳ እንተዘየለ፡ ሓደ ፖለቲካዊ ውድብ ጥራይ ምህላው ናይ ሓሳብ ምርጫ ስለ ዘስእን ኣይምረጽን። ንስለ ምብዛሕ ኢልካ ውዳቤታት ምምስራት’ውን ኣይተባባዕን። ናይ ኣተሓሳስባ ምርጫ ንምህላውን ዓቕምታት ንዘይምብታንን ክልተ፡ ተወዳዳሪ ሰልፍታት ምህላው እኹል እዩ ዝብሉ ወገናት ኣለዉ።

ኣብ መስርሕ ቃልሲ ናይ “መን ርኢቶኡ ብዝያዳ ናብ ህዝቢ ኣስረጸ”  ውድድር ክህልው ናይ ግድን እዩ። እቲ ውድድር ነቲ እትመርጾ ኣታሓሳስባ ንከተዕውት “መን ይምራሕ” እውን ዘጠቓልል እዩ። መሰረታዊ ሕቶ ህዝቢ ብዝምልስ ኣተሓሳስባ ዝምራሕ ውዳበ፡ ናይ ምዕባይን ምስፋሑን ዕድሉ ሰፊሕ እዩ። ናይ ሓደ ውድብ ምዕባይን ዘይምዕባይን ካብ ዘርእዩ ረቛሕቲ ሓደ  ካብቲ ትቃለሰሉ ክሳብ ክንደይ ብኣባልነት ከተሰልፍ ምብቃዕን ዘይምብቃዕን እዩ። ሓደ ውዳበ፡ እቲ ዝኽተሎ ኣተሓሳስባ ቅኑዕ ኮይኑ፡ ኣባላቱ ኣይውሕዱን ማለት ኣይኮነን። ጠንቂ ዕላምኡ ህዝባዊ ክነሱ፡ ናይ ሰዓብቱ ምውሓድ ክኾኑ ካብ ዝኽእሉ፡ ሓሳብካ ብግቡእ ኣብቲ ተጠቃሚ ህዝቢ ክተስርጽ  ዘይምብቃዕ እዩ። ስለዚ ምስ ቅኑዕ ዕላማ ንዓኡ ዝምጥን ምንቅስቓስን ጐስጓስን’ውን ወሳኒ እዩ።

ብሰንኪ ዘይህዝባዊ ዕላማኦም፡ ተቐባልነት ብምስኣኖም ዘይዓበዩ፡ ግና ድማ ዓበይቲ ናይ ምዃን ህርፋን ዘለዎም፡ ከም ህግደፍ ዝኣመሰሉ ውዳበታት ዝጥቀምዎ ስልቲ፡ ሰላማዊ፡ ሕጋውን ውሑስን መወዳደሪ ሜዳ ምዕጻው እዩ። ድሕሪኡ ከምቲ “በይኑ ዝጐዪ ዝቕድሞ የብሉን” ዝበሃል፡ ተወዳዳሪ ኣብ ዘየብሉ ብሑት ፖለቲካዊ ሜዳ፡ “ፈተኹም ጸላእኩም ኣነ እየ ናትኩም” ብምባል ሰባት ብዜግነቶም ክረኽብዎ ዝግበኦም መሰላት ምስ ናይ ውድብ ኣባልነት ኣተኣሳሲርካ ምፍርራሕ እዩ። ኣብ ርእሲዚ “ኣነ ህዝቢ እየ፡ ህዝቢ ከኣ ኣነ እዩ”  ክሳብ ምባል እውን ይብጻሕ እሞ፡ እቲ ምልኪ ይስዕርር። እዚ ከምዚ ህግደፍ ጸረ ህዝቢ ባህርያቱ ክሓብእ፡ መብጸዓታት እናቐያየረ፡ “ንሕና ሃገር ንሕና ህዝቢ” ዝዝምሮ ማለት እዩ። እዚ ኣካይዳ ካብ ድሌት ህዝቢ ወጻኢ ስለ ዝኾነ፡ ተግበርቱ ወትሩ ኣብ ስግኣት፡ ሻቕሎትን ምሽቑራርን እዮም ዝነብሩ። ከይወዳደሮም ንዝሰግእዎ ከኣ ብምእሳር፡ ምስዋርን ምቕታልን ስቕ ከብልዎ ይፍትኑ። ሃጽ ኢሉ ኣርሒቑ ክጠፍኣሎም ከኣ ድሌቶም እዩ።

