ወደብ ዓሰብ ብኸፊል
ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ዶ/ር ኣብይ ኣሕመድ ዓሊ፡ ብ29 ጥቅምቲ 2024 ኣብ ባይቶ ተወከልቲ (ፓርላማ) ቀሪቡ ብኣባላት ንዝቐረብሉ ዝተፈላለዩ ሕቶታት መሊሱ። ካብቲ ዝቐረበሉ እሞ ዝያዳ ግዜ ሂቡ ዝተዛረበሉ፡ ብዛዕባ ኣፍደገ ባሕሪ ነይሩ። ነዚ ሕቶዚ ክምልስ እንከሎ ደጋጊሙ ዝገለጾ፡ “ኣብ ቀይሕ ባሕሪ ኣፍደገ ክህልወና ግድን ስለ ዝኾነ ንሰርሓሉ ኣለና። ከምዚ ዓይነት ሕቶ ብምልዓልና ከኣ ክንስከፍ የብልናን። ብዙሓት ወገናት ዝያዳ ሚእቲ ሚልዮ ሒዝኩም ሰፊሕ ቁጠባዊ ምንቅስቓስ ኣካየድኩም፡ ከምዚ ዓይነት ሕቶ ምልዓልኩም ግቡእ እዩ ኢሎም፡ ንሕቶና ኣፍልጦ ይህብዎን የተባብዕዎን ኣለዉ” ዝብል ሓሳብ ይርከቦ።
እቲ ዝብሎ ዘሎ ብሓፈሻ ኣፍደገ ባሕሪ ኤርትራ፡ ብፍላይ ድማ ወደብ ዓሰብ ምዃኑ ርዱእ እዩ። ምኽንያቱ እቶም ካለኦት ኢትዮጵያ ክትሓቶም ኢልካ ዝግመቱ ወደባት ኣብ ህንዳዊ ውቅያኖስ እዮም። እዚ ጥራይ ዘይኮነ እቲ ኣብ ብዙሕ ኣጋጣምታት ዲክታተር ኢሳያስ ዝኸፈተሉ ኣፍደገ፡ “ኣነን ኢሱን ክንድመር እንከለና፡ ወደብ ዓሰብ ክንካፈል ኢና” ዝብሎ ዝነበረ’ውን ዝዝንጋዕ ኣይኮነን።
“ነዚ መደብዚ ንሕና ንጅምሮ እሞ እንተዘየርከብናሉ ደቅና ይውድእዎ” ምባሉ ከኣ፡ ክሳብ ክንደይ ናይ ነዊሕ ግዜ መደብ ገይሩ ሒዝዎ ከም ዘሎ የመልክት። ዋላኳ “ብሰላማዊ መንገዲ እነረጋግጾ እዩ” ብዝብል ክሽፍኖ እንተፈተነ፡ ኣብ ሓይልን ዓመጽን ከም ዘሎ ንምምልካት ድማ “ኣብ ቅድሚ ረብሓና ንዝጸንሐና ኣይንምሕሮን” ድሕሪ ምባል፡ “ቅድሚ ሕጂ ንገዝኦ ዝነበርና ኣጽዋር ሎሚ ባዕልና ክንሰርሖ ጀሚርና ኣለና” ምባሉ ድማ እቲ ሓቀኛ ሕልሙ ናበይ ከም ዘተኩር ዘርኢ እዩ።
እዚ ብስምዒት ዝበሎ ምላቕ ዘይኮነስ፡ ዝተሓስበሉ ምዃኑ ካብ ዘመልክቱ፡ ናይታ ሃገር ምክትል ሚኒስተር ወጻኢ ጉዳይ፡ ኣቶ ምጋናው ኣረጋ፡ “ፋና” ምስ ዝተባህለት መንግስታዊት መደበር ተለቪጅን ኣብ ዘካየዶ ቃለ መጠይቕ “ኢትዮጵያ ናይ ባሕሪ ብሄራዊ ረብሓኣ ኣብ ምርግጋጽ ኣይክትዋገን እያ” ዝበሎ ብመደብ ዝስረሓሉ ከም ዘሎ ዘረጋግጽ እዩ።
ካልእ “ኣንድ ኣፍታ” ዝተባህለት፡ ናብቲ ፈደራላዊ መንግስቲ ቅርበት ዘለዋ መደብ ዩቱብ ከኣ፡ ንመግለጺ ቀዳማይ ሚኒስተር ተኸቲላ “ንወደብ ዓሰብ ዋላ ብሓይሊ ምሓዝ ምውራር ዘይኮነ፡ ኢትዮጵያ ቅድሚ ሕጂ ዝተጋገየቶ ከም ምእራም ዝውሰድ እዩ” ኢላ። ኣስዒባ ድማ፡ “ደሓር ከኣ ተቐዳዲምካ ዝሓዝካ ምስ ሓዝካ ናብ ዋጋ ዕዳጋ ምእታው ልሙድ ኮይኑ ዘሎ ኣሰራርሓ እዩ” ዝበለቶ፡ እቲ ጉዳይ ሱር ይሰደድ ከም ዘሎ ዘመልክት እዩ።
ዘይሩዘይሩ እቲ ደግሲ ልኡላውነት ኤርትራ ናብ ምግሃስ ዝመጣጠር እዩ። እዚ ከኣ ንክልቲኡ ህዝብታት ኤርትራን ኢትዮጵያን ከኽስሮ እንተዘይኮይኑ፡ ናይ ኤርትራ ልኡላውነት ንድሕሪት ዘይመልስ ምዃኑ ርዱእ እዩ። ኤርትራውያ ከኣ ብፍላይ እቲ ኣብ መስርሕ ለውጢ ዘሎ ውዳበታት ሓቢሩ ግቡእ ኣቓልቦ ክገብረሉ ይግበኦ።
መንግስቲ ኢትዮጵያ ከኣ ምናልባት ምስ ሓደ ህዝቢ ኤርትራ ዘይውክል ጉጅለ ስለ ዝተባእሰ ዝህቅኖ ዘሎ እንተኾይኑ፡ ደጋጊሙ ክሓስበሉን ካብ ከምዚ ዓይነት ወስታ ክእደብን ነተሓሳስቦ።
ኣብ ዝተወሰነ መድረኽ ብፍላይ ኣብ ጽባሕ ናጽነት፡ “ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ናጻ ሃገሩ እንታይ ይጽበ ነይሩ?” ዝብል ሕቶ ኣዛራቢ ነይሩን ኣሎን። ነዚ ሕቶዚ ካብ ዘንቀሉ መሰረታዊ ምኽንያታት ሓደ፡ ባህርን ተንኮለኛ ኣካይዳን መሪሕነት ህግሓኤ ዘይምርዳእ ሓደ መንቀሊ ነይሩ። ኣብ ባህሪ ናይቲ ህግደፍ ዝተጠምቐ ጉጅለ ጥርጠራ ዝሓደሮም ኤርትራዊ ኣካላት እውን ከሎ ጋና “ኣካይዳና ቅኑዕ የለን፡ ስለዚ ከይሳዕረረ ብዓንተቦ ዝግበር ንግበር” ዝበልሉ እዋን ነይሩ እዩ። ኣብ ልዕሊ’ዚ ከምቲ “ናበይ ከም እትኸይድ ከይጠፍኣካ ዝሓለፍካዮ ኣይትረስዕ” ዝበሃል፡ ብዘሓለፈ ዓመጸኛ ተግባራት መራሒ ናይቲ ጉጅለ ኣሰኪፍዎም፡ ተወዲቦም ንዘጠንቀቑ ወገናት ዘይምልከት ክስን ጸለመን ይቐርቦም ነይሩ። ቅድም “5ይ መስርዕ” ደሓር ከኣ “ወያነ” ዝብሉ ቃላት በቲ ጉጀል ንጸለመ ዝተመርጹ ኣብዘይመዓላኦም ዝውዓሉ ናይ ቅንጸላ ቅጽላት ነይሮም።
ሕቶ ህዝቢ ኤርትራ ካብ ቀደሙ፡ ምትካል ሕገመንግስታዊ ስርዓት፡ ምኽባር ኩሉምዳያዊ መሰላት፡ ብህዝቢ ብዝተመርጸ መሪሕነትን ረብሓ ህዝቢ ብዘማእክሉ ሕግታት ዝግዛእ ምምሕዳር ምርካብን ዝኣመሰሉን ነይሮም። ሓቀኛ ትርጉም ሰላምን ልምዓትን ምውሓስ’ውን ብሃንቀውታ ዝተጸበዮ ነይሩ ሎሚ’ውን ኣሎ። ነዚ ኩሉ ብዝሓቁፍ ንምግላጹ እቲ ሕቶ “ናይ ዝተማለአ ዲሞክራሲ ባህጊ” እዩ ነይሩ። ህግደፍ ነዚ ከም ቁርን ኣስሓይታን ዘፍርሖን ዕድመ ምልኩ ዘሕጽርን ጠለብ ንዘይምምላስ ክሳብ ሎሚ ዝተፈላለዩ መደናገርቲ ሜላታት ይጥቀም ከም ዘሎ ኩሉ ዝከታተሎ ዘሎ እዩ። እቲ ጉጅለ ክሳብ ሎሚ እውን መልክዓቱ ደኣ ይቀያየር እምበር፡ ሕቶ ህዝቢ ንዘይምምላስ ካብቲ መደናገሪ መንገዱ ኣይወጸን። “ሕቶ ዲሞክራሲ ኣብ ኤርትራ ግዜኡ ዝሓለወ ጥለብ ኣይኮነን” ዝብል ከኣ፡ ካብቲ መህደሚ ብሂላት ሓደ ነይሩ ክሳብ ሎሚ ድማ ይቕጽል ኣሎ። ህዝቢ ነዚ ሕቶዚ ከቕርብ ዝምጥን ደረጃ ንቕሓትን ግንዛበን የብሉን ክበሃል’ውን ይስማዕ እዩ።
