ወዮም ለኣኽቲ፡ ባዕላቶም ክዛረቡ ጀሚሮም

2020-01-17 09:57:56 Written by  ኣሮን ናኦድ Published in ጽሑፋት ትግርኛ Read 2089 times

ኣብ መንጎ ኤርትራን ኢትዮጵያን ድሕሪ 20 ዓመታት ሃንደበት ሓድሽ ምዕባለ ምስ ተራእየ ብዙሓት ኣዛረብቲ ሕቶታት ከም ዝተላዕሉ ናይ ቀረባ ተዘክሮና እዩ። “መዓስ፡ ኣበይን ብናይመን መንጐኝነትን ተዛትዮም እዮም ደኣ ኣብዚ ስምምዕ በጺሖም? ስለምንታይ እዩ ኢሳያስ ኣብ ውሽጣዊ ጉዳይ ኢትዮጵያ ኣትዩ ዘዳኽር ዘሎ? ስለምንታይ እዩ እቲ ዲክታቶር ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኤርትራ ዝፍጽሞ ዘሎ ግፍዒ ኣብ ግምት ዘይኣተወ? ዝርዝር ትሕዝቶ ናይቲ ስምምዕከ ንህዝቢ ዘይግለጽ? ስለምንታይከ እቲ ኣብ መንጎ ክልቲኣን ሃገራት ከም ቀንዲ መፈላላይ ኮይኑ ዝጸንሐ ቀያድን ናይ መወዳእታን ብይን ኮሚሽን ዶብ ዘይተላዕለ? ብፍላይ ብወገን ኤርትራ ወዮ ጉዳይ ዶብ ከይተወገነ ዝምድና ናብ ንቡር ምምላስ “ክሳደይ ንኻራ” ብዝብል ዘዕገርግር ዝነበረ ኢሳያስ፡ ሃንደበት ቃሉ ዓጺፉ ኣብ ማይ ከም ዝኣተወት ኣንጭዋ ኮይኑ? ዝብሉ ካብቶም ብዘሓት ሕቶ ዘልዕሉ ዝነበሩ እዮም።

ናይዚ ኩሉ ስለምንታያት ውዱእን ሓቀኛን መልሲ ክህቡ ዝነበሮም፡ እቶም ወዛሕዛሕ ዝብሉ ዝነበሩ መራሕቲኳ እንተነበሩ፡ ንሳቶም ምስ ኣጽቀጡ ግና ብዙሓት ወገናት ነናቶም ግምታዊ መልሲ ክህቡ ዝተገደድሉ ነይሩ። ናይ ብዙሓት ግምታዊ መልሲ ከኣ፡ እዚ ሃንደበት ዝነጠበ ዝምድና፡ ካብቲ ህዝብታት ክልቲኡ ሃገራት ዘለዎ ናይ ሰላም ጽምእን ህርፋንን ዝነቐለ ዘይኮነ፡ ናይ ግዳም ሓይልታት ዞባዊ ረብሓታትን ልዕልናን ንክሕልዉ ክግዕትዎ ዝጸንሑ ግዳማዊ ተጽዕኖ ዝወለዶ እዩ ዝብል ነይሩ። እቲ እንዳሓደረ ብግብሪ ዝተራእየ ምዕባለ ከኣ ነዚ ግምታዊ መልሲ ናብ ሓቀኛ መልሲ ዘማዕበሎ ነይሩ።

