ስለምንታይ፡ ኤርትራውያን ኣብ በበይኑ ሰልፍታት?

2021-12-15 11:55:00 Written by  ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in ጽሑፋት ትግርኛ Read 1080 times

ሰላማዊ ሰልፊ ካብቲ ብዙሕ ዘይጐነጻዊ ኣገባብ ቃልሲ ዝግለጸሉ መንገድታት ሓደ እዩ። ስሙ ደኣ “ሰላማዊ” ይኹን እምበር፡ ብትሕዝቶኡ ሓደ ኣሉታዊ ተረኽቦ ንክውገደልካ ወይ ድማ ተቐባልነት ንክረኽበልካ እትደፍኣሉ ህዝባዊ ናዕቢ እዩ። በዚ መሰረት ሰባት ሓደ ጉዳይ ክውገደሎም ወይ ክቕጽለሎም ኣብ ዝደልይሉ ኩነታት ዝኽተልዎ ስልቲ ቃልሲ እዩ። እዚ ኣምር’ዚ፡ ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ተመኩሮ ናይቲ ልዕሊ 80 ዓመታት ዝዕድሚኡ ፖለቲካዊ ቃልሱ የዘውትሮ ስለዝነበረ  ሎሚ ከም ሓድሽ ዝንገሮ ኣይኮነን።

ምክያድ ሰላማዊ ሰልፊ ንባዕሉ ሓደ ካብ ተቓሊስካ ከተረጋግጾ ዘለካ መሰረታዊ መሰላት እዩ። ኤርትራውያን ክሳብዚ እዋንዚ ነዚ መሰልዚ ክጭብጡ ስለዘይከኣሉ፡ ንምጭባጡ ይቃለስሎም ካብ ዘለዉ መሰላት ሓደ እዩ። ነዚ ኣብ ግምት ብምእታው፡ ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ (ሰዲህኤ)፡ ኣብቲ  ንመሰረታዊ ናጽነታትን ሓርነታትን ዝምልከት ክፋል ፖለቲካዊ መደብ ዕዮኡ፡ “ ሰዲህኤ፡ ኤርትራ ኩሉ መሰረታዊ ኣድማሳዊ፡ ሰብኣውን ሲቪላውን ሓርነታትን ደሞክራስያዊ መሰላትን ብሕታዊ ቁጠባዊ ዋንነትን ዘውሓሰት ሙሉእ ናይ ሃይማኖታዊ እምነት፣ ሓሳብካ ናይ ምግላጽ፣ ናይ ሰላማዊ ሰልፊ፡ ምእካብን፣ ምንቅስቓስን፡ ከምኡውን ሞያውን ህዝባውን ማሕበራት ናይ ምውዳብን ነጻነት ዘለዋ ሃገር ንኽትከውን ይቃለስ።”  ዝብል ኣስፊሩ ኣሎ።

ኤርትራውያን ብዙሕነትና ዝወለዶ መሰረታዊ ዘይኮነ ፍልልያት ኣለና። እዚ ፍልልያትዚ ምሳና ዝነበረን ዝቕጽልን እምበር፡ ሓድሽ ዝተፈጥረ ኣይኮነን። ሓድሽ ዝበሃል ነገር እንተሊይዎ እቲ ዝጸንሓና  ንፍልልያት ኣማሓዲርካን ኣከኣኢልካን ኣብ መሰረታዊ ጉዳያት ግና ሰጢምካ ብሓባር ምቕጻል ይፈኩስ ምህላዉ እዩ። ካብቲ ሳላ ንኡስ ፍልልያትና ኣመሓዲርና ኣብ መሰረታዊ ጉዳያት ሓደ  ብምዃና ዘረጋገጽናዮ ዓወት ናጽነትና ኣረጋጊጽና፡ ልኡላውነትና ከነውሕስ ምኽኣልና እቲ ዝለዓለ እዩ። እዚ ናብ ቀዳማይ ጸላኢ ኣትኪሉ ታሪኽ ዝሰርሐ ሓድነት ሎሚኸ ኣብ ከመይ ደረጃ ይርከብ ኣሎ? ዝብል ሕቶ ብጽሞና ተረዲእና ብህድኣትን ሓላፍነትን ክንምልሶ ዝግበኣና እዩ።

