“ኤርትራ ሓይልታታ ትስሓብ” ዝብል ይበዝሕ’ሎ

2022-01-28 18:50:49 Written by  ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in ጽሑፋት ትግርኛ Read 1009 times

ኣብ ኢትዮጵያ ብ4 ሕዳር 2020 ውግእ ምስተጀመረ ኣዝዮም ኣዛረብቲ ካብ ዝነበሩ ዛዕባታት ሓደ ሓቅነት ምእታውን ዘይምእታውን ሰራዊት ኤርትራ ናብቲ ውግእ ምንባሩ ዝዝከር እዩ። ገለ ወገናት ነቲ ርኡይ ዝነበረ ጣልቃ ኣእታውነት ክሓብእዎ፡ ካለኦት ከኣ ብመረጋገጽታት ኣሰንዮም ከቃልዕዎ ብዙሕ ምውጣጥ ነይሩ። ጉጅለ ህግደፍ ብዛዕብኡ ክዝረብ እንከሎ ምጽቃጥ ልማዱ ስለ ዝኾነ፡ ቀልጢፉ ድምጹ ኣየስመዐን። ገለ ዝያዳ ህግደፍ፡ ህግደፍ ኮይኖም ክቐርቡ ዝፈተኑ ኤርትራውያን ኣብቲ መጀመርያ “ኣሉ ቀጣን ኣይኣተወን” ክብሉ ፈቲኖም። ደሓር ዘይሕባእ ምስ ኮኖም ከኣ ነቲ ኢድ ኣእታውነት ምስ ዘይዛመዱ ጉዳያት እንዳዛመዱ፡ ምኽኑይ ክገብርዎ ፈቲኖም። ውሑዳት ክሳብ ሎሚ ዘይረብረቡ እውን ኣለዉ።

መንግስቲ ኢትዮጵያ ብዛዕባዚ ጉዳይ ወይ ሓቢርካ ምኽሓዱ ወይ ድማ ሓቢርካ ምቕባሉ ስለ ዝተጸገመ ብዙሕ ዘርጠብጠብ ኣርእዩ። ምስዚ ኩሉ ግና ካብ መጀመርታኡ ዝተኣመኑ እሞ በቲ ጉዳይ ዘይተሓጐሱ ፖለቲከኛታት ነይሮም እዮም። ሜጀር ጀነራል በላይ ስዩም ዝተባህሉ ሽዑ ኣዛዚ ሓይሊ ሰሜን ኢትዮጵያ ዝነበሩ ከሎ ጌና “ናይ ሰራዊት ኤርትራ ኣብ ጉዳይና ምእታው ንዓና ውርደት እዩ”  ዝበልዎ ብኣብነት ዝጥቀስ እዩ። ዝተፈላለያ ዓበይቲ ማዕከናት ዜና ብወገነን ካብ መጀመርታኡ ናይ ኤርትራ ሰራዊት ኣብ ውግእ ኢትዮጵያ ትግራይ ከም ዝኣተወ ኣረጋጊጸን ንዘይሰብኣውነቱ እውን ኣቃሊዐን እየን።  ካብ ውድብ ሕቡራት ሃገራትን ሕብረት ኤውሮጳን ጀሚርካ ክሳብ  ኣብቲ ጉዳይ ብውልቀን ርኢቶ ዝሃባ ሃገራት ምእታው ሰራዊት ኤርትራ  ናብ ውግእ ትግራይ ኣረጋጊጸን ናይ “ኢድኩም ስሓቡ” መሕጽንታ ከቕርባ ግዜ ኣይወሰደለንን።

