ቀዋሚ ረብሓ'ምበር ቀዋሚ ፖለቲካ የለን

2020-02-18 08:29:39 Written by  ብዳዊት በርሀ Published in ጽሑፋት ትግርኛ Read 2270 times

ኣብ ዓለምና ብዙሕ ናይ ፖለቲካ ምግልባጥ እንተረኣና ዘገርም ኣይኮነን። ፖለቲካ ንረብሓታትካ ምውሓስ ትጥቀመሉ መርሆ ኣሰራርሓ ስለዝኾነ፡ ምስ እትጥምቶ ረብሓ ዝቀያየር ኢዩ። ኣብ ኩለንተናዊ ነዊሕ ስትራተጂ ዘይተመስረተ ፖለቲካዊ ሽርክነት ምስ ዝኸውን ብናኣሽቱ ዘጋጥሞ ጸገማት ተዓንቂፉ፡ ናብ ከም ጸላእቲ ምጥምማት ውን ክብጻሕ ይኽእል ኢዩ።

ንጽሑፈይ ኣጽብብ ኣቢለ መታን ክሕዞ፡ ብመንጽር "ቀዋሚ ረብሓ'ምበር ቀዋሚ ፖለቲካ የለን" ዝብል ኣርእስተይ፡ ንተራ ህዝባዊ ወያነ ሓርነት ትግራይ (ህወሓት) ኣብ ፖለቲካ ኤርትራ ክጥምት ኢየ።

ህወሓት ኣብ ሕቶ ነጻነት ኤርትራ ዘየወላውል መርገጽ ኣለዋ። እዚ ድማ ካብ እምነታ "መሰል ርእሰ-ውሳነ ብሔራት ክሳብ ምግንጻል" ዝብል መትከል ዝምንጩ ኢዩ። እዚ መሰል'ዚ ንኹለን ኣብ ኢትዮጵያ ዘለዋ ብሄራት እንኮላይ ንትግራይ ዘገልግል ኢዩ። ከይዱ ከይዱ’ውን ክሳብ ንዘሎ ጂኦግራፊያዊ ፖለቲካ ካርታ ናይ ዞናና ንምቕያር ዘኽእል ኢዩ። እንተሰሊጡ’ውን ንመላእ ኣፍሪቃ። ንኣብነት ኣብ ሰለስተ ሃገራት፡ ኣብ ኢርትራ፡ ኢትዮጵያ ጂቡቲ ዘለዉ ዓፋር መጀመርታ ከካብ ሃገራቶም ብመስረት እምነት "መትከል መሰል ርእሰ-ውሳኔ ብሄራት" ይግንጸሉ፡ ድሒሮም ከኣ ከካብ ዝጸንሕዎ ሰለስቲኦም፡ ዓባይ ዓፋር ክቑሙ ይኽእሉ ማለት ኢዩ።

ህወሓት፡ ኣብ እዋን ናጽነታዊ ተጋድሎ ህዝቢ ኤርትራ ምስ ህዝባዊ ግምባር ሓርነት ኤርትራ (ሻዕቢያ) ክሻረኹ ዝገበሮም፡ ሻዕቢያ ንኤርትራ ካብ ኢትዮጵያ ናጻ ንምውጻእ ይቃለስ ስለዝነበረ ኢዩ። ናጻ ኤርትራ ከመይ ትኸውን ዝብል ናይ ወያነ ውራይ ኣይነበረን። እቲ ኣርጊጽካ ክትዛረበሉ እትኽእል ግን፡ እቲ ዝኣተዉዎ ምሕዝነት ምስ ሻዕቢያ ኣብ መትከል ሰላም፡ ፍትሒ፡ ደሞክራስን ብልጽግናን ዝሰፈና ሓያል ኤርትራ ምህናጽ ዝተሰረተ ኣይነበረን።

ብኣንጻሩ ህወሓት፡ ነቲ ቀንጻልን በሓትን መርሆ ናይ ዲክታቶር ኢሰያስ ኣብ ምትግባር ንጡፍ ኢደ-በይዛ ኮይኖም ሰሪሖምሉ ኢዮም። ንቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ እሙን ንዝነበረ ሃገራዊ ሓይሊ፡ ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ ኣብ ምጥፋእ ገዚፍ ምትሕብባር ገይሮም። ለባማትን ሓለይቲ ህዝቢ ኤርትራን እንተዝነብሩ፡ ኣብ ናጽነት ህዝቢ ኤርትራ ዝተሰረተ ፖለቲካ እንተ ዝኽተሉ፡ ነቲ ኣብ መንጎ ክልተ ኤርትራውያን ኣሕዋት ውድባት፡ ጀብሃን ሻዕቢያን ዝተፈጥረ ዘይምርድዳእ እንተኸኣሉ ክዓርቅዎ እንተዘይከኣሉ ድማ ሻራነት ከየርኣዩ ክሓልፉ ኢዩ ዝነበሮም። ወገን ናይ ሻዕቢያ ኮይኖም ንጀብሃ ምህራሞም ግን ታሪኻዊ ገበን'ዩ ነይሩ።

