ተቐባልነት፡ ንካለኦት ብምውቃስ ኣይረጋገጽን እዩ፡

2023-11-13 19:35:37 Written by  ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in المقالات العربية Read 883 times

ንርከበሉ ዘለና እዋን ሓያል “ናይ መን ሓሳብ በለጸ” ውድድር ዝካየደሉ ዘሎ እዩ። እዚ ውድድር ኣብ ብዙሕ መዳያት ዝካየድን ብዙሕ መልከዓት ዘለዎን እዩ። ውድድር ኣብ ናጻን ሕጋውን መድረኽ፡ ብምክብባርን ምጽውዋርን ዝተሰነየ፡ ብግሉጽነት ዝማዕረገ ንብዙሓት ብዘሳትፍ ኣገባብ ዝካየድ  ክኸውን እንከሎ ጸጋ እምበር ሓጥያትን ዘጻልእን ኣይኮነን።

ናይ ሓሳብ ውድድር ኩልኻ ተዓወቲ ትኾነሉ መንፈስ ዝጻረር፡ ኣብ ሰዓርን ተሰዓርን ዝደረቐ፡ ሕጋውን ናጻን መድረኽ ዝነፍግ፡ ህዝቢ ዘየሳትፍ ክኸውን እንከሎ፡ ክሳብ ክንደይ ዘይሃናጽን ዘረሓሕቕን ከምዝኸውን ምርድኡ ብፍላይ ንኤርትራውያን ዘጸግም ኣይኮነን። ኣብቲ ንሓሳብ ብሓሳብ ስዒርካ ዕዉት ትኾነሉ ምናልባት እውን ንናይ ካለኦት ዝሓሸ ሓሳብ ክትቅበል እትግደደሉ ስልጡን መስርሕ፡ እቲ ወሳኒ ውሽጣዊ ቅንዕናኻን ዓቕምኻን ምዃኑ  ብሓቀኛ ኣካይዳ  “እንካን ሃባን” ዝተረጋገጸ ሓቂ እዩ። ነዚ ሓቂዚ ጓሲኻ “ተቐባልነት ንክትረክብ ንካለኦት ምውቃስን ምዕማጽን” ግና ኣፍራስን ንናይ ሓባር ቃልሲ ንድሕሪት ዝጐትትን እዩ። ንናይ ካለኦት ኣበርክቶን ኣስተዋጸኦን ኣናኢስካ ምናልባት እውን ክሒድካ ክጥረ ዝድለ ተቕባልነት፡ ግዜ ተጸብዩ ዝድገስን ዘተኣማም ቀጻሊ ህድኣትን ዓወትን ዘየውሕስን ምርጫ እዩ። ምኽንያቱ እቲ ምእንቲ ናይ ካለኦት ተቐባልነት ተባሂሉ፡ ኣሰተዋጸኦኡ ብሓይልን ጐነጽን ዝተመንዘዐ ኣካል  ኣጋጣሚ ምስ ረኸበ ሕነ ካብ ምፍዳይ ንድሕሪት ከምዘይብል ፍሉጥ ስለ ዝኸውን። ብሰንክዚ እቲ ዘይምርግጋእ ቀጻልን መዕለቢ ዘየብሉን ከም ዝኸውን ክዝንጋዕ ኣይግበኦን።

ኣብዚ እዋንዚ ሓያልን ተፈራሕን ዓቕሚ ናይ ምህናጽን ምእንታኡ ንካለኦት ግዳይ ምግባርን ምዕማጽን በብኹርናዑ ንዕዘቦ ዘለና እዩ። ናብ ህልዊ ኩነታት ሩሲያ-ዩክረይንን እስራኤል-ፍልስጤምን እንተ ኣማዕዲና ነዚ ኢና ነስተብህል። ኢሳያስ ኣፈወርቂ ከኣ ናይ ከምዚ ዓይነት ምእንቲ ናትካ ዝናን ረብሓን ካለኦት ናይ ምጉዕጻጽ ጓይላ መዳመቒ ምዃኑ ብተደጋጋሚ ዘመስከረ እዩ። 

