Monday, 01 August 2022 14:21

Dimtsi Harnnet Kassel 28.07.2022

Written by
Monday, 01 August 2022 09:47

Dimtsi Harnnet Kassel 21.07.2022

Written by

ርእሰ ዓንቀጽ ሰዲህኤ

ኤርትራውያን ብደረጃ ዓለም ክንወዳደር እንከለና ቁጽርና ውሑድ እዩ። ብ2019 ብውድብ ሕቡራት ሃገራት ብዝተኻየደ መጽናዕቲ መሰረት፡ ኤርትራ ብብዝሒ ህዝቢ ካብ 233 ሃገራት ኣብ መበል 133 ተሰሪዓ ኣላ።  ኢትዮጵያ ከኣ ኣብ መበል 12 ሰፊራ ንረኽባ። ብደረጃ ኣፍሪቃ ድማ ኤርትራ ካብ 58 ሃገራት ኣብ መበል 40 ኣለና። ጐረቤትና ኢትዮጵያ ድማ 2ይቲ። ውሑዳት ክንስና፡ ንብዙሓት ዝሰዓርናሉ ናይ ጽንዓት ታሪኽ  ኣለና። ቀንዲ ምስጢር ኣንጻር ብዙሓት ናይ ምስዓርና ከኣ ሓድነትና ኣጽኒዕና ምዕቃብና ምዃኑ፡ ንሕና ጥራይ ዘይኮና ብዛዕባ ቃልስና ምእንቲ ናጽነት መጽናዕቲ ዘካየዱ ወገናት ከይተረፉ ዘረጋገጽዎ ሓቂ እዩ።

ንሓድነትና ዘይሃሰዩ፡ ብኣንጻሩ ዘደልደሉ ናይ መንነት ብዙሕነት ሃብታማት ኢና። ኣስላማይ ክስታናይ፡ ወዲ ከበሳ ጓል መታሕት፡ ጓለኣንስተይቲ ወዲ ተባዕታይ፡ ወዲ ገጠር ከተመኛ፡ ኣብ ሃገር ዝነብር ኣብ ወጻኢ ዝቕመጥ፡ ከምኡ ድማ ባህልታትና፡ ቋንቋታትናን፡ ብሄራትናን፡ ብቕኒት ዘሳነየ መሳርሒ ሙዚቃ ጥዑም ዜማ ከም ዝህብ፡ ኣብ ቃልስና ጉልበትን ዓቕምን ዝኾኑና እዞም መርኣያ ብዙሕነትና እዮም። ጸላእቲ በብግዜኡ ካብዚ ብዙሕነትና ንሓደ መዚዞም ብምብላሕ ሓድነትና ከዳኽሙ ዝገበርዎ ፈተነታት ህዝቢ ኤርትራ  በብግዜኡ ኣምኪንዎ እዩ። ህግደፍ’ውን በዚ ሓይልታት መግዛእቲ ኣብ ህዝቢ ኤርትራ ፈቲነሞ ዝተሳዕርሉ ጸረ ሓድነት ስልቲ ይድንድነና ከም ዘሎ ኣብ ልቦና ኩልና ዘሎ እዩ።

በቲ ካልእ ወገን ነዚ ናይ መንነት ብዙሕነትና ሓብሒቡን ዓቂቡን፡ ኣብ ሓደ መስርዕ ከምዘለና ዘርኢ መግለጺ እውን ኣለና። ኣብዚ መዳይዚ ኤርትራዊ ልኡላዊ ዜግንነትና ቅድሚት ይስራዕ። ቀደም ኮነ ሎሚ እቲ ዝወርድ መግዛእትን ወጽዓን ኣብ ልዕሊ ኩልና ኤርትራውያን ዝጨከነ ምንባሩን ጌና ቀጻሊ ምህላዉን ድማ ካልእ ኤርትራውያን ሓደ ምዃና መስካሪ እዩ። ከምቲ ሳላ ንኹሉ ከፋፋሊ መብጸዓታት ነጺግና ብሓባር ዝሰጐምና መግዛእቲ ስዒርና ናጻ ዝወጻእና፡ ሎሚ እውን ካብዚ ዘለናዮ ዘስካሕክሕን ነዓና ሓሊፉ ንዓለምና ዝደንጸወን  ወጽዓ ክንናገፍ፡ እቲ መፍትሒ ኣብ ኢድ ኩልና ምህላዉ፡ ኣብ ሓደ መስርዕ ከም ዘለና ካብ ዘንጸባርቑ ዝርዝር መምዘንታት ወጻኢ ዝረአ ኣይኮነን። ካብዚ ስለ ዝነቐልና ኢና ከኣ “እቲ ወጽዓ ኣብ ኩልና፡ መፍትሒኡ ከኣ ብኹልና” ኢልና እንጭርሕን ንምትግባሩ  እንቃለስን።

