ሓጺር ታሪኽ ሂይወት ብጻይ ፍሳሃ ገብረማርያም

2022-02-16 23:07:17 Written by  ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in ጽሑፋት ትግርኛ Read 1381 times

Fessaha Ghebremariam 20.10.1933ብጻይ ፍሳሃ ገብረማርያም

ነፍሰ-ይምሃር ፍሳሃ  (ፍሳሃጼን) ካብ ወላዲኡ ኣቶ ገብረምርያም ግርሙን ካብ ውላዲቱ ወይዘሮ ብጭር ብላታ ክፍለማርያምን  ብዕለት 20 ጥቅምቲ 1933 ዓ.ም እዩ ኣብ ዓዱ፣ ሓዳስ ወረዳ ቴድረር ኣውራጃ ኣከለጉዛይ  ተወሊዱ።

ናይ ትምህርቲ ዕድመ ምስ በጽሔ፡ ኣብቲ እዋንቲ ብዝነበረ ሕጽረት ናይ ኣብያተ ትምህርትን ብዘይካ ንደቂ ፍሉያት፡ ንደቂ ተራ ኤርትራዊ ገባራይ ናይ ምምሃር ዕድል ስለዘይነበረን፡ ብድልየት ወለዱን ናይ ቤተ ክህነት ተማሃርይ እዩ ነይሩ። ይኹን እምበር ፍሳሃ ዓቐመ ኣዳም ምስበጽሔ፡ ስድራ ንምሕጋዝ ካብዝነበሮ ድልየትን ሓላፍነትን ተበጊሱ ንዝጀመሮ ትምህርቲ ገዲፉ፡ ኣንጊሁ ኣብ ናይ ስራሕዓለም  ንኽዋፈረ ንኣስመራ ኣተወ ።

ፍሳሃ ኣብ ኣስመራ ስራሕ ኣብዝጀመረሉ ግዜ፣ ሓደ ካብቶም ናይ መጀመርታ ውሕስነት ስራሕ ንምርግጋጽን መሰል ሰራሕተኛ ንምሕላውን ዝቆመ ማሕበር ምህላዉ ይሰምዕ ስለዝነበረ፣ ኣብቲ ብመምህር ወልዳኣብ ወልደማርያም ዝቆመ ነጻ ማሕበር ሰራሕተናታት ተመዝጊቡ ናይ ኣባልነት ካርድ ወሰደ። ነዚ ዝፈለጠ ዋሃቢ ስርሑ ካብቲ ዝጀመሮ ስራሕ ስለዘውጻኦ ግን ንኣዲስ ኣበባ ተሰደ። ኣብ ኣዲስ ኣበባ ምምራሕ መኪና ተማሂሩ ኣብ ቶታል ካምፓኒ ተቆጺሩ ቕዉም ስራሕ ጀመረ።  ብቃል ኪዳን ድማ መነባብርኡ ክመርሕ ጀምረ።

ብጻይ ፍሳሃ፣ ዋላዃ ካብታ ዝተወልደላ ሃገርን ዓድን እንተራሓቐ፣ ሃገራዊ ስምዒቱን መንፈሱን ስለዘይራሓቐ ግን፡ ኣብ መጀመርታ 1970 ዓ.ም. ኣብ ተጋድሎ ሓርንት ኤርትራ ተውዲቡ። ፍሳሃ ኣብ ሕምብርቲ ጸላኢ ኣብ ማእከል ኣዲስ ኣበባ ኮይኑ፡ ውሽጣዊ ስርርዓት ኣብ ምስፋሕን ተልእኮ ውድቡ ኣብምፍጻምን ግቡኣቶም ካብዝፍጽሙ ዝነበሩ ተባዓት ሃገራውያን እዩ ነይሩ። ብዝነበሮ ትብዓትን ተወፋይነትን ድማ ድሕሪቲ ኣብ 1977 ዓ.ም ብፈዳይን ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራን ኢፒኣርፕን ኣብ ውሽጢ ኣዲስ ኣበባ ዝተኻየደ ስርሒት ዝተሳተፉ ተዋጋእቲ ኣብ ሓደጋ ንኸይወድቁ መካይኖም ከፊቶም ዝጽበዩን መድሕን ንኽኾኑ ካብዝተመደቡን ዝከታተሉን ዝነበሩ ስሩዓት ሓደ እዩ።  ንዝተዋህቦ መደብ  ብዝግባእ ምፍጻሙ ድማ ታሪኽ ዝምስክሮ እዩ።