ህዝቢ ብባሕሪ እዩ ዝምሰል። እታ ሃገርን ጸጋታታን ከኣ ናቱ እዮም። ኣባላት ውድብ ይኹኑ ሰልፊ ካብዚ ባሕሪ እዮም ዝቕድሑ። ህዝቢ ኣብ ዘየለወሉ ውድባትን ኣባላተንን ኣይህልዉን እዮም። ህዝቢ ግና እዘን ውድባት ኣብ ዘይሃለዋሉ’ውን ህያውን ነባርን እዩ። ዜጋታት ናይ ሓደ ውዳበ ኣባላት ክኾኑ ኣብ ዝመረጹሉ፡ ኣብ ክሊ ናቱ ምንቅስቓስ በቲ ዝተቐበልዎ ሕጊ ክቕየዱን ክሕተቱን ግድን እዩ። ናይ ሰልፊ ይኹን ውድብ ኣባላት ዘይኮኑ  ዜጋታት ግና፡ ብናይተን ውዳበታት ውሽጣዊ ሕጊ ኣይቅየዱን እዮም። ናይቲ ውዳበታት መራሕቲ እውን ነቲ ኣብ ክሊ ውዳበኦም ዘሎ ኣባል እምበር፡ ንዝኾነ ዜጋ ናይ ምግዳድ መሰል የብሎም። ኣብ ከም ናይ ኤርትራ ዝኣመሰላ ካብ ሕገ-መንግስቲ ጀሚርካ ኩሉ ሕግታት  ዝበኾረሉን ህግደፍ ዝበሃል ኢደ-ወነናዊ ግንባር በይኑ ኣብ ዝዕንድረሉን፡ ኣባሉ ይኹን ኣይኹን  ብኣልማማ በቲ ዘይምልከቶ ናይ ግንባር ሕጊ ምቕጻዕ፡ ምምሕዳርን ጸጋታቱ ምርሳይን ዝተለመደ እዩ። ህዝቢ ኤርትራ ብፍላይ ከኣ እቲ ኣብ ሃገሩ ዝነብር ዘሎ ድማ በዚ ህይወት’ዚ እዩ ዝሓልፍ ዘሎ።

ከምቲ ተመኩሮ ብዙሓት ሃገራት ዘርእዮ፡ ኣብተን ውዳበታት ዝስለፉ ዜጋታት ካብቲ ጠቕላላ ህዝቢ ውሑዳት እዮም። ንኣብነት ስልፊ ባራትያ ህንዲ 12.7%፡ ኮምኒስት ሰልፊ ቻይና 7%፡ ሃገራዊ ሰልፊ ህንዲ 6.7%፡  ምንቅስቓስ ንፍትሒ ፓኪስታን 12.24%፡ ሰውራ ጋና 25%፡ ሰልፊ ብልጽግና ኢትዮጵያ ድማ 11% ካብ ህዝቢ ናይተን ሃገራት ብኣባልነት ከም ዘሰለፉ ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢ ካብ ዝሰፈሩ ሰነዳት ምርዳእ ይከኣል።

እቶም ውሑዳት ኣባላት ውድባትን እቲ መላእ ህዝብን ብሓባር ዝራኸቡ፡ ኣብቲ ንኹሎም ዝውኪሉ፡ ሽግራቶም ዝፈትሕን ዘመሓድሮምን መንግስቲ እዩ። ሰልፍታት ኣብቲ መንግስቲ ከከም ስፍሓቶም እጃም ኣለዎም። ኣብዚ ሰፊሕ መድረኽ መንግስቲ ንኹሎም ዜጋታት ብሓደ ዓይኒ ናይ ምርኣይ ሓላፍነት ኣለዎ። ኣብ ከም ኤርትራ ዝኣመሰላ ብሓደ ግንባር ጥራይ ዝተባሕታ ሃገራት፡ ዋላ ንይምሰል ምርጫ ዘይተኻየደሉ ኩነታት ግና ኣብ መንጎ’ቶም ነናቶም ሓላፍነትን መሰልን ዘለዎም ህዝቢ፡ መንግስትን ውድብን ክህሉ ዝግበኦ ፍልልይ ኣይረኣይን። ስለዚ እዩ ድማ ንሓደ ውዳበን ንሱ ዘቑሞ መንግስትን ምቅዋም ማለት ክድዓት ሃገርን ህዝብን ኣምሲሎም ከቕርብዎ ዝፍትኑ።  

ኣብዚ እዋንዚ መብዛሕትአን ሃገራት ፍልልይ ህዝብን ፖለቲካዊ ውዳበን ብሕጊ ኣብ ዝተነጸረሉ፡ ብሰልፋዊ ብዙሕነት እየን ዝመሓደራ። ሳላ’ቲ ናይ ሓሳብ መማረጽታት ምህላዉ ከኣ ዝሓሸ ምኽባር ዲሞክራስን ሰብኣዊ መሰልን ኣለወን። ኣብተን ብሓደ ሰልፊ ጥራይ ዝምረሓ ከም ኤርትራ፡ ቻይና፡ ሰሜን ኮርያ፡ ቬትናምን ኩባን ዝኣመሰላ ሃገራት ከኣ ህዝበን ብብኩራት ዲሞክራስን  ሰብኣዊ መሰልን ይሳቐ። ስለዚ ኣብ ናይ ጽባሕ ኤርትራ ሕገመንግስታዊ፡ ትካላት መንግስቲ ኣብ ዝተነጸረሉን ርክብ ህዝቢ፡ መንግስትን ሰልፍታትን ሕጋዊ መልክዕ ዝሓዘሉን ስርዓት ንምትካል ቃልስና ብሓባር ንቐጽል።

ሚካኤል ሩቢን

ኣሚሪካዊ ጸሓፊ ሚካኤል ሩቢን፡ ናሽናል ሰኩሪቲ ጆርናል (National Security Journal) ኣብ ዝተባህለ መጺሐት ኣብ ዘሕተሞ ጽሑፍ፡ ሎሚ እውን ኤርትራ ንሰሜን ኮርያ ተኸቲላ፡ ኣብ ትሕቲ ዝለዓለ ጭቆናን መሪር ወጽዓን  ትነብር ዘላ ሃገር ምዃና ኣብ ናይ 23 መስከረም 2024 ጽሑፉ ሓቢሩ። ሩቢን ኣብቲ ጽሑፉ ኢሳያስ ኣፈወርቂ፡ ነታ ሃገር ብሓይልን ዓመጽን የመሓድራ ኣሎ ምስ በለ፡ ምርጫ ዝነጽግ፡ ነታ ሃገር ከም ናይ ግሉ ትካሉ ዝሪኣ፡ ኣብ ልዕሊ መንእሰያት፡ ገደቡ ዘይፍለጥ ግዱድ ውትህድርናን ሃገራዊ ኣገልግሎትን ዘዘውትር፡ ጉልበት መንእሰያት ብዘይክፍሊት ብመልክዕ ባርነት ዝምዝምዝ ክብል ጠቒስዎ።

