ልኡላውነትናን ሓድነትናን፡ ወትሩ ቀዳምነትና እዮም

2020-08-11 04:45:30 Written by  ኣዶሊስ ሴም Published in ጽሑፋት ትግርኛ Read 1854 times

እዞም ክልተ ነጥብታት፡ ልኡላውነት ሃገርናን ሓድነት ህዝብናን ናይ ህልውናናን ቀጻልነትናን መሰረታዊ ኣዕኑድ እዮም። እዚኣቶም ኣብ ዱልዱል ባይታ ኣብ ዘይተሰረትሉ፡ ከም ሃገር ኮነ ከም ህዝቢ ዓው ኢልና ክንዛረብን ኣደልዲልና ክንረግጽን ኣይንኽእልን ኢና። እቲ ቀደም ናብ ቃልሲ ዝወፈርና እውን ነዚኣቶም ናብ ንቡር ቦታኦም ንምምላስ እዩ ነይሩ። ከምቲ ዝወጠናዮ ከኣ ኮይኑ። እዞም ክልተ ኣገዳስቲ ኣምራት ፈላሊኻ ዘይረኣዩ፡ እቲ ሓደ ብዘይካቲ ካልኣዩ ህልውና ዘየብሎም እዮም።

ልኡላውነት ሃገርን ሓድነት ህዝብን ናይ ህልውናና ወሰንቲ ስለ ዝኾኑ፡ ንምውሓሶም ዝተኸፍለ ዋጋን ዝተወስደ ግዜን ኣዝዩ ክቡር እዩ። ልኡላውነትን ሓድነትን ሓንሳብ ኣውሒስካዮም “ድሕሪ ሕጂ ዝንቕንቖም የለን” ኢልካ እተራጥጠሎም ዘይኮኑ፡  ከም ናይ ዓይንኻ ብሌን  ቀጻሊ ሓለዋን ክንክንን ዘድልዮም እዮም። ከምኡ ስለ ዝኾነ ኢና ከኣ ንዓኣቶም ዝትንክፍ ተጻባኢ “ቀርማሕ” ክብል እንከሎ ኤርትራውያን “ኣለና” ዝብል ናይ ተዳሎ ሓባራዊ ድምጺ ከነስምዕ ወትሩ ድሉዋት እንኸውን። እዚ ድሉውነት፡ ተደለኻ ተንቅዶ ተዘይደለኻ  ተዋድቖ ዘይኮነ፡ ዘይተርፍ ንኹልና ማዕረ ዝብጸሓና ዜግነታዊ ግቡእ እዩ።

ንልኡላውነት ሃገርና ኮነ ንሓድነት ህዝብና ዝጻባእ ሓይሊ ከይመጽእ ክንሕሉ እንከለና፡ ናብ ደገ ገጽና ጥራይ ከነማዕዱ ኣይግባእን። ዘይናትና ክነሱ ናትና መሲሉ ኣጽቂጡ ዝጸንሐ ካብ ውሽጢ ዝጠልም ጉሒላ ከየጋጥም ናብ ውሽጢ ገጽና ከነማዕዱ’ውን  ናይ ግድን እዩ። እኳደኣ ከምቲ “ካብ ፈታውየይ ደኣ ሓልወኒ እምበር፡ ናይ ጸላእየይስ ባዕለይ ኣለኹዎ” ዝበሃል፡ እቲ ሓደገኛ ንዓና ዝመስል ግና ከማና ዘይኮነ ኣካል፡ ብውሽጢ ኮይኑ ነቶም ልኡላውነትናን ሓድነትናን ስለ ዘይተዋሕጠሎም ድምጾም ሓቢኦም ዝጸናጸኑ፡ ኣፍደገ ከፊቱ ወራሪ ክጽወዓልና እንከሎ እዩ።