ናይቲ ጉጅለ ሸፈጥ ንምድማቕ፡ ኤርትራዊ ቅድሚ ናብ ዲሞክራሲ ምምጥጣሩ ክምለስሉ ዝግበኦም ካለኦት ጠለባት ኣለዉዎ ዝብሉ ናይቲ ጉጅለ ኣሳሰይቲ ኣይተሳእኑን። ህግደፍ ቅድሚ ምትእትታው ስርዓት ዲሞክራሲ፡ ካለኦት ሕቶታት ንክመስል ቃል ክኣቱን ደሓር ናብቲ ሓቀኛ ባህሪኡ ተመሊሱ ከደናግር ኢና ክንዕዘቦ ጸኒሕና። ናይ 1997 ሕገመንስቲ ምጽዳቑን ተገልቢጡ “ከይተተግበረ ዝሞተ ሰነድ እዩ” ኢሉ ምሕጫጩ ብመጽርዚ ዝረአ ኣሽካዕላል እዩ። እቲ ካልእ መዳህለሊኡ ከኣ ብዘይቅቡል ምኽንያት ውግእ ይኸፍት እሞ፡ ብኣኡ ኣሳቢቡ ናይ ልኡላውነት ስግኣት ከም ዝተፈጥረ ኣምሲሉ፡ “ኣብ ምሕላው ሃገር እምበር ኣብ ምምላስ ሕቶ ዲሞክራሲ ኣይኮናን ዘለና” እናበለ ብምጉብዕባዕ ካብ ምምላስ ሕቶ ህዝቢ መህደሚ መንገዲ ይፈጥር። “ሃገር ኣብ እገዳ እያ ዘላ” ንዝብል ጉልባብ ክንደይ ዓመታት ከም ዝሓሸሸሉ ከኣ ኩሉ ዝዝክሮ እዩ። እዚ ሎሚ ንዕዘቦ ዘለና ወደኽደኽ ምስ ካይሮን መቃድሾን እውን ናይቲ ዘይምኽኑይ ህድማኡ መቐጸልታ እዩ።
ህዝቢ ኤርትራ ሕቶ ዲሞክራስን ኩለ-መዳያዊ መሰላትን ከልዕል ኣብ ዝኽእለሉ ደረጃ ኣይኮነን ዘሎ ዝብል ምንእኣስ ከኣ፡ ካልእ ገጽ ናይቲ ንዕቀት ኣብ ልዕሊ ወሳኒ ግደ ህዝቢ እዩ። ህዝቢ ኤርትራ ሓደ እዋን ሒዝዎ ዝነበረ ስልጡን ኣንፈት ተመንዚዑ ንድሕሪት ዝተመልሰ ህዝቢ እዩ። ኣብ 40ታት ምእንቲ ዲሞክራስያዊ መሰል ሓሳብካ ምግላጽ፡ ብመልክዕ ፖለቲካዊ ማሕበራትን ሰልፍታትን ምውዳብ፡ ትርጉም ሕገመንግስትን ምርጫን፡ ብሰላማዊ ኣገባብ ምቅዋምን ተኸኣኢልካ ፍልልያትካ ምሕብሓብን ኮታ ብዛዕባ ኣምር ዲሞክራሲ መባእታዊ ግንዘባ ዝነበሮ ምዃኑ ከም በዓል ዘውደ ረታ ዝኣመሰሉ ዘይኤርትራውያን ደርስቲ ከይተረፉ ዝምስክርዎ’ዩ። ካብ 1946 ጀሚረን መጻኢ ዕድል ህዝብን ሃገርን ክውስና በብግዜኡ ዝተመስረታ ፖለቲካዊ ሰልፍታት ኤርትራ ምንባረን ድማ ናይዚ መረጋገጺ እየን።
ንከምዚ ዝኣመሰለ ሃብታም ድሕረ-ባይታ ዘለዎ ህዝቢ “ብዛዕባ ዘይርደኦ ኣምር ዲሞክራሲ እዩ ዝሓትት ዘሎ” ኢልካ ከተነኣእሶ ምፍታን፡ ካብ ብደዐ ሓሊፉ ካልእ መልእኽቲ የብሉን። ምስዚ ብዝተተሓሓዘ ዋላ’ኳ ውጽኢት መግዛእቲ እንተኾነ፡ ኤርትራዊ ኣብ ኣፍሪቃ ኣቐዲሞም ምስ ዘመናዊ ኣንፈት ዲሞክራሲያዊ ምምሕዳርን ንዕኡ ዝምጥን ቁጠባዊ ምዕባለን ካብ ዝተላለዩ ህዝብታት ሓደ ምንባሩ ዝተመስከረሉ እዩ። ነቲ ዲሞክራስያዊ ተረድኦን ቁጠባዊ ዕቤትን ናይቲ ህዝቢ ዝጸልዋ ዝነበራ ፋብሪካታት ሎሚ ኣሰረን ከምዘየሎ ኣቶ ኢሳያስ ባዕሉ ደጋጊሙ ሓታታይ ኮይኑ ክቐርብ ወትሩ ምስማዕ ዝስማዕ እዩ። እተኾነ መተካእተአን ዘምጸኦ የለን። ስለዚ ህዝቢ ኤርትራ ናይ ዲሞክራስን ዘመናዊ ቁጠባዊ ኣምርን ሓድሽ ተመሃራይ ዘይኮነ፡ ቅድም ብሰንኪ መግዛእቲ ሎሚ ድማ ብህግደፍ “ዝነበሮ ስኢኑ ንድሕሪት ዝተመልሰ” እዩ።
ኣብዚ እዋን’ዚ ህዝቢ ኤርትራ፡ ኣብ መዳያት ፖለቲካ፡ ቁጠባን ምምሕዳርን፡ ሱር ዝሰደዱ ጸገማት ኣለዉዎ። እዞም ጸገማት ንክፍትሕሉ ከኣ ናይ ወትሩ ምሕጽንታኡ እዩ። እቲ ነዚ ዘለናሉ እዋን ዘይምጥን በቲ ጉጅለ ንሸፈጥ ዝቐርብ ዕባራ ምኽያት ከኣ “እዋኑ ኣይኮነን” ብዝብል ምስምስ ኣጐልቢብካዮ ምህዳም እዩ። በቲ ካልእ ወገን፡ ምትእትታው ዲሞክራሲ ነዞም ዘይተመለሱ ሕቶታት ዝምልስ መሰረታዊ መሳርሒ ምዃኑ ምኽሓድ እዩ። እዚ ሸፈጥ ህዝቢ ኤርትራ ሕቶኡ ብቃልሱ ዝምልሶ እምበር፡ ብህግደፍ ዝትኮበሉ ከምዘይኮነ መልእኽቲ ዘመሓላልፍ እዩ። ህግደፍን ጨቋኒ ምምሕዳሩን ተወጊዶም፡ ህዝቢ ኤርትራን ባህግታቱን ማእከሉ ዝገበረ ዲሞክራሲያዊ ስርዓት እንተዘይተመስሪቱ፡ ኣብ ህላወ እቲ ጉጅለ ዝፍትሑ ኣይኮኑን። ስለዚ “እዋኑ ኣይኮነን” ብዝብል ብዛዕባ ዲሞክራሲ ኣይለዓል ምባል፡ ትርጉሙ ህግደፍ ምስ ኩሉ’ቲ ኣበሳኡ “ይንበረልና ጥራይ” ካብ ምዃን ሓሊፉ ካልእ ክኸውን ኣይክእልን።
ስለዚ ህዝቢ ኤርትራ ዝቃለሰሉ ዘሎ ሕቶ ዲሞክራሲ፡ ኣብ ዘይግዜኡ ዝመጸ ዘይኮነ፡ ብሰንኪ’ቲ ጉጀለ መልሲ ዝደንጎዮ እዩ ክበሃል ዝግበኦ። እንተኾነ መሰረታዊ ስለ ዝኾነ፡ ግዜኡ ሓሊፉ እዩ’ሞ ነዋድቆ ኢልካ ዝጓሰ ዘይኮነ፡ ክሳብ ዘተኣማምን መልሲ ዝረክብ ብቃልሲ ክድፈኣሉ ዝግበኦ እዩ። ቃልሲ ኤርትራውያን ደለይቲ ለውጢ ናይ ግድን ክሳብ ዓወት ቀጻሊ ክኸውን ዘገድዶ ከኣ ንሱ እዩ።
Freedom on Trial: Eritrean Activists Face Legal Battles in America
Written by Martin Plaut
|
|
How President Isaias's 'fourth front' is using the courts against pro-democracy activistsBy Michael Rubin Source: National Security Journal