ብሰንኪ ምምሕዳር ዲክተረ ኢሳያስ፡ መንእስያት ኤርትራ ናብ ስደት ከም ርሑ ከም ዝግደዱ ብምጥቃስ ከኣ፡ ብዛዕባቲ ኣብ ጉዕዞኦም ናብ ስደት ኮነ ኣብተን ዝተሰድወን ሃገራት ዘጋጥሞም ዘሎ ጸገማት ብዝርዝር ኣስፊሩ። ኤርትራውያን ኣብ ስደት ፈቓድ ህግደፍ መሊኦም 2%  ናይ ኣታዊኦም  እንተዘይከፊሎም እቲ ሳዕቤን ነቶም ኣብ ኤርትራ ዘለዉ ቤተሰቦም’ውን ከም ዘረኻኽበሎም ከኣ ኣቅሊዑ።

ኣብ ወጻኢ ዝነብሩ ነቲ ኣብ ኤርትራ ዘሎ ጉጅለ ዝድግፉ ኣለዉ፡ ምስ በለ፡ እዚኣቶም ወይ ብምምሓድር ኢሳያስ  ዝርብሑ ወይ ድማ ንስለያ ዝተቖጽሩ ከም ዝኾኑ ዝተጠቐሰ ጽሑፍ ሩቢን፡ እዚ ኣገባብ ካብ ኣሰራርሓ ሰሜን ኮርያ ዝተወስደ ስልቲ እዩ ኢልዎ። ኢሳያስ  ኣብ ውሽጢ ሃገር ዘለዎ እስትራተጂ ንምዕዋት፡ ነቶም ኣብ ወጻኢ ዘዋፍሮም ደገፍቱ 4ይ ግንባር ከም ዝብሎም ምስጠቐሰ፡ ቀንዲ ተልእኮ 4ይ ግንባር ነቶም ኣብ ወጻኢ ኮይኖም ንናጽነትን ዲሞክራሲን ዝቃለሱ ኤርትራውያን ምዕንቃፍን ምቅዋምን ምዃኑ እውን ኣስፊሩ። ኣብዚ ቀረባ ግዜ ኣብ ሕድሕድ ኤርትራውያን ክረአ ዝጸንሕ ጐንጽን ግጭትን ከኣ ደገፍቲ ኢስያስ  ነቶም ምስ ርኢቶኦም ዘይሰማምዑ ኤርትራውያን ስለ ዘጥቅዕዎም እዩ ኢሉ።

ኣብዚ ዝሓለፈ 2ተ ዓመታት ኣብ ወጻኢ ኮይኖም ንመሰሎም ዝቃለሱ ኤርትራውያን ንተግባራት ደገፍቲ ኢሳያስ ምስቲ ሰማያዊ ማዕበል ኮይኖም ኣብ ኤውሮጳ፡ ኣሜሪካን ካልእ ከባብን ክምክትዎ ጸኒሖም ድማ ኢሉ። ጸረ ደሞክራሲን ደገፍቲ ኢስያስን ጉጅለታት እዚ ኣንጻሮም ብደገፍቲ ዲሞክራሲ ዝግበር ዘሎ ቃሲ ንተቐባልነቶም የህስሶ ከም ዘሎ ክርድኡ ምጅማሮም ድማ ኣብቲ ጽሑፉ ኣስፊሩ።

ሚካኤል ሩቢን ከም ዘስፈሮ፡ ኣብዚ እዋንዚ ደገፍቲ ኢሳያስ ማሕበረ-ኮማት፡ ነቶም ምእንቲ ዲሞክራሲ ኣንጻሮም ዝቃለሱ ኣብ ኣብያተ-ፍርዲ ምኽሳስ ከም ሜላ ሒዘምዎ ከም ዘለዉ ሓቢሩ፡ ኣብ ኣሚሪካ ክሲታት ዝተመስረተሉ  ግና ድማ እቲ መስርሕ ፍርዲ ጠጠው ዝበለሉ ኣብነታት ኣስፊሩ። እቶም ዘቕረብዎ ክስታት ዘይተዓወተሎም፡ ኣስታት 7 ሺሕ ኣባላት ዘለዉዎም ማሕበረ-ኮማት ደገፍቲ ኢሳያስ መብዛሕትኡ ግዜ ኣብ ምንኣድን ኢስያስን  ምድላው በዓላትን ጽብላት ጥራይ ዝተጸምዱ እዮም ኢልዎም።

ኣብ መወዳእታ ድማ ነቲ ጉዳይ ዝሕዛ ኣብያተ ፍርዲ ኣሜሪካ ሓቀኛታት ክኾና ይግበአን ኢሉ፡ ቤት ጽሕፈት ወጻኢ ጉዳይ ሕቡራት መንግስታት ኣሜሪካ እውን ነቲ መስርሕ ፍርዲ ብቐረባ ክከታተሎን ክስንዶን ይግበኦ ኢሉ።

