ቃልና ብተግባር

2019-08-14 06:23:09 Written by  ኣሮን ናኦድ Published in ጽሑፋት ትግርኛ Read 2013 times

ሎሚ ኤርትራዊ ፖለቲካዊ ኣሰላልፋና እንዳነጸረ ይመጽእ ኣሎ። ገሌና ኣብ መስርዕ ዲሞክራስያዊ ለውጢ ተሰሊፍና ኣለና። መሰረታዊ ዕላማ መስርዕና ከኣ ንሃገርናን ህዝብናን ሓመድ ድፋጨኦም ዘስቲ ዘሎ ምልካዊ ምምሕዳርን ናይ ምልኪ ትካላቱን ኣወጊድካ፡ ብልዕልና ህዝቢ ዘውሕስ፡ ንኤርትራዊ ብዝሑነትና ግቡእ ክብርን ኣፍልጦን ዝህብ ሕገመንግስታዊ ምምሕዳር ምትካእ እዩ። ብኣንጻርዚ ድማ ነቲ ኣብ ልዕሊ ህዝብናን ሃገርናን ዝወርድ ዘሎ፡ ኣይኮነንዶ ንዓና ግዳያት ናይቲ ወጽዓ፡ ንዓለም እውን ዘገረመ፡ መግለጺ ቃላት ዘይርከቦ በደል “ርእዮም ከም ዘይረኣዩ” ብምዃን ምስ ጉጅለ ህግዲፍ ዝተሰለፉ ግዝያዊ ጠቕምን ዕዉር ስሚዒትን ዘንበርከኾም ኤርትራዊ ወገናት ኣለዉ።

ኣብዚ ኣብ ኩሉ ኩርነዓት ወጻእን ሃገርናን፡ ውዑይ ኤርትራዊ ናይ ለውጢ ንፋስ ዝነፍሰሉ ዘሎ ግዜ፡ ደንበ ዲሞክራስያዊ ለውጢ ኣዝዩ እንዳሰሰነ ይኸይድ ኣሎ። ብኣንጻሩ ደንበ ምልክን ወጽዓን መመሊሱ እንዳተራገፈ ይምህምን ኣሎ። ብዙሓት እቲ ናይ ኩሉቲ ወጽዓ ተሓታቲ ዝኾነ ጉጅለ “ንሓዋሩ ከሰንዩኒ እዮም” ኢሉ ዝንየተሎም ዝነበሩ ኤርትራዊ ወገናት፡ ገለን ናብ ደንበ ዲሞክራስያዊ ለውጢ ክጽንበሩ እንከለዉ ገለን ድማ ካብኡ ርሒቖም ድምጾም ዘጥፍኡ ኣለዉ። እዞም ድምጾም ኣጥፊኦም ኣጽቂጦም ዘለዉ ናይ መወዳእታ ሰልፎም ምስ ናይ ለውጢ ሓይልታት እምበር፡ ናብ ደንበ ወጽዓን ጭቆናን ከቶ ኣይክምለሱን እዮም።

ሓይልታት ዲሞክራስያዊ ለውጢ ሸቶና ሓደ ንሱ ከኣ፡ ንወጽዓ ኣወጊድካ ብራህዋ ምትካእ እዩ። ኣተሃላልዋና ግና ዝተፈላለየ መልክዕ ዝሓዘ እዩ። ፖለቲካዊ ሰልፍታትን ውድባት፡ ሲቪላዊ ማሕበራትን ናይ ምልዕዓል ንቕሎታትን ካብቲ ኣተሃላልዋና ዝግለጸሉ መልከዓት እዩ። እዚ ጥራይ ዘይኮነ ኮኩርነዓቶም ሒዞም ብውልቆም ኣብ ደንበ ለውጢ ዝነጥፉ ኤርትራዊ ባእታታት እውን ኣለዉና። እዚ ዘመልክቶ ከኣ ነዚ በበይኑ ዝወፍር ዘሎ ዓቕምታት ናብ ሓደ ናይ ሓባር መድረኽ ናይ ምቕናዩ መሰረታዊ ዕማም ኣብ ቅድሜና ምህላዉ እዩ። እቲ ተስፋ ዝህብን ዘተባብዕን ከኣ፡ እዚ ግዜ ዘይህብ ምፍጣር ናይ ሓባር መድረኽ ቃልሲ ኣገዳስነቱን ኣድላይነቱን ኣብ ቅድሚ ኩልና ብሩህ ምህላዉ እዩ። ኣብ ዝተፈላለዩ ኣጋጣምታት፡ ክንእውጅ፡ ክንምድርን ክንጽሕፍን እንከላና  ነዚ ተደላይትዚ ኢና ቅድሚት ንሰርዖ ዘለና።