እቶም ነቲ ናይ 2018 “ጸወታ ወያነ ተወዲኡ” ዝብል መደረ ኢሳያስ ኣፈወርቂ ብግቡእ ክከታተሉ ዝጸንሑ ወገናት ግና ምእታው ሰራዊት ኤርትራ ኣብቲ ውግእ ኣይተሓደሶምን። ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ (ሰዲህኤ)፡ እቲ ውግእ ምስተጀመረ ድሕሪ 17 መዓልታት ናይቲ ኢድ ኣእታውነት ሓደገኛ ሳዕቤን ተገንዚቡ ብምውጋዝ፡ “ሰራዊት ኤርትራ ካብ ትግራይ፡ ሰራዊት ኢትዮጵያ ከኣ ካብ ኤርትራ ይውጽኡ” ዝብል መጸዋዕታ ዘቕሪቡ።  ካለኦት ኤርትራዊ ወገናት እውን ከከም ሚዛኖም እቲ ኢድ ኣእታውነት ንረብሓ ኤርትራን ህዝባን ከምዘይከውን ብምርዳእ ናይ ተቓውሞ ድምጾም ከስምዑ ጸኒሖም እዮም። ህዝቢ ኤርትራ እውን ብዘይካቶም ብኣጻብዕ ዝቑጸሩ፡ ህግደፍ ዝበሎ ምድጋም እንተዘይኮይኑ ናቶም ሚዛን ዘይነበሮም፡ እቲ ድምጹ ዘስመዓሉ ዕድል ዘይረኸበ ሓፋሽ ህዝቢ ኤርትራ፡ ኣንጻርዚ ኢድ ኣእታውነት ምንባሩን ምዃኑን  ርዱእ እዩ። ምኽንያቱ ከምዚ ሎሚ ንዕዘቦ ዘለና  ሳዕቤኑ፡ ማዕጾ  እንዳኹሉ ዝኩሕኩሕ ስለ ዝኾነ።

ናይ ሰራዊት ኤርትራ ኣብቲ ውግእ ምእታው ዝተረድኡ ወገናት ብዛዕባ ኣሉታዊ ሳዕቤኑ ደጋጊሞም ኣሰሚዖም  እዮም። ናይ “ኤርትራ ሓይልታታ ካብቲ ውግእ ክስሕቡ” ጸዋዒቶም እውን ኣቃሊሖም እዮም። ነቲ ውግእ ብሰላምን ዘተን ኣብ ምፍታሕ ህላወ ኤርትራ ኣብ ኢትዮጵያ ዓንቃፊ ምንባሩን ምዃኑን እውን ናይ ብዙሓት እምነት እዩ።   ካብዚ ሓሊፎም ንኤርትራ ብሰንኪ ኢድ ኣእታውነታ ዝቐጽዑ እውን ኣለዉ። ኣሜሪካ ኣብ ልዕሊ ትካላትን ላዕለዎት ሰብ መዝን ህግደፍ ዝወሰነቶ እገዳ ከም ኣብነት ዝጥቀስ እዩ።

እቶም ቀንዲ ሰብ ጉዳይ ክንከውን ዝግበኣና ኤርትራውያን ኢና። ምኽንያቱ እቲ ናይ ኢድ ኣእታውነት ዋጋ ዝኸፍልዎ ኤርትራውያን ስለ ዝኾኑ። እቲ ሓቂ እዚ ክነሱ፡ ብሓደ ድምጺ “ደቅና ኣብ ዘይጉዳዮም ኣይህለቑ”  ክንብል ኣይከኣልናን ዘለና። እኳደኣ ዝኸፋፍለና ተረኽቦ ኮይኑ ኣሎ። እቲ ካብ ቅድሙ ካብ ትግራይ ዝተሰምዐ ናይ “ኣይትዝረዩና” ድምጺ ርዱእ ኮይኑ፡ ጉዳዮም ብሰንኪ ህግደፍ ይተሓላለኽ ከም ዘሎ ዝተረድኡ ኢትዮጵያውያን ፖለቲከኛታት “ኢድኩም ካብ ጉዳይና ሰሓቡ፡ ካብ ኤርትራ ትግራይ ትቐርበና” ዝብል ድምጺ ካብ ዘስምዑ ነዊሕ ግዜ ኮይኑ እዩ። ብሰንክዚ መርገጾም ዋጋ ዝኸፈሉ እውን ኣለዉ። እዚ ኢድ ኣእታውነት ህግደፍ ዘይጸውር ድምጺ ኢትዮጵያውያን ሎሚ እውን ኣዝዩ ይዓብን ይሰፍሕን ኣሎ። ኣብዚ ቀረባ ግዜ 63 ኣብ ዝተፈላለዩ ኩርነዓት ዓለም ዝንቀሳቐሳ ናይ ኦሮሞ ማሕበራት ብሓደ ድምጺ “ጉዳይና ብዘተ ንክፍታሕ ኤርትራ ካብ ጉዳይ ኢትዮጵያ ትውጻእ” ዝብል ድምጺ ምስማዐን ብቐሊሉ ዝረአ ስጉምቲ ኣይኮነን።