ዑመር ኣልበሸር ኣብ ካርቱም ናብ ቤት ፍርዲ ንምቕራብ ካብ መኪና እናወረደ ኤኤፍፒ)

ናይ ቀደም ፕረሲደንት ሱዳን ዑመር ኣልበሽርን ካለኦት 3 ላዕለዎት ሓለፍቲ ሱዳን ነበርን፡ ካብቲ ተዳጒነምሉ ዝነበሩ ወተሃደራዊ መደበር፡ ኣብ ሰሜናዊ ግዝኣት ሱዳን ናብ ዝርከብ ሆስፒታል መረወ ከም ዝተወስዱ መርበብ ሓበሬታ “ሱዳን ትሪቡን”  ኣፍሊጣ። እዚ ስጉምቲ ዝተወስደ ናይዞም ናይ ቀደም ሓለፍቲ ጥዕናዊ ኩነታት ስለ ዘንቆልቆለ ምዃኑ’ውን እቲ ዜና ሓቢሩ።

እቶም ወዲ ሰይድና ካብ ዝበሃል ወተሃደራዊ መደበር ናብቲ ሆስፒታል ዝተወስዱ ናይ ቅድም መራሕቲ ሱዳን፡  ዑመር ኣልበሺር ፕረሲደንት፡ ዓብደልርሒም መሓመድ ሑሴን ሚኒስተር ምክልኻልን መሓመድ ሑሴን ሚኒስተር ስፖርትን መንእሰያታን ዝነበሩ ምዃኖም ጠበቓ ኣልኣሚን ሰይድ ሓቢሩ። ኣቐድም ኣቢሉ ድማ ምክትል ፕረሲደንት ዝነበረ በክሪ ሑሴን ሳልሕ ብተመሳሳሊ ኩነታት ናብቲ ሆስፒታል ከም ዝተወስደ እቲ ጠበቓ ጠቒሱ።

ናይዞም ናይ ቅድም መራሕቲ ጥዕናዊ ጸብጻብ ተዓዚቡን ኣብቲ ወተሃደራዊ መደበር እኹል ሕክምና ከምዘየለ ተረዲኡን ናብቲ ሆስፒታል ንክውሰዱ ስጉምቲ ዝወሰደ፡ “ብጾት ኣብ ሰራዊት” ዝተባህለ ወተሃደራዊ ጉጅለ ምዃኑ እቲ ዜና ኣፍሊጡ። እቲ ጠበቓ ከም ዝጠቐሶ ዑመር ኣል በሺርን እቶም ካለኦት ሓለፍትን  ምስ ብዕድመ ምድፍኦም ተተሓሒዙ ብዝተፈላለዩ ሕማማት ከም ዝሳቐዩን ናይ ወጻኢ ሕክምናን ቀጻሊ ምክትታልን ከም ዘድልዮምን ገሊጹ።

ጠበቓ ኣልኣሚን፡ ዑመር ኣልበሺርን እቶም ካለኦት ናይ ቀደም ሓለፍትን፡ 5 ዓመትን ፈረቓን ስለ ዝተኣስሩን ወተሃደራዊ ደህንነት ሱዳን ንክፍትሑ ወሲኑ ስለ ዝነበረን ብናይ ሰብ ዋሕስ ካብ ቤት ማእሰርቲ ንክወጹ ጸዊዑ።

በሺርን መተኣስርቱን ብ2019 ካብ ስልጥን ምስ ወረዱ፡ ኮበር ኣብ ዝበሃል ቦታ ተኣሲሮም ምስ ጸንሑን ኣብ ወርሒ ማዝያ 2023 ውግእ ምስ ተኸፍተ ድማ ካብቲ ቤት ማእሰርቲ ሃዲሞም ከም ዝነበሩን እቲ ዜና ጠቒሱ።

ጋዜጣኛታት፡ በቃሉ ኣላምረውን በላይ ማናየን

ቅድሚ ሰለስተ ኣዋርሕ ካብ ቤት ማእሰርቲ ዝተፈጥሑ ኢትዮጵያውያን ጋዜጠኛታት በቃሉ ኣላምረውን በላይ ማናየን ካብ ሃገሮም ከም ዝተሰዱ ባዕላቶም ንመርበብ ሓበሬታ “ኢትዮጵያ ኢንሳይደር ሓቢሮም። ንድሕንነቶም ክብሉ ኣብየናይ ሃገር ጠዓቚቦም ከም ዘለዉ ዘይገለጹ፡ በቃ ኣላምረውን በላይ ማናየን፡ ድሕሪ ማእሰርቲ ክስደዱ ዝተገደዱ ብሓይልታት ጸጥታ መንግስቲ ኢትዮጵያ ንህይወቶም ዘስግእ ምፍርራሕን ምክትታልን ስለ ዘጋጠሞም ምዃኑ ኣፍሊጦም።

እዞም ጋዜጥኛታት ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዝተኣስሩ፡ ብምኽንያት እቲ በቲ ኣብ ክልል ኣምሓራ፡  ከም ኣድላይነቱ ከኣ ኣብ ካልእ ከባብታት ኢትዮጵያ ንክትግበር ተባሂሉ ዝተኣወጀን ኣብ ወርሒ ጉንበት 2024 ዘብቀዐን ኣዋጅ ፍሉይ ኩነታት እዩ። መስራትን ኣካያድን “ኣልፋ መዲያ” ዝነበረ በቃሉ ኣላምረው እቲ ፍሉይ ኩነታት ምስተኣወጀ ድሕሪ 2ተ መዓልታት ዝተኣስረ ክኸውን እንከሎ፡ ኣብ ክልል ዓፋር ኣብ ዝርከብ “ኣዋሽ ኣርባ” ኣብ ዝበሃል ወተሃደራዊ መደበር ኣብ ዝተደኮነ ጽንኩር ቤት ማእሰርቲ ከም ዝተሳቐየ ገሊጹ።

