ቱርኪ ነቲ ኣንጻር ኩርዳውያን ንእትወስዶ ዘላ ወተሃደራዊ መጥቃዕቲ ደው ከተብሎ፡ ኣሜሪካ ጸቕጢ ክትገብር ጻውዒት ይቀረብ ኣሎ።
ጸሓፊ ምኒስትሪ ምክልኻል ኣሜሪካ ማርከ ኣስፐር፡ ቱርኪ ኣብ ልዕሊ ኩርዳውያን እትወስዶ ዘላ ወደሃደራዊ መጥቃዕቲ "ሓደገና ሳዕቤን ከስዕበላ" ምዃኑ ሓቢሩ።
ጸሓፊ ተሓዝ ገንዘብ ኣሜሪካ ስቲቨን ሙኒቺን'ውን ብወገኑ፡ ኣብ ልዕሊ ቱርኪ ሓዲሽ እገዳ ክንበር ከም ዝኽእል ኣተንቢሁ።
ሰራዊት ቱርኪ፡ ፕረዚደንት ኣሜሪካ ዶናልድ ትራምፕ፡ ሰራዊት ኣሜሪካ ካብቲ ዓሪዶምሉ ዘለው ቦታ ክወጽኡ ድሕሪ ምእዛዙ'ዩ እቲ ወግእ ተወሊዑ።
ፕረዚደንት ኣሜሪካ ዶናልድ ትራምፕ፡ ኣብ መንጎ ቱርክን ኩርዳውያንን ሰለማዊ ዘተ ክካየድ ጸዊዑ'ሎ።
እንተኾነ ፕረዚደንት ቱርኪ ጣይብ ኦርዶጋን፡ እቲ ወደሃደራዊ ስጉምቲ ክቕጽል ምኳኑ ሓቢሩ። ኩርዳውያን ብወገኖም፡ እቲ ብኣሜሪካ ዝተወስደ ውሳነ ምስሓብ ሰራዊት ኣሜሪካ ''ከም ጥልመት'' ከምዝርእይዎ ገሊጾም።
ኩርዳውያን ሓይልታት፡ ንዝሓለፈ ኣርባዕተ ዓመታት ኣብ ሶርያ ኣብ ጐኒ ኣመሪካ ብምስላፍ ኣንጻር ዕጡቕ ጉጅለ ዳዕሽ ክዋግኡ ከምዝጸንሑ ይፍለጥ።
እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ፡ ኣብ ኮባነ ዝብሃል ቦታ ዓስኪሩ ዘሎ ሓይልታት ኣሜሪካ፡ ዓርቢ ምሸት ካብ መዳፍዕ ቱርኪ መጥቃዕቲ ከም ዝወረዶ ወሃብ ቃል ፐንታጎን ገሊጹ። በቲ ዝወረደ መጥቃዕቲ ግን ዝወረደ ጉድኣት የለን።
ብመሰረት ጸብጻብ ውድብ ሕቡራት ሃገራት፡ ኣስታት ሓደ-ሚእቲ-ሽሕ ሰላማውያን ሰባት ካብቲ ኲናት ዝካየደሉ ዘሎ ከባቢታት ሰሜናዊ ሶርያ ከም ዝተፈናቐሉ ገሊጹ።
እቲ ብሮቡዕ፡ ብሰራዊት ቱርኪ ኣንጻር ኩርዳውያን ሓይልታት ዝተፈነወ ወታሃደራዊ ስርሒታት ይቕጽል ከምዘሎ ጸብጻባት እቲ ውድብ ጠቒሱ።
ዛጊት፡ 11 ሰላማውያን ሰባትን ብዓሰርተታት ዝቑጸሩ ዕጡቓትን ተቐቲሎም ኣለዉ።
ፕረዚደንት ቱርኪ ጣይብ ኦርዶጋን ከም ዝሓበሮ፡ እቲ ወተሃደራዊ ስርሒት ንኩርዳውያን ሓይልታት ኣውጺእካ ''ውሑስ ዞባ'' ንምፍጣር ዝዓለመ እዩ ክብል ይገልጽ።
ንዓለምለኻዊ ማሕበረሰብ ኣሻቂሉ ዘሎ ግና፡ ሃለዋት እቶም ብሓይልታት ኩርዲ ተማሪኾም ኣብ ሰሜናዊ ክፋል ሶርያ ተሓዪሮም ዝርከቡ ኣባላት ዳዕሽን ብኣሽሓት ዝቑጸሩ ወጻእተኛታት ዕጨኦም እንታይ ክኸውን'ዩ ዝብል እዩ።
እቲ ብኩርዳውያን ተቓለስቲ ዝቘመ ዴሞክራስያውያን ሓይልታት ሶርያ፡ ካብ ኣጋር ሰራዊት ቱርክን ደብዳብ ነፈርትን ሓያል መጥቃዕቲ ይገጥሞ ከምዘሎ መዕከናት ዜና ዓለም ይሕብራ።
ክሳብ ሕጂ፤ ብዓሰርተታት ዝቑጸሩ ኩርዳውያን ሓይልታትን ብቱርኪ ዝደገፉ ዕጡቃትን ክሞቱ እንከለው፡ ሓደ ወተሃደር ቱርኪ ከምዝሞተን፡ ሰለስተ ካልኦት ከም ዝቆሰሉን ሰራዊት ቱርኪ ሓቢሩ።
በቲ ዝካየድ ዘሎ ውግእ፡ ብዓሰርተታት ኣሸሓት ዝቑጸሩ ሰለማውያን ሰባት ገዛውቶም ራሕሪሖም ይሃድሙ ከምዘሎው ጸብጻባት ውድብ ሕቡራት ሃገራት ይገልጹ።
ህዝቢ ኤርትራ ካብቲ ቅድሚ ኣማእት ዓመታት ዝነበሮ ሃለዋት፥ ሎሚ ኣብታ ኣፎይ ኢሉ ኣስተርሕዩ ክነብረላ ዝነበሮ ግዜ ናጽነት፡ ኣብ ኣዚዩ ዝኸፍአን፥ ዝመረርን ኩነት እዩ ዝርከብ ዘሎ። ኣብቲ ቀደምሲ እቲ ባዕዳዊ መግዛእቲ ንህዝቢ ከብሳብስን፥ ኣርዒዱ ጂሆ ክሕዝን እትጽበዮ እዩ ነይሩ። ካብ መግዛእቲ እትጽበዮ መስተርሆት ስለ ዘየለ። ስለምንታይ ደኣ እዩ ህዝቢ ኤርትራ ሎሚ ብደቁ ክመሓደር ኣብ ዝጀመረሉ ካብቲ ናይ ግዜ ባዕዲ ዝኸፍአ ጭቆናን ተራእዩን ተሰሚዑን ዘይፈልጥ ሕማቕ ምሕዳራን ዝሳቐ ዘሎ? ነፍሲ ውከፍ ኤርትራዊ ነዛ ሕቶ እዚኣ ክምልስ ክበቅዕ ኣለዎ። ድሕሪዚ እቲ መፍትሒ እንታይ ክኸውን ከምዝለዎ ክሓስበሉ ይግባእ።
ኤርትራ ሃገርና ደጊም ኣብ ጉዳይ ሓንቲ ዝተረፋ የብላን። ህዝቢ ብገዛእ ገንዘቡ ብቁንጣሮ ክስለዓሉ ካብ ዝተገብረ፡ ህዝቢ ጠምዩ ዘዕንግሎ ካብ ሰኣነ፥ ሓሚሙ ዝሕከመሉ ሃዋህው ካብ ዘየለ፡ እንታይ ተሪፍዎ ደኣ ክንብል ንኽእል። እታ ሃገር ብቑጠባ ከይትብልጽግ ኣብቲ ድሕሪ 1952 ዝነበረቶ ኣዝየኡ ዝደሓረ ምንቁልቋል እያ ትርከብ ዘላ። ካብ ኩሉ ዝኸፍአ ድማ ፥ እታ ራኢ ናይ ህዝብናን ሃገርናን ኣብ ኢድ እቲ ተካኢ ወለዶ ክንሳ፡ እግሪ ዝተኸለ ዘበለ ናብ ስድት የምርሕ ኣሎ። እዚ ከኣ ነታ ሃገር ደው ዘብላ ዓንዲ ይፈርስ ምህላው ዘመስክር እዩ። ሃገር ብዘይ መንእሰያት ማለት ዘራእቲ ተሓሪሱ እቶት ዘይብሉ ቀውዒ ከም ማለት እዩ። እቲ ተካኢ ወለዶ ንርእሱን ነታ ሃገርን ህዝባን ናብ ዝሓሸ ከሰጋግር ዝኽእል ሓይልን ጉልበትን ዝውንን እዩ።
እዚ ማለት ግን መንእሰይ ነቶም ቅድሚኡ ዝነበሩ ዋጋ ከምዘይብሎም ገይሩ ዝርዳእን ከቆናጽብን ማለት ኣይኮነን። እንታይ ደኣ እቲ ተካእቲ ወለዶ፡ ነቲ ሓላፍነት ካብ ቅድሚኡ ዝነበሩ ክቕበልን ሓላፍነት ክወስድን ክጽዕሩ ይግበኦ። እዚ ተካኢ ወለዶ ዝበሃል ዘሎ በቲ ንሱ ዘርከበሉ መድረኽ ናይ ምህዞን ምርምርን ኣቢሉ ነቲ በቶም ቅድሚኡ ዝነበሩ ዝተሰርሐ ታሪኽ ክመዝንን ክፈርድን እንተኮይኑ ግን ነፍሲ ወከፍ ነናቱ መድረኽ ከምዘለዎ ዘይምፍላጥ እዩ። መንእሰይ ወለዶ ንሃገሩን ህዝቡን ጠንጢኑ ንስደት ሃጽ ክብል ከሎ፥ ንሃገሩን ህዝቡን ንሓዋሩ ክርስዕ ኣይግበኦን። ዋላ እውን እቲ ቅድሚኡ ዝነበረ ጉድለታትን ኣሉታታን እንተሃለወ፡ ብኡ ኣመሳሚሱ ኣብ ክንዲ ነታ ናቱ ራህዋ፡ ረብሓን ቅሳነትን መጻኢ ዕድሉ ዝሃንጸላ ሃገር ንኽምስርት ብምሕሳብን ክቅላስን እዩ ዝግባእ። ወያ ሃገር ኣናተዳኸመት ትኸይድ ከምዘላ እናረኣየ፥ ካብቲ ድኽመት እቲ ከውጽኣ ኣብ ክንዲ ምጽዓር ምስቶም ቀዳሞት ኣያታቱ ጥራይ ክቆራቘስ እንተኾይኑ ግን መፍቶ እቲ መላኺ ስርዓትን ጥራይ እዩ ክኽውን።
