ኣብ ሰላማዊ ሰልፊ ፍራንክፎርት ዝቐረበ መግለጺ

2021-02-13 22:36:15 Written by  ንጉሰ ጸጋይ Published in ጽሑፋት ትግርኛ Read 1192 times

ዝኸበርክንን ዝኸበርኩምን ኣሰናዳእቲ ሰላማዊ ሰልፊ

ዝኸበርክንን ዝኸበርኩምን ተሳተፍቲ ናይ’ዚ ሰልፊ ብሓበራ፡

ብመጀመርታ ነዚ ዕድል’ዚ ብምርካበይ ንኣሰናዳእቲ ሰልፍን ተሳተፍትን ከመስግን ይፈቐደለይ። ንምንታይሲ ዕላማ ናይዚ ሰልፊ፣  ንሰላምን መሰል ደቂ ሰባትን ዝጽውዕ ብምዃኑ ዘሕብን እዩ። ድምጽን መርኣያን ናይቲ ብናይ ስቓይ ሓለንጊ ዝግረፍ ዘሎን ንከይሰምዕን ከይርእን ዝተዓፈነን፣ ጭውነትን ጽቡቕ ባህልን ምኽባር ሕግን ዝመለለይኡ  ሰፊሕ ህዝቢ ኤርትራ’ውን ስለዝኾነ።

ሎሚ ኣብ ከባቢና ብዛዕባ ዘሎ ዘይህዱእ ኰንታት ብፍላይ ከኣ ብዛዕባ’ቲ ኣብ ትግራይ፣ ኣብ መንጎ ፈደራላዊ መንግስቲ ኢትዮጵያን ምምሕዳር ክልል ትግራይን ብውሕዱ ንሰለስተ ዓመታት ክጽፍጸፍ ዝጸንሓ ምስሕሓብን ምፍልላይን ነቲ ብ4 ሕዳር 2020 ብእዉጅ ኣብ ክልል ትግራይ ዝካየድ ዘሎ ኲናትን ኩልና ንከታተሎ ስለዘለና፡  ብዛዕባኡ ግዜኹም ከጥፍእ ኣይኮንኩን። እንታይ ዳኣ፣ እዚ ፖለቲካውን ቅዋማውን ፍልልይ ክነሱ፣ ኣብ ክንዲ ንዕኡ ብዝመጣጠን ልዝብን እሂን ምሂንን መዕለቢ ዝግበረሉ፣ ኣብ መበል 21 ክፍለ ዘመንስ፡ ብስም ናይ ስርዓት ምኽባር ተኣውጁ ዝካየድ ዘሎ፡ መሪርን ህልቂት ህዝቢ ትግራይን ዕንወት ትካላቱን ንብረቱን ዘስዓበን ገናውን ቀጻሊ  ዘሎን ኲናት፡ ኣብ መንጎ ኣህዛብ ጎረባብቲ ሃገራት ዝገድፎ ዘሎ ኣሉታውን ኣዕናውን ስምብራት ኣለሊና ንምቅላሱ  ኮነ ንምእላዩ ዝሕግዘና ሓሳባት፡ ርእይቶታን ተመኩሮን  ከነዋህልልን ከነዋሃህድን ይግበኣና’ዩ።

