Tuesday, 26 August 2014 15:46

ኣፍሪቃውያን ስደተኛታት ኣብ እስራኤል ግዳይ ናይ ዓሌታዊ ጽልኢ ይዀኑ ኣለዉ

Written by EPDP Information Office
Rate this item
(0 votes)

 

ዜናዊ ትንተና

ስደተኛታት፡ ዑቝባ ሓተቲ ካብ ኣፍሪቃ፡ ብፍላይ ድማ ካብ ኤርትራን ሱዳንን፡  ግዳይ ናይ እስራኤላውያን ዓሌታዊ መጥቃዕቲ ይዀኑ ኣለዉ። መንበሪኦም ብሓዊ ይቃጸል፡ ንብረቶም ይዝመት፡ ግዳያት ናይ ጥርሙዝ ቦምብን ማህረምትን ጸርፍን ይዀኑ ኣለዉ።

ገለ ካብ ዓበይቲ ሰበስልጣን እስራኤል ከይተረፉ፡ ነዞም ኣፍሪቃውያን ስደተኛታት እዚኣቶም፡ ዘይሕጋውያን ሰለዅቲ፡ ንውህደት እስራኤላዊ ሕብረተሰብ፡  ንሃገራዊ ጸጥታኡን መንነቱን ሓደጋ ዝፈጥሩ ኢዮም እናበሉ ክገልጽዎም ተሰሚዖም ኢዮም።

ሚኒስተር ወጻኢ ጕዳያት እስራኤል ኤሊ ይሻይ፡ ማእለያ ዘይብለን ደቂ ኣንስትዮ እስራኤል ብኣፍሪቃውያን ተደፊረን ኢየን። አይድስ ስለዝተለኽፋ ግን ክዛረባሉ ይሓፍራ ኣለዋ ኢሉ። ሚጊ ረገፍ ዘተባህለ በዓል ስልጣን ሊኩድ ፓርቲ ድማ፡ ስደተኛታት ምንሽሮ ሃገርና ኢዩ ክብል ገሊጽዎም። ከም’ዚ ዝኣመሰለ ዓሌታዊ ምልዕዓላት ብሰበስልጣን እስራኤል፡ ነቲ ህዝቢ ብሓፈሻ፡ ንእስራኤላውያን መንእሰያት ድማ ብፍላይ ዓመጽ ክፍጽሙ የተባብዖም ኣሎ።

እዚ መጥቃዕትታት’ዚ፡ ኣብ ሕብሪ ቆርበት ዝተመስረተ ስለዝዀነ፡ ዋላ ነቶም ዜጋታት እስራኤል ዝዀኑ ፈላሻ ከይተረፈ ይተናኽፎም ኣሎ። ብዙሓት ፈላሻ ግዳይ ናይ ማህረምትን ጸርፍን ይዀኑ ኣለዉ። ንመጥቃዕቲ ፈሪሖም ኣብ ገዝኦም ተዓጽዮም ዝውዕሉ ኣፍሪቃውያን ስደተኛታትን ፈላሻን ውን ውሑዳት ኣይኰኑን።

እዚ ሓደገኛ ተርእዮ’ዚ ከይሳዕረረን፡ ናብ ዓሌታዊ ዘርኢ ምጽናት ከይተሰጋገረን እንከሎ ማሕበረሰብ ዓለም ክገትኦ ይግባእ። ገለ ካብ’ቲ ክውሰድ ዘለዎ ስጕምታት ድማ እዚ ዝስዕብ ኢዩ።

  • መንግስታት ነቲ ዝፍጸም ዘሎ ግህሰታት ክዅንናኦ ኣለወን፤
  • እቶም ገብን ዝፍጽሙ ኣብ ቅድሚ ሕጊ ክቐርቡ ኣለዎም፤
  • ላዕለዋይ ኮሚሽን ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራት፡ ንስደተኛታት፡ ዑቝባ ሓተቲ፡ ሃገሮም ዘይብሎም ዜጋታት፡ ዝተፈናቐሉ፤ ….ወዘተ ናይ ምዕቍባን ምክልኻልን ዓቕሙ ክሕይል ይግባእ፤
  • ዝፍጸም ግህሰታት ብግቡእ ክምዝገብ ይግባእ፤
  • ነቶም ዝተጐድኡ ምኽሓስን ምድዕዓስን ውን ክርሳዕ ዘይብሉ ዕማም ኢዩ፤
  • ኣፍሪቃውያን ድማ፡ ሰላማዊ ሰልፍታት እናገበሩ ተቓውሞታቶም ክገልጹ ኣለዎም።

ቀዳማይ ሚኒስተር እስራኤል በንጃሚን ናታንያሁ፡ 25,000 ዝዀኑ ዜጋታት ደቡብ ሱዳን፡ ኣይቮሪኮስት፡ ጋናን ኢትዮጵያን ናብ ሃገሮም ክምለሱ ናብ ዝምልከቶም ሚኒስቲርታቱ ትእዛዝ ኣመሓላሊፉ ኣሎ። እቶም ዝተረፉ ካብ ኤርትራን ሱዳንን ሶማልያን ዝመጹ ስደተኛታት ግን፡ ንሃገሮም ክምለሱ ስለዘይክእሉ፡ ኣብ’ቲ ንስደተኛታት መዳጐኒ ክኸውን ዝስራሕ ዘሎ ስሃሮኒም (Saharonim lockup) ዝተባህለ ሕዛእቲ ክዳጕኖም ምዃኑ ተፈሊጡ ኣሎ።

እስራኤል፡ ናብ ሃገራ ዝኣትዉ ስደተኛታት ንምክልኻል፡ ኣብ መንጐ ዶባን ሲናን ነዊሕ መንደቕ ትሃንጽ ምህላዋ ዝዝከር ኢዩ።

Read 101963 times Last modified on Friday, 12 September 2014 15:45