እታ እክይቲ ሽርክነት ትሃስስ ኣላ

2022-06-20 05:56:54 Written by  ረዘነ ተስፋጽዮን Published in ጽሑፋት ትግርኛ Read 888 times

ዝምድና ኢሳያስ ኣፍወርቅን ኣብይ ኣሕመድን ዕድሚኣ ትሓጽር ዘላ ትመስል። ዕድመ ዝሃቦ ዝርእዮን ዝስምዖን ኣለዎ። እቲ ጸወታ ተወዲኡ ብምባል ንመንግስቲ ትግራይ ክትጥሕን ንህዝቢ ትግራይ ኣንጽፎ ዝብል ፋሽሽታዊ ወራር ኢሳያስን ንንዊሕ ግዜ ተጠጅኡ ዝጸንሐ ወራር ኣብ ልዕሊ ህዝብን መንግስትን ትግራይ ቅድሚ 19 ወርሓት ከም ዝተጸምቆ ንሕና ኤርትራውያንን ዓለምን በብተመስጠኦም መስክሮም ኢዮም። እቲ ነቲ ብሰሜንን ደቡብን ዝወፈረ ቀዛፊ መዓት ንምክልኻል ናይ ሞትን ህይወትን ምርጫ ዝነበሮ መሪሒነት መንግስቲ ትግራይ: ህዝባዊ ወያነ ሓርነት ትግራይ (ህወሓት) ምስቲ ህንዱድ ሓይሊ መልኣከ ሞት ኣብ ከተማታት ትግራይ ኮይኑ ክካላኸል ኣይመረጸን። ንኽተማታት ገዲፉ ናብቲ ሓርነት  ብረታዊ ቃልሲ ኣብ ሰብዓታት ዝጀመረሉ በረኻታት ዳግማይ ክወፍር ተፈሪዱስ: መሬትን ህዝብን ትግራይ መሰረት ገይሩ ነብሱ ተኻላኺሉ። ነቲ ንዘለእለም ክድምሰስ ፈሪድዎ ዝነበረ  ናይ ጸልማት ሓይልታት ንተግባሩ ዝገለጸ ጀነራል ታደስ ወረደ (ወዲ ወረደ) ”ሓመድ ኣልሑሶምና ግን ተሲእና” ኢሉ ዝመስከረላ ናይ ጸበባ ግዜ ብብዙሓት ተደጋጊማ እትስማዕ ነቲ ታርኽ ሞትን ህይወትን ብሓጸርቲ ቃላት እትገልጽ ኣብ ሓወልቲ ሰላም እትውቀጥ ኮይና ኢያ። ንሕና ኤርትራውያን ነዛ መጥሓን ህግደፍን መራሒኡን ኣቐዲምና ዝተመከርናያ ሰይጣናዊት መስርሕ ናብ ህዝቢ ትግራይ ዶብ ሰጊራ: ግፍዕታት ቅጥቀጣ ሰላማዊ ህዝቢ: ባህላዊ ክብርታት ኣዕንያ: ደቀ-ንስትዮ ብኣላማማ ክድፈራ በቲ ውልቀ መልኣከ ሞት መራሒ ዝተዋህበ መምርሒ ነውሪ ክፍጸሙ ሰሚዕና።

ነዚ ዝተዓዘበን ዝመርመረን ህቡብ ጀነራል መስፍን ሓጎስ: ምስ ኢሳያስ ኣፍወርቂ ዝተዕጓዞ ናይ ቃልሲ ዘመን ኣብ ልቡ ኣዋህሊሉ ድሕሪ ምጽናሕ: እዚ ናይ ህዝቢ ትግራይ ዓመጽን ገበንን ምስ ተፈጸመ: ቀንዲ ጸላኢ ህዝቢ ኢሳያስ ኣፈወርቅን መሓውራቱን ምዃኖም ዓው ኢሉ ገሊጹ። ሰድህአ ነዚ ጸላእ ህዝቢ ኤርትራ ብፍላይ ድሕሪ ፍጻመ ወራር ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይን መንግስቱን ንገበን ምልካውነት ኤርትራ ካብ ምጅማር እቲ ወራር ኣትሒዙ መግለጺ ኣውጺኡ ኢዩ። እቲ መግለጺታት ማእከላይ ባይቶን ፈጻሚ ኣካሉን በብግዚኡ ዘውጽኦ መግለጺታት ታሪኽ ሰኒድዎ ኣሎ።