እቲ ዓመጸኛ መንገዲ ኣብ ሃገራት ጥራይ ዝድረት ዘይኮነ፡ በዚ ዝተቓነየ ሰልፍኻ፡ ውድብካ፡ ማሕበርካን ምንቅስቓስካን ናይ ምብራኽ ሃቐነ ካብ ተመኩሮና እውን ክንርደኦ ዝጸናሕናን ዘለናን እዩ። እቶም ንካለኦት ብምውቃስ ሓይልን ተቓባልነትን ክረኽቡ ዝደልዩ ኣካላትን ውዳበታትን ንኻልኦት ክወቕሱ ቅድሚ ምምጥጣር ናብ ውሽጦም ከድህቡ እቲ ቅኑዕ መንገዲ እዩ። ካብዚ ወጻኢ ኣጻብዕቶም ናብ ካለኦት ከመልክቱ እንከለዉ፡ እቶም ብዘይውዓልዎ ዝውቀሱ ወገናት እውን ክምልሱን ነብሶም ክከላኸሉን ባህርያዊ እዩ። በዚ ድማ እቲ ሓሳብ ብሓሳብ ናይ ምስዕዓር ስልጡን ውድድር ይዝረግ እሞ፡ ምጽልላምን  ምስሕሓብን ይስዕርር። እዚ ኣብ መንጎ ውዳበታት ጥራይ ዘይኮነ ኣብ ሕድሕድ ኣብ ሓደ ውዳበ ዝተጠርነፉ ባእታታት እውን ኣድህቦ ዘድልዮ መሰረታዊ ዛዕባ እዩ። ከምዚ እንተዘይኮይኑ፡ እቶም ብናይ ሓባር ቅልጽም ተቓወምቶም ክምከቱ ዝግበኦም ጸረ ህዝቢ ኣካላት፡ ብሰንኪ ዘይምትእምማን ናይቶም ኣንጻሮም ዝቃለሱ ሓይልታት ዕድሚኦም ይነውሕ።  ነቲ ምውቕቓስ ሓይልታት ለውጢ ከጋድድዎ ኩሉ ዝከኣሎም ካብ ምግባር ድሕር ኣይብሉን። ንኣብነት ናብ ቃልስና እንተመጺእና፡ ህግደፍ በቲ ኣብ ደንበ ተቓውሞ ኤርትራ ሓሓሊፉ ዝረአ ምቅንጻላት “ከበሮ ዓምሓሙ ክወቅዕ” ናይ ግድን እዩ። ጸረ ህዝቢ መርበባቱ ዘርጊሑ ከጋድዶ ዝገብሮ ዘሎ ጻዕሪ ድማ ካብ ኩልና ዝተሰወረ ኣይኮነን።

ኣብዚ እዋንዚ ኤርትራውያን በብዝመረጽናዮ ኣገባባት ተወዲብና ንቃለስ ኣለና። መሰረታዊ ናይ ሓባር ዕላማና ምውጋድ ህግደፍን ብዲሞክራሲያዊ ስርዓት ምትክኡን  ኮይኑ፡ ኣብ ሕድሕድና ድማ ናይ “ናተይ ሓሳብን ኣገባብን እዩ ተመራጺ” ውድድር ኣለና። ህላወ ብዙሓት ሰፍልታት፡ ውድባት፡ ማሕበራት፡ ምንቅስቓሳት………ወዘተ ድማ ናይዚ መርኣያ እዩ። እዚ ኣወዳድባና ነቲ ንኤርትራዊ ኣብ ገዛእ ሃገሩ ተነፊግዎ ዘሎ  መሰል ምውዳብን ሓሳብካ ምግላጽን ዝምልስ ስለ ዝኾነ፡ ከምቲ ሓደሓደ ወገናት ዝሰግእዎ ዘሰክፍ ዘይኮነ፡ ክተባባዕ ዝግበኦ እዩ። እቲ ብዝሒ ውዳበታት ብግቡእ እንተዳኣ ኣመሓዲርናዮ፡ ከም ናይ መማረጺ  ጸጋ  ዝውሰድ እዩ።

