“ኢሳያስ ኣፈወርቅ ን19 ሓምለ 2025፡ ምስ ማዕከናት ዜና ህግደፍ ቃለ መሓትት ከካይድ’ዩ”፡ ዝብል ሓበሬታ ምስ ተዘርገሓ፡ ዝተፈላለዩ ሰባት ነናቶም ትጽቢት ነይርዎም። ገሊኦም “ከምቲ ዝተለምደ ኤርትራዊ ኣብ ዘይኮኑ ዛዕባታት ኮለል ካብ ምባል ሓሊፉ ዘምጸኦ ሓድሽ ነገር ኣይክህሉን’ዩ” ዝብል ግምት ነይርዎም።  ግምቶም ካብ ዝሓለፈ ተመኩሮታቱ ዝነቅል’ዩ። ካለኦት ወገናት ግና ንትጽቢት ናይቶም ቀዳሞት’ኳ ግምት ዝህብዎ እንተነበሩ፡ “ምስዚ ንከባቢናን ሃገርናን ዘዋጥር ዘሎ ምግልባጥ ፖለትካዊ ኣሰላልፋን ንልኡላውነት ኤርትራ ዝህድድ ዘሎ ወስታታትን ገለ ሓድሽ ሓሳብ ደኾን ወስ የብል ይኸውን” ዝብል ትሑት ትጽቢት ነይርዎም። ናይዚኣቶም ግምት ከኣ ብመንጽርቲ ዘለናዮ እዋናዊ ተሃዋስነት ዘይስገርን ንቡርን ነይሩ። ንካልኦት ምጽራፍን ምስትንዓቕን ብልሕን መንፈዓትን መሲልዎም፡  ብዘይስኽፍታ“መጺኻለይዶ፡”  እናበሉ ዝተጸበይዎ  ኣይነበሩን ማለት’ውን  ኣይኮነን። ዕለቱ ምስ ኣኸለ ዝተራእየን ዝተሰምዐን ድማ፡ ከምቲ “ኣባጉንባሕስ ዘይግርቱ ይኾልል” ዝበሃል፡ ንቀጥታዊ ኤርትራዊ  ዛዕባታት ተሓሲሙ ደገደገ እዩ ኮለል ክብል ኣምስዩ።

ኣብቲ ብግምጥሊሽ ብዘይኤርትራዊ ዛዕባ ዝጀመሮ ቃለ መጠይቑ እምበኣር፡ ላዛ ዘየብሎም፡ ተሓይኾም ዝተወድኡ ሓረጋት ካብ ምኩምሳዕ ሓሊፉ ሓደሽ ኣየምጸአን። ኣብ ርእሲ’ቶም ልሙዳት “እንኮ ቀጽራውን ጐደቦን” ዝብሉን ዝኣመሰሉን መውጽእ ኣፉ፡ “ዞባዊ ኩነታት፡ ግዜ ዝሑል ውግእ፡ ዓለማዊ ስርዓት፡ ንናይ ህዝባዊ ርካባት ሃልኪ ዘገልግል፡ ህድማ ንቕድሚትን መርሓ ጐደና ኣፍሪቃን ዝብሉ፡ ካብቶም ብዘይውሁድ ቅኒትን ንጹር መልእኽትን ክደጋግሞም ዘምሰየ ሓረጋት እዮም። ካብዚ ከይረሓቐ፡ ኣሜሪካ፡ ውግእ ሩሲያን ዩኩረይንን፡ ሕብረት ኤውሮጳ፡ ኔቶ፡ ቻይናን ካለኦት ኣህጉራዊ ትካላትን እውን፡ ብምንእኣስን ኣብ ኣሰራርሐኦም ጣልቃ  ብምእታውን፡ ካብ ዘኳማሰዖም ነይሮም።

ኣብቲ ንኤርትራን ጐደቦኣን ይምልከት ኢሉ ዝተንከፎ፡ ንሱዳን ጅቡትን ካለኦትን በቲ ስምዒቱ ምጥቃሱ ኣይተረፈን። ንኢትዮጵያ ኣብ ዝምልከት ኣብ ዝበሎ ነቲ ኢትዮጵያውያን ከቃልሕዎ ዝጸንሑ እሞ ኩሉ ዝፈልጦ ዓዘርቆዘር ኣብ ምዝብራቕን ታራ ምጽራፍን’ዩ ኣድሂቡ። “ኢትዮጵያ ኣይኮነንዶ 130 ሚልዮን ዋላ 180 ሚልዮን ህዝቢ ይሃልዉዋ፡ ነዊሕ ርሕቀት ዝውንጨፍ ኣጽዋር ኣለና ንበሃል ኣለና፡ ብሱዳን ኣቢልና ናብ ኤርትራ ክንኣቱ ብዝብል የፈራርሑ’ለዉ፡ ብድሮናት ኣቢልና ኣገዳሲ ዒላማታት ከነጥቅዕ ኢና ይብሉ ኣለዉ” ክብል’ዩ ስግኣቱን ስንባደኡን ኣንጸባሪቑ። “እሞ እዚ ካብ ኮነ እንታይ ክግበር ኣለዎ?” ኣብ ዝብል ግና፡ “ንሕና ድማ ኣይፋልኩምን ንብሎም”  ብዝብል እዩ ተጎርቢሱ። ካብ ጸርፊ ሓሊፉ፡ ነቲ ናብ ኤርትራ ዘቕንዕ ዘሎ ትንዕምንዕን ዓሻ ድፍረትን፡ ንሓሳብ ብሓሳብ ናይ ምምካት ሞራልን፡ ዲፕሎማስያዊ ትዕግስትን ኣየርኣየን።

ኣብቲ መንጎ “ጅቡቲ ካብ ወደባ ኣብ ዓመት ክሳብ ኣርባዕተ ቢልዮን ዶላር ኣታዊ ትረክብ ኣላ’ሞ፡ ንዓኣ ንምውድዳር ኢልና ወደባት ምጽዋዕን ዓሰብን ከነማዕብል ኢና ማለት ሓራም እዩ”  ዝበሎ ከኣ ንብዙሓት ካብ ዘደንጸዉ ተንበርካኺ ብሂላቱ ሓደ ነይሩ። እዚ ኣበሃህላኡ፡ ዓለም ኣብ ውድድር እትነብር ከምዘላ ዝዘንገዐ፡ ምናልባት ኣብ ኣሰላልፋ ጅቡቲ ንምኽሳብ ዝተኣለሞ ውዲት’ውን ዝመስል። እንተዘይኮይኑ፡ ከምዘይትግብሮ’ኳ ፍሉጥ እንተኾነ፡ “ንሕናውን ወደባትና ንኣገልግሎት ድሉዋት ክንገብር ኢና” ዝብል መዋጸኦ’ውን ነይርዎ። ኣብቲ ማእከል ኣብ ክንዲ መርገጽን ግደን ናይቲ “ይመርሖ ኣለኹ” ዝብሎ መንግስቲ  ዘንጸባርቕ ክኢላ ተንታኒ መሲሉ ክቐርብ ይፍትን ነይሩ።     

ኢሳያስ ካብቲ ዘርእዮ ዝነበረ ናይ ድኻምን ስግኣትን ምልክታት ወጺኡ፡ ህዝቢ ካብቲ ዘንጸላሉ ዘሎ ዜቤታዊ ኮነ ከባብያዊ ስግኣታት ዘህድእን ተስፋ ዝሰኩዕን ሓሳብ ኣየቕረበን። ነቲ ንልኡላውነት ኤርትራ ዝጻባእ፡ ብብዙሓት ኢትዮጵያውያን ወገናት ዝቃላሕ ዘሎ ግጉይ ቅኒት በዲሁ፡ ነቲ ኣጋጣሚ ተጠቒሙ፡ ኤርትራዊ ሃገርነት ዝኹልዕን ህያውነት ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ ምእንቲ መሰሉ ዘበርኽን ታሪኻዊ፡ ፖለቲካውን ዲፕሎማስያውን መርትዖታት ክትንትን ይግበኦ ነይሩ፡ ግና ኣይበቐዖን። ሕብረተሰብ ዓለም ኣብዚ መዳይዚ ግንዛበ ንክረክብን ግደኡ ክጻወትን ዘይምዝኽኻሩ ጥራይ ዘይኮነ፡ ነቲ ብመንግስቲ ኢትዮጵያ ብወግዒ ኣብ ሰፋሕቲ ኣህጉራዊ መድረኻት ዝተኸሰሶ፡ ኣብ ክንዲ ርትዓዊ መልሲ ምሃብ ከነኣእሶ እንከሎ፡ ናብ ዋና ጸሓፊ ሕቡራት ሃገራት  ጥርዓን ምቕራብ፡ “ዘስገድግድ ዕሸላዊ፡ ስልበጣ” ብዝብል ሸፈጥ’ዩ  ኣስፊርዎ። ምስ ሕቡራት ዓረብ ኢማራት ዝተጻረፎ ወሲኽካ ከኣ፡ ዲፕሎማሲያዊ ድኽመቱ  ኣብቲ  ቃለ መጠይቕ ዝተቓለዓሉ  ገጽ ነይሩ።

ብዙሓት ወገናት፡ ምስቲ በቲ ሓደ ወገን ኣብ መንጎ ኤርትራን ኢትዮጵያን መመሊሱ ዝውጠር ዘሎ ምትፍናን በቲ ካልእ ወገን ከኣ ኣብ መንጎ ህግደፍን ህወሓትን ክፍጠር’ዩ ዝበሃል ዘሎ ተልእኮኡ ዘይነጸረ ጽምዶ ኣብ ዝዛመድ ብቐጥታ “ክዛረብ እዩ” ብዝብል ንዝነበረ ትጽቢት ጓስይዎ ክሓልፍ እንከሎ፡ ብኣንጻሩ “ኣርሒቑን ኣስፊሑን ዝሓስብ ብቑዕ መራሒ” ንምምሳል፡  ምስ’ታ ሎሚ ናይ ዓለም ሃብታምን ሓያልን ኣይኮነትን ዝበላ ኣሜሪካ፡ እሞ ድማ ብደረጃ ከባቢ ቀይሕ ባሕርዶ ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃ ኢና ጽምዶ ክንፈጥር ኢሉ። ሕሉፍ ሓሊፉ ካብቲ “መን ተመሊሱ ከይሓተንን ከይጸባጸበንን” ካብ ዝብል  ልሙድ ትምክሕቱ ነቒሉ፡ ነቲ ጽምዶ ካብ 2026 ክንጅምሮ ኢና እውን ኢሉ።  በዚ ንዕቀቱ ዘጉረምርሙ ዘለዉ ደገፍቱ ዝነበሩ ከይተረፉ ብዙሓት እዮም።

ከምቲ “ጉዳይ ኤርትራ ዝተወደኦ መራሒ” ዝተባህለ፡ እዚ ቃለ-መጠይቑ ከምቲ ልሙድ ንኤርትራዊ ዘቤታዊ ዛዕባ ብኣሽካዕላል ትኹረት ነፊጉ እዩ ከም መመላእታ ሰሪዕዎ። ቅድሚ ሕጂ ንነዊሕ ሰዓታት ምኒን ክብል ዘምሲ ዝነበረ ኢሳያስ፡  ንኤርትራ ናብ ዝምልከት ውሽጣዊ ዛዕባ ክኣቱ ኣብ ዝነበረሉ ሰዓት እዩ ነቲ ቃለመጠይቕ ኣቋሪጽዎ። ኣቐዲሙ ኣፋሊጥዎ ክነሱ ብምቁራጹ ዝደንጸዎም ጋዜጠኛታት በዓል ሱሌን ዑስማን ዓበ፡ ኣብ ቃልዕ መዓስ ከም ዝቕጽልዎ ንዝሓተትዎ ዝሃቦም “ጽባሕ ኣይጥዕመንን’ዩ፡ መዓስ ከም ዝጥዕመኒ ክነግረኩም እየ” ዝብል ናይ ትዕቢትን ንዕቀትን መልሱ  “ኣተሃዳድማ ዕቡያት”  እዩ።

ከምዚ ናይ ምግባሩ ምኽንያት፡ ግዜ ናይ ዘይምርካብ ጸገም ገይሮም ዝርድእዎ ወገናት ይህልዉ ይኾኑ። እቲ ሓቂ ግና ግዜ ዘይኮነ፡ ብዛዕባ ኤርትራዊ ዘቤታዊ ኣጀንዳ ዝዛረበሉ ሓሳብን ሞራልን እዩ ተወዲእዎ። ቅድሚ ሕጂ ኣብተን ዝረኸበን ኣጋጣምታት፡  ኣዋርሕን ዓመትን እናጠቐሰ ከይተረፈ፡ “ክንሃንጽ ኢና፡ ከነልምዕ ኢና፡ ክነፍቅድ ኢና፡ ወፍሪ ከነጀምር ኢና….ወዘተ” እናበለ፡ ዝኣተዎ ቃላት ክጠልም ከምዝጸንሐ ዘይፈልጥ ኤርትራዊ የለን። ስለዚ ነዚ መህደሚኡ ምኽንያት ዝተዓዘቡ ወገናት’ዮም፡ ድሕሪ ሕጂ ዝኣምኖ ከምዘየለ  ተገንዚቡ፡ ቁምነገር ኣብ ዘይብሉ “ምኒን ምባል ዘድሓነና’ውን ግርም እዩ” ኢሎም፡  “ብዛዕባ ኤርትራ ዝተወድኦ፡ መራሒ ኤርትራ” ዝበልዎ።  

ኣብ ዝኾነ መስርሕ ምንቅስቓስ፡ ውሽጣውን ግዳማውን ረቛሕታት ኣለዉ። እቲ ውሽጣዊ ብበዓልቤታዊ ዓቕምኻ እትቆጻጸሮን እተማልኦን እዩ። እቲ ግዳማዊ ከኣ ኣብ መስርሕ ዝጸልወካ ኮይኑ፡ ብግዳማዊ  ኣካላትን ከባብያዊ ምዕባለታትን ዝግለጽ፡ ምስ  ካለኦት ወገናት ተዛሚድካ ንናይ ሓባር ተጠቃምነት  እተሰላስሎ እዩ። እዞም ውሽጣውን ግዳማውን ጽልዋታት፡ ነናቶም ህልውና ዘለዎም፡ ግና ድማ ኣብ ሕድሕዶም ዝጸላለዉ እዮም።  ኣብቲ ምጽልላው እቲ ወሳኒ  ውሽጣዊ በዓል ቤታዊ ምዕባለን ዓቕምን ምዃኑ ከኣ ዝዝንጋዕ ኣይኮነን።

መስርሕ  ፖለቲካዊ ቃልሲ ኮነ ምምሕዳር ከም ኣካል ማሕበረ-ቁጠባዊ ጉዕዞ ካብ ዝዓሞም ሓደ፡ በብግዜኡ  ዝፍጠሩ  ሕቶታት እናመለስካ ምጉዓዝ እዩ። ኣብቲ ጉዕዞ መሪሕ ግደ ንዘለዎም ፖለቲካዊ ሰልፍታት ይኹን ንሳቶም ዝምስርትዎም መንግስታት ካብ ዘጋጥምዎም ብደሆታት ነቲ ብትካላቶም ይኹን ብህዝቢ ዝቐርብ ኩለ-መዳያዊ  ሕቶታት ክምልሱ ምኽኣሎምን ዘይምኽኣሎምን ይኸውን። እቶም በዳህቲ ሕቶታት ብዝተፈላለዩ መልከዓት ክቐርቡ ዝኽእሉ ኮይኖም፡ “ውሽጣውን ግዳማውን” ኢልካ  ምጥቃሶም ድማ ካብቲ  ኣቀማምጣኦም ሓደ ኮይኑ ይጥቀስ።