በላይ ማናየ እውን ከም በቃሉ ኣብቲ ቤት ማእሰርቲ  ዝቓይ ዘጋጠሞ ኮይኑ፡ መስራትን ኣካያድን “ኢትዮ-ኒውስ” ዝተባህለ ትካል መድያ ዝነበረ እዩ። በላይ እውን ኣብቲ ማእሰርቲ ኣዝዩ ከቢድ ስቓይ ከም ዘሕለፈን ክሳብ ናይ ኣካል መጉዳእቲ ከም ዘጋጠሞን ንመርበብ ሓበሬታ ኢትዮጵያ ኢንሳይደር ሓቢሩ።

እዞም ካብቲ ስሩዕ ቤት ማእሰርቲ ወጻኢ ኣብ ዝተፈላለዩ ናይ ምስጢር ቦታትን መደበራት ፖሊስን ብዝተፈላለዩ ናይ ጸጥታ ኣካላት ይሳቐዩ ከም ዝነበሩ ጠቒሶም፡ ንክስደዱ ዘገደዶም ከኣ ኣብዚ እዋንዚ ኣብ ኢትዮጵያ ኣይኮነንዶ ናብቲ ዝፈትዉዎ ናይ መድያ ክእለቶም ክምለሱ፡ ብህይወት ክነብሩ ከምዘይክእሉ ስለ ዝተረድኡ ምዃኖም ካብቲ ዘለዉዎ ቦታ ኣፍሊጦም።

ጋዜጠኛ በቃሉ ኣላምረው ቅድም “ኣውሎ” ኣብ ዝበሃል መዲያ፡ ደሓር ድማ ኣብ “ኣልፋ ሜድያ፡ ብፍላይ ኣብቲ ኣብ ትግራይ ውግእ ዝካየደሉ ዝነበረ  ግዜ፡ ርትዓውን መሳጥን ዜናታትን ትንትናታትን ብምቕራብ ገኒኑ ዝነበረ ብተደጋጋሚ ዝተኣስረ መንእሰይ ጋዜጠኛ እዩ።

Saturday, 21 September 2024 23:49

Dimtsi Harnnet Sweden 21.09.2024

Written by

Read on blog or Reader

Site logo image

Martin Plaut

Read on blog or Reader

 

By Martin Plaut on 21/09/2024

On September 21, 2024, at 4:00 p.m., a march for the human rights of the Eritrean people will be held in Bologna, an awareness-raising event that aims to bring serious human rights violations in Eritrea to international attention. The march will start from the historic Church of San Luca and will pass through the city's porticoes to end in Piazza Nettuno at 6:30 p.m.

The protagonists of the initiative will be young Eritreans who, along the route, will share stories and testimonies of journalists who are prisoners of conscience, illegally detained in Eritrean prisons for over twenty years. These media professionals, arrested in 2001 for exercising their right to freedom of expression, were unjustly accused of conspiracy with Ethiopia and treason, without ever having been formally tried.

Among the detained journalists are internationally renowned figures such as Dawit Isaak, awarded the Golden Pen of Freedom in 2011 and the UNESCO/Guillermo Cano World Press Freedom Prize in 2017, and Amanuel Asrat, recently awarded the International Courageous Writer Award.

The main purpose of this march is to raise awareness among institutions and the public about the dramatic state of human rights in Eritrea, a country where there are no independent media and where freedom of speech is violently repressed. The demonstration aims to urge the intervention of international organizations to put an end to these serious violations and to obtain the immediate release of prisoners of conscience.

The event will see the participation of various city entities and illustrious guests, united in the common goal of giving voice to those who, for too long, have been forced into silence.

About the organizer

The event is organized by the Eritrean Provisional Committee for Freedom and Justice, an organization committed to defending human rights and promoting freedom of expression in Eritrea and around the world.

For more information This email address is being protected from spambots. You need JavaScript enabled to view it.

 

Thursday, 19 September 2024 23:57

Dimtsi Harnnet Kassel 19.09.2024

Written by

ኣብ ሚኒስትሪ ዜና ኤርትራ ሓላፊ መደብ ስፖርት ዝነበረ ጋዜጠኛ ተስፋልደት መብራቱ (ቶፖ)፡ ንህግደፍ ራሕሪሑ ኣብ ሃገር ነርወይ ፖለቲካዊ ዕቑባ ከም ዝሓተተ ማዕከን ዜና ቢቢሲ ሓቢራ። እቲ ጋዜጠኛ ዑቕባ ዝሓተተ ካብ ኤርትራ ናብ ኣብ ፓሪስ ካብ 26 ሓምለ ክሳብ 11 ነሃሰ 2024  ዝተኻየደ መበል 33 ኦለምፒት ንምስታፍ ካብ ኤርትራ ምስ ወጸ እዩ።

