ወትሩ ነገር ዝጽሕትር፡ ታምራት ነገራ!

2020-06-27 21:34:06 Written by  ኣድሓኖም በርሀ Published in ጽሑፋት ትግርኛ Read 1902 times

“ዝብኢ ብዝጠሓሶ ከልቢ ይኣቱ”  ከም ዝበሃል፡  “ዋናኡ እንተዘይንዕቁ መንደቑ ነይንቕንቑ” እውን ይበሃል እዩ። እዚ ከኣ ንሓደ ጉዳይ ዋናኡ እንተዘይዓቂብዎን ኣኽቢርዎን ካለኦት ነዚ ንዕቀቱን ሸለልትነቱን ተበሊጾም ከም ዝምዝምዝዎ  ንምምልካት ዝቐርብ ለባም ምሳልያዊ ኣበሃህላ እዩ።

ኢሳያስ ኣፈወርቂ “መራሒ ናይዛ ብናይ ሃገርነት ታሪኻ ንኢትዮጵያ እትዓብያ ግና ብሰንኪ ተበሃግነታ ብብዙሕ ዕንቅፋታት ክትሓልፍ ዝጸንሐት ኤርትራ እየ” እንዳበለ፡ ኣብዚ እዋንዚ ክሳብ ክንደይ ናብ ዕዳጋ ኣውሪዱ ይዋገየላ ከም ዘሎ ባዕሉ ስለ ዝነገረና  ንኹልና ብሩህ እዩ። ኣብ ኢትዮጵያ ከይዱ እሞከዓ ብተደጋጋሚ ተጠሊዑ፡ “ክልቲኡ ህዝብታት ኤርትራን ኢትዮያን ሓደ ህዝቢ እዩ። ብስምዒት ዘይኮነ ብልቢ እየ  ንኣብይ ምርሓና ዝብሎ ዘለኹ፡ ኣስማት ከተማታት ኤርትራ በብሓደ  እንዳጸወዐ ሃገርካ ስለ ዝኾነ ናብ ዝደለኻዮ ከባቢ ኤርትራ ፈቓድ ከይሓተትካ ክትከይድ ትኽእል ኢኻ። ምእንቲ ናጽነት ክንቃለሰ ዘሕለፍናዮ ዓመታት ዝባኸነ ግዜ እዩ። ምስ ኢትዮጵያ ክንዋጋእ እንከለና ብዝተኸፍለ መስዋእቲ ኣይከሰርናን” ኢሉ። መሊቑዎ እዩ ከይንብሎ ከኣ ኣብ ዝተፈላለዩ ግዝያት እሞ ኣብ በበይኑ ኣዳራሻት ኢትዮጵያ እንዳተጣቓዓሉ እዩ ደርጒሕዎ።

ብኣበሃህላ ዲክታቶር ኢሳያስ ኣፍደገ ዝተኸፍተሎም ብዙሓት ዘይፍትሓውያን ኢትዮጵያውያን ወገናት፡ ልኡላውነት ኤርትራን መስዋእቲ ደቃን ብምስትንዓቕ ኣዳዕዲዖም ይዛረብሉን ይጽሕፍሉን ኣለዉ።። ህዝቢ ኤርትራ ብቃልሱ ናጽነቱ ከም ዝጨበጠ ዘንጊዖም፡ “ህዝባዊ ወያነ ሓርነት ትግራይ እያ ንኤርትራ ኣሕሊፋ ሂባ ኣፍደገ ባሕሪ ኣስኢናትና እምበር፡ ኢሳያስስ ቀደም ኮነ ሎሚ  ፈታዊ ኢትዮጵያ እዩ” ክብሉ ኣብ ብዙሕ ኣጋጣምታት ንሰምዖ ዘለና መስደመም እዩ። እዞም ካብ ቀደም እውን ንቃልሲ ህዝብታት ኤርትራን ትግራይን ተፈንጫልን ኣፈንጫልን ዝብልዎ ዝነበሩ ወገናት፡ ሕሉፍ ሓሊፎም ንወያነ ይውንጅልሉ ካብ ዘለዉ ብዙሕ ነጥብታት ሓደ “ንኤርትራ ዓዲላ ንኢትዮጵያ ኣፍደገ ባሕሪ ኣስኢናታ ዝብል እዩ።”  ምናልባት ነዚ ናይ ንዕቀትን ብደዐን ኣበሃህላ፡ ናይቶም እንተላይ ኢሳያስ ኣብ ኣስመራ ኣዕኲኹ ምስ ዶ/ር ኣብይ ኣሕመድ ዓሊ ዘተዓረቖም፡ “ደሓን እዚ ናይ ስዑራት ሕርቃን እዩ” ኢልና መሓለፍናዮ።

