መተዓሻሸዊ ዲፕሎማስን ፖለቲካን ኢሰያስ

2020-01-23 08:48:46 Written by  ድራር መንታይ Published in ጽሑፋት ትግርኛ Read 2594 times

ኢሰያስ ኣፈወርቂ ገና ኣብ ሰውራ  ከይተሰለፈ ከሎ፥ ካብቶም ምስኡ ዝነበሩ  ብቐረባ ዝፈልጥዎ ስውእ መምህር ሚክኤል ጋብር ሓደ እዩ። ስውእ ሚክኤል ጋብር ኢሰያስ  ንሜዳ ወጺኡ ኢሎም ምስ ሓበርዎ ዝሃቦ ርእይቶ፥ ”ኢሰያስ ናብ ተሓኤ ንኽስለፍ ሜዳ ወጺኡ፥ እዚ ሰብ እዚ ካብ ክልተ ሓንቲ ክፍጽም ኢዩ። እዚ ሰብ እዚ ወይ ንተሓኤ ጠንጢንዋ ኢዱ ንመንግስቲ ኢትዮጵያ ክህብ እዩ ወይ ድማ ክፍንጨል እዩ።”ይብል፡ ስውእ ሚክኤል ጋብር ካብ ምንታይ ነቒሉ ኮን ይኽውን ከምዚ ዝዓይነቱ ትንቢት ዝተነበየ ክሳብ ሎሚ ብኡኡ ዘይዛረብ የለን። ስውእ ሚክኤል፡ ነቲ ትንቢት እቲ ዝተነበዮ ምስጢር  ባህርያት ኢሰያስ ኣጸቢቑ ይፈልጥ ስለ ዝነበረ ጥራይ እዩ። ከምቲ ዝተባህለ ከኣ ካብ ተሓኤ ተፈንጪሉ ናይ በይኑ  ውድብ መስሪቱ ጥራይ ዘይኮነስ ንተሓኤ ውን ምስ ጓኖት ኮይኑ ኣጥፊእዋ እዩ።

እቲ ካብ ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ ክፍለ ዝወጠኖ ውጥን ወይ እውን ምኽንያት መፍለይኡ ዝጉስጉሶ ዘነበረ ጐስጓስ፡ ርኡይ ናይ ሃይማኖት ኣፈላላይ ምዃኑ ክንርዳእ ንኽእል። እቲ ንሱ ዝጥቀመሉ ዝነበረ፡ ምስቲ ኢትዮጵያ ሽዑ ትዝርግሖ ዝነበረት፡ ንክርስትያንን ኣስላምን ብዝፈላልን ኣብ ንሓድሕዱ ክቃተልን ዝመሳሰል ስልቲ ኢዩ ተጠቒሙ። እዚ ካብቲ ኣገባብ ኣካይዳኡ ጀሚርካ ልኡኽ ወይ ስላይ ናይ ገለ ሸነኻት ምንባሩ ብዘይጥርጥር ክትግንዘቦ ዝከእል እዩ ነይሩ። መጀመርያ ኢትዮጵያ እትዝርግሖ ዝነበረት ነፍሕታት “እቶም እስላም ንኤርትራ ዓረብ ክገብርዋ እዮም” ዝብል መናፍሕ ኤርትራውያን ከይሓብሩን ከይሰምሩን ዝዓለመ እዩ ነይሩ።

ብስም እስላም ተወዲቡ ክቃለስ ኤርትራዊ ከብሎ ዘይከኣል እንተኾይኑ፡ ኢሰያስ ክፍለ ከሎ ክርስትያናዊ መልክዕን ጭረሖን ሒዙ ክንቀሳቐስ ከሎ ግና ሃገራዊ ኣይይኮነን ዝብል ኣይተረኽበን። ስለዚ እቲ ሓቂ ክርስትያናዊ ይኹን እስላማዊ ውደባ ብመትከል መሰል ስለዝኾነ ንምንታይ ውድብ መስሪትካ ኢልካ ዘይኮነ፡ እቲ ንሱ ሒዝዎ ዘሎ ንህዝቢ የርብሕን ኣየርብሕን፡ ህዝቢ ባዕሉ ፍርዲ ክህበሉ ጥራይ ኢዩ ዝግባእ። ኢሰያስ እምበኣር እቶም ለኣኽቱ ዝመደቡሉ ውጥን የካይድ ከምዝነበረ ሎሚ እነሆ ብጋህዲ ይረአ ኣሎ።

