ካልኣይ ዓመታዊ ኣኼባ መንእሰያት ሰዲህኤ፡ ኣብ ሊምቡርግ ብዓወት ተዛዚሙ

2014-08-26 15:18:57 Written by  EPDP Information Office Published in Youth Corner Read 104623 times

ኣብ ከተማ ሊምቡርግ፡ ጀርመን፡ ንሰለስተ መዓልታት ክካየድ ዝጸንሐ ካልኣይ ዓመታዊ ኣኼባ መንእሰያት ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ (ሰዲህኤ) ሎሚ ዕለት 27 ግንቦት ውን ካብ ሰዓት 10፡00 ቅድሚ ቀትሪ ክሳብ ሰዓት 3 ድሕሪ ቀትሪ ቀጺሉ ውዒሉ።

ኣኼበኛታት፡ ኣብ ውሽጢ ሰልፊ ዝርከቡ መንእሰያት፡ ናይ ገዛእ ርእሶም ምትእስሳር ክህልዎም ወሲኖም። ነዚ ኣብ ግብሪ ንምውዓል ከኣ፡ ወከልቲ ናይ ምትእስሳር ኣብ ጀርመን ኣውስትርያን መሪጾም።

ከምኡ ውን፡ መንእሰያት ሰልፊ ሰዲህኤ፡ ምስ ኵሎም ኤርትራውያን መንእሰያት ዝምድናታቶም ከደልድሉ ኣገዳስነቱ ዕዙዝ ምዃኑ ኣስሚሮምሉ።

ዶክተር ኣክሊሉ ግርማይን ወይ ፈቨን ግዴዎንን ዝርከብዎ ልኡኽ፡ ኣብ ከለን ዑደት ከካይድ ምዃኑ ተፈሊጡ ኣሎ። እዚ ብጀርመን ዝጅምር ዘሎ ዑደት ንካልኦት ሃገራት ኣውሮጳ ውን ዝዓምም ክኸውን ምዃኑ ዝመጸና ሓበሬታ ወሲኹ ኣብሪሁ።

ኣኼባ፡ ነቲ ኤርትራውያን መንእሰያት ኣብ መላእ ዓለም ዘካይድዎ ዘሎ ኣንጻር ዲክታቶርያዊ ስርዓት ኤርትራ ዘቕንዐ ሰላማዊ ሰልፍታት ክብ ዝበለ መጐሱ ገሊጹ።

Y

ኣኼባ መንእሰያት ሰዲህኤ ኣብ ናይ ትማልን ቅድሚ ትማልን ውዕሎኡ፡ ንመበል 21 መዓልቲ ናጽነት ከምዝጸንበለን፡ ሃለዋት መንእሰያት ኤርትራን መንእሰያት ሰዲህኤ ከመይ ከምዝመስል ከምዝገምገመን፡ ብዛዕባ ንጥፈታት ሰዲህኤ ኣብ ዝሓለፉ 10 ኣዋርሕ ከምዝተመያየጠን ተሓቢሩ ምንባሩ ዝዝከር ኢዩ።

 

Last modified on Monday, 08 September 2014 14:05