ውሽጣዊ ዘዕባ ነቲ ሓላፍነት ተረኪቡ ኣብ ናይ ምምራሕ ደረጃ  ዘሎ ኣካል፡  ምስ ህዝቢ ብቐጥታ ዘራኽቦ እዩ። እቲ ነቲ ብቐጻሊ ብህዝቢ ዝለዓል ሕቶታት ናይ ምምላስ ሓላፍነት ዘለዎ ኣካል፡ ግደታኡ ኣብ ምፍጻም ብቑዕ ኮይኑ ንኽርከብ፡ ከማልኦም ካብ ዝግበኦ መምዘንታት ሓደ፡ ኣብ ገዛእ ርእሱ ዲሞክራሲያዊ ኣሰራርሓ ዝቕበል ኣወዳድባ ከጣጥሕ ምብቃዕ እዩ። ንኣበነት መንግስቲ እንተኮይኑ፡ ኣብ ሕገመንግስቲ ዝተሰረቱ ሓጋጊ፡ ፈጻምን ፈራድን ኣካላቱ ዘነጸረ፡ መራኸቢ ብዙሓን ዘይበሓተን ሰብኣዊ መሰላት ዘኽብርን ምዃን ካብቶም መዕቀንታት ቅድሚት ዝስርዑ እዮም። ነዚ ዲሞራሲያዊ ትካላዊ ኣገባብ ምስዘይክተል ግና፡ ህዝባዊ ሕቶታት ክምልስን ዘቤታዊ ዕማማቱ ብዝግባእ ክውግንን ኣይክእልን ጥራይ ዘይኮነ፡ ናቱ ህልውና እውን ብሓይሊ እንተዘይኮይኑ ብህዝባዊ ተቐባልነት ክወሓስ ኣይክእልን። ነቲ “ህዝበይ” ዝብሎ ወገን ዘለዎ ተኣማንነትን ምእዙዝነትን ከየርኣየ፡ “ምስ  መን ብዘየገድስ”፡ ምስ ናይ ግዳም ሓይልታት ዝገብሮ ዝምድና፡  ዕድመ ስልጣኑ ካብ ምንዋሕን ጉጅላዊ ረብሓኡ ካብ ምድላብን  ሓሊፉ ሕቶታት ህዝቢ ኣብ ምምላስ ብቕዓት ኣይህልዎን።

ንሓደ ምምሕዳር እቲ ዝያዳ በዳሂ ኣብ ኣተሓሕዛ ውሽጣዊ ዛዕባታት ብቑዕ ክትከውን ምኽኣልን ዘይምኽኣል ወሳኒ እዩ። ምኽንያቱ ውሽጣዊ ሓላፍነትካ ምዕማም፡ ከምቲ ምስ ግዳም ንምዝማድ ኣንቂድካ፡ ዘየዋጸኣካ እንተኮይኑ ከተወንዝፎ  ዘይከኣል ዕለታዊ ተግባር ስለ ዝኾነ። እዚ ክበሃል እንከሎ ግና  እቲ ውሽጣዊ ህዝባዊ ዕማም በቲ መሪሕ ፖለቲካዊ ትካል ጥራይ ዝዕመም ዘይኮነ፡ ህዝቢ እውን ካብ ተጸባይነት ዝወጸ ልሉይ ግደ ኣለዎ። ህዝቢ ኣብቲ ሃገራውን ህዝባውን ዋኒኑ፡ ካብኡ ዝድለ እጃም ንኸበርክት ግና፡ በቲ ስልጣን ዝጨበጠ መሪሕ ኣካል፡ ኩነታት ክጣጠሓሉ ይግባእ። በቲ ይኹን በዚ ብጽሒት ህዝቢ ዘይስገር ምዃኑ ክዝንጋዕ ዘይግበኦ መሰረታዊ ጉዳይ እዩ። ምኽንያቱ ከምዚ ኣብ ኤርትራ ዝረአ ዘሎ ብዝተጠናነገ ናይ ስለያ መርበብ ኣፉ ዝተለጉመን መሓውሩ ዝተኣስረን  ህዝቢ፡  ናይቲ ዋኒኑ ዋና ንክኸውን ዘለዎ ዕድል ኣዝዩ ኣጸጋሚ ስለ ዝኾነ።

ንድሕሪት ተመሊስና ብዛዕባቲ በብግዜኡ ምስ ጐረባብቲ ከካይዶ  ዝጸንሐ ውግእትን ክጽሕትሮ ዝጸንሐ ጽልእን  ምዝርዛር ገዲፍና፡ ጉጅለ ኢሳያስ ኣፈወርቂ ብ2018 ምስ ኣብይ ኣሕመድ ዓሊ ክዛመድ እንከሎ፡ ካብቲ ብዙሕ ምኽንያታቱ ሓደ፡ ህዝቢ ኤርትራ ነቲ  ናብ ውሽጣዊ ኩነታቱ ዝነበሮ ኣድህቦ ገዲፉ  ናብ ግዳም ከም ዘመዓዱ ንምግባሩ ነይሩ። ደሓር ግና  “እንኳዕ ዳሓን መጻእኻ ናብ ኣስመራ ኣቢዪ ወለላ” እናበልካ ከምዘይተደርፈ፡ ድሕሪ ውዕል ፕሮተርያ ፍትሕ ክጅመር እንከሎ፡ ህዝቢ  ብዛዕባቲ ተገላባጢ ተግባራቱ ናይቲ ጉጅለ ከምዘይዛረብ ካብ  ምግባሩ ዓዲ ኣይወዓለን። ሎሚ ዘወጣውጦ ብዘሎ ናይ “ጽምዶ” ዛዕባ  ዘርእዮ ዘሎ ዘይቀጥታዊ ቀልባዕባዕን እውን ካብዚ መዳህለሊ ተግብራቱ ወጻኢ ዝረአ ኣይኮነን። እዚ ዳሕረዋይ ካብቲ ናይ ቅድም ዝፍለ፡ ካብቶም ምስኡ ክጻመዱ ዝጽበዮም ዘሎ ኣካላት ዝያዳ “ናይ ርድኡኒ” ዝመስል ሃታሃታን ታህዋኽን ይረአ ምህላዉ እዩ።  

ኣብዚ ቀረባ ግዜ ህግደፍ ኣሲርዎም ካብ ዝጸንሐ ተጋሩ፡ “ኣስታት 80  ፈቲሑ ናብ ዓዶም ኣፋንይዎም” ዝብል ዜና ተዘርጊሑ ሰሚዕናን ኣንቢብናን። እዚ ስጉምቲ ክወስድ እንከሎ፡ ብዛዕባቶም ኣብ መጻኢ ዕድል  ሃገሮምን ህዝቦምን ሓሳብ ካብ ምሃብ ሓሊፎም ካልእ ገበን ዘይፈጸሙ ክነሶም፡ ንዓሰርተታት ዓመታት ሃለዋቶም ኣጥፊእዎም ዘሎ ኤርትራውያን ብጩቕ ዘይምባሉ፡  ክሳብ ክንደይ ንውሽጣዊ ኤርትራዊ ዛዕባ ሓቢኡ “ጥዑይ መሲሉ” ደገ ገደ የማዕዱ ምህላዉ ዘመልክት እዩ። ብዙሓት ነቲ ኩነታት ብጽሞና ዝተዓዘቡዎ  ኤርትራውያን ከኣ “ናይ ተጋሩ ካብ ማእሰርቲ ተፈቲሖም ናብ ዓዶም ምኻዶምሲ ጽቡቕ፡ ደሃይ ናይቶም ጠፊኦም ዘለዉ ደቅናኸ?”  እናበሉ ብታሕቲ ታሕቲ ይሓቱ ምህላዎም፡ ህግደፍ ክሳብ ክንደይ ካብ ቀዳምነቱ ኣዝዩ ርሒቑ ከም ዝጸንሐን ዘሎን የረድእ። እዚ ህድማ ኣብ ህግደፍ ጥራይ ዘይኮነ፡ ኣብ ኢትዮጵያዊ ሰልፍታትን ውድባትን እውን ብሰፊሑ ዝረአ ዘሎ፡ “ውሽጥኻ እናሓባእካ  ናብ ደገ ናይ ምምዕዳው ዘይቅርዑይ ኣካይዳ  እዩ።

እምበኣር ብሓፈሻ ንኹሎም ነታ ሓቀኛ ትርጉማ ዘይተፈልጠ መዝሙር “ጽምዶ” ዘዳምቑ ዘለዉ፡ ብፍላይ ከኣ ንጉጅለ ህግደፍ፡ ህዝቢ ኤርትራ፡ “ፈቲኻ ጸሊእካ ከምቲ ቅድሚ ሕጂ ንመደንዘዚ ጭርሖታትካ ዘይተቐበሎ” ሎሚ’ውን “ብጽምዶ ተደናጊሩ” ዘቤታዊ ዛዕባኡ ዝርስዕ የለንን’ሞ ብኸምዚ ዝኣመሰለ ምድንጋር  ኣይክትቐስንን ኢኻ ንብሎ። ንህዝቢ ኤርትራ ድማ ዋጋ ክኸፍል ዝግበኦ ነታ፡ “ዝፈከረ እንተፈከረ” ንድሕሪት ዘይትምለስ ልኡላዊት ሃገሩ እምበር፡ ነቲ ብዘይእፍልጦኡን ተሳትፎኡን ክሳብ ሎሚ ዘታለሎን ሎሚ’ውን ካብ ርእሱ ዘይወረደ ህግደፍ ዕድል ንዘይምሃቡ  ከስተውዕል ነዘኻኽሮ። እቶም ንህግደፍ ከም መኻይዲ መሪጾም፡ ላዕልን ታሕትን ዝብሉ ዘለዉ ኣካላት ከኣ ካልእ ኩሉ ገዲፍና፡ ህግደፍ “ከተድልዮ እንከለኻ ኣይዞኻ፡ ጉዳዩ ምስ ወደኣ ግና  ወይለኻ” ብዝብል ተበላጺ ጉርሒ ዘተሞከረ፡ ኣብ ዝወዓሎ ዘይሓድር “መጻምድቲ” ምዃኑ  ከይድህለል ኣብ ርእስቲ ተመኩሮኡ ነተሓሳስቦም።

ኣብ ቃልሲ ንድሕነት ህዝብን ልኡላውነት ሃገርን፡ ብዙሓት ኣብ ግምት ከተእትዎም ዝግበኣካ መሰረታዊ ረቛሕታት ኣለዉ። “ኣየናይ ሕቶ ንምምላስ ትቃለስ? ናይ ዝብል ሕቶ መልሲ መሰረታዊ ስለ ዝኾነ፡ ብግቡእ ክንጽርን ህዝቢ ክርደኦን፡ ናይ ቀረባን ርሑቕን ትልእኮኡ ኣብ ግምት ዘእተወን ክኸውን የድሊ።  “ምስ መን ትመሓዞ?፡ ብኸመይ ትውደብ? ኣየናይ ኣገባብ ቃልሲ ትመርጽ?” ዝብሉ ሕቶታት ኣቐዲምካ ምምላስ’ውን  መሰረታዊ እዩ። እስትራተጅን ናይ ኣተገባብራ ሜላታትን ምሕንጻጽን ብመንን ብኸመይን ከም ትምራሕ ምንጻርን ከኣ ኣገደስቲ እዮም። ኣየናይ መቃለሲ  ቦታ ትመርጽ  ምውሳን ድማ ዘይዝለል’ ዩ።

ኤርትራውያን ነቲ ናይ ነጻነትን ልኡላውነትን ቃልስና ኣብ ናይ ገዛእ ርእስና ሜዳ፡ ኣብ ጐኒ ህዝብና፡ ምስ ዝተወሰነ ናይ ግዳም ደገፍ ኢና ኣዕዊትናዮ።  ኣብዚ ድሕሪ ነጻነት፡ ን34 ዓመታት ምእንቲ ሓርነት ከነካይዶ ዝጸናሕናን ዘለናን ቃልሲ ግና፡ ኣብ ገዛእ ሃገርናን ኣብ ማእከል ህዝብናን ኣይኮናን ነካይዶ ዘለና።   ምኽንያትና ከኣ እቲ “ካብ ኣፍንጫኡ ኣርሑቑ ዘይርኢ” ጉጅለ ህግደፍ፡ ካብቲ ንሱ ዝመረጾ መላኺ መንገዲ ዝተፈልየ ሓሳብ ክጸውር ዘይክእል ጸቢብን ጸዋግን ብምዃኑ እዩ። በዚ መሰረት ብዝረኸብናዮ ኣጋጣሚ ካብ ኤርትራ ወጻኢ ኣብ ዝተፈላለያ  ሃገራት  ቃልስና ነካይድ ኣለና። እዚ ማለት ግና ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ትሕቲ ኣርዑት ጭቆና ናይቲ ጉጅለ ኮይኑ’ውን፡ ብስዉር መሰረታዊ ቃልሲ ንለውጢ የካይድ ምህላዉ ብምዝንጋዕ ኣይኮነን።

“ኣበይ ኮይንና ኢና ኣንጻር ጉጅለ ህግደፍ ንቃለስ?” ናይ ዝብል ሕቶ ሓፈሻዊ መልሲ፡ “ኣብ ዝኾነ ናይ ለውጢ ርኢቶና ዝጸውር ባይታ ዝረኸብናሉ” ዝብል  እዩ። እቲ “ናይ ለውጢ ርኢቶና ኣብ ዝጸውር ባይታ” ዝብል፡ ካብ ፖለቲካዊ ባህሪ ናይቶም ነቲ ባይታ ዘመሓድርዎ ኣካላት ጀሚርካ ሰፊሕ ዝርዝር ዘለዎ ምዃኑ ርዱእ እዩ። እቲ ቀዳማይ ተመራጺ ኣብ ጐረባብቲ ሃገራት ምዃኑ ወትሩ ዝጥቀስዩ እዩ። ምኽንያቱ ናይ ቃልሲ መጸዋዕታኻ ብቐሊሉ ናብቲ ኣብ ሃገሩ ዘሎ ወሳኒ ህዝብኻ ክተመሓላልፈሉ ስለ ዘኽእለካ እዩ። እንተኾነ ጐረቤት  ኮይና፡ ፖለቲካዊ ዝምድናኣ ምስ ኤርትራ ተሃዋስነት ኣብ ዘለዎ ሃገር ኮይንካ ምቅላስ ክሳብ ክንደይ ፈታንን ጥንቃቐ ዘድልዮን ምዃኑ፡ ዝነበረን ዘሎን ዝምድና ሓይልታት ለውጢ ኤርትራን ፈደራል መንግስቲ ኢትዮጵያን  ብኣብነት ዝጥቀስ እዩ።