Secretary Antony J. Blinken holds a joint press availability with Secretary of Defense Lloyd J. Austin III, Philippine Foreign Secretary Enrique Manalo, and Philippine Defense Secretary Gilbert Teodoro in Manila, Philippines, July 30, 2024. (Official State Department photo by Freddie Everett) After North Korea, Eritrea is the world’s most repressive and totalitarian country. Independence leader Isaias Afwerki rules with an iron fist. He rejects elections, and treats the country as his personal fiefdom. Unlimited conscription and national service transformed Eritrean citizens into unpaid slaves and made the country Isaias’ plantation. In response, many Eritreans flee. The routes are perilous; many die of thirst in the desert or drown crossing the Red Sea or Mediterranean. Tribesmen, criminals, and slavers prey upon them. Isaias is fine with the flight as Eritrea relies not only upon remittances from those who make it to Europe and the United States but also extorts a two percent “tax” based on ethnicity rather than citizenship. If an Eritrean renounces their citizenship, Isaias does not care. If they do not pay two percent of their income back to his treasury, their relatives will suffer back in Eritrea. Other members of the diaspora, I would argue, advocate for the government for either privilege or, as possible, intelligence officers who spy on the Eritrean community. This is a strategy ripped from the North Korean playbook. Some experts argue that various ‘front groups’ regularly promote Pyongyang positions in Washington, seeking to confuse policy or, on occasion, win a propaganda coup when they can convince a representative to parrot their talking points without looking behind the curtain. Indeed, Isaias considers pro-government diaspora to be a fourth front” to supplement the country’s Western, Central, and Eastern fronts. Eritrean embassies often coordinate with diaspora front groups to lionize Isaias and celebrate festivals important to his rule. Eritrean front groups usually seek to intimidate those who favor freedom and democracy. In recent years, clashes and violence have become commonplace as pro-regime Eritreans attack those who do not share their views. The pro-freedom diaspora has now responded. Over the past two years, diaspora groups across Europe and the United States hava rallied behind the so-called Blue Revolution.” Many of this pro-freedom, anti-Isaias Eritreans counter-protest at pro-regime festivals. This infuriates Isaias and pro-regime organizers as it takes the shine off their events and undermines the image of Eritrean solidarity they promote. The pro-Isaias community in the United States now appears to be experimenting with a new strategy: Using U.S. courts