ምስጢር ዓወትና ሓድነትና ምንባሩን ምዃኑን ከምቲ ፖለቲከኛታት ወለድና “ኤርትራውያን እቶት ሓደ ዓውድን ጸባ ሓንቲ ላምን ኢና” ዝበልዎ፡ መስካሪ እዩ። ገዛእቲ ኤርትራን ጸላእቲ ህዝባን “ክበልዕ ዝበለ ገደል ኣፉ” ኮይንዎም እንተዘይኮይኑ፡ ወሳኒ ብጽሒት ሓድነትና ካብ ቀደም ይፈልጥዎ እዮም። ህዝቢ ኤርትራ ክሰዓር እሞ ንሳቶም ከምድላዮም ክኾኑ፡ ሓድነቱ ምፍራስ ወሳኒ ምዃኑ ተረዲኦምስ በብግዜኡ ኣብ ኤርትራ ዝገዝኡ ወረርትን ጸረ ዲሞክራሲ ሓይልታትን ክሰርሕሉ ፈቲኖም ግና ኣይተዓወቱን። ናይ ግዜ ጉዳይ እንተዘይኮይኑ፡ ዕድል ህግደፍ እውን ካብ ዕድል ገዛእቲ ዘይፍለ ተሰዓራይ ከም ዝኸውን ርዱእ እዩ። ምስዚ ኩሉ፡ ምድኻም ሓድነት ህዝቢ ኤርትራ ሎሚ እውን ካብ ኣጀንዳ ህግደፍ ኣይወጸን። ጉጅለ ህግደፍ ንሓድነት ህዝብና ኣዳኺሙ ኣብ ስልጣን ክነብር ካብ ዝጥቀመሎም ቀንዲ መሳርሕታት፡ ኣብ ሕድሕድ ኤርትራዊ ምትእምማን ከም ዝጠፍእ ምግባር  እዩ። ነዚ  ምጥልላም ናብ ሓንቲ ስድራቤት ከይተረፈ ኢድ ኣእትዩ ዝሰርሓሉ እዩ። ብዙሓት ብተንኮል ህግደፍ ቀልቦም ተሰሊቡ ካብ ሰብኣውነት ዝወጹ ሰለይቲ “ሰበይቱ ኣእሲሩ፡ ሰብኣያ ኣትሒዛ፡ ንወለዱ ኣሕሊፉ ሂቡ፡ ኣብ ልዕሊ እሙን ዓርኩ ጠሊሙን ናይ ቀርባ ቤተ ሰቡ ኣጭውዩ ወይ ኣቕቲሉ”  ዝብሉ ዛንታታት ካብቲ ጨካን ውዲት ናይቲ ጉጅለ ዝነቕሉ እዮም።

ወጽዓ ህግደፍ ኣብ ልዕሊ ኩልና ኤርትራውያን ወሪዱ ዘሎ እዩ። እቲ ጉጅለ፡ ንሓንሳብ ምስ ከበሳ ኮይኑ ኣንጻር መታሕት፡ ንሓንሳብ ምስ ኣስላም ኮይኑ ኣንጻር ክርስትያን፡ ካብዚ ሓሊፉ ምስ ተጋደልቲ ነበር ኮይኑ ኣንጻር ሲቪል …..ወዘተ፡ እናኾነ፡ በብመድረኹ ብምግልባጥ፡ ዘካይዶ ምልዕዓል ናይ ሓሶት እዩ። ንሱ መንነቶም ብዘየገድስ፡ ምስ ንጸረህዝብነቱ ኣሜን ኢሎም ዝቕበሉ “እሙናት” ምስ ዝብሎም ዝተደናገሩ ወገናት ጥራይ እዩ ዝስለፍ። እቶም ዝድግፍዎ ወይ ካብ ኣፍንጨኦም ኣርሒቖም ዘይርእዩ  ንእኩይ ተግባሩ ዘይተረድኡ ወይ እናረኣዩን እናሰምዑን ኣንጻር ረብሓኦም ዝተሰለፉ ኒሕ ዘየብሎም እዮም። ህግደፍ ግና ኩሉ ግዜ ህግደፍ እዩ። ደጋዊ ሕብርታቱ እንተዘይኮይኑ ሓቀኛ ትሕዝቶኡ ኣይቅይርን እዩ።