እቲ ኣንጻሩ ንቃለስ ዘለና ስርዓት ህግደፍ፡ ንዝመርጽናዮ መቃለሲ ከባቢ ክጻረሮ እምበር፡ “ሓንጐፋይ ኢሉ ክምርቐልና” እንጽበዮ ኣይኮነን። መቃለሲ ቦታ ምስተመርጸ፡ “ኣብኡኸ እንታይን ብኸመይ ኢና ንንቀሳቐስ?፡ ዝብል ሕቶ ምምላስ ዘይስገር ምዃኑ ምግንዛብ የድሊ። እዚ ዛዕባ’ዚ ኣብ ዝሓለፈ ዓመታት ፖለቲካዊ ውድባት ኤርትራ፡ ከምኡ’ውን ምሕዝነት ፖለቲካዊ ሓይልታት ኤርትራን ኤርትራዊ ዲሞክራስያዊ ኪዳንን ኣብ ኢትዮጵያ ይንቀሳቐሱ ኣብ ዝነበርሉ፡ ብቐጻሊዝለዓልን ውረድ ደይብ ዝፈጥር ዝነበረን እዩ። ኣብዚ እዋን’ዚ፡ ብድብድቡ ንኹሉ ኣብ ሓደ ዘንቢል ኣእቲኻ፡ “ውድባት ኮና ግንባራት ኤርትራ ኣብ ኢትዮጵያ እንከለዋ ዋላ ሓንቲ ኣይሰረሓን” ዝብል ናይ ብዙሓት “መዋራዘዪ” ኮይኑ ዝስማዕ እዩ።

እዚ ሃካይን ላህመታውን ኣደማድማ ብዙሕ ዘዛርብ ኮይኑ፡ እቲ ዝሓለፈ ውረድ ደይብ ብምጥቕሉሉ፡ ኣብ መጻኢ ኣብ ኢትዮጵያ ኮይንካ ንዝካየድ ቃልስን ምስቲ መንግስቲ ንዝግበር ዝምድናን መሰረታዊ መወከሲ ተመኩሮ ከም ዝኸውን ፈጺሙ ዝከሓድ ኣይኮነን። ነቲ ተመኩሮ ዳህሲስካ ነየናይ ትወስድ፡ ነየናይከ ኣይትወስድን ምውሳን ከኣ መስተውዓሊ፡ ዘይህዉኽን ጸዋርን ናይ ምዃን ብቕዓት ዝሓትት እዩ። ነዚ ሃብታም ተመኩሮ ገምጊምካ ርትዓዊ ሚዛን ዘይምሃብ ግና ውጽኢት መጻኢ  ቃልስኻ ኣብቲ ቦታ፡ ትሕቲ ናይተን እተነኣእሰን ውዳበታትን ግንባራትን ናይ ምዃኑ ዕድል ሰፊሕ እዩ።

“መቃለሲ ቦታ ባዕልና እምበር ህግደፍ ኣይመርጸልናን’ዩ፡ ኢትዮጵያ ኮነት ካልኦት ጐረባብቲ ሃገራት ከኣ “ንዓና ሓራም ንህግደፍ ግና ሓላል ኣይኮናን” ምባል ግጉይ ኣይኮነን። ብመጽርዚ ኣብዚ ቀረባ ሰሙናት ኣብ ኢትዮጵያ “ግንባር ብርጌድ ንሓመዱ መስሪተ ኣለኹ” ብዝብል ዝተዘርግሐ ሓበሬታ፡ ናይ ስም ለውጢ እንተዘይኮይኑ፡ ካብ ሓያሎ ዓመታት ጀሚርካ ዝነበረ ተበግሶ እምበር ሓድሽ ከምዘይኮነ ቅድሚ ኩሉ ምስትብሃል የድሊ። ነቶም ግንባር መስሪትና ዝበሉ፡ “ኣብኡ ኰንኩም እተካይድዎ ቃልሲ እንታይ እዩ?፡ ናይቶም ኣብኡ ንክትቀሳቐሱ ዝፈቐደልኩምን እትዛመድዎም ዘለኹምን ኣካላት ርኢቶ ብዛዕባ  መጻኢ ዕድል ኤርትራን ህዝባን ከመይ’ዩ?፡ ሕቶ ኣፍደገ ባሕርን ወደብ ዓሰብን ኢትዮጵያ፡ ከምዚ ዓለምና እትከታተሎ ዘላ እንተኮይኑ፡ ንስኻትኩምከ  ብኸመይ ኢኹም ትግንዘብዎ? ኣካይዳኹምከ  ትካላውን ስርዒታውን መልክዕ ኣትሒዝኩምዎ ዲኹም? ……ወዘተ” ፡ ዝብሉ ሕቶታት ክቐርብዎም እንከለዉ፡ ከም ናይ ሓሳብ ብዙሕነት ጸጋ ኣብ ክንዲ ምቕባል፡ “ስለምንታይ ንኺድ ጥራይ”  ዘይበልኩምና ኢልካ ምቑጣዕን ምንጽርጻርን ቅኑዕ ኣይኮነን።   

ጉጅለ ህግደፍ “መንገድኻ መንገዲ ደሓን ኣይኮነን እሞ፡ ካብ ናትካ ዝሓሸ ሓሳብ ኣለና”  ክበሃል እንከሎ፡ ካብ ዝወስዶ ተጻባኢ ስጉምቲ፡ ነቶም ተወዲቦም ከምኡ ዝብልዎ፡ ኣጸሊምካ ካብ ህዝቢ ከም ዝንጸሉ ናይ ምግባር ዘይዕዉት ወስታ እዩ። ኣብ ዝሓለፈ ግዜ ኣብ ልዕሊ ተቓወምቲ ውድባት ኤርትራ ዝበሃሉ ዝነበሩ፡ “ልኡኻት ወያነ፡ መልመጽቲ ሻሓኒ ወያኔ፡ 5ይ መስርዕን ከደዓትን” ዝብሉ ኣሉታዊ ሓረጋት ምልጣፍ፡ ናይቲ ዘይጸዋር ባህሪኡ መርኣያ እዩ። ኣብዚ እዋንዚ ከኣ በቶም ኣብ ኢትዮጵያ ግንባር ብሪጌድ ንሓመዱ መስሪትና ዝበሉ ኣካላት፡ “ስለምንታይ ኣብቲ ዝወሰድናዮ ስጉምቲ ዝተፈልየ ርኢቶ ተንጸባርቑ” ብዝብል ቁጠዐ፡ ክሳብ “ንተቓወምቲ ውድባት ምስ ዝርዝር “ጸላእትና” ዝብልዎም ምስራዕን “ህግደፍ ቁጽሪ 2” ዝብል ሓድሽ ናይ ጸለመ ቅጽል ናብ ምልጣፍ ምህዋኾም፡  ኣካይዳ ህግደፍ ከም ምድጋም ስለ ዝመስል፡  ኣዝዩ ጥንቃቐ ዘድልዮ እዩ። እዚ ህዉኽ ኣካይዳ ሓድነት ሓይልታት ለውጢ ካብ ምዝራግን ዓቕሞም ካብ ምድኻምን ከምኡ’ውን መፍቶ ህግደፍ ካብ ምኻን ሓሊፉ ፋይዳ ከምዘየሉ ምግንዛብ’ውን ኣገዳሲ’ዩ። ብዓብይኡ ከኣ ኣብ ክንዲ ዓቕሚ ምእካብ ዝተኣከበ ምብታን ዘኸትል’ዩ።

 ነቲ “ኢትዮጵያ ሃገር እያ፡ ግና ድማ ብዘይኣፍደገ ባሕሪ ሃገር ኮይና ኣይክትቅጽልን እያ” ዝብል ቀዳማይ ሚኒስተር ዝመርሖ መንግስቲ ኢትዮጵያ፡ “ንኣምኖ ኢና፡ ደሓር ድማ ንዓና ዝምልከተና ናይ ስርዓት ለውጢ (regime change) እምበር፡ ጉዳይ ልኡላውነት ኣይኮነን” ዝብል ብሂል፡ እቶም በሃልቱ ተመሊሶም ክምርመርዎ ዘለዎም እዩ። ከምዚ ዝኣመሰለ ናይ ቅድሚ ሕጂ ኣርሒቑ ዘይጥምት ስንኩፍ ኣተሓሕዛ ህግደፍ፡  ክሳብ ክንደይ ዋጋ ከም ዘኽፈለና ተመሊስካ ምዝካር’ውን የድሊ።

 ካብዚ ሓሊፉ ኩሉ’ቲ ኣብ ኢትዮጵያ ክንገብሮ ኢና ዝበሃል ዘሎ መብጸዓታት፡ ምምስራት ወተሃደራዊ ክንፍታት ከይተረፈ፡ ቅድሚ ሕጂ ዝነበረ እምበር ሓድሽ ከምዘይኮነ ኣስተውዕሉ።   ስለዚ እቲ ኣቓልቦ ዘድልዮ፡“ኣበይ ኮይና ንቃለስ” ዝብል ጥራይ ከምዘይኮነ ብምግንዛብ፡  ምስ’ቲ ወስትታት መንግስቲ ኢትዮጵያ፡ ልኡላዊ ቀጻልነት ህዝብን መሬትን ኤርትራ ብዘይትንክፍ፡ “እንታይ ኢና ክንገብር ንኽእል?”  እዩ  ክትኮረሉ  ዝግባእ።

ህዝቢ ኤርትራ ድሕሪ ነጻነት እውን ግዳይ ህግደፍ ኮይኑ፡ ብትሕዝቶኡ ካብ ናይ ግዜ መግዛእቲ ዘይፍለ ህይወት ዘሕልፍ ዘሎ ምዃኑ ርኡይ እዩ። ምረትን ክብደትን ናይቲ ኣብ ልዕሊኡ ክፍጸም ዝጸንሐን ዘሎን ባዕሉ ዝሓልፎ ዘሎ ስለ ዝኾነ፡  ናይ ካልእ ኣካል መብርህን ምስክረነትን ዝደልየሉ ኣይኮነን። ሕብርተሰብ ዓለም እውን ንኩነታት ኤርትራ ብቐረባ ተኸታቲሉ ንተግባራት ህግደፍ ከውግዞ  ዝጸንሐን ዘሎን ስለ ዝኾነ ብዛዕባኡ ከም  ሓድሽ ተርእዮ ክንገሮ ዝጽበ ኣይኮነን።

ኣብ ኤርትራ ብህዝብን ዝተፈላለዩ ፖለቲካዊ ውዳቤታቱን ምንቅስቓሳቱን  ዝካየድ ዘሎ ቃልሲ፡ ሓደ ካብ መልእኽታቱ፡ ንኤርትራን ህዝባን ኣደዳ ግዳይ ህግደፍ ካብ ምዃን ንምድሓኖም እዩ። ምኽንያቱ ፡ ኣብ ኤርትራ ውሑስ ሓርነት  ከይተረጋገጸ ህዝቢ ምሉእ ብምሉእ  ግዳይ ህግደፍ ካብ ምዃን ስለዘይድሕን።  ናይቲ ብዝተፈላለዩ መልከዓት ውዳበን ኣተሓሳስባን  ኣንጻር ህግደፍ ዝቃለስ ዘሎ ኤርትራዊ ፖለቲካዊ ዓቕምታት፡ “መጻኢት ኤርትራ ከመይ ትኹን?” ኣብ ዝብል፡ ነናቱ እማመታት ከም ዝህልዉዎ ርዱእ ኮይኑ፡ ቅድሚ ኩሉ ግና ህዝብን ሃገርን ግዳይ ህግደፍ ካብ ምዃን ምድሓን  ናይ ኩሎም ማእከላይ እምንቶን ተልእኮን እዩ ክኸውን ዝግባኦ። ስለዚ ድማ እዩ፡ እቲ ንህዝቢ ኤርትራ ካብ ጭቆና ህግደፍ ናይ ምንጋፍፉ ዕማም ሓባራዊ እምበር፡ በበይንኻ ብዝካየድ ወፍሪ ዝዕመም ከም ዘይኮነ፡ ኣብ ተመኩሮና ብግብሪ ዝተጋህደ። እቲ ናይ ለውጢ ኣካላት ዝፈላልዮን ዘሰማመዖን ኣለሊዩ፡ ብውሕዱ ብንኡስ መደባት (minimum program) ብሓባር ብሰንኪ ዘይምስጓሙ ኣብ ልዕሊ ህግድፍ ከድምዕ ዘይምኽኣሉ፡ ድሕሪ ሕጂ ክማሃረሉን ከእርሞን ዝግበኦ ተመኩሮ እዩ።  

ህግደፍ ንህዝቢ ኤርትራ ግዳይ ዝገብሮ ዘሎ፡ በቲ ኣብ ውሽጢ ሃገር ክንድቲ ዝደልዮ ከይስጉምን በቲ ዝኣምነሉ ከይሓስብን ዘሪዕዎ ዘሎ ጥራይ ዝግለጽ ኣይኮነን። ኣብ ወጻኢ እውን ነቲ ብሰንኩ ዝተሰደ ኤርትራዊ  እናሰዓበ መቐጸልታ ናይቲ ኣብ ገዛእ ሃገሩ ዝበደሎ፡  ግዳይ ካብ ዝገብሮ ነዊሕ ግዜ ኮይኑ እዩ። ነቲ ኣብ ስደት ብዝረኸቦ ሓሳብካ ናይ ምግላጽ ነጻነትን ዲሞክራሲያዊ መሰልን ተጠቒሙ “እምቢ ግዳይካ ኣይከውንን እየ”  ዝበለ ኤርትራዊ መንእሰይ ክሳብ ክንደይ የጨንቖ ከምዘሎ፡ ነቲ ካልእ ነውራምን  ዘሰክፍን ዝርዝር ገዲፍካ፡ ሬሳኡ ኣብ ሃገሩ ሓመድ ከይለብስ ክሳብ ምኽልካል ዝበጽሕ እኩይ ተግባር እዩ።

እቲ ኣብ ኤርትራ ከም ቁርዲድ ምስ ህዝቢ ተላሒጉ ደም ዜጋታት ዝመጥጥ  ዘሎ ጉጅለ፡ ካብ ኤርትራ ወጻኢ ምስ ዝተፈላለዩ ኣካላት ብሰንኪ ዘባርዖ  ውግኣት፡ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ክወርድ ዝጸንሐ ጉድኣት፡ በቶም ኣብቲ ውግኣት ግዳይ ዝኾኑ ኣባላት ሰራዊትን ሻቕሎት ስድራቤቶምን ጥራይ ዝርአ ኣይኮነን። ኣብተን  ህግደፍ ዝበኣሰን ሃገራት ዝነብር ኤርትራዊ እውን ክሳብ ክንደይ ግዳይ ክኸውን ከም ዝጸንሐ ናይ ካልእ ምስክርነት ዘይንሓተሉ ኣብ ሕልና ነፍሲወከፍና ዘሎ ቁስሊ እዩ።  ድሕሪቲ ኣብ ትግራይ ንክልተ ዓመታት ዝተኻየደ ውግእ 2020-2022 ኣብ ልዕሊ እቶም ኣብኡ ተዓቚቦም ዝነበሩ ኤርትራውያን መንእሰያት ስደተኛታት ዝወረደ ሞት፡ ስቓይን ዳግማይ ስደትን ሓደ ካብ  መርኣያታት ህዝብና ግዳይ ህግደፍ ናይ ምዃኑ እዩ።