to target anti-regime protestors. Earlier this year, the Eritrean Association in Greater Seattle sued several Eritrean democracy activists at the U.S. District Court for the Western District of Washington in Tacoma. While the case remains mired in its early procedural issues such as service, it sets a dangerous precedent. Many cases have no merit—and reading the complaint, this appears to be one of them. The Eritrean Association says they serve more than 7,000 local Eritreans and openly acknowledge they organize events such as Eritrean Independence Day and Martyr’s Day celebrations. These parallel government holidays that lionize Isaias. The complaint then suggests that for their advocacy, they have become the target of hate crimes. This, of course, elides “hate crimes” with political dissent as those whom they accuse share the same ethnicities. The root of the Eritrean Association complaint is that protestors disrupted their event by protesting and caused participants to cancel hotel reservations. They allege violence, but the complaint appears exaggerated. What the complaint alleges to be severe violence and destruction of property, the local police spokeswoman acknowledged tents tipped over. She described them as scuffles “that have quickly ended.” It is understandable that the U.S. government prefers to remain aloof. After all, the judiciary is an independent branch of government, and the executive branch has no business interfering. At the same time, though, this can play into Isaias’ hijacking of the courts. He can channel unlimited funds to his front groups and lawyers to try to use court procedures and hearings to intimidate and bankrupt the Eritrean opposition. The courts should be interested in not allowing themselves to be used by a dictator or groups that, by their actions, appear to act as his proxies. The State Department should also file a brief with the court explaining Eritrea’s methodology and strategies to target and neutralize opposition. Lawfare is simply its latest tactic. Make no mistake: Freedom is on trial in Tacoma. Not only is Isaias watching its outcome, but dictators from Beijing to Moscow to Addis Ababa to Caracas will also seek to use U.S. courts to do their dirty work. About the Author: Dr. Michael RubinMichael Rubin is a senior fellow at the American Enterprise Institute and director of policy analysis at the Middle East Forum. A former Pentagon official, Dr. Rubin has lived in post-revolution Iran, Yemen, and pre-and postwar Iraq. He also spent time with the Taliban before 9/11. For over a decade, he taught classes at sea about the Horn of Africa and Middle East conflicts, culture, and terrorism to deployed US Navy and Marine units. Dr. Rubin is the author, coauthor, and coeditor of several books exploring diplomacy, Iranian history, Arab culture, Kurdish studies, and Shi’ite politics. The views expressed are his own. |