ኤርትራ ኣይኮነንዶ ልኡላውነታን ሓድነት ህዝባን ዘስተናዕቕ ሓይሊ ኣጋጢዋ፡ ነዞም መሰረታዊ ኣዕኑዳ ኣብ ዘውሓሰትሉ እውን ቀሲናስ ካብ ቃልሲ ኣንጻር ወጽዓ ዓዲ ኣይወዓለትን። ብሰንኪ ህግዲፍ፡ እቲ ናይ ኩሉ ሕግታት ቀላሲ ዝኾነ ሕገ-መግስቲ የብላን፡ ፍትሒ የብላን፡ ሰላም የብላን፡ ልምዓትን ዲሞክራስን እውን የብላን። ምናልባት ናይቲ “የብላን” ዝርዝር ንምሕጻር፡  “ኤርትራ ካብቲ መግለጽታት ልዕልና ህዝብን ቅኑዕ ምምሕዳርን ዘመልክት መዕቀንታት ዋላ ሓንቲ የብላን” እንተ ኢልና ንህልዊ ኩነታት ሃገርና ብዝምልከት ሚዛናዊ  መግለጺ ክኸውን ይኽእል። እዚ ከኣ ህዝብና፡ ፖለቲካዊ ሓይልታቱ ኮነ ዝተፈላለዩ ህዝባዊ ምንቅስቓሳቱ ኣሜን ኢልና እንቕበሎ ዘይኮነ፡ መፍትሒ ክንረኽበሉ ንቃለሰሉ ዘለና ካልእ ዘይስከመልና ጾርና እዩ።

ንሃገርና ካብዚ ብሰንክቲ ኣብዚ እዋንዚ ካብኡ ዝኸፈአ ጸላኢ ዘየብልና ጉጅለ ህግዲፍ ዘላቶ ሕማቕ ሃለዋት ከነናግፋ ሓያልን ዘየቋርጽን ቃልሲ ከም ዝሓተና ብሓፈሻኡ ርዱእ እዩ። ኣከናውና ህዝብና ብዝተፈላለዩ ከም ሃይማኖት፡ ቋንቋ፡ ኣተሓሳስባን ዝኣመሰሉን መዕቀንታት ብዙሕነታዊ እዩ። እዚ ብዙሕነትና ዝጸልዎ ኣወዳድባና ከኣ ብዙሕ እዩ። ብመንጽር እዚ ካብዚ ዘለናዮ ሃለዋት ንምውጻእ እነቕርቦ ናይ ፍታሕ መማረጽታት እውን ብዙሕ እዩ። እዚ ኩሉ ናይ ኣከናውናና ኮነ ናይ ኣወዳድባና ብዙሕነታት ከም ዘለዎ ኮይኑ፡ መዋጸኦ ክንእምትን ዝምድናታት ክንትልምን እንከለና፡ ክንዝንገዖ ዘይግበኣና መሰረታዊ ጉዳይ “ልኡላውነት ሃገርናን ሓድነት ህዝብናን” ኣጽኒዕካ ምሓዝ እዩ። ኣብዞም መሰረታዊ ኣዕኑድ ዕጥይጥይ እንተ ኢልና፡ ኩሉቲ “ምእንቲ ኤርትራን ህዝባን” እናበልና እንኸዶ መንገዲ “ተፈታሕካዮስ ቁጻር ጥራይ” እዩ ዝኸውን።

ጉጅለ ህግዲፍ ኣራዊት ክነሱ፡ ቆርበት በጊዕ ተኸዲኑ ኣድብዩ ምስ ጸንሐ፡ ኣብ ኤርትራ ሰላም፡ ልምዓትን ዲሞክራስን ከተኣታቱ ተሓቲቱ ንረብሓኡ ስለ ዘይኮነ፡ ምሕንጋዱ ከይኣኽሎ፡ ብኣዕኑድ ህልውና ኤርትራ ዝኾኑ ልኡላውነታን ሓድነት ህዝባን ይዋገ ኣሎ። እዚ ሓደጋ’ዚ ካብ ህግዲፍ ክመጽእ እንከሎ፡ ህዝቢ ኤርትራ ዝሓለፈ ትዕዝብቱ ጸብጺቡ ዝግምቶ ስለ ዝኾነ፡ እምብዛ ዘሰንብዶ ዘይኮነ ንክቃለሶ መሊሱ ዘሕርኖ እዩ። ንህልውና ኤርትራ ከም ሃገርን ነቲ ብደምን ኣዕጽምትን ዝተነድቀ ሓድነት ህዝባን ኣብ ምልክት ሕቶ ዘእቱ ወስታ፡ “ኣንጻር ዲክታቶር  ኢሳያስ ኣፈወርቂ እቃለስ ኣለኹ”ካብ ዝብል ወገን ክቀላቐል እንከሎ ግና ቃልስና ክሳብ ክንደይ ዝያዳ ወርቃዊ ግዜን ክቡር ዋጋን ክሓተና ምዃኑ ዘገንዝብ እዩ።