ፈጻሚ ሽማገለ ሰልፊ ደሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ዕለት 3 ሓምለ 2021 ከምዚ ክብል መግለጺ ኣውጺኡ ነይሩ። ”ስርዓት ኢሳያስ መቐጸልታ ናይቲ ኣብ ኤርትራ ዝፍጽሞ ዘሎ በደላትን ንሓይልታት ምክልኻል ኤርትራ ኣብ ዘይምልከቶ ኣዕናዊ ውግእ ኣእትዩ ምስ ሓውና ህዝቢ ትግራይ ኣብ ክንዲ ሰናይ ጒርብትናን ምትሕብባርን ብሰላም ንነብር ብዘይ ድልየትናን ባህግናን ንኽልትኡ ህዝቢ ኣብ ዘይረብሕኡ ጽልኢ ከእትዎ ዝከኣሎ ኲሉ ገይሩ ኢዩ። እንተኾነ ስርዓት ህግደፍ ንህዝቢ ኤርትራ ከምይዘውክልን ህዝቢ ኤርትራ ብገበናት ናይ ጒጅለ ህግደፍ ከምዘይሕተትን ግንዛበ ክርክብ ዝግባእ ኢዩ። ክልቲኦም ህዝብታት ንሓድሕዶም ክትፋነኑ ዘይኮነስ ኣንጻር ናይ ሓባር ጸላኢኦም ህግደፍ ዝግበር ቃልሲ ክደጋገፉ እዋኑ ሕጂ ኢዩ”። ብምባል ንነባሪ ሕውነትን ጒርብትናን ህዝቢ ኤርትራን ህዝቢ ትግራይን ኣጒሊሑ ኣቐሚጥዎ ኣሎ። እዚ መገልጺ´ዚ ኣብቲ ምሉእ ትሕዝትኡ ሒዚዎ ዘሎ ውግእን ወረ ውግእን ኣብ መወዳእታ ብመሰረታዊ ፍታሕ ሽግራት ዘተ ተቓናቐንቲ ሓይልታ ዝመጽእ´ዩ ክብል ንፍልስፍና ሰላም ሰልፊ ደሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ መሪሒነቱ ማእከላይ ባይቶ ገሊጽዎ ኣሎ።