ህግደፍ ካብ ህዝቢ ኤርትራ እንተተነጺሉ፡ “ካብ ማይ ከም ዝወጸ ዓሳ” ከምዝኸውን ኣጸቢቑ  ስለ ዝርዳእ፡ ንኹሉቲ በይኑ ገዛ ዓጽዩ ዝኣልሞ ተንኮላትን ዝውጥኖ ውግኣትን “ምስ ህዝቢ ተማኺሩ ንረብሓን መሰልን ህዝቢ ዝኸፈሎ ዋጋ”  ኣምሲሉ ከቕርቦ ከምዘይሓፍር ብተግባር ዘርኣዮ’ዩ። ብኸምዚ ከኣ ነቲ ኣብ ግዜ ራህዋ ክንዲ ፈረ ኣድሪ ዘይርእዮ ህዝቢ፡  ኣብቲ ንዓኡ ዝድልዮ ኣጋጣሚታት ይብለጸሉ። “ህግደፍን ህዝቢ ኤርትራን ናይ ሓደ ቅርሺ ክልተ ገጻት እዮም” ንዝብል ናይ ሸፈጥ መዝሙር ከኣ ኣብቲ ዘድልዮ እዋን እዩ ዘበርኾ።  እቲ ሰንካም ጉጅለ ኣብ ከምዚ ዝኣመሰለ ተዋሰኦ ዘኹድድ ህዝቢ ኤርትራ ናብ ድላዩ ዝጥምዘዞ እምበር፡ “ኣነ የለኹሉን እሞ ብስመይ ኣይትዋገ” ኢሉ ከምዘየቃልዖ ስለ ዝድንድኖ እዩ። እዚ እውን ካልእ መልክዕ ነቲ ህዝቢ ግዳይ ናይ ምግባሩ ብደዐ እዩ።

ብሓፈሻ ኣብ ኩለን ህግደፍ በብግዜኡ ህውከት ዝፈጠረለን፡ ሃገራት ዝነብር ኤርትራዊ፡ ብፍላይ ድማ ብሰንክ’ቲ  ናይ 1998-2000 ውግእ ኤርትራን ኢትዮጵያን ኣብ ልዕሊ ኣብ ኢትዮጵያ ዝነበሩ ኤትራውያን ዜጋታት፡’ ዝወረደ ክሳብ ሎሚ ስንብራቱ ዘይሓወየ፡ ግዳይ ዝኾነሉ ሕሱም ተዘክሮ እዩ። እንተ ህግደፍ እቲ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ዝወርድ ነገራውን ስነ-ኣእምሮኣውን በሰላ ከይዓጠጦ፡ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ንዝተፈጸመ በደል፡ ከም ናይ ፕሮፖጋንዳ ስራሓቱ መመላኽዒ እዩ ተጠቒምሉ።  እቲ ዘሕዝን ከኣ ናይዚ ተንኮላት ግዳያት ኮይኖም ክንሶም፡ ሎሚ’ውን ንህግደፍ “ክንሞተልካ ኢና” ዝብልዎ ውሑዳት ኣርሒቖም ዘይሓስቡ  ምህላዎም እዩ።

ህዝቢ ኤርትራ ነዚ በብግዜኡ እሞ ኣብ ብዙሕ ኣጋጣምታት ግዳይ ዝኾነሉ ሕማቕ ተመኩሮ ንድሕሪት ተመሊሱ’ኳ ክቕይሮ እንተዘይከኣለ፡ ኣብ መጻኢ ንከይድገም  ክመሃረሉ ግና ናይ ግድን እዩ። ኣብዚ እዋንዚ’ውን ብሰንኪ ብዝሓለፈ ዘይምምሃርን በቲ ብተደጋጋሚ ዘጋገየካ ህግድፍ ብምዕሻውን ኤርትራውያን ኣብ ዝተፈላለዩ ኩርነዓት ግዳይ ይኾኑ ኣለዉ። ኣብዚ እዋንዚ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ኣብ ልዕሊ   ኤርትራውያን ዘጋጥም ዘሎ ማእሰርቲ፡ ኣገዲድካ ናብቲ ጨካን ስርዓት ምምላስን ካልእ ስግኣትን ይፍጠር ምህላዉ ከኣ፡ መቐጸልታ ናይቲ  ዝጸንሐ  ግዳይ ህግደፍ ናይ ምዃን ሓደጋ እዩ። ኣብዚ ዘይሓላፍነታዊ ተግባራት ሓይልታት ጸጥታ ኢትዮጵያ’ውን ከይጠቐስካዮ ዘይሕለፍ እዩ። ኣብ ዝተፈላለዩ ኩርነዓት ዓለም ብዛዕባቶም ነቲ ዘይእመን ጉጅለ ህግደፍ ኣሚኖም “ደገፍቲ” ኢና ክብሉ ዝጸንሑ ኤርትራዊ ወገናት ዝስማዕ ዘሎ ወረ ሎሚ’ውን ዘቕስን ኣይኮነን።

ስለዚ ህግደፍ ኣብ መጻኢ’ውን ህዝቢ ኤርትራ ግዳዩ ዝኾነሉ ምህዞታት ካብ ምፍጣር ንድሕሪት ከምዘይምለስ ብምግንዛብ፡ “ክሳብ መዓስ ግዳይ ህግደፍ ምዃን?” ክብል ዝግበኦ ህዝቢ  ባዕሉ እዩ እሞ፡ ግዜኡ ከኣ ጽባሕ ዘይኮነ ሎሚ ይኹን ንብል።

ኣብዚ እዋንዚ ኣብ መንጎ ኤርትራን ኢትዮጵያን ዝረአ ዘሎ ወጥሪ፡ ኣብ ዞባና ዝዓበየ ኣጀንዳ ኮይኑ’ሎ። ብዛዕባዚ ዞባና ኣፍልጦን ተመኩሮን ዘለዎም ፖለቲከኛታትን ትካላትን ካብ ዝተፈላለዩ ኩርነዓት ዓለም  እዚ ወጥሪ “ናብ ውግእ ክዓርግ ይኽእል’ዩ” ዝብል ኣስጋኢ ግምት ኣለዎም። ውሑዳት፡ “ኣፍኩም ይስዓር” እንብሎም ወገናት ግና፡ “እዞም ዝፈኻኸሩ ዘለዉ መንግስታት ካብ ዘቤታዊ ኣጀንዳኦም ክሃድሙ እምበር እቲ ምውጣጥ ናብ ውግእ ኣይከዕርግዎን’ዮም፡” ዝብል ግምት ኣለዎም። ኣብ ርእሲ’ዚ እቲ ብቐጻሊ ዝለዓል “እንታይ እዩኸ ኣራኺብዎም?”  ዝብል ሕቶ እዩ።

ናይቲ “እንታይ እዩ ኣራኺብዎም?” ዝብል መሰረታዊ ሕቶ መልሲ፡ ብዝተፈላለዩ ወገናት ዝቐርብ ዝተፈላለየ  ትሕዝቶ ዘለዎ’ኳ እንተኾነ፡ ብመንግስቲ ኢትዮጵያ ብቐጻሊ ዝቐርብ ክቱር ህርፋን ኣፍ ደገ ባሕሪ ኣሎ። ብወገን ኤርትራ ግና  ብዛዕባዚ ኣሻቓሊ ኮይኑ ዘሎ ኣጀንዳ፡ ብዘይካቲ ብሚኒስቴር ዜና ሓሓሊፉ ኣብ ማሕበራዊ መዲያ ዝወጽእ ዝተቆራረጸ ሓሳብ፡ ስሩዕን ቀጻልን መብርሂ የለን። እዚ ማለት ግና ምምሕዳር ህግደፍ በቲ ኩነታት ይሰግእ የለን ማለት ኣይኮነን። ድሌት መንግስቲ ኢትዮጵያ ዋላ’ኳ ብሓደ ሓደ ወገናት ዘይምልክዑ ኣትሒዝካን ኣጸባቢቕካን ክቐርብ ዝፍተን እንተኾነ፡ መሰረታዊ ትሕዝተኡ፡ “ልኡላውነት ሃገር ደፊርካ ኣፍደገ ቀይሕ ባሕሪ ምውናን ምዃኑ” ብልሳን ዝለዓሉ መራሕቲ ናይቲ መንግስቲ ተደጋጊሙ ዝበሃል ዘሎ ጋህዲ እዩ። እቲ ጠመተ ናብ ገማግም ባሕሪ ካልኦት ሃገራት ዘይኮነ፡ ናብ ኤርትራ ዝዓለመ ምዃኑ ከኣ፡ እቲ ብሓለፍትን መዲያታትን  ኢትዮጵያ ክኮማሳዕ ዝውዕል ወደብ ዓሰብን፡ ነቲ ኩነታት  ምስ ዝሓለፈ ፖለቲካዊ ታሪኽ ኤርትራን ኢትዮጵያን ንም እስሳሩ ህርድግ ምባልን  እኹል  መረጋገጺ እዩ።

ኢትዮጵያ ምስ ብዙሓት ኣፍደገ ባሕሪ ዘለወን ሃገራት እትዳወብ ስለ ዝኾነት፡ ሕቶኣ ከም ናብ ኤርትራ ጥራይ ዘየቕነዐ ሓፈሻዊ ጠለብ ኣምሲልካ ከተቕርቦ ምፍታን’ውን ኣሎ። እዚ ግን፡ “ወደብ ዓሰብ ናይ ኢትዮጵያ ኮይኑ ኣይፈልጥን” ዝብል ሓረግ ትደጋግም ኮንካ ከተብቅዕ፡ ንመዕሸዊ ዝመሃዝ፡ ካብ ክውንነት ሓቅን ዝረሓቐ ምስምስ እዩ። እዚ ድፍረት ነቲ ኤርትራ ኣብዚ ዘላቶ ደረጃ ልኡላውነት ንክትበጽሕ ህዝባ ዘካየዶ መሪር ቃልስን ዝረኸበቶ ዓለም ለኻዊ ተቐባልነትን ዘንጊዕካ፡ ኢትዮጵያ ሓንቲ ካብተን ኣፍደገ ባሕሪ ዘየብለን 44 ሃገራት ዓለም ንክትከውን ዝገበረ፡ ሸርሒ ዝተሳዕረ ኢትዮጵያዊ ምምሕዳር ከም ዝኾነ ኣምሲልካ ዝቐረብ ኣዝዩ ስስዕቲ ዝመልኦ ጠቐነ እዩ።

እቲ ካልእ ድሌት ኢትዮጵያ፡ ብንጹር ኣገልግሎት ወደብ ንምርካብ ዘይኮነ፡ ኣፍደገ ባሕሪ ንምውናን ምዃኑ ዘርኢ ግሁድ መርተዖ፡ ኣብቲ ዝሕለም ኣፍደገ ባሕሪ፡ እተስፍሮ ሓይሊ ባሕሪ ትዕልምን ተዕጥቕን ምህላዋ ደጋጊማ  እትገልጾ እዩ። መራሕታ’ውን ኣብ ቀረባ ግዜ “ኣባል ማሕበረሰብ ቀይሕ ባሕሪ ክንከውን ኢና” ክብሉ ይስምዑ እዮም። ስለዚ  ድሌት ኢትዮጵያ ኪኖ ኣገልግሎት ወደብ ዝምጠጥ፡  መንቀሊኡ ዘይሕጋውን ልኡላውነት ዝግህስን ስለ ዝኾነ፡ ክሳራ ከስዕብ እንተዘይኮይኑ፡  ከምዘይሰምር ርዱእ እዩ። ህርፋን ኣፍደገ ባሕሪ ኢትዮጵያ ናብ ጅቡቲ’ውን ቀሪቡስ ኣብዚ ቀረባ ግዜ “ጅቡቲ  ክሪም ኣይኮነትን” ብዝብል ዘየወላውል ምላሽ  ከም ዝተነጽገ ናይ ቀረባ  ፍጻመ  እዩ።

ኢትዮጵያ ኣፍደገ ቀይሕ ባሕሪ ንክትውንን እትመርኮሰሉ መርተዖ፡ ከምቲ “ወዮ ተቓሊስናስ ተዋዲቕና” ዝበሃል፡ ነቲ ኣብ መንጎ ህዝቢ ኤርትራን ገዛእቱ ስርዓታት ኢትዮጵያን ዝነበረ እሞ ብምርግጋጽ ልኡላውነት ኤርትራ ዝተዓጽወ፡ ፋይላት ንድሕሪት ተመሊስካ  ምግንጻል እዩ። ካብዚ ሓሊፉ ኣብ ቅድሚ ኣህጉራዊ ሕግታት ኮነ ሕበረተሰብ ዓለም ቦታ ዘይወሃቦም ምኽንያታት ብምጽፍጻፍ፡ “4 ሚልዮን ዘይመልእ ህዝቢ ዘለዋ ኤርትራ 2ተ ወደባት ክህልዋ፡ ከመይ ኢላ ልዕሊ 100 ሚልዮን ህዝቢ ዘለዋ ኢትዮጵያ ወደብ ኣልቦ ትኸውን?” ዝብል ሕቶ ክቐርብ ምስማዕ’ውን፡ ልሙድን ዘገርምን ኮይኑ ኣሎ። ኢትዮጵያ “ቅልጡፍ ቁጠባዊ ዕቤት ተርኢ ዘላ ሃገር ስለ ዝኾነት፡ ብዝኾነ መንገዲ ኣፍደገ ባሕሪ ክትውንን ናይ ግድን እዩ”  ዝብል ከኣ  ናይ ብዙሓት ኢትዮጵያውያን “ግጉይ መውጽእ ኣፍ” ኮይኑ ዘሎ እዩ። ነቲ ኮለል ንምሕጻሩ እምበኣር፡  ሎሚ ናብ ቅድመ-ምክፍፋል ኣፍሪቃ ብኤውሮጳውያን ተመሊስካ፡ ንኣፍሪቃ ናብቲ  ብልዕሊ 10 ሺሕ ምምሕዳራዊ ክልታት ተኻፋፊላትሉ ዝነበረት መዋእል ምምላሳ ሰለ ዘይከኣል፡ ነቲ ውድብ ሓድነት ኣፍሪቃ ብ1963 ዝበጸሖ ስምምዕ ኣኽቢርካ ካብ ምቕጻል ካልእ መተካእታ የለን። 