እዚ ኣብ ትግራይ ዝካድ ዘሎ ኲናት፡ ኣብ ከውሊ’ቲ  ብምስምስ ሕማም ኮሮና ክስገር ዘይካኣለ፡ ንህዝቢ ዓለም ስሒቡ ዝነበረ ፕረሲደንታዊ ምርጫ ናይ ኣመሪካ ዝተጀመረ እዩ ነይሩ። እዚ ውርሻ  ናይ ሕማቓት ትምህርቲ ኮይኑ፡: ምስቲ  ኢሳያስ ንግብረ ሽበራዊ ስርሒት ኒው-ዮርክ ተጠቒሙ፡ ሰበ-ስልጣናትን ጋዜጠኛታትን ዝኣሰረሉ ዝበለየ ሜላ 18 መስከረም 2001 ዝመሳሰል እዩ። ኣብዚ ዘለናዮ መዋእል ግን ዋላውን እታ ዝደቐቐት ተረኽቦ ናይ ዓለምና ካብ ህዝቢ ንደቓይቕ እንተዘይኮይኑ ተሓቢኣ እትተርፈሉ ባይታ የብላን፣ ጀመርቲ ናይቲ ኲናት’ውን ካብቶም ዝሓለፉ ዓመጽትን ረገጽትን ስርዓታት ናይ ኢትዮጵያ ብዝኾነ ተኣምር ዝፍለዩ ኣይኮኑን። ምኽንያቱ ዝሓለፉ ስርዓታት ኢትዮጵያውን ነዚ ብስም “ምኽባር ስርዓት” ዝካይድ ዘሎ መወዳእታ ዘይብሉ ኲናት “በትሪ ያጸንእ ሃይለ መንግስት፣ በሰሜን ያለው ተገንጣይ የወንበዴዎች ጁንታ ይደመሰሳል” እንዳበሉ እዮም 30 ዓመታት ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኤርትራ 17 ዓመታት ድማ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ኲናት ኣካይዶም። ግን ከኣ ሎሚ እውን ብሓይሊ ብረትን በትርን ዝጻዓድ ህዝቢ ከምዘየለ ኣይተማህሩን። ስርዓት ድማ ብዝተኸልካዮ ሕግን ቅዋምን፣ ብልዝብን ስኒትን እምበር፣ ብውግእ ኣይከብርን እዩ።

ሎሚ ኣብ ኢትዮጵያ፡ ብዝተፈላየለ መልክዑን መንቀሊኡን ኣብ ዘርኢ ዝተመርኮሰ፡ ቅትለት፡ ህልቂት፡ ናይ ውግእ ገበናትን በደላትን ይፍጸም ኣሎ። ብፍላይ ኣብ ትግራይ ንብረት ህዝቢ ከም ዝዝረፍ፡ ዓመጽ ኣብ ልዕሊ ደቂ ኣንስትዮ ከም ዝፍጸም፡ ጥንታውያ ቅርስታት ህዝብን ሃገርን ከም ዝበርሱ ንሰምዕ ኣለና። ናይ መንግስቲ ትካላትውን ከይፈተወ ሓቕነቱ ኣረጋጊጹ ኣሎ። እዚ ነቲ  መራሕቲ ሕቡራት ሃገራት  ኣብ መስከረም 2005 ንግደ መራሕቲ መንግስታት ድሕነትን ጸጥታን ህዝቦም ንምሕላው ዝጸደቐ ስምምዕ ዓንቀጽ 138 ትኽ ብትኽ ዝጻረር ተግባራት ብምዃኑ ኩኑን እዩ። መንግስቲ ኮለኔል ኣቢዪ ኣሕመድ እቲ ኣብ ሃገሩ ባዕሉ ዝኣዘዞ ውግእን ሳዕቤናቱን ብሓደ ሸነኽ፡  ካብ ቁጽጽሩ ወጻኢ ዝካየድ ዘሎ ቅትለትን ህልቂትን ድማ በቲ ካልእን ደው ንምባል፡ ኣብ ክንዲ ብኣግኡ ሓቐኛ መረዳእታታት ኣቕሪቡ፡ ብዓንቀጽ 139  ምትሕብባር ናይ ሕቡራት መንግስታት ዝቕበልን ዘፍቅድን፡ ነቲ ብጽልእን ቅርሕንትን ዝኻሓነ መላኺ ኢሳያስ ኣፈወርቅን ካልኦትን ዘራያት ዓዲሙ’ዩ  ጥፍኣት ህዝቢ ዘካይድ ዘሎ።

