ካብ ህግደፍ ለውጢ ምጽባይ፡ ማይ ከም ምሕቋን’ዩ

2019-11-07 19:51:41 Written by  ኣሮን ናኦድ Published in ጽሑፋት ትግርኛ Read 1511 times

ጉጅለ ህግዲፍ ቀጻልነቱ ኣብ ስልጣን ቅድሚ ኩሉ ሰሪዑ ዝንቀሳቐስ ብዛዕባ ምዃኑ ኣይኮነንዶ ንኤርትራዊ ንማንም ከም ሓድሽ ዝንገር ኣይኮነን። ናይቲ ኩሉ እዚ ጉጅለ ኣብ ልዕሊ ኤርትራን ህዝባን ክፍጽሞ ዝጸንሐን ዝቕጽሎ ዘሎን በደላት ዕላማ ከኣ፡ ንሱ እቲ ኣብ ስልጣን ናይ ምቕጻል ዘይረዊ ህርፋን እዩ። ኣብ ተመኩሮ ብዙሓት ኣብ ስልጣን ክቕጽሉ ወሲኖም፡ ዝተላዕሉ እቲ ዝመረጽዎ መንገዲ ኣንጻር ዕቤት ሃገርን ህዝብን ምዃኑ ምስ ኣረጋገጹ፡ ምእንቲ ህዝብን ሃገር ናብ ልቦም ተመሊሶም መንገዲ ደሓን ይሕዙ እዮም። እዚ ንኤርትራን ህዝባን ዝሕምሶም ዘሎ ጉጅለ ግና፡ ገበናቱ ኣዝዩ ስለ ዝሳዕረረን ኣእዳዉ ብደም ኣእላፍ ንጹሃት ስለ ዝጠልቀየን፡ ንድሕሪት ክምለስ ከምዘይክእል ብተግባሩ ካብ ዝነገረና ነዊሕ ግዜ ኮይኑ። ስለዚ ካብኡ ለውጢ ምጽባይ፡ ኣብ ዘይሰምዓካ ደብሪ ካብ ምምህላል ወይ ምሕቋን ማይ ፈሊኻ ዝረአ ኣይኮነን።

ብዙሓት ወገናት ኣብ ምረት ናይቲ ህግዲፍ ኣብ ኤርትራ ዝፍጽሞ ዘሎ በደልን ጭቆናን ፍልልይ የብሎምን። ምኽንያቱ፡ እቲ እኩይ ተግባራቱ፡ እንዳ ኩሉ ኤርትራዊ ዝኳሕኰሐን ኣብ መሬት ዝረአ ዝሎን ስለ ዝኾነ። መራሒ ህግዲፍ እውን ኣብቲ “ናይዚ ኩሉ ጠንቂ መንን እንታይን እዩ?” ዝብል ሕቶ ምምላስ እዩ ዘይተብዕ እምበር፡ ወትሩ እዩ፡ ኣብ ኤርትራ ማይ፡ ሓይሊ መብራህቲ፡ ትሕተ-ቅርጻ፡ ፋብሪካ…..ወዘተ የለን ክብል እንከሎ ኣብ ብዙሕ ኣጋጣምታት ንሰምዕ ኢና። ኣብ ከምዚ ኩነታት፡ እቲ ናይቲ ሕቶታት መላሲ ክኸውን ዝግበኦ፡ ሓታቲ ኮይኑ ክቐርብ ክፍትን እንከሎ ከኣ የተዓዛዝብ። ኣብዚ ጥራይ ዘይኮነ ናይ ህግዲፍ ኣካይዳ ወትሩ ዝተደዋወሰን ዘገርምን እዩ።  ጉጅለ ህግዲፍን መራሒኡ ዲክታቶር ኢሳይያስን ግና፡ ሓንሳብ “ኣብዛ ሃገር ነጸብቕ ንሕና ነኽፍእ ንሕና፡ መን ኣሎ ኣብ ቅድሜና” ካብ ዝብል ትዕቢትን ንዕቀት ህዝብን ስለ ዝነቕሉ፡ ኣብ ሕድሕዱ ዝጓነጽ ሓሳብ እንተቃልሑ እውን ዘሕምሞም ኣይኮነን። ምኽንያቱ ከምቲ “ሓንሳብ ዝጠልቀየ፡ ዝናብ ኣይፈርሕን’ዩ” ዝበሃል ነቲ ጸረ-ህዝብነት ናትና ኢሎም ሒዘምዎ እዮም።

