ሓለዋ ሰብኣዊ መሰል፡ ኣብ ልዕሊ ኤርትራ፡ ዝተጸንዐ ማዕቀብ ክውሰን ጸዊዑ
Written by ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤዘይመንግስታዊ ትካል “ሓለዋ ሰብኣዊ መሰል/ Human Rights Watch”፡ ብ9 ለካቲት 2023 ኣብዘውጸኦ መግለጺ ኣብ ልዕሊ ህግደፍ ዝመርሖ ምምሕዳር ኤርትራ፡ ዝተጸንዐ ማዕቀብ ክውሰን መጸዋዕታ ኣቕሪቡ። እቲ ትካል፡ ማዕቀብ ንኽውሰን ከም ቀንዲ ምኽንያት ዝጠቐሶ፡ ህግደፍ ብቐጻሊ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኤርትራ ከካይዶ ዝጸንሐን ዘሎን ግዱድ ወተሃደራዊ ግፋ እዩ።
እቲ ትካል ኣብ መጸዋዕታኡ ኤርትራ ናጻ ካብ ዝወጸትሉ ግዜ ጀሚራ፡ ንግዱድ ውትህድርና ከም ኣድማሳዊ ፖሊሲ ብዝወሰደ ብዕጽዋን ሕሉፍ ሓጺናዊ ዲክታተርነትን ኢሳያስ ኣፈወርቂ ትምራሕ ዘላ ሃገር ምዃና ኣስፊሩ።
ትካል ሓለዋ ሰብኣዊ መሰል ኣብቲ ኣብ ልዕሊ መራሕቲ ኤርትራ እገዳ ንክውሰድ ዝጸውዓሉ መግለጺኡ፡ እቲ ስጉምቲ በቲ ቅድሚ ሕጂ ብባይቶ ሰብኣዊ መሰል ሕቡራት ሃገራትን ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰል ሕብረት ኣፍሪቃን ዝተኣመመ ክኸውን ከም ዝግበኦ ኣስፊሩ። እቲ ትካል ኣተሓሒዙ፡ ንሃገራት ወሽመጥ ወሲኽካ ምስ ምምሕዳር ኤርትራ ምቅርርራብ ዘለወን ሃገራት፡ ኣብቲ ናይ ግዱድ ውትህድርና ፖሊሲኡ፡ ርኡይ ለውጢ ንከተኣታቱ ተጽዕኖአን ከሕይላ ጸዊዑ።
ሓለዋ ሰብኣዊ መሰል፡ ምምሕዳር ኤርትራ ንኣድላይነት ወተሃደራዊ ኣገልግሎት በቲ ናይ 1998-2000 ውግእ ምስ ኢትዮጵያኳ ምኽንያታዊ ክገብሮ እንተፈተነ፡ እንተኾነ ብድሕሪ እቲ ውግእ ምቁራጹ እውን እቲ ግዱድ ውትህድርና ከምዘይተቛረጸ ጠቒሱ። እቲ መግለጺ ኣተሓሒዙ፡ ሰራዊት ኤርትራ ብሕቡራት መንግስታት ኣሜሪካን ዝተፈላለያ ትካላት ሰብኣዊ መሰልን ኣብ ትግራይ በደላት ምፍጻሙ ክኽሰስ ከም ዝጸንሐ ኣስፊሩ።
ሩሲያ ኣጽዋር፡ ሱዳን ድማ መደበር ሓይሊ ባሕሪ ክወሃሃባ ተሰማሚዐን፡
Written by ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤኣብ ሱዳን ስልጣን ጨቢጦም ዘለዉ ወተሃደራዊ ኣዘዝቲ፡ ሩሲያ ኣብ ፖርት ሱዳን ንቐረብ ሓይሊ ባሕሪ ዝኸውን መደበር ክትሃንጽ ክፈቅዱላ፡ ሩሲያ ድማ ብወገና ንወተሃደራዊ ሓይልታት ሱዳን ኣጽዋርን ወታሃደራዊ መሳርሕን ከተቕርበሉ ኣብ ዘኽእል ስምምዕ ከም ዝበጽሑ ተሓቢሩ።
