ሲፒጄ፡ ኤርትራ ብሳንሱር ኣብ ቅድሚት ምስርዓ ገሊጹ

2019-09-10 09:34:19 Written by  BBC Published in ጽሑፋት ትግርኛ Read 1848 times

ኣርማ ሲፒጄ Image copyright CPJ

ኤርትራ ብሳንሱር (መመያ) ኣብ ዓለምና ቅድሚት እትስራዕ ሃገር ምዃና ኮሚተ ንድሕነት ጋዜጠኛታት፡ ሲፒጄ፡ ኣብ ዘውጽኦ ሓድሽ ጸብጻብ ኣፍሊጡ።

እቲ ንነጻነት ፕረስ ዝጠጣበቕ ትካል፡ ማእሰርቲን ዓምጻጺ ሕጋጋትን፡ አኣብ ልዕሊ ጋዜጠኛታት ዝግበር ምክትታል፡ ኣብ ቀረብ ኢንተርነትን ማሕበራዊ መራኸቢታትን ንዘሎ ቀይድታት ብምግምጋም ነቲ ዝርዝር ከም ዘዳለዎ ይሕብር።

ንኤርትራ ሰዒበን፡ ሰሜን ኮርያን ቱርክመኒስታንን በዚ ጉደይ ኣብ ቅድሚት ከም ዝስርዓ ዘርእይ እቲ ጸብጻብ፡ ካብ ኣፍሪቃ ኤርትራን ኢኳቶርያል ጊኒን [መበል ሻሙናይ] ጥራይ እዩ ኣብተን 10 ሃገራት ኣካቲቱ ዘሎ።

ብመሰረት ዓንቀጽ 19 ናይ ዓለምለኻዊ ኣዋጅ ሰባዊ መሰላት፡ ኵሉ ሰብ ሓበሬታ ናይ ምርካብን ሓሳቡ ናይ ምግላጽን መሰል ከም ዘለዎ ዘዘኻኸረ እቲ ጸብጻብ፡ እዘን 10 ሃገራት ንነጻ ሚድያ፡ ብምኽልካል ወይ ብጽኑዕ ብምቁጽጻርን ጋዜጠኛታት ሱቕ ንምባል ምፍርራሕ፡ ምእሳር፡ ዲጂታውን ኣካላውን ምክትታልን ካልእ ዓይነት ምስርጣይን ብምዝውታር፡ ነቲ ዓለምለኻዊ መትከል ዕሽሽ ከም ዝበልኦ ይገልጽ።

ብፍላይ ኣብተን ኣብቲ ዝርዝር ኣብ ቅድሚት ተሰሪዐን ዘለዋ ሰለስተ ሃገራት - ኤርትራ፡ ሰሜን ኮርያን ቱርክመኒስታንን፡ መራኸቢ ብዙሓን ልሳን ናይ መንግስቲ ኮይነን ከም ዘገልግላን፡ ዝኾነ ነጻ መድያ ካብ ወጻኢ ሃገራት ከም ዝካየድን ሓቢሩ።

ናብተን ሃገራት ክኣትው ዝፍቀደሎም ሒደት ጋዜጠኛታት'ውን ብቐረባ ምክትታል ይግበሎም እዩ ይብል እቲ ጸብጻብ።

ክሳብ 1 ታሕሳስ 2018 ኣብ ዝነበረ እዋን፡ ኤርትራ ኣብ ትሕተ ሰሃራ ኣፍሪቃ፡ ብዙሓት ጋዜጠኛታት ዝኣሰረት ሃገር ምዃና እቲ ትካል ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ጸብጻቡ ምግላጹ ይዝከር።

መንግስቲ ኤርትራ፡ ኣብ 2001 ንኹለን ናይ ብሕቲ ጋዜጣታት ብምዕጻው ንመብዛሕትኦም ኣዳለውተን ብዘይ ፍርዲ ኣሲርዎም ይርከብ።

መራኸቢ ብዙሓን ብመንግስቲ ከም ዝውነን ዝገልጽ እቲ ጸብጻብ፡ ኣብ ናይ መንግስቲ ትካላት ዝሰርሑ ጋዜጠኛታት ብሰንኪ ፍርሒ ብነጻነት ስርሖም ከም ዘይሰርሑ እቲ ጸብጻብ ገሊጹ።

ኣማራጺ ምንጭታት ሓበሬታ ዝኾና ካብ ወጻኢ ሃገራት ዝፍነዋ ናይ ሳተላይትን ናይ ኢንተርነትን ሬድዮታት ብሰንኪ ዓፈናን ኣዝዩ ድኹም ኣገልግሎት ኢንተርነትን ተበጻሕነተን ውሱን ምዃኑ'ውን ሓቢሩ።

መንግስቲ ኤርትራ ግና "ጉዳይ ሃገራዊ ድሕነት ልዕሊ ኩሉ ዝስራዕ ምዃኑ" ብምግላጽ ነቲ ክስታት ይነጽጎ።

Source=https://www.bbc.com/tigrinya/news-49644912

Last modified on Tuesday, 10 September 2019 11:38