ውድብ ሕቡራት ሃገራት ባዕሉ ከይተረፈ፡ ኣብ ኤርትራ ዘሎ ግህሰት ሰብኣዊ መሰል ዝፈልጦን ከእውየሉ ዝጸንሐን ክነሱ፡ ነዛ ብኢሳያይ እትምራሕ ዘላ ኤርትራ ኣባል ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰል ሕቡራት ሃገራት ክትከውን ምምዛዛ ሓደ ንህዝቢ ዘንጊዕካ ንዲክታቶር ናይ ምቅብጣር ምልክት ነይሩ። ካብዚ ሓሊፉ እቲ ቅድም እውን ሓያላት ንናቶም ክብሪ እምበር ንራህዋ ህዝቢ ኤርትራ ዝተወጠነ ኣይኮነን ኢልና ክንነቕፎ ዝጸናሕና ማዕቀብ፡ ከምቲ ግጉይ ኣመጻጽኣኡ ብግጉይ ኣገባብ ተላዒሉ ተባሂሉ። ነዚ ስጉምታትዚ ንኢሳያስ ንሓንሳብ ናብ ሱዕድ ዓረብያ ንሓንሳብ ድማ ናብ ኢማራት እንዳወሰድካ መዳልያታት ምስላምን ጁባኡ ምምላእን ምስ ተወሰኾ፡ ኣማን ብኣማን ኢሳያስ ኣብዚ ከባቢ ንህዝብና እንዳረግጸ ልኡኽ ንክኸውን ተሓርዩ ከም ዘሎ ተነጺሩ። ካብቲ ኣቐዲሙ ዝተላዕለ ስለምንታያት ከኣ መብዛሕትኡ መልሲ ረኺቡ።

ኢሳያስ ብወገኑ ደሓርስ መመሊሹ ስለ ዝሻደነ፡ ባዕሉ እውን ንግዳማዊ ተልእኮ ተመዚዙ ከም ዘሎ ንምብራህ፡ ብዘይሕፍረት “ድሕሪ ሕጂ ብዛዕባ 5 ሚልዮን ህዝቢ ኤርትራ ዘይኮነ፡ ብዛዕባቲ ከባቢ 200 ሚልዮን ዝኸውን ህዝቢ ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃን ከባቢ ቀይሕ ባሕርን ኢና ንሓስብ” ክብል ጀሚሩ። ያኢ ነዚ ከተግብር ኣይሰለጦን እምበር፡ ካብ ሶማልያ ክሳብ ደቡብ ኣፍሪቃ ተወሳዊሱ። እነሆ ከኣ ኣብዚ ቀረባ ግዜ ኣካል ናይቲ በዓል ሱዕድ ዓረብ ነብሰን ንምሕላው ዝደኰነኦ ማሕበር ሃገራት ጋብላ ቀይሕ ባሕርን ባብኤልመንደብን ኮይኑ። እቶም ንኢሳያስ ዝልእክዎ ዘለዉ ናቶም ሕሳብ ኣለዎም ኢልና ኣለና። ናይ ኢሳያስ ሕሳብ ከኣ ንኤርትራዊ ውሽጣዊ ዋኒን ብዞባዊ ዛዕባታት ኣጐልቢብካ ምርስሳዕ እዩ።

እቲ ግምታዊ ዝነበረ መልሲ ሓቂ ምዃኑ ኣጸቢቕካ ንምብራህ፡ ጌና በቶም ለኣኽቲ ተወሰኽቲ ምልክታት ይመጹ ኣለዉ። ፕረዚደንት ኣሜሪካ ዶናልድ ትራምፕ፡ ኣብዚ ቀረባ መዓልታት ኣብ ግዝኣት ኦሃዮ ብዙሓት ኢትዮጵያውያን ኣብ ዝተሳተፍዎ ኣኼባ፡ ምስቲ ንቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ዝተዋህበን ብዙሕ ዘዛረበን ናይ ሰላም ኖበል ሽልማት ብዝተተሓሓዘ ኣብ ዘስምዕዎ ዘረባ፡ ንበዓል ኢሳያስ “የማነ ጸገም ከይበልኩም ከምታ ዝበልናኩም ግበሩ” ከም ዝበልዎም ብግቡእ ዘማላኸቱ እዩ። ብወገን በዓል ኢምሬትስ እውን “ኣብዚ ከባቢ ሓይልና ከነደልድልን ሰላምና ከነውሕስን ስለ ዝዕንቅፈና፡ ጉዳይ ኤርትራን ኢትዮጵያን መልክዕ ከነትሕዞ ናይ ግድን ነይሩ።” ዝብል መግለጽታት ብዝተፈላለዩ ሜላታት ይወጽእ ኣሎ። ርሑቕ ከይከድና ዶብ ኤርትራን ኢትዮጵያን ንሓንሳብ ዝዕጾ ንሓንሳብ ዝኽፈት ዘሎ እውን ናይቲ ንዛረበሉ ዘለና ስምምዕ መሰረቱ ናይ ክልቲኡ ሰላም ዝጸምኦ ህዝብታት ከምዘይነበረ ዘመልክት እዩ።