“እትረግሞን እትምርቖን ኣይኽላእካ” ከም ዝበሃል፡ ንወያነ ሓርነት ትግራይ ብዝወዓልዎ ሕማቕን ጽቡቕን ንህዝቢ ኤርትራ፡ ከነለልዮም ይግባኣና። ኣብ ጽቡቕ ዝወዓሉልና ነመስግኖም። ኣብ ሕማቕ ዝወዓሉልና ድማ ንረግሞም።

ኣብ 1991 ሰውራ ኤርትራ ብወተሃደራዊ ሓይሊ ስዒሩ ምስ ኣተወ፡ ናጽነት ኤርትራ ኣህጉራዊ ተፈላጥነት ንክረክብ ኣብ ቅድሚኡ ዲፕሎማስያዊ ብድሆታት ነይርዎ ኢዩ። ወሳኒ ግደ ወያነ ዝነበሮ ኢህወደግ ንመዘወር ስልጣን መንግስቲ ኢትዮጵያ ዘይሓዞ እንተዝነብር ሕልኽልኻቱ ምዓበየ ነይሩ። ናይ ኢህወድግ መንግስቲ ንናጽነት ኤርትራ ምፍላጥ፡ ነቲ ክፍጠር ዝነበሮ ዲፕሎማስያዊ ብድሆታት ፈቲሕዎ ኢዩ። በዚ ከኣ ኢህወደግ ብቐንዱ ድማ ወያነ ዝመርሖ መንግስቲ ኢትዮጵያ ዓቢ ውዕለት ንህዝቢ ኤርትራ ምፍጻሙ ኣብ ታሪኽ ክምዝገብ ዝህልዎ ኢዩ።

ኣብ ድሕረ-ነጻነት ኣብ ዝነበረ ፖለቲካዊ መድረኻት፡ ህወሓት -ኢህወደግ ዝተፈላለየ ፖለቲካዊ ኣቕዋማት እናሓዙ ኢዮም መጺኦም። እዚ ድማ ካብ ናቶም ፖለቲካዊ ሒሳባት ዝነቐለ ድኣምበር ካብ ረብሓ ህዝቢ ኤርትራ ዝምንጩ ኣይኮነን። እዚ ኩሉ ግዜ ክንጽበዮ ዘሎና ነገር ስለዝኾነ፡ “ብዕራይ ናብ ዘበለ የብል ዕርፊ ኣጽንዕ” ክኸውን ኣለዎ መርሆና።

ህወሓት፡ ኣብ ኤርትራ ናጻ ሃገር ናይ ምግባር ቃልሲ ዓቢ ተራ ተጻዊቶም ኢዮም። ኤርትራ ደሞክራስያዊት ሃገር ንኸይትከውን ከኣ፡ ህወሓት-ኢህወደግ ምእንቲ ደሞክራሲ ኣብ ኢትዮጵያ ኮይኖም ዝቃለሱ ውድባት ኤርትራ ኣጊዳን፡ መራሕትን ካድራትን ኣሲራን ኣባሪራን ኢያ። ደድሕሪ ስርዓት ደርጊ ምስዓሩ፡ ኣብ መወዳእታ 1991 ካድራት ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ ሰውራዊ ባይቶ (ናይ ሎሚ ሰልፊ ደሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ EPDP ኣባላት ዘለዉ ዝርከብዎም) ኣብ ኢትዮጵያ ኣትዮም፡ ኣንጻር ስርዓት ኢሰያስ ፖለቲካዊ ንጥፈታት ዘካይዱ ዝነበሩ፡ ኣብ 28 ሚያዝያ 1994 ንግሆ ሰዓት ሽዱሽት ኣብ ድቃሶም ከለዉ ኣብ ሓደ ሰዓትን ደቒቕን፡ ኣብ ኣዲስ ኣበባ፡ መቐለ፡ ዓዲ-ግራት፡ ዓድዋ፡ ሽረን ሑመራን ካብ ዝነበረ መንበሪ ቦታኦም ቀይዶም ወሲዶሞም። ነዞም ሰላሳ ዝኾኑ ኣባላት መሪሕነት ዝርከብዎም ካድራት ተሓኤ ሰውራዊ ባይቶ (ናይ ሎሚ EPDP ኣባላት ዘለዉ ዝርከብዎም)፡ ልዕሊ ክልተ ዓመታት ኣሲሮሞም። እቲ ከም ጽቡቕ ነገር ዝረአ ግን፡ ኣሕሊፎም ንመራሕቲ ሻዕቢያ ስለ ዘይሃብዎም ኣብ ዝነበርዎ ቤት ማእሰርቲ ኮይኖም፡ ካብ መንግስታት ኣመሪካ፡ ኣውስትራልያ፡ ሆላንድን ደኒማርክን ፖለቲካዊ ዑቕባ ረኺቦም ናብ ስደት ብምምራሕ ነብሶም ኣድሒኖም፡ ምእንቲ ደሞክራስን ፍትሕን ውን ተሪሮም ገና ይቃለሱ ኣለዉ። እዚ ንሻዕብያ ዝቃወሙ ኤርትራውያን ምእጋድን ምስጓጉን ክሳብ ድሮ ምጅማር ውግእ ኤርትራን ኢትዮጵያን 1998-2000 እውን ቀጻሊ ነይሩ።