ነዚ ብዝምልከት ሚኒስተር ወጻኢ ጉዳይ ሩሲያ ሰርጌ ላቭሮቭ ኣብ ካርቱም፡ ብ9 ለካቲት 2023 ኣብ ሱዳን ምስ ኣዛዚ ሰራዊት እታ ሃገር ጀነራል ዓብደል ፈታሕ ኣልቡርሃንን ምክትሎም ጀነራል መሓመድ ሓምዳን ዳጋሎን ነዚ ስምምዕ ኣብ ዝምልከት ከም ዝተዘራረቡ እቲ ዜና ገሊጹ። ላቭሮቭ እቲ ስምምዕ ኣብ ግዜ ፕረሲደንት ዑመር ኣልበሽር ዝተበጽሐ ኮይኑ፡ ናብ ፓርላማ ቀሪቡ ክሳብ ዝጸድቕ ኣብ ሱዳን ከም ዝጸንሑ ንጋዜጠኛታት ሓቢሮም። እቲ ዜና ከም ዝጠቐሶ፡ ናይ ሱዳን ሰራዊት ሓለቓ ስታፍ ጀነራል መሓመድ ዑስማን ኣልሑሴን ብ2021 እቲ ስምምዕ ዳግመ-ርኢቶ ንክግበረሉ ሓሳብ ኣቕሪቦም ነይሮም።
ማዕከን ዜና ኣሾሼት ፕረስ/AP፡ ብ11 ለካቲት 2023 ወተሃደራዊ ምንጪ ሱዳን ብምጥቃስ ከም ዝጸብጸቦ፡ ኣዘዝቲ ሱዳን ሩሲያ ዘድልዮም ወተሃደራዊ ኣጽዋር ከም እተቕርበሎም ምስ ኣረጋገጹ ከም እተሰማምዑ ኣፍሊጡ።
ባህግና Bahgna 113፣ ሰሙናዊ ዜናታት ምስ ካብ ተመኩሮና ንመሃር ዘርእስቱ ርእሰ ዓንቀጽ ሰዲህኤ 12.02.2023
Written by Bahgna MediaMedia
ርእሰ-ዓንቀጽ ሰዲህኤ
ትጽቢት ህዝብና፡ ሓድነት መሬትን ህዝባን ዝዕቅብ፡ ብቕዋም ዝምራሕ፡ ብዙሕነት ዘኽብር፡ መሰል ውደባን ነጻነት ሓሳብካ ምግላጽን ዘይጻባእ፡ ሰላማዊ፡ ዲሞክራስያውን ልምዓታውን ስርዓት ኣብ ድልዱል መሰረት ምህናጽ ምዃኑ ንጹር እዩ። እዚ ኣብ ህላወ ህግደፍ ዝረጋገጽ ከምዘይኮነ ከኣ ኣይኮነንዶ ንህዝቢ ኤርትራ ንሕብረተሰብ ዓለም እውን ንጹር እዩ። እቲ ትማሊ ኮነ ሎሚ ብህዝቢ ኤርትራን ፖለቲካዊ ውዳበታቱን ዝተኻየደን ዝካየድ ዘሎን ቃልሲ ከኣ እዚ ዝተጠቕሰ ባህጊ ህዝብና ዝረጋገጸሉ ጥጡሕ ባይታ ንምውሓስ እዩ።
ናይቲ ብኤርትራውያን ዝካየድ ዘሎ ናይ መሰረታዊ ለውጢ ቃልሲ ቀንዲ ቀላሲ፡ እቲ ግዳይ ወጽዓን ጥልመትን ጉጅለ ህግደፍ ኮይኑ ዘሎ ህዝቢ ኤርትራ እዩ። እዚ ክበሃል እንከሎ ግና ሓላፍነትን ብጽሒትን ናይተን ኣብ መስመር ቃልሲ ተሰሊፈን ዘለዋ ኤርትራውያን ሰልፍታት፡ ውድባት፡ ማሕበራት ኣገዳሲ ባእታታትን ድማ እቲ ቃልሲ ኣንፈቱ ከይስሕት ኣብ ምእላይ ዕዙዝ ምዃኑ ዝዝንጋዕ ኣይኮነን። እዞም ካብ ዝፈላልይዎም፡ ዘሰማምዕዎም ዝበዝሑ ፖለቲካዊ ውዳበታት ኤርትራ፡ ክሳብ ሎሚ ዝቐሰምዎ ኤርትራዊ ተመኩሮ ብምውህላል፡ ዋላ ሓደ ካብኣቶም ኣፉ መሊኡ ነቲ ህዝብና ሃንቀው ዝብሎ ለውጢ፡ “በይነይ ከረጋግጾ እኽእል እየ” ዝብል እምነት ከም ዘየብሉ፡ ካብቲ በብግዜ ዘውጽእዎ ኣዋጃትን መግለጽታትን ምርዳእ ይከኣል። ኣብ ብግብሪ ግና፡ “እቲ አብግዜኡ ዝእወጅከ ናይ ልቢ ድዩ ኣይፋሉን?” ክትብል ዘገድዱ ሓሓሊፎም ዝረኣዩ ናይ ምዕብላል ወስታታት ይረኣዩ እዮም። ምስዚ ኩሉ “ሓቢርካ ምቅላስ ምስጢር ዓወትና እዩ” እናተባህለ በብኩርናዑ ዝጭራሕ ዘይንጸግ’ኳ እንተኾነ፡ ግብራውነቱ እንተ ዘይሰሊጡ ግና ዘተዓዛዝብ እዩ ዝኸውን።