ባህግና Bahgna Media 03 11 2024: ንህግደፍ ምቅዋም፡ ምጽራር ንልኡላውነት ማለት ኣይኮነን፡ ምትእምማን ብስራሕዩ ዝርጋገጽ፡
Written by Bahgna mediaMedia
ጳጳሳት ኦርተዶክሳዊት ቤተ ክርስትያ ትግራይ፡ ብ1 ሕዳር 2024 ኣብ ቤት ጽሕፈታ ኣቶ ጌታቸው ረዳን ዶር ደብረጼን ገ/ሚካኤልን ምስ ዝመርሕዎ ልኡኻቶም ብኣካል ኣራኺቡ። ኣብቲ ብቐጥታ ብተለቪዥን ዝተመሓላለፈ ስነ ስርዓት ርክብ፡ እቶም ጳጵሳት ከም ዝገለጽዎ፡ ናብዚ ንክብጻሕ ዳርጋ ንሓደ ዓመት ዝኣክል ግዜ ክጽዕሩ ከም ዝጸንሑ ሓቢሮም።
ኣተሓሒዞም ድማ ድሕሪ ናብ ኣብያተ ጽሕፈት ናይቶም ሓለፍቲ እናተመላለሱ ከካይድዎ ዝጸንሑ ናይ ሰላም ጻዕሪ’ ክልቲኦም መራሕቲ “ጸገምና በቲ ሕግና መሰረት ብልዝብን ዘተን ክንፈትሖ ኢና” ዝብል ቃል ከም ዝኣተውሎምን ናይቲ ምርኻብ ዕላማ ድማ ክልቲኦም ብኣካል ኣብ ዝተረኽብሉ ንምብሳር ምዃኑ እውን እቶም ኣቦታት ጠቒሶም።
እቲ ኣብ ትግራይ ተፈጢሩ ዘሎ ፖለቲካዊ ፍልልይን ንሱ ዘስዓቦ ቅልውላውን ምሉእ ብምሉእ ተፈቲሑ ማለት’ኳ እንተዘይተባህለ፡ ናይ ክልቲኦም ወገናት ኣብቲ ደረጃ ምብጻሕ፡ እቲ ጸገም ኣብ ሓጺር ግዜ ምሉእ ብምሉእ ንክፍታሕ ተስፋ ዝህብ ምዃኑ እቶም ጳጳሳት ኣመልኪቶም። ኣስዒቦም ድማ ኣብ ሓጺር ግዜ ሓቢሮም “ጸገምና ብልዝብ ፈቲሕና” ዝብል ብስራት ሒዘምልና ንክመጹ ተስፉዋት ኢና ኢሎም። ፖለቲከኛታት እኳ እንተዘይኮኑ ንሳቶም እውን ነቲ መስርሕ ከም ዝከታተልዎ ጠቒሶም።
ነቲ ኩነታት ዝተኸታተሉ ተጋሩ ፖለቲከኛታትን ነናቶም ወገን ክድግፉ ዝጸንሑ ነጠፍትን ወነንቲ ማሕበራዊ መድያታትን፡ ነቲ ብጻዕሪ’ታ ቤተ-ክርስትያ ዝተበጽሐ ስምምዕ ክንእድዎ እንከለዉ፡ “ክሳብ ክንደይ ክትግበር እዩ? ዝብል ስኽፍታ ከም ዘለዎም ግና ኣይሓብኡን።
መራሕቲ ሃይማኖት ኤርትራ፡ ብመጽር’ዚ ጳጳሳት ትግራይ ዘርኣይዎ ቅዱስ ተበግሶ ክምዘኑ እንከለዉ፡ ክሳብ ክንደይ ናይ ህዝቢ ዘይኮኑ ናይ መንግስቲ መሳርሕን ጸግዕን ኮይኖም ከም ዘለዉ ምርዳእ ይከኣል።
ኣብ ኤርትራ ብሓገዝ ጉጅለ ህግደፍ ወተሃደራዊ ታዕሊም ክከታተል ዝጸንሐ ሓይሊ መሊሻ ሱዳን፡ ኣብ ጐኒ መንግስቲ ሱዳን ንምስላፍ ናብ ከሰላ ከም ዝተፋነዉ ሬድዮ ኤረና ሓቢራ። እቶም ጀነራል ኣልኣሚን ዳውድ ብዝተባህለ መኮነን ዝምርሑ ኣባላት መልሻ፡“ምብራቓዊ ቦጠለኒ” ብዝብል ዝጽዋዕ ምዃኑ’ውን ተፈሊጡ።
እዚ ምብርቓዊ ቦጠለኒ ዝበሃል ኣሃዱ ሓደ ካብቶም ኣብ ኤርትራ ክዕለዉ ዝጸንሑ ጉጅለታት ሱዳን ኮይኑ፡ ምስቲ ብጀነራል ኣልቡርሃን ዝምራሕ ሰራዊት ኮይኑ፡ ከባቢኡ ካብቲ ብጀነራል ሓምዳን ዳጋሎ ዝምራሕ ሓይሊ ዘካይዶ መጥቃዕቲ ናይ ምክልኻል ዕላማ ዘለዎ ምዃኑ ድማ እቲ ዜና ኣመልኪቱ።
እዚ ከምዚሉ እንከሎ፡ ብ28 ጥቅምቲ 2024 ናብ ኤርትራ ዝተጓዕዘ ጉጅለ ጋዜጠኛታት ሱዳን፡ ኣብ ዓዲ ሃሎ ምስ ኢሳያስ ኣፈወርቂ ኣብ ዘካየዶ ርክብ፡ በቲ ዲክታተር ኤርትራ ምስቲ ብጀነራል ኣርልቡርሃን ዝምራሕ ውና ከተማኡ ናብ ፖርት ሱዳን ቀይሩ ዘሎ መንግስቲ ከም እትስለፍ ከም ዝገለጸሉ ናብ ማዕከን ዜና ኣልጀዚራ ኣብ ዝለኣኾ ጸብጻብ ኣፍሊጡ። ኢሳያስ ኣብቲ ምስቶም ጋዜጠኛታት ዘካየዶ ርክብ ኣተሓሒዙ፡ ኣብ ውሽጣዊ ጉዳይ ሱዳን ክኣቱ ከም ዘይደሊ፡ ከምኡ መግበሪኡ ምኽንያቱ ድማ ፖለቲካ ሱዳን ብሰንኪ ናይ ብዙሓት ናይ ወጻኢ ሓይልታት ኢድ ኣእታውነት ናብ ፖለቲካዊ ምርኢት/ባዛር ተቐይሩ ከም ዘሎ ምዃኑ ከም ዝጠቐሰሎም እቲ ጉጅለ ጋዜጠኛታት ኣፍሊጡ።
ብኻልእ ወገን ድማ እቲ ከም ፋኖ ዝኣመሰሉ ጉጅለታት ኢትዮጵያ ከም ዘሰልጥን ዝኽሰስ ኢሳያስ ኣፈወርቂ፡ ነቲ ብጀነራል ኣልቡርሃን ዝምራሕ ወገን ሱዳን፡ ኣካል ናይቲ ብኤርትራ፡ ሶማሊያን ግብጽን ኣብ ኣስመራ ኣንጻር ኢትዮጵያ ዝተመስረተ ኪዳን ክገብሮ ከም ዝደሊ ዝተፈላለዩ ወገናት ይገልጹ ኣለዉ።
ኣሕዋት ምስ ዝሓብሩ ጸላኢ የባርሩ” ዝብል ምሳልያዊ ኣዘራርባ ብቋንቋ ዳኣ ይፈላለ’በር ኣብ መብዛሕትኡ ሕብረተሰብ ዓለም ልሙድ እዩ። ትርጎሙ ከኣ ሓቢርካ ካብ ምስራሕ ዝርከብ ብርኩት እቶትን ሓቢርካ ኣብ ምቅላስ ዝሕፈስ ኣድማዒ ዓወትን ምምልካት እዩ።
ኤርትራውያን ናይ ሓባር ጸገም ሓቢርካ ብምቅላስ ጥራይ ከም ዝፍታሕ፡ ካብ ቀደም ዝርድእዎ ኣምር እምበር ከም ሓድሽ ዝንገሮም ኣይኮነን። ሓቢርካ ዘስርሕን ዘቃልስን ዘተኣማምን ባይታ ምጥጣሕ ቀሊል ከም ዘይኮነ እውን ካብ ተመኩሮኦም ዝግንዘብዎ እዩ። ይኹን እምበር፡ ሓቢርካ ናይ ዘይምቅላስ ብደሆ ከከም ግዜኡን መድረኹን ባህሪ ናይቲ ትቃለሶ ጸላእን ዝፈላለ ኮይኑ፡ ኤርትራውያን ካብ 40ትታ ጀሚሩ ከሳቕዮም ዝጸንሐን ዘሎን እዩ። ቅድሚ ብረታዊ ቃልስና ኣብ ዝነበረ ፖለቲካዊ ቃልሲ፡ ኣንጻር ናይ ሓባር ጸላኢ ሓቢርካ ንምስላፍ ወሳኒ ኣጀንዳ ነይሩ። ኣብ ግዜ ብረታዊ ቃልስና እውን ኣጀንዳ ነይሩ ጥራይ ዘይኮነ ክዕወት ብዘይምኽኣሉ፡ ኣንጻር ናይ ሓባር ጸላኢ ክኽፈል ዝነበሮ ኣብ ሕድሕድና ዘኽፈለና ሃገራዊ ዋጋ ክድገም ዘይግበኦ ኣሉታዊ ስንብራት ኣካል ታሪኽና ኮይኑ ተመዝጊቡ።