“ኢትዮጵያ ብኸመይ እያ ወናኒት ኣፍደገ ባሕሪ ክትከውን ትውጥን ዘላ?” ዝብል  ድማ ካልእ ኣዛራቢ ኮይኑ ዘሎ እዩ። ኣብዚ’ውን ነቲ ሓቀኛ ድሌት ንምሽፋን ብዙሓት ውጥም ቅልቅል ዝብሉ ብሂላት ኣለዉ። እቲ ዝያዳ በሪኹ ዝስማዕ ከኣ “እንተተኻኢሉ ብሰላማውን ብዲፕሎማሲያውን መንገዲ፡ ብኸምኡ እንተዘይሰሊጡ ከኣ ብዝኾነ ኣገባብ” ዝብል ናብ ሓይሊ ዝመጣጠር እዩ። ብላዕለዎት ኣዘዝቲ ሰራዊት ኢትዮጵያ “ወተሃደራት ብጻዕቂ ነሰልጥንን ኣጽዋር ንሽማትን ዘለና፡ ነቲ ኣጋጢሙና ዘሎ ንኡስ  ዘቤታዊ ጐንጽታት  ንምዕጋስ ዘይኮነ፡ ካብኡ ንዝዓበየ ተልእኮ’ዩ”  ክበሃል ብተደጋጋሚ ዝተሰምዐ እዩ። እዚ ዘረደኦ ምውናን ኣፍደገ ባሕሪ ብቐጥታ ልኡላውነት ስለ ዝግህስ፡ ብዲፕሎማሲ ናይ ምፍታሕ ዕድሉ ጸቢብ ብምዃኑ፡ ናብ ምጥቃም ሓይሊ ከም ዝወስድ ኣዝዩ ተገማቲ’ዩ። “ንኤርትራ ከም ጋዛ ክንገብራ ኢና” ዝተባህለሉ ኣጋጣሚ’ውን ዝርሳዕ ኣይኮነ። “ባህላዊ በዓል ኦሮሞ እርቻ ኣብ ዓሰብ ከነኽብሮ ኢና”  ዝተባህለሉ ኣጋጣሚ ምንባሩ’ውን  ሸለል ኢልካ ዝሕለፍ  ከምዘይኮነ ምግንዛብ ኣገዳሲ እዪ።

ኣብዚ ኣብ መንጎ ክልቲኦም መንግስታት ካብ መዓልቲ ናብ መዓልቲ ዝዓርግ ዘሎ ወጥሪ፡ ግደ ህዝቢ ኤርትራ እንታይ ከም ዝኸውን ምርኣዩ ኣገዳሲ እዩ። ብመሰረቱ ንልኡላውነቱ ኣብ ምልክት ሕቶ ዘእቱ  ብምዃኑ፡ ህዝቢ ኤርትራ ንፈንጠርጠር ኢትዮጵያ ብፍሉይ ትኹረት ክጥምቶ ናይ ግድን’ዩ። እንተኾነ ህግደፍ ግደ ህዝቢ ዕዙዝ ክነሱ፡ ግቡእ ግምት ስለ ዘይህቦ፡  ብታሕቲ ታሕቲ እንተዘይኮይኑ፡ ብዛዕባ’ዚ ዓብይ ጉዳይ እንታይ ይበሃልን ይግበርን ከምዘሎ፡ ንህዝቢ ዝህቦ ሓበሬታ ካብቲ ክኾኖ ዝነበሮ ንታሕቲ’ዩ።  እዚ ከኣ ህግደፍ ከምቲ ልማዱ  ናብ ውግእ ካብ ምጥባስ ሓሊፉ፡ ንግደ ህዝቢ ግቡእ ግምት ዘይህብ ምዃኑ ዘርኢ እዩ።  “ውግእ እንተተኸፊቱ፡ ህግደፍ’ውን ሓቢሩ ይወድቕ እሞ፡ ብኡንብኡ ሕቶ ለውጢ ህዝቢ ኤርትራ ይምለስ”፡  ዝብሉ የወሃት ወይ ጐረሓት ይስምዑ እዮም። ኣብዚ እቲ መሰረታዊ ለውጢ ናይ ምምጻእ  ሓላፍነት ናይ ህዝቢ ኤርትራ ምዃኑን ውጽኢት ለውጢ ከኣ ንባህጊ መምጽኢኡ ከም ዝመስልን ምግንዛብ ኣገዳሲ እዩ።

እንተ’ቲ ብዛዕባ ኣገልግሎት ወደብ ዝምልከት፡ “ኢትዮጵያን ደላይት ኤርትራ ከኣ ተዓባይት” ዝኾናሉ ዘይኮነ፡ ብኣህጉራዊ ሕግን ናይ ኣጠቓቕማ ውዕልን እናተቐለሰ፡ ብማዕረ ዘርብሐን እዩ ዝኸውን ዝግባእ። ኣብ መወዳእታ’ውን እቲ መፍትሒ ዘይሩዘይሩ ኣህጉራዊ ተቐባልነት ብዘለዎ ሕጋዊ ስምምዕ እምበር፡ ብሓይሊ ዝዛዘም ከምዘይከውን  ዘጠራጥር ኣይኮነን።

ኣብዚ እዋንዚ ካብ ዝተፈላለዩ ኩርነዓት ዓለም ወረ ውግእ ኣብ ዝስመዓሉ ዘይቅሱን ህሞት ኢና እንርከብ ዘለና። እዚ ዘየቕስን ወረ ብፍላይ ኣብ ከባቢና ኣዝዩ ዝንህር ዘሎ እዩ። ናይዚ ስግኣታት ቀንዲ ጠንቅን ካብ ኣመጻጽእኡ ጀሚርካ ዝሕተትሉን ዘይሓላፍነታውያንን ስሱዓትን መንግስታት ምዃኖም ዝከሓድ ኣይኮነን።

እቲ “መጻእኩ” ዝብል ዘሎ ስግኣታት ውግእ፡ ብውሕዱ ክልተ መልከዓት ኣለዉዎ። እቲ ሓደ መልክዑ ኣብ መንጎ  ጐረባብቲ ሃገራት ዘሎ ምውጣጥን ምክሳስን ክኸውን እንከሎ፡ እቲ ካልእ ገጹ ከኣ ነፍሲ ወከፍ ሃገር ኣብ ውሽጣ ትሕመሶ ዘሎ ወጥሪ እዩ። ኣብ መንጎ ኤርትራን ኢትዮጵያን፡ ኣብ መንጎ ኢትዮጵያን ሱዳንን፡ ኣብ መንጎ ሱዳንን ቻድን ኣብ መንጎ ግብጽን ኢትዮጵያን ዘሎ ናብ ዝገደደ ከይዓርግ ዘስግእ ምፍጣጥ ናይቲ ኣብ ሕድሕድ እተን ሃገር ዘሎ ወጥሪ መርኣያ እዩ። እተን ዘይጠቐስናየን ሃገራት ከባቢና  እውን መምስ ጐረቤተን ዘለወን ዝምድና “ዘቕስን”  ኣይኮነን።

ናይዘን ሃገራት ዘይቅሱን ሃለዋትን ዝምድናን ካብኣተን ጀሚሩ ኣብኣተን ዝውዳእ ዘይኮነ፡ ካብ ርሑቕ፡ በብናቶም ሕሳብን ረብሓን ዘንቀሳቕስወን፡ ዘዕጥቕውንን ዘስንቕወንን ሓያላትን ሃብታማትን ሓይልታት ኣለዉ። እምብዛ ርሑቕ ከይከድና ኣብ ጉዳይ ከባቢና፡ ሳዑዲ ዕረቢያን ሕቡራት ዓረብ ኢማራትን ኣብ ምግዳድ ኣስማተን ተደጋጊሙ ክጥቀስ ልሙድ ኮይኑ ዘሎ እዩ። ንሃገርናን ጐረባብታን ዝመርሑ ዘለዉ መንግስታት ናብ ከምዚ ዝኣመሰለ ተለኣኣኽነት ንክወድቁ ናይተን ሃገራት ቁጠባዊ  ድኽነት ግደ ኣለዎ። እቲ ቀንዲ ግና ንዓሚቕ ትርጉም ናይቲ ብምክኣልን ምጽውዋርን ዘተግበር፡ “ኣብ ክንዲ ተጐራሪሕካ ዓዲ ምፍራስ፡ ተገራሪህካ ዓዲ ምህናጽ”  ክቕበሉ ቅሩባት ዘይምዃኖም እዩ።

እቲ ካልእ ገጽ ናይቲ  ጸገማት፡ ኣብ ነፍሲ ወከፍ እተን ሃገራት ዘሎ ኩለ-መዳያዊ ቅልውላውን ናይ ሕድሕድ ውግኣትን እዩ። ኣብ ኤርትራ ድምጺ ጥይት ስለ ዘይስማዕ ጥራይ፡ ገሊኦም ብገርሂ ገሊኦም ድማ ብጉርሒ “ኤርትራ ኣብዚ ከባቢ ናይ ሰላምን ቅሳነትን ኣብነት’ያ” ከም ዝብልዎ ዘይኮነ፡  ካብ ውሽጣዊ ቅልውላውን ናይ ኣተሓሳስባ  ፍልልያትን ነጻ ከም ዘይኮነት፡ ነቲ ብስዉር ዝጠፍእ ህይወትን ንብረትን ገዲፍካ፡ እቲ ንለውጢ ክካየድ ዝጸንሐን  ዘሎን ቃልሲ መስካሪ እዩ። እዚ ከኣ ዘተኣማምን ሰላም ተኲሲ ብዘይምህላው ጥራይ ዝግለጽ ከምዘይኮነ ዘረድእ እዩ።

ኣብ ኢትዮጵያ ብኣርባዕቲኡ ማእዝናት ዝካየደ ዘሎ ውግእ ሕድሕድን ቁጠባዊ ድቀትን ዘውርዶ ዘሎ ክሳራን ዘሕድሮ ዘሎ ስግኣትን ኣብ ዓለምለኻዊ መድረኻት ከይተረፈ ኣዛራቢ ኮይኑ ዘሎ እዩ። ኣብ ሱዳን ዘሎ ምትህልላቕን ዘኸተሎ ዘሎ ናይ ሰባት ምምዝባልን ከምኡ እውን ናይ ትሕተ-ቅርጻ ዕንወት ምግማቱ ዘጸግም ኮይኑ ይቕጽል ኣሎ። ጽልዋኡ ናብ ኤርትራ ከይልሑኽ እውን ዘስግእ’ዩ። ሶማሊያ በቲ ሓደ ወገን ኣብ መንጎ ማእከላይ መንግስትን ክልላትን ዘሎ ምስሕሓብ፡  በቲ ካልእ ድማ ምስ ኣልሸባብ ዘለዋ ምትሕንናቕ ካብ ዓቕማ ንላዕሊ ኮይኑ ብናይ ካለኦት ሃገራት ወተሃደራት እትሕሎ ዘላ ሃገር እያ።  ነዚ ኩሉ ኣብ ግምት ኣእቲኻ እምበኣር፡ ዞባና ክሳብ ክንደይ ኣብ ኣዝዩ ዝተሓላለኸ ኣስጋኢ ወጥሪ ምህላዉ ዘገንዝብ እዩ።

እቲ ዝያዳ ኣድህቦ ዘድልዮ ከኣ፡  ብሓደ ወገን ኣብ ዘቤታዊ ሓላፍነቱ  ቅሳነትን ስኒትን ዘይፈጠረ መንግስቲ፡ ንጐረቤት ክሕግዝን ሰናይ ክሓስብን ከምዘይክእል’ዩ። በቲ ካልእ ወገን ድማ ምስ ጐረባብቱ ምትሕብባርን ሰላምን እንተዘይሃልዩ፡ በይንኻ ናይ ቅሳነት ደሴት ክትከውን ከምዘይከኣል ምምልካት እዩ። እዚ ዘርእዮ ከኣ ምስ ጐረቤት ሃገር ዘለካ ጸገምን ኣብ ውሽጥኻ ዘሎ ዘይቅሱን ኩነታትን ነጻጺልካ ዝረአዩ ዘይኮኑ ኣብ ሕድሕዶም ተጸላለውቲ ምዃኖም እዩ። ከም መርኣያ ናይቲ ኣብ መንጎ ኤርትራን ኢትዮጵያን ዘሎ ምትፍናን ህግደፍ ንጉጅለ ፋኖ ኣምሓራ የዕጥቕን የስንቕን ኣሎ ካብ ዝበሃል ነዊሕ ግዜ ኮይኑ እዩ። ዝምድና ኤርትራን ኢትዮጵያን ንቡር  እንትዝነብር ህግደፍ ምስ  ፋኖ ኣይምስተጫነወን። “ትማሊ ኢትዮጵያ ከይትፈርስ ክንቃለስ ኢና”  ዝብል ዝነበረ ህግደፍ ሎሚኸ ኣበይ’ሎ? የገርም።

ኢትዮጵያ ኣብ ጉዳይ ሱዳን ናይ ኢማራት መሰጋገሪት ኮይና እናተባህለት ትጥቀስ ምህላዋ ካብዚ ፈሊኻ ዝረአ ኣይኮነን። ሱዳንን ኢትዮጵያን ብሕማቕ ዓይኒ እንተዘይጠማመታ፡ ብልጽግና ኣብ ጐኒ ጀነራል መሓመድ ሓምዳን ደጋሎ ኣይመተሰለፈን። ናይ ግብጺ ኣብ ጉዳይ ኢትዮጵያ ብመንገዲ ሱዳን ኢድ ምእታው’ውን ብመንጽር’ዚ እዩ ዝረአ። ኣብ ዝተፈላለዩ ኣጋጣምታት ነቶም ንህግደፍ ኣሚኖም ክዛመድዎ ዝረኣዩ ወገናት “ንህዝቢ ኤርትራ ዘይኮነ ጉጅለ ነዓኻትኩም’ውን ኣይኮኖኩምን’ዩ” ዝብል ስምዕታ እነቕርብ ከኣ ነዚ ውሽጣውን ግዳማውን ምጽልላዋት ኣብ ግምት ብምእታው እዩ።

ንህግደፍ ወሲኽካ፡ መንግስታት ነቲ ምስ ጐረባብቶም ዝፈጥርዎ ምትፍናን ኮነ፡ ነቲ ኣብ ውሽጦም ዘሳውርዎ ጐንጽታት “ምእንቲ ህዝብን ሃገርን ተገዲድና ዝኣተናዮ እዩ” እናበሉ እዮም ዘጸባብቕዎን ዝጉስጉስሉን። ብግብሪ ግና እቲ “ምእንታኻ” ዝብልዎ ህዝቢ እዩ በቲ ውሽጣዊ ኮነ ግዳማዊ ውግኣት ኣደዳ ጸገማት ኮይኑ ዝህሰ። ስለዚ እቲ ሓቀኛ ጠንቂ ናይቲ ዝካየድድ  ውግእ “ምእንቲ ህዝቢ”  ዘይኮነ  ናይቶም መሳወርቲ ዕድመ ስልጣን መናውሒ ወይ  መምልኢ ካዝና ምዃኑ  ብግብሪ ዝተራእየ’ዩ ።

ርሑቕ ከይከድና፡ ናይ ህግደፍ ምጽሕታር ውግእን ብሰንኩ ዝፍጠር ዘይቅሱን ህይወት ህዝብናን ኣወዳዲርካ ምርዳእ ዝከኣል እዩ። መንግስታት ብመንፈስ’ቲ “ኣብ ክንዲ ተጐራሪሕካ ዓዲ ምፍራስ ተገራሪህካ ዓዲ ምህናጽ” እንተዝግዝኡ፡ ክሳብ ሕጂ ክጋጥም ዝጸንሐን ኣብ መጻኢ ከይክሰት እንሰግኦን ሓደጋታት ኣይመጋጠመን። ካብቲ ሓደጋ ንምድሓን ድማ ቅድሚ ስልጣኑን ጉጅላዊ ረብሓኡን፡  ረብሓን መሰልን ህዝቢ ዘቐድም ስርዓት ክትፈጥር ምብቃዕ ጥራይ እዩ። ተመኩሮ ኤርትራ ከም ዘርኣየና ድማ፡ ክሳብ ክንድዚ ሓላፍነታዊ ስርዓት ተቓሊስካ ዝትከል እምበር፡ ተመኒኻ ካብ ሰማይ ዝወርድ ኣይኮነን።