ሎሚ ሃገርና ኤርትራ ናተይ እትብሎም ብጉልባብ ግዳማውን ዞባውን ዛዕባታት ነቐዝ ኮይኖማ፡ ዝደኸመት ሃገር ንኽትክውን ፍሕሶታትን ሸርሕታትን ይመሃዛ ከምዘሎ ክርደኣና ይግባእ። መጀመርያ እቲ ንህዝቢ ኤርትራ ዝገዝእ ዘሎ ስማዊ ስርዓት፡ እንታይ ተልእኾ ከምዘለዎ’ኳ እንተዘይፈለጥናዮ፥ ግን ድማ እቲ ምልክታት ንህዝቢ ኤርትራ ኣድኪኻ፥ እታ ሃገር ኣብ መዳያት ቁጠባውን ማሕበራውን ከምዘይትምዕብል ይገብራ ከምዘሎ ዝሕብር ወስታታት ንዕዘብ ኣለና።
እቲ ኣብ ኣስመራ ዘሎ ስርዓት በቲ ባዕሉ ዝወለዖ ኲናት ፍርቂ መሬት ኤርትራ ኣብ ትሕቲ መንግስቲ ኢትዮጵያ ከምዝኣቱ ገይሩ፥ ህዝብና ሓሪሱ ከይዕንገል ዝፈጠሮ ሓደ ውዲት እዩ። እቲ ካልኣይ ውዲት ድማ፥ ዋላ’ኳ መንግስቲ ኢትዮጵያ ነቲ ዶብ ንኸይሕንጸጽ ጅሆ እንተሓዘቶ፥ ኣብ ክንዲ እቲ ቀያድን ናይ መወዳእታን ብይን ዶብ ክትግበር ኣለዎ ኢሉ ዝንቀሳቐስ፡ ኪኖ ዶብ ክንጥምት ኣሎና ብዝብል ሸፈጥ ተፈላሲፉልና። ካብዚ ዝገደደ ድማ ንኣብይ ኣሕመድ ወኪለካ ኣሎኹ ንዝበሎ ድማ፥ ትማሊ ኣብ ናይ ፓርክ ምረቓ ኣብ ክንዳይ ኰንካ ክትዛረብ ወኪለካ ኣለኹ ኢሉ ምድጋሙ እዛ ኤርትራስ እንታይ ደኣ ተሪፍዋዶ ኣየብልን።
መንእሰይ ዓዱ ጠንጢኑ ካብ ወጸ፥ ኤርትራ ብቑጠባ መሬት ካብ ዘበጠት፥ እቲ ተካኢ ወለዶ ድማ ምስ ቅድሚኡ ዝነበሩ ወለዱ ክነሓናሕን ክጻረፍን ኢትዮጵያ ድማ ብቑጠባን ብዓለም ለኻዊ ዲፕሎማሲያዊ ርኽክባታን ኣማዕቢላ ጸላዊት ሃገር ንኽትከውን ትጽዕር ኣላ። ስለዚ መጻኢ ዕድል ኤርትራ እንታይ ኮነ ክኸውን እዩ? እቲ ባድመ ናብ ኤርትራ ክትምለስ ብዓለም ለኻዊ ቤት ፍርዲ ዝተፈርደን፡ ዝምልከት ዶብ ንምሕንጻጽ’ውን ቅሩበንት ካብዘይሃለወን፥ ቀስ ብቐስ ጉዳይ ዶብ ክርሳዕ ደኣ እንታይ ተሪፍዎ።
ኣብ ሓደ ሕብረተ-ሰብ ከም ህዝቢ ኩሉ ግዜ ዝነብር ስለዘየለ፡ እቲ ዝተወልደ ይዓቢ ይኣርግ ይመውት እዚ ዝነበረን ዘሎን እዩ።
ኣብ ኤርትራን ህዝቢ ኤርትራን ከም ኣብነት እንተወሲድና ብፍላይ ምስ ምምጻእ ግዝኣት ኢንግሊዝ ኣብ 1941 ድሕሪ ስዕረት መግዛእቲ ጥልያን፡ ነቲ ዝነበረ ወለዶ ናብ ቃልሲ ኤርትራዊ ሃገራውነት ዝዛዘወን ዘበገሰን ነይሩ። ነቲ ድሕሪ 20 ዓመት ዝተወለዐ ሰውራ ኤርትራ መንጸፍ እውን ንሱ እዩ ነይሩ። እቲ ንመግዛእቲ እንግሊዝን ምምሕዳር ፈደረሽን ዝተቓለሰ ወለዶ እውን ብሓቒ ዓቢ ኣስተዋጽኦ ዝገበረ ምንባሩ ዝዝንጋዕ ኣይመስለንን።
ሓደ ወለዶ ነቲ ዝተረከቦን ዝጸንሖን ኩነታ ክቕይር እዩ ዝደሊ። እዚ ነቲ ንሱ ከም ተካኢ ወለዶ ዘልዕሎ ሓሳብን ዘጓንፎ ዕንቕፋታትን ንምእላይ ዝገብሮ ኣብ ሚዛን ብምእታው እዩ ዝትግበር እንተተባህለ ካብ ሓቒ ዝረሓቐ ኣይኮነን።
ኣብ ሰውራ ኤርትራ ምልስ እንተ ኢልና ናይ ገድሊ ወለዶ ዝብሎ ሓደ ካብ'ቲ ቐንዲ ዝጠመቶ ክእርሞ ዝተበገሰ ነቲ ኣብ ግዜ ፈደረሽን “እወ ሕብረት ምስ ኢትዮጵያ” ንዝብል ኣደራዕ ከም መበገሲኡ ኢዩ ወሲድዎ። ብእኡ መሰረት ከኣ እቲ ናይ ትማሊ ወለዶ ኤርትራ ከም ሃገር ክትከውን ዝኸፈልና ንኽፈል ባዕዲ ከልግስ ዘለዎ እዩ ኢሉ።
ድሕሪ ነዊሕ ጉዕዞ ናይ 30 ዓመት ብረታዊ ቓልሲ እቲ ዝተደልየ ማለት ንኤርትራ ነጻን ልዕላዊትን ሃገር ናይ ምግባር መስርሕ ተደምዲሙ። ጎድኒ ጎድኒ ናይ እቲ ቐዳማይ ዕላማ ኣብ'ታ እትፍጠር ኤርትራ ህዝቢ ኤርትራ ሓራ ንኽኸውን እዩ ነይሩ። እዚ ድማ እቲ ዝቕበል ወይ ተካኢ ወለዶ ዝቕጽሎ መስርሕ እዩ ነይሩ።
ሎሚ ካብ ምልኪ ናብ ዲሞክራሲ እንኸዶ ዘለና መንገዲ ንበይኑ ሓደ ወለዶ ጥራይ ዘካይዶ ቓልሲ ኣይኮነን። ብከምኡ ክኸይድ ኣይክእልን እዩ። ምኽንያቱ ብባህሪቲ ቃልሲ ወለዶታት እናተሓጋገዙን እናተማሃሃሩን ነቲ ዘጋጥም ኩነታት ስለ ዝምክትዎ። ኣብዛ ዘለናያ ኩነታት እንተጠሚትና እቲ ዝጐበዘን ዝሸምገለን ዝኣረገን ማለት እቲ መንእሰይን እቲ ዝዓቢ ዘሎን እናተጸላለዉ እዮም ዝጐዓዙ።
እንበኣር ሎሚ “ይኣክል” እንብሎ ዘለና፡ ናይ ሓደ ወለዶ ዕማም እዩ ወይ ንሓደ ወለዶ ጥራሕ ዝምልከት እዩ ምባል ዝዓበየ ጌጋ ምዃኑ ምግንዛብ የድሊ። ኣብ ደንበ ተቓውሞ ነዚ ብሂል ዝደግሙ ስለዘለዉ ብህድኣት ምክታዕን ምምይያጥን የድልየና ኣሎ። ንሱ እዩ ድማ ነቲ ዘፈላልየና “ይኣክል” እንብለሉ።
ልክዕ እዩ ከም ሓደ ኣባል ናይቶም ናይ ገድሊ ወለዶ፡ እቲ ንዓና ዝትክእ ወለዶ ነቲ ግድነት ኮይንዎ ዝቕበሎ ሓላፍነትን ሕድርን ተሰኪሙን ነቲ ቕድሚኡ ዝነበረ ተመክሮ ቀሲሙን ነቲ ሓላፍነት ክስከሞ፥ እንተዘይከኣለ ድማ እቲ ዝስዕቦ መንእሰይ ወለዶ ክትክኦ ምዃኑ ከይዘንጋዕኩ፡ እቲ ነቲ መንእሰይ፡ “ምስ እዞም ዓበይትን ኣረግቶትን ኣይትኺድ” ዝብል ርእይቶታት ቅቡል ኮይኑ ኣይረኣየንን። ሓደ ክዝንጋዕ ዘይብሉ ሓቂ ድማ ንሕና እቶም ናይ ገድሊ ወለዶ ኢና ኣብ'ዚ ሕማቕ ኩነታት ኣውዲቕናዮ ዘለና ነዚ መንእሰይ። ስርዓት ኢሰያስ ብዓብይኡ ኮይኑ ንሓና እውን እጃም ኣለና። ካብ ምልኪ ናብ ዲሞክራሲ ኣብ ዝግበር መስርሕ እምበኣር፡ ንሕና እቶም ናይ ትማል ወለዶ ነታ “ምልኪ ምልጋስ” እትብል እንተረኣናያ ጽቡቕ እዩ። እታ ናብ ድሞክራሲ ምሰጋገር ዘረጋግጻ ግን እቲ ተካኢ ወለዶ ምዃኑ ይኣመን።
ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ታሪኹ ንመጀመርታ፡ ናጻ ሃገር ዝወነነ፡ ባዕዳዊ መግዝእቲ ኤትዮጵያ ካብ ሃገሩ ምስ ሰጎገ ኢዩ። ቅድሚኡ ብዝተፈላለዩ ገዛእቲ ወይ ብሙሉኡ ወይ ብከፊል እናተገዝአ ዝነበረ ህዝቢ ኢዩ። ኣብ ታሪኽ ንመጀመርታ ግዜ፡ ሙሉእ ኤርትራ ሓደ ማእከላይ መንግስቲ መስሪቱ ክገዝእ ዝኸኣለ መንግስቲ ኢጣልያ ጥራይ ኢዩ ነይሩ። ካብዚ እዋን'ዚ ንደሓር ኢያ ድማ ኤርትራ፡ ከምተን ካልኦት ሃገራት፡ ከም ውጽኢት ኮሎኒያልዝም ሃገር ክትከውን ዝኽኣለት፡፡
ህዝቢ ኤርትራ፡ ቅድሚ ምምጻእ ገዛእቲ ከከም ባህሉን ቦታኡን ብሕግታቱ ዝመሓደር ዝነበረ ህዝቢ ኢዩ። ገዛእቲ ግን፡ መለለይ መንነቱ ክድምስስዎ ስለዝነበሮም፡ ከዘውትሮን ከማዕብሎን ኣይገበርዎን። ኣብ ትሕቲ መግዛእታዊ ምምሕዳር፡ ህዝቢ ኤርትራ ተቖሪኑ፡ ተመሪሑ ክኸይድ'ምበር ርእሱ ከመሓድር ኣይተፈቕደሉን። ስለዚ ባዕዳውያን ካብቲ ቀንዲ ዝቐተልዎ ትሕዝቶ ሃገር፡ ህዝብና ዝነበሮ ናይ ምምሕዳር ክእለትን ባህልን ኢዩ ኔሩ። ባዕዳውያን ንዝገዝእዎ ህዝቢ፡ ርእሱ ኣድኒኑ ክነብር፡ ዝበልዎ ጥራይ ዝፍጽም ክኸውን ካብቲ ኣውራ ዝሰርሑሉ ጉዳይ ኢዩ። ህዝብና ፋሽስቲ ጣልያን ኣብ ዝወልዖ ኩናት፡ ናይ እቶን ሓዊ ክኸውን ተቐሲቡ ተወሲዱ ግዳይ ሞትን ህልቀትን ኮይኑ ኢዩ። መግዝእቲ ኢትይጵያ ድማ፡ መለለይ መንነት ህዝብና ንዝነበረ ምዕቡል ባህልን ስልጡን ምሕደራን ንክድምሰስ ዝከኣሎ ገይሩ ኢዩ።
ኤርትራ ነጻ ምስ ኮነት፡ እቲ ባዕዳውያን ሒዘሞ ዝነበሩ ስርዓተ ምሕደራ፡ ኣብ ኢድ ደቁ ምስ ኣተወ፡ ብርግጽ ህዝቢ ኤርትራ ብባዕዳውያን ዝተነፍጎ ርእሱ ናይ ምምራሕ መሰላት ክረኽቦ ሙሉእ እምነት ኢዩ ኔርዎ። ተልእኾን መብጽዓን፡ ናይቶም ናጽነት ሒዞምሉ ዝመጹ ደቁ ውን ከምኡ ኢዩ ነይሩ። ህዝባዊ መንግስቲ ከነቕዉም ኢና፡ ህዝብና ዝርብሓሉ ስርዓተ-ምሕደራ ክንተከል ኢና ኢዩ ዝበሃል ነይሩ። ኣብ መንጎ ህዝብን ተጋደልትን፡ እዚ ሓድ-ሕድ ምትእምማን ስለዝነበረ ኢዩ ውን፡ ህዝቢ ነቲ ነጻነታዊ ተጋድሎ ብምሉእ ዓቕሙ ዝተቓለሰሉ።
ንህዝባዊ ግምባር፡ ብፍላይ ኣብቲ ዳሕረዋይ ናይ ቃልሲ መድረኽ፡ ህዝቢ መሪሑ ጉዕዞ ሃገራዊ ናጽነት ምዝዛሙ ክብሪ ኣውሂብዎ ኢዩ። ነዚ ካብ ቅኑዕ ሚዛን ዝነቐለ ኣኽብሮት ናይ ህዝቢ ግን መራሒ መንግስቲ ኤርትራ መዝሚዝዎ። ንግደ ህዝቢ ኣብ ቃልሲ ከናኣእሶ ድማ ተራእዩ። ዲክታቶር ኢሰያስ ከይሓፈረ ነዚ ክብል ተሰሚዑ "ንቀልዓለም ክንብል እንተዘይኮኑ፡ ነዚ ሃገር ናጻ ዝገበሮ በይኑ ህዝባዊ ግምባር ኢዩ" ብምባል ንተሳትፎ መላእ ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ዝነበረ ቃልሲ ኣቆናጺቡ።
ግዚያዊ መንግስቲ ኤርትራ ድሕሪ ምርግጋጽ ናጽነት ክቐውም ከሎ፡ እቲ ንመጀመሪያ ዝተሃርመ ውሳኔ፡ ናይ ህዝባዊ ግንባር ካልኣይ ውድባዊ ጉባኤ ውሳኔታት ኢዩ። ኤርትራ ብኣብዝሓ ሰልፋዊ ስርዓት ዝመሓደር መንግስቲ ክህልዋ ዝተውሰነ ኢዩ ነይሩ። ነዚ ውሳነ'ዚ ቀንዲ ከኽብርዎን ክሕለቕሉን ዝነበሮም ማእከላይ ሽማግለ ህዝባዊ ግምባርን ላዕለዎት ሓለፍቲ ውድብን ኢዮም ነይሮም። ነቲ ዲክታቶር ኢሰያስ ኣብ 20 ሰነ 1991 "ካብ ሎሚ ንደሓር ናይ ውድባት ሓሸውየ የለን" ዝበሎ፡ ንመትከል ምምስራት ኣብዝሓ ሰልፋዊ ስርዓት ዝጻረር ኣባሃህላ ክቃወሙስ ይትረፍ ክነቕፍዎ ውን ኣይከኣሉን። እዚ ዘመልክቶ ድማ፡ ሃገር ምስ ሓዙ ክሳብ ክንደይ ሓላፍነቶም ፍጹም ከም ዝደርበዩ ኢዩ። ንኢሰያስ ሃገር ድላዩ ክገብራ ዘይተመልእ ቸክ ከምዘረከብዎ ኢዩ ድማ ዝቑጸር።
ንዲክታቶር ኢሰያስ፡ ንሰበ-ስልጣናቱን፡ መሳርሕቱን ብናይ ንዕቀት መንገዲ ክሕዞም ዝገበሮ ባዕሎም እቶም ሰበ-ስልጣናት ኢዮም። እቶም ክሳብ ሕጂ ምስኡ ዘለዉ ላዕለዎት ሓለፍቲ፡ ትካላት ክፍርስ፡ ሓባራዊ ውሳኔታት ክጥሕስ፡ መሳርሕቱ ክኣስር ትም ኢሎም ክርእይዎ እንተኾይኖም፡ ነዚ ኣሰራርሓ'ዚ ከም ንቡር ኣመራርሓ ሃገር ክኸውን ምፍቃዶም ኢዩ ዘመልክት።
በዚ ከኣ፡ ዉልቀ-መላኺ ኢሰያስ እቲ ናይ መጀመርያ ንዕቀቱ፡ ኣብ ልዕሊ ሰበ-ስልጣናቱን መሳርሕቱን ኢዩ ጀሚርዎን ኣዘውቲርዎን። ሰበ-ስልጣናት ኤርትራ፡ ዉልቀ-መላኺ ኢሰያስ ብዘይ ሓጋውን ትካላውን ኣገባብ ክሰርሕ፡ ከም ልሙድ ኣሰራርሓ ተቐቢለሞ ኢዮም። እቲ ንዕኦም ዘይንቡር ዝኸውን፡ ሕጋዊ ትካላዊ ጠባይ ዘለዎ ኣሰራርሕ ክረአ ከሎ ኢዩ። ብምግራም ኢዮም ድማ፡ "ወዲ ኣፈወርቂ ድኣ እንታይ ሓሲቡ ኢዩ" ብማለት ነታ ሕጋዊት ኣሰራርሓ ይፈርሕዋን ይጠራጠሩላን። እዚ ድማ ክሳብ ክንደይ ስልጣኖም ኣሕሊፎም ከምዝሃቡን፡ ብክንድኡ ድማ ኢሰያስ ኣብ ልዕሊኦም ንዕቀት ከምዘለዎን ዘገምት ኢዩ። ክሳብ ብጽፍዒት ዝልእኮም ሰብ-ስልጣናት ከምዘለዉ ተደጋጊሙ ዝንገር ኢዩ።
ውልቀ-መላኺ ኢሰያስ ንሰበ-ስልጣናቱን መሳርሕቱን ብክንድዚ ካብ ነዓቐ፡ ንታሕተዎት ኣካላትን ሓመደርቲ ሓፋሽ ህዝብን ክሰምዕን ከኽብርን ከመይ ኣቢልካ ትጽቢት ክግበረሉ። እቶም ለውጢ ክድግፉ ይኽእሉ ኢዮም ዝበሃሉ፡ ሰበ-ስልጣናትን ላዕለዎት ሓለፍትን መንግስትን ሰራዊትን ኤርትራ ድንን ኢሎም ምኻድ ነቲ ለውጢ ብዓቢ ጎዲእዎ ከምዘሎ ሓቂ ነገር ኢዩ። ነቲ ናይ ኢሰያስ ኣመራርሓ ኣሚኖምሉ ይኸዱ ከምዘየለው፡ ከናፍሮም ክረማጥጡን "ምስ መን ኮንካ'ሞ ክግበር"፡ "ከምዚ ኢልካ ክንበር ኣይክእልን ኢዩ" ክብሉ ይስምዑ ኢዮም።