ጸላእትና እውን ስልትታቶም ደኣ ይፈላለ እምበር፡ ካብ ቀደሙ ሓቢርና ምስላፍና ንረብሓኦም ስለ ዘይኮነ፡ ንምዝራግና ዘይተኹተኹዎ ከፋፋሊ፡ ስምዒትን ዘይኳሕኩሕዎ ማዕጾን ኣይነበረን። ሎሚ እውን ህግደፍ ሓድነት ሓይልታት ለውጢ ንምዝራግ፡ ጸጋ ሃገር ሰሊዑን ጐሓላሉ ኣዋፊሩን፡ ተንኮላት ኣብ ምእላምን ዕንቅፋታት ኣብ ምፍጣርን ተጸሚዱ ኣሎ። እንተኾነ ናትና ሕመቕ እንተዘይሓጊዝዎ ኩሉቲ ዝእለም ኣብ መስርሕ ቃልሲ ዝተመኮርናዮ ስለ ዝኾነ ኣይክዕወትን እዩ።
ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ኩሉ መድረኻት ብሰንኪ ውዲት ጸላእቱ ሓድነቱ ተዘሪጉ ክንድቲ ዝሓስብዎ መፍቶኦም ኣይኮነን እንተኾነ ምሉእ ብምሉእ ንምፍልላይን ምርሕሓቕን በዲሁ፡ ጸረ ሓድነቱ ሓይልታት ተስፋ ቆሪጾም ኢደ-እግሮም ኣብ ዝእክብሉ ደረጃ ስለ ዘየብጽሖም ንሓድነት ዝግበር ቃልሲ ቀጻሊ እዩ። ከምኡ ስለ ዝኾነ እዩ ከኣ ሎሚ እውን “ሓቢርካ ምቅላስ ሰለምናይ ኣድላይ ይኸውን?” ዝብል ሕቶ ካብ ምቕራብ ዓዲ ዘይውዕል ዘሎ። ነዚ ክንሓትት እንድረኽ እምበኣር፡ ኣንጻር ፈላላይ ተንኮላት ህግደፍ ዝምክት ዘተኣማምን ናይ ሓባር መቃለሲ መድረኽ ከነውሕስ እነካይዶ ቃልሲ ጀሚርናዮ’በር ኣብቲ ዝድለ ዘተኣማምን ብራኸኡ ስለ ዘየብጻሕናዮ ኢና።
ህግደፍ ኣይኮነንዶ ናይቶም ኣንጻሩ ዝቃለሱ ተቓወምቱ ሓይልታት፡ ናይቶም “ደገፍተይ እዮም” ዝብሎም ወገናት ሓድነት እውን ኣየቕስኖን እዩ። ዘራጊ ተግባራት ናይቲ ጉጅለ ኣብ ኤርትራን ኤርትራውያንን ዝድረት ዘይኮነ ዶብ ሰገር እውን እዩ። ስለዚ እዩ ድማ ህግደፍ ኣንጻር ኩሎም “ሕብረትናን ሓድነትናን ነሕይል” ዝብሉ ወገናት በታኒ ሴፍ ካብ ምምላሕ ዓዲ ዘይውዕል። ናይቲ ጉጅለ ከምኡ ምዃን ካብቲ ኣመጻጽእኡን ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኤርትራ ከርእዮ ዝጸንሐ ጥልመትን ዘይትጽበዮ ኣይኮነን። ናይቶም ብሓባር እንተዘይተቓሊስናዮ ኣደዳኡ ከም እንኸውን እንፈልጥ፡ ካብቲ መጻወድያኡ ዘይምውጻና ግና ዘተዓዛዝብ’ዩ። ክሳብ ሎሚ ዘቃልሰና ሰፊሕ ናይ ሓባር መድረኽ ከነደልድል ዘይምብቃዕና፡ ዓቕሚ ብምስኣና ዘይኮነ፡ ክንድቲ ንኽእሎ ክንገብር ቅሩባት ዘይምዃና ዘመልክት እዩ። ቅሩባት እንተንኸውን ምስቲ ዝሓለፍናዮ፡ ክመሃረሉ ንዝደሊ ዓሚቕ ትርጉም ዘለዎ ናይ ምእካብን ምፍልላይን ተመኩሮና ክእለትን ኣፍልጦን ኣይምወሓደናን።
ዓቕምን ተመኩሮን ብቕሩብነትን ትግሃትን እንተዘይተሰንዩ ኣድማዒ ኣይከውንን እዩ። እቲ ዘይቅርቡነት ሓቢርካ ተቃሊስካ ንክትዕወት ክትከፍሎ ዝግበኣካ ንክትከፍል ድልዊ ብዘይምዃን እዩ ዝግለጽ። እቲ ዝኽፈል ዋጋ፡ ምጽውዋር፡ ምክእኣል፡ ወሳኒ ኣገዳስነት ውዳበ ምዕዛዝ፡ ሓላፍነትን ስልጣንን ቅድሚ ባህጊ ህዝቢ ዘይምስራዕ፡ ናይ ኣተሓሳስባ ፍልልይ ምኽባር፡ ክትስማዕን ክትሰምዕን ቅሩብ ምዃንን ዝኣመሰሉን ዘጠቓልል ስለ ዝኾነ፡ ናይ ሕልና ድሉውነት እንተዘይኮይኑ፡ ቁጠባውን ካልእ ነገራውን ብደሆታት ዘስዕብ ኣይኮነን።
“ሓቢርካ ምቅላስ ስለምንታይ ኣድላይ ይኸውን?” ዝብል ሕቶ መልሱ ቀሊል ኣብ ልዕሊ ምዃኑ፡ ተደጋጊሙ ዝተመለሰ እዩ። ረብሓኡ ተመሳሳሊ ክነሱ፡ በበይኑ ዝስለፍ ሰብኣውን ነገራውን ጸጋታት ጠርኒፍካ “ጸዊዑ ዘስምዕን ወቒዑ ዘድምዕን” ዓቕሚ ምፍጣር ዝብል ሓደ ካብቲ መልስታት እዩ። ሓቢርካ ምቅላስ ፍልልያትካ ኣመሓዲርካ፡ ኣብቲ ዘሰማምዓካ ኣትኪልካን ቀዳምነት ሰሪዕካን ምቅላስ ማለት እምበር፡ ምእንቲ ብዙሕነት እናተቓለስካ፡ ነቲ ናይ ኣተሓሳስባ መማረጺ ጸጋ ዘንጸባርቕ ፍልልያት ምውጋድ ማለት ኣይኮነን። ካብቲ ዘሰማምዓካን ዝፈላልየካን መዓስ ነየናይ ቅድሚት ትሰርዕ ግና ኣዝዩ ኣገዳሲ እዩ። በቲ ካልእ መልክዑ ብሓባር ምቅላስ ናይቲ ብምፍልላይናን ምርሕሓቕናን ክውሕጠና ዘንባሁቕ ጐረሮ ጸላኢ ምዕጻው ማለት እውን እዩ።
ንርከበሉ ዘለና ቀልጢፉ ዝለዋወጥ ተሃዋኢ መድረኽ፡ ብዛዕባ ደንበ ተቓውሞ ኤርትራን ለውጥን ጥራይ እንሻቐለሉ ዘይኮነ፡ ብዛዕባታ ብዓባያ ሃገረ ኤርትራ እውን ዝያዳ እንስከፈሉ እዩ። ከምቲ “ኩሉ ግዜ ደሓን ሓደ እዋን ግና ዘይደሓን” ዝበሃል፡ ዕንደራን ደገደገ ምምዕዳውን ህግደፍ “ናይ ቀደሙ እዩ” ኢልካ ትሓልፎ ኣይኮነን። ስለዚ “ህግደፍ ብኸመይ ይውደቕ፡ ምምሕዳር ኤርትራ ድሕሪ ውድቀቱኸ ከመይ ይኹን” ኣብ ዝብል ጥራይ ዘይኮነ፡ “ንኤርትራ ንገዛእ ርእሳ ከም ሃገር ከ እንታይኮን የጋጥማ?” ንዝብል ስኽፍታ እውን ቆላሕታ ምሃብ ኣብ እንግደደሉ ግዜ ኢና ዘለና። እዚ ከኣ ሓቢርካ ብምቅላስ እምበር በበይንኻ ብምውፋር ዝዕመም ከይምዘይኮነ ከቶ ክንዝንግዖ ዘይብልና እዩ።
More...