ናይ ህግደፍ መደናጋሪ ኣቀራርባ ኣብ ኤርትራውያን ጥራይ ዝድረት ዘይኮነ፡ ብግቡእ ዘይተረድእዎ ዘይኤርትራዊ ወገናት እውን ንሓንሳብ ብሃይማኖት ንሓንሳብ ድማ ብኣውራጃ ናይ ውሱን ኩርናዕ ፈታዊ ወይ ጸላኢ መልክዕ ከትሕዝዎ ይፍትኑ እዮም። በዚ ተዓሽዮም ትሕቲ ሃገራውነት ንምስዓር ብትሕቲ ሃገራውነት ንዝውደቡ ከተባብዑ ፈቲኖም ዘይተዓወቱ ምንባሮም ከኣ ኣብ ተመኩሮና ዝተራእየ እዩ።

እቲ ካልእ ኣብዚ እዋንዚ ኣብ ቅድሚ እቶም ኣንጻር ወጽዓ ዝተሰለፍና ዘሎ ዘይሕበል ሓቂ፡ እቲ ወጽዓ ጥራይ ዘይኮነ፡ መፍትሒኡ እውን ብኹልና ዝመጽእ ምዃኑ እዩ። እቲ ንህዝብና ኣደዳ ኩሉ ዓይነት መከራን ስደትን ኣቃሊዕዎ ዘሎ ምምሕዳር ህግደፍ ክውገድ ኣይኮነንዶ ናይቶም ኣንጻር ህግደፍ ንቃለስ ዘለና ናይቶም ደገፍቱ ከይተረፈ ትጽቢትዩ ኢልካ ምድምዳም ዘጸግም ኣይኮነን። ነቲ ክኾነልና እንጽበዮ ኣብ ምትግባር ዘለና ድልውነትን ቅሩብነትን ግና፡ ትሕቲ’ቲ ክኾኖ ዝነበሮ ምዃኑ ዝሕባእ ኣይኮነን። ተፈትወ ተጸልአ ግና “እቲ ሽግር እንዳ ኹልና፡ መፍትሒኡ ድማ ብኹልና” እዩ።

ኣብ ታሪኽና ሓድነት ህዝብና ብውዲት ገዛእቲ ዘይተበተነ፡ ዝቕበሎ ኤርትራዊ ባይታ ስለ ዘይረኸበ እዩ። ኣብዚ እዋንዚ ህግደፍ ሓድነትና ንምክፍፋል ዝገብሮ ዘሎ ፈተነ፡ ንሕና ባይታ እንተዘይፈጢርናሉ መኺኑ ከም ዝተርፍን ውድቀቱ ከም ዝቀላጠፍን ፍሉጥ እዩ። “ህግደፍ ዕድሜኡ ነዊሑ ዘሎ፡ ብሳላ ብቕዓቱን ህዝባዊ ተቐባልነቱን ዘይኮነ፡ ብሰንኪ ድኽመት ናይቶም ኣንጻሩ ንቃለስ ዘለና እዩ” እንብል ድማ ካብዚ ሓቂዚ ብምንቃል እዩ። ነዚ ህዝብና ዘሳቕን ብክብርና ዝዋገን ዘሎ፡ ጉጅለ ትንፋስ ዝሰኹዓሉ ዘሎ ሃጓፍ እነወግዶ፡ ሓድነትና ኣንጻር ወጽዓን ጭቆናን  ከነሕይል እንከለና ጥራይ ምዃኑ ኣይንዘንግዕ።

Saedia Tesfu 1(ስእሊ ስውእቲ ሳዕዲያ ተስፉ፡ ካብ ፈይስቡክ)

መስዋእትነት ገዲም ተጋዳሊት ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ (ተሓኤ) ሳዕድያ ተስፉ፡ ብኣዝዩ መሪር ሓዘን ሰሚዕናዮ። ሳዕድያ ተስፉ ሓንቲ ካብተን ኣብ 60ታት ዝተሰለፋ ውሑዳት ደቂ ኣንስትዮ ሓንቲ ኮይና፡ ኣብ ከተማ ከረን ቅያ ድሕሪ ምስረሓ፡ ብ1968 ናብ ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ ከም ዝተሰለፈት፡ ኣብታ ወልደየሱስ ዓማር ኣብዚ ቀረባ ግዜ ዘሕተማ መጽሓፍ “ምስክርነት ኣብ ግደ ተመሃሮ”፡ ብጅግንነት ተጠቒሳ ዘላ ሓርበኛ እያ። ስለዚ ኣባላት ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ (ሰዲህኤ) ንስውእቲ መንግስተ-ሰማይ የዋርሳ፡ ንቤተሰባ ድማ ጽንዓትን ኣኻእሎን ይሃቦም እናበሉ ናይቲ ሓዘን ተኻፈልቲ ምዃኖም ይገልጹ።

ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ

29 ሓምለ 2022

Athlets 1የማነ ሃይለስላሴ ናይ ሓጺር ርሕቀት ተወዳዳርን ፊልሞን ዓንደ ናይ ነዊሕ ርሕቀት ጐያይን ዝርከብዎም ሓሙሽተ ኣባላት ጋንታ ኣትለቲክስ ኤርትራ፡ ካብታ ኣብ መበል 18 ሻምፒዮን ዓለም-22  ኣብ አረገን ሕቡራት መንግስታት ኣሜሪካ ትሳተፍ ዝነበረት ጋንታ ተፈልዮም ከም ዝተሰወሩ ተመራማሪ ማርቲን ፕላውት ዝተፈላለዩ ምንጭታቱ ብምጥቃ ሓቢሩ።

እዞም ኣባላት ኣትለቲክስ ብሓባር ብ24 ሓምለ 2022 ካብቲ ኣዕሪፈምሉ ዝነበሩ ህንጻ ዩኒቨርስቲ ከም ዝተሰወሩን ፖሊስ ናይቲ ከባቢ ብዛዕባ ምስዋር ናይዞም ኤርትራውያን  ምስተሓበሮ ኣብ መዝገብ ሒዙ ይከታተሎም ከም ዘሎን ተፈሊጡ።

ብመሰረት’ቲ ነዚ ኩነታት ብዝምልከት ዝተዋህበ ግምት፡ ኤርትራውያን ኣብዚ እዋንዚ ኣብ ትሕቲ ሓያል ፖለቲካዊ ጸቕጢ ስለ ዘለዉ፡  ንከም ውድድር ዓለምለኸ ኣትለቲክስ ሻምፒዮና ዝኣመሰሉ ኣጋጣምታት ከም መሕተቲ ዑቕባ ከም ዝጥቀምሎም ርዱእ እዩ።

ኣስማት ናቶም ብዛዕበኦም ዋላ ብደረጃ ፖሊስ ሓበሬታ ዘይተረኽበ ዝተሰወሩ ኤርትራውያን ስፖርተኛታት፡ ዓንደ ፊልሞን  ወዲ 24 ዓመት፡ ሃብቶም ሳሙኤል ቀለታ ወዲ 18 ዓመት፡ በርሀ ኣስገዶም ንጉሰ ወዲ 44 ዓመት (ኣሰልጣኒ)፡ መርሃዊ መብራህቱ ተወልደብርሃን ወዲ 18 ዓመትን ሃይለስላሴ ተኽለሃይማኖት የማነ ወዲ  24 ዓመትን ምዃኖም ተፈሊጡ’ሎ።

ብሓፈሻ ኤርትራውያን ስፖተኛታት፡ ብፍላይ ድማ ተጻወቲ ኩዕሶ እግሪ፡ ኣብ ዝተፈላለዩ ግዚያት ካብ ኤርትራ ናይ ምውጻእ ዕድል ኣብ ዝረኸብሉ መብዛሕትኦም ዘይምለሱ ምዃኖም ዝተለምደን መግለጺ ናይቲ ኣብታ ሃገር ዘሎ ጭቆና ምዃኑን ዝተፈልጠ እዩ።

PFDJ Festival 1እቲ ኣብ ሃገር ሽወደን፡  ካብ ከተማ ስቶክሀልም ንወገን  ሴሜን ጃርቫ ኣብ ዝበሃል ህዝባዊ መናፈሲ/ፓርክ  ክካየድ ተመዲቢ ዝነበረ ፈስቲቫል ህግደፍ ስካንድንቪያን፡  ሓያል ተቓውሞ ከም ዘጋጠሞ ማእከል ሓበሬታ ኤርትራ/Eritrea Hub ሓቢራ። ኣብዚ ተቓውሞ ዘጋጠሞ ፈስቲቫል፡ ኣወል ስዒድ ዝተባህለ ኣንጻር ህዝቢ ዘለዓዕል ዕሉል መሳርሒ ህግደፍን  ኣማኻሪ ፖለቲካ ዲክታተር ኢሳያስ ኣፈወቂ የማነ ገብረኣብን ኣብቲ ኣጋጣሚ  ዝሳተፉ ዕዱማት ምዃኖም እቲ ዜና ብተወሳኺ ኣፍሊጡ።