ኣብ ከምዚ ኩነታት ሰውራ ኤርትራ ኣብ መላእ ህዝቢ ብዘሕደሮ ናይ ቃልስ ጽልዋን ስፍሓትን ብንእስነቱ ንዝጀመሮ ቃልሲ ንምዕዋት፡ ድሕርቲ ዝተኻኣየደ ስርሒት ድማዩ፣ መነባብርኡ ወጊኑ ኣብ መጀመርታ ወርሒ 01.1978  ኣብ መሳርዕ ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ ተሰሊፉ። ወታሃደራዊ ታዓሊም ድሕሪ ምውሳዱ ኣብ ጋሽ ዝነበረ ተዋጋኢ ሰራዊት  ተመዲቡ። ይኹን እምበር፣  ነዊሕ ከይጸንሔ ኣብ ክፍሊ መጓዓዝያ ተመዲቡ ኣብቲ ዳርጋ ክልት ኣዋርሕ ዝውሰደ ውግእ መረብ 1978 ሰራዊት ብዕጥቂ ንኸይጽገምን፣ ብሕጽረት ስንቂ ብጥሜት ከይጉዳይን፣ ካብቶም ደኺምና ከይበሉ ለይቲ ምስ ማዓልቲ   ንብረት ህዝብን ሰውራን ንምዕቃብ፡  ኩሉ ዝካኣሎም ዘበለ ዝኽፈሉ ተጋዳልቲ ሓደ ፍሳሃ ገብረማርያም እዩ ነይሩ። ክሳብ 1981 ድማ ኣብዚ መዳይዚ ብተወፋይነት ንሰውርኡ ኣገልጊሉ። ኲነታት ሜዳ ኤርትራ ተቐይሩ ማለት ጀብሃ፡ ኣብ ልዕሊኣ ብዝተኣወጀ ዘይቅዱስ ምሕዝነታዊ ንይ ጥፍኣት ውግእ ተደፊእ ዶብ ሱዳን ዝዓስከረትሉ ግዜ፡ ፍሳሃ ንሱዳን ኣተወ። ንሱዳን ምስ ምእታዉ ግን፡ በቲ ሓደ ወገን መራሕ ዓባይ መኪና ኮይኑ ናብርኡ ከካይድ ከሎ፡ በቲ ካልእ መዳይ ድማ ናይ ቃልሲ መስመሩ ከይበተኸ፣ ብዝኾነ ይኹን ምድንጋራት ከይተታለለን ከይተዳህለን ክሳብ 1989 መወዳእታ ኣባል ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ ሰውራዊ ባይቶ ኮይኑ  ቃልሱ ቀጸለ።

ስደት ህዝብና ዘይተወድኤን ገና ቀጻሊ ስለዘሎን፡ ብጻይ ፍሳሃ ገብረማርያም ኣብ ወርሒ 01.1990 ዓ,ም ጀርመን ኣትዩ ሓድሽ ሂይወት ጀመረ። ኣብ ጀርመን ምስ ኣተወ’ውን ካብ ብጾቱ ከይተፈልየን ንሓንቲ ማዓልቲውን ትኩን ናይ ቃልሲ መንፈሱ ከይቀየረን ኩሉቲ ውድቡ ዝሓለፈቶ ጸገማት ከም ኣመጻጽኣኡ ገጢሙን ሰጊሩን ኣባል ሰዲህኤ ኮይኑ ቀጸለ። ኣብዝሓለፈ ፖለቲካዊ ፍልልያት፡ መለለይን ሕላገትን ፍሳሃ ገብረኣርያም ድማ ኤርትራን ኤርትራውነት እዩ። ካልእ ኩሉ ድሕርዚ እዩ ዝስራዕ። ብጻይ ፍሳሃ ኣብ ሃይማኖታዊ እምነቶን ዕላምኡ ጽንዑን ሓያልን እሙን  ተቓላሳይ እዩ ነይሩ።

ፍሳሃ፣ እታ ዝፈትዋን ዝናፍቓን ሃገሩ ሃረር እንዳበለ እዩ፣ ሕጅስ ንህዝበይን ንእምነተይን ዝገበርክዎ ይኣኽለኒ ኢሉ ብዕለት 10 ለካቲት 2022 ኣብ መበል 89 ዓመቱ ኣብ ሆስፒታል ሃውዘን ፍራንክፎርት ክእለ ድሕሪ ምጽንሑ ካብዛ ዓለም ተፈልዩ።

ፍሳሃ፡ ለጋስን ፈቓርን ዓብዪ ንእሽቶ ከይበለ ንሰብ ዘኽብር ፣ ኩሉ ዘመልካዓሉ፣ ዓቃቢ ባህልን ሕድርን ህዝቢ ነይሩ። ብስጋ ካባና እዃ እንተተፈልየ፡  ኣብ ሕልናን መንፈስን መቃልስቱን መዛንኡን ህዝቡ ግን ህያውዩ፣  ፍሳሃ ኣቦ ሰለስተ እዩ፣ ብደቁ ወይዘሮ ኣጸደ፡ ኣቶ ተስፉን ሳምሶንን ደቆምን ድማ እንዳተዘከረ ክነብር እዩ። መስዋኣቱ ድማ ኣብ ናይ ክብሪ መዝገብ ክሰፍር እዩ።

ቃልሲ ጽንዓትካ ነመስግን!!

መንግስተ ሰማያት የዋርስካ!!

ጽንዓትን ጹረትን ንመላእ ቤተሰቡን ናይ ቃልሲ ብጾቱን!!!

Last modified on Thursday, 17 February 2022 00:17