ስለ ዘይደለናዮ ዲና፡ ስለ ዘይከኣልናዮ?

2022-01-07 08:20:49 Written by  ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in ጽሑፋት ትግርኛ Read 862 times

ሓድነት ሓይሊ እዩ፡ ሽሕ ፈልጺ መእሰሪኡ ልሕጺ፡ ኣጻብዕቲ ምስ ዝሓብራ ኣርቃይ የጸንበዓ”፡ ዝብሉ ኣበሃህላታት፡ ኣብ ኤርትራና ቅቡላት እዮም። መሰረታዊ መልእኽቲ ናይዞም ምሳልያዊ ኣበሃህላታት ንኣድማዕነት ሓቢርካ ምስራሕ ወይ ምቅላስ ምዕዛዝ እዩ። ክንድቲ ኣገዳስነቶም ምትግባሮም ቀሊል ከም ዘይኮነ ከኣ ብሩህ እዩ። ብቕሩብነትን ኣበርክቶን ናይቶም ክሓብሩ ዝግበኦም ኣካላት እምበር፡ ብድሌት ውሱናት ዝትግበሩ ኣይኮኑን። እቲ ዘኽፍልዎ ዋጋ ቅሩብነት ክሳብ ዝሃለወ እምብዛ ክቡር ወይ ዘይከኣል ኣይኮነን። እዞም ኣምራት ካብ ዕለታዊ መነባብሮ ጀሚርካ ክሳብ ከምዚ ሎሚ ተጸሚድናሉ ዘለና ዝለዓለ ዕማም ቃልሲ ንጉዳይ ህዝብን ሃገርን ኣገደስቲ እዮም።

ኣብ ተመኩሮና በበይንኻ ወፍሪ ከምዘየድምዕ ካብ እንርዳእ ነዊሕ ግዜ ኮይኑ እዩ። ካብ በበይንኻ ወፍሪ ወጺእና ብሓባር ዘስርሓና መድረኽ ንምርካብ ካብ እንጸዋዋዕ እውን ከምኡ ነዊሕ እዋን ወሲዱ።   ምጽውዋዕ ጥራይ ዘይኮነ፡ ኣብ ግብራዊ ስጉምቲ ኣቲና ዝተፈተናሉ መድረኻት ውሑድ ኣይኮነን። ተመኩሮ ምሕዝነት ፖለቲካዊ ሓይልታት ኤርትራ (ምፖሓኤ)፡ ኤርትራዊ ዲሞክራሲያዊ ኪዳን (ኤዲኪ)፡ ኤርትራዊ ሃገራዊ ባይቶ ንዲሞክራስያዊ ለውጢ (ኤሃባዲለ)ን ካለኦት ንኡሳት ግንባራትን ምጥርናፋትን ንምድኳን ዝተኻየዱ ጻዕርታት ከም ኣብነት ዝጥቀሱ ፈተነታት እዮም። እንተኾነ ክሳብ ሕጂ ኣብ ኩሎም፡ ኣድሚዕናስ ኣብ ልዕሊ ጸላኢና ጉጅለ ህግደፍን ናይ ጭቆና መሓውሩን ዘሳሕዮ ተጽዕኖ ከነሕድር ኣይከኣልናን። ከምዚ ብምዃኑ ዘተሓሳስብ ኮይኑ፡ ካብዚ ኩሉ ምፍታንን ዘይምዕዋትን ዝተቐስመ ተመኩሮ ከም ዘሎ ግና ዝከሓድ ኣይኮነን። “እሞ ሎሚኸ ካብዚ እናደለናዮ  ዘየድማዕናሉ ተመኩሮታት ተማሂርናዶ ናብ ዝሓሸ ብራኸ ደየብና ወይስ ኣብኡ ጋም ማን ንብል ኣለና?” ዝብል ሕቶ ከልዓል  ባህርያዊ እዩ። “ነዚ ሕቶዚ ኣብ ምምላስከ ኣበየናይ ደረጃ ንርከብ ኣለና? ንዝብል’ውን ብጽሞና ክንሓስበሉ ካብ ምብቃዕ ካልእ መተካእታ የብልናን።