ኤርትራውያን ተቓወምቲ፡ እቲ ብደረጃ ዓለም ብግህሰት መሰረታዊ ሰብኣዊ መሰላት ዝፍለጥ ጉጅለ ህግደፍ ህዝባዊ መእከቢ ኣዳራሽ ተኻርዩ ፈስቲቫል ከካይድ ክፍቀደሉ ሕጉሳት ከም ዘይነበሩ እቲ ዜና ጠቒሱ። እቲ ካብ ማእከል ሓበሬታ ኤርትራ ዝተረኽበ ዜና፡ ብትሕሓዝ ህግደፍ ኣብ ሽወደን ከምዚ ዓይነት መደብ ፈስቲቫል ዘውጽእ ዘሎ፡ ንጋዜጠኛ ኤርትራዊ ሽዊደናዊ ዳዊት ይስቕ ንልዕሊ 20 ዓመታት ኣብ ቤት ማእሰርቲ እናሰቐየ እንከሎ ምዃኑ ኣዘኻኺሩ። ኣብዚ ተቓውሞ “ብሩህ መጻኢ” ዝተባህለ ኤርትራዊ ጉጅለ መሪሕ ግደ ከም ዝነበሮ እቲ ዜና ብተወሳኺ ኣስፊሩ።

ኣብቲ ናይ ብዙሓት ተቓውሞ ዝዓደመ ናይ ፈስቲቫል ህግደፍ  ዛዕባ፡ ኣሳ ኒልሰን ዝተባህለት ኣብቲ ኣዳራሽ ዝርከበሉ ከባቢ ፖለቲከኛን ሕጽይቲ ከንቲባ ስቶክሀልምን ኣብቲ ጉዳይ ካብ ዝተገደሱ ሓንቲ ነይራ። በዚ መሰረት፡ ብዛዕባቲ ንህግደፍ ክካረ ተሓሲቡ ዝነበረ ህዝባዎ ኣዳራሽ ኣብ ዝጸሓፈቶ ሓያል ተቓውሞ “ናይ ሎሚ ዘበን ፈስቲቫል ንሰርዞ፡ ንዓመታ ኣብቲ ቦታ ናይ ዲሞክራስያዊ ፈስቲቫል ከነካይድ ኢና”  ከም ዝበለት ተፈፈሊጡ።

ጉጅለ ብሩህ መጻኢ ብወገኑ፡ ናብ ምምሕዳር ናይቲ ህዝባዊ መናፈስሲ/ፓርክ ናይ ተቓውሞ ደብዳበ ናይ ምጽሓፍ፡ ምስ ጠበቓታትን ናይቲ ከባቢ ሚድያታትን ምምኻርን ብኢመይልን ካልእ ኣገባብን ኣንጻርቲ ፈስቲቫል ሰፊሕ ወፈራ ምክያድን ዝኣመሰሉ ናይ ተቓውሞ ስጉምታት ወሲዱ። ኣብ መወዳእታ ከም ውጽኢት ናይዚ ኩሉ ተቓውሞታት ናይቲ መናፈሲ/ፓርክ ምምሕዳር  ናይ መእከቢ ኣዳራሹ ንፈስቲቫል ህግደፍ ከካሪ ዝነበሮ መደብ ሰሪዙ፡ ተሳተፍቲ’ቲ ፈስቲቫል ናይ ማይ፡ ዓይኒ ምድሪን ሓይሊ መብራህትን ኣገልግሎት ንከይረኽቡ ከም ዝወሰነ ተሓቢሩ።

America and Russia 1ፕረዚደንት ኣሜሪካ ጆ ባይደን፡ ሃገሮም ኣኼባ መራሕቲ ኣሜሪካን ኣፍሪቃን ናይ ምትእንጋድ መደብ ከም ዘለዋ ብ20 ሓምለ 2022 ኣብ ዝሃብዎ መግለጺ ምሕባሮም፡ ካብ ዋሽንግተን ተገሊጹ። ሩሲያ ብወገና ካለኣይ ርክብ መራሕቲ ሩስያን ኣፍሪቃን ንምስንዳእ ላዕልን ታሕትን ትብል ኣላ።