ህልዊ  መራሒ ኢትዮጵያ እውን ነዚ ናይ ኢሳያስ ንኤርትራ ከም ህያብ ናብ ኢትዮጵያ ከረክብ ምህቃን፡ ኢድ ነሲኦም እንተተቐበልዎ እሞ፡ ንህዝቢ ኢትዮጵያ “ወያነ ኣጥፊኣትልካ ዝነበረት ኤርትራን ኣፍደገ ባሕራን መሊሰልካ” ክብሉ ስለ ዝደልዩ “ዓገብ ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ ዘይትርጉሙ ክሕዝን ክዝንጋዕን ኣይግበኦን” እንተዘይበሉ ዝተሓዞም ኣይመኾነን። እቲ ኣዝዩ  ዘሕዝን ኢሳያስ ክሳብ ክንድዚ ሃገር እንዳጥፈአን ብሰማእታት እንዳተጣልዐን ኣብቲ ከባቢኡ ዘለዉ ዝተዓዛዘሮም ቁንጣሮ ኤርትራዊ ወገናት ዓው ኢሎም “ዓገብ” ዘይምባሎም ጥራይ ዘይኮነ፡ ናበይ ከም ዝወስዶም ከይፈለጡ “ኣሜን” ኢሎም ይምርሕሉ ምህላዎም እዩ።

ቅድሚ ሕጂ፡ ታምራት ነገራ ዝተባህለ ኢትዮጵያዊ ጋዜጠኛን ብኣተሓሳስባኡ ካብ በዓል ዶ/ር ኣብይ  ኣሕመድ ዓሊብዙሕ ዘይርሕቕን ጸቢብ ወዲ ኦሮሞ፡ “ድሕሪ ሕጂ ንኤርትራ  በትሪ እምበር ኣጽዋር ናብ  ዘይትዓጥቀሉ ደረጃ ከነውርዳ ኢና። ኢሳያስ ንኤርትራ ድምጹ ዘስምዕን ዝተማህረን መንእሰይ ዘየብላ ብምግባሩ ይተሓባበረና ኣሎ። ድሕሪ ሕጂ ኤርትራ ኣብ ዲፕሎማሲኣ ብዘይካ ሓንቲ ቤት ጽሕፈት ንሳ’ውን ኣብ ኣዲስ ኣበባ ካልእ ኣየድልያን እዩ” ኢሉ ስለ ዘስተነዓቐና ንብዙሓት ኤርትራውያን ኣቖጢዑና ከም ዝነበረ ይዝከረኒ። እዚ ሰብዚ ሎሚ እውን ጌና ካብ ርእሲ ኤርትራ ኣይወረደን። ኣብዚ ቀረባ መዓልታት ብዛዕባ መጻኢ ዕድል ብሄር ሲዳማን  ክልላዊ መንግስቲ ናይ ምዃን መሰሉን ብዝምልከት ርኢቶ ክህብ እንከሎ፡ ናብ ኤርትራ ነጢሩ፡ “ኣይኮነንዶ ናይ ሲዳማ ናይ ኤርትራ ጉዳይ እውን ኣብ ኢድ ማእከላይ መንግስቲ ኢትዮጵያ ዘሎ እዩ” ክብል ተሰሚዑ።