በዞም ፈቲናዮም ናብቲ ንደልዮ ብራኸ ዘየብጽሑና መድረኻ ተስፋ ቆሪጽና ብሓባር ዘስርሓና ሰፊሕ ጽላል ሃሰስ ካብ ምባል ዓዲ ዘይምውዓልና ዝነኣድ እዩ። ዝያዳ ዝነኣድ ግና ኣብ ፍረ ክንበጽሕ ምስ እንኽእል እዩ። ቃልሲ እንዳወድቕካ እንዳተንሳእካ ካብቲ ዘየዕወተካ እንዳተመሃርካ ዝኽየድ ጉዕዞ ስለ ዝኾነ፡ ተስፋ ዘይምቑራጽና ግቡእ እዩ። እቲ ምውዳቕን ምትንሳእን ንሓዋሩ መናብርትና ዘይኮነስ ኣብ ሓደ ቦታ ትምህርቲ ሂቡ ተሰጊሩ፡ ቀጻሊ ትንሳአ ዘበስር ክኸውን ይግበኦ። “ስለምንታይ ኢና ክንስራሕን ክንፈርስን ጸኒሕና?፡ ጌና ሎሚ እውን ካብኡ ዘይወጻእና?” ናይ ኩልና ሕቶ ክኸውን ይገበኦ። እቲ መልሲ እውን ብሓፈሻ ኣብ ኩሉ ኤርትራዊ፡ ብፍላይ ከኣ ኣብቲ ተወዲቡ ምእንቲ ለውጢ ዝቃለስ ዘሎ ኤርትራዊ ውዳበታት ዘሎ  እምበር፡ ካብ ካልእ እንጽበዮ ከምዘይኮነ ንገንዘብ። መልሱ ኣብ ኢድና ክነሱ ክንምልሶ ዘይምቃዕና ከኣ  መምስ ሕልናና ከንዛረበሉ ይግበኣና። ካብዚ ሕልናዊ ኣስተንትኖን ሓላፍነትን ክንነቅል እንከላና ኢና ከኣ ነቲ ብሓባር ምቅላስ ንደልዮ ክነስና ዘይከኣልናዮ ከነተግብሮ እንበቅዕ።

እቲ ክንሰግሮ እንዳደለናን እንዳጨራሕናሉን ክንበቕዖ ዘየኽኣለና ምኽንያታት ነዊሕ ዝርዝር ዘለዎ እዩ። ፖለቲካዊ ውድባት ኤርትራ ኣብ ሓደ ናይ ሓባር መድረኽ ገምጊመን ሓያሎ ድኽመታት  ዘመዝጊበን ከም ዝነበራ  ኣብ መደረኻት ዝዝረበሉ ዘሎ እዩ። ሕድገት ክትገብር ቅሩባት ዘይምዃን፡ ኣብ ክንዲ ናብ መጻኢ ምምዕዳው ኣብ ሕሉፍ ንምጽብጻብ ምድሃብ፡ ቀጻሊ ምትእምማን ዘይምጥራይ፡ ኣብ ክንዲ ነቶም ዘሰማምዑ ነቶም ዝፈላለዩ መጢጥካ ምጉላሕ፡ ኣብ ክንዲ ኣብ ህልዊ ናይ ዘሰማምዑ ነጥብታት ምትእምማን ኣብ መጻኢ ከጋጥሙ ይኽእሉ ዝበሃሉ ስግኣታት ምጥርጣር፡ ሎሚ ብውድባት ዝዕመሙን ጽባሕ ንህዝቢ ኤርትራ ዝምልከቱን ኣነጺርካ ዘይምርዳእ፡ ናይ ሎሚ ምድማዕ ንናይ ጽባሕ ዓወት ኣፍደገ ዝኸፍት ምዃኑ ዘይምእማን፡ ኣብ ክንዲ ናትካ ኣተሓሳስባ ኣነጺርካ ምብራህ ናይ መወዳድርትኻ ኣተሓሳስባ ምንእኣስ፡ በቲ ዘሰማምዓካ ነጥብታት እውን ብሓባር ናብ ህዝቢ ዘይምቕራብ፡ ንኤርትራውን ዝጸልወካ ዘይኤርትራውን ዛዕባታት ብንጹር ደደረጀኦም ከተትሕዝ ዘይምብቃዕን ምድውዋሶምን፡ ከምኡ እውን ብሓባር ንቃለስ ክበሃል እንከሎ፡ ንኹልኻ ብማዕረ ዘርብሕ ምዃኑ ኣብ ክንዲ ምርዳእ ንሓደ ኣካል ጥራይ ከም ዝጠቅም ጌርካ ምውሳድ፡ ከም ናይ ዕንቅፋት ኣብነታት ክጥቀሱ ዝኽእሉ እዮም። እቶም ዕንቅፋታት ከምዚኣቶም ካብ ኮኑ እቲ መፍትሒ ከኣ ኣብኣቶም ኣራሚ ስጉምቲ ምውሳድ  እዩ።