ህወሓት፡ ንፖለቲካዊ መንነት ዉልቀ-መላኺ ኢስያስ ካብ ማንም ንላዕሊ ይፈልጥዎ ኢዮም። ምስ ኢሰያስ ብምምሕዛው፡ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኤርትራ ጌጋ ፈጺሞም ኢዮም። እዚ ዳሕራይ ዝመጸ ኣንጻር ኢስያስ ዝመስል መርገጾም ኣብ መትከላዊ ረብሓታት ህዝቢ ኤርትራ ዝተሰረተ ስለ ዘይኮነ፡ ምስ ድርቅናን ጽላለን ኢስያስ ክሳዕ ክንደይ ከይሰልጥ ድኣምበር ንከዐርይዎስ ኣይምጸልኡን።

ብምስምስ ናይ ዶብ፡ ብመራሒ ዉልቀ-መላኺ ስርዓት ኤርትራ ኣብ ዝተውልዐ ኩናት፡ በቲ ዝተኸፍሎ ዋጋ ክቕጽልዎ ምውሳኖም ኣብ መንግስቲ ኢህወደግ ዓብይ እጃም ዝነበሮም ህወሓት ጌጋ ፈጺሞም ኢዮም። እዚ ንኤርትራውያን ዝምልከት ኣይኮነን ህዝቦም ይጸባጸቦም። እቲ ንዓና ዝምልከተና ግን፡ ነቶም ንኢትዮጵያ ከም መንበሪ ዓዶም ቆጺሮም፡ ኣብኡ ዝተወልዱን ዝተዋለዱን ዝኸበዱን ንብረት ዘጥረዩን ብዓሰርተታት ዝቑጸሩ ኤርትራውያን ከም ገበነኛታት ብኣልመማ፡ ቅድመ- ምልክታ ከይሃቡ ብጭካነ ከም ዝስጎጉ ምግባሮም ታሪኻዊ በደል ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኤርትራ ፈጺሞም ኢዮም። እዚ ዝፈጠሮ ስምብራት ቀሊል ስለዘይኮነ ገዚፍ ነገራውን ሞራላውን ካሕሳ ክግበረሉ ዘድሊ ኢዩ።

ህዝቢ ኤርትራ ምስ ህዝቢ ኢትዮጵያ፡ ብዝቐረበ ድማ ምስ ህዝቢ ትግራይ ንክነብር ዝተፈጥረ ኢዩ። ብምርጫ ተደለኻ ትወስዶ ተደለኻ'ውን ትገድፎ ኣይኮነን። ካብ ዝተፈላለየ ረብሓታት ዘጋጥም ናይ ጉርብትና ሓጎጽጎጻት፡ ኣብ ሓድሕድ ምምልላእ ብዝተመርኮሰ መሪሕ-ሓሳብ እናተኣልዩ ክኸዱ ዘየቋርጹ ጻዕሪታት ክግበረሎም ኣለዎ።

ህዝቢ ኤርትራ፡ ሃገሩ ክትንበር ዘይትኽእል ሲኦል ኮይናትሉ ኣብ ዘሎ እዋን፡ ጎረባብቱ ሃገራት ተሰዲዱ ዝዑቀበለንን ዝዕንገለለን ኮይነን ክረኽበን ባህጉ ክኸውን ባህርያዊ ኢዩ። እዚ ባህጊ'ዚ ክዉን ዝኸውን ህዝቢታት ጎረባብቱ ንዝነብሮ ዘሎ ስቓይን መከራን ከም ናቶም ጌሮም ክፈልጥሉ ክኽእሉ ከለዉ ኢዩ። ህዝቢ ትግራይ ህዝቢ ኤርትራ ዘሕልፎ ዘሎ ስቓይ ብልክዑ ዝተረድአ ህዝቢ ኢዩ። ከምኡ ስለዝኾነ ኢዩ ድማ፡ ነቲ ብሰማንያታት ሽሕ ዝቑጸር በቢእዋኑ ካብ ግዝኣት ምድረ-ሲኦል ዝመጽእ ዘሎ ህዝቢ ኤርትራ ኣብ መሬቱ ኣጽሊሉ ዝርከብ።