እዚ ኢሳያስን ምስ ኢሳያስ ዝተመሓዘዉ ኢትዮጵያውያን ንልኡላውነት ኤርትራ ኣብ ዝምልከት ዘንበድብድዎ ዘለዉ ብዙሕ ትርጉማት ዘለዎን ብዙሕ ዘዛርብን ምዃኑ ብሩህ እዩ። እቲ ዝጐለሐ ትርጉሙ ከኣ ክብርን ርዝነትን ሰማእትነት ናይቶም ምእንቲ ልኡላውነት ሃገር ዝተሰውኡ ኤርትራውያን ዘራኽስ እዩ። እዞም ሰማእታት ናይ ወለዶም፡ ናይ ደቆም፡ ናይ ኣሕዋቶም፡ ናይ ኣንስቶም ወይ ሰብኡተን ዘይኮኑ፡ ክቡራት ደቂ መላእ ናይቲ ሳላኦም ኣብታ ሓላል መሬቱ ኣፉ መሊኡ ክዛረብን እግሩ መሊኡ ክረግጽን ዝጽበ ዝነበረ፡ እንተኾነ ብሰንኪ ህግዲፍ ትጽቢቱ ዘይሰመረሉ መላእ ህዝቢ ኤርትራ እዮም። ናይቶም ኣብ ዝኾነ ቦታ “ኣበይ እዩ ሃገርካ?” ክበሃሉ እንከለዉ ኣፍልቦም ነፊሖም ብሓበን “ኤርትራዊ እየ” ዝብሉ ሰብ ሕድሪ’ውን እዮም።

እስኪ ካልእስ ኩሉ ይትረፍ፡ እቲ “ኤርትራ ብፈቓድ ካልኦት እምበር፡ ብመስዋእቲ ደቃ ኣይኮነትን ናጽነታ ዝረኸበት” ዝብል ሓሶት ምዃኑ፡ ብኽንድቲ ክኾኖ ዝግበኦ በሪኽ ድምጺ ህዝቢ ኤርትራ ዘይምቅልሑ ምኽንያት እንታይ እዩ? ህዝቢ ኤርትራ ብሓፈሻ ብፍላይ ከኣ እቶም ብዛዕባቲ ምረት ናይቲ ምእንቲ ናጽነት ኤርትራ ዝተኸፈለ ዋጋ፡ ሎሚ ግና ብሓደ ሃላሊ ጉጅለ ዝጥለም ዘሎ ብቐረባ ዝፈልጡ፡  ኣብ ኣገልግሎት ዘለዉ ይኹኑ ዝተጣየሱ መጋድልቶም ኣባላት ሓይልታት ምክልኻል ኤርትራ፡ ኢሳያስ ክሳብ ክንድዚ ንሰማእትነት ብጾቶም ኣዋሪዱ፡ ብኻለኦት እውን ክዋረዱ ኣሕሊፉ እንዳሃቦም፡ “መራሒና’ዩ” ኢሎም ከገልግልዎን ክኽተልዎን በየናይ ሕልና ከም ዝተዓገስዎ ዘገርም እዩ። ኣይኮነንዶ ብመስዋእቲ ብጾቶም ዝተረኸበ ልኡላውነት ኤርትራ፡ ኢሳያስ ምስ ስዑራትን ክሳብ ሕጂ ካብ ርእሲ ህዝቢ ኤርትራን ልኡላውነቱን ከይወረዱ  እንዳተቐባበለ ክወራዘን ንክብሪ ሰማእታት ብዘይምጥኖም ቃል ከልዕሉ እንከለዉን ስለምንታይ ደሞም ከምዘይፈልሕ እሞ “ደጊም ይኣክል ጸወታ ብሰማእታት” ዘይምባሎም የገርም።

ወዮ ትማሊ ኣብ ግዜ ቃልሲ “ዝባን ስዉኣት ከምዚ ከይትገርብ” ክበሃል እንከሎ ወስ ዘይብል ዝነበረ። “ዝባን ስዉኣት ከምዚ ክትገብር” ክበሃል እንከሎ ከኣ ንድሕሪት ዘይብል ዝነበረ ህዝቢ ኤርትራዊኸ ጸገሙ፡ ድምጽኻ እተስመዓሉ ዕድል ዘይምርካብ ጥራይ ድዩ?፡ ወይስ ንሱ እውን ነቲ ናይ ኢሳያስን መሻርኽቱ ስዑራት ኢትዮጵያውንን ኣሽካዕላል ብስዉእት ርዒምዎ እዩ? ስለዚ ህዝብና ነዚ ሕቶታት ግቡእ ግብራዊ መልሲ ክህበሉ ኣብ ዝግደደሉ ወሳኒ መድረኽ ከም ዘሎ ክርዳእ ይግበኦ መልእኽትና እዩ።

Last modified on Saturday, 27 June 2020 23:39