ኤርትራዊ ፖለቲካዊ መስርሕ ብደረጅኡ ዝጸሉን ዝጽሎን እምበር ንጹል ኣይኮነን። እቲ ምጽልላው ኣብ መንጎ ኤርትራዊ ውዳበታን ዘይኤርትራዊ ከባብያዊ ኣካላትን ጥራይ ዘይኮነ፡ ኣብ ሕድሕድ ኤርትራዊ ውዳበታት እውን ክረአ ዝግበኦ እዩ። ምጽልላው ካብ ዝግለጸሉ ሓደ፡ ንስኻ ካብ ተመኩሮ ካለኦት ክትወስድ፡ ካለኦት ከኣ ካብ ናትካ ተመኩሮ ክወስዱ እንከለዉ እዩ። ኣብ ሕድሕድ ኤርትራዊ ውዳበታት እዚ ምምልላእ ኣሎዶ የለን ምድህሳሱ ኣድላይ እዩ። ሎሚ ደኣ ይሓይሽ እምበር ተመኩሮና ኣብ ሓደ ዝገብሮ እቲ ካልእ ከነኣእሶ ወይ ከፍርሶ ኮይኑ ከም ዝጸንሐ ዝዝንጋዕ ኣይኮነን። እዚ ግጉይ ናይ ምጽልላው ተመኩሮን ንሱ ዝገደፎ ስንብራትን ክሳብ ሎሚ እውን ሰፊሕ ናይ ሓባር ጽላል ከይንውንን ካብ ዝዓንቀጹና ሓደ እዩ ኢልካ  ዘይውሰድ ኣይኮነን።

ቅድሚ ሕጂ ኣብ ልዕሊ ህዝብናን ሃገርናን ዝወርድ መከራ እናደረኸና፡ “ግዜ የብልናን ናይ ሓባር መድረኽ ኣብ ምፍጣር ንቀላጠፍ” ክንብል ጸኒሕና ኢና። እቲ ግዜ የብልናን ሎሚ ዝያዳ ዓይኑ ኣፍጢጡ መጺኡ፡ ኣብ ድርኩዂት ሃገር ናይ ምድሓንን ዘይምድሓንን ንርከብ ኣለና። ኤርትራዊ ልኡላዊ ህልውናና  ብጉልባብ ዞባዊ ድዩ ከባብያዊ ኣጀንዳ ተጐልቢቡ ከይወሓጥ ኣብ ዘስገኣሉ ደረጃ ኢና ንርከብ ዘለና። ብመንጽርዚ ንርከበሉ ዘለና ህጹጽ ተሃዋሲ እዋን፡ ኣብ ክንዲ ጽባሕ ወይ ድሕሪ ጽባሕ ከገጥሙ ዝኽእሉ ብደሆታት ከነጻሪ ግዜ ንበልዕ፡ ሎሚ ኣብ ኢድና ብዘሎ ዓቕሚ ክንገጥሞ ንግደደሉ እዩ። እዚ ማለት ኣብ ሎሚ ኮይና ብዛዕባ ጽባሕ ኣይንሕሰብ ማለት ዘይኮነ፡ ናይ ሎሚ ከይወገና ናብ ጽባሕ ክንሰግር ስለ ዘይንኽእል፡ ንሎሚ ኮነ ንጽባሕ በብደረጃኦም ኣድህቦ ንሃቦም ንምባል ዝኣክል እዩ። ስለዚ ዝርዝር ከየብዛሕና ኣብ ምዕቃብ ልኡላውነት ኤርትራን ምውጋድ ህግደፍን ትካላቱን ኣትኪልና፡ እቲ ንደልዮ ንምዕዋት ብዘለና ዓቕሚ ንጠቐም  መጸዋዕታና እዩ።

Last modified on Friday, 07 January 2022 09:24