ቃል ኣቦ መንበር መሰጋገሪ ኣካል ፖለቲካዊ ሓይልታት ኤርትራ ኣብ 1ይ ዋዕላ

2024-08-09 06:19:06 Written by  ብኣቦ መንበር መሰጋገሪ ኣካል ፖለቲካዊ ሓይልታት ኤርትራ Published in ጽሑፋት ትግርኛ Read 472 times

6 ነሓሰ 2024

EPF Headed Paper

ኣብ’ዚ ጽሑፍ ሰፊሩ ዘሎ ንኽልቲኡ ጾታ ዝምልከት ኢዩ።

ክቡር ኣቶ ያሲን ዓብደላ ም/ ኣቦ መንበር ፖ ሓ ኤ

ክቡር ኣቶ ዮውሃንስ ኣስመላሽ ሓላፊ ቤ/ጽ ወጻኢ ጉዳያት

ክብርቲ ወሮ/ ኣድያም ተፈራ ኣደ መንበር ኣሰናዳኢት ሽማግለ

ክቡራንን ክቡራትን ብኣካልን ብዙምን ተሳታፍቲ ዋዕላ

ክቡራት ብኣካልን ብዙምን ትሳተፉ ዘሎኹም ኣባላት መራኸቢ ብዙሃን

ብስመይን ብስም ላዕለዋይ መሰጋገሪ ኣካልን ዕዙዝ ልባዊ ሰላምታይ አቕርበልኩም

እንቋዕ ናብዚ ዋዕላዚ ክንሳተፍ ኣብቅዓና። ዓወትን ኣሳልጦን ዝመልኦ ቅንያት ይግበረልና።

ሃገርና ኤርትራ ናጻ ካብ ትወጽእ ክሳብ’ዛ ዕለት እዚኣ ንልዕሊ 33 ዓመታት ኣብ ትሕቲ ምልካዊ ስርዓት፡ ኣደዳ ስቓይን ሕማምን ድንቁርናን ድኽነትን ግህሰት ሰብኣዊ መሰላትን ስለ ዝዀነት ናብ ህዝባ ከተንብር ዘይትኽእል ሃገር ተቐዪራ ኣላ። ኣብ ኤርትራ እቲ ንቡር ዘይኮነ ኩነታት ከም ንቡር ስለ እተወስደ ዘርዚርካ እውን ስለ ዘይውዳእ ሓደሓደ ኣብነታት ጥራሕ ክጠቅስ እየ።

* ደረት ኰነ ግቡእ ዓስቢ ዘይብሉ “ሃገራዊ ኣገልግሎት” ካብ 94 ክሳብ ሎሚ ቀጻሊ ኣሎ። መሰሉ ዝፈልጥ ንቑሕ ዜጋ ካብ 18 ኣዋርሕ ንላዕሊ ከገልግል ኣይምፈቐደን። ግን ዘይግቡእ ክነሱ ይቕጽል ኣሎ።

* ኣብ ገዛእ ሃገርካ ካብ ሓደ ቦታ ናብ ካልእ ቦታ ክትጓዓዝ መንቀሳቐሲ ፍቓድ ከድልየካ ንቡር ኰይኑ ኣሎ።

* 11 ክፍሊ ምስ ወዳእካ ናብ ሳዋ ወይ መደበር ታዕሊም ምኻድ ንቡር ኰይኑ ኣሎ።

* ብዝንባሌኻን ብዓቕምኻን ኣብ ዝልዓለ ደረጃ ትምህርቲ ኣብ ክንዲ ትኣቱ መላኺ ስርዓት ኣብ ዝመደበካ ምእታው ንቡር ኰይኑ ኣሎ።

* ብሰንኪ ግጉይ ኣመዳድባ፡ ስራሕ ቈልዑ ብዘይ ኣቦን ኣደን ክዓብዩ ምርኣይ ከም ንቡር ተወሲዱ ኣሎ።

* እቲ ውልዕ ኢሉ ብኣጋኡ ዝጠፍኤ ብሕታዊ ጋዜጣታት ካብ ዝእገድ 23 ዓመታት ኣቝጺሩስ፥ ገባቲ ስርዓት ዝዝርግሖ መራኸቢ ብዙሓን ምስማዕ ጥራሕ ንቡር ኰይኑ ኣሎ።