ጋዜጠኛ ተስፋልደት መብራህቱ፡ ብዛዕባ ኣብ ነርወይ ፖለቲካዊ ዑቕባ ምሕታቱ መግለጺ ዘይምሃቡ፡ ንድሕነቱ  ብምስጋእ ምዃኑ፡ ብቐረባ ዝከታተልዎ ዘለዉ ቀረቡ ኣፍሊጦም። እዞም ብዛዕባኡ ዝሓበሩ  ንድሕረ-ባይታኡ ብዝምልከት ኣብ ዝሃብዎ ሓበሬታ፡ 2ይ ደረጃ ትምህርቱ ኣብ ኣስመራ ወዲኡ፡ ብ1999 ኣብ 9ይ ዙር ሳዋ ተሳቲፉ፡ ድሕሪኡ ብ2003 ኣብ ዩኒቨርሲቲ ኣስመራ ብጋዝዜጠኝነት ብቀዳማይ ዲግሩ ከም ዝተመረቐ ዘርዚሮም።

 ተስፋልደት ኣብ ተለቪዥንን ሬድዮን ኤርትራ ከምኡ’ውን ኣብ ጋዜጣ ሓዳስ ኤርትራ፡ ከም ኣዳላውን ኣቕራብን መደባት ስፖርት፡ ዶክተራት ኣብ ስቱዲዮን ካላኦት ምድላዋትን፡ ን20 ዓመታት ዘገልገለ ክኢላ እዩ። ብዘይካ’ዚ ብውልቁ፡  ብቶፖ ኤሪ-ኢንተርተይመንት ኣብ እትፍለጥን ካልኦት ዝተፈላለያ ቻነላትን ምስ  ብርክት ዝበሉ ህቡባትን ጸለውትን ሰነጥበበኛታትን፡ ከምኡ’ውን ከም ተዓዋቲ ቀጠልያ ማልያ ቱር ዲ ፍራንስ 2024 ቢንያም ግርማይ፡ ኦሎምፒካዊ ኣትለት ዘርእሰናይ ታደሰ፡ ኦሎምፒካዊ ተቐዳዳማይ ዳኒኤል ተኽለሃይማኖትን ካልኦትን  መደባት ስፖርት ብምቕራብ  ዓቢይ ዝና  ዝረኸበ ምዃኑ እቲ ዜናዊ ጸብጻብ ጠቒሱ።

ተስፋልደት ኣብ ኣስመራ እንከሎ፡ ኣብ ዩቲብን ካልኦት ማሕበራዊ መራኸብን ጸገም ኤርትራውያን ስፖርተኛታት ኣብ ዘቃልሓሉ ካብ ኣባላት ጸጥታ ጉጅለ ህግደፍ ጸቕጥን ምፍርራሕን የጋጥሞ ከም ዝነበረ ኣብቲ ዜና ተሓቢሩ።

ኣብ ፖለቲካዊ መስርሕ፡ ሓደሓደ ግዜ ዘይተጸበኻዮ ፍጻመ ኮይኑ  ትረኽቦ። ካልእ ግዜ ድማ  ዝተጸበኻዮ ዘይምዃኑ የጋጥም። እዚኦም ክኽሰቱ እንከለዉ ኣገረምትን ኣዛራብትን ክኾኑ ልሙድ እዩ። ምኽንያቱ ናይ ትጽቢትን ተግባርን ፍልልያት ዘርእዩ ስለ ዝኾኑ። ኣብ 2018 ዲክታተር ኢሳያስ ኣፈወርቂ ኣዲስ ኣበባ ከይዱ፡ ከምቲ ዘይንርስዖ ኣፍልቡ ልቡ እናወቕዐ፡ በቲ ዘይለመዶ ዘይትካላዊ ዕንደራ፡ ንዶክተር ኣብይ “ድሕሪ ሕጂ  ንስኻ ኢኻ ትመርሓና” ክብሎ እንከሎ፡  ክሳብ ክንደይ ንብዙሓት ምእማኑ ዘጸግም ዘይተጸበይዎ ኮይንዎም ከም ዝነበረ እንዝክሮ እዩ። እዚ ተርእዮ ዝያዳ ኣብ ሃንደበታዊ ናይ ዝምድና ምቅይያራት ዘጋጥም እዩ።

ህዝባዊ ወያነ ሓርነት ትግራይ (ህወሓት)፡ ምስ ህግደፍ ምስጢራዊ ርክብ ይገብር ኣሎ ዝብል ግና  ዝይተረጋገጸ፡ ወረ ካብ ዝነፍስ ኣዋርሕ ኮይኑ’ሎ። እንተኾነ ብፍላይ ኣብዚ ዝሓለፈ 4ተ ዓመታት ኣብ መንጎኦም ብዝጸንሐ ናይ “ዓይንን ሓመድን” ዝምድና ኣብ ግምት ብምእታውን፡ ነቲ ወረ ብዙሕ ቀልቢ ኣይተዋህቦን። ደሓር ግና እቲ ኣብ ውሽጢ ህወሓት ተፈጢሩ ዘሎ ቅልውላው ብዝፈጠሮ ወጥርን ምክሳስን ብላዕለዋይ ሓላፊ ናይቲ ውድብ፡ ብውሳነ ፖለቲካዊ ቤት ጽሕፈት፡ ምስ ህግደፍ ብምስጢር ክራኸቡ ከም ዝጸንሑ  ብምጥቃስ፡ እቲ ዘይከውን ዝመስል ዝነበረ ከም ዝኾነ ኣፍሊጡ።

