ናይ ለውጢ ኣቕጣጫና ናብ ዝበረኸ እዩ

2022-07-18 18:24:11 Written by  EPDP Information Office Published in ጽሑፋት ትግርኛ Read 1016 times

ርእሰ ዓንቀጽ ሰዲህኤ

ኤርትራውያን ነካይዶ ዘለና ቃልሲ ናይ ለውጢ  እዩ። ለውጢ ብለውጡ ከኣ መሰረታዊ። ለውጢ ክንብል እንከለና ናይ ግድን ክልወጥ ዝግበኦ ኣሎ ማለት እዩ። ለውጢ እቲ ሓደ ገጹ ዘየድሊ ምውጋድ ወይ ምልዋጥ   ኮይኑ፡ ካብኡ ፈሊኻ ዘይርአ ዝሓሸ መተካእታ ምቕራብ እውን ዘጠቓልል መስርሕ ቃልሲ እዩ። ካብዚ ብምንቃል እዩ ከኣ “ለውጢ ዝጸንሐ ምፍራስ ጥራይ ዘይኮነ ብዝሓሸ ምትካእ” ብምዃኑ ፍሉይ ግምት ዝወሃቦ። ካብቲ ንዘየድሊ ምውጋድ፡ እቲ ኣብ ቦታ’ቲ ብመስርሕ ቃልሲ ዝተወገደ መተካእታ ምህናጽ ዝኸበደን ዝያዳ ጥንቃቐ ዝሓትትን ምዃኑ ግንዛበ ዘድልዮ እዩ። እቲ መተካእታ ካብቲ ዝጸንሐ፡ ዝበረኸ፡ ዝሓሸን ኣርሒቑ ዝጠመተን ምእንቲ ክኸውን ከኣ ፍሉይ ምስትውዓልን ምግንዛብን የድልዮ።

ኣብ ናይ ለውጢ መስርሕ ቃልሲ፡ ካብቲ ቀዳምነት ዝወሃቦ፡ ነቶም ክቕየሩ ወይ ክውገዱ ዝግበኦም  ብመጽናዕቲ ብዝተሰነየ ኣገባብ ኣለሊኻ ከተነጽሮም ምብቃዕ እዩ። እቲ መሰረታዊ መጽናዕቲ ኣብቲ እተወግዶ ጥራይ ዝውሰን ዘይኮነ፡ እቲ ኣብቲ ዝፈረሰ ዝህነጽ መተካእታ እውን ቅድሚ ለውጢ ምርግጋጹ፡ ቀዳምነት እትህቦኳ እንተዘይኮነ፡ እቲ መስርሕ ካብ መጀመርታኡ ክሳብ መዓርፍኡ ንጹር ምእንቲ ክኸውን፡ ከሎ ጌና ክሰፍር ዝግበኦ  እዩ። እዚ ኣብቲ ዝውገድን መተካእታኡን ዝፍጠር ንጹሩነት፡ እቲ ኣንዊሑ ዝጥምት ራኢ ቃልስኻ እንታይ ምዃኑ ከተብርህ ዘኽእል እዩ። “ናይ ጽባሕ ውጽኢት ሎሚ እዩ ዝእመት” ዝበሃል እውን ብመንጽርዚ ኣገዳስነት እዩ። ኣብ ክንድዚ ሎሚ እውን ሓሓሊፉ ከም ዝስማዕ “ጥራይ ሎሚ ደኣ ከም ገለ ይኹነልና እምበር ናይ ጽባሕስ ሽዑ ንርእዮ እዩ” ዝብል ስምዒት፡ ናበይ ከምትኸይድ ከየነጸርካ ከም ምጉዓዝ  ስለ ዝኸውን ክእረም ዝግበኦ ኣካይዳ እዩ። ኣብዚ “ዘይሓስብ ኣይንገድ”  ዝብል፡ ልሙድ ኣበሃህላ ምስትብሃሉ ኣገዳሲ እዩ።