* ብሓጺሩ ሃገርና ካብ ባዕዳዊ መግዛእቲ ነጻ ድሕሪ ምዃና፡ ኣብ ትሕቲ ሓደ ጉጅለ ብመሪሕነት ዲክታቶር ኢሳያስ ኣፈወርቂ ብዘይ ቅዋም ብኣዋጃት ጥራሕ ካብ ትማሓደርን ኣብ ኣድላይነት ዘይነበሮም ውግኣት ካብ ትሽመምን፥ ብደረት ዘይብሉ ሰብኣዊ ግህሰታት ክትሳቐ ጸኒሓ ኣላ። ብጀካ እቲ ስርዓት ካልእ ስራሕ ክኸፍትን ሰራሕተኛ ክቖጽርን ስለ ዘይፍቀድ ብሕታዊ ጽላት ቦታ የብሉን። ስለዚ ድማ ሰብ ሰሪሑ ክነብረላ ኣብ ዘይትኽእል ሃገር ስለ እተቐየረት፥ ዘዝተወልደ ናብ ስደት ከምርሕ ንቡር ኰይኑ ኣሎ። እቲ ዝተረፈ ኣብ ውሽጢ ሃገር ዝነብር ህዝብና ድማ በቲ ኣብ ወጻኢ ዝቕመጥ ህዝብና ዝልኣኸሉ ደገፍ ስለዝነብር ናይ ሓዋላ ተጸባዪ ኰይኑ ኣሎ።

እዚ ዘይንቡር ሃለዋት’ዚ ሃገሩ ናጽነትን ሓርነትን ከጓናጽፍ ን 30 ዓመታት እተቓለሰ ህዝቢ ከቶ ዝግብኦ ኣይኰነን። ስለዚ ፖለቲካዊ ሓይልታት ኤርትራ ነዚ ዘይንቡር ኣነባብራ ንምውጋድን ናብ ንቡር ናብራ ንምምላስን እቲ እንኮ ፍታሕ ምልካዊ ስርዓት ኣውዲቕካ ቅዋማዊ ዲሞክራስያዊ ስርዓት ምቛም ምዃኑ ይኣምን፥ ንዕኡ ንምርግጋጽ ድማ ይቃለስ።

እዚ ዕማምዚ ናይ ኵሎም ደለይቲ ፍትሒ ዕማም እዩ። ፖ ሓ ኤ ውጽኢት ናይ’ቲ ኣብ ሚነሶታ ብ2019 እተጀመረ ብነብሰሄር ብርሃነ ወልደገብሪኤል (ሱዳን ናው) ኣብ 2020 እተቐጸለ ንሃገራውያን ሓይልታት ኣብ ትሕቲ ሓደ ጽላል ንምጥርናፍ ዝዓለመ ምትእኽኻብ እዩ። ድሕሪ ዕቱብ ክትዓትን ምይይጥን ብተሳትፎ ናይ ዝበዝሑ ፖለቲካውያን ኣካላት ኤርትራ ኣብ’ዘን ዝስዕባ 4 መትከላት ማለት፥