እዚ ጉዳይ ብፍላይ ንዓና ኤርትራውያን ጌና ጭራኡ ነዊሕ እዩ። ኢሳያስ ካብቶም ልኣኽቱ ተቐቢልዎ ዘሎ ተልእኮ ዝተደራረበ እዩ ዝመስል። ዞባዊ ረብሓ ሓያላት ካብ ምሕላው ሓሊፉ፡ ንኤርትራዊ ልኡላውነትና ኣብ ሓደጋ ከየእቱ ዘስግኡ ምልክታት ኣዳዕዲዕና ንዕዘብ ኣለና። ኢሳያስ ኣብ ብዙሕ ኣጋጣምታት ንዝምድና ኤርትራን ኢትዮጵያን ብዝምልከት ዘስመዖም መደረታትን ነዓኡ ተኸቲሎም፡ ካብ መራሒኦም ጀሚርካ ብዙሓት ኢትዮጵያውያን ፖለቲካኛታትን ጋዜጠኛታትን ዝድርብይዎ ዘለዉ ኤርትራዊ ክብሪ ዝትንክፍ ዘረባታት እውን ኢሳያስ ክሳብ ክንደይ ሓደገኛ ተልእኮ ተቐቢሉ ከም ዘሎ ዘመልክት እዩ።

ድሕሪ ሕጂ ኢሳያስ ኣይኮነንዶ ንህዝቢ ኤርትራ ክርህርህ፡ ንኤርትራ ከጥፈኣ ዝባኑ ቀሊዑ   ከም ዝተዓጥቀ ነጊሩና እዩ። እዚ ከኣ ንዓና ነቶም ሕድሪ ናይቶም ምእንቲ ልኡላዊት ኤርትራን ራህዋ ህዝባን ዝሓለፉ ሰማእታት ናይ ምኽባር ሓላፍነት ዘለና ኤርትራውያን ከቢድ ጾር ዘሰክመና እዩ። ነታ ኢሳያስ ከም ናይ ግሊ ንብረቱ ትሕጃ ኣትሒዙ፡ ብጐይተቱ ዝነኣደላን ዝነግደላን ዘሎ ኤርትራ፡ “ንሕና ኣለናላ” ዝብል ድምጽና፡ ናብቶም ድምጽን ድሌትን ህዝብና ደፊኖም፡ ንኢሳያስ ኣመላኺዖም ክረብሑ ዝደልዩ ወገናት፡ ከም ዝስማዕ ንግበር። ኢሳያይ ብዘይካብቲ ሳላ ዘመናዊ ስልጣነ ብሚድያታት ንሰምዖ ዘለና ጠላም መደረታቱ፡ ኣብ ሱዕድያ፡ ኤመረትን ኣዲስ ኣበባን ከይዱ እንታይ ይፈራረምን ይሰማማዕን ከም ዘሎ ስለ ዘይንፈልጥ ከሎ ጋና ናይ ቀረባ ይኹን ናይ ርሑቕ መኻይድቱ ሕሳቦም ንክገብሩ ስምዕታና ነስመዓዮም። ከምቲ “ዓሻ ዝተኸሎ ለባም ነይነቕሎ” ዝበሃል ሎሚ ኢሳያስ ብስኽራን ዝጸየቖ ጽባሕ በሰላኡ ከይሃስየና። ነዚ ኩሉ ክበቅዕን ከነድምዕን ከኣ ኣብቲ ሓደ ክንኮነሉ ዝግበኣና ዓበይቲ ኤርትራ ሃገራዊ ጉዳያት ክንሓብር፡ ከም ወትሩ ሓደራ እብል።

Last modified on Friday, 17 January 2020 11:00