ህዝብና ሰማዕን ኣማንን ኢዩ። በቲ ካልእ ሸነኽ ውን፡ ኣብ ትሕቲ ነዊሕ መግዛእቲ ዝጸንሐ፡ ርእሱ ናይ ምምሕዳር ርእሰ-ተኣማንነት ገና ዘየጥረየ ህዝቢ ኢዩ ኮይኑ ጸኒሑ። ስለዚ ከኣ ኣብ መራሕቱ ክህልዎ ዝኽእል እምነት ዓቢ ክኽውን ከምዝኽእል ስነ-መጎታዊ ኢዩ። እንተኾነ ግን፡ ውልቀ-መላኺ ኢስያስ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ብዝገብሮ ዘሎ ተደጋጋሚ በደልን፡ ናብራ ህዝቢ ከማሓይሽ ብዘይምኽኣሉን ከም መራሒ ተጸሊኡ ኢዩ። ኣብ ልዕሊ'ቶም ካለኦት ሰብ-ስልጣናት ዘለዎ ጽልኢ ግን ብክንዲቲ ኣብ ልዕሊ ኢስያስ ዘለዎ ዘይክኸውን ይኽእል። ደሓር ድማ፡ እቲ ሰብኣይ ኢዩ "ጌርዎ"፡ "ኢልዎ" እናበሉ ሓላፍነት ዝወስድሉ ነገር ስለዘየለ ተጸላእቲ ዘይክኾኑ ይኽእሉ ኢዮም። በቲ ህዝቢ ተጸላእቲ እንተ ዘይኮይኖም ድማ፡ ንለውጢ ትጽቢት ዝግበረሎም ክኾኑ ይኽእሉ። ብመራሒኦም ክብሪ ዘይረኸቡ፡ ኩርሲ ስልጣን ንክሕዙ ጥራይ ዝተመደቡ ሰበ-ስልጣናት ኤርትራ፡ ንዘይሕጎስሉ ናብራ ንክነብሩ ብዋጋ ዝብደል ዘሎ ህዝቢ ኤርትራ ስቕታ መሪጾም ምቕጻሎም፡ ከም ዝኸፍአ በደል ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ዝፍጽሙ ዘለዉ ኢዮም።
ስለዚ፡ ከምቲ ታሕተዋይ ክፍሊ ሕብረተሰብ ኮይኖም፡ ክሓምዩን ከዕዘምዝሙን ኣብ ክንዲ ዝውዕሉ፡ ዘለዎም ቦታን ሓላፍነትን ንምኽሓስ ዝተበደለ ህዝቢ ከውዕልዎ እዋኑ ሎሚ ኢዩ።
ህዝቢ ኤርትራ መግዛእቲ እንግሊዝ ንጣልያን ስዒሩ ንኤርትራ ኣብ ትሕቲ ምምሕዳሩ ካብ ዘእትዋ ጀሚሩ ኣሉታውን እወታውን ጐንታት ነይርዎ። እቲ እወታዊ ጎንታቱ፥ ኣብያተ ትምህርቲ ኣስፋሕፊሑ፥ ክሳብ ራብዓይ ክፍሊ ዝነበረ ክሳብ ዓስርተ ክልተ ክፍሊ ኣፍቂዱ። ከምኡ እውን ፖለቲካውያን ማሕበራት ንኽምስረታ ኣፍቂዱ። እቲ ኣሉታዊ ጎኑ ድማ፥ ኩሉ ዝነበረ ናይ ፋብሪካታት ይኹን ካልእ ቁጠባዊ ትካላት ቀንጢጡ ሸይጡ። ኣብ ህዝቢ’ውን ኣብ መንጎ እስላምን ክርስትያንን ዕግርግርን ዘይምስምማዕን ክፈጥር ብዙሕ ጽዒሩ ግን ኣይኮነሉን።
እተን ኣብ ግዜ እንግሊዝ ዝተፈጥራ ፖለቲካውያን ማሕበራት፥ ዋላ እኳ ንናይ ዲሞክራሲያዊ ኣንፈት መሰረት ኤርትራ ካብቲ ብጣልያንን እንግሊዝን ዝተፈጥረ ፍልልያት ኣብ ሓዲሽ ፖለቲካዊ ኩነታት ኣተወ፡ ንሱ ድማ እቲ ኣብ ግዜ ምምሕዳር እንግሊዝ ኣብ ኤርትራ ፖለቲካዊ መንቋሕቋሕታ ክጭብጭብ ጀመረ። ይኹን እምበር እዚ ፖለቲካዊ ምዕብልና በቲ ናይ ሃጸይ ሃይለስላሴ ጽዑቕ ዲፕሎማሲያዊ ወፍሪን ምስኡ ተጐዝጒዙን ንሱ ዝምውሎን “ሰልፊ ኣንድነት”ምፍጣሩ፥ ተሰማዕነት ስለዝነበሮ ነቲ ሰልፍታት ቅሳነት ከልኦ። ከምኡ ኣውን ደገፍ ናይ ሓያላን ሃገራት ስለዝረኸበ ንኤርትራ ኣብ ትሕቲ ቅጽጽሩ ኣእትዩ መበል ዓሰርተ ኣርባዕተ ጠቅላይ ግዛኣት ኢትዮጵያ ክገበራ ዝወሰዶ ስጉምቲ ንህዝቢ ኤርትራ ከፋፊልዎ እዩ። ካብቲ ግዜ ጀሚሩ ድማ እቲ ኣብ ኤርትራ እናዓዀዀ ዝስጉም ዝንበረ ዲሞክራስያዊ ተግባራት ንድሕሪት መለሶ።
ኣብቲ እዋን እቲ እምበኣር ራቢጣን ኣድነትን ተባሂሉ ኣብ ክልተ ተመቕለ። እቲ ሕማቑ ድማ እቲ ራቢጣ ነስላም እቲ ኣንድነት ድማ ንክርስትያን ዝውክል ኮይኑ ኣብ ህዝቢ ሰረጸ እሞ እቲ ፍልልያት ኣብ መንጎ እስላምን ክርስትያን ዝመስል ኮነ። እዚ ብወገኑ ነቲ ስጡም ሃገራዊ ሓድነት ሰንከልከል ክብል’ኳ እንተኸኣለን፥ ናብቲ ድሕር ኢሉ ዝተፈጥረ ማሕበር ሸውዓተ ከንጸባርቕ እንተፈተነን፥ ማሕበር ሸውዓተ ግን ነቲ ፍልልያት ከጻብቦ በቒዑ ነይሩ። በዚ ምኽንያት ድማ እስላምን ክርስትያንን ብሓደ ኮይኖም ኣብ ማሕበር ሸውዓተ ኣባል ዘይነበረ ኤርትራዊ ብዙሕ ኣይኮነን። ኣብዚ እቲ ግደ ህዝቢ በቲ ዝነበሮ ስምዒት ነተን ክልተ ሰልፍታት ራቢጣ ኣልእስላሚያን ኣንድነትን ዘምጽኦ መዘዝ መዚኑ ኣይፋልኩምን ክብል ስለዘይከኣለ ግና እቲ ምፍንንጫል ዕላማ ናይ ማሕበር ፍቕሪ ሃገር ክዕወት ኣይከኣለን።
ቀጺሉ እቲ ብ1961 ባሕቲ መስከረም ዝጀመረ ብረታዊ ቃልሲ ዕላማ ብርግጽ ንኤርትራ ካብ ባዕዳዊ መግዛእቲ ናጻ ንምውጻእ ከምዝነበረ ማንም ዝኽሕዶ ክህሉ ኣይክእልን እዩ። እቲ ብዘይተጸንዐ ዝብል ግን ማናልባት እቲ ማሕበር ሸውዓተ ጀሚርዎ ዝነበረ ኣገባብ ብስምምዕ ተደምዲሙ ነይሩ እንተዝኸውን እቲ ናይ ክርስትያንን እስላምን ዝመስል ውደባ ኣይምተራእየን ነይሩ። ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ ድሕሪ ምምስራታ ዝበዝሐ ስሩዕ ኣባል ማሕበር ሸውዓተ ብምኽንያት ብረታዊ ቃልሲ ምእዋጅ ናብ ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ ዛዘወ። ከምኡ እውን ደሕሪ ገለ ዓመታት ማሕበር ሸውዓተ ድማ ብረታዊ ቃልሲ ንምክያድ ንሜዳ ወጸ። ነዚ ሓይሊ እዚ ድማ ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ ኣብ 1965 ደምሰሰቶ። እዚ እቲ ካልኣይ ምፍንጫል ሰውራ ኤርትራ እዩ። ኣብዚ እውን እቲ ህዝቢ ግደ ስለዘይነበሮ “ትጋገዩ ኣሎኹም” ኢሉ ክነቅፍ ኣይከኣለን። እንታይ ደኣ ምስቲ ሓይሊ ዝሓዘ ደው በለ። ገለ ድማ ኣንጻር ተሓኤ ኮነ። ከምዚ ኢሉ እንከሎ ወዮ እቲ ኣብ ውሽጢ ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ ማለት ብሰንኪ ምሕደራ ዝተረኽበ ፍልልያት ሰለስተ ክፋላት ተፈንጨሉ። ንሳቶም ድማ ብሳበ ዝምራሕ፥ ብኣደም ሳልሕ ዝምራሕ፥ ብኢሰያስ ዝምራሕ ኮይኖም ደሓር ብህዝባዊ ሓይልታት ሓርነት ኤርትራ ዝተመስረተ ውድብ ዝኾኑ እዮም።