ስለዚ ከምቲ ወትሩ ናብ ህዝቢ ኤርትራ “ሰላምካን ቅሳነትካን ብቓልስኻ እዩ ዝውሰን” ዝብል እነመሓላልፎ መልእኽቲ፡ ናብ ጐረባብትና ህዝብታት እውን ንደግሞ ኣለና። ምኽንያቱ ከምቲ “እንተ ክትድቅስ ጐረቤትካ ይደቅስ” ዝበሃል፡ ናይ ህዝቢ ኤርትራ ቃልሲ ንሰላምን ሰላማዊ ጉርብትናን በይኑ ዞባዊ ሰላምን ቅሳነትን ዘውሕስ  ስለ ዘይከውን።

ኤርትራ ብመስዋእቲ ጀጋኑኣን መስተንክራዊ ጽንዓት ህዝባን እያ ናጻ ኮይና። ስለዚ ኣይኮነንዶ ክንዲ ህይወት ዝኣክል ክቡር ዋጋ ንዝኸፈለ፡ ካብኡ ንታሕቲ ጽቡቕ ንዝገበረልካ እውን ምምስጋን ግቡእ ስለ ዝኾነ “ብሳላኹም ልኡላዊትሃገር ወኒንና ኢና እሞ፡ ክብርን መጎስን ንዓኻትኩም ይኹን፡ ብህግደፍ ንዝተጠለመሕድርኹም ከኣ ከነዐውቶ ክንቃለስ ኢና”፡ ክንብሎም ግቡእ እዩ። ዝኽሪ ስዉኣት ኣበይን መዓስን ብወግዒ ክትዝክሮ ከም ዝግበኣካ ምውሳን ቅቡል እዩ። ብመንጽርዚ ኤርትራውያን ሰማእታት ዝዝከሩላን ዝምስገኑላን ዕለት ክህልዎም መን ወሲንዎ ብዘየድስ፡ ዝቃወሞ የለን። ቅድሚ ሕጂ እውን ብፍላይ ብተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ ሰውራዊ ባይቶ፡ ባሕቲ ታሕሳስ ዕለት ሰማእታት ኮይና ክትዝከር ጸኒሓ እያ። ምኽንያት መንቀሊኣ ድማ ድሕሪ ኢትዮጵያዊ ጀነራል ተሾመ እርገቱ ብ1970 ኣብ ከባቢ ሃብረንቃቓ ብድብያ ምዑታት ተጋዳልቲ ተሓአ ብምቕንጻሉ፡ “ሕነኡ ንምፍዳይ”፡ ኣማኢት ሲቪል ኤርትራውያን ኣብ በሲግድራን  ዖናን ከባቢ ከረን ብሰራዊት መግዛእቲ ተቐቲሎም  ዓዶምን ንብረቶምን ነዲዱ  ኣደዳ ስደት ዝኾኑላ  ዕለት ስለ ዝኾነት።

መዓልቲ ሰማእታት ኣብ ልቦና ኤርትራዊ  እትሓድርን ኣብ ዝተፈላለያ ውድባት ኣብ መሳርዕ ቃልሲ ንዝተሰውኡ ዕጡቓትን ሲቪልን ኤርትራውያን እተማእክልን ንከትከውን፡  ኩሎም ኤርትራውያን ዝሰማምዕላ ብሕገመንግስቲ ዝተደገፈት ምኽንያታዊት መዓልቲ ምግባራ ኣገዳስነቱ ዕዝዙ እዩ። ድሕሪ ናጽነት ኤርትራ ቀዳምነት ክወሃቦም ካብ ዝነበሩ  ዛዕባታትሓንቲ ክትከውን ምተገበኣ። እንተኾነ ብሰንኪ ዘይግሉጽን ዘይሓላፍነታውን በሓቲ ኣካይዳ ህግደፍ፡ ከምቲ ካልእ መድረኽ  እሂንምሂን  ዘይተፈጥረሉ ዛዕባታት፡ መዓልቲ ሰማእታት 20 ሰነ’ውን ብወግዒ ዝመጸት ኣይነበረትን።

20 ሰነ ጓይላ፡ ጃህራን ዳንኬራን ህግዲፍ ንምድማቕን ንሸፈጥን ዘይኮነ፡ ንክብሪቲ ዘይሃስስ ሕድሪ ሰማእታት ብንጹህ ሕልና ምዝካራ ኣገዳሲ ነይሩ። ዝያዳ ንምዕዛዙ፡ ኤርትራዊ ሰማእትነት ነቶም ኣብ ዓውዲ ውግእ ዝተሰውኡ ጥራይ ዝምልከት ዘይኮነ፡ እንተላይ እቶም ኣበይን መዓስን ብዘየገድስ ምእንቲ ኤርትራን ናጽነታን ዝወደቑ ኩሎም ኤርትራውያን ጀጋኑ ዘጠቓልል እዩ። ብመንጽርዚ እቲ ልዕሊ 60 ሺሕ እንዳተባህለ ዝጥቀስ ቁጽሪ ኣብ ብረታዊ ቃልሲ ኣብቲ ወተሃደራዊ ሜዳናብ ዝተሰዉኡ ጥራይ ዘተኩር ኮይኑ፡ እዚ እውን  ኣዝዩ ውሑድን ሓደ ሸነኻውን ምዃኑ፡ ብዙሓት ነዚ ዛዕባ ቆላሕታ ዝህቡ ኣካላት ዝሰማምዕሉ ኣይኮነን።

መዓልቲ ሰማእታት እቲ ቀንዲ ዕላማኣ  “ሕድሮም ክሳብ ክንደይ ተኸቢሩ?” ዝምዘነላን ኣብ መጻኢኸ እቲ ዝተጠልመ ሕብሮም ብኸመይ ይትግበር ዝትለመላን ቃል ዝእተወላን ክትከውን ምተገበአ። መራሒ ጉጅለ ህግደፍ ግና ብኣንጻሩ ኣብዛ ንክብሮም ባዕሉ ዝወሰና ዕለት እዩ ብኣዋጅ ዝጠለሞም። ብ1991 ኣብዛ ዕለት ድሕሪ 25 መዓልታት ናጽነት ኣብ በኹሪ መግለጺኡ ድሕሪ ናጽነት፡ ኣብ ሜዳ ኩዕሶ እግሪ ኣስመራ ብወግዒ “ደጊም ናይ ውድባት ሓሸውየ የለን። ንህዝቢ ብቕሉዕ ይኹን ብጉልባብ ናይ ምክፍፋል ስልትታት ከቢድ ገበን ከም ዝቑጸር ክዝንጋዕ ኣይግባእን” ኢሉ ኣውጁ። እዚ ኣዋጅ ነቲ ኤርትራውያን ሰማእታት ህዝቦም ድሕሪ ናጽነት ናይ ምውዳብ፡ ሓሳብካ ምግላጽን ሓርነት ንክህልዎ ዝኸፈልዎ ዋጋን ቃሎም ከይጥለም ሓደራ ዝበልዎን ዝተነጽገሉ መድረኽ’ዩ ነይሩ። ብሰንኪቲ ጥልመት ከኣ እነሆ ናጽነት ኤርትራ ናይ ውሑዳት መዕንደሪ ኮይኑ፡ ህዝቢ ኤርትራ ግና 34 ዓመታት ድሕሪ ናጽነት’ውን ኣብ ገዛእ ብሰማእትነት ደቁ ናጻ ዝኾነት ሃገሩ፡ የዋጽኣኒ  ዝበሎ ሓሳብ ከየቕርብ ኣፉ ተለጒሙን እግሩ መሊኡ ምርጋጽ ሓሪምዎን ተገዲዱ ናብ ዝተፈላለዩ ውግኣት እኛተጠብሰ፡  ብሹቕርርታ ይነብር ኣሎ።

ህግደፍ ሕድሮም ጠሊሙ ከብቅዕ፡ ብናቶም ክብሪ ንክሽቕጥ ዘይፍንቅሎ እምኒ የብሉን። ሰማእታት ኣብ ህዝቢ ኤርትራ ዘለዎም ናይ ክብሪ ቦታ ስለ ዝፈልጥ ብስሞም፡ ሃብቲ ንምኽዕትን ዕድመ ስልጣኑንምንዋሕን ካብቲ ዝጥቀሞ ሜላታት ሓደ እዩ። እቶም ቀንዲ ተረከብቲ ሕድሪ ሰማእታት፡ ብሓፈሻ መላእ ህዝቢ ኤርትራ፡ ብፍላይ ድማ መንእሰይ ወለዶ እዮም። ስለዚ እዞም ኣካላት  ካብቲ ሓንሳብ ኣንጻር ሰማእታት ጨኪኑ ናብ ልቡ ናይ ምምላስ ዕድሉ ዝዓጸወ ጉጅለ ምጽባይ ዘይኮነ፡ ሓላፍነቶም ክፍጽሙ ይግበኦም። እዚ ኣብዚ ታሪኻዊ መዓልቲ ክሓስብሉ ዝግባእ ዓብይ ዛዕባ እዩ። ካብዚ ሓሊፉ ነቲ ሕድሪ ሰማእታት ኣኽቢሩ ሃገርን ህዝብን ዝምርሕሉ ሕግን ህዝባዊ ስርዓትን ክተክል ቅሩብ ዘይኮነ ጉጅለ፡ ግበር ስለ ዝበለካ “ፈልሲ ብምትካልን ሽምዓታት ምብራህን” ወይ በል ስለ ዝተበሃልካ “ስዉኣትና ኩሉ ግዜ ኣብ ልብና” ዝብል ጭረሖ ብምቅላሕ ጥራይ፡  ሕድሪ ሰማእታት ኣይክበርን’ዩ። 

ብዝተፈላለየ መልከዓት ተወዲቦም ንለውጢ ዝቃለሱ ዘለዉ ኤርትራውያን ናይ ለውጢ ሓይልታት  ብምኽንያት መዓልቲ ሰማእታት መግለጽታትን ኣዋጃትን ብምውጻእ ጥራይ ዘይኮነ፡ ዝተጠልመ ህዝባዊ ሕድሮም  ዘኽብር ናይ ሓባር ዓቕሚ ንምፍጣር ብዛዕባ ዝኽእልሉ ክሓስቡ ይግበኦም። ዘለካ ፍልልያት ኣመሓዲርካ ኣብቲ ዘሰማምዓካ ተቢዕካ ንህግደፍ ክትስዕር ምብቃዕ ክሳብ ክንደይ ንሰማእታት ከም ዘቕስኖም ኣብዚ ታሪኻዊ መዓልቲ ኮይኖም ክሓስብሉ ይግባእ። ምኽንያቱ ሰማእታት ስሞም ደጋጊምካ ብምጽዋዕ ዘይኮነ፡ ዘቕስኖምብምስራሕ እዮም ዝቐሱ።

እቲ ንብጾቱ ቀቢሩ ዕጥቆምን ሕድሮምን ዝተረከበ፡ “ናይ ናጽነት ሓርበኛን ደሓር ዝተሰለፈን”፡ ናይ ሎሚ  ሓይልታት ምክልኻል ኤርትራ፡ ኣብ ቅድሚ ሕብረተሰብ ዓለም “ወራሪን መሰል ንጹሃት ዝግህስን”  እናተባህለ መዛረቢ ኮይኑ’ሎ። ሕድሪ ሰማእታት ከኽብርስ ይትረፍ ናቱ  ክብሪ’ውን ክዕቅብ ኣይከኣለን። ናይዚ ኩሉ ውርደቱ መርኣያ ከኣ  ሕድሪ ብጾቱ ምጥላሙ ምዃኡ ክርዳእ ይግበኦ። ሓደገኛ ተግባር ህግደፍ ቀጻሊ ስለዝኾነ፡ እቲ ጥልመት ጽባሕ ናብ ርእሱ ከምዝምለስ ምልክታቱ ብዙሕ እዩ። ስለዚ ኣብዚ ታሪኻዊ ኣጋጣሚ መዓልቲ ሰማእታት ክበራበርን፡ በታ ዘላቶ ዕድል፡  ሎሚ’ውን ውግእ መፍትሒ ከምዘይኮነ ብምርዳእ፡ ሕድሪ ሰማእታቱ ኣኽቢሩ ኣብጐኒ ህዝቡ ክስለፍ  ንጽወዖ ኣለና።

ዝኽርን ክብርን ንሰማእታት ኤርትራ!

20 ሰነ 2025

ልኡላውነት ብብዙሓት ናይቲ ዛዕባ ግዱሳት ዝግለጽ፡ ሰፊሕ ትርጉም ዘለዎ ኮይኑ፡ ናይ ሓንቲ ሃገር ምሉእነት ኣብ ምርግጋጽ፡ ሓደ ካብ መሰረታዊ ረቛሕታት እዩ። ልኡላውነት ንነበርቲ ሃገርን ህዝብን እምበር፡ ንተቐያያርቲ መንግስታት ዝወሃብ መግለጺ ኣይኮነን።  ኣብ ዓለም ለኻዊ ዝምድና ሃገራት  ማዕረ  ኣፍልጦ ተወሃሂበን ዝከባበራሉ መሰረታዊ ዓንዲ’ውን እዩ። ኣብ  ዝምድና፡ ኣብ ናይ ካልኦት ጉዳይ ኢድ  ከይተእቱን ካልኦት ኣብ ጉዳይካ ከይኣትዉን መከባበሪ መትከልዩ። ልኡላውነት ሃገር ንከይገሃስ ዓለምለኻውን ኣህጉራውን ሕጋዊ ሓለዋ ኣሎ። “ሓያላት ኢና” ዝብላ መንግስታት ኣብ ልዕሊ ካልኦት  ከም ድላየን ከይዕንድራ፡  ዝግድበን ከኣ እዚ  ሕግታትን ቻርተራትን ሕቡራት ሃገራት እዩ።  

ልኡላውነት ንኤርትራውያን ዝለዓለ ናይ ሓባር መግለጺና እዩ። ናይ ሓባር መግለጺና ጥራይ ዘይኮነ፡ ብናይ ኩልና ክቡር መስዋእትን ድምጽን ዝተዋሕሰ’ውን እዩ። ኣብዚ ዘለናዮ ርሱን እዋን ይኹን ኣብ መጻኢ ከኣ ቀጻሊ ናይ ኩልና ሓለዋ ዘድልዮ፡ ብዝተፈላለዩ ተኸታተልቲ ገዛእቲ ተነፊጉና ምስ ጸንሐ፡ ብ28 ጉንበት 1993 ብወግዒ ተኣወጀ።