ነዚ ዘይሕለፍ ኣገዳስነት ተረዲእካ፡ ብሓባር ዘቃልሰካ መድረኽ ናይ ምፍጣር ፈተነታት ምክያድ ኣብ ደንበ ተቓውሞ ኤርትራ ነዊሕ ዕድመ ዘለዎ ተመኩሮ እዩ። ናይ ቅድሚኡ ዝነበረ ፈተነታት ገዲፍካ፡ እቶም ካብ ምምስራት “ምሕዝነት ፖለቲካዊ ሓልታት ኤርትራ 1999” ጀሚርካ ክሳብ ሎሚ ዝቕጽሉ ዘለዉ ሃቐነታት ኣብነት እዮም። እዞም ክሳብ ሕጂ ዝተኻየዱ ሓቢርካ ናይ ምስራሕ ተበግሶታት ዘይምዕዋቶም፡ ዘየቕስን ተመኩሮ ኮይኑ፡ ዝመሃረሎም እንተተረኺቡ፡ መምሃሪ ዝኸውን ኣሰር እናመዝገቡ ከም ዝሓለፉ ኣሉ ዝበሃል ኣይኮነን። ብመንጽርዚ ኣብዚ እዋንዚ ተታሒዞም ዘለዉ ሓቢርካ ዘቃልሱ ሰፊሕ መድረኽ ናይ ምድኳን ንቕሎታት፡ ዋነኦም መንዩ ብዘየገድስ፡ ኣብ ደንበ ተቓውሞ ሓደስቲ ምህዞታት ጌርካ ምውሳዶም ቅቡል ኣይኮነን። ልክዕ እዩ ግዜ ናይ ገዛእ ርእሱ ተጽዕኖ ዘለዎ ብምዃኑ፡ እቶም ናይ ሎሚ ሓደስቲ ተበግሶታት ብተመኩሮ ዝሃብተሙ ብምዃኖም ብልጫ ክህልዎም ከምዝኽእል ኣብ ግምት ዝኣቱ እዩ።
ከም ብሓድሽ ዝውሰድ ተበግሶ ኮነ፡ ኣብ መስርሕ ዝጸንሐ ምፍጣር ጥሙር መቃለሲ መድረኽ፡ “ብሉጽን መዋጺእን እዩ” ንክበሃል፡ ተሳተፍቱ ይውሓዱ ይብዝሑ ካልእ ኮይኑ፡ መዕቀኒኡ ካብቲ ዝሓለፈ ተመኩሮ ምምሃሩን ዘይምምሃሩን ክኸውን ይግበኦ። ነቲ ክሳብ ሎሚ ዘየዕወተ ተመኩሮ ኣመላኺዕካ ምድጋሙ ግና ውጽኢቱ ካብቲ ዝሓለፈ ዝተፈልየ ከምዘይከውን ርዱእ እዩ። ምኽንያቱ “ዝዘራእካዮ ኢኻ እትሓፍስ” ዝብል ምሳልያዊ ኣበሃህላ ግድን ስለ ዝኾነ። እቲ ኣብቲ ነባር ተመኩሮ ዘይተዋሰአ ኤርትራዊ መንእሰይ፡ ሎሚ ዘልዕሎም ዘሎ ጭረሖታት ኩሎም ፍጹም ቅድሚ ሕጂ ከምዘይተላዕሉ ጌርካ ምውሳዶም ቅኑዕ ኣይኮነን። አቶም ነባራት ምስ ሓድሽ ምዕባለ ከም ዝሳነዩ ጌርካ ምቕናዮም ከኣ ቅቡል እዩ።
ካብቲ ቅድሚ ሕጂ ከሳቕየና ዝጸንሐን ዘሎን ግጉይ ተመኩሮታት ሓደ፡ ኣብ መንጎ እቲ ዝእወጅን ዝትግበርን ዘሎ ዘይምቅዳው እዩ። “እቲ ቅኑዕ መንገድን ምሩጽ ኣተሓሳስባን ምሳይ ጥራይ እዩ ዘሎ” ምባል፡ ንካለኦት ዕድልን መሰልን ዝኸልእ፡ ንመስርሕ “እንካን ሃባን” ዝዓጹ ስለ ዝኾነ፡ ዝሓለፈ ግጉይ ተመኩሮ ዝደግም እምበር፡ ናብ ዘተኣማምን መዋጸኦ ዝመርሕ ኣይኮነን። “ግድን ኣነ መመቲረ ዘኾልሰኩም ሓሳብ እንተዘይውሒጥኩም”፡ ምባል ብሓባር ዘሰጉም ከምዘይኮነ፡ ኣብ ብዙሕ ካብቲ ናይ ክሳብ ሎሚ ተመኩሮታትና ዝተገንዘብናዮምን ክንቃለስ ካብ ዝድርኹናን እዩ።