ከምዚ እናበለ ድማ እቲ ቀዳማይ ውግእ ሓድሕድ ተጀመረ። ኣብዚ እውን ህዝቢ ዋላ ሓንቲ ተራ ኣይነበሮን። ምኽንያቱ ኩሉ ነናቱ ስሩዓትን ተደናገጽትን ሰዓብትን ስለዘለውዎ። ድሒሩ ግና ኣብ 1974 ህዝቢ ንኽልቲኤን ውድባት ከቀራርብ ፈቲኑ እንተኾነ ኣይሰለጠን። ቀጺሉ ኣብ ህዝባዊ ሓይልታት ብህዝባዊ ግምባርን፥ ህዝባዊ ሓይልታት ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ ብዝብል ኣብ ክልተ ተፈንጨሉ። ብድሕሪዚ ሜዳ ኤርትራ ብክልተ ወድባት ተሓኤን ህግሓኤን ተባሕተ። ይኹን እምበር እቲ መን ዓብለለ ቁርቊስ ኣብ ፖለቲካዊ ኣተሓሳስባን ሰላማዊን ዲሞክራሲያውን ኣገባብ ክንዲ ዝሕዝ ናብ ጎነጽ ገጹ ኣድሃበ። ምኽንያቱ እቲ ዕላማ ንስልጣን መንጨበጠ ኣብ ዝብል ስለዝተመርኰሰ ግድን ኢዩ ሓደ ውድብ ክጠፍእ። በዚ መልክዕ ድማ እቲ ካልኣይ ውግእ ሓደ ሕድ ተባረዐ። ኣብዚ ዳሕረዋይ ውግእ በቲ ሓደ ወገን ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ በቲ ካልእ ወገን ድማ ህዝባዊ ግምባርን ህዝባዊ ወያኔን ተሰለፉ። ኣብዚ ኩነታት ህዝቢ ከምቲ ናይ ቅድም ኣብ መንጎ ኣትዩ ከገላግል ኣይፈተነን። ምኽንያቱ ድማ ኣብቲ ቀዳማይ ተመኩሮ ስለ ዘየድመዐ።
ሕጂ እውን እንተኾነ እቲ ምፍንጫል ቀጻሊ እዩ ዘሎ። ኣብ መጻኢ’ውን እዚ ምፍንጫል እዚ ደው ዝብል ኣይመስልን። እቲ ቀንዲ ምኽንያት ድማ እቲ ህዝቢ ስልጣኑን ሓላፍነቱን ስለዘይተሰከመ ክኸውን ይኽእል። ምኽንያቱ ኩሉ እቲ ህዝቢ ዘዝኣምነሉ ሸነኽ ስለ ዝህልዎ፥ ነታ ናቱ ኢሉ ዝኣምነላ ሸነኽ ክትዕወት ካብ ዝብል ዝሓድሮ ባህጊ ሓደ ምኽንያት ምፍንጫል ዝስስነሉ እዩ። እቲ ካልኣይ ምኽንያት ድማ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ዝተወደበ ሓይሊ ነናይ ገዛእ ርእሱ ሓሳብን ድሌትን ኣለዎ። እዚ እምበኣር ኣብ ሓደ ሰልፍን ዲሞክራስያዊ መስርሕን ናይ ሓሳብ ቁርቊስን ናይ ኣረኣእያ ፍልልያት ክረአን ባህሪያውን ክውገድ ዘይከኣልን ምዃኑ ዘርኢ እዩ። እዚ ናይ ኣተሓሳስባ ፍልልይ ከከም ናይ ነፍሲ ወከፍ ፖለቲካዊ ኣፍልጦ ክብን ለጠቕን ዝብለሉን፥ ተጽዋርነትን፥ ብዲሞራሲያዊ መንገዲ ተማእዛዝነትን፥ ንፍልልያት ብስልጡን ኣገባብ ምምእካሉን ክሳብ ዘይተረጋገጸ እምበኣር ምፍንጫል ቀጻሊ እዩ። እቲ ወሳኒ ግና እቲ ህዝቢ ነቲ ዝፍንጨል “ኣይፋልካን ንሕና ውን ኣይክንስዕበካን ኢና” ስለ ዘይብል፡ እቲ ምፍንጫል ተቐባልነት ይረክብ ብምህላው እዩ ምፍንጫል ደው ዘይብል። እቲ ዘገርም ከኣ ትፍንጨል እሞ ምልስ ኢልካ ንዛተ ትብል።
ኤርትራውያን ናይ ክሳብ ሕጂ ተመኩሮና ዘተኣማምን ቅሳነት ዘይነበሮ ምንባሩን ምዃኑን ፍሉጥ እዩ። እዚ ዘይቅሱን ህይወት መልክዑ እንዳቐያየረ ክሳብ ሕጂ ቀጻሊ ኣሎ። ኤርትራውያን ነዚ ንሓንሳብ ብናይ ባዕዲ ወረርቲ ንሓንሳብ ድማ ብዘቤታዊ ጨቆንቲ ከጋጥሞ ዝጸንሐ በደል፡ ተገዲዱ እንተዘይኮይኑ ዋላ ንሓንቲ ካልኢት ሓንጐፋይ ኢሉ ኣይተቐበሎን። ከም መግለጺ ሓንጐፋይ ዘይምባሉ ከኣ፡ እነሆ ነቲ ምእንቲ ሓርነቱ ካብ ነዊሕ ግዜ ዝጀመሮ ቃልሱ ይቕጽሎ ኣሎ። ንመጻኢ እውን ዋላ ግዜ ይብላዕ፡ ክሳብ ዓወት ወለዶ ካብ ወለዶ እንዳተቐባበለ ክቕጽሎ እዩ።
ተመኩሮና ከም ዝምስክሮ በደል መግዛእታዊ ሓይልታት ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኤርትራ “ከምዚ ነይሩ” ኢልካ ክትዝርዝሮ ዘሳቕቕ ሕሱም እዩ ነይሩ። እንተኾነ ኤርትራውያን ብሕሰም እቲ መሪር መግዛእቲ ከይተንበርከኹ ክቃለስዎ ጸኒሖም። ቃልሶም ከኣ፡ ዕዉት እምበር ተንበርካኽን ሰንባድን ኣይነበረን። ናጽነት ኤርትራ ከኣ ናይዚ ትብዓት፡ ጅግንነትን ጹረትን ውጽኢት እዩ። ድሕሪ ናጽነት መልክዑን ስሙን ቀይሩ፡ ብትሕዝቶ ግና ካብ ናይ ግዜ መግዛእቲ ብዘይፍለ ኣብ ልዕሊ ህዝብና ህግደፋዊ መከራ ወሪዱ። ናይቲ “ኤርትራ መሬትና እምበር ህዝባስ ኣየድልየናን” ኢሉ ዝጠለመ ሓይሊ መግዛእቲ ተግባር ፍሉጥ ነይሩ። ካብ ገዛእቲ ከኣ፡ ወጽዓ እምበር ራህዋ ኣይትጽበን። ኣብቲ እዋን እቲ ምርጫ ንጹር ነይሩ፡ ነቲ መግዛእቲ ብቓልሲ ምጉሓፉ። ህዝቢ ኤርትራ ከኣ ነዚ ብግብሪ ንካለኦት’ውን ኣብነት ብዝኾነ ደረጃ ኣረጋጊጽዎ።
ካብቲ “ናተይ“ እትብሎ፡ ከም ናይ ህግዲፍ ዝኣመሰለ ዝወርድ ዕሉል ወጽዓን ጥልመትን ግና፡ ህዝብና ከምዘይቅበሎ ርዱእ ኮይኑ፡ ከም ዘስደምሞ ፍሉጥ እዩ። ከምቲ ወለድና “ሓወይ ዝብል ኣይውቃዕካ” ዝብልዎ፡ ካብቲ ናተይ እተብሎ፡ ባዕልኻ ናብ ስልጣን ዘብቃዕካዮን ብደም ደቅኻ ዝጠለለን ወገን ከምዚ ሕጂ ኣብ ሃገርና ዝረአ ዘሎ መዓት ክወርደካ እንከሎ ግና፡ ትቃለሶ ጥራይ ዘይኮነ፡ መዓንጣኻ ዘሕርር እዩ። ብዙሓት ኤርትራውያን ህግዲፍ ንስዉኣት ደቆም፡ ከምቲ ንሳቶም ዝሓስብዎ ክብሪ ዝህቦም እንዳመሰሎም፡ ንህግዲፍ ምትንካፍ ማለት ደም ስዉኣት ምርኻስን ሕድሮም ምጥላምን እንዳመሰሎም ንህግዲፍ ዘይግበኦ ክብሪ ሂቦም ናብ ንቡር ክምለስ ተጸብየምዎ እዮም። ህግዲፍ ግና ሓንሳብ እቲ ናይ ጽቡቕ መሕሰቢኡ ስለ ዝመኸነን ንትዕግስትን ምጽማምን ህዝብና “ናይ ሕመቕ” ገይሩ ስለ ዝወሰዶ በቲ ቅድም ዘንቀዶ ጽሉል መንገዲ ይዕንድር ኣሎ። ሎሚ ግና ብዙሓት ስዉኣት ደቆም ከም ዝተጠልሙ ዝተረድኡ ኤርትራውያን ደጊም “ክሳብ ትኣምን ኪድ ካብ ዘይተኣምን ግና ተመለስ” ኢሎም ዓው ኢሎም ኣንጻር ህግዲፍ ድምጾም የስምዑ ኣለዉ።