ኣብዚ እዋንዚ፡ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ቀዳመ-ሰንበት፡ ኣብ ዝተፈላለዩ ኩርነዓት ዓለም ኤርትራውያን ዝሳተፍዎ ሰላማዊ ሰልፍታት ምርኣይ ንቡር ኮይኑ ኣሎ። እቲ ኣገባቡ፡ ቃንኡን ተልእኮኡን ግና ከምቲ ምብዝሑ ዘተባብዕን ናይ ሓባር ዓቕሚ ዝድልብን ኣይኮነን። ካብቲ ከምኡ ዘብሎ መሰረታዊ ጉዳይ፡ ኣብ ክንዲ ሓድነትን ምቅርራብን ኤርትራውያን ዘህጥር፡ ነቲ ዝጸንሐ ኤርትራዊ ኒሕ ዘድክም ስለ ዝኾነ እዩ። ሎሚ ኤርትራውያን ገሊኦም ምስ  ተጋሩ፡ ገሊኦም ምስ ደገፍቲ ብልጽግና ኢትዮጵያውያን፡ ገሊኦም ከኣ ነብሶም ክኢሎም ኣንጻር ጉጅለ ህግደፍ ይስለፉ ኣለዉ። እዚ ኣካይዳዚ ምስቲ ድሕሪ ተረኽቦ ህልቂት ኤርትራውያን ደሴት ላምፓዱዛ፡ ብሓንሳብ ኣብ ጀነቫ ዘካየድዎ ደሓር ግና ከምቲ ኣጀማምራኡ ዘይቀጸለ መሬት ዘንቀጥቀጠ ሰላማዊ ሰልፊ ከነረኣእዮ እንከለና፡  ነንቆልቁል ከም ዘለና ዘመልክት እዩ።

ነዚ በበይንኻ ምስላፍን ምስ ዘይኤርትራውያን ምስላፍና ዘምጸኦ ፖለቲካዊ ናይ ኣተሓሳስባ ፍልልይ ምዃኑ ንጹር እዩ። ኣብ ፖለቲካዊ ኣረኣእያ ምፍልላይ ንቡርኳ እንተኾነ፡ ኣብ ክፈላልየካ ዘይግበኦ ተፈላሊኻ፡  ክኾኖ ካብ ዝግበኦ ዝያዳ መጢጥካ ምርሕሓቕ ግና ቅቡል ኣይኮነን። ናብ ኣተሃላልዋ ኤርትራውያን ኣብ ዲያስፖራ ክንመጽእ እንከለና እምበኣር፡  ፍልልይ በሪኹ ናብ በበይንኻ ምስላፍ ጐቲቱ ዝወስደና ዘሎ ኣብ ኢትዮጵያ ብፍላይ ከኣ ኣብ ትግራይ፡ ሰኣን ብዓንተቦ ብጥንቃቐን ውሕልነትን ምሓዙ ተባሪዑ ቃልቃል ዝብል ዘሎ ውግእን ፖለቲካዊ ትሕዝቶኡን እዩ። ተፈትወ-ተጸልአ፡ ከም ናይ ኢትዮጵያ ዝኣመሰለ ናይ ቀረባ ጐረቤት ፖለቲካዊ ምዕባለ ክንድቲ ቅርበቱ ዘሕድረልና ጽልዋ ዕዙዝ’ዩ። እቲ ሓያል ምጽልላው ከም ዘለዎ ኮይኑ፡ ጉዳይ ኤርትራ ንኢትዮጵያውያንን ተጋሩን ቀንዲ ጉዳዮም ኣይኮነን። ጉዳይ ትግራይ፡ ኢትዮጵያን ሱዳንን ከኣ  ንኤርትራውያን ቀንዲ ዋኒኖም ኣይኮነን።

ኣብ ዝምድና በብመድረኹ ዘጋጥም ምውጣጣት ኣሎ። ኣብ ጐረቤትካ ዝፍጠር ሓድሽ ተርእዮ፡ ኣብ ፍሉይ ተጠንቀቕ ክትከውን ይቕስበካ እዩ። ኣባኻ ዝረአ ፍሉይ ምዕብልና እውን ንጐረባብትኻ ከምኡ’ዩ። ኣብዚ  ንጉዳያት ብቐረባ ኣድቂቕካ ካብ ምርኣይ ሓሊፍካ፡ ምሉእ ብምሉእ ኣካል ጉዳይ ጐረቤትካ ከይትኸውን እሞ፡  ናብ ጣልቃነትን ሻራነትን ከይወስደካ ምጥንቃቕ ኣዝዩ ኣገዳሲ እዩ። ካብ ከምዚ ዓይነት ሓደጋ ንምድሓን ከምቲ “ብዕራይ ናብ ዘበለ እንተበለ ዕርፊ ኣጽንዕዝበሃል፡ እትግዘኣሉ ኣቐዲሙ ዝተሰነደ መቆጻጸሪ ክህልወካ መሰረታዊ እዩ። ኣብ ፖለቲካዊ መደብ ዕዮ ሰዲህኤ “ኣብ ኣህጕራዊ መዳይ ክብራ ዝሓለወት ሃገር ንምህናጽ፡ ኣህጕራዊ ሕግታት፣ ቻርተራት፣ ውዕላትን ውሳኔታትን ዘኽብር፡ ንልዑላውነት ሃገራት ዘይደፍርን ናይ ሕድሕድ ኢድ ምትእትታው ዘይቅበልን ናይ ወጻኢ ዝምድናታት ፖሊሲ ክኽተል እዩ” ብዝብል ዝሰፈረ ምውካስ ይከኣል። ከምዚ ዓይነት መትከላዊ ቀይዲ ኣብ ኩሉ መድረኻት እትምርኮሰሉ እምበር፡ “ክውዕየካን ብማንካ ክዝሕለካን ብኢድካ” ብዝዓይነቱ ተገላባጥነት እትሕዞ ኣይኮነን። ከምዘየስርሕን ምሕዳስ ከም ዘድልዮን እንተደኣ ተኣሚንሉ፡ ዝቕየረሉ ኮነ ዝመሓየሸሉ ሕጋዊ መድረኽን ኣገባብን ኣለዎ።