ስለምንታይ እዩ ህግዲፍ ነዚ ብኹሉ መለክዒ መወዳድርቲ ዘይብሉ ናይ ጭካነ መንገዲ መሪጹ ኣብ ዝብል ብፍላይ ቅድሚ ሓያሎ ዓመታት ፍልልያት ነይሩ እዩ። ገለ ወገናት ብዘይካቲ እቲ ጉጅለ ዝመረጾ መንገዲ ካልእ ንኤርትራ ከም ሃገር ዘቐጽላን ዘልመዓን መንገዲ የለን ዝብል እምነት ዝሓደሮም ነይሮም። እዚኣቶም ገሊኦም ካብዚ ወጻኢ ምእንቲ ከይሓስቡ ብሓሳዊ ስብከት ናይቲ ጉጅለ ዝደንዘዙ እዮም። ገሊኦም ግና፡ እቲ መንገዲ ንኤርትራን ህዝባን መንገዲ ጥፍኣቶም ምዃኑኳ እንተዘይሰሓትዎ ብዘይነባሪ ረብሓ ዓዊሮም፡ ምስቲ ዘይነባሪ ህግዲፍ ክስለፉ ዝወሰኑ እዮም። ገለ ወገናት እውን ህግዲፍ ደላይ ራህዋኳ እንተኾነ፡ ንኤርትራን ህዝባን ካብዚ ዘለዉዎ ናይ ጸልማት ዘበን ናብ ዝሓሸ መንገዲ ክወስድ ዝኽእል ዓቕሚ ስለ ዘየብሉ እዩ ክብሉ ዝደናደኑ ነይሮም። ሕገመንግስቲ ምትግባር፡ ምርጫ ምክያድ፡ እሱራት ወይ ምፍታሕ ወይ ድማ ናብ ፍትሒ ምቕራብ፡ ወተሃደራዊ ኣገልግሎት ናብቲ ብኣዋጅ ዝተገልጸ ንቡር ግዜ ምምላሱ፡ ዜጋታት ዝመረጽዎ እምነት ከም ዝስዕቡ ምፍቃድ፡….. ወዘተ እንታይ ጸገም ኣለዎ? ክትብሎም እንከለኻ፡ መልሲ ክደልዩ’ኳ ኣእማን ዝፍንቅሉ እንተኾኑ ማይ ዝሕዝ ሓቂ ኣይነበሮም። ናይ መብዛሕትኡ ኤርትራዊ መልሲ ግና ህግዲፍ ኮነ ኢሉ ሃገርን ህዝብን ንምድዋት ዘዓጥቀን ናቱ ገበን ንካለኦት ምልጋብ ዝቐሎን ምዃኑ እዮም ዝኣምኑ።