እቲ ብደቡብ ኣካል ህዝቢ ኢትዮጵያ ዝኾነ ህዝቢ ትግራይ ከጽንት ዝወፈረ ተግባር ቅድሚኡ ዝዓረፈ ፋሽታትዊ ወታሃደራዊ ስርዓት ደርግ ዝደገመ ነቲ ሓመድ ልሒሱ ዝተሰአ ናይ ሃለዋት ቃልሲ ህዝቢ ትግራይ: ”ከም ሓርጭ ዝተበተነ`ዩ” ክብል እቲ ኣብ ሓጺር ግዜ ተቐልቂሉ ክሳብ ናይ ሰላም ሽልማት ኖቤል ዝተቐበለ ስነ-ጥበባዊ ሓሶት ኣብይ ኣሕመድ: ሎሚ ድሕሪ ናይ 19 ወርሓት መኣዝን ብምቕያር ነታ ኣብ ስልጣን ዝመጸላ ሙዚቃ ሽሕጣን ”ፍቕሪ ያሸንፋል” ብሓድሽ ቅዲ ሰኒዑ. ምስ ህወሓት ዘተ ክገብር ብምክትሉ ደመቀ መኮነን ዝምራሕ ኮሚቲ ኣቚመ ኣለኹ ኢሉ ኣሎ። ህወሓት እውን ነዚ ብ መንጎኝነት ከንያ ዝግበር ዘተ ፖለቲካዊ ፍታሕ ናይቲ ጸበባ ተቐቢሉዎ ምህላው መግለጺ ኣውጺኡ ኣሎ። ህወሓት ንኣብይ ኣሕመድ ካልኣይ ከየጋግዮ ክጥንቀቐሉ ዘለዎ ሰብ`ዩ። ስለምንታይሲ: እዚ ሕጂ ኮሚቲ ዘተ ኣውጺአ ኣለኹ ዝብሎ ዘሎ መግለጺ ከቢድ ዋጋ ድሕሪ ምኽፋል ዝመጽእ ዘሎ ቃና´ዩ። ኣብቲ ሜዳ ጥምጥም ኣብ ምንጎ ህዝባዊ ናይ ምህላውን ሞትን ዝተኻየደ ጉዕዞ በቲ ሓደ: ብኻልእ ወገኑ ድማ ሽርክነት ኢሳያስ ዝመርሖ ሕሱም ወፍሪ እቲ ኣይብርከኽን ዝበለ መኸተ ህዝባዊ ማዕበል ዝፈጠሮ ናይ ምህላው ውጽኢት ዘምጽኦ መቐይሮ ቃናን: ድሕሪ ረድኤት ናብ ውጹዕ ህዝቢ ትግራይ ከይኣቱ ዝተገብረ ጨካን ክባን ዝፈጠሩ ናይ ዘመንና ሕሱማት ሓይልታት ገና ብህይወቶም ከም ዘለው ትኩር ጠመተ ዘድልዮ ኢዩ። እቶም ኢዶም ኣእትዮም ዘለው ናይ ደገ ሓይልታትውን እንተኾነ የርብሓና ዝብልዎ ስልቲ ተዓጢቖም ምህዎም ግንዛበ ዘድልዮ ኢዩ። ናይ ኢሳያስ ምስ ወራሪ ህዝቢ ኡክረይን ዝኾነ መንግስቲ ፑቲን ምውጋኑ እውን: ህዝቢ ኤርትራን ህዝቢ ትግራይን ክካታተሎ ዘለዎ ከቢድ መድረኽ ኣትዩ ምህላውን ህዝብታት ቀርኒ ኣፍሪቃ ኣብ ኣህጉራዊ ሓድሽ ተርእዮ ቅጥታን ውግእ ዝሑል ኲናትን ተጻጢሑ ምህላው ተረዲኡ፣ ፈትዩ ጸሊኡ ክመርጾ ዘለዎ ቀጽሪ ተፈጢሩ ኣሎ።     

እቲ ኣብይ ኣሕመድ ዕላምኡ ንምውቃዕ ዝጥቀመሉ ደፋር ጥበብ ሓሶት እውን እናሻዕ ክዝከር ዘለዎ ኢዩ። ብዛዕባ ህዝቢ ኤርትራን መግስቲ ኤርትራን ዝበሎ ገሊጹ ዘርኢ መግለጺ። ነቲ ዓለም ብምልኡ ዝኾኖኖ ስርዓት ጒጅለ ህግደፍ ኣብ 27 ሓምለ 2020 ዝኾሓሓሎ ንዝክሮ ኢና። ” ሓቂ ንምዝራብ ኣብዚ እዋን`ዚ እዚ መንግስቲ ኤርትራ: ናይ ሰላም ሓይሊ ምዃኑ ኢትዮጵያ ጥራይ ዘይኮነስ ምሉእ ዓለም ዝፈልጦን ዝኣምነሉን ጉዳይ ኢዩ” ክብል ኢሳያስ ኣፈወርቂ ንህዝቢ ኤርትራ ሓመድ ኣስሒንዎ ክነሱ: ከይሓፈረን ታሪኽከ ከመይ ክርእየኒ`ዩ ከይበለን ዝሃቦ ዘስደምም ናይ ሓሶት ምስክርነት ንህዝቢ ኤርትራ ብሕሰም ክግዛእ ዝፈርድ ቃላት ኣስሚዑና´ዩ። ብሓቂ ብጥንቃቐ ክተሓዝ ዘለዎ ሰብ ኢዩ፣ ኣብይ ኣሕመድን ተጋላባጢ ፖለቲካዊ ባህርያቱን። ብቐንዱ ግን ምስቲ ንኺዳናት ጥፍኣት ኢሳያስን ኣብይን ኣፍሺሉን ንሃለዋቱ ኣመስኪሩን ኣብ መቐለ መደበሩ ገይሩ ዘሎ መሪሕ ሓይልን ህዝብን ቆዋሚ ኣብ ምክብባር ህዝብታትን ዝተሰረተ ምሕዝነት ንምዕማቚ ብኹሉ ወገናት ክስርሓሉ ኣለዎ።

ረዘነ ተስፋጽዮን-ሽወደን

Last modified on Monday, 20 June 2022 08:00