ቅድሚ ሕያሎ ዓመታት ዋላ ውሑዳት እንተነበርና፡ በቲ ሓደ ወገን ገበንን ግፍዕን ህግዲፍ ከነቃልዕ፡ በቲ ካልእ ወገን ድማ ድሕሪቲ ዘይተርፍ ውድቀት ህግዲፍ ዘለና ምርጫ ከነረድእ ጽዒርና ኢና። ኣብቲ ፈለማ ግዜ ህግዲፍ ጓህማም ክነሱ፡ ዝነክስ ኣስናን ዘለዎ መሲሉ ብምቕራቡ ንብዙሓት ኣጋግዩ እዩ። ሎሚ ግና እቲ ንነዊሕ ግዜ ዕረ ክነሱ፡ ብዘይምቅር መዓር ተቐቢኡ ክቐርብ ዝጸንሐ ባዶ መብጸዓታት ህግዲፍ፡ ርሑቕ ከይከድካ ብተግባሩ ተቓሊዑ እዩ። እነሆ ከኣ ከም ውጽኢቱ ብዙሓት ቅድሚ ሕጂ “ህግዲፍ በል ከይትሕመል” ዝብሉ ዝነበሩ ቀራናቱ ከይተረፉ፡ ግዜን ተመኩሮን መምሃራን እዮም እሞ፡ ንህግዲፍ ብዓሚቕ ጣዕሳ “ፎእ” ይብልዎ ኣለዉ።
ገበናት ህግዲፍ እንታይ ከም ዝነበረን ኣበየናይ ደረጃ ከም ዘሎን በብኣጋጣሚኡ ብሰፊሑ ገሊጽናዮ ኢና። ብኣንጻሩ ነዚ ዘይቅዱስ ተግባራት ህግዲፍ ንምዕጻፍ ክካየድ ኣብ ዝጸንሐን ዘሎን ናይ ለውጢ ቃልሲ እውን ምስ ሰናይ ድኽመታቱ ብዝተፈላለዩ ኣገባባት ገሊጽናዮ ኢና። ኣብዚ ዛዕባዚ ዘይተፈንቀለ እምኒ የለን። ዝሓለፈ ተመኩሮና ኣብ ሎሚ ኮይና ክንመዝኖ እንከለና፡ ሓያሎይ ድኽመታት ከም እንረክብ ውሁብ እዩ። ነቲ ሕጽረታት ተረዲእና፡ ነቲ ዝኾነ ንድሕሪት ክንመልሶ ከምዘይንኽእል ከኣ ፍሉጥ እዩ። እቲ ግጉይ ተመኩሮ ዳግማይ ከምዘይድገም ምግባር ግና ይከኣል እዩ። ስለዚ ኣብ ኩሉ ወድባዊ፡ ሰልፋውን ጽላላውን ጽፍሕታት ክሳብ ሕጂ ዝፈጸምናዮ ሕጽረት ክንመልሶ ኣይንኽእልን ኢና። እወ ዝገደፈልና ስንብራት ቀሊል ኣይኮነን። ምስዚ ኩሉ ግና እዚ ናይ ክሳብ ሕጂ ድኽመታትና፡ መምህር ስለ ዝኾነ ክንመሃረሉ እሞ ዳግማይ ከምዘይንስንብር ክንገብር ይግበኣና።
ካብ ተመኩሮና ንክንመሃር ካብቲ ዝጸናሕናዮ ወጺእና፡ ካብዚ ዘለናዮ ሕልኽልኽ ዘውጽእ ናይ ኣተሓሳስባ ለውጢ ከነሕድር ኣለና። እዚ ናይ ኣተሓሳስባ ለውጢ ብእኩብ ብደረጃ ሰልፊ፡ ውድብን ማሕበርን ጥራይ ዝረጋገጽ ዘይኮነ፡ ሰባት በብዓቕሞም እውን ኣብ ምርግጋጹ ነናቶም ሓላፍነት ኣለዎም። ምኽንያቱ እዞም ዝጠቐስናዮም ኣካላት እኩብ ድምር ናይ ኣተሓሳስባ ዘለዎም ሰባት እዮም። ኣብነት ንምጥቃስ ኣብ ነብሱ ሓድሽ ኣተሓሳስባ ዘየጥረየ ሰብ ሰልፉ ድዩ ውድቡ ኣብ ምሕዳስ ኣበርክቶ ኣይህልዎን እዩ። ተመኩሮና ተመሊስና ክንድህስስ እንከለና፡ ኣውንታን ኣሉታን ከም እንረክብ ንቡር እዩ። ኣብ መጻኢ ከነድምዕ ከኣ ነቲ ኣሉታ ከነወግድን ነቲ ኣውንታ ከነራጉድን ክንቃለስ ይግበኣና። ንድሕሪት ምምላስ ጸሊእና፡ ንተመኩሮና ኣብ ክንዲ ንመሃረሉ፡ መሊስና ከነነውሮን ክንጓስዮን እንተጺዒርና ግና ውጽኢትና መኽሰብ ዘየብሉ ናይ ዜሮ ድምር እዩ ክኸውን።
“ተመኩሮ መምህር እዩ” ዝብል ምሳልያዊ ጥቕሲ፡ ኣብዚ ከነካይዶ ዝጸናሕናን ዘለናን ቃልሲ ዓቢ ቦታ ዝወሃቦ እዩ። ንኣብነት ኣብዚ ዝሓለፈ ሒደት መዓልታት ኣስካሕካሒ ተመኩሮ ላምፓዱሳን፡ ምእሳር ላዕለዎት ሓለፍቲ ህግዲፍ ነበርን ናይ ብሕቲ ሚድያ ጋዜጠኛታትን ኣዛራብቲ ዛዕባታት ኮይኖም ቀንዮም። ምውራስ ኣብያተ-ሕክምናን ትምህርት ካቶሉካዊት ቤተ-ክርስትያን ኤርትራ እውን ከምኡ። እቲ ቁምነገር ነቲ ዝሓለፈ ተግባራት ምኩምሳዕ ዘይኮነ፡ ዘይድገመሉ ብልሃት ምፍጣር እዩ። ካብዚ ሓሊፉ ካብ ተመኩሮና እንተዘይተማሂርና፡ እቲ ሎሚ መመሊሱ ዘስገድግደና ዘሎ ተግባር ህግዲፍ ናይ ምድጋም ዕድል ኣለዎ።
3 ኦክተውበር 2019
Image copyright MENAHEM KAHANA
ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ኣብዪ ኣሕመድ፡ ኣብ እስራኤል ዑደት ኣብ ዘካየደሉ እዋን፡ ንኤርትራውያን ስደተኛታት ካብ እስራኤል ኣብ ምጥራዝ ክሕግዞ ቃል ከምዝኣተወሉ፡ ኔታንያሁ ገሊጹ።
ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ኣብዪ ኣሕመድ፡ ኣብ መጀመርያ ወርሒ መስከረም ናብ እስራኤል ብምብጻሕ፡ ምስ ቀዳማይ ሚኒስተር እስራኤል ቤንጃሚን ነታንያሁ ተራኺቡ ተዘራሪቡ ነይሩ።
ኣብቲ እዋን፡ ኣብዪ ኣሕመድ ንኤርትራውያን ስደተኛታት ካብ እስራኤል ኣብ ምጥራዝ ክሕግዞ ቃል ከምዝኣተወሉ፡ ቀዳማይ ሚኒስተር ነታንያሁ ገሊጹ'ሎ።
ነታንያሁ ነዚ ዝገለጸ፡ ንጎስጓስ መረጻ ኣብ ዝተዘርገሐ ሓጺር ቪድዮ እዩ።
እቲ ቪድዮ ኣብ ወግዓዊ ፌስቡክ ናይቲ ነታንያሁ ዝመርሖ ሰልፊ ሊኩድ ዝተጠቀዐ ኮይኑ፡ ኣንጻር ስደተኛታት ምስ እትጉስጉስ ሓንቲ ንጥፍቲ ኣባል ናይቲ ፓርቲ እንትዘራረብ ዘርእይ እዩ።
- ብዛዕባ ምርጫ እስራኤል ክፍለጡ ዘለዎም ኣዝዮም ኣገደስቲ ነገራት
- እስራኤል ንክፋል ምዕራባዊ ገማግም ናብ ግዝኣታ ክትሓውሶ ምውጣና ሃገራት ዓረብ ኮኒነን
- ቀዳማይ ሚኒስተር እስራኤል ነበር ዪሻክ ሻሚር፡ ምስ ኤርትራን ኢትዮጵያን ብኸመይ ይተኣሳሰር?