እቲ መራሕቲ ኣፍሪቃ ዝሳተፍሉ ኣብ ዋሽንግተን ክካየድ ተመዲቡ ዘሎ ኣኼባ ኣብ መጻኢ ወርሒ ታሕሳስ 13-15፡ 2022 ዝካየድ ኮይኑ፡ ብዛዕባ ካብ ጸገም ውሕስነት መግቢ ጀሚርካ፡ ክሳብ ምቅይያር ኩነታት ኣየር ንፍሪቃ ዝጋጥምዋ ዘለዉ ብደሆታት  ከም ዝዝቲ ተሓቢሩ።

ፕረዚደንት ጆ ባይደን ነዚ ተመዲቡ ዘሎ ኣኼባ ብዝምልከት ኣብ ዝሃብዎ መግለጺ፡  መራሕቲ ኣሜሪካን ኣፍሪቃን፡ ኣሜሪካ ብዛዕባ ኣብ ኣፍሪቃ ዘለዋ ቀጻሊ ተገዳስነት ዘርኢ እዩ። ኣብ ርእሲዚ ቀጻሊ ዝምድናን ምትሕብባርን ክሊቲኡ ኣህጉራት ዘመልክት ኣብ ልዕሊ ምዃኑ፡ ኣብ  ኣህጉራዊ መዳይ ዝህልዉ ሓባራዊ ቀዳምነታት ምትሕግጋዝ ንምልላይ ዘኽእል ምዃኑ  ጠቒሶም።

ብኻልእ ወገን ድማ ሩሲያ ነቲ ኣብ ወርሓት ሕዳር ወይ ታሕሳስ 2022 ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዝካየድ ካለኣይ ርክብ መራሕቲ ሩሲያን ኣፍሪቃን ንምድላው ትንቀሳቐስ ከም ዘላ ምስ መገሻ ወጻኢ ጉዳይ ሚኒስተር ሩሲያ ሰርገይ ላቭሮቭ ናብ ኣፍሪቃ ተተሓሒዙ ተሓቢሩ። ላቭሮቭ ኣብዚ ሃገሮም ምስ ምዕራባዊ ዓለም ብሰንኪ ኣብ ልዕሊ ዩክረይ ዝፈጸምቶ ወራር ኣብ ሕማቕ ዝምድና ዘለወትሉ እዋን፡ ምስ መራሕቲ ኣፍሪቃ ዝገብርዎ ዘለዉ ርክብ ሃገሮም ኣብቲ ፍታሕ ንኣፍሪቃ ብኣፍሪቃ ዝብል መትከል ከም እትኣምንን ሰፊሕ መደብ ቁጠባዊ ወፍሪ ከም ዘለዋን ይገልጹ ኣለዉ። ቀዳማይ ርክብ መራሕቲ ሩሲያን ኣፍሪቃን ኣብ ወርሒ ጥቅምቲ 2019 እዩ ተኻይዱ። ላቭሮቭ ኣብዚ ጉዕዘኦም ኣብ ግብጺ ምስ መራሕቲ ዓረብ ሊግ እውን ተራኺቦም እዮም።

እዚ ንርከበሉ  ዘለና እዋንዚ ምስቲ ዝረአ ዘሎ ናይ ዓለምና ውዑይ ፖለቲካዊ ምንቅስቓስን ሓድሽ ኣሰላልፋ ሓያላት ኣካላትን ብሓፈሻ ናብ ኣፍሪቃ ብፍላይ ድማ ናብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ፍሉይ ቆላሕታ ዘርእይሉ ዘለዉ እዩ። ብዙሓት ናይ ቁጠባን ፖለቲካን ቀጸለውቲ ኣካላት  ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ፍሉያት ልኡኻት ይመዙ ምህላዎምን ኣኼባታት ኣሜሪካን ሩስያን ምስ መራሕቲ ኣፍሪቃ ከኣ ነዚ  ዘርኢ እዩ።

ኤርትራ ኣብ ወራር ዩክረይን ብወግዒ ምስ ሩሲያ ዝወገነት እንኮ ሃገር ኣፍሪቃ ክንሳ፡ ኣብ ዝርዝር እተን  ወጻኢ ጉዳይ ሚኒስተር ሩሲያ ዝበጽሕወን ዘለዉ ሃገራት፡ ኢትዮጵያ፡ ግብጺ፡ ኡጋንዳ ረፑብሊክ ኮንጎን ኣይተጠቕሰትን።