እቲ እንቃለሰሉ መድረኽን ነሰጉሞ ኣተሓሳስባን ካብ መጀመርታኡ ኩልና ኢድና ዘንበርናሉን ርኢቶና ዝሓወስናሉን ክኽውን ይግበኦ። ምናልባት ብትሕዝቶኡ ዝፈላለ፡ ነናትና ኣተሓሳስባ ይህልወና’ሞ፡ ናብቲ ናይ ሓባርና ሓዳስ ኤርትራ ናይ ምግሃድ ሸቶ ክንበጽሕ፡ ነቶም ዝተፈላለዩ ርኢቶታት ሒዝና ኣብ ዙርያ ሰደቓ ተራኺብና ሓቚንና፡ ናብ ንኹላትና ዘማእክል ሓሳብ ከነጻዕዮም ይግበኣና። ቀጻሊ ሕድሕድ ርክባትና፡ በቲ ኣብ ክቢ ጠረጴዛ ዘጥረናዮን ዝተረዳዳእናዮን ዕግበት መሰረት፡ ምሉእ ሓድነት ወይ ፍልልያትካ ዓቂብካ ኣብ ብሓባር ምቅላስ ዘትክል ክኸውን ይኽእል። ናብዚ ንምብጻሕ ዘይተደላይ ግዜ ምብኻን ዘይምረጽኳ እንተኾነ፡ ብመጠንቲ መስርሕ ዝሓቶ ውረድ ደይብ እኹል ግምት ምሃቡ ዘይስገር እዩ። ምኽንያቱ እምብዛ ብታህዋኽ ተሻቢብካ ኣብ ዘይብሱልን ዘይኣሳታፍን ኩነታት በይንኻ፡ “ንሕና ኬድና ኢና፡ ዝሰዓበ ይስዓበና” ምባል ደሓር ዘይሩ ዘይሩ፡ ግዜን ንዋትን ምስ ከሰርካ፡ ናብቲ “ሀ” ኢልካ ዝጀመርካሉ ኩነታት ዝመልስ ስለ ዝኾነ። ካብ ከምዚ ንምድሓን ብዝከኣል መጠን ምሳኻ ክኸይድ ንዝኽእል ሓይሊ ናይ ምስታፍ ሓላፍነት ምውሳድ ኣገዳሲ እዩ። ግቡእ ጻዕርን ጹረትን ከየርኣየ፡ እቲ ሓደ ነቲ ካልእ ጠንጢንዎ ምኻድ ግና ከምቲ “ተመሊስካ እትረዶስ፡ ሓዲካዮ ኣይትእቶ” ዝበሃል፡ ኣማስያኡ ዋጋ ዘኽፍልን ዘይተደላይ ግዜ ዝበልዕን ስለ ዝኾነ። ኣብ ደምብ ተቓውሞና ብሓባር ዘቃልሰና መድረኽ ኣብ ምፍጣር እምብዛ ግዜ ምውሳዱ ግና ክንእመነሉ ዝግበኣና እዩ።
እንምስርቶ ናይ ሓባር መቃለሲ መድረኽ፡ ብኹለ-መዳያዊ ዓቕሚ ናይቶም ዘቖምዎ ኣካላት እዩ ዝምዘን። ናይ ብቑዓት መስረቲ መድረኽ እንተኮይኑ ከም ዝሕይል፡ ናይ ድኹማት እንተኮይኑ ድማ ከም ዝደክም ርዱእ እዩ። ስለዚ ብዛዕባ ኣገዳስነት ናይ ብቑዕ ናይ ሓባር መቃለሲ መድረኽ ክንሓስብ እንከለና፡ ኣብ ውደባታት ናይቶም ብሓባር ክቃለሱ ዝጽዕቱ ሓይልታት ትካላዊ ኣሰራርሓን ቅዋማዊ ጽንዓትን ዘደልደሉ ክኾኑ ይግባእ። ከምዚ ዘይምዃኑ ሓደ ካብ ድኽመታትና ኮይኑ ምጽንሑ ካብ ተመኩሮና ከነስተብህሎ ዝግበኣና እዩ።
ስእሊ ካብ ማሕበራዊ መድያ
ሕሉፍ ዲክታተር ኢሳያስ ኣፈወርቂ፡ ብ9 ለካቲት 2023 ገይርዎ ዘይፈልጥ ምስ ፕረሲደንት ኬንያ፡ ዊልያም ሮቶ ኮይኑ ጋዜጣዊ መግለጺ ክህብ መድረኽ ምስ ተረከበ፡ ኣብ ቅድሚ ጋዜጠኛታትን ወከልቲ ናይ ዝተፈላለያ ዓበይቲ ማዕከናት ዜናን ከም ዝተዋረደ ብዙሓት ነቲ ዝሃቦ መልሲ፡ ክትብሎ ዘሕፍር ሓሳባት ዝተኸታተሉ ርኢቶታቶም ይህብሉ ኣለዉ። እቲ ቅድሚ ናብ ምምላስ ሕቶታት ምእታዉ፡ ብዙሕ ዘህተፍተፈ ኢሳያስ፡ ዘይተጸበዮ ሕቶታት ምስ ቀረቦ ክጻወሮ ከም ዘይከኣለ ካብ ምንቅስቓሳቱ ብንጹር ይረአ ነይሩ።
