Friday, 31 October 2014 06:44

ኤርትራ ንመልእኽቲ ዕለተ ምውላድ ዳዊት ኢሳቕ ነጺጋ

Written by ረዘነ ተስፋጽዮን ሽወደን
Rate this item
(1 Vote)

ኣብ ከተማ ሽወደን ስቶኮሆልም ዝርከብ ቤት ጽሕፈት ኤምባሲ ኤርትራ ብ  1200 ሽወደናውያን ዝተጻሕፈ መልእኽቲ  ንጋዘጠኛን ገጣምን ዳዊት ኢሳቕ ክውሃበሎም ናብ ማዕጾ ቤት ጽሕፈት ኤምባሲ ኤርትራ ኳሕክሖም ምስተኽፍተሎም፡ ውሃብቲ መልእኽቲ ወከልቲ ኣምነስቲ ኢንተርናሽናል ምዃኖም ምስ ኣለለዩ፡ ኤምባሲ ኤርትራ ማዕጾ ዓጽዮም ነቲ መልእኽቲውን ኣይተቐበልዎን። ኣብ ዝሓለፈ ወርሓት ሓደ ካብቶም ዘግነት ሽወደን ዘይብሉ ዝነበረ ልኡኽ ምልካውነት ብመንግስቲ ሽወደን ከም ተሰጐ ዝዝከርዩ። ኤምባሲ ኤርትራ ኣብ ምሉእ ስካንዲናቭያን ኣምባስደር ከምዘይብሉውን ዝፍለጥዩ። እዞም ኣብ ኣፍንጫ ወከልቲ ህዝብን ትካል ኣምነስትን ማዕጾ ዝዓጸው ኸኣ መብዛሕትኦም ዜግነት ሽወደን ዘለዎም ኣገልገልቲ ምልካዊ ስርዓት ኣስመራዮም። እዚ ጸገም መንግስቲ ሽወደንን ሕብረተሰብ ሽወደንንዩ። ገረብ ብሓኽላ ኮይኑ ስለ አሎ።

ዳዊት እሳቕ ወዲ 37 ዓመት ከሎዩ ብ 2001 ዓ.ም ብመንግስቲ ምልካውነት ኣስመራ ተኣሲሩ። ሎሚ ዕለት 26 ሕዳር ከኣ 50 ዓመት መሊኡ ኣሎ። ዳዊት ካብ 1992 ዜጋ ሽወደንዩ። ብዝነበሮ ፍቕሪ ሃገሩ ኤርትራን ህዝባን ኣብ ስነ ጽሑፍ ዝነበሮ እምነትን ብዝደፍኦ ወኒ ኸኣዩ ካብ ሽወደን ንኤርትራ ዝኸደ። ኣብቲ መጀመርያ ዓመታት ነጻነት ኣብ ሕዳስ ኤርትራ ዓምድታት ጽሑፋት ብስሙ ክጽሕፍ ድሕሪ ምጅማሩ፡ ክትዕ ኣብ ባህላዊ ጉዳያት ኣብታ ጋዜጣ ኣብ ተሳተፈሉ፡ ዋና ኣስነዳኢ ሓዳስ ኤርትራ ናብ ቤት ጽሕፈቱ ጸውዑ፡ ናብ ዓምዲ ክርክር ባህሊ ክወጸሉ ንዝለኣኾ ጽሑፍ ናብ ኢድ ዳዊት ኣረኪቡ፡ ከምዚ ዝኣምሰለ ጽሑፍ ካብ ምጽሓፍ እንተዘይተቖጢብካ ወይልኻ ኢሉን ኣፈራሪሁን ስዲድዎ ነይሩ። እዚ ድሮ ኣብ 1992ዩ። ዳዊት ይመሓየሹ ደኾን ካብ ዝብል እምነት ድኣምበር ዘይደምክሪያስውንውቶምሲ ብግቡእ ይርድኦ ነይሩዩ። ምጽባእ ደሞክራስን ህዝባዊ ሕቶን ብወከልቲ ህዝባዊ ግንባር ኣብ ሽወደን ካብ 1990 ብግቡእ ኣስተብሂሉሉን ተኻራኺሩሉንዩ። ዳዊት ኣስናዳኢ መጽሔት ኤርትራዊ ማሕበረሰብ ኣብ ሽወደን ድምጺ ኤርትራውያን ኣብ ዝነብረሉ ንመናውራ ወኪል ህዝባዊ ግንባር ኣብ ሽወደን ብግቡእን ሓቅን ዝተማጎተዩ።

