ናይ ኣተሓሳስባ፡ ብዙሕነትና ምምሕዳር

2019-08-28 07:40:51 Written by  ኣሮን ናኦድ Published in ጽሑፋት ትግርኛ Read 1456 times

ብዙሕነት ኣገዳሲ ኮይኑ፡ ጸጋ ወይ ብደሆ ዝኾነሉ ኣጋጣምታት ኣለዎ። ጸጋ ዝኾነሉ፡ ዝተፈላለዩ፡ ቋንቋታት፡ ባህልታት፡ ሃይማኖታዊ እምነታትን ምምሕዳራዊ ከባብታትን ዘወንን ሃብቲ ስለ ዝኾነ እዩ። እዚ ዝጠቐስናዮ ብዙሕነት ክሳብ ክንደይ ኣገዳሲ ምዃኑ ንምግናን፡ ዝተፈላለዩ ኣካላት ብመንጽር ሓደ ዓይነት ሕብሪ ዘለዎን ብዝተፈላለዩ ሕብርታት ዝወቀበን ዕንበባ መሮር ይምስልዎ። እቲ ብልጫ ዘለዎ እቲ ብዝተፈላለዩ ሕብርታት ዘጌጸ ዕንበባ ከም ዝበሃግ ከኣ ይሰማምዑ። ንብልጫ ብዙሕነት ከኣ በዚ ይምስልዎ።

ብዝሑነት በዳሂ ወይ ፈታኒ ዝኸውን እዚ ዝተጠቕሰ ብልጫኡ ክውንን ብዘኽእል ኣገባብ ንምምሕዳሩ ምብቃዕን ዘይምብቃዕን ስለ ዘለዎ እዩ። ካብዚ ክሳነን ክከኣኣልን እንከሎ መልዕ ዝኸውን ንብዙሕነት ዘቕውም፡ ሃይማኖት ይኹን ጾታ ወይ ምሕዳራዊ ኣከባቢ መዚዝካ ላዕለዋይ ቦታ ኣትሒዝካ ንናይ ካለኦት ኣነኣኢስካ ናይ “ናተይ ይበልጽ” ኣተሓሳስባ ከተንግስ ክትፍትን እንከለኻ እዩ። ኣብ ከምዚ ኩነታት ዝኾነ ወገን ንዓኡ ዝውክል መለለይ ብዙሕነቱ ክነኣኣስን ኣብ ታሕቲ ክስራዕን  ሕጉስ ስለ ዘይከውን መልሲ ንምሃብን ንምክልኻልን “ናተይከ ካብ ናይ መን ንኢሱ?” ስምዒት ይፈጥር እሞ፡ ወዮ መልክዕን ሓበንን ክኸውን ዝግበኦ ዝነበረ ብዙሕነት መዋጠጥን መረሓሓቕን ይኸውን። እዚ ክሳብ ክንደይ ኣጸጋምን ሃሳይን ምዃኑ ንምርዳእ ኤርትራውያን ናይ ካለኦት ተመኩሮ ንጠቕሰሉ ዘይኮነ ናትና ዋጋ ዝኸፈልናሎ ናይዚ መዳይዚ ሃብታም ተመኩሮ ኣለና።

እዞም ናይ ብዙሕነትና መለለይ ዝበልናዮም ዝውክልዎ ኣተሓሳስባ ኣለዎም። ኣብ ሕብረተሰብ ናይ ኣተሓሳስባ ብዙሕነት ካብ ዝረኣየሎም ምኽንያታት ሓደ ከኣ እዚ ናይ ኣቀዋውማ ብዙሕነት እዩ። ስለዚ ናይ ኣተሓሳስባ ብዙሕነት ምኽሳቱ ውሁብ ስለ ዝኾነ፡ እቲ መፍትሒ ንኹሉ ጨፋሊቕካ ብፍቶት ኮነ ብግዲ ሓደ ወካሊ ኣተሓሳስባ ምፍጣር ዘይኮነ፡ ንኹሉ ኣሳኒኻን ዝዓብየሉ ዕድል ሂብካን ምክእኣል ኣማዕቢልካ ቦታ መሰል እዩ።

እዚ ንምዕዋት ካብ ዝውሰዱ ስጉምትታት ሓደ ኣብ ትካላትን መድረኻትን ሸነኻውን ዘይሚዛናውን ዘይኮነ ምዕሩይ ውክልና ከተረጋግጽ ምብቃዕ እዩ። ምዕሩይ ውክልና ስለ ዝደለኻዮን ዝበሃግካዮን ባዕሉ ዝረጋገጽ ዘይኮነስ ኣብ መስርሕ ዝረጋገጽ፡ ብምዕብልና ዝጽለው፡ ብወድዓውን በዓል ቤታውን ጽልዋታትን ዓቕምታትን ዝረጋገጽ እዩ። ከምቲ ንውክልና ኣብ ግምት ዘየእተወ፡ ብቕዓት ኣብ ምልክት ሕቶ ዝኣቱ፡ ንብቕዓት ዝጓሰየ ውክልና እውን ዝያዳ ሓደገኛ እዩ። ነዞም ክልተ መሰረታዊ ጉዳያት ውክልናን ብቕዓትን ምስናይን ምቅዳውን ከኣ  ኣገዳሲ ግና ድማ በዳሂ እዩ።