1 ምውዳቕ ዲክታቶርያዊ ስርዓት ኤርትራ

2 ምቛም ቅዋማዊ ዲሞክራስያዊ ስርዓት

3 ምዕቃብ ሓድነት ህዝብን ልዑላውነት መሬትን ባሕርን ሰማይን ኤርትራ

4 ምውሓስ ዲሞክራስያውን ሰብኣውን መሰላት ህዝቢ ኤርትራ

መሰረት ዝገበረ ሓደ ሃገራዊ ሓይሊ ክቐውም ኣብ ምርድዳእ ምብጽሑ ዝዝከር እዩ።

ብድሕርዚ ሓያሎይ ሓይልታት ሕጂ ካባና ወጻኢ ዘለዉ ከም ሃገራዊ ባይቶ ንዲሞክራስያዊ ለውጥን ውድብ ሓድነት ኤርትራን እተሳተፍዎ፥ ብምውህሃድ መስርሕ ሓሊፉ፥ ሓያሎይ ግዜ ዝወሰደ ናይ መጽናዕቲ ሽማግለታት እተሳተፉሉ ዓንዲ ሕግን ፖለቲካዊ ቻርተርን መርሓ ጎደናን ተነዲፉ ምንባሩ ክጥቀስ ዝግባኦ ሓቂ እዩ። በዚ ኣጋጣሚ ንዅሎም ኣብዚ ታሪኻዊ ምስንዳእ ሰነዳት እተሳተፉ ኣካላት

ክብ ዝበለ ምስጋና ከቕርበሎም እፈቱ።

እዚ ሕጂ ብዲሞክራስያዊ ውድብ ዓፋር ቀይሕ ባሕርን ኤርትራዊ ስሙር ሃገራዊ ግንባርን ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራን ቆይሙ ዘሎ ፖለቲካዊ ሓይልታት ኤርትራ ኣብ ላዕሊ እተጠቕሱ መትከላትን ንድፍታትን ተመርኵሱ ዓንዲ ሕጊ ኣቝሙ፥ ፖለቲካዊ ቻርተር ሓንጺጹ ሰፊሕ ጽላል ንምቛም ሓያሎይ ስጉምቲ ተጓዒዙ ኣሎ። ካብ ወርሒ ሕዳር (November) 2023 ክሳብ ዕለት 01 ንሓሰ 2024

ላዕለዋይ መሰጋገሪ ኣካል ፖ ሓ ኤ 26 ኣኼባታት ኣክዪዱ። 2 ግዜ ንመላእ ኣባላት ናይ ሰለስቲኡ ኣካላት ንምልላይን ሓበሬታ ንምሃብን ኣኼባታት ኣካዪዱ።

ምስ ኤርትራዊ ልፍንቲ ንዲሞክራስያዊ ለውጢ ሓደ ዲፕሎማስያዊ ልኡኽ ኣቚሙ ኣብ ዕለት 05ን 06ን ሰነ (June) 2024 ብክብ ዝበለ ደገፍን ምትብባዕን ናይ ኣምባሳደር ሃይለ መንቆርዮስ፡ ምስ ኤውሮጳውያን ሰበ ስልጣን ብራሰልስ ዕዉት ርኽክባት ኣካዪዱ። ሃገራዊ ባይቶ ንዲሞክራስያዊ ለውጢ ኣካል ናይዚ ዑዶትዚ ክኸውን ነይርዎ ግን ብጸገማቱ ብኣካል ክሳተፍ እኳ እንተዘይክኣለ ኣብ ኩሉ ካብ ምድላው ዝቐርብ ትሕዝቶ ክሳብ ውጽኢቱ ዝተኸታተለ ስለ ዝዀነ ከም ኣካል ናይዚ ዲፕሎማስያዊ ንጥፈት ክቝጸር ይክኣል።

ንዋዕላን ፈስቲቫልን ዘሰናድኣ ሽማግለታት ቆይመን ስርሐን ኣጻፊፈን ናብዚ ዋዕላዚ ክንራኸብ በቒዕና ኣሎና። ክብ ዝበለ ምስጋና ይብጽሓየን።