ሶማሊያ መቃድሾ ኣብ ዝርከብ ኤምባሲ ኢትዮጵያ ጉዳይ ኣፈጻሚ ኮይኑ ዝሰርሕ ዝነበረ፡ ዲፕሎማት ዓሊ መሓመድ ኣደም ኣብ 72 ሰዓታት ክወጽእ ከም ዝወሰነት ናይታ ሃገር ሚኒስተር ወጻኢ ጉዳያት፡ ብ28 ጥቅምቲ 2024 ብዘውጸኦ መግለጺ ኣፍሊጡ። እቲ መግለጺ ነቲ ኢትዮጵያዊ ዲፕሎማት ኣብ ዘይምልከቶ ምንቅስቓስ ክሳተፍ ከም ዝተረኽበ ከሲስዎ።
እቲ መግለጺ ኣንበሳደር ዓሊ ካብቲ ንዲፕሎማሲያዊ ዝምድናን መሰል ዲፕሎማትን ዝምልከት ናይ ቪየና ሕጊ ወጻኢ ተንቀሳቒሱ ኢሉ ከም ዝኸሰሶ እውን ማዕከን ዜና ሮይተርስ ብወገና ኣፍሊጣ። ቅድሚ ሕጂ ድማ ኣብ ሶማሊያ ዝነበረ ኣንበሳደር ኢትዮጵያ ሙክታር መሓመድ ዋረ ከም ዝተሰጐገ እቲ ጸብጻብ ሓቢሩ።
ወሃቢ ቃል ወጻኢ ጉዳይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ኣቶ ነቢያት ጌታቸው፡ ብዛዓብቲ ፍጻመ ብሚድያታት ተሓቲቱ መልሲ ከም ዘይሃበ ድማ ድምጺ ኣሜሪካ መደብ ቋንቋ እንግሊዝ ኣፍሊጣ።
ኢትዮጵያን ሶማልያን፡ ድሕሪቲ ኢትዮጵያ ምስ ሶማሊላንድ ንሳ ከም ሃገር ኣፍልጦ ንክትህባ፡ ሶማሊላንድ ድማ መህነጺ መደበር ሓይሊ ባሕሪ ዝከውን 20 ትርብዒት ኪሎሜተር መሬትን ናይ ወደብ ኣገልግሎትን ንክትህባ መረዳድኢ ሓሳብ (Memorandum of Understanding (MOU) ምፍርራመን ኣብ መንጎ ክልቲአን ሃገራት ዲፕሎማሲያዊ ወጥሪ ተፈጢሩ ኣሎ። በዚ መሰረት ሶማሊያ ኣንጻር ልኡላውነተይ ዝተወስደ ኢድ ኣእታውነት እዩ ብዝብል ኣንጻር ኢትዮጵያ ክሲ ከተቕርብ ጸኒሓ እያ። ነዚ ተኸቲሉ ሶማሊያ፡ ኤርትራን ግብጽን ኣንጻር ኢትዮጵያ ኪዳን መስሪተን ከም ዘለዋ ዝዝከር እዩ።
Eritrea’s last minute withdrawal from Confederation of African Football CHAN 2024
Written by Martin Plaut|
|
BBC Tigrinya reported that Eritrea withdrew from the Confederation of African Football (CAF) without providing any explanation to the organisers. CAF has confirmed Eritrea's withdrawal from the CHAN 2024 Qualifiers, resulting in the cancellation of the upcoming matches at Juba National Stadium. Although CAF's Competitions Division was annoyed by this last minute decision, it extended appreciation to all involved parties for their understanding of this unfortunate last minute withdrawal. Given the political history between Eritrea and Ethiopia, this fixture was expected to be a highly charged affair, according to many sports commentators. The first match was going to be played on Thursday, October 31st in Juba, with the return leg scheduled for Saturday, November 3rd. The upcoming schedule had created a buzz in social media. Many Eritreans were talking about how Eritrea's national football team resurrected to face Ethiopia for the first time since January 2020 when they lost 1-0 at home in Asmara to Sudan in a friendly. Well, it wasn't meant to be. BBC Tigrinya reported that Eritrea, a country plagued by defections of its players, lacked resources and foresight in neither partaking nor hosting international matches. As a result, the Eritrean men's national team rarely get the opportunity to play in international football matches. The team has not played an international match in four years, largely due defection concerns. According to experts the cancellation must have broken the hearts of many members of the national team, including many fans. The TotalEnergies African Nations Championship (“CHAN”) 