ብርግጽ፣ እዚ ኣብ ትግራይ ዝከየድ ዘሎ ኲናት ኣዕናውን ኣብራስን ግደ ሰራዊት ኤርትራ ምህላዉ ዝሕባእ ኣይኮነን። ዓለም ብዓለማውን ትዛረበሉ ዘላ ኢድ ምታትታው  ይካየድ ኣሎ። እዚ ኢድ ምትእትታው’ዚ ድማ፡ ብመጀመርታ ኣብዪ ኣሕመድን መሻርኽቱ ውልቀ መላኺ ኢሳያስ ኣፈወርቅን ዝሕተትሉን ዝስከምዎን ናይ ገበን ገበን እዩ። ከምውጻኢት ናይሥዚ ኢድ ምትእትታው፡ ሰራዊት ኤርትራ ኣብ ትግራይ ዝፍጽሞ ዘሎ ግፍዒ፣ ንምልካዊ ስርዓት ኢሳያስን መሳርሕቱን እምበር፡ ንመላእ ህዝቢ ኤርትራ ዝውክል ከምዘይኮነ ብንጹር ክፍለጥ ይግባእ። ስለዚ ህዝቢ ኤርትራ ከም ህዝቢ ብሓላፍነት ዘሕተተሉ ተግባራት’ኳ እንተዘይኮነ፡ ናይ ሎምን ናይ ጽባሕን ወለዶ፡ ተሰካምን ከፋልን ናይዘይዋዓለሉ ገበንን ዕዳን ካብ ምዃን ግን ነጻ ክኸውን ኣይክእልን’ዩ። ነዚ ፈሊጥና እምባኣር፣ እሱራት ናይ ዝሓለፈ ኣሉታዊ ታሪኽ ካብ ምዃን ወጺና፡ ንሳቶም እዃ ንህልቂት ህዝብን  ዕንወትን ለይቲ ምስ ማዓልቲ ተሓባቢሮም ዝሰርሑ ዘለዉ፡ ንሕና ደለይቲ ሰላም፡ ራህዋን ሰናይ ጉርብትናን ዝኾና ኤርትራውያን ብሓባር መኸተናን ጻዕርናን ከነሕይል ይግባኣና። ህዝቢ ኤርትራ ድማ ብሓበራ፡ እምቢ ንምዕጻው፡ እምቢ ንውግእ፡ እወ ንሰላም ክብልን ኣርዑት መለኽቲ ክሰብርን ካብዚ መድረኽ ሰላም’ዚ ንጽውዕ።

ኣብ ክሊዚ፡ ሰራዊት ኤርትራ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይን ንብረቱን ዝፍጽሞ ገበን፣ ስቓይ፡ ግህሰት ሰብኣዊ መሰላትን ቅትለትን፡ ብቐንዱ እቲ ስርዓትን ኣዘዝቲ ትካላቱን ዝሕተተሉ ኣብ ርእሲ ምዃኑ፡ ንኣገባብ ኣፈጻጽማ ናይቲ ተግባር ምርኩስ ጌርካ፡ ሃይማኖታውን ቦታውን መልክዕ ንምትሓዙ ዝግበር  ንምፍልላይን ምግፋሕ ሽግራትን ዝካየድ ወፈራታት፣ ንጠቅሚ መለኽቲ ስርዓታት ዘገልግል ከምዝኾነ ምግንዛብ የድሊ። ጭካኔን ሕሱም ተግባራትን መለለዪ ውልቀ ጣባይ ናይ ደቂ ሰባት እምበር፡ ንህዝቢ፡ ንተወላዶ ናይ ሓደ ከባቢ ኮነ ንሃይማኖታት ዝውክሉ ኣይኮነኑ። ኣብ ኩሉ ፍጡር ወዲ ኣዳም ንፉዕን ሕማቕን፡ ግፍዐኛን ለዋህን ምህላዉ፣ ምርዳእ ዘጸግም ኣይኮነን። ብሓቂ ድማ ካብ ኣብራኽ ህዝቢ ኤርትራ ዝወጸ፡ ንነጻነትን  ንሓርነት ህዝቢ ኣንጻር መግዛእቲ ዝመከተ፡ ብፍላይ ተጋዳላይ ዝነበረ ኣባል ሰራዊት  ኤርትራ፡ ቅትለትን ግፍዕን ኣብ ልዕሊ ተጋሩን ኤርትራውያን ስደተኛታትን ፈጺሙ ክባሃል ከሎ፡ ኣብ ርእሲ’ቲ ጥልመት ሕድሪ ስዉኣት ምዃኑ፣ ክሳብ ክንደይ ልቢ ኩሉ ተቓላሳይ ከም ዝሰብር  ዘንጊዑ፡ ልኡኽ መላኺ ስርዓት ጥራሕ ኮይኑ ምኻዱስ ኣነዋሪ ተግባራት ምዃኑ ክግንዘብ መተገብኦ።፡ ብእንጻሩ ሞት ብሞቱስ ምልካዊ ስርዓት ኣብ ምልጋስ ታሪኻውን ጀግንነታውን ቅያ ክሰርሕ ይሕተት ኣሎ። ይውዓል ይሕደር ግን፡ ገበነኛን ግፍዓኛን ኣብ ሕጊ ዝቐርበሉ፡ ዝተራሰን ዝተዘምተን ንብረት ተጻርዩ ናብ ዋንኡ ዝኾነ ህዝቢ ዝምለሰሉ ግዜ ርሑቕ ኣይክኸውንን እዩ።

ምእንት’ዚ፡ ኩልና ኤርትራውያን ብፍላይ ድማ ደለይቲ ለውጢ፡ ሓንትን ብዙሕነት ህዝባ፡ ብሄራታ፡ ዓሌታታ፡ ሃይማኖታታ፡ ኣውራጃታታት፡ ቁንቋታታን ካልኣን ዝዓቀበት፡ ብሕግን ስርዓትን እትመሓደር ማዕርነታዊት ልኡላዊት ሃገር ክትህሉ እዩ ረብሓናን ቃልስናን። እዚ ክንገብር ምስእንበቅዕ ድማዩ፡ ቀጻልነትን ዋሕስን ህዝብ ዝኾነ፡ ካብ ምልካዊ ስርዓት ኢሳያስን መጋበርያታቱን ዝተፈልየ፣  ካልእ ናይ ድሕነት ገጽ ከምዘሎ ከነረጋግጽ ንኽእል። ካብዚ ወጻኢ ንዝግበር ፈተነታት፡ ዋላኳ ዝተፈልየ ኤርትራዊ ሓሳብን ርእይቶን ምህላዉ ንቡር እንተኮነ፡ ነቲ ኣፍራሲ ዝኮነ መሚና ትርጉም ኣልቦነቱ ምቅላዕ ግን የድልየና። ምስሊ ኤርትራን ኤርትራውነትን ንኹልና ኤርትራውያን ብማዕረ ስለ ዝውክለና ንሓደን ዝቕበል፣ ነቲ ካልእን ዝነጽግ ክኸውን ከነፍቕድ የብልናን።

ካብዚ ብምንቃል፡ ነዚ ዝስዕብ እዋናዊ ነጥብታት ንምዕዋት ብዝመስለና ክንቃለስ ንሕተት ኣለና።

  1. ኣብ ትግራይ ዝካየድ ዘሎ ውግእን ህልቂትን ደው ክብል ምጽዓር፡ እዚ ምስዘይግበር፡ ጸጥታ ባይቶ ሕቡራት ሃገራት ኣድላዪ ስጉምትታት ክወስድ ንጽውዕን ጻዕርታት ምክያድን።
  2. ክብርን መሰልን ደቂ ሰባት ክሕሎ፡ ብፍላይ ድማ ክብረት ደቂ ኣስትዮን ህጻውንትን ውሑስ ክኸውን፣ ምድፋርን ምዕማጽን ደቂ ኣንስትዮ ንኹንን።
  3. ኣህጉራውን ዞናውን ትካላትን መንግስታትን ዓለም፡ ኣብ ልዕሊ መንግስቲ ኢትዮጵያን ትካላቱን ጀሚሮሞ ዘለዉ ጸቕጥታት ከሔይሉን፡ ገበነኛታት ናብ ሕጊ ንኽቐርቡ ክጽዕሩን፡
  4. ህዝቢ ንምድሓን ውሕስነት መግቢ ንምርግጋጽን ናይ ረዲኤት ትካላት ነጻ ናይ ምንቅስቓስ ኮሪዶር ክፍቀደሎም፡
  5. ሰራዊት ኤርትራ ብዘይ ዋዓል ሕደር ካብ ትግራይ ክወጽእ፡ ዝተፈጸመ ገበናት ብነጻ ኣካላት ክጻረን፡ ፈጸምቲ ገበን ኣብ ሕጊ ኽቐርቡን።  
  6. ሰራዊት ኤርትራ ንዝፈጸሞ፡ ምሉእ ህዝቢ ኤርትራ ከምዝፈጸሞ ኣምሲልካ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ዝካየድ ወፈራን ጸለመን ምንእኣስን ደው ክብል።
  7. መሰል ስደተኛታት ኤርትራውያን ክሕሎ፡ ድሕነቶም ክረጋገጽ፡ ዘድሊ ቀረብ ንኽረክቡ መሳለጢታት ክኸፈት፡
  8. ካብ ትግራይ ናብ ኤርትራ ብሓይሊ ዝተወስዱን መዕለቢኣም ዘይተፈልጠን ስደተኛታት ኤርትራውያን ብዝምልከቶ ኣካላት ምጽራይ ክግበር፡
  9. ኢሳያስ ኣፈወርቅን ቀንደኛ ተላኣኣኽቱን፡ ኣብዚ ውግእ ዝተሳተፉ ላዕለዎት ኣዘዝቲ ሰራዊትን፡ ላዕለዎት ናይ ጸጥታን ስለያን ሓለፍቲ፣ ብምልኦም ከም ሰባት ኣብ ልዕሊኦም እገዳ  ክግበር ምጽዓርን።
  10. ነዚ ንምፍጻን ንምቅልጣፍን፡ ተቓወምቲ ሓይልታት ኤርትራ ሓባራዊ ዲፕሎማስያዊ ወፍሪ ከጽዕቁ፡ ካብኡ ብዘይፍለ ህዝባዊ ምንቅስቓሳትን ግዱሳት ዜጋታትን ጻዕርታቶም ከሐይሉ።
  11. ኣብ ዲያስፖራ ዝርከቡ ተጋሩን ኤርትራውያንን ካብ ፍኑው ዝኾነ ዘይሓላፍነታዊ ህዝቢ ዘጣቑስ፡ ናብ ቂምን ቅርሕንት ዘምርሕ ዜናዊ ወፈራታትን ምውንጃልን ወጺእና፡ ናይ ሰላምን ሰናይ ጉርብትናን ድንድል ንምንዳቕ ክንጽዕር ይግባእ።

እዝን ከምኡ ዝኣመሰለ ጉዳያትን  እንተጌርና ድማዩ፡ ሓገዝትን ደገፍትን ህዝብታትና ንኸውን፡ ንነብስና  ከኣ ካብ ተሓታትነት ነድሕንን ሞራላዊ ዕግበት እነጥርን።

ዓወት ንውጹዓት ህዝብታት!

ውድቐት ንመለኽቲ!

ደጊመ ንኣሰናዳእትን ተሳተፍቲ ሰላማዊ ሰልፊን የመስግን።

የቐንየለይ።

 

Last modified on Saturday, 13 February 2021 23:43