ኣብዚ ዋዕላ’ዚ ዓንዲ ሕግን ፖለቲካዊ ቻርተርን ክጸድቕ፥ ነዚ ጽላል ዝመርሕ 21 ዝኣባላቱን 3 ተጠባበቕቲ ዝህልዉዎ ማእከላይ መሪሕነት ብመሰረት ድሮ ተበጺሑ ዘሎ ስምምዕ ክቐውም እዩ። ሃገራዊ ባይቶ ንዲሞክራስያዊ ለውጢ ኣብ ቀረባ ግዜ ጉባኤኡ ድሕሪ ምግባር ምስ ፖሓ ኤ ሓቢሩ ዝሰፍሐ ጽላል ከቕውም ዓቢ ትጽቢት ከም ዘሎና ክገልጽ እፈቱ። ከምኡ’ውን እቲ ምስ ኤርትራዊ ልፍንቲ ንዲሞክራስያዊ ለውጢ ዝካየድ ዘሎ ዘተ እወታዊ ውጽኢት ክህልዎ ኣካል ናይዚ ፖሌቲካዊ ሓይሊ’ዚ ኰይኑ ከደልድሎ ትጽቢት ከም ዘሎና ክገልጽ እፈቱ።

በዘን ኣብ ላዕሊ እተጠቕሳ 4 መትከላት ንምጥርናፍ ሃገራዊ ሓይልታት ዝኣምኑ ኤርትራውያን ፖለቲካዊ ሓይልታት ኣካል ናይ’ዚ ጽላል’ዚ ኰይኖም ግዴኦም ከበርክቱ በዚ ኣጋጣሚዚ ንጽውዕ።

ነዚ ኣብ ላዕሊ ተጠቒሱ ዘሎ ንምጥርናፍ ሃገራዊ ሓይልታት ዝዓለመ ትጽቢታት ምእንቲ ከርዊ፥ ነቲ ኣብ’ዚ ዋዕላ ዝቐውም መሪሕነት ምሉእ ሓላፍነት ክዋሃቦ ክብ ዝበለ ትጽቢት ኣሎ።

ጀሚርናዮ ዘሎና ጉዕዞ ብዘትኣማምን መንገዲ ሸቶኡ ከም ዝሃርም ኣይንጠራጠርን፥ ከመይ ካብ ዝሓለፈ ጌጋታትና ተማሂርና፡ ዝሰፍሐ ጥርናፈ ንኽረጋገጽ፥ ክኽፈል ዘለዎ ዋጋ ክኽፈል፥ ክግበር ዘለዎ ሕድገታት ክግበር ናይ ግድን ኣድላዪ ምዃኑ ብምእማን ቀዳምነታትና ሰሪዕና ንጉዓዝ ስለዘሎና እዩ። ምጥቕቓዕ ሕድሕድ ወጊድና፡ ናይ እንካን ሃባን ኢሂን ሚህን ባህሊ ሒዝና ክንከዶ ዝጸናሕና መስርሕ፡

እቲ ኣብ’ዚ ዋዕላ ዝቐውም መሪሕነት ክቕጽሎ ዓቢ ትጽቢት ኣሎና። ናይ ምጽውዋር ባህሊ ምስራጽ ውሕስነት ንምዕዋት ናይ ቀረባ መደብን መሰረት ናይታ ኣብ ኣእሙሮና ዘላ ዲሞክራስያዊት ኤርትራን እዩ።

ፖለቲካዊ ሓይልታት ኤርትራ፡ ህዝቢ ኤርትራ ካብዚ ዓይኒ ዘይብሉ ሕሱም ጨካን ምሕደራ ሓራ ዝገላገል ብናይ ገዛእ ርእሱ ቃልሲ ምዃኑ ይኣምን። ንህዝቢ ኤርትራ ሓራ ዘውጽእ ካልእ ሓይሊ ከቶ የልቦን። ስለዚ ድማ ነዚ ዘይንቡር ሃለዋት ከም ንቡር ወሲዱ ለሚዱዎ ዘሎ ብንቕሓትን ትብዓትን ከይወገደ ሓራ ክኸውን ስለዘይክእል ብቐዳምነት ንፍርህን ራዕድን ደርቢዩ ንመሰሉ ክጣበቕ የድልዮ። ገባቲ ስርዓት