ዝምድና ህግደፍን ህወሓትን “ብናይ ምፍቓርን ምበኣስን ውረድ-ደይብ” ክጐዓዝ ዝጸንሐ ካብ ሜዳ ክሳብ ከተማ ነዊሕ ዕድመ ዘለዎ እዩ። ካብቶም ሓቢሮም ዝሰርሕዎም ኣንጻር ናይ ሓባር ጸላኢ ስርዓት ደርጊ ዘመዝገብዎ ወተሃደራዊ ዓወት ብኣውንታ ዝተመዝገበሎም እዩ። ብኣንጻሩ ከኣ ክልቲኦም ወገናት ኤርትራዊ ሃገራዊ ሓይሊ ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ (ተሓኤ) ኣዳኺምካ ካብ ሜዳ ቃልሲ ንምውጻእ ዘካየድዎ ናይ ሓባር ወተሃደራዊ ወፈራን ደሓር በብቑሩብ ክቕልዑ ዝጸንሑ፡ ህዝቢ ዘይፈልጦም ስምምዓቶምን ኣብ ታሪኽ ዝምድናኦም ዝፈጸምዎ ተጣዒስካ ዘይምለስ “ጌጋን ክሕደትን” ኮይኑ ብጸሊም ዝተመዝገበ  እዩ።

ኣብ ርእሲኡ ከምቲ “ክቱር ፍቕሪ ክቱር ጽልኢ ይፈጥር” ዝበሃል፡ ብዘይካ’ቲ ሓሓሊፉ ዘጋጥሞም ዝነበረ ድምጹ ዘይስማዕ፡ ምኩርራይ፡ ምስሕሓብን ምጥልላምን ቅድም ኣብ 1998-2000 ብዘይንጹር ምኽንያት፡ ቀጺሉ ድማ ኣብ  2020-2022ን ብሰንኪ ዘይሓላፍነታዊ ኢድ ኣእታውነት ህግደፍ ኣዝዩ መሪርን ኣህላቕን ውግኣት ኣካይዶም ዓለም ዘስደመመ፡ ህልቂት ህይወትን ዕንወት ንብረትን ኣውሪዶም፡ ኣብ ልዕሊ ክልቲኡ ህዝብታት   ብቐሊሉ ዘይርሳዕ ኣሉታዊ በሰላ  ኣሕዲሮም እዮም። ከም ሳዕቤን ናይዚ “ናይ ሓሶት ኣስማት” ዝተዋህቦ ውግኣት ኣብ ሕድሕዶም ክካየድ ብዝጸንሐ መሪር ናይ ፕሮፖጋንዳ ምቅንጻልን ምጽልላምን ኣይኮነንዶ ተመሊሶም ኣብ ሓጺር እዋን ክዛመዱ “ዓይኒንዓይኒ ክርእኣዩ እዮም” ኢልካ ዝግመት ኣይነበረን። 

ብዶር ኣብይ ኣሕመድ ዓሊ ዝምራሕ ምንቅስቓስ 2018፡ “ምድማር ዝብል ዝጭረሖኡ”  ኣምሪሑ ኣብ ኢትዮጵያ “ለውጢ ኣምጺአ ኣለኹ” ምስ በለ፡  ብብዙሓት ደለይቲ ለውጢ ተስፋ ተነቢርሉ ደገፍ’ውን ረኺቡ ነይሩ። ግዜ ከይወሰደ፡ ብሃታሃታ ምስ ህግደፍ ዝምድና ፈጢሩ ምስ ህወሓት “ከብድን ሕቖን” ኮይኑ ኣብ ምትህልላኽ ምስ ኣተዉ ግና፡ ከምቲ “መን ምዃንኳ ክነግረካ ምስ መን ከም እትኸይድ ንገረኒ” ዝበሃል፡ ብሰንኪ ዝምድናኡ ምስ ጉጅለ ህግደፍ፡ ብፍላይ ኤርትራዊ ወገን እቲ ንብልጽግና ዝነበሮ ደገፍ ኣብ ምልክት ሕቶ ክኣቱ ግዜ ኣይወሰደን። ምኽንያቱ “ምስቲ ንህዝቢ ኤርትራ ዘይኮነ ስርዓት ህግደፍ ምዝማድ ንህዝቢ ኢትዮጵያኸ እንታይ እዩ ከርበሖ?” ንዝብል ሕቶ ዝወሃብ መልሲ ንጹርነት ስለ ዘይነበሮ፡ እቲ ዝምድና ዝተሓታትት ክኸውን ናይ ግድን ስለ ዝነበረ። ህግደፍ በቲ ናይ ኢትዮጵያ ለውጢ ተጸልዩ ነብሱ ካብ ዝልውጥ፡ ነቲ ናይ ኢትዮጵያ ለውጢ ንድሕሪት ምምላስ ከም ዝመርጽ ከኣ ናይ ብዙሓት ኣምነት ነይሩ ብግብሪ ከኣ ከምኡ ኮይኑ። ብልጽግና ናቱ ስንኩፍ ኣተሓሕዛን ብኩለ-መዳያዊ ተመኩሮ ዘይምድላብን ተወሲኽዎ፡ ድሕሪ ምስ ህግደፍ ምዝማዱ መንገዱ ናይ ህውከትን ውግእን ስለ ዝኾነ ብፍላይ ድሕሪ ሓቢሮምም ኣብ ኣንጻር ትግራይ ምውግኦም፡ ክሳብ ሎሚ’ውን ኣይቀሰነን። መጻኢኡ እንታይ ከም ዝኸውን ድማ ብሩህ ኣይኮነን።

