ቅልውላው ትግራይ፡ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብዪ ኣሕመድ ሃገራዊ ጻውዒት ክተት ኣዊጁ

2021-08-11 09:53:21 Written by  BBC Published in ጽሑፋት ትግርኛ Read 1046 times

ቅልውላው ትግራይ፡ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብዪ ኣሕመድ ሃገራዊ ጻውዒት ክተት ኣዊጁ

10 ነሓሰ 2021
ህዝባዊ ሰልፊ

ምንጪ ስእሊ,REUTERS

ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ኣብዩ ኣሕመድ፡ ኩሎም ዜጋታት ናብቲ ኣንጻር ሓይልታት ትግራይ ዝካየድ ዘሎ ኲናት ክጽምበሩ ጸዊዑ፡፡

ንሱ ሎሚ ብቤት ጽሕፈቱ ኣቢሉ ኣብ ዘውጸኦ መግለጺ፡ ‘‘ኩለኹም ኣብቲ ሃገር ናይ ምክልኻል ወፍሪ ንምስታፍ ዕድመኹምን ዓቕምኹምን ዝፈቅድ ኢትዮያውያን፡ ናብ ሰራዊት ምክልኻል፣ ፍሉይ ሓይልን ሚልሻን ብምእታው ሓለውቲ ሃገር ምዃንኩም እተርእዩሉ እዋን እዩ’’ ኢሉ፡፡

ሓይልታት ትግራይ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ሰነ ንሰፊሕ ከባቢታት ትግራይ ድሕሪ ምቁጽጻሮም እቲ ኲናት ኣብ ካልኦት ክልላት ኣስፋሕፊሑ ይርከብ።

ሰራዊት ፌደራል ካብ ከተማ መቐለ ድሕሪ ምስሓቡ በይናዊ ምቁራጽ ተኹሲ ኣዊጁ እኳ እንተነበረ፡ ኣብ ስምምዕ ዝተመስረተ ምቁራጽ ተኹሲ ክግበር ዝሓቱ ሓይልታት ትግራይ ግና ኣብ ልዕሊ ትግራይ ዝተነበረ ዕጽዋ ክለዓልን ሓይልታ ኣምሓራን ኤርትራን ካብ ትግራይ ክወጹ ዝሓትትን ነጥቢ ዝርከቡዎም ቅድመ ኩነታት ብምቕማጥ ቃልሶም ቀጺሎም ንገለ ከባቢታት ኣምሓራን ዓፋርን ተቖጻጺሮም፡፡

ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ምስ ቢቢሲ ጻንሒት ገይሩ ዝነበረ ካብ ኣዘዝቲ ሰራዊት ትግራይ ሓደ ዝኾነ ጀነራል ጻድቃን ገብረትንሳኤ፡ ሓይልታቶም ናብ ጎረቤት ክልላት ዝደፍኡ፡ ነቲ መንግስቲ ፌደራል ሓገዝ ናብ ክልሎም ከይኣቱ ዘንበሮ ክልከላ ንምስባር ከምዝኾነ ገሊጹ ነይሩ፡፡

ኮይኑ ግና እቲ ሎሚ መንግስቲ ኢትዮጵያ ዘውጸኦ መግለጺ፡ ሓይልታት ትግራይ ሓገዝ ከይኣቱን ሓረስቶት ከይሓርሱን ከልኪሎም ብምባል ከሲሱ፡፡

እቲ ተዓዋቲ ሰላም ቀዳማይ ሚኒስተር፡ ንህወሐት ንምስዓር ኩሉ ህዝቢ ክኸትት ጸዊዑ ኣሎ፡፡

‘‘ኩሉ ኢትዮጵያዊ ዓይንን እዝንን ሃገሩ ብምዃን ሰለልትን ተሓባበርትን ህወሓት ንምቅላዕ ምስ ሓይልታት ጸጥታ ብቕርበት ክሰርሕ ኣለዎ’’ ኢሉ፡፡

ውድብ ህወሓት ብመንግስቲ ኢትዮጵያ ግብረ ሽበራዊ ተባሂሉ ዝተበየነ ኮይኑ፡ እቲ ውድብ ግና ሕጋዊ መንግስቲ እቲ ክልል ከምዝኾነ እዩ ዝገልጽ፡፡

እቲ ቀዳማይ ሚኒስተር ሎሚ ኣብ ዘውጸኦ መግለጺ ሽሞም ዘይጠቐሶም ትካላት ሰብኣዊ ሓገዝ ነቲ ‘‘ጁንታ’’ ክብል ዝገለጾ ኣካል ክሕግዙ ተረኺቦም ክብል ከሲሱ፡፡

‘‘መንግስቲ ንዝገብሮ ጻዕሪ ግቡእ ክብሪ ዘይምሃቦም ከይኣክል፡ ብሽም ሰብኣዊ ሓገዝ ነቲ ጁንታ ዝሕግዝ ተግባር ክፍጽሙ ኢድ ብኢድ ዝተትሓዙ ኣለዉ’’ ኢሉ፡፡

ኣብ ቀረባ መዓልቲታት ሰብመዚ መንግስቲ ኢትዮጵያ፡ ናይ ትካል ሰብ ኣልቦ ሓካይም ደችን ኖርወይ ረፊውጂ ካውንስልን ዝርከቡዎም ሰለስተ ትካላት ሰብኣዊ ሓገዝ ፍቓድ ምስራዞም ዝዝከር እዩ፡፡

ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ኣብ ኢትዮጵያ ዑደት ዝገበረ ሓላፊ ሰብኣዊ ረድኤት ሕቡራት ሃገራት ማርቲን ግሪፍቲዝ ግና፡ ሰብመዚ ኢትዮጵያ ሰራሕተኛታት ረድኤት ንሓይልታት ትግራይ ይድግፉ እዮም ምበሎም ሓደገኛ ምዃኑን መርተዖ እንተሃልዩዎም መረዳእታ ከቕርቡ ኣዘኻኺሩ።