ድሕሪ ምውጻእ ሕጊ ፕረስ መስጋገሪ መንግስቲ ኤርትራ ንዕኡ ብምውካስ ከኣ ምስ ገለ ብጾቱ ነጻ ጋዜጣ ብስም ሰቲት እትሕተም ሰሙናዊት ጋዜጣ ኣውጺኡ፡ ብፍላይ ኣብቲ ነጻ ጽሑፋት ኣብ ኤርትራ ብመጠኑ ተኸሲትሉ ዝነበረ፡ ሰቲትውን ተረኣ ትጻወት ነይራ። ኣብ 2001 ከኣ ሰቲትን ኩለን ጀሚረን ዝነበራ ነጻ ርእይቶ ዘአንግዳ ዝነበራ ግዜጣታት ተወጊደን ኣስነዳእተንውን ዝእሰር ተኣሲሩ ዕድል ዝገበሩ ኸኣ ህይወቶም ንምድሓን ተሰዲዶም። ዳዊት ካብቶም ብዘይ ክስን መርትዖን ንዓሰርተ ሰለስተ ዓመት ቤተሰቡን ተጣበቕቲ ሰብኣዊ መሰላትን ከም ዘግኡ መንግስቲ ሽወደንን ክበጽሑዎ ሓቲቶም እዝኒ ምልካውነት ዛጊት ኣይፈቐደን ዘሎ።

ኣብዚ ሕጂ ዳዊት 50 ዓመት ዝገበረሉ ዕለት ማዕከናት ዜና ሽወደንን ኣገደስቲ ተራ ዘለዎም ሽወደናውያንን  ሰልፍታትን ወጻኢ ጉዳይ ምኒስተርን ዳዊት ዝፍተሓሉ ሓድሽ መንገዲ ንምፍጣር ክስራሕ ለባዋኦም ከቕርቡ ከለው፡ ብፍላይ ድማ ላርሽ ኣዳክትሶን ዝተባህለ ሽወደናውን ኣባል ባይቶ ኤውርጳን፡ ናብ ወጻኢ ጉዳይ ሚንስተር ሽወደን ማርጎት ቫልስትሮም ኣብ ዝጸሓፎ፡ ንዳዊት ኣሲሩ ዘሎ ምልካውነት ብምኽፋል ግብሪ 2% ዜጋታት ሽወደን  ክዛነ ቅኑዕ ስለዘይኮነ፡ እዚ ምእካብ ግብሪዚ ጠጠው ክብል ተማሕጺኑ ኣሎ። ዳዊት ኢሳቕ እቲ እንኮ ዜጋ ብዘይ ፍርዲ ተኣሲሩ ዘሎ ምዃኑ ብምርዳእ ሕብረተ ሰብ ሽወደን ኣብ ስነ ኣእምሮኡ ዝሰረጸ ሕጋውን ሞራላውን ግደታ ዝስምዖ ኮይኑሎ። ነቲ መንግስቲ ሽወደን ንምፍታሕ ዳዊት ብስቕታ ዲፕሎማሲ እሰርሕ ኣለኹ ዝብሎ መግለጺኡውን ኣብ ምልክት ሕቶ ኣእቱዎ  ይርከብ።

ረዘነ ተስፋጽዮን

ሽወደን።

Read 10186 times Last modified on Friday, 31 October 2014 07:02