ኣብ ከምዚ ኩነታት እቲ መሰረታዊ መዋጸኦ፡ ሓደ ኣካል ካብ ጸቢብ ቀጽሪ ናይቲ ዝውከለሉ ናይ ብዙሕነት ባእታ፡ ሃይማኖት ድዩ ኣውራጃ ወይ ጾታ ወጺኡ፡ ብዛዕባቲ ኩሉ ብዙሕነትና ኣሳንዩ ዝጻወተሉ ሰፊሕ ሜዳ ዝግደስ ኣተሓሳስባ ከተጥሪ ክበቅዕ ኣገዳሲ እዩ። እዚ ሓላፍነታዊ ኣድህቦ ኣብ ዝተጥርየሉ፡ እቲ ኣብ ምስልምና ዝኣምን ማዕረኡ ብዛዕባ ክርስትና ክሓስብ ይበቅዕ። እቲ ክርስትያ እውን ከምኡ። ወዲ ሓደ ኣውራጃ ማዕረቲ ኣውራጃኡ ብዛዕባ ካልኦት ኣውራጃታት እውን ይሓስብ። ኣብ ጾታ፡ ባህልን ካልእ መለለይ ብዙሕነት እውን ከምኡ ኢሉ ይቕጽል። ስለዚ እቲ ኣካላዊ ውክልና ዝህልዎ ጽልዋ’ኳ ኣድላይን ዘይከሓድን እንተኾነ፡ ናይ ኣተሓሳስባ ስፍሓትን ምሉእነትን ግና ኣዝዩ ኣድላይ እዩ። ስለዚ ሓደ እምነት፡ ኣውራጃ፡ ጾታን ካልእን ህልውናኡ ብኣካላዊ ጥራይ ዘይኮነ፡ ብመንጽር ኣተሓሳስባ እውን ክንዕቅኖ ይግባእ። ነዚ ዝያዳ ንምብራህ ብደግኡ ንእምነትካ፡ ንጾታኻ፡ ንኣውራጃኻ ዝመስል ክነሱ፡ ብኣተሓሳስባኡን ግብሩን ግና ንዓኻ ዘይመስል ዝኾነሉ ኣጋጣሚ ብዙሕ እዩ። ገለ ግሩሃት ውሽጡ ከይመርመሩ፡ ዝተጠልሙ ክንሶም፡ ዝተወከሉ መሲልዎም ዝዕንድሩ ኣይሰኣኑን። እዚ ኣብ ጉርሒ ህግዲፍን ግርህነት ሰዓብቱን ብትሑት ደረጃ ብግብሪ ዝረአ ዘሎ እዩ።

ኣብዚ ሎሚ እዋን ንኤርትራ ይገዝእ ንዘሎ ህግዲፍ፡ ከም ናይ ሓደ ካብቲ ንኤርትራዊ ብዙሕነት ዘቖመ ዝንባለ ወካሊ ገይሮም ይወስድዎ እዮም። ንሓንሳብ ናይ ክርስትያን ይብልዎ ንሓንሳብ እውን ሓደ ኣውራጃ ይዕድልዎ። ኣብ ጥራይ ጐልጐል “ናትና እንድዩ” ዝብልዎን ኣብ ዕሩቕ ዝባኖምን ጥሙይ ከብዶምን ዝከላኸልሉ’ውን ኣይሰኣኑን። ንሱ እቲ ጨቋኒ ጉጅለ ግና ኣይኮነንዶ ንሓደ ኤርትራዊ ዝንባለ ሃይማኖት ድዩ ኣውራጃ ንብምልእታ እታ ሃገርን ህዝባን እውን ዝውክል ኣይኮነን። ህግዲፍ ንኤርትራዊ ብዙሕነት ዘመሓድር ዘይኮነ፡  ናቱ ኣካል ኤርትራዊ ብዙሕነት ዘይኮነ፡ ጸቢብ መእከቢ ዓንኬል ዘለዎ እዩ። መእከቢ ነጥቡ፡ ሃይማኖት፡ ኣውራጃ፡ ጾታ ወይ ካልእ ዘይኮነ፡ ኢሳይያሳዊ ዲክታተርነት  እዩ። መለለይ ኢሳይያሳዊ ዲክታተርነት ክኣ፡ ጭቆና፡ ዘይእዉጅ ሜላዊ ባርነት፡ ፍትሒ ምንፋግ፡ ኩሉ መሰላት ምኽላእ፡ ህዝቢ ምክፍፋል፡ ውግእ ምጽሕታር፡ ብልኡላውነት ሃገርን ልዕልና ህዝብን ምውጋይ፡ ብዓብይኡ ከኣ ብትርጉም ሓይሊ ምግዛእ  እዩ።

ስለዚ ንህግዲፍ ክንስዕሮ ኣብቲ ብባህሪኡ ዘይክእሎ ድኹም ጐድኑ ክንበልጾ ይግበኣና። ንህግዲፍ ካብ ዘጸግሞን ዘይወሓጠሉን፡ ናይ ኣተሓሳስባ ብዙሕነት ኣመሓዲርካ ሃገር ከተቕንዕ ሓላፍነት ምውሳድ እዩ። ብኣንጻሩ ህግዲፍ ዝሰልጦ ጸቢብ ስምዒታት መዝሚዙ፡ ኣብ ክንዲ ህዝቢ ኣንጻሩ ዝስለፍ፡  ኣብ ሕድሕዱ ከም ዝፋጠጥ ጌርካ ሃገር ናብ ቁልቁ ህዝቢ ድማ ናብ ብርሰትን ምብትታንን ምድፋእን ምንቋትን እዩ። ንሕና እምበኣር ነቲ ህግደፍ ዘጻውዶ  መፈንጥርያታት ንምፍሻል ብዙሕነትና ናይ ምምሕዳር ብቕዓትና ከነመስክር  ይግበኣና።

Last modified on Wednesday, 28 August 2019 09:43