ብመጽር እዚ ኣብዚ ቀረባ ግዜ ኣብነታዊ ሓድነታዊ ጉባአኡ ዘሰላሰለ ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ (ሰዲህኤ) እኳ ኣብቲ ንሓቢርካ ምስራሕ ደንበ ዲሞክራስያዊ ለውጢ ፍሉይ ቆላሕታ ሂቡ ዝወሰኖ ፖለቲካዊ ውሳነታቱ፡

“3.1. ነቲ ምስ ዝተፈላለዩ ኤርትራዊ ፖለቲካዊ ውድባትን ግንባራትን ተጀሚሩስ ከይተውድኤ ዝጸንሐ መስርሕ ዘተ ኣብ ዝሓጸረ እዋን ኣብ መፈጸምታኡ ንምብጻሕ፡ ማእከላይ መሪሕነት ሰልፊ ኣድላዪ ስጉምቲ ንኽወስድ፤

3.2. ክሳብ ሕጂ ምስ ኩሎም እቶም ምሳና ኣብ ግብራዊ ዘተን ጽምዶን ዘይኣተዉ ሰልፍታት፡ ውድባትን ማሕበራትን ከምኡ እውን ግዱሳት ኤርትራውያን፡ በበቲ ዝምጥኑዎን ዝሰማምዑሉን ደረጃ፡ ክሳብ ምሉእ ሓድነት ኣብ ዝበጽሕ ኮነ ኣብ ሓባራዊ ጽላል ዘስርሓና ኰነታት ንምፍጣር ኣብ ዕቱብ ዘተን ልዝብን ክንኣቱ፤

3.3 ብሓሳብን ብግብርን ምስ ዝሰማምዑና ውድባት ኣብ ናይ ምጽንባር ደረጃ ኣብ ዝበጽሓሉ እዋን፡  መሪሕነት ውድብ ንዕኡ ኣብ ግብሪ ናይ ምውዓል ኣድላዪ ስጉምቲ ክወስድ ጉባኤ ወሲኑ።” ብዝብል ኣስፊሩ፡ ወግዓዊ  ናይ ብሓባር ዘስርሓና ሓባራዊ ጽላል ንፍጠር ጸዋዒቱ ኣሕዲሱ ኣሎ።

ሎሚ ምስቲ ወጽዓ ህግዲፍ ኣብ ልዕሊ ህዝብና መመሊሱ ይገድድ ምህላዉ፡ ናትና ቅሩብነት ብሓባር ኣንጻር ወጻዒ ጉጅለ ምቅላስ እውን ይዓቢ ኣሎ። መቓልሕ “ይኣክል” ናይዚ ተስፋ ዝህብ መጻኢ ሓባሪ እዩ። እቲ ክሳብ ሕጂ ዝጸንሐ እቲ ወጻዒ ጉጅለ ክደክም እንከሎ ናይ ለውጢ ደንበ’ውን ማዕሪኡ ምድካም ይቕየር ኣሎ። ንሱ እቲ ወጻዒ ኣተሓሳስባ ክቃላዕን ከንቆልቁልን እንከሎ፡ ደንበ ለውጢ ብኣንጻሩ ክሕይልን ክሰፍሕን ንዕዘብ ኣለና። ብሓባር ዘስርሕ መድረኽ ንበሎ ጽላል፡ ግንባር ንበሎ ምሕዝነት ኣገዳስነቱ ወሳኒ እዩ። ክንድቲ ወሳኒ ኣድላይነቱ ዋጋ ዘኽፍል ምዃኑ እውን ዝከሓድ ኣይኮነን። እንተደኣ ካብ ተመኩሮና ተማሂርና ንቕድሚት ኣማዕዲና፡ እቲ ዝኽፈል ዋጋ ክቡር ግና ከኣ ክንከፍሎ እንኽእል እዩ። ብሰንኪ ክንጸዋወርን ክንመላላእን ዘይብምቃዕና፡ ቃልስና ተናዊሑ ወጽዓ ህዝብና ከኣ ብኽንድኡ ደረጃ ከም ዝመረረ ንዕዘቦ ዘለና እዩ። ገጠራትና ኮነ ከተማታትና ዕንዩ ሰብ ዝሓረሞ ኮይኑ። በዚ ዘለናዮ እንተቐጺልና እቲ ዕንወት ክሓዊ ናብ ዘይክእለሉ ደረጃ ክዓርግ ከም ዝኽእል ክንዝንግዕ ኣይግበኣናን። ስለዚ እቲ ክንፈጥሮ ዝግበኣና ናይ ሓባር መቃለሲ መድረኽ ክፍጠር ይግበኦ ጥራይ ዘይኮነ፡ ክቕልጥፍ እምበር ይግበኦ።

ብሓባር ዘስርሓና መድረኽ ክንፈጥር ድሉዋት ምህላውና በበቲ ዝጥዕመና ኣገባብን ኣጋጣምን ቃል ኣቲና ኣለና። ቃል ብዘይተግባር ግና ደርፊ ኮይኑ እዩ ዝተርፍ። እቲ ክንፈጥሮ ዝግበኣና  ግብራዊ ናይ ሓባር መድረኽ፡ ንዝኾነ ቅሩብ ናይ ለውጢ ሓይሊ ዘየግልል ኣብ ውሱን ዘሰማምዕ ዛዕባ ዘትከለ ክኸውን ይግበኦ። ስለዚ ኩላትና ኣእዳውና ክንሕውሰሉ ድሉዋት ንኹን። ሎሚ ከምቲ “ዝሓበራ ኣጻብዕ ኣርቃይ የጸንበዓ” ዝበሃል፡ ዝጠምረና ናይ ተግባር ውዳበ ከድልየና እዩ። ውድባት ኣየድልያን፡ ማሕበራትባ ኣየድልያን፡ ዝበሃል ዝንባለ ስለ ዘየዋጸኣና፡ ካብኡ ክንወጽእ ይግበና። ሰልፊዶ ማሕበር፡ ነባርዶ መንእሰይ …… ወዘተ ተበሃሂልና ከይተጸዋወግና ብሓባር እንተሰሪሕና ከም እንመላላእ ክንእመን ይግበኣና። ከምኡ እንተዘይገይርና ነቲ ጸበብቲ ስምዒታትና እንዳመዝመዘን እንዳናቖተን ዕድሚኡ ከናውሕ ዝሕልን ደንበ ወጽዓ ኣይክንስዕሮን ኢና። ስለዚ እቲ ብሓባር ክንሰርሕ ድሉዋት ምዃና እንኣትዎ ዘለና ቃል፡ ክንትግብሮ ጽባሕ ዘይኮነ ሎሚ ንተንስእ። ፈውሱ ኣብ ኢድና ብዘሎ ሕማም ክንሳቐ ኣይግባእን።

Last modified on Wednesday, 14 August 2019 08:25