ሻዲኑ ዘሎ ዓገብ ናይ ምባል ባህሊ ስለ ዝቦኾረ እዩ። እዚ ባህሊ’ዚ ክምለስ ኣለዎ።

መላኺ ስርዓት ንልዑላውነት ሃገርና ክከላኸል ከም ዘይክእል፡ ብኣንጻሩ ብዘይ ወኸሳን ደገፍን ድልየትን ህዝብና ኣሕሊፉ ዝህብ ምዃኑ ካብ ኣፍ’ቲ መላኺ ኢሳያስ ኣፈወርቂ፡ “2 ህዝቢ ኢዮም ዝብል ሓቂ ዘይፈልጥ’ዩ፤ ንስኻ ኢኻ ትመርሓና፤ ኣይከሰርናን. . . ወዘተ”. . . ክብል ከሎ ብግልጺ ምስማዕና እኹል ጭብጢ’ዩ። እዚ ርኡይ ጥልመት’ዩ። ኵሎም ሃገራውያን ድማ ኣንጻሩ ደው ክብሉ ይግባእ። ብፍላይ ድማ ኣብ ምዕራባዊ ዓለም ኣብ ትሕቲ ሊበራላዊ ስርዓታት ዝነብሩ ኤርትራውያን ዜጋታት፡ ነዚ ብዝዀነ መዐቀኒ ክድገፍ ዘይግብኦ ስርዓት ምድጋፍ ምኽኑይ ስለ ዘይኮነ ደጊሞም ክሓስቡሉ ረብሓ ኩሉ ህዝብና ኣብ ምቛም ቅዋማዊ ዲሞክራስያዊ ስርዓት ስለዝዀነ በዚ ኣጋጣሚዚ እወታዊ ግደኦም ከበርክቱ ንጽውዖም።

እንተ’ቶም ዑቝባ ሓቲቶም ክነሶም ንሕና ምስ መንግስትና ዝብሉ ካልእ ኩሉ ገዲፎም ንጠቕሞም ክብሉ ኢዶምን እግሮምን መልሓሶምን ክዕቅቡ ነተሓሳስቦም። ንምዕዶና ነጺጎም ናይ ጥፍኣት መገዲ ክቕጽሉ ምስ ዝመርጹ ሳዕቤኑ ሓደገኛ ምዃኑ ነጠንቅቖም።

ኣብ መንጎ ኤርትራውያን ሓሓሊፉ ዝርከብ ዓመጻዊ ስጉምታት ተወጊዱ ንፍልልያት ብልዝብ ናይ ምፍታሕ ባህሊ ክዝውተር ንጽውዕ።

ኣብ ውሽጥን ኣብ ወጻእን ዝርከብ ህዝብና ቃልስታቱ ኣወሃሂዱ ንምልኪ ደርብዩ፥ ኣብዝሖ ሰልፍታት ዘአንግድ ቅዋማዊ ዲሞክራስያዊ ስርዓተ ምሕደራ ክተክል ክለዓል ንጽውዕ።  ሰራዊት ኤርትራ መሳርሒ ምልኪ ካብ ምዃን ነብሱ ሓራ ክገብርን ከም ኣካል ናይ ውጹዕ ህዝብና፡ ኣብ ጎድኒ ህዝቢ ተሰሊፉ ንዲሞክራስያዊ ለውጢ ግዴኡ ከበርክትን ንጽውዕ።

ዓወት ንፍትሓውን ዲሞክራስያውን ቃልሲ ህዝብና!!

ውድቀት ንገባቲ ስርዓት ኤርትራ!!

ብሓድነት ንሓርነት!

ዘለዓለማዊ ዝኽሪ ንስዉኣትና!

Last modified on Saturday, 10 August 2024 10:22