ኣብቲ ቪድዮ፡ ኣብዪ ኣሕመድ ኤርትራውያን ሓተትቲ ዑቕባ ካብ እስራኤል ናብ ኤርትራ ክጥረዝሉ ዝኽእሉ "ጽቡቕ ምህዞ" ብምቕራብ ክሕግዞ ከምዝኽእል ከምዝገለጸሉ እዩ ዝዛረብ።
"ኣብዪ ኣሕመድ ንወግዓዊ ዑደት ኣብ ዝመጽኣሉ እዋን 'ምስ ኤርትራ ሰላም ከምዝፈጠርኩ ትፈልጥ ኢኻ። [ስደተኛታት] ብጽቡቕ ኩነታት ናብ ኤርትራ ክትመልሰሉ እትኽእል ዘበናዊ ውጥን ኣብ ምምጻእ ክሕግዘካ እኽእል እየ' ኢሉኒ" ይብል ኔታንያሁ።
እዚ ድማ፡ ንእስራኤል ቅድሚ ሕጂ ዘይነበራ ሓድሽ ዕድል ዝፈጥር ምዃኑ ነታንያሁ ገሊጹ።
ካብ ቤት ጽሕፈት ቀዳማይ ሚኒስተር ብዛዕባ'ዚ ርእይቶ ንምርካብ ንጽዕር'ኳ እንተሃለና፡ ዛጊት ኣይሰመረን ዘሎ።
ንገለ ትሕዝቶ ናይቲ ምስ ኣብዪ ዝገበሮ ዘተ ክገልጽ ከምዘይክእል ዝተዛረበ ነታንያሁ፡ ነቶም ሓተትቲ ዑቕባ ካብ እስራኤል ንምጥራዝ ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ሓገዝ ክገብር ምዃኑ ከምዘረጋገጸሉ ግን ገሊጹ።
ኣብ እስራኤል ልዕሊ 23 ሽሕ ኤርትራውያን ሓተትቲ ዑቕባ ኣለዉ። ካብዚኦም፡ ብወግዒ ሕቶ ዑቕባ ዘቕረቡ እቶም 16 ሽሕ ምዃኖም ይግለጽ።
ሕቶ ዑቕበኦም ተቐባልነት ዝረኸበ ግን ኣዝዮም ውሑዳት ጥራይ እዮም።
ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብይ ኣሕመድ፡ ናብ እስራኤል ዑደት ኣብ ዝገበረሉ እዋን ተቓውሞ ዘጓነፎ ኮይኑ፡ 'እቶም ዝተቓወሙኒ ኤርትራውያን እዮም' ምባሉ ከዛራርብ ጸኒሑ እዩ።
Source=https://www.bbc.com/tigrinya/news-49917799
ሃገርናን ህዝብናን ነቲ ኩሉ ናይ ባዕዳውያን መግዛእትን ከፋፋሊ ሽርሕን በጣጢሱ ናጽነቱ ተጐናጺፉ። “ዘይሓሰብካዮ ርኸብ ኣይመርገም ኣይምረቓ” ኮይንዎ ግና እነሆ በዚ ጨቋን መዝማዝን ስርዓት ይሳቐን ይዋረድን ኣሎ። ከምቲ ንባዕዳውያን ዝጸራረጎም ነዚ ሓመድ ድፋጭኡ ዘስሕኖ ዘሎ ምልካዊ ስርዓት ከኣ ክናገፍ ምዃኑ ናይ ግዜ ሕቶ ጥራይ እዩ።
እወ! ኣብ ኤርትራ ኩሉ ሕብረተሰብ እዩ ተሃስዩ። እዚ ሃስያ እዚ ድማ ሓደ ካብቲ ሓደ ዝያዳ ተሃስዩ ዝበሃሎ የለን። ምኽንያትቱ እቲ ዝተሃሰየ ኩሉ ኤርትራዊ ስለዝኾነ። እዚ መላኺ ስርዓት ንህዝቢ ኤርትራ ጅሆ ክሕዝ ክብል ብናይ ፈላሊኻ ግዛእ ተጠቒሙ፥ ንህዝቢ ኤርትራ ክበታትን ጽዒሩ ኢዩ። ንኹሉ ድማ በብተራ ንኣብነት ቅድም ነስላም ኣሲሩን ቀቲሉን፥ ደሓር ንኣመንቲ ጅሆቫ፥ ጸኒሑ ድማ ንተዋህዶ ቤተክርስታን፥ ድሒሩ ድማ ንካቶሊካዊት ቤተ ክርስትያን ዝፈጸሞ ተግባር ህያው ናይ ፈላሊኻ ግዛ ምስክር እዩ። በዚ ዝኣክል ህዝቢ ናብ ስደት ከምርሕ ተገዲዱ ገልን ኣብ ወጻኢ፥ ገለንከ ከኣ ኣብ ውሽጡ ይነብር ኣሎ።
እዚ ኩነት እዚ ህዝቢ ኤርትራ ከምቲ ቅድም ዝነበሮን ኣብ ንሓድሕዱ ዝሰርሓሉን ዝራኸበሉን ዝነበረ ምስቲ ናይ ሎሚ ፈጺሙ ዘመሳሰል ኣይኮነን ዘሎ። መንእሰይ ወለዶ ታሪኽ ቀዳሞት ወለዱን ሃገሩን ኣብ ዘጥፈኣሉ ህሞት እዩ ዝርከብ ዘሎ። ብፍላይ ስደት ንህዝቢ ኤርትራ ኣጸቢቑ ጐዲእዎ እዩ። በዚ ዝኣክል ”እምበርዶ ህዝቢ ኤርትራ ናብቲ ናይ ቀደም ዝነበሮ ክምለስ’ዩ?” ዘብል እዩ። ብዙሓት ሰባት ዋእ ቀደም ኣብ ትሕቲ ባዕዳዊ መግዛእቲ እንድዩ ነይሩ፡ ከመይሉ ደኣ ናብኡ ክምለስ ኢሎም ይሓስቡ ይኾኑ።
ልክዕ እዩ ኣብቲ ግዜ ባዕዳዊ መግዛእቲ እዋን ምስቲ ኩሉ ጭቆናኡን ስቓዩን ኤርትራውያን ከመይ ብሓባር ተኸባቢሮም ይነብሩ ከምዝነበሩ ንምብራህ ዝኣክል እዩ፡ እቲ ናይ ቀደም ይምለስዶ ይኸውን ዘብል ዘሎ። “እቲ ናይ ቀደም ከመይ ዲዩ ነይሩ?” እወ እቲ ቀደም ከምዚ ሎሚ ከይኮነን ናይ ካልኦት ባህልን ልምድን ከይተወረሰን እንከሎ ህዝብና እስላማዩ ክርስትያኑ ብሓባር ተፋቒሩ ይናበር ነይሩ። ኩሎም ድማ ክደናገጹን፥ ክተሓጋገዙን፥ ባህሊ ሓድሕድ እናኣኽበሩን እዮም ዘሐለፍዎ። ንኣብነት ኣብ መርዓ ክኸውን እንከሎ ኣብቲ ናይ ክርስትያን ገዝሚ ዝበሃል ኣሎ። ብፍላይ እዚ ኣገባብ እዚ ኣብ ሰንሒት ኣዝዩ ዝውቱር ነይሩ፡ ምኽንያቱ ደቂ ሰንሒት ኣብ እምነት ይፈላለዩ እምበር ኣሕዋት እዮም። በዚ ዝኣክል በዘይካ እታ ዕማመት እስላምን ክርስትያንን ክትፈልዮም ኣይትኽእልን ኢ። ኣብቲ ናይ ገዝሚ ጉዳይ ክንምለስ፥ ማለት እቲ ኣቦ ጓል ንጓሉ ከግዝም እንከሎ ክዳን እንዳቦ፥ እንዳኖ፥ እናበሉ ኣብ መወዳእታ ክዳን ቤተክርስትያን ክዳን መስጊድ ኢሎም ከይጠቐሱ ፈጺሞም ኣይሓልፉን ነይሮም።
ናይ እስላምን ክርስትያንን መርዓ ኣብ ዝግበረሉ ኩሉ ግዜ እቲ ዳስ ኣብ ክልተ ይምቀል። እዚ ኣገባብ እዚ ክሳብ ሎሚ ውን ኣሎ። ሓደ ግዜ ኣቦይ ብላታ ጃብር በዓል ዓሊግድር በዓል ዝናን ታሪኽን ዝኾኑ ሰብኣይ ኣብ ተሰነይ፡ ኣብ መርዓ ናይ ሓደ ክርስቲያን ተዓዲሞም ከይዶም። ከምዚ ዝተገልጸ ድማ እቲ ዳስ ነስላማይን ክርስትያንን ዝተመቕለ ነይሩ። ሽዑ ወዮ ተቐባል ኣጋይሽ ንዘዝመጸ ናብቲ ኣብ ክልተ ተመቒሉ ዘሎ ዳስ የናብሮም። ኣቦይ ብላታ ጃብር ምስ መጹ፡ “በዚኣ በዚኣ ብላታ” እናበለ ናብቲ ናይ እስላም ዳስ ይመርሖም። ኣቦይ ብላታ ጃብር ድማ “ኣብቲ እየ ዝኸይድ” በልዎ። ተቐባል ኣጋይሽ ድማ “ብላታ እቲስ ናይ ክርስቲያን እዩ ኢሉ መለሰሎም” ንሶም ከኣ “ዋእ! እታ ዝተሓርደት ላምከ ክርስትያን ምዃና ብምንታይ ተረጋግጸለይ” ኢሎም ተመሊሶም ነቲ ተቐባል ኣጋይሽ ይሓትዎ። ተቐባል ኣጋይሽ ግን መልሲ ኣይረኸበን። ሽዑ ኣቦይ ብላታ ጃብር ነዓ በል ካብቶም ኣሕዋተይ ክርስትያን ብምኽንያት ብዝብላዕን ዝስተን ክፍለ ኣይኮንኩን እሞ ናብቶም ኣሕዋተይ ክርስትያን ደኣ ውሰደኒ በልዎ።
እዚ ንምንታይ ኢየ ዘምጽኦ ዘሎኹ እቲ ህዝብናስ ሎሚኸ ከምቲ ናይ ቀደምዶ ይመልስ ይኸውን ዝብል ሕቶ ንምምላስ እየ። ቀዳሞት ወለድና እምበኣር ካብ ኣቦና ሸኽ ኢብራሂም ስልጣንን ኣቦና ወልደኣብ ወልደማርምን ከምኡ እውን ኣቦና ብላታ ጃብር ዝኣመሰሉ ለባማት ዝነበርዋ ሃገር፥ ብክርስቲያንን እስላምን ተፈላልዮም ኣይፈልጡን ነይሮም። ስለዚ “ከምቶም ዝሓለፉ ለባማት ወለድና ዝሓለፍዎ ግዜዶ ይምለስ ይኸውን?” ዝብል ሕቶ ንነፍሲ ወከፍ እስላማይን ክርስትያንን ዝምልከት እዩ።