ቀዳማይ ምዕራፍ ብረታዊ ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ ከወግዶ ዓሊሙ ዝነቐለሉ መግዛእቲ እዩ። ኣብ ቦታ መግዛእቲ ኣማዕድዩ ዝጥምቶ ዝነበረ መተካእታ ከኣ ናጻን ልኡላዊትን ሃገር ኤርትራ ምውሓስ ነይሩ። ክንድቲ ዝድለኳ ብሱልን ዉሑስን እንተዘይነበረ “እታ እትወሓስ ናጻ ሃገር ኤርትራኸ ብኸመይ ትመሓደር?” ዝብል ኣንፈት እውን ነይሩ እዩ። ሳላቲ ኣብ ምዕናው ጥራይ ከይተደረት ናብ መተካእታ እውን ዝቋመት ኣጠማምታኡ፡ ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ እቲ ቀዳማይ ገጹ ተዓዊቱ እዩ። ናይ ድሕሪ ናጽነት ሓርነታዊ ቃልስና እውን እንታይ የወግድ ብምንታይከ ይትካእ ዘነጸረን ነቲ ዝተጠልመ ሕድሪ ዘበራብርን ክኸውን ይግበኦ። ሓፈሻዊ ትሕዝቶ ናይቲ ነማዕድዎ መተካእታ ካብዚ ህዝብና ዘለዎ ደልሃመትን ጥልመት ብህግደፍን ናብ ዝበረኸ ወይ ዝሓሸ ዘብጽሕ ኣንፈት ክኸውን መተካእታ የብሉን። ኩሉ ካብ ዝነኣሰ ክሳብ ዝዓበየ ስጉምታትና ከኣ ካብ ወጽዓ ህግደፍ ኣውጺኡ፡ ነዚ ዘለናዮ ናብ ዝደግም ወይ ናብ  ዝኸፈአ ዝወስድ ኣቕጣጫ ከይከውን ክንጥንቀቐሉ ዝግበኣና እዩ። እቲ ተደጋጊሙ ዝስማዕ “ካብዚ ዝኸፈአ እንታይ ከይመጸና”  ዝብል ኣተሓሳስባ ከይወስደና ምስትውዓል ቅኑዕ እዩ።

ሎሚ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኤርትራ ተጻዒኑ ናይ ዘሎ ወጽዓ መርኣያ ዝኾኑ፡ እሞ ንምውጋዶም ንቃለሰሎም ዘለና መግለጺኦም ብዙሕ እዩ። ካብቶም ፍሩያት መርኣያታት፡ ዘይሕገመንግስታዊ ምምሕዳር፡ ንህዝቢ ጠሊሙ ብኢደ-ወነኑ ኣብ ስልጣን ዝተወጠሐ ዓመጸኛ ጉጅለ፡ መሰል ሓሳብካ ምግላጽን ምውዳብን ምንፋግን፡ ኣብ ክንዲ ብናይ ሃገርካ ኩለ-መዳያዊ ጸጋታታት ማዕረ ተጠቃምነት ምርካብ ኣደዳ ስደትን ሳዕቤናቱን ምዃን፡ ነጻነት ሃይማኖታዊ እምነት ዘይምህላው፡ ብሕጊ ብዘይስነ፡ መወዳታኡ ብዘይፍለጥን ብውልቀ ሰባት ብዝዝወርን ግዱድ ውትህድርና ምጽማድ፡ ዝብሉ ንኣብነት ዝኣክል ዝጥቀሱ እዮም። እዚኣቶም ክሳብ ብቓሊስና፡ ነቶም ዝጣበቕሎም ወገናት ስዒርና እንልውጦም ብቐጻሊ እንጠቕሶም እዮም።