ብጉዳይ ኤርትራ ተጽዕኖ ዝሓየሎ መንግስቲ ዶ/ር ኣብይ ኣሕመድ፡ ብዛዕባ ምእታው ኤርትራ ኣብ ጉዳይ ኢትዮጵያ ክልተ ዓይኒ ዝርኢ ዘሎ ይመስል። በቲ ሓደ ወገን ኣብ ስልጣን ንምቕጻል ናይ ኤርትራ ሓገዝ ከም ዘድልዮ ይርኢ። በቲ ካልእ ወገን ከኣ ካብቲ ኣጋጢምዎ ዘሎ መሪር ውግእ ዘውጽእ መፍትሒ ንምርካብን ዲፕሎማሲያዊ ምስሉ ንምዕራይን ዝባኑ ቀሊዑን ናጻ ኮይኑን ከየናዲ ናይ ኤርትራ ተጽዕኖ የጸግሞ ከም ዘሎ ዝተረደአ ይመስል። ስለዚ ኣብ መንጎ “ይሓግዙናን ይውጽኡልናን” ተቐርቂሩ ኣሎ። እቲ ዘገርም ከምቲ ናይ ኤርትራ ሰራዊት ናብ ኢትዮጵያ ምእታው ንኤርትራውያን ብሓሳብ ዝኸፋፈለና፡ ንኢትዮጵያውያን እውን ዝኸፋፍሎም ዘሎ እዩ ዝመስል። ኦሮሞን ካለኦት ፈደራላዊ ስምዒት ዘለዎም ወገናትን ዝንባለኦም ናብ “ይውጸኣልና” ክዛዝው እንከሎ፡ ኣምሓራ ዝማእከሉ ሸነኽ ከኣ ናብ “ይሓግዘና” ይዛዝው ከም ዘሎ ብግልጺ ይረአ ኣሎ። ስለዚ ናይ ኤርትራ ኢድ ኣእታውነት፡ ንኤርትራ ኣይጠቐማን፡ ንትግራይ ኣዝዩ ጐዲኡዋ፡ ንኢትዮጵያ እውን ከይከፋፍላ  ዘስግእ ምልክታት ዘርኢ ዘሎ እዩ። 

ህግደፍ ውግእ ኢትዮጵያ ከምቲ ዝሓሰቦ ኣይኮነሉን። ሕልሙ ውግእ ኣብ ትግራይ ከምዚ ኮይኑዎ ዘሎ ከይተወዓወዐን ከይተናውሐን ዳርጋ ብስቱር ክውዳእ ድሌት ነይርዎ። ሕጂ ግና ባዕሉ ብዘምጸኦ መዘዝ ምህላዉን ዘይምህላዉን ዝውስን ኮይኑ ቀሪቡ ኣሎ።፡ ንድሕሪት መምለሲ መንገዲ ከኣ የብሉን። ኢሳያስ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ኣብ ዝሃቦ ቃለ መጠይቕ “ጉዳይ ኢትዮጵያ ኣይጉዳይናን ኢልና ንዕዘቦ ኣይኮነን”  ኢሉ ምስቲ ኣዋዲቕዎ ዝነበረ ጉዳይ ዶብን ልኡላውነትን ከዛምዶ ዝፈተኖ ነዚ ዘመላኽት እዩ። ውግእ ኢትዮጵያ ከምዚ ዘርእዮ ዘሎ ምልክታት ብዘተ ከይፍታሕ’ሞ ከም “ኣብ ጐልጐል ዝወገሖ ዝብኢ”  ኮይኑ ከይተርፍ ስግኣት ኣለዎ። ምርጫኡ ግና ሓንቲ እያ። ንሳ ከኣ ነቲ “ኤርትራ ሓይልታታ ትስሓብ” ዝብል ድምጽታት ጸማም እዝኒ ሂብካ ጠኒንካ ኣብቲ ውግእ ምቕጻል እያ። ምኽንያቱ እቲ ፋሕፋሕ ኣብ ኤርትራ ዘስዕቦ  ሓቢኡ፡ ኣብ ናይ ኢትዮጵያ  ፋሕፋሕ ተሓቢኡ ዕድሜኡ ኣብ ስልጣን ዘንውሕ ስለ ዝመስሎ።

 

Last modified on Friday, 28 January 2022 19:57