30 ዓመት ሕሱም መሕድሮ፡ ከም ኤርትራዊ ሓፊረ

2021-06-27 06:51:33 Written by  ክፍላይ ተኪአ Published in ጽሑፋት ትግርኛ Read 1207 times

ኣነ ከም ጸሓፍን ሓሳብ ኣቕራብን ኣምር ኣርእስተይ ተኸቲለ ናብ ሕብረተ-ሰበይ ከመሓላልፍ እንከለኹ፡ ብመጠኑ ካብቲ መሰል ሰብኣዊ ክብሩ ክገልጽ ዘይክእል፡ ብመጠኑ ሕልናዊ ዕረፍቲ ኣሎኒ። ምኽንያቱ ወዲ-ሰብ ንመሰል ብኣካላት ህዋሳቱ ሓሳባቱ ክገልጽን ክፈትሕን፡ ህያብ ባህርያዊ ብልጫ ናይ ጉዕዞ ናይ ነፍስ-ወከፍ ፍጡር ወዲ-ሰብ ሓደ ካብቶም 5 ህዋሳቱ ስለ ዝኾነ፡ ብዝተፈላለየ መገዲ ንሓቅን ፍትሓውን መልእኽቲ ሓሳባቱ ከፍስስ እቲ ቀንዲ ኣካል ጥዕንኡ‘ዩ። ብካልእ ኣዘራርባ ወዲ-ሰብ ሕዋሳቱ ዓጽዩ ሕልንኡ ከማዕብል ዘይክእል ኣብ ጉዕዞ ሂወቱ ኮይኑ፡ እዚ ከኣ ውጽኢት ናይ 30 ዓመት ህያው ምስክር‘ዩ።

ዝኸበርካ ኤርትራዊ፡ 30 ዓመት ኣብ ሓደ ሕብረተሰብን ሃገርን፡ ኣብ ወለዶ መንእሰያትና እናተተኻኽአ ብኣሽሓት ዝቝጸሩ ብዝተፈላለየ ዓውዲ ስነ-ትምህርቲ እተፍርየሉ‘ዩ፤ ኮይኑ ግን ኣብ ኤርትራ ብኣንጻሩ ንለባም ኤርትራዊ ዘሕዝንን ዘጕህን ኮይኑ ኣሎ። ኣነ ከም ሓሳብ ኣቕራቢ ዘሕምመንን ዘጕህየንን ኤርትራዊ ስለ ዝኾንኩን፡ ነፍስወከፍ ኤርትራዊ/ት እዚ ብርሰት እዚ ተመሊሱ ምስ ጠመቶ ብርግጽ እንታይ‘የ ዝገብር ኔረ ብርሰት እናረኣኹ ኢሉ ምስ ሕልንኡ ክዛረብን ክበኣስን፡ መንእሰይ ወለዶ እንታይ‘ዩ ክብለኒ እናበለ ለይትን መዓልትን ክሳቐይን ክሓስብን ምዃኑ ኣይጠራጠርን። “ ዘገርም ስቕታ ብርሰት፡ ልቦና ዝጐደሎ“።

ዝኸበርካ ኤርትራዊ፡ 30 ዓመት ዝተቓለስካ ድሕሪ መሪር ቃልሲ ብመስዋእቲ ነጻነት ዘምጻእካ ሃገር ኮይንካ፤ ኮይኑ ግን ንዓሰርተታት ዓመታት ህዝቢ ኤርትራ ሃገሩ ብሰላም ዘይነብረላ፡ ፍርሕን ማእሰርትን፡ መንእሰይ ወለዶ ናብ ትምህርቲ ዘይጐየሉ፡ ብሓፈሻ ህዝቢ ኤርትራ ሓሪሱን ሰሪሑን ነጊዱን ክሳዱ ኣቕኒዑ ዘይጥምታን፡ ኣእጋሩ ኣትሪሩ ዘይረግጻ ኮይናቶ፡ ካብኡ ሓሊፉ ከኣ መግለጺ ዘይርከቦ ስደትን ሞትን፡ እዚ ከኣ ነቲ ከምኡ ዝገብረና/ዝገብረካ እቲ ጨካን ስርዓት ዓጸፌታ ንመሰላዊ ክብርኻን ማዕርነትካን መልሲ ክብርኻ ብዘይምሃብካ፡ እዚ ከኣ ልቦና ዝጐደሎን ደረት ዘይብሉ ስቕታኻን‘ዩ እቲ ኩሉ ብርሰት ክብል እደፍር። ንሱ ከኣ‘ዩ እቲ ሓቂ።

ዝኸበርካ ኤርትራዊ፡ ብዝኾነ መግለጺ ዘይብሉ ጨካን ስርዓት ኩሉ ግፍዕታት ወዲኡ፡ ብድሕረይ ሳዕሪ ኣይብቈላ ናይ ቅባጸት ተስፋ ንኣደ ኤርትራዊት ንኣቦ ኤርትራዊ ብሓፈሻ ንህዝቢ ኤርትራ ኣብ ሓዘን ክነብር፡ ትፈትዎም ኰስኲስካ ዘዕበኻዮም ደቅኻ ኣብ ዘይምልከቶም ኲናት ትግራይ ሸሚሙ ድራር ዝብእን ኣሞራን ገይርዎም/ኮይኖም ኣለዉ። ኣብዚ ሓደ ነገር ክብል ክግደድ ከለኹ፡ ንሕና ኤርትራውያን ይኣክል ደረት ሰጊርካ ኣሎኻ ኢልና ብውሽጥን ብደገን ብሓባር ዘይምውጻእና፡ ከም ናይ ኣዴታትን ኣቦታትን ሶማላውያን እዚ ዘይምግባርና ጽባሕ ንግሆ ታሪኽ ከሳቕየና እዩ። ሕጂኸ እንታይ ትሓስብ ኣሎኻ? እቲ ዘገርም ደቅኻ ኣብ ኲናት ጠቢሱ ተመሊሱ ኣብ ማእከልካ ከዅድድ ንህዝቢ ኤርትራ ክልተ ሞት‘ዩ። አረ እንታይ ኢና ኮይንና?

ዝኸበርካ ህዝቢ ኤርትራ፡ ኣብ መወዳእታ ሓሳብ ጽሑፈይ ክብሎ ዝደሊ ሕጂ እቲ ስርዓት መዓልቲ ውድቀቱ ኣኺሉ‘ዩ። ህዝቢ ኤርትራ ሽግ ሓርነት ክትውልዕ ግዜ ንባዕሉ ይሓተካ ኣሎ። እቲ ግዜ ኣኺሉ‘ዩ። ኣብዚ ሓደ ነገር ክብሎ ዝደሊ፡ ኲናት ኣዕናዊ‘ዩ። ንኲናት ዝቃወም ጥዑይ ሰብ ወይ ጥዑይ ሕብረተ-ሰብ ጥራሕ‘ዩ። ኩሉ ግዜ ናይ ህዝቢ ቃልሲ ተዓዋቲ ምዃኑ ጥርጥር የብለይን። ስለዚ ንሕና ኤርትራውያን ሰብኣዊ ክብሪ ናይ ማንም ህዝቢ ዓለም ክብርና ምዃኑ ነስተውዕል፡ ንሕሰብ፡ ንመራመር ደጊመ ደጋጊመ እብለካ ኣለኹ።

ክፍላይ ተኪአ

ጀርመን      

Last modified on Sunday, 27 June 2021 08:54