2024 will be played between 01 - 28 February 2025. The first round of qualifiers will now be played on the weekend of 25-27 October 2024 without Eritrea. CHAN is scheduled to be hosted by Kenya, Uganda, and Tanzania. Now the 3rd and 4th matches of the first round which were set to be played between Eritrea and Ethiopia at Juba National Stadium will no longer proceed as planned. Following Eritrea's withdrawal, Ethiopia will instead compete against either Sudan or Tanzania in the final. qualification round. |
ፕረሲደንት ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ኣቶ ጌታቸው ረዳ ካሕሳይ፡ ንሓደ ካብ ምልክትላቱ ሌተናል ጀነራል ታደሰ ወረደ ከም ዝወከሎ ብ29 ጥቅምቲ 2024 ብዝጸሓፎ ደብዳበ ኣፍሊጡ። ኣቶ ጌታቸው ረዳ ኣብቲ ዝጸሓፎ ናይ ውክልና ደብዳበ ነቲ ስጉምቲ ንክወስድ ደሪኹኒ ዝበሎ ምኽንያት ኣስፊሩ’ሎ።
ኣብ ደብዳበኡ “ናብ ዝተፈላለየ ስራሕቲ ስለ ዝወጽእ፡ ኣብልዕሊ ናይቲ ሒዝኩሞ ዘለኹም ናይ ስራሕ መደብ ደሪብኩም ናይ ፕረሲደንት ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ስራሕቲ ንክትሰርሑ ዝተወከልኩም ምዃንኩም ኣፍልጥ” ዝብል ሓሳብ ኣስፊሩ።
ናይቲ ኣብ ማሕበራዊ መድያታት ዝተዘርግሐ፡ ክታሙን ማሕተምን ዘስፈረ ደብዳበ ቅዳሕ ናብ ዝተፈላለያ ኣካላት ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ’ውን ዘርጊሕዎ።
ገለ ወገናት ነቲ ስጉምቲ ከምቲ ብጽሑፍ ሰፊሩ ዘሎ ክሳብ ዝምለስ ዝሰርሕ “ውክልና እዩ” ክብልዎ እንከለዉ፡ ገለ ወገናት ከኣ ብምስጢር ኣብ ስምምዕ ዝተበጽሓሉ ናይ መወዳእታ ናይ ኣቶ ጌታቸው ካብ ሓላፍነት ምውራድ እዩ ይብልዎ ኣለዉ።
ነቲ ናይ ጀነራል ታደሰ ወረደ ግዝያዊ ውክልና ከኣ፡ ክሳብ ቀጻሊ ምርጫ ዝጸንሕ እዩ ዝብልዎ ኣለዉ። እቲ ካልእ እቲ ውክልና ዘሕልፎ መልእኽቲ እናተባህለ ዝጥቀስ ዘሎ ድማ “ፕረሲደንትነት ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ” ካብቶም ክዋጠጡ ዝጸንሑ ክልተ ኣካላት ህዝባዊ ወያነ ሓርነት ትግራይ (ህወሓት) ኣውጺእካ ንመንጎኛ ጀነራል ንምሃብ ዝቐረበ መፍትሒ ንክኸውን፡ ፈደራል መንግስቲ ኢትዮጵያ ምስ ፖለቲከኛታትን ኣዘዝቲ ሰራዊትን ትግራይ ብምልዛብ ዝተበጽሐ ፍታሕ ምዃኑ’ውን ይገልጹ ኣለዉ።
እዚ ከምዚሉ እንከሎ ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ፡ “ኣብ ትሕቲ ወተሃደራዊ ምምሕዳር ይወድቕ’ሎ” ዝብል ስግኣት ዝሓደሮም ተጋሩ ምሃዎም እውን ይግለጽ ኣሎ።
ሱዳናዊ ጋዜጠኛ ዓብደል ማጂድ ዓብደል ሓሚድ
ኣብ ሱዳን ደጋፊ ናይቲ ብጀነራል ዓብደል ፈታሕ ኣልቡርሃን ዝምራሕ ሰራዊት ምዃኑ ዝፍለጥ ጋዜጣኛ ዓደል መጂድ ዓብደል ሓሚድ ብ29 ጥቅምቲ 2024 ኣብ ከተማ ገዳርፍ ተኣሲሩ ናብታ ግዝያዊት ዋና ከተማ ሱዳን ኮይና ዘላ ፖርት ሱዳን ከም ዝተወስደ ማዕከናት ዜና ሱዳን ኣፍሊጠን። እዚ ጋዜጠኛ ዝተኣስረሉ ምኽንያት ኣብ ናይ ፈይስቡክ ገጹ ንማእከላይ ባንክ ሱዳን ዝወቅስ መልእኽቲ ስለ ዘመሓላለፈ ምዃኑ’ውን ተሓቢሩ።
ዓብደል መጂድ ብኣካላት ናይ ሱዳን ቤት ጽሕፈት ፈደራል ምርመራ ጸረ ገበን ሳይበር ብዝብል ትካል ዝተኣስረ ክኸውን እንከሎ፡ ዘእሰሮ ክሲ ከኣ፡ ማእከላይ ባንክ ሱዳን፡ ገንዘብ ንምሕታም ነቲ ዝሓሰረ ናይ ኣሜሪካ ትካል ገዲፉ ምስ ዝያዳ ዋጋ ዘኽፍል ናይ ሩሲያ ኩባንያ ምስምምዑ ብምንቃፉ ምዃኑ እቲ ዜና ጠቒሱ።
እዚ ማእሰርቲ ዓብደል ሓሚድ ናይ መጀመርያ ዘይኮነ፡ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ሓምለ እውን ንርክብ ናይ ስዑዲ ዓረብ ምክትል ሚኒስተር ወጻኢ ጉዳይን ዳይረክተር ስለያ ሱዳንን ብዝምልከት ኣብ ፈይስቡክ ገጻቱ ስለ ዘውጸአ ኣብ ገዳርፍ ብተመሳሳሊ ኩነታት ተኣሲሩ ምንባሩ ምንጭታት ከም ዝሓበርዋ መርበብ ሱዳን ትሪቡን ጠቒሳ።
እዚ በቲ ማእከላይ ባንክ ናይ ገበን ክሲ ዝተመስረቶን ኣብቲ ዝካየደ ዘሎ ውግእ ሱዳን ኣንጻርቲ ብጀነራል ዳጋሎ ዝምራሕ ተወርዋሪ ዕጡቕ ሓይሊ ወጊኑ፡ ምስቲ ብጀነራል ኣልቡርሃን ዝምራሕ ኣካል ሰራዊት ሱዳን ዝወገነ ጋዜጠኛ ዓብደል መጂድ፡ ቅድሚ ናብ ፖርት ሱዳን ምትሕልላፉ ብዋሕ ንክፍታሕ፡ ብዓበይቲ ዓድን ፍሉጣት ባእታታት ኣብ ገዳርፍ ብዋሕ ክፍታሕ ጻዕሪ ከም ዝተገብረን ብዓቃብ ሕጊ ተቐባልነት ከምዘይረኸበን ድማ ተሓቢሩ።