ካብቲ ሰለስተ ጋዜጠኛታት ማለት ካብ ቢቢሲ፡ ዋሽንግተን ፖስትን ኣሾሾይት ፕረስን ዘቕረባ ናብ ኢሳያስ ዘተኮራ ሕቶታት ክጠቓለላ እንከለዋ፡ “ኣብዚ ርክብኩም ብዛዕባ ምውጻእ ሰራዊት ኤርትራ ካብ ትግራይ ተዘራሪብኩምዶ? እቲ ዛዕባ ኣብ መስርሕ ሰላም ኢትዮጵያ ዘለዎ ግደኸ ከመይ ርኢኹምዎ? ብዛዕባቲ ሰራዊት ኤርትራ ኣብ ትግራይ ፈጺምዎ ዝበሃል ገበናት እንታይ ትብል? ስለምንታይ ኢኹም ንህላወኹም ኣብ ትግራይ ን5 ኣዋርሕ ሓቢእኩሞ ዝነበርኩም? ኣብዚ ውግእ ካብ ሰራዊት ኢርትራ ክንደይ ዝኣክል ሞይቱ ትብሉ? ብዛዕባ ምስግጋር ስልጣንን ምርጫን ኣብ ኤርትራ እንታይ ትሓስብ ወይስ ናይ ዕድመ ልክዕ ኣብ ስልጣን ምቕጻል መደብ እዩ ዘለካ?” ዝብላ ነይረን።
ቅድም ቀዳድም ኢስያስ ወዮ ሕቶ ክምልስ ቀሪቡስ ምሕታት ምስተጀመረ ኣዝዩ ስለ ዝተሰናበደ፡ እዝኑ ከም ዝጸንዖ ኣምሲሉ ብተደጋጋሚ “ይስመዓኒ የለን” ዝብል ምስምስ ከቕርብ ፈቲኑ። ምስኡ ድማ ከምቲ ልማዱ ምስ ናይ “ድምጺ ሓፋሽ፡ ቲቪኤረን ሓዳስ ኤርትራን” ጋዜጠኛታት ዘሎ ግዲ መሲልዎ፡ ከፈራርሕን ክድህልን ዝደለየ እውን ይመስል ነይሩ።
ዘይሩ ዘይሩ ኣብቲ መልሲ ኢሉ ዝሃቦ፡ ኣብ ሕድሕዱ ዘይናበብን ዝተቖራረጸን ሓረጋት “ወኪል ኢትዮጵያ ኣብዚ እንተዝህሉ ባዕሉ መብረሆ፡ ኣብ ጉዳይ ኢትዮጵያ ብኢደ ወነና ክንኣቱ ኣይንደልን፡ ብዛዕባ ምውጻእን ዘይምውጻእን ሰራዊት ካብ ትግራይ ሰለ ዘይምልከተኩም ኣይትተዃትኹና፡ ኣብ ሽግር ኢትዮጵያ ንኤርትራ ከም ምኽንያት ኣይተቕርብዋ፡” ብዝብል ዘሕፍር ኣገባብ፡ ሳላ ብውሕልነት ኬንያዊ ናይ ፕሮተኮል ሓላፊ ሃዲሙ ከይዱ። ነዚ ዝተዓዘቡ ጋዜጠኛታት ክሳብ ክንደይ ከም ዝድንጽዎም ምግማቱ ዘጸግም ኣይኮነን።
ብዛዕባቲ ኣዝዩ ርእሱ ዘዘሮን ዘሰንበዶን ንምርካብ ስልጣንን ምርጫን ከምኡ እውን ንብዝሒ ኣብ ትግራይ ዝሞቱ ኣባላት ሰራዊት ኤርትራ ዝምልከት ሕቶታት ግና ብጩቕ ክበል ኣይከኣለን። በዚ ኣጋጣሚ ኣብዚ ቀረባ ግዜ ጋዜጣዊ መግለጺ ዝሃበ ኣፈኛ ዓለምለኸ ህዝባዊ ምንቅስቓስ ይኣክል ኤርትራ ኣቶ ልኡል ዘውደ፡ ካብ እሙናት ምንጭታትና ዝረኸብናዮ ኢሉ፡ ኣብ ውግእ ትግራይ 35 ሺሕ ኣባላት ሓይልታት ምክልኻል ኤርትራ ከም ዝሞቱን 49 ሺሕ ድማ ከም ዝቖሰሉን ምሕባሩ ዝዝከር እዩ።
እዚ ናይ ናይሮቢ ኣጋጣሚ ኢሳያስ ከምቲ ምስ ዶ/ር ኣብይ ኣሕመድ ዝለመዶ “ኣፍል ልቡ ወቒዑ ከይምለስ፡ ኣብ ዘይጸሮ ኣትዩ ከምቲ “ክረኣያ ክብላስ ይእረያ” ዝበሃል፡ ካብቲ ናይ ኣዲስ ኣበባ ውርደቱ ብዝገደደ ዝተዋረደሉን ጉዳይ ጥዕናኡ ኣብ ምልክት ሕቶ ዝኣተወሉን ኣጋጣሚ እዩ። መራሒ ኬንያ “ምስ መን ድየ ጸሚደ ጸኒሐ” ከም ዝብል ከኣ ፍሉጥ እዩ።