ኤርትራ ጽባሕ ኤርትራ ካብዚ ዘሳቕያ ዘሎ መላኺ ስርዓት ተናጊፋ ህዝባዊ መንግስቲ ክትተክል እያ። ሽዑ ጉዳይ ሃይማኖትን ፖለቲካን ከምበቲ ኣቦይ ጃብር ክልተ ዳስ ኣብ ዝነበሮም መርዓ ኣሕዋት ኢና ዝብልዎን ዝለገስዎ ምኽባርን መ ዝለገስዎን ምኽርን ክክውን ክስረሓሉ ይግባእ። እቲ ናይ ዓለማዊ ንዓለማውያን፥ እቲ መንፈሳዊ ድማ ንመንፈሳውያን ገዲፍና፥ እቲ ፖለቲካን ሃይማኖትን ኣብ ንሓድሕዱ ከይተኣታተወን እናተሓባበረን ዓለማዊ ምጉዓዝ ዘኽእል ሕግዝኣተ- ሕጊ ምውሓስ ።ብ ቅድሜና ዘሎ ዕማም እዩ።
ኣብ ዓመታዊ ምርኢት መጻሕፍቲ ዮተቦርግ፤ ኤርትራውያን ተሳቲፎም፡ ኣባላት ኣምነስቲ ኢንተርናሸናልን ዶብ ኣልቦ ጋዜጠኛታትን ንቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ምዕዋት ከይሰልከዩ ክቅጽሉ ምዃኖም ሓቢሮም
Tuesday, 01 October 2019 23:40 Written by ጸሃየ ቀለታእቲ ዉሩይ ናይ መጻሕፍቲ ምርኢት( Expo ወይ Bokmässa ) ዝፍለጥ ዓመት ዓመት ኣብ ከተማ ዮተቦርግ ዝካየድ 2ተ ኤርትራውያን ጋዜጠኛታትን ሓንቲ ደራሲትን ተሳቲፎም ።
ካብ ዕለት 26 መስከረም ክሳብ 29 መስከረም 2019 ዝቅጽል መርኢት ናይ መጻሕፍቲ ኣብ ኣዝዩ ዓቢ ኣደራሽ ናይ ክልተ ደርቢ ከተማ ዮተቦርግ ስቨንስክ ሜሳ ዝካየድ ዘሎ ኣሽሓት ሽወደናውያን ይኹኑ ወጻእተኛታት ደረስቲ ጸሓፍቲ ዝሳተፉሉ ኮይኑ፡ እዚ ሎሚ ዓለምና በጺሓቶ ዘላ ምዕባሌ ናይ ዲጂታል ማስ መዲያ ተክንሎጂን ትርኢትን ሓበረታን ዝህቡ ትካላት ፡ ሰሚናር ብኪኢላታትን ፡ ኣገደስቲ ፖሊቲከኛታት ዓውደ ክትዕን ዝካየደሉ ብኣሽሓት በጻሕቲ ከዕለቅልቅ ይርከብ። ኣብዚ ሰፊሕን ኣገዳስን ምርኢትን መሸጣ መጻሕፍትን ሃነጽቲ ሰሚናራትን ፡ ክልተ ኤርትራውያን ጋዜጠኛታት ማለት ኣሮን ብርሃነ ሓላፊ ብሕታዊ ጋዜጣ ሰቲቲ ኣማሓድሪ ዝነበረ ካብ ካናዳ፡ ኣማኒኤል ግርማይ ሓላፊ ጠረበዛ ዜና ናይ ነጻ ማዕከን ራዲዮ ኤረና ካብ ፈረንሳ ፡ ደራሲት ይርጋኣለም ፍሳሃ ካብ ጀርመን ተሳቲፎም።

ብዕለት 26 መስከረም በብተራ ንህልዊ ኩነታት ህዝብናን ሃገርናን ዘሎዎ ዘይምዕሩይ ምሕደራን ተመክሮኦምን መግለጽን፡ ካብ ተሳተፊ ዝተሓተቱ ሓያሎ ሕቶታት ኣዕጋቢ መልሲ ሂቦም። ብፍላይ እቲ ኣብ ልዕሊ ንጹሓት ጋዜጠኛታት ደሃይ ኣልቦ ዝወረደ ኣደንጻዊ ኢሰብኣዊ ግፍዕታትን ንምሕባር ብማሕበር ነጻ ዳዊት ኢሳቅ ዝተዳለወ ምስሊ ኮንተይነር ስም ስእሉ ሰሓብን ኣገዳስን ነይሩ። ቀጺሉ ንምሸቱ ዕለት 26 ከኣ ካብ ሰዓት 18.00 ክሳብ 20.00 ብኣምነስቲ ኢንተርናሸናልን ጋዜጠኛታት ብዘይ ዶብን ዝተዳለወ ምስዮት መግለጺ ክትዕ ሕቶን መልስን ብሓቂ ሰነዳዊን መሃርን ነይሩ። እዞም ክልተ ማሕበራት ማለት ኣምነስቲ ኢንተርናሸናልን (ወ/ሮ ካሪ ኮፐር ) ጋዜጠኛታት ብዘይ ዶብን (ብዮርን ቱንበክ )ንቃልሲ ዉጹዕ ህዝቢ ኤርትራ ክሳብ ዝዕወት ከይሰልከዩ ክቅጽሉ ምዃኖም ሓቢሮም ። ኣብዚ ምስዮት እዚ ወኪል ራዲዮድምጺሓርነት ሓው ጸሃየ ቀለታን ወኪል ራዲዮ ኤረና ኣብ ሽወደን ሓው ዮውሃንስ ተስፋርያምን ተሳቲፎም ኣምሲዮም።
Image copyright PYMCA
መንግስቲ ኖርወይ ካብ ጥሪ 1 ክሳብ 31 ነሓሰ 2019 ኣብ ዘሎ ግዜ፡ 47 ኤርትራውያን 31 ኢትዮጵያውያንን ዝርከብዎም ስደተኛታት ካብ ሃገሩ ከም ዝሰጎገ ሓቢሩ።
ካብዞም 47 ኤርትራውያን እቶም ክልተ ናብ ኤርትራ ክስጎጉ እንከለዉ፡ እቶም 47 ናብ ካልኦት ክቅበለኦም ፍቓደኛታት ዝኾና ሃገራት ከም ዝተሰጎጉ ሃገራዊ ፖሊስን ስደተኛታትን ኖርወይ ኣብ ዘውጽኦ ጋዜጣዊ መግለጺ ሓቢሩ።
መንግስቲ ኖርወይ ኣብ ወርሒ ነሓሰ ጥራይ 96 ገበን ገይሮም ዝበሎም ዝርከብዎም 338 ብሓይሊ ካብ ኖርወይ ከምዝሶጎገ እዩ ዝሕብር።
ወሃቢ ቃል ሃገራዊ ፖሊስን ስደተኛታትን ኖርወይ ዳንኤል ድራገሰት ናብ ቢቢሲ ኣብ ዝልኣኾ ጸብጻብ፡ ኣብ ናይ ነሓሰ 2018 ጸብጻቡ 2,710 ስደተኛታት ካብ ኖርወይ ከም ዝተሰጎጉን ብምሕባር ኣብዚ ዝሓለፈ ዓመት ግን እቲ ቁጽሪ ናብ 3,402 ክብ ከም ዝበለ ይሕብር።
ካብዞም 3,402 ካብ ኖርወይ ዝተሰጎጉ ስደተኛታት፡ 2 ሓተትቲ ዑቕባ፡ 10 ኣብ ዝተፋላላያ ሃገራት ዑቕባ ዝሓተቱ ከምኡ እውን 35 ናብ ኖርወይ ከይኣትዉ ተኸልኪሎም ዝነበሩን፡ ብዘይ ሕቶ ዑቕባ ኣብ ኖርወይ ክነበሩ ዝጸንሑ ምዃኖም እቲ ናብ ቢቢሲ ዝተልኣከ ጸብጻብ ይሕብር።
ብተመሳሳሊ 7 ሓተትቲ ዑቕባ፡ 9 ኣብ ዝተፈላለይ ሃገራት ዑቕባ ዝሓተቱ ከምኡ እውን 15 ናብ ኖርወይ ከይኣትዉ ተኸልኪሎም ዝነበሩን፡ ብዘይዑቕባ ኣብ ኖርወይ ክነብሩ ዝጸንሑ ብጠቕላላ 31 ኢትዮጵያውያን ካብ ሃገረ ኖርወይ ከም ዝተሰጎጉ እቲ ጸብጻብ ሓቢሩ።
- መንግስቲ ኖርወይ ሕቶ ዑቕባ ኤርትራውያን ደጊሙ ክረአ ምሕታቱ ንብዙሓት ኣሻቒሉ
- ብስግረዶብ ዝወጽኡ ናብ ኤርትራ ክምለሱ እንታይ ይሕተቱ?
- "ሃገራዊ ኣገልግሎት ቀልጢፉ ዝውዳእ መሲሉና ነይሩ"
ካብዚኦም 31 ኢትዮጵያውያን እቶም 12 ናብ ኢትዮጵያ ክጥረዙ እንከለዉ እቶም ዝተረፉ ናብ ካልኦት ክቕበለኦም ፍቃደኛታት ዝኾና ሃገራት ከም ዝተሰጋገሩ ተሓቢሩ።
መንግስቲ ኖርወይ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ፡ መንግስቲ ኤርትራ ብምኽንያት መበል 25 ዓመት ምጅማር ሃገራዊ ኣገልግሎት፡ ኣብ ኖርወይ ኣብ ዘዳለዎ ጽንብል ተሳቲፎም ንዝበሎም ሰባት፡ ህዝቢ ክሕብር ክጉስጉስ ጸኒሑ እዩ።
እቲ ብተቓወምቲ መንግስቲ ኤርትራ ክቀርብ ዝጸነሐ ጥርዓን ከኣ፡ ሕቶ ዑቕበኦም ቅቡል ክንሱ ምስ'ቲ ዑቕባ ንኽረኽቡ ዘቐረብዎ ጥርዓን፡ ዘይሳነ ተግባራት ይገብሩ ኣለዉ ብምባል እዩ።
ድሕሪ እዚ መንግስቲ ኖርወይ ንፈተነ ናይ 150፡ ሕቶ ዑቕባኦም ቅቡል እዩ ዝተብሃለ ኤርትራውያን ስደተኛታት ጉዳዮም ዳግም ክርአ ዝጽውዕ እማመ ተግባራዊ ክኸውን ምዃኑ ምሕባሩ ዝዝከር እዩ።
ብመሰረት ጸብጻብ ላዕለዋይ ተጸዋዒ ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራት፡ ኣብ ኖርወይ፡ ኣስታት 25 ሽሕ ዑቕባ ዝሓተቱ ኤርትራውያን ከም ዘለው የመልክት።
እዞም ኣብ መወዳእታ ወርሒ ነሓሰ ዝተሰጎጉ ኤርትራውያን ምስቶም ኣብ ጽንብል ምጅማር ሃገራዊ ኣገልግሎት ምትሕሓዝ ይሃልዎም ኣይሃልዎም ግን ዝተገልጸ ነገር የለን።
Source=https://www.bbc.com/tigrinya/news-49890343