ልኡለውነት ግኡዝ ስማዊ መለለዪ ዘይኮነ፡ ኩሉ ናይ ህልውናን ቀጻልነትን ምንቅስቓስ ዝካየደሉ መዋስኢ መድረኽ እዩ። ንሱ እንተዘየልዩ ኩሉቲ እንሕበነሉ ኤርትራዊ ጸጋ’ውን ምሉእ ኣይከውንን። ብዘይካኡ ከም ህዝቢ እውን ምሉእ ክብሪ ኣይህልወናን።  ኩለንተናዊ ተጠቀምቲ ንምዃኑ እንገብሮ ምንቅስቓስ ኩሉ ካብ ህልውናኡ ወጻኢ ኣጸጋሚ እዩ። በቲ ካልእ ወገን ከኣ ጣዕሚ ልኡላውነት ንምንጽባራቕ ካብ ህላወ ህዝቢ ወጻኢ ዝረጋገጽ ኣይኮነን። እዚ ድማ ልኡላውነት ንክብሪ መሬት፡ ኣየርን ማይን ጥራይ ዝወሃብ መግለጺ ዘይኮነ፡ ንህላወን ክብርን ህዝቢ ዘዕዝዝ’ዩ። በዚ እዩ ከኣ ብዛዕባ ልኡላውነት ሃገርና ክለዓል እንከሎ፡ መሬትን ህዝብን ፈላሊኻ ምርኣይ ኣጸጋሚ ዝኸውን።

ከከም ዝንባለናን ከባብናን ህይወትና ንምምራሕ ብዙሕ ኢና ንሓስብን ንውጥንን። ንኩሉቲ ዝወጠናዮ ኣብ ግብሪ ንምውዓል  ከኣ ኣብቲ ናይ ሓባርና መድረኽ ልኡላውነት ኢና ንዋሳእ። ካብኡ ወጻኢ ዝግበር ምንቅስቓስ ግና ብተግባር ኤርትራዊ ኣይኮነን። ስለዚ ከምቲ “ሺሕ ፈልጺ መእሰሪኡ ልሕጺ” ዝበሃል፡ ህልውናና ከም ህዝቢ ከነውሕስን ፍረ ጸማ ኩሉ ዓይነት ጻዕርና ክንሓፍስን ልኡላዊት ኤርትራ ህያው ክኸውን ዘይስገር እዩ። ብሳላቲ “ብደሆና ዘይኮነ ጽባቐና’ዩ” እንብሎ ብዙሕነትና፡ ኤርትራውያን በበይኑ እምነት ንኽተል፡ ኣብ በበይኑ ልምድን ባህልን ንዓስል፡ ዝተፈላለዩ ቋንቋታት ንዛረብ……ወዘተ ክነስና፡  ኣብ ጽላል እቲ ልዕሊ ኩሉ ናይ ሓባርና ዝኾነ ላኣላውነት ኢና እነጽልል።  

ኤርትራውያን ከም ኩሉ ሕብረተሰብ ኣብ ዝተፈላለዩ መዳያት፡ ትምህርቲ፡ ንግድን ካለኦት ማሕበር-ቁጠባዊ ተግባራትን ንዋፈር። ኣብ ዝተፈላለዩ ኩርነዓት ሃገርና ከኣ ንሰፍር። ምስዚ ኩሉ ግና ሓንቲ ናይ ሓባርና እምበር ነናትና ልኡላውነትየ የብልናን። እዚ ማለት ነፍሲ ወከፍና “ተወሊደ ዝዓበኹሉን ዝተመሃርኩሉን” እንብሎ ዓዲ፡ ወረዳን ኣውራጃን የብልናን ማለት ኣይኮነን።  እዞም ነናትና ምምሕዳራዊ ከባብታት ግና መተካእታ እታ እንሕበነላ ናይ ሓባር ሓቛፊትና ኤርትራ ዘይኮኑ፡ ንዓኣ ዝምእዘዙ፡ ዘድምቑን ዝሕልዉን እዮም። ካብዚ ሓሊፉ ነዞም ንኡሳን ከባብታት ልዕልታ ዓባይ ናይ ሓባርና ሰሪዕካ ኣብ ጸቢብ ኩርናዕ ምውጣጥ ብዝኾነ መለክዒ፡ ናብ ሰላም፡ ልምዓትን ስኒትን ዘብጽሕ ዘይኮነ፡ መፍቶ’ቶም ብምፍልላይና ክዕንገሉ ዝሓልሙ ዝገብረና  እዩ።

ካብቲ ፍልልያትና ዝንጸባረቐሉ መዳያት ህይወት ሓደ፡ ፖለቲካዊ ኣተሓሳስባና እዩ። እዚ ፍልልያት ብውልቂ ኮነ ብውዱብ ኣገባብ ዝንጸባረቕ እዩ። ኣብዚ መዳይዚ ፍልልያት ምጽብራቕ ኣባና ጥራይ ዝረአ ዘይኮነ፡ ንቡር ኣድማሳዊ መርኣያ ህይወት ሰባት እዩ። ፍልልይካ ምንጽብራቕን ብኣኡ መሰረት ሓሳብካ ምግላጽን ምውዳብን መሰል እዩ።  እዚ መሰል ካብ ክሊቲ ናይ ሓባርካ መዕቀኒ ከየውጸኣካ ምጥንቃቕ ከኣ ግደታ እዩ።

ኣብዚ እዋንዚ ኣብ ኤርትራ ኣብ መንጎ ፖለቲካዊ ኣተሓሳስባ ጉጅለ ህግደፍን ኣረኣእያ ሓይልታት ለውጥን ዘሎ ፍልልይ ሰፊሕዩ ጥራይ ዘይኮነ ተጻራሪ’ውን እዩ። ህግደፍ ነታ ናይ ኩልና ጽላል ኤርትራን ህዝባን “ብሓይሊ ጨምዲደ እንተዘይገዛእኩዎም”  ዝብል ጨካንን ዓመጸኛን መንገዲ ዝኽተል ዘሎ  እዩ። ሓይልታት ለውጢ ብኣንጻሩ ህዝብና ካብ መቑሕ ህግደፍ ወጺኡ፡ ሰላም፡ ዲሞክራሲ፡ ፍትሕን ሕግመንግስታዊ ምምሕዳርን ኣብ ዘውሓሰት ሃገር ንክነብር እዮም ዝቃለሱ ዘለዉ። እንተኾነ ኩሉ’ቲ  ምንቅስቓስ ኣብ ትሕቲ ጽላል እታ ናይ ኩልና ልኢላዊት ሃገር ዝገላበጥ ዘሎ ማዕበልዩ።

መራሒ ጉጅለ ህግደፍ ካብዚ ናይ ሓባር ጽላል ንምውጻእ ብዘርኣዮ ትንዕምንዕ፡ ሓደ እዋን  ሓድሽ ፈታዊኡ  ዝነበረ ኣብይ ኣሕመድ ዓሊ “ኣነን ኢሱን እንተተሰማሚዕና እንካፈሎ ዓሰብ ይኸውን” ክብል እንከሎ፡ ብምሒር ታሕጓስ ኣፍልቡ ይወቅዕ ከም ዝነበረ ናይ ትማሊ ተዘክሮ እዩ። ነዚ ናይ ሎሚ ብስም ልኡላውነት “ንብዓት ሓርገጽ ምንብዑ” ትርጉም ዘስእኖ ከኣ እዝን ወዲኸምዝን ተገላባጢ ተግባራቱ እዩ።

ኣብዚ እዋንዚ ካብ ዋና ልኡላዊት ሃገር ምዃንን ናይ ዲሞክራስን ፍትሕን ተጠቃሚ ምዃንን “ሓዲኡ ምረጽ” ዝመስል ርኢቶ ኣብ ኤርትራውያን ክንጸባረቕ ይስማዕ እዩ። እዚ ክፈላለዩ ዘይግበኦም ኣምራት ነጻጺልካ ምቕራብ ቅኑዕ ኣይኮነን። ቅኑዕ ኣይኮነን ጥራይ ዘይኮነ፡ ምሉእነት ኣብ ምርግጋጽ፡ “ልኡላዊት ሃገር ምውናን ጥራይ ናይ መወዳእታ ድዩ?” ናብ ዝብል ሕቶ ዝወስድ’ውን እዩ። ልኡላውነት ሃገር ወኒኖም ክነሶም ካለኦት መሰላት ዝጐደሎም ህዝብታት ካብ ቃልሲ ናይ ዘይምኳሮም ምስጢር ከኣ እዚ እዩ።   

እምበኣር ኣብዚ ዘለናዮ ዝተዋሕሰ ልኡላውነት ናይ ምዕቃብን ሓርነት ናይ ምምጻእን ቃልሲ፡ እቲ ሓደ  ይጽነሓለይ ኢልካ ናብ ሓደ ዛዕባ ጥራይ ምዝዛው ቅኑዕ ኣይኮነን። ኣብ ክንድኡ ንክልቲኦም ግቡእ ኣቓልቦ ምሃብ ግድን እዩ።  ምናልባት ቅልል ብዝበለ መልክዕ ንምርኣዩ፡ “መሬት ሒዝካ ብዘይዘርኢ ትርጉም ከምዘይህልዎ፡ ዘርኢ ሒዝካ ብዘይመሬት እውን እቶት ክሕፈስ ከምዘይከኣል” ምግንዛብ ኣገዳሲ እዩ።

ስለዚ ኣብዚ ከባቢና ብኣዝዩ ቅልጡፍ ናይ ኣሰላልፋ ለውጥታት ዝህውጸሉ ዘሎ ግዜ፡ “ኣነኸ ምስ መን እንተተሰለፍኩ እዩ ዘዋጸኣኒ?” ዝብል ሕቶ ምልዓል ዘይተርፍ እዩ። መልሱ ነቲ  “ልኡላውነትና ልዕሊ ኩሉ ናይ ሓባርና”  ዝብል ኣምር ዝጻባእ ከይከውን ጥንቃቐኻ ከኣ ምዕዛዝ ኣገዳሲ እዩ።

ህዝቢ ኤርትራ መልከዓቱን ግዜኡን ናይ ዝፈላለ፡ ተገዲዱ ዝኣተዎ ቃልሲ ሃብታም ተመኩሮን ነዊሕ ታሪኽን ዘለዎ እዩ። ኣብ 40ታትን 50ታትን ኣብ ኣዝዩ ውዑይን ውዱብን ቃልሲ ተዋሲኡ። እንተኾነ በቲ  ዝመረጾ ፖለቲካዊ ኣገባብ ቃልሲ ኩለመዳያዊ መሰላቱ ከኽብር ኣይተዓወተን። ናይ ዘይምዕዋቱ ምኽንያት ከኣ መግዛእታዊ ስርዓት ኢትዮጵያን ሓያላት ናይ ረብሓ ዘራያቱን ናይ ነጻነትን መሰረታዊ መሰላትን ሕቶኡ  ንምጉዕጻጽ ኣንጻሩ ብምስላፎም ነይሩ። ኣብቲ እዋንቲ  ኣብ ቅድሚ ህዝብና ዝነበረ  እንኮ ምርጫ ቃልስኻ ቀጺልካ ባህግኻ ምውሓስ ጥራይ እዩ። ምስ ኩሉቲ ዝነበረ ሕልኽልኻት ቃልሱ ክቕጽል ምምራጹን  ምዕዋቱን ከኣ ድሙቕ መግለጺ ታሪኻዊ ጽንዓቱ ኮይኑ ተመዝጊቡ ዘሎ እዩ።

 ኣብቲ እዋንቲ ኮይንካ ኣይኮነንዶ ከተካይዶ ክትሓስቦ’ውን ኣጸጋሚ ናብ ዝነበረ ብረታዊ ቃልሲ ምእታዉ፡ ብሓፈሻ ንብዙሓት ህዝብታት ብፍላይ ከኣ ንሓይልታት መግዛእቲ “ዘይገሃድ ሕልሚ” ኮይኑ ይረኣዮም ምንባሩ ዝርሳዕ ኣይኮነን። እንተኾነ ህዝቢ ኤርትራ ሳላ ትብዓቱን ሓድነቱን ንኹሉ ኣብቲ ብረታዊ ቃልሲ ዘጋጠሞ  ብደሆታት ተጻዊሩ ድሕሪ 30 ዓመታት ነጻነቱን ልኡላውነቱን ካብ ዘረጋገጽ እነሆ  34 ዓመታት ኮይኑ። ገለ ወገናት ነቲ ህዝብና ኣብቲ ግዜቲ ዘርኣዮ  ተኣምራዊ ጽንዓትን ተጸዋርነትን ብምዝካር፡ “ህዝቢ ኤርትራ ሎሚ ደኣ እንታይ ኮይኑ እዩ ንሓደ ኣብ ኣንግድዓኡ ዝተጻዕነ መላኺ ስርዓት ተሰኪሙ  ዘሎ”  ዝብል ሕቶ ክሓቱ ይስምዑ  እዮም።

ኤርትራ ድሕሪ ነጻነት፡ ከም ትጽቢት ህዝባ ኣይኮነትን። እዚ ድማ ብብኩራት ብዙሕነታውን ሕገመንግስታውን ምምሕዳር ዝረአ  ዘሎ እዩ። ህዝብና ነቲ ብረታዊ ቃልሲ ዝወሰዶ ግዜን ዘኽፈሎ ክቡር ዋጋን ኣብ ግምት ኣእትዩ “ርእዩ ከምዘይረኣየ” ኮይኑ፡ ንጉጅለ ህግደፍ ኩነታት ኣመዓራርዩ ናብ ንቡር ንክምለስ ዕድልን ግዜን ሂቡ ተጸብይዎ እዩ። እንተኾነ ህግደፍ ኣብ ክንዲ ንትዕግስትን ሓላፍነታዊ ትጽቢትን ህዝቢ ተገንዚቡ፡ ናብ ንቡር ተመሊሱ ትርግታ ልቢ ህዝቢ ዝሰምዕ፡ ብኣንጻሩ ብትዕቢትን ምስትንዓቕን በቲ ትምክሕተኛ  ምርጫኡ ቀጺሉ፡ ክሳብ ሎሚ ካብቲ ናይ ጥፍኣት ጐደና ኣይተመልሰን። ኣብ ግዜ መግዛእቲ  “ካብ ኣብ ኣርዑት ባዕዳውያን  ምንባር ንነጻነት ምቅላስ” ዝመረጸ ተባዕን መስተውዓልን ህዝቢ ኤርትራ፡ ኣብ ግዜ ጠላምን ጨቋንን ምምሕዳር ህግደፍ’ውን ኣብ ትሕቲ ክቱር ወጽዓን ጭቆናን ካብ ምንባር “ምእንቲ ሓርነት ምቅላስ” ክመርጽ ተገዲዱ፡ እነሆ ኣብ መስርሕ ቃልሲ ምእንቲ  ሓርነት  ይስጉም።