"ተኩስካ ቅተል" ዝብል መምርሒ ካብ ዘለዎ ጨፍጫፊ መንግስቲ፡ ንስክላ ኣምሊጡ ሂወቱ ኣብ ዘድሕነሉን ንመጻኢ ናብርኡ ኣብ ዘቋምተሉ ሃለዋት ምብጻሕ "ኣቦይ እዝግስ ገደል ይፈጥር'ሞ መደያይቦ ድማ ይፈጥር" ዘብል ኢዩ። ካብ ሓደ ጎረቤት ህዝቢ ካብዚ ንላዕሊ ምስጋና ዝግብኦ ሙያ ክርከብ ኣይክእልን ኢዩ።

እዚ ከይኣክል መንእሰያት መጻኢ ዕድሎም ብሩህ መታን ክኸውን፡ ናይ ላዕለዋይ ትምህርትን ስራሕን ዕድል ክኽፈተሎም ምግባር ንኤርትራውያን ዓቢ ውዕለት ካብ ህዝቢ ትግራይ ኢዩ። ንሕና ኤርትራውያን ድማ፡ እዚ ተግባር'ዚ መግለጺ ሓልዮት ዝመልኦ ጉርብትና ከም ዝኾነ ፈሊጥና ከነመስግኖ ይግባእ።

ካልእ ኣሻቓሊ ጉዳይ፡ ብክቡር መስዋእቲ ደቃ ናጽነታ ዝተጎናጸፈት ሃገርና ኤርትራ፡ ኣብ ትሕቲ ኣመራርሓ ውልቀ መላኺ ሰብኣይ ልዕላውነታ ዝፍርሕ ኮይኑ ኣሎ። ናጽነታ ዘይተዋሕጠሎም ሓለምቲ ኢምቦራጦርያ ኢትዮጵያ ድሌታቶም ሕፍር ከይበሉ ብጋህዲ ክዛረቡ ንሰምዕ ኣሎና። እዞም ዝጠፈሹ ነዳያን ኣብ ዝበጽሕዎ ዋላ እንተዘይሃለዎም፡ ህርፋኖም ግን ብቃልሲ'ምበር ብኸምኡ ዝበንን ኣይኮነን።

ጉዳያት ኤርትራ ንኤርትራውያ ናይ ኢትዮጵያ ድማ ንኢትዮጵያውያን ዝምልከት ከም ዝኾነ ርዱእ ኢዩ። እንተኾነ ግን ዲክታቶር ኢስያስ ንጉዳያት ኤርትራን ኢትዮጵያን ሕዉስዉስ ኣቢሉ ኣብ ዝኸደሉ ዘሎ ኩነታት፡ መስርዕ ኣትሒዝካ ንምግጣሙ እዋናዊ ናይ ቃልሲ ስልቲ ምኽታል ክሓትት ኢዩ። ሎሚ ሕቶ ምውሓስ ልዑላውነት ሃገርን ምርግጋጽ ደሞክራስን ፍትሕን ልዕልነት ሕግን ኢዩ።

ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ ክሊ'ዚ ዕላማታት'ዚ ክልተ ኣረኣእያታት ዘለዎም ሓይሊታት ከምዘለዉ ክድህሰስ ዝከኣል ኢዩ።

ብሓደ ወገን፡ ብቐጥታ ድዩ ብተዛዋሪ ነዚ ዕላማታትዚ ክዉን ከይከውን፡ ንናጽነት ኤርትራ ዝጻብኡ ሓይልታት። ብካልእ ወገን ድማ፡ ካብ ናቶም እምነት መትከል መሰል ርእሰ-ውሳነ ብሄራት ነቒሎም ንጉዳይ ኤርትራ ከም ውዱእ ዝቖጽሩን ብተወሳኺ ውን ኣመራርሓ ኢሰያስ ሕማም ርእሲ ኮይንዎም ክለግሰሎም ዝደልዩን ሓይልታት ኢዮም።

ከም ኤርትራውያን ደለይቲ ፍትሒ፡ ኣብ ኢትዮጵያ ተፈጢሩ ዘሎ ብዛዕባ ሃገርና ዝምልከት ኩነታት፡ ብጥንቃቐ መርሚርና ክንድ'ቲ ክንጥቀመሉ እንኽእል ኣብ ምዕዋት ቃልስና ክንጥቀም ክንበቅዕን ኣድማዒ ናይ ቃልሲ ስልቲ ክንክተልን ይህልወና።

Last modified on Tuesday, 18 February 2020 09:31