ንብዙሕ ዓመታት ሱር ሰዲዱ ዝጸንሐ ዲክታቶር ኣወጊድካ፡ ኣብ ክንድኡ ዲሞክራስያውን ህዝባውን ስርዓት ምትካል ዝኣመሰለ ዓብይ ዕማም ሒዝና፡ ኣብዚ ግሎባላውነት ልዕልና ዝሓዘሉ ዓለም ምስ ዘዕውቱና ናይ ቀረባን ርሑቕን ሓይልታት ዝምድና ክንገብር ከም ዘድልየና ውሁብ እዩ። እንገብሮ ዝምድናታት ካብ ጐርባትና ሃገራት  ጀሚርካ ክሳብ ርሑቕ ዝምጠጥ ስለ ዝኾነ፡ ዕምቆት ናይቲ ዝምድና ከከምቲ ክብደት ጽልዋኡ ኣብ ጉዳይና ዝፈላለ እዩ ዝኸውን። ናይቲ ዝምድና ዕምቆት ክሳብ ክንደይ ይኸውን ብዘየገድስ፡ ኣብ ሉኣላውነት ኤርትራን ሓድነት ህዝባን ዘይማታእ፡ ግሉጽን ትካላውን ክኸውን ናይ ግድን እዩ።

ከም ኣብነት ምስዚ ኣብ ኢትዮጵያ ዝረኣ ዘሎ ኢሳያስ እውን ናይ ሓደ ገጸ-ባህሪ እጃም ተዋሂብዎ ዝዋሰኣሉ ዘሎ መዕለቢኡ ዘይተፈልጠ ማዕበል፡ ንኤርትራ ጥራይ ዘይኮነ ንምብራቕ ኣፍሪቃን ዞባ ቀይሕ ባሕርን እውን ከም ዝጸልው ብብዙሓት ናይ ከባቢና ተንተንቲ ዓብይ ግምት ዝተዋህቦ እዩ። ነቲ ነባር ፖለቲካዊ ምጽልላው ኤርትራን ኢትዮጵያን ዝያዳ ክብ ከም ዘብሎ ከኣ ርዱእ እዩ።

እቲ ኣብ መንጐ ኢሳያስ ኣፈወርቂ ብስም ኤርትራን ዶ/ር ኣብይ ኣሕመድ ዓሊ ብወገን ኢትዮጵያን ዝተጀመረ ብዙሕ ዝዋጠየሉ ዘሎ ዘይትካላውን ዘይግሉጽን ዕርክነት ከም ዘለዎ ኮይኑ፡ እዚ ሓሓሊፉ ዝስማዕ፡ ንትግራይን ዝተወሰነ ከባብታት ኤርትራን  ጥራይ፡ ንምዝማድ ዝህቀን፡ ነቲ “ልኡላውነት ሃገርናን ሓድነት ህዝብናን ቀዳምነትና እዮም” ዝብል እምነት ጓስይዎ ክኸይድ ዝፍትን እንተኾይኑ፡ ሳዕቤኑ ኤርትራ ከም ሃገርን ንህዝባ ከም ህዝብን ዝብትን ስለ ዝኾነ፡ ንሕልምታት ኢሳያስ ካብ ምግሃድ ሓሊፉ ካልእ ትርጉም ኣይክህልዎን እዩ። ኣብዚ ዛዕባዚ ግሉጽን ትካላውን ሚዛን  ሰዲህኤ፡ “ኣብ መንጎ ኤርትራን ኢትዮጵያን ዝህሉ መሰረታዊ ረብሓን ሰላምን ህዝበን ኣብ ግምት ዘእተወ፡ ብድሌት ውልቀ-መራሕቲ ዘይኮነ፡ ብትካላዊ ኣሰራርሓ ዝተዋሕሰ፡ ኣብ ናይ ሕድሕድ ጉዳይ ጣልቃ ዘይምትእትታው ዝብል ፖሊሲ ዝተሰረተ ዝምድና ንኽህሉ …..።”  ዝብል ኣብ ጉባአu ዝጸደቐ እዩ።