እቲ ዘገርም፡ ናይ ነዊሕ ግዜ ተመኩሮኡ ምስ ህግደፍ እናጸብጸበ፡ ብሰንኩ ዘጋጠሞ ክሳራታት እናዘርዘረ ንዝምድና ምስ ህግደፍ “ክጽየፎ ዝጸንሐ” ውድብ ህወሓት፡ እናሰማዕካዮስ ምእማኑ ብዘጸገም፡ ዝርዝር ናይቲ ፍጻመ፡ ቦታን ፈጸምቱን ጠቒሱ፡ “ምስ ህግደፍ ብምስጢር ተራኺብና ኢና”  ኢሉ። ወዮ ኣብ ዲፕሎማሲ “ቀዋሚ ጐረቤት እምበር ቀዋሚ ፈታውን ጸላኢን የለን”  ዝበሃልሲ ክሳብ ክንድዚ ድዩ ዝተዓጻጸፍን ዝምጠጥን?፡ ኢሎም በቲ ርክብ ዝግረሙ ዘለዉ ኣካላት ኣዝዮም ብዙሓት እዮም። ትማሊ ተጠሊዖም ንህግደፍ ያሒት ገበናት እናሰከሙ፡ “ዓይንኻ ይፍሰስ” ዝብልዎ ዝነበሩ ሓድሓደ ወነንቲ ሚድያን ነጠፍትን፡ ነቲ “ብምስጢር ተራኺብና” ዝብል ሓበሬታ እናጸባበቑ ድሮ ንህግደፍ ከመላኽዕዎ ክፍትኑ  ክትዕዘብ እንከለኻ ድማ “ወይ ሰብ ደቀይ” ዘብል እዩ።

እቲ ቀንዲ ዘገድስ ጉዳይ “ናይቲ ርክቦም ኣጀንዳን ኣብኡ ዝተላዕሉ ዛዕባታትን እንታይ እዮም?” ዝብል ከም ዝኸውን ፍሉጥ እዩ። ነዚ ብዝምልከት ዶር ደብረጼን ገ/ሚካኤል “ሳላ ርክብ ዝገበርና ኣብ ዶብ ዝነበረ ናይ ሰብን እንስሳን ምጭዋይ ነኪናዮ ኣለና። እዚ ድማ ንሰላምና ኣውንታዊ ስለ ዝኾነ እንቕጽሎን እዩ”  ዝብል መንፈስ ብዘለዎ ቃል ኣስሚዑ። “ብወገን ህግደፍከ እንታይ ኣልዒሉ እንታይከ ከሲቡ?” ዝብል ግና ኣይተሰምዐን። እዚ ርክብ ብዝምድናዊ ዓይኒ ህግደፍ ኣብ ዝሓሸ ደረጃ ኣብ ዝሃለወሉ ዝካየድ ዘሎ ስለ ዝኾነ፡ ‘ንእሽቶ ሂቡ ዓብይ ክወስድ” ከም ዝደሊ ኣየጠራጥርን። ብውሕዱ ህወሓት ካብቲ ኣብ ግዜ ውግእ ፈጺምዎ ኢሉ ክኸሶ ዝጸንሐ “ኢደ-እግሩ ክእክበሉ” ከም ዝደሊ ከይደቀስካ ዝሕለም እዩ። ኣብ ርእሲኡ’ውን መንእሰያት ንምህላቕ  ኣብ መጻኢ ኣንጻር ብልጽግና ድዩ ካልእ ኣካል ከካይዶ ንዝሕልን ውግእ ኩነታት ዘጠጣሓሉ ባይታ ክፈጥር ይደሊ ይኸውን።

እቲ ምስዚ ምስጢራዊ ርክብ ተተሓሒዙ ካብ ህዝብታት ኤርትራን ትግራይን ጀሚርካ ብዝተፈላለዩ ወገናት ክለዓል ዝኽእል፡ ፖለቲካዊ፡ ዲፕሎማስያውን ሕጋውን ሕቶታት እቶም ተራኸብቲ ባዕላቶም ዝምልስዎ ስለ ዝኾነ ናብ ዝርዝሩ ኣይንኣቱን። እንተኾነ ኣብ ርእሲ’ቲ ባዕሉ ዝፈልጦን ክምኮሮ ዝጸንሐን ህወሓት ንህዝቢ ኤርትራ ካብ ዝጠለመ ህግደፍ “መንገዲ ጥፍኣት እምበር ደሓን”  ንከይጽበ ነዘኻኽሮ።

ተቓወምቲ ውድባት ኤርትራ ከኣ ናይ ሓባር መድረኽ ቃልሲ ፈጢርና፡ ኣካል ናይዚ ብቕልጡፍ ዝቀያየር ዘሎ ናይ ቀረባን ርሑቕን ኣሰላልፋን ማዕበል ለውጥን ምዃንና ተረዲእና፡ ብጽሞና ኣጽኒዕናን መዚናን፡ መስርዕና ከነለሊ ይግበኣና። ምስዚ በቲ ሓደ ወገን ረብሓን ድሕነትን ኤርትራን ህዝብን ምርግጋጽ፡ በቲ ካልእ ወገን ድማ ዝምድና ህዝቢ ምስ ህዝቢ ጐረባብትና ሃገራት ምዕቃብ  ኣብ ቅድሜና ዘሎ ብደሆ ምዃኑ ኣይንዘንግዕ።

Page 62 of 633