እዚ ሎሚ ነካይዶ ዘለና፡ ቃልሲ ዝያዳ ጻዕርን ጥንቃቐን ዘድልዮ ዝኸውን ነዞም ዝተጠቕሱ መርኣያ ወጽዓን ጭቆናን ኣብ ምውጋድ ዝድረት ስለ ዘይኮነ እዩ። እቲ ቃልሲ ነዞም መርኣያታት ጭቆና ብዝበረኸን ዝሓሸን ምትከኦም ዘጠቓልል እዩ። እኳደኣ ካብዚ ንርከበሉ ዘለና ናይ ምቕያር መድረኽ እቲ ዝጽበየና ብዝሓሸ ናይ ምትካእ ሓላፍነት ዝያዳ ዝኸበደ፡ ዝነወሐ ግዜ ዝበልዕን ዝኸበረ ዋጋ ዘኽፍልን ኣብ ብዙሕ መዳያት ዝንጸባረቕን ብምዃኑ ከሎ ጋና ብሓባር ክንዳለወሉ ዝግበኣና እዩ። “ውሕጅ ከይመጸ መንገዲ ውሕጅ ጽረግ” ዝበሃል ከኣ ምእንቲዚ እዩ። እቲ መተካእታታት ነናቱ ጠባይ፡ መስርሕን ናይ ኣተገባብራ ስልትን ዝህልዎ ኮይኑ፡ ኣጠቓሊልካ ሕገመንግታዊ ምምሕዳር፡ ብናይ ህዝቢ ድምጺ ዝድይቡን ዝወርዱን መራሕቲ፡ ህዝቢ ኣብ ዝመረጾ እምነት ከምልኽ፡ ዜጋታት ቅኑዕ ኢሎም ዝኣመነሉ ሓሳብ ዘንጸባርቕሉን ብናጻ ዝውደበሉን፡ ህዝቢ ኣብ ገዛእ ሃገሩ ብጸጋታቱ ዝጥቀመሉን ካብ ስደት ተመሊሱ ናጻ ኮይኑ ዝሓርሰሉን ዝነግደሉን……..ወዘተ፡ ሕጋውን ቅዋማውን ውሕስነት ዝረኽበሉ ኩነታት ምፍጣር  እዩ። እዞም መተካእታታት ብናይ ዝተወሰነ ወገን ፍሉይ ድሌትን ጻዕርን  ዝረጋገጹ፡ ንውሱን ክፋል ብዘርብሕሉ ዝቕረጹ ዘይኮኑ፡ ብተሳትፎ መላእ ህዝቢ ዝረጋገጹን ናይ ብዙሓት ረብሓ ዝሕልዉን ምዃኖም ክዝንጋዕ ኣይግበኦን። እቲ ሓቢርካ ናይ ለውጢ ቃልሲ መድረኽ ምፍጣር ዘይስገር ዝኾነሉ መሰረታዊ ምኽንያት ከኣ እዚ እዩ።

ናይ ለውጢ ቃልሲ ብባህሪኡ ዝተሓላለኸ ምዃኑ ንዕዘቦ ኣለና። ኣብ ከምዚ ናትና ቃልሲ ከኣ ውሽጣዊ ብሓባር ናይዘምቅላስ ድኽመትና ተወሲኽዎ፡ ክሳብ ክንደይ ከም ዝኸብድ ተመኩሮና ባዕሉ መመሊሱ የርእየና ኣሎ። ኣብዚ ዓለምና ናብ ደረጃ ሓደ ገዛ ዝተቐራረበትሉ እዋን ነካይዶ ዘለና ኤርትራዊ ናይ ለውጢ ቃልሲ፡ በይንኻ ማዕጾኻ ዓጺኻ ዝካየድ ኣይኮነን። ኣብ ክንድኡ፡ ብረብሓ ህዝብኻን ክብሪ ሃገርካን ብዘይጻረር፡  ምስ ናትካ ናይ ሓባር ረብሓ ዘለዎ፡  ናይ ቀረባ ይኹን ናይ ርሑቕ ሓይሊ ግሉጽን ትካላውን ዝምድና ዝሓትት እዩ። በቲ ዝምድና ክምዝገብ ዝውጠን ዓወት ማእከላይ መዕቀኒኡ ረብሓ ህብኻን ክብሪ ሃገርካን ዝዕቅብ ክኸውን ዘይስገር እዩ። እዚ ሚዛንካ ሓሊኻ ምዝማድ ብትምኒት ዘይኮነ መተግበሪ ዓቕምን ብሱል ኣተሓሳስባን መትከላዊ ፖሊስን ብምጥራይ ዝረጋገጽ እዩ።  ነዚ ንምጽብራቕ እዩ ከኣ “እቲ ወሳኒ ውሽጣዊ ዓቕሚ ኮይኑ፡ እቲ ግዳማዊ መመላእታ እዩ” ዝበሃል። ስለዚ ኣብ ኩሉ ኣተሓሳስባናን ስጉምትናን ነቲ “ናይ ለውጢ ኣቕጣጫና ናብ ዝበረኸ እዩ” ዝብል ኣምር ከይንስሕት ንጠንቀቕ።

 

 

Last modified on Wednesday, 20 July 2022 15:20