ስለምንታይ፡ ኤርትራውያን ኣብ በበይኑ ሰልፍታት? ዝብል ሕቶ ክንምለስ እንከለና፡ ብዛዕባ እቶም ምስ ኤርትራውያን ዝስለፉ መጻኢት ኤርትራ ዝርእይሉ ፖለቲካዊ ትጽቢት ምድህሳስ ኣገዳሲ እዩ። እቶም ኤርትራውያን ምስኣቶም ዝስለፉ ዘለዉ ካብ ተጻራሪ ምቅንቓን ሓሊፎም ኣብ ውግእ ኣትዮም ዘለዉ ሓይልታት ትግራይን ማእከላይ መንግስቲ ኢትዮጵያን እዮም። ኣብ ዙርያ ብልጽግና ዘለዉ ሓይልታት መብዛሕትኦም፡ ቅድም ናጽነት ኤርትራ ዘይተቐበሉ፡ ሎሚ’ውን ብጉዳይ ቀይሕ ባሕሪ ኤርትራ ካብ ምሕላም ዓዲ ዘይወዓሉን ንህዝባዊ ወያነ ሓርነት ትግራይ፡ ንናጽነት ኤርትራ ኣፍልጦ ብምሃቡ “ወንጀለኛ” ዝብልዎን እዮም። ዝተወሰኑ ከኣ ብዛዕባ ልኡላውነት ኤርትራ፡ ኣቶ ኢሳያስ ኣፈወርቂ ኣብ ኣዳራሻት ኢትዮጵያ “እቶም ህዝብታት ኤርትራን ኢትዮጵያን ክልተ ህዝቢ እዮም ዝብሉ፡ ነቲ ሓቂ ዘይፈልጡ እዮም” ክብል እንከሎ፡ ሕልሞም ዝተፈትሐ ዝመስሎም፡ ናይ ቀይሕ ባሕሪ ሃረፍቲ እዮም። ስለዚ ካብ ግዝያዊ ስምዒት ነቒልካ ምስ ከምዚኣቶም ምስላፍ ባዕልኻ ዋሓጢኻ  ገበል ምጉታት ከይከውን ምስብሃል የድልዮ።

ህወሓት  ዝጸልዎ  ዝነበረ መንግስቲ ኢህወደግ፡ ኣብ ታሪኽ ኢትዮጵያ ንመጀመርያ ግዜ ናጽነት ኤርትራ ዝደገፈን ኣፍልጦ ዝሃበን ምዃኑ ንጹር እዩ። እዚ ንሱ ዝኸፈቶ ኣፍደገ፡ ዓለምና ብቕልጡፍ ናይ ኤርትራ ልኡላውነት ክትምዝግብ መድረኸ ዘስፈሐ ምዃኑ ቦታኡ ኣብ ታሪኽ ህያው እዩ። ስለዚ ምስዚ ሓይሊዚ  ንመጻኢ ጥዑይ ጉርብትና ምምስራት ንክሕግዝ እውን ኣብዚ ወሳኒ እዋን ምድግጋፍን ምትሕግጋዝን ቅኑዕ እዩ። ክደባለቕ ዘይግበኦ ተርእዮታት ደዋዊስካ፡ “ጉዳይና ጉዳዮም፡ ጉዳዮም ከኣ ጉዳይና እዩ” ኢልካ ምድምዳም ግና ዝነኣድ ኣተሓሕዛ ኣይኮነን።

ስለዚ ኤርትራውያን፡ ኣብዚ ኣይኮነንዶ ብጉዳይ ጐረቤት፡ ብጉዳይና እውን ክንፈላለየሉ ዘይግበኣና ወሳኒ ህዝብን ሃገርን ናይ ምድሓን ግዜ ምህላውና ነስተብህል። ኣብቲ ቀዳምነትና ዝኾነ ብሓባር ተሰሊፍና  ድምጽና ነስምዕ። ነቲ ምስ ኤርትራውያን ዘይኮኑ ወገናት ዝህልወና ዝምድናን  ምድግጋፍን ከኣ ንዓኡ ዝምጥን ግቡእ ክብደት ንሃቦ።

Last modified on Wednesday, 15 December 2021 13:07