ከምቲ ኣብቲ  ንነጻነት ዝተኻየደ ደማዊ ቃልሲ መሪርን ክቡርን ዋጋ ዝተኸፍለ፡ ሎሚ ይካየድ ዘሎ ቃልሲ እውን ዝያዳ ረቂቕን ዝተሓላለኸን ምዃኑ ብግብሪ ዝረአ ዘሎ እዩ። ብሰንኪ እቲ ዝካየድ ዘሎ ቃልሲ ረቂቕ ብምዃኑ ክመዝንዎን ክርድእዎን ዘይከኣሉ፡ ህዝቢ ኤርትራ “ንጭቆና ህግደፍ ሓንጐፋይ ኢሉ ከም ዝተቐበለ ኣምሲሎም” ክገልጽዎ ዝፍትኑ ወገናት ውሑዳት ኣይኮኑን። በብግዜኡ ብፍላይ ኣብ ልዕሊ መንእሰያት ክፍጸም ዝጸነሐን ዘሎን፡ ማእሰርቲ፡ መጭወይትን ምንፋግ መሰረታዊ ሰብኣዊ መሰላትን፡ ኮታ ጸረ ዲሞክራሲ ተግባራት ህግደፍ፡ መርኣያ ክብደትን ርቀትን ቃልሲ ምእንቲ ሓርነት ዘመልክት ምዃኑ ምግንዛብ የድሊ።

ቃልሲ ህዝቢ ንሓርነት  ድሕሪ ነጻነት፡ ካብቲ ብረታዊ ቃልሲ ዝወሰዶ ዓመታት ዝያዳ ዝወስድ ዘሎ  ኮይኑ፡  ብሰንኪ ባዕላውን ወድዓውን ሕጽረታትን ተጽዕኖታትን ጋና ኣይተዓወተን። እዚ ማለት ግና ከምቲ ንገለ ወገናት ዝመስሎም፡ ህዝብና ካብ ቃልሲ በዂሩ ከምዘሎ ዘይኮነ፡ ክብደት ናይቲ ቃልሲ እዩ ዘርኢ። ካብቶም ድሌትን ትጽቢትን ህዝቢ ዘማላኽቱ፡ ኣብ ውሽጢ ሃገር ኣንጻር ህግደፍ ብግብሪ ዝተራእዩ ናይ ተቓውሞ ተበግሶታት ካብ ምንቅስቓስ ተጋደልቲ ወርሒ ግንቦት 1993 ጀሚርካ ክሳብ  ምንቅስቓስ ፎርቶ ወዲ ዓሊን ተቓውሞ ሓጂ ሙሳን ተምሃሮ ዲያእ ኣልኢስላሚያን ዝጥቀሱ እዮም።   ክሳብ ገጠራት ዝዝርግሑ ብዙሓት ግዳይ ማእሰርትን ካልእ ስቓያትን  ዝኾንሎም ምንቅስቓሳት’ውን ተራእዮም እዮም። እቲ ህዝባዊ   ኒሕን ሓቦን ሎሚ እውን ቅሂሙ ዘይኮነ  ፈኸም ዝብል ዘሎ እዩ።

እቶም ጸረ ህግደፍ ተበግሶታት ዘልዕልዎም ዝነበሩ ሕቶታት ህዝባዊ ባህሪ  ስለ ዝነበሮ፡  ብመሰረቱ ህዝቢ ንክዕወቱ ዝጽበዩ ዝነበረን ዘሎን እዮም። ድሕሪ ነፍሲ ወከፍ እዞም ጸረ ህግደፍ ንቕሎታት በቲ ጉጅለ ዝተወስዱ ጨካን ስጉምትታት ከኣ ክሳብ ክንደይ በቲ ኩነታት  ይሰግእ ከም ዝነበረ ዘመልክቱ እዮም። ስግኣቱ በቲ ናይ ሽዑ ስንባደኡ ዝደረት ዘይኮነ፡ ክሳብ ሎሚ እውን መመሊሱ ዘባህርሮ ዘሎ እዩ።

ህዝቢ ኤርትራ ሎሚ’ውን ዋላ ግዜ ይንዋሕ እቲ ጭቆና’ውን ይኽበድ ከምቲ  ቅድም ኣብ ትሕቲ መግዛእቲ ንምንባር ኣሜን ዘይበለ፡ ኣብ ትሕቲ ዘቤታዊ ጭቆናን ዲክታተርነትን ክነብር’ውን ባህርያዊ ስለ ዘይኮነ፡ ብዘይካ ቃልሱ ምቕጻል ካልእ ምርጫ ከም ዘየብሉ ዝረደኦ እዩ።  እዚ ህዝባዊ ቃልሲ ንክዕወት ክማልኡ ካብ ዘድልዩ ወሰንቲ ቅድመ-ተደላይነታት፡ እቲ ኣብ ውሽጢ ሃገር ዘሎ ህዝባዊ ቃልስን ኣብ ወጻኢ ዘሎ   ናይ ለውጢ ሓይልታት ማዕበልን፡ ከምቲ ስዉእ ሓርበኛ  ስዩም ዑቕባሚካኤል፡ ኣብ ፈስቲቫል ፍራንክፎርት 2005 ዝበሎ፡ ናይ ክልቲኡ ወገናት ናይ ቃልሲ ቀለበት “ኣደልዲልካ ምስጣም”  ወሳኒ እዩ።

እዚ ናይ ክልቲኦም ኣካላት ምትእስሳር ክንድቲ ናይ ዓወት ወሳኒ ምዃኑ፡ ምርግጋጹ ከኣ ከቢድ ጸዕሪ ከም ዝሓትት ተገንዚብካ ምውፋይ ከም ዘድሊ ከኣ ምግንዛብ  ይግባእ። ነዚ ኣብ ግብሪ ንምውዓል ኣብ ውሽጥን ወጻእን ዘለዉ ናይ ለውጢ ሓይልታት ማዕረ ዘበርክተሉ እምበር፡ ሓደ ተግባሪ እቲ ካልእ ከኣ ተጸባይ ዝኾንሉ ኣይኮነን።

ስለዚ ህዝቢ ኤርትራ ናብቲ ሃንቀው ዝበሎ ዘሎ ዓወት ንምብጻሕ፡ ብዘይካ ቃልሱ ምቕጻል ካልእ ምርጫ ከምዘየብሉ ተረዲኡ ንግብራውነቱ ንክተግህ ከም ወትሩ ነዘኻኽሮ። እንተ ብህግደፍ ዝረአ ዘሎ ዓንዳሪ  ኣካይዳን ህውክውተኛ ሸበድበድን ናብ ህዝቢ ዝማእከሉ  ለውጢ ክስጉም እትጽበዮ ኣይኮነን።

መበል 34 ዓመት ዝኽሪ ነጻነት ኤርትራ፡ ኣብዚ ቀረባ ተዘኪሩ። ኤርትራውያን ኣብ ውሽጢ ሃገር  ይኹን ኣብ ኩሉ ኩርነዓት ዓለም፡ ካብ ድሮታ ዕለት ጀሚሮም፡ ዘለዎም ናይ ኣተሓሳስባ ፍልልያት ኣብ ቦታኡ ኮይኑ፡ “ንነጻነትን ልኡላውነትን ሃገሮም” ዘለዎም ክብሪ ኣንጸባሪቖም፡ ምእንቲ ነጻነት ክቡር ህይወት ንዝኸፈሉ ስዉኣት’ውን  ኣመጒሶም። ኣዝዮም ውሑዳት ግና “እዛ ነጻነትሲ እንታይ ስለ ዘርባሓትና ኢና እነኽብራ?” ዝብል ስምዒት ኣንጽባራቖም። ርግጽ’ዩ ካብታ ክቡር ዋጋ ዝኸፈልካላ ሃገር ተሰዲድካ ኣደዳ ሓሳረ-መከራ ምዃን ኣብ ትርጉምን ምቓረትን ነጻነት ሕቶ ከተልዕል ክድርኽ ይኽእል’ዩ። እንተኾነ ነጻነት  ብኤርትራውነትና እንሕበነላ ስለ ዝኾነት ከም “ናይ ዓይንና ብሌን” ከነኽብራን ክንሕለዋን ይግበኣና። ኣብቲ ዕለተ-ዝኽራ ትጽቢት ካብ ዝተገብረሉ ሓደ “እቲ ቀቢጽካ ዘይቅበጽ” መደረ ዲክታተር ኢሳያስ ኣፈወርቂ ነይሩ።

“ኢሳያስ ዝበለ እንተበለ፡  ተስፋን ራህዋን ዘመልክት መልእኽቲ ኣይከምጽእን እዩ” ዝብል እምነት ዳርጋ ናይ ኩሉ ኤርትራዊ ነይሩ። እዚ ከኣ ካብ ጽልኢ ወይ ጸቢብነት  ዝነቅል ዘይኮነ፡ ካብ ተመኩሮ መደረታቱን ዓመጸኛ ባህሪኡን ዝብገስ እዩ። ሓደ ሓደ ተስፋኦም ዘይጸንቀቑ ግና፡ ምስቲ ጭቆና ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኤርትራ ዝያዳ ይመርር ምህላዉ፡ ኣብ መንጎ ኤርትራን ኢትዮጵያን መመሊሱ ዝገድድን ናብ ውግእ ከም ዝዓርግ ብዙሓት ዝግምትዎ ዘለዉ ወጥሪን ዝፍጠር ዞሎ ዞባዊ ቅልጡፍ ምቅይያር ፖለቲካዊ ኣሰላልፋ  ሃገራትን “ገለ ሓድሽ ጉዳይስ የምጽእ ይኸውን?” ኢሎም ካብ ምጽባይ ዓዲ ኣይወዓሉን።  ብዝያዳ ድማ  ነታ በዚ መጸት ከይተባህለት ዳንኬራ ክውቀዓላ ጀሚሩ ዘሎ በዓልቲ ቅነ “ጽምዶ”  ዝምልከት ካብኡ ከስምዑ ዝተጸናጸኑ  ነይሮም እዮም።

“መዓልትን ከልብን ከይጸዋዕካዮም ይመጹ” ከም ዝበሃል፡ 24 ጉንበት 2025 ከተፍ በለት፡ ናይ መደረ ሰዓት እውን በጽሐት። ኢሳያሳ ኣብቲ ናይ 21 ደቓይቕ መደረኡ፡ ከምቲ ግምጥልሽ ኣካይድኡ ብግዳማዊ ዛዕባ ብምጅማር፡ ንኣሜሪካ፡ ናቶ፡ ቻይናን፡ ሩሲያን ዝኣመሰላ ኣብ ዝምልከቱ ዛዕባታት “ጣሕሞሽሞሽ” ኢሉ። ከምቲ “ክንዳኻ ዘይኣኽላሲ በኣኻ ይወዓላ” ዝበሃል ምሳለ፡ ናብ ኣሜሪካ ተመጣጢሩ ብቁጠባዊ ኮነ ወተሃደራዊ መዕቀኒ “ሓያልን ሃብታምን ዘይኮነት ክነሳ፡ መሲላ ክትቀርብ እትፍትን” ብምባል ብኣሃዛት ዕዳኣ እናጠቐሰ ኣነኣኢስዋ። ነቶም ናይ ቅድም መራሕታ ብውድቀታ ተሓተቲ ገይሩ፡ ናብ ህልዊ ፕረሲደንት ዶናልድ ትራምፕ “ኣሻርዩ ኢድ ክነስእን መሻርኽቱ ምዃኑ ከርእን” ፈቲኑ። ኣብ ሓፈሻዊ  ፖለቲካዊ  ኩነታት ዞባና እውን   ኮሊሉ።

ንኢትዮጵያ ብዝምልከት ኣተኲሩ ንምድህሳስ ዝያዳ ግዜ ወሲዱ። ኣብቲ ቅድሚ ሸውዓተ ዓመት ኣብታ ሃገር “ብመደማር” ጀሚሩ ብሰልፊ ብልጽግና ዝቐጸለ፡ “ምትዕርራይ (reform)” ዝበሎ ተስፋ  ከም ዝነበሮ ኣመልኪቱ፡ ንምዕዋቱ ከም ዝጸዓተ ኣግሂዱ። ዋላ’ኳ ሎሚ ነቲ ተስፋ ተነቢርሉ ነይሩ ዝበሎ መስርሕ ለውጢ ኢትዮጵያ “ሃንቀውታና በኒኑ” እንተበሎ፡ በቲ ክሳብ ውዕል ፕሪቶርያ ዝኽተም ኣብ ጉዳይ ኢትዮጵያ ኣትዩ ዝገበሮ ከምዘይጠዓስን ነቲ ዝበነነ ህይወት  ኣብ ምስራጽ  ክቕጽል ምዃኑን ክሕብር ኣይሓፈረን። እዚ ድማ ነቲ ሓደ እዋን “ተኾሊፍና” ዝበሎ ተመሊሱ “ብሃንቀውታና በኒኑ” ዘድምቖ ዘሎ ምዃኑ የርኢ። እቲ ዘገርም ከኣ ነቲ ክፍጽሞ ዝጸንሐ ዘራጊ ኣካይዳ “ኣይጠዓሰሉን እየ”  ምባሉ እዩ።

 እቲ ኣይጠዓሰሉን እየ ዝበሎ፡ እቲ ኣብ ኣደባባያት ኤርትራን ኢትዮጵያን “ኣንታ እዚ ሰብኣይሲ ዓቢዱ ግዲ እዩ” ክሳብ ዝበሃል፡ “ህዝቢ ኤርትራን ኢትዮጵያን ክልተ ህዝቢ እዩ ዝብሉ ነቲ ታሪኽን ሓቅን ዘይፈልጡ እዮም፡ ድሕሪ ሕጂ ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ኣብይ ኣሕመድ ንክመርሓና ብስምዒት ዘይኮነ ብሓቂ ወኪለዮ ኣለኹ። ኣነ ድማ ኣብ ጐንኻ ኣለኹ …ወዘተ” ንዝበሎ፡ ልኡላውነት ኤርትራን ክብሪ ህዝባን ኣብ ምልክት ሕቶ ዘእቱ ቀበጥበጥ እዩ።  “ስለ ዘይጠዓሰሉ፡ ዝንቕጽሎ እዩ” ምባሉ ከኣ፡ ሓድሽ’ኳ  እንተዘይኮነ፡ “ናይ ጥዕና እዩ” ክትብሎ ኣዝዩ ኣጸጋሚ እዩ። እዚ ጥራይ ዘይኮነ፡ ቅድሚ ሃንቀውታኡ ካብ ሰልፊ ብልጽግና  ምብናኑ፡ ምስ ኣብይ ኣሕመድ ተመሓዝዩ ኣብ ውግእ ትግራይ ኣትዩ ጠንቂ ህልቂት  ኤርትራውያንን ተጋሩን ብምዃኑ፡ ኣብ ክንዲ ንወለዶም ከምቲ ንቡር ኣርዲኡ ይቕረታ ምሕታት “ክንቅጽሎ ኢና” ምባሉ፡ ነቲ ሓደ እዋን “ኣይከሰርናን” ኢሉ ልቢ ኤርትራውያን ወለዲ ዘድመዮ፡ ደሓር ድማ “ተኾሊፍና” ብዝብል መዓንጣ ኣደታት ትግራይ ዘሕረሮ ሎሚ ድማ ሃንቀውታና በኒኑ ክብል ምድፋሩ፡   ክሳብ ክንደይ ብዘይተኣደነ ምፍሳስ ደም ዘይረወየ  ብስቓይ ሰባት ዝሕጎስ ርጉም ምዃኑ ዘርኢ እዩ። 

እቲ ካልእ ