እቲ ኣሳሪ እንተዘይተወጊዱ!

2020-09-21 08:16:32 Written by  ኣሮን ናኦድ Published in ጽሑፋት ትግርኛ Read 1318 times

ጸረ ህዝቢ ስርዓታት ዝግለጽሎም ተግባራትን ኣብ ህዝቢ ዘውርድዎ ሳዕቤናትን ብዙሓት እዮም። ድኽነት፡ ድንቁርና፡ ሕማም፡ ማእሰርቲ፡ ጥሜትን ስደትን ካብቶም  ጸረ ህዝቢ ስርዓታት ህዝቢ ንምርዓድ ዝጥቀምሎም ብዙሓት መሳቐይታት  ሒደት እዮም። ሓደ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ እምንቶ ዘየብሉ እሞ  ብሰንኪ ተግባረይ ህዝቢ ኣይድቅሰለይን እዩ ኢሉ ስለ ዝሰግእ፡ ዝያዳ ንምድኻሙ “ከምዚ ኢልካ” ኢሉ ጥራይ ዘይኮነ “ከምዚ ክትብል ሓሲብካ” ኢሉ ይገንሖን የፈራርሖን። ዝመረጾ ሃይማኖታዊ እምነት ናይ ምስዓብን ናይ ምዝራብን ምውዳብን መሰረታዊ መሰሉ እውን ይነፍጎ።

እዚ ጥራይ ኣይኮነን፡ እቲ ንጸረ ህዝቢ ተግባራት ዝተዓጥቀ ስርዓት በዚ ስለ ዘይዓግብን ነቲ ዝጸልኦ ህዝቢ ዓይኑ ክርእዮ ስለ ዘይደልን “ብማይ ቀጠነ” ኣሲሩ የሳቕዮን ይስውሮን። እዚ ኩሉ ተግባራት ብህግዲፍ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኤርትራ ክፍጸም ዝጸንሐን ጌና ዝፍጸም ዘሎን እዩ። ሎሚ ኣብ ኤርትራ ዋላ ሓንቲ ትካል ላዕለዋይ ደረጃ ትምህርቲ የለን። ብዘይካተን ካብ ግዜ መግዛእቲ ዝተወርሳ ሓድሽ ሆስፒታል ተሃኒጹ ዝብል ዜና ኣብ ኤርትራ ኣይስማዕን። ጉዳይ መራኽብታት፡ መንገድታትን ካልእ መሳለጥያታትን እሞ ከኣ ኣይለዓልን እዩ። ንጸዓት ዝምልከት ከኣ “ተኸዲኑ ይብሰል” ኢልካዮ ምሕላዩ’ዩ ዝቐልል። ኤርትራውያን ኣይኮነንዶ ኣብ ሃገሮም ላዕለዋይ ደረጃ ሕክምና ክረኽቡ ቀሊል መዕገሲ ቃንዛ  ንምርካብ እውን ናብ ወጻኢ ኣብ ዝቋምትሉ ኩነታት እዮም ዝርከቡ።

ካብዚ ጉዳይዚ ከይወጻእና፡ ቅድሚ ለባዳ ኮረና ቫይረስ ምግጣሙ፡  ብሓፈሻ ናብ ብዙሓት ሃገራት ዓለም ብፍላይ ድማ ናብ ጐረባብትና ሃገራት ኡጋንዳ፡ ሱዳንን ኢትዮጵያን ንሕክምና ዝኸዱ ኤርትራውያን ኣሸሓት እዮም። እዞም ኤርትራውያን ኣብዚ እዋንዚ  ካብዘን ሃገራት ናብ ሃገሮም ምምላስ ተኸሊኦም ኣደዳ ክራይ ኣባይትን ስእነት መግብን ኮይኖም ይሳቐዩ ኣለዉ። ህግዲፍ ናብ ሃገሮም ከይምለሱ ኣጊድዎም ዘሎ፡ ብምክልኻል እቲ ቫይረስ ኣመሳሚሱ ካብን ናብ ኤርትራ ምምልላስ ነፈርቲ ስለ ዝኸልከለ  እዩ። ኣብ ህግዲፍ ሓደ ጸገም ከጋጥም እንከሎ ኣብ ክንዲ መፍትሒ ምርካብ ምንጻግ፡ ምዕጻውን ምኽልካልን ልሙዳት እዮም።  ህግዲፍ ብሓቂ ጉዳይ ቫይረስ ዝገድሶ እንተዝኸውን  ነቲ ኣብ ምክልኻል እቲ ቫይረስ ዓብይ ብጽሒት ከም ዘለዎ ብተመራመርቲ ናይቲ ሕማም ዝእመነሉ “ምርሕሓቕ”  መተገደሰሉ። ካብዚ ተገዳስነት ነቒሉ ከኣ ተመሃሮ እኹል መከላኸሊ ኣብ ዘየብሉ ኣገዲዱ ናብ ዝተጨናነቐ ሳዋ ወሲዱ ኣይመዳጐኖምን። ነቶም ብዘይፍርዲ ኣብ ፈቐዶ ጐዳጉድን ኮንተይነራት እሞ ኣብ ዘይምቹእ ኩነታት ኣየር ኣሲርዎም ዘሎ  ግዳያት እውን መፈተሖም።

ኣብዛ “ቤት ትምህርቲ ተሃኒጹ” ወይ “መዘናግዒ መንእሰያት ተኸፊቱ” ዝብል ጥዑም ዜና ዝሓረማ ሃገርና፡ ልዕሊ 300 መብዛሕትኡ ስዉር  ኣብያተ-ማእሰርቲ ከም ዘለዋ ግና ዓለም ብዓለሙ ዝፈልጦን “ዓገብ” ዝበሃሎ ዘሎን እዩ። መብዛሕተኦም ካብቶም ህዝቦም ዝጠለሙ ላዕለዎት ወታደራዊ ሓለፍቲ እቲ ስርዓት ከከም ናብቲ ጉጅለ ዘለዎም ቅርበት “እንዳ ጀነራል እገለ” እናተባህለ ዝጽዋዕ ነናቶም ቤት ማእሰርቲ ክውንኑ መሰል ኣለዎም። እዚ ናይ ሓለፍቲ ቤት ማእሰርቲ ንጹሃት ዝሳቐይሉ ጥራይ ዘይኮነ፡ ጉልበቶም ተመዝሚዙ ርሃጾም ፈሲሱ ብዘይክፍሊት ሕርሻ ናይቶም ሰብ ጽሩራ ዘልምዕሉን ገዛውቶም ዝሃንጽሉን እዩ። እዚ ናይ ባርነት ህይወት ነቶም “ኣገልግሎት” ዝበሃሉ ከይተኣስሩ እሱራት እውን ክሳብ ራሕሪሐምዎ “ዝወሓጠ ይውሓጠና” ኢሎም ዝስደዱ ዘረኻኽበሎም እዩ።

ሎሚ ኣብ ኤርትራ “ናይዚ ሙያ’ዚ ክኢላታት ብከምዚ ዓይነት ደረጃ ተመሪቖም” ዝብል ወረ ዳርጋ ኣይስማዕን እዩ። ክንድዚ ኣመንቲ ካብ ቤተ ጸሎት ምስ ስድራቤቶም ተኣሲሮም” ዝብል ግና መዓልታዊ ዜና እዩ። እቶም ዝእሰሩ፡ መእሰሪኦም ምኽንያት ዘይንጹር፡ ዝተኣስርሉ ቦታታት ዘይፍሉጥ፡ ኣብ ቅድሚ ፍትሒ ከይቀረቡ ልዕሊ 20 ዓመታት ዝገበሩ ዝርከብዎም ምዃኖም ከኣ ነቲ ማእሰርቶም ዘስደምም ይገብሮ።

ካብዞም ናይ ማእሰርቲ ግዳያት መብዛሕተኦም ወይ ዝኣመንዎ ሃይማኖት ብምስዓቦም ወይ ድማ ህዝብን ሃገርን ክርህዎምስ “ብኸምዚ እንተንምራሕ” ዝብል ሓሳብ ዘተንፈሱ ምዃኖም ጉጅለ ህግዲፍ ክሳብ ክንደይ ጸረ ዲሞክራስያውን ሰብኣውን መሰላት ምዃኑ ብንጹር ዘርኢ እዩ። ኣብ ኤርትራ ጠንቂ ማእሰርቲ “ከምዚ ተዛሪብካ ከምዚ ፈጺምካ” ጥራይ ኣይኮነን።  “ከምዚ ክትብል ሓሲብካ” እውን ዘእስርን ሃለዋትካ ዘጥፍእን እዩ።

ማእሰርቲ ኣብ ኤርትራ ሳሕቲ ዘጋጥም ዘይኮነ፡ ዕለታዊ ተግባር ናይቲ ስርዓት  ኢልካ ዝውሰድ እዩ። እንተኾነ ከምቲ ኣብ ግዜ ምምሕዳር ህግዲፍ ስደትን ኣብ ስደት ዘጋጥም ሞትን ሓደጋን  ዳርጋ ንቡር ክነሱ፡ ነቲ ብ3 ጥቅምቲ 2013 ኣብ ላምፓዱሳ ኣብ ልዕሊ ዝያዳ 350 ኤርትራውያን ዝወረደ መቕዘፍቲ እሞ ንዓለም ዘደንጸወ ሓደጋ  ፍሉይ ጠመተ እንህቦ፡ ኣብ ተመኩሮ ማእሰርቲ እውን ፍሉይ ቆላሕታ ዝወሃቦ ኣጋጣምታት ኣሎ። እቶም ንምልኪ ኣወጊዞም፡ መስርሕ ዲሞክራሲ ኣብ ኤርትራ ብግብሪ ይጀመር ዝበሉ ላዕለዎት ሓለፍቲ መንግስቲ ኤርትራ ዝነበሩን ንፖለቲካ ኤርትራ ናብ ሓድሽ ምዕራፍ ንምስግጋር ጽቡቕ ኣንፈት ሒዞም ዝነበሩ ናይ ብሕቲ ጋዜጠኛታትን ጸሓፍትን ብወፈራ ዝተኣስሩላ 18 መስከረም 2001 ፍሉይ ጠመተ ዝወሃባ እያ። ኣብዚ ግና እዚ ምእንቲ’ቲ መጻኢ ዕድል ህዝብና ዝውስን ራህዋን ቅሳነት ስለ ዝተሰለፉ ጥራይ ቅድሚ ተረኽቦ 18 መስከረም 2001 ተኣሲሮም ኣብ ፈቐዶ ጐዳጉዲ ኤርትራ ዝተዳጒኖም ዝበልዩ ብዙሓት ኤርትራውያን ከም ዘለዉ ዝዝንጋዕ ኣይኮነን። ላዕለዎት ሓለፍቲ ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ ሰውራዊ ባይቶን ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራን ዝነበሩ  ወልደማርያም ባህልቢ፡ ተኽለብርሃን ገብረጻድቕን  መሓመድ ዓሊ ኢብራሂምን ብኣብነት ዝጥቀሱ እዮም።

እዚ ማእሰርቲ ኮነ ኩሉ ኣብ ልዕሊ ህዝብና ዝወርድ ዘሎ ሕሰማት ካብ ህልውና ህግዲፍ ፈሊኻ ስለ ዘይርአ፡ ንሱ ክሳብ ዘሎ እቲ ስቓይ ቀጻሊ ምዃኑ ፍሉጥ እዩ። ስለዚ ነዚ ኣገዳሲ ጠመተ ዝወሃቦ ናይ ማእሰርትን ህልቂትን ኣጋጣሚታት ክንዝክር እንከለና፡ እቲ ቀንዲ ኣድህቦና ናብ ምዝርዛር ዛንታ ቃልስን ቅያን ናይቶም ግዳያት ማእሰርቲ ዘይኮነ፡ ናብ ሓቢርካ ምውጋድ እቲ ጠንቂ ማእሰርቶም ክኸውን ይግበኦ። ምኽንያቱ “እቲ ኣሳሪ እንተዘይተወጊዱ” ኣረዲእናን ጸዊዕናን ባህሪኡ ኣቐይርና ፈታሕን መሓርን ክንገብሮ ስለ ዘይንኽእል።

Last modified on Monday, 21 September 2020 10:18