ጋዜጣዊ መግለጺ ተበግሶ ኮሎራዶ ንምድሓን ሃገር!

2015-03-31 05:28:15 Written by  ባይቶ ኤርትራውያን ኣብ ኮሎራዶ ንፍትሒ Published in Human Rights Read 9436 times

 

ንሕና፡ ባይቶ ኤርትራውያን ኣብ ኮሎራዶ ንፍትሒ፡  ንሃገራዊ ስኒትና ዝዓናቕፉ ጉዳያት ክንፈትሕ፡ ቀጻሊ ሰሚናራት  ከነካይድ ተበጊስና።  ባይቶ ኤርትራውያን ኣብ ኮሎራዶ  ኣካል ናይ`ተን ድሮ ብደረጃ ሰሜን ኣሜሪካ ተጠራኒፈን ዝነጥፋ ዘለዋ ዓሰርተ-ሰለስተ ከተማታት እያ። ዕላማና፡ ኤርትራ ካብ ጥፍኣት ድሒና፡ ቅዋማዊት ሃገር ንክትከውን ቀጻሊ ጻዕሪታት ምክያድ`ዩ።

ኤርትራውያን ተቐማጦ ኮሎራዶ፡  ሚያዝያ 26  2015  ኣብ ዝጅመር ሰሚናር፡ ኣብነታዊ መርኣያ ክኸውን ኩሉ ምድላዋት ክንገብር ኣገዳሲ ምዃኑ ኣሚና፡  ክሳብ ቅዋማዊት ኤርትራ እትህነጽ  ጻዕሪታትና ቀጻሊ እዩ።

በዚ ኣጋጣሚ`ዚ፡ ኩለን ከተማታት ሰሜን ኣሜሪካ፡ ኣብ ከከተመአን ነዚ ንቕሎታት`ዚ ደጊፈን፡ ክብገሳን፡ ብደረጃ ሰሜን ኣሜሪካ ሰፊሕ ጎስጓስ ክግበራን ነተባብዕ።

ጸዋዒትና ንኩሎም ኤርትራውያን፡

  1. ኩሎም ኤርትራውያን ኣብ ሰሜን ኣሜሪካ፡ ተመሳሳሊ ተበግሶ ክወስዱ፣
  2. ብደረጃ ሰሜን ኣሜሪካ ብህጹጽ ንምግባእ፡ ኩሉ  ዘድሊ ምስንዳኣት ክትግበር፣

መፍትሒ ሽግራትና ተጋቢእና ምልዛብ እዩ!

ኩሉ ኣብ ልዕሊ ህዝብናን ሃገርናን ዝወርድ ዘሎ ስቓይ ይኣክል!

ለውጢ፡ ብተሳትፎ ናይ ነፍሲ-ወከፍና እዩ ዝረጋገጽ!

መዓስ? ... ሕጂ!!!!

ሽማግለታት ሰሚናር

ባይቶ ኤርትራውያን ኣብ ኮሎራዶ ንፍትሒ

  03/30/2015