ሎሚ ምስቲ ቅድሚ 20 ዓመታት ኣቢሉ ዝነበረ ኩነታት ኣዛሚድካ፡ እቲ ህግዲፍ ንኤርትራ ኣብዚ ዘላቶ ደረጃ ኣውዲቕሉ ዘሎ ምኽንያት ናይ ዓቕምን ክእለትን ጉዳይ ዘይኮነ፡ ናይ ጸረ-ህዝብን ሃገርን ባህሪ ጉዳይ ምዃኑ ዳርጋ መላእ ህዝቢ ኤርትራ ዝረዓሞ መደምደምታ ኮይኑ ኣሎ። እቶም ንጉጅለ ህግዲፍ ዘየሎ ክነሱ ደጋጊፎም “እነሆ እምበር” ክብሉ ዝጸንሑ ኣካላት ንጣር ኮይኖም እዮም። ኣብ ከምዚ ዓይነት ተረድኦ ምብጻሖም ኣብቲ ኣንጻር ህግዲፍ ዝካየድ ዘሎ ቃልሲ ኣበርክቶኡ ዕዙዝ እዩ። እቲ ቀንዲ ግና ኣብቲ ባይታ ብመሰረት ተረደኦኻ ብኸመይ ትቃለስን ትዋሳእን ምውሳን እዩ። ኣብ መንጎ “ህግዲፍ ጸረ-ሃገርን ህዝብን እዩ” ኢልካ ምእማንን በዚ እምነትካ መሰረት ኣብ ግብራዊ ቃልሲ ምውሳእን ሰፊሕ ፍልልይ ምህላዉ ምርዳእ ኣገዳሲ። ምርዳእ ጥራይ ዘይኮነ፡ እዚ ሃጓፍ  ተዓጽዩ፡ እቶም “ጉጅለ ህግዲፍ ግናይ እዩ” ኢልና እንኣምን፡ ኣብ ምልጋስ እቲ ግናይ ክንነጥፍ ናይ ግድን እዩ። ብክለሳ ሓሳብ ምእማን ብግብሪ እንተዘይተሰንዩ ዋጋ ስለ ዘየብሉ።

ህላወ ናይቶም ውሑዳት ህግዲፍ ኣብ ንቡር መስርሕ ዘሎ መሲልዎም፡ ኣብ ቅነ ሃገራዊ በዓላትን ምጅማር ሓድሽ ዓመትን፡ በቲ ኣብዛ ትመጽእ ዘላ በዓል ወይ ሓዳስ ዓመትስ ህግዲፍ “ሎምስ ገለ ክገብር እዩ” ዝብል ወረ እዩ ዝንዛሕ። እዚ ከምዚ ዓይነት ናይ ሓሶትን ሕልምን፡ እቲ ጉጅለ እውን ከም ኣካል ናይቲ ህዝቢ ናይ ምትላል ፖሊሲኡ ብናይ ጸጥታ ትካላቱ ተቓሚሙ ኮነ ኢልካ ይንዛሕ እዩ። ህዝቢ ከኣ ከምቲ “ነዳይስ ናይ ልቡ ይሓልም” ዝበሃል፡ እቲ ዝውረ ሓቂ እንዳመሰሎ በዓል መጸ ሓድሽ ነገር ሃረር ይብል። ንኣፍልጦ ኩልና ግና “ለውጢ ካብ ህግደፍ ምጽባይ፡ ማይ ከም ምሕቋን’ዩ።”

ሓንሳብ ምዕሻው ንቡር እዩ። በቲ ቅድም ዘዕሸወካ ኣካል ዳግማይ ምዕሻው ግና፡ እቲ ተዓሻዋይ ንገዛእ ርእሱ ዓሻ ምዃኑ እዩ ዘመልክት። ከምቲ “ክትከይድ እንከለኻ ዘዕንቀፈትካ እምኒ፡ ክትምለስ እንከለኻ እንተ ደጊማትካ ንስኻ ኢኻ እምኒ” ዝበሃል። ህግዲፍ ንህዝብና ሓንሳብ ክልተሳብ ዘይኮነ፡ ብዙሕ ግዜ እዩ ኣዕሽይዎ። ስለዚ ናይ ህግዲፍ ምትላል ርዱእ ኮይኑ፡ “እቲ ዝታለል ህዝቢኸ ወትሩ ድዩ ዝታለል?” ዝብል ሕቶ ዘልዕል ምዃኑ  ምስትውዓል ዘድልዮ እዩ። ህግዲፍ ዘዕሽወሉ ባይታን ዝዕሸወሉ ህዝብን እንተዘይረክብ፡ ብምዕሻው ዕድሜኡ ከናውሕ ዕድል ከምዘይነበሮ ነስተብህ’ሞ ሕሳብና ንግበር።

Last modified on Thursday, 07 November 2019 20:53