ከምቲ “ውሕጅ እናስሓቐ ይወስድ”ዝበሃል፡ ኢሳያስ ወግሐ ጸብሐ ንልኡላውነት ኤርትራን ህዝባን ዝፈታተን  ካብ ግዜ ናብ ግዜ በብዓይነቱ ወስታት የቐልቅል ኣሎ። እንትርፎ ብድሑር ስምዒታት ዝተላዕጠጠ፡ ተሓኤ ክትምስረት ከላ ሃገራዊት ውድብ ከምዝነበረት ማንም ኣሉ ዝብል ኣካል ክህሉ ኣይክእልን እዩ። ጌጋታት ነይርዋዶ እወ ነይርዋ፥ እቲ ጌታት እቲ ክዕረ ይኽእልዶ ነይሩ ብርግጽ ክዕረ ዝከኣል ኢዩ ነይሩ። እንተኾነ ግን ኣብቲ እዋን’ቲ  ኣሎ ዝበሎ ጸረ-ዲሞክራሲ ዝኮነ ባህሪኡ ኣብ ክንዲ ምእራም ኣብ ምፍንጫል እዩ ዝነሃረ ። “ንሕናን ዕላማናን” ዝብል መግለጺ  ምውጽኡ  መርኣያ እንታይነትን ምስልን ኢሰያስ ኣጒሊሑ ዝበርህ ኢዩ ነይሩ። ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ እውን  እንታይነትን ፖለቲካዊ ዕላማን ኢሰያስ ኣብ መጽሐታታ ብዙሕ ግዜ ንህዝቢ ገሊጻ ናይራ።

ኢሰያስ ሕዝዎ ዝነበረ ዕላማ ንምትግባር ንደጋዊ ሓይሊ ዓዲሙ ንሃገራዊ ሓይሊ ክወቅዕ ከሎ’ኳ ሽዑ ኢያ ኤርትራ ከይዳ ከይዳ እዚ ሎሚ ብእሰያስ ዝዝረብ ዘሎ ዘረባታት ከም ዝፍጸም ክንርዳእ ነይሩና። እንተኾነ ግን ንሕና እቲ ሳዕሪ ጥራይ እምበር እቲ ገደል ኣይተራእየናን።

እቲ ኢሰያስ ዘወሰዶ ዝነበረን ጌና ውን ዝወስዶ ዘሎን ስጉምቲ፥ ንድሕነት ሃገርን ህዝብን ከምዘይኮነ ግዜ የብርሆ ኣሎ።  እዚ ሎሚ ኢሰያስ ዘውጽኦ ዘሎ ቃላት፡ ናይ ሎሚ ዘይኮነስ ጌና ንሜዳ ከይወጸ ከሎ ሒዝዎ ዝወጸ ሓሳብን ትልምን እዩ ነይሩ ዝብሉ ብዙሓት እዮም። ስለዚ ንሕና ኤርትራውያን ብርግጽ ንሃገርናን ህዝብናን ክነድሕን ሓቀኛ ድሌት እንተልዩና፥ ወገሐ ጸብሐ ሓሓዲሽ እራራ ካብ ምምስራት ነዚ ሰይጣናዊ ዝኾነ ጉጅለ ኢሰያስን ኮራኹሩን ሓቢርና ተቓሊስና እነወገደሉ  ኣገባብ ብዘይወዓል ሕደር ከም ዘድልየና ክንኣምንን ኣብ ተግባር ክነርእን ከድልየና እዩ። እንተዘይኮይኑ እቲ እንርእዮ ዘሎና ምልክታት ናይ ኢሰያስ ጥልመትን ክድዓትን ደጊም ብሩህ ኢዩ ዘሎ እሞ ምስ ኮነ ዋይዋይ ዘምጽኦ ፍረ የልቦን።

Last modified on Thursday, 23 January 2020 09:54