Eritrea: Crackdown on Draft Evaders’ Families
Written by Martin Plaut
|
ኤርትራ ኣብ ናይ 2022 ዝርዝር ሃገራት ብመንጽር ዲሞክራስያዊ መዕቀኒ ካብተን ዳርጋ ዲሞክራስያዊ ኣሰር ዘየብለን ዝተባህላ ናይ መወዳእታ 22 ሃገራት፡ ካብታ መወዳእታ ዘላ ኣፍጋኒስታን ጀሚርካ ኣብ መበል 16 ሰፊራ ከም ዘላ “ግሎባል ስቴት ኦፍ ዲሞክራሲ/Global state of democracy” ዝተባህለ ትካል ሓቢሩ። እቲ ትካል ኣብ ናይ 2022 ዝርዝር መጽናዕቱ ዘእተወን 167 ሃገራት እየን።
ኣርማ ትካል፡ ካብ ማሕበራዊ መዲያ
ኣብቲ መጽናዕቲ ዝቐረቡ መምዘኒ ነጥብታት፡ ናብ 5 ጉጅለታት ዝተጠርነፉ 60 ዛዕባታት እዮም። እቶም ሓሙሽተ ጥርኑፋት መምዘንታት፡ ምርጫን ብዙሕነትን፡ ሲቪላዊ ናጽነት፡ መንግስታዊ ንጥፈታት፡ ፖለቲካዊ ተሳትፎ ህዝብን ፖለቲካዊ ባህልን ምዃኖም እቲ መጽናዕቲ ጠቒሱ። ከምዚ ዓይነት መጽናዕቲ ምክያድ በቲ ትካል ዝተጀመረ ብ2007 ኮይኑ፡ ካብ 2010 ድማ ብስሩዕ ዝወጽእ ዓመታዊ ጸብጻብ ኮይኑ ይቕጽል ኣሎ።
ኣብቲ ንሃገራት ዝወሃብ መዕቀኒ ነጥቢ፡ እቲ ዝለዓለ 8 ወይ ካብኡ ንላዕሊ እዩ። ብመጽር እዚ ምሉእ ዲሞክራሲ የዘውትራ ንዝተባህላ ዝወሃብ ነጥቢ 8 ወይ ካብኡ ንላዕሊ ኮይኑ፡ ኤርትራ 2.03 ካብ 8 ብምርካብ እያ ካብ ጠቕላላ እተን ኣብቲ መጽናዕቲ ዝኣተዋ ሃገራት መበል 152፡ ካብተን ኣብ ዝለዓለ ምልኪ ዘለዋ 22 ሃገራት ድማ መበል 16 ተሰሪዓ ዘላ። ብመንጽር ናይተን ካለኦት ሃገራት ኩነታት ክረአ እንከሎ፡ እዚ ንኤርትራ ዝተዋህበ ነጥብን ደረጃ ዝተጋገነነ እዩ።
ብመሰረት እቲ ጠቕላላ ዝርዝር እተን ዳርጋ ምሉእ ዲሞክራሲ ኣለወን ዝተባህላ 24 ሃገራት ኮይነን፡ ካብኣተን እታ ቀዳመይቲ ነርወይ 9.81 ብምርካብ ኮይና፡ መበል 24 ድማ ደቡብ ኮርያ 8.03 ነጥቢ ብምርካብ እየን። ካብተን ኤርትራ እትርከበን ኣብ ኣዝዩ ሕሱም ምልኪ ዘለዋ 22 ሃገራት ድማ ቀዳመይቲ ኣፍጋኒስታን 0.32 ብምርካብ ኮይና መበል 22 ድማ ሩሲያ 2.28 ነጥብታት ብምርካብ እየን።
እቲ መጽናዕቲ ንኩነታት ዝምድና ሃገራት ምስ ዩክረይንን ሩሲያን ኣብ ግምት ዘእተወ ኮይኑ፡ እተን ኣብ ዝለዕለ ዲሞክራሲ ዝርከባ 24 ሃገራት ካብተን ንዩክረይን ዝድግፋ እየን። እተን ኣብ ሓያል ምልኪ ዝክረከባ ኤርትራ ዘላትን 22 ሃገራት ከኣ ምስ ሩሲያ ዝወገና ምዃነን እቲ መጽናዕቲ ኣርእዩ።
Eritrean Torture Survivors Lose Appeal for Asylum Status in Israel
Written by Martin Plaut
|
More...
Somalia-Eritrea-Ethiopia: how human trafficking brought 200,000 to Libya and slavery
Written by Martin Plaut
|
ኮሚሽነር ላዕለዋይ ኮሚሽን ጉዳይ ስደተኛታት ውድብ ሕቡራት ሃገራት፡ ፍሊፖ ግራንድ ብ7 ለካቲት 2023 ኣብ ኢትዮጵያ ከባቢ ዳባት/ጎንደር ናብ ዝርከብ መደበር ኤርትራውያን ስደተኛታት ኣለምዋጭ ከም ዝበጽሑ ካብ ቢቢሲን ድምጺ ኣሜሪካን ዝተረኽበ ሓበሬታ ኣረዲኡ።
እቶም ኮሚሽነር ድሕሪ ምብጸሖም ኣብ ዝሃብዎ መግለጺ፡ ኣብቲ መደበር፡ ካብተን ኣብ ትግራይ ዝነበራ ብሰንኪ ውግእ ዝፈረሳ ኣርባዕተ መደበራት ዝመጹ 23 ሺሕ ኤርትራውያን ስደተኛታት ከም ዘለዉ ጠቒሶም። ኣብ ኣተሓሕዛ ናይቲ መደበር መንግስቲ ኢትዮጵያን ናይቲ ከባቢ ኣመሓደርትን ምስቲ ኮሚሽን ንዝገብርዎ ምትሕብባር ከም ዘመስገኑ እውን ተሓቢሩ።
ኮሚሽነር ፍሊፖ ግራንድ ምስ ተወከልቲ ናይቶም ስደተኛታት ኣብ ዝገበርዎ ርክብ፡ እቲ መደበር ዘለዎ ጸገም ከም ዝርድኡን ንምፍታሑ እቲ ኮሚሽን ዝከኣሎ ከም ዝገብር ቃል ከም ዝኣተዉሎምን ቢቢሲ ንተለቪዥን ኢትዮጵያ ብምጥቃስ ሓቢሩ። እቶም ኮሚሽነር ናይቶም ስደተኛታት ጸገም ብጽሑፍ ከም ዝበጸሖም ጠቒሶም፡ ነቲ ጸገማት ንምፍታሕ ተወሳኺ በጀት ከም ዘድልን ነዚ ንምምላእ ካብ ግብረ-ሰናይ ትካላት ከም ዝሓቱን ኣረዲኦም።
እቶም ስደተኛታት ብወገኖም እቲ መደበር ብባህሪኡ ንስደተኛታት ከምዘይጥዕም ጠቒሶም፡ ናይ ቀረባት ጸገምን፡ ብሰንኪ ኣብቲ ከባቢ ዕጡቓት ምህላዎምን ናይ ድሕንነት ስግኣት ከምዘጋጥም እዮም ብተደጋጋሚ ክጠቕሱ ዝጸንሑ።
ብኻልእ ወገን ድማ ኮሚሽነር ፍሊፖ ግራንድ ናብ ክተማ መቐለ ተጓዒዞም ናይቶም ብሰንኪ ውግእ ተመዛቢሎም ኣብ መጽለሊ ቦታታት ዘለዉ በጺሖም ኩነታቶም ከም ዝተረድኡ ተሓቢሩ።
ንግዳዊ ባንክ ኢትዮጵያ፡ ጨንፈር መቐለ
መንግስታዊ ንግዳዊ ባንክ ኢትዮጵያ፡ ኣብ ትግራይ ካብ 7 ጥሪ 2023 ጀሚሩ ኣብ 31 ጨናፍሩ ናይቲ ክልል ስሩዕ ኣገልግሎት ክህብ ከም ዝጀመራ ተፈሊጡ። በቲ ዝተዋህበ ሓበሬታ መሰረት እተን ኣገልግሎት ዝህባ ጨናፍር ብተሌኮም፡ ናይ ኢንተርነት መስመር ኣብ ዝተዘርገሓሉ ከባቢ ዝርከባ እየን። ኣብተን ዝተረፋ ጨናፍር ድማ ናይ ኢንተርነት መስመር ኣብ ዝተዘርገሓሉ እዋን ኣገልግሎት ምሃብ ክቕጽል እዩ።
በቲ ሓበሬታ መሰረት፡ እቲ ኣወሃህባ ኣገልግሎት ከምቲ ናይ ካልእ ከባቢታት ኢትዮጵያ ተመሳሳሊ ኮይኑ፡ ተጠቀምቲ ኣብ ሓደ ግዜ ክሳብ 50 ሺሕ ብር ከውጽኡ ከም ዝኽእሉን ብነባር ኮነ ሓድሽ ሕሳብ ማዕረ ከም ዝግልገሉን ተሓቢሩ። እንተኾነ ሓደ ሰብ ናይዚ ኣገልግሎት ተጠቃሚ ክኸውን ዝኽእል ኣብቲ መጀመርያ ሕሳብ ዝኸፈተሉ ጨንፈር ጥራይ እዩ። ካብ ወጻኢ ዝለኣኽ ገንዘብ እውን ከምቲ ልሙድ ኣሰራርሓ ናብ ሕሳብ ናይቲ ተቐባሊ ምስ ኣተወ ኣውጺኡ ክግልገለሉ ይኽእል እዩ።
ንግዳዊ ባንክ ኢትዮጵያ ነዚ ኣገልግሎት ዝህብ ዘሎ፡ ኣብ ዝሓለፈ መዓልታት ተዛተይቲ ፈደራላዊ መንግስቲ ኢትዮጵያን ክልል ትግራይን ምስ ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ዶ/ር ኣብይ ኣሕመድ ተራኺቦም፡ ብዛዕባ ዝተፈላለዩ ጉዳያት ድሕሪ ምምይያጦም፡ ናብ ትግራይ 5 ቢልዮን ብር ንክለኣኽ እሞ ናብ ባንክታት ክከፋፈል ምስተወሰነ እዩ።
ንግዳዊ ባንኪ ኢትዮጵያ፡ ቅድሚ ሕጂ እውን ኣብ ትግራይ ተኸፊቱኳ እንተነበረ፡ ብዘይካ ካብ ወጻኢ ካብ ዝተላእከ ገንዘብ ኣብ ሓደ ግዜ 2,000 ብር ምሃብ፡ ስሩዕ ባንካዊ ኣገልግሎት ክህብ ኣይጸንሐን። ካብዚ ንደሓር መንግስታዊ ንግዳዊ ባንኪ ኢትዮጵያ ጥራይ ዘይኮነ፡ ኩለን ባንክታት ኣብ ትግራይ ኣገልግሎት ክህባ ትጽቢት ኣሎ። ምጅማር ስሩዕ ኣገልግሎት ባንክታት ነቲ ኣብ ትግራይ ዝካየድ ምቕራብ ረዲአት እውን ሓጋዚ እዩ።
ሱዳን ዝተወንዘፈ ናይ ሕብረት ኣፍሪቃ ኣባልነታ ክለዓለላ ትሓትት ኣላ
Written by ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤኮሚተ ሰላምን ጸጥታን ሕብረት ኣፍሪቃ፡ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ብዛዕባ ኩነታት ሱዳን እናዘተየ
ሱዳን ዝተወንዘፈ ናይ ሕብረት ኣፍሪቃ ኣባልነታ ክምለሰላ ከም እትደሊ፡ ናይታ ሃገር ሚኒስተሪ ወጻኢ ጉዳያት ብ5 ለካቲት 2023 ኣብ ዘውጸኦ መግለጺ ሓቢሩ። ሱዳን ኣባልነታ ዝተወንዘፈ፡ ኣብ ወርሒ ጥቅምቲ 2021 ኣብ ልዕሊቲ ብሲቪል ዝምራሕ መሰጋገሪ መንግስቲ ወተሃደራዊ ዕልዋ ብምክያዱ እዩ።
ናይ ሕብረት ኣፍሪቃ ኮሚተ ሰላምን ጸጥታን ኣብ ልዕሊ ሱዳን ናይ ምውንዛፍ ስጉምቲ ዝወሰደ ድሕሪቲ ብመሪሕነት ጀነራል ዓብደል ፈታሕ ኣልቡርሃን፡ ድሕሪ ምውጋድ መንግስቲ ፕረሲደንት ዑመር ኣልበሽር ንካለኣይ ግዜ ዝተኻየደ ዕልዋ መንግስቲ እዩ። እቲ ናይ ሱዳን ካብ ንጥፈታት ሕብረት ኣፍሪቃ ምውንዛፍ፡ ክሳብ ኣብታ ሃገር ሲቪላዊ መንግስቲ ዝምስረት ዝቕጽል ምንባሩ እቲ ሕብረት ክገልጾ ዝጸንሐ እዩ።
ዋላኳ ኣብ ሱዳን እቲ ወተሃደራዊ ምምሕዳር ቀጻሊ እንተሎ፡ እቲ መንግስቲ ካብ ዝሓለፈ ወርሒ ጥቅምቲ 2022 ጀሚሩ፡ ኢብራሂም ጃብር ንዝተባህሉ ኣባል መሪሕነቱ ናብተን ኣባል ኮሚተ ሰላምን ጸጥታን ሕብረት ኣፍሪቃ ዝኾና ሃገራት ኣዋፊሩ፡ ኣባልነት ሱዳን ናብ ንቡር ንክምለስ ከረድኡ ክንቀሳቐሱ ከም ዝጸንሑ እቲ ዜና ሓቢሩ።
ካብ ናይ ሱዳን ወጻኢ ጉዳያት ሚኒስትሪ፡ ደፍዓላ ኣልሓጅ ብወገኖም፡ ኣብዚ ቅንያት፡ ኣዲስ ኣበባ ኣብ ዝርከብ ቤት ጽሕፈት ሕብረት ኣፍሪቃ፡ ምስ ኣባላት ኮሚተ ሰላምን ጸጥታን ናይቲ ሕብረት ብዛዕባ ሱዳን ካብ ምውንዛፍ ንጥፈታታ እትወጸሉ ክዝትዩ ከም ዝቐነዩ ተፈሊጡ’ሎ።