ኣብቲ ውድድር፡ ዝሓየልካ መሲልካ ንምቕራብ፡ ዝረአ ዘይምክብባርን ውሽጣዊ ድኽመትካ ንምሽፋን ነቲ መወዳድርትኻ ተሓታቲ ክትገብሮ ምፍታንን ነቲ ኣብዘሓ ኣወዳድባና ጸጋ ዘይኮነስ ጥፍኣትን ውድቀትን ከምስሎ ንዕዘብ ኢና። ኣብዚ ከምቲ ንስኻ ናትካ ናይ ኣተሓሳስባ ምርጫ ዘለካ፣ እቲ መወዳድርትኻ እውን ናቱ ምርጫ ከም ዘለዎ ክትርደኣሉን ከተኽብረሉን ከም ዝግባእ ምግንዛብ ናይ ግድን እዩ። እቲ ዘሰማምዕ መፍትሒ ድማ  ናይ ሓዴኻ ጫፍ ኣጋኒንካ ምቕራብ  ዘይኮነ፡ ንመንፈስ ናይቲ ተወዳዳሪ ኣተሓሳስባታት ኣብ ግምት ዘእተወ ኩልኻ እትዕወተሉ  ክኸውን ኣገዳሲ እዩ። ኣብዚ “እታ ቅንዕቲ ሓሳብ ምሳይ ጥራይ እያ ዘላ” ምባል ዘይኮነ፡ ብሓባር ተቓሊስካ  ምእንቲ ክትዕወት ክትከፍሎ ዝግበኣካ ዋጋ ከምዘሎ ምግንዛብ የድሊ።

ኣብዚ እዋንዚ ኤርትራዊ መንእሰይ ሓያል ናይ ለውጢ ቃልሲ የካይድ ኣሎ። እዚ ቃልሱ መቐጸልታ ናይቲ ካብ 50ታት ጀሚሩ ኣብ ፖለቲካ ኤርትራ ብዝተፈላለየ መልክዑ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን እምበር፡ ሎሚ ካብ ሰማይ ዝነጠበ ኣይኮነን። ስለዚ ኤርትራውያን መንእሰያት፡ ነቶም ነባራት ተቓለስትን ሃብታም ተመኩሮኦምን ክኽብርዎን ካብ ተመኩሮኦም ነዚ ናይ ሎሚ ቃልሲ ይምጥን ንዝበልዎ ክወርሱን ይግበኦም። እቶም ኣውረስቲ ቃልሲ ሓርበኛታት ብወገኖም፡ ነቲ ንቕሎ ናይ ወረስቶም ከተባብዕዎ ግድን እዩ። እቲ ምስግጋር ቃልሲ ወለዶታት ከኣ ብኸምዚ እዩ ክረጋገጽ ዝግበኦ።

ብኣንጻሩ ናይቲ ኣብ ቃልሲ መንእሰይ ኤርትራ ሓሓሊፉ ዝረአ ድኽመታትን ዘይምክብባርን ተሓተቲ እቶም ነባራት ተቓለስትን ተኾስኲሶም ዝዓበዩለንን ምእንቲ ናጽነት ዝተቓለሱለንን ውድባቶምን ኣምሲልካ ምቕራቡ ክእረም ዝግበኦ ጌጋ እዩ።  እዚ ተረድኦ’ዚ “ዝወደቐ ግረብሲ ምሳር ይበዝሖ” ከም ዝባሃል፡ “ተቐባልነት ንምርካብ ክትብል ንካለኦት ምውቃስ” ካብ ምዃን ሓሊፉ፡ ድኽመትካ ሓቢእካ ናብ ደገ ምምዕዳው ዘመልክት’ውን እዩ። መንእሰይ ኤርትራ ኣብዚ እዋንዚ ዘካይዶ ዘሎ ቃልሲ ግቡእ መልክዕ ሒዙ፡ ኣብቲ ዝድለ ዓወት ክበጽሕ፡ እቲ ወሳኒ ናቱ መንእሰያዊ ኣተሓሳስባን ዓቕምን’ኳ እንተኾነ፡ እወንታዊ ተመኩሮ ነባራት ተቓለስቲ እምነ-መሰረት ቃልሱ ምዃኑ  ክዝንግዕ ኣይግበኦን። ነባራት ውድባት ኤርትራ ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራን ህዝባዊ ግንባር ሓርነት ኤርትራን ነናተን ታሪኻዊ ቦታ ስለ ዘለወን፡  ጠንቅን ተሓተትን ናይዚ ሎሚ ዝርአ ዘሎ ድኽመታት ጌርካ ምቕራበን ቅኑዕ  ኣይኮነን።

Last modified on Monday, 13 November 2023 20:43