ንማይ ዝበልካዮስ ንበረድ ኣይግበሮ
2018-02-11 10:58:29 Written by መዓሾ ኣስራት Published in ጽሑፋት ትግርኛ Read 2542 timesህዝቢ ኤርትራ ካብ ቀደም ጀሚሩ ኣንጻርኩሎም ወጻዕቱ ክቃለስ ድሕሪ ምጽናሕ ኢዩ ኣብ መስከረም 1961 ዓ.ም ብጅግና ስዉእ ኣቦ ሰውራሓምድ እድሪስ ዓዋተ ብረታዊ ቃልሲ ዝጀመረ።
ኣብ ግዜ ብረታዊ ቃልሲ ድማ መራሕቱ ገለ ብልቢ ምእንቲ ነጻነት ህዝብን ሃገርን ክቃለሱ ከለዉ ገለ ድማ መልክዖም ሓቢኦም ሓለይቲ ህዝብን ሃገርን ተመሲሎም ንገዛእርእሶም ኣብ ስልጣን ዝመጽሉ ኣገባብ ይሓልሙን ይኣልሙን ኔሮም። ካብዚ ተበጊሶም ድማ ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ ኣብ ክፍልታት ተመቓቒላ ከም ትቃለስ ጌሮማ፡ ታሪኽ ከም ዝሕብሮ ሓደ ካብቲ ኣሉታዊ ምምሕዳር ክፍልታት ሓንቲ ክፍሊ ናይ ካልኦት ክፍልታት ዕማም ከም ዘይናታ ዕማም ትሪኣዮ ምንባራ እዩ። ብጻዕሪ መሰረታት ግን ናብ ሓድነት ዘምርሕ ጉባኤ ኣዶብሓ ተባሂሉ ዝፍለጥ መስርሕ ሓድነት ተኻይዱ።ካብዚ ተበጊሱ ድማ ኢዩ ጉባኤ ክግበር ዲሞክራሲ ክትግበር፡ መራሕቲብምርጫ ክመጹ ብማለት ኣብ 1971 ሃገራዊ ጉባኤ ክግበር ዝተወሰነ። እንተኾነ እቶም „ኣነ እንተሞይተላ ብድሕረይ ሳዕሪ ኣይብቆላ በለት ኣድጊ”ዝባህሪኦም ኣብ ጉባኤ ከይተበጽሐ ክፍንጨሉ መሪጾም፡፡
ምፍንጫል ድማ ክሳብ ክንደይ ሃሳዪ ምዃኑ ተራእዩ ኢዩ። ነጻነት ኤርትራ ኣብ መጨረሽታ ሰብዓታት ክረጋገጽ ዝግብኦ ዝነበረ ክሳብ 1991 ተመጢጡ። ቃልስና ብምምጣጡ ድማ ብኣሽሓት ዝቑጸሩ ጀጋኑ በሊዑ፡፡ በዚ መንገዲ ድማ ኤርትራ ካብ ባዕዳዊ መግዛእቲ ነጻ ወጺኣ፡ ድሕርዚ ድማ ኢዩ ኣቶ ኢሰያስ ምእንቲ ህዝቢ ንቃለስ ኣለና ክብል ከምዘይጸንሐ፡ ንሱ ናይ ኩሉ ወዳኢ ኮይኑስ፤ ኣብ 20 ሰነ 1991 ዓ,ምብዛዕባ መደብ ግዝያዊ መንግስቱን ድሕሪ ክልተ ዓመት ድማ ረፈረንዱም ክካየድ ምዃኑን ምስ ሓበረ፡ ብዛዕባ‘ተን ካብ ህዝባዊ ግምባር ሓርነት ኤርትራ ወጻኢዝነበራ ውድባት ዝተቓለሱን፡ ኣሽሓት ስዉኣት ብጾት ዝኸፈሉን ኣሽሓትውን ዝሰንከሉሉን ክዛረብ ከሎ ድርቅንኡን ባሓትነቱን ንምርኣይ፡ ኣንቱም ብስም ውድባት ተታሊልኩም ዝጸናሕኩም ምሕረት ተገይርልኩምዩ ዓድኹም ኣቲኹም ሃገርኩም ክትሃንጹ፡ ብጀካ እቶም ብገበን ዝሕተቱ፡ከምኡውን እቶም ምስ ጸላኢብረት ዓጢቕኩም ዝጸናሕኩም ምሕረት ተገይርልኩምዩ ዓድኹም ኣቲኹም ሃገርኩም ክትሃንጹ ብጀካ እቶም ብገበን ዝሕተቱ፡ ድሕሪሕጂ ናይ ውድባት ሓሸውየ የለን ካብ ሕጂ ንደሓር ብወገን ብኣውራጃ ብሃይማኖት ኣምሲሉ ፖለቲካ ክገብርዝተረኽበ ድማ ኢድ ህዝባዊ ግምባር ሓጺር ኣይኮነን ክብልዩ ዝደምደመ።
በሉስከ ብቐዳምነት መንዩ መሓሪ መንከኢዩኸ ተመሓሪ ዝፈርድ ህዝቢምበር ሓደ ውድብ ወይ ውን ኢሰያስ ኣይኮነን፡ ንሱ ግን ህዝባዊ መሰል ምምንጣል ኣመሉን ሕልሙን ስለዝኾነ ኣይገደሶን፡ እታ ኢድ ህዝባዊ ግምባር ሓጺር ኣይኮነን ኢሉ ምፍርርሑ ግን ክሳብ ሕጂ ትቕጽል ኣላ በሃላይ ኢየ። እስከ ንምዘንሞ ምስዚ ኩሉ ተመኩሮ ቃልሲ ሃገር ብዘይ ቅዋምን ብዘይተመርጸ ብኢደወነንኡ ብዝተኾየጠ ዲክታቶርዶ ምተመርሐትእመስለኩም፡ስለዚ እዛ ብርኩታ እምኒ ኣላታ ከምዝበሃል እቶም ፍትሒ ንምንጋስ፡ ህዝባዊ ስልጣን ንምርግጋጽ ንቃለስ ኣለና ንብል ዘየዐውተና ዘሎስ፡ ሚልዮናት ዶላራት ኣውጺኡ ከምዘይንሰማማዕ ይገብረና ከይህሉ ዘየጠርጥርከ እንታይ ኣለና? ኩሉ ንኢሰያስን ስርዓቱን ዝጻረርን ንህግደፍ ይቃወም ኢየ ዝብል፡ ኣፉ ዝብሎ ዘይኮነስ ተግባሩ ኢና ክንርኢ ዝግባእ። ውድባት ሰልፍታት ኣብዚግዜዚ እንተኾነ እተን ተመሳሳሊ መደብ-ዕዮ ዘለወን እንዳሰመራ ብዝሒ ውድባትን ሰልፍታትን ክንክያ፡ እተን መደብ ዕዮአን ዘይመሳሰል ድማ ከም ኤርትራውያን ፍልልያተን ወጊነን ብሓባር ክሰርሓ ኢዩ ዝግባእ ዝነበረ። እንተኾነ ኣብክንዲ ምስማር ምፍንጣሕ ኣብ ክንዲ ፍልልያት ምጽባብ፡ ፍልልያት ምግፋሕ ኢዩ ዝርአ ዘሎ። በዓል እከለ ሙኩራት ኢዮምሞ መሪሖም ከዐዉቱና ኢዮም ኢልካ እምነት ዘንበርካሎም ኮኑ በዓል እከለውን ምሁራት ኢዮምሞ ንውድብና ንሰልፍና ከዐርይዎ ኢዮም ዝበልካዮም፡ እቲ ምኩር ዝበልካዮ ምፍንጫል ይህንድስ እቲ ምሁር ኢዩሞ ከዐሪ ኢዩ ኢልካ ዝተጸበኻዮ ክዘርግ ምዕዛብ ብጣዕሚ ኢዩ ዘሕዝነካ። ስለዚ ኢየ ድማ ንጽሑፈይ ንማይ ዝበልካዮስ ንበረድ ኣይግበሮ ዝብል ኣርእስቲ ዝሃብኩዎ።
ኣብ መጨረሽታ ክብሎ ዝደሊ ዝኾነ ሰብ ናቱ ርእይቶ ክህልዎን ንዕኡ ከዐውት ክቃለስን ድማ መሰሉዩ። ናተይ ርእይቶ እንተዘይተዓወተ ኢልና ፈንጨራዕ ኢልና ንዕንድር እንተኾንና ግን ብተዘወዋሪ መንገዲ ንመላኺ ስርዓት ኢሰያስ ነገልግል ከም ዘለና ክንርዳእ ይግባእ።ካልእ ብሓቂ ንፍትሒ ንቃለስ እንተኰናስ በበይንና ከነዐውቶ ከምዘንኽእል ኣሚንና ይንዋሕ ይሕጸር ክንራኸብ ምዃንና ተረዲእና ፍልልያት ክመጽእ ከሎ ከምቲ ‘‘ካብ መርዓ በዓለገስ፤ ፍትሕ ጭዋ ይሓይሽ‘‘ ዝበልዎ ተኸባቢርካ ምፍልላይውን ልቦና ኢዩ እቲምንታይሲ ጽባሕ‘ውን ክንራኸብ ስለዝኾንና።ስነ-መጎት ዘይብሉ ጸርፍን ልቅባትን ድማ፡ መግለጺ ዋናታቱ ካብ ምዃኑ ሓሊፉ፡ ዝለግብ ከምዘይኮነ ክእምት እፈቱ።
መዓሾ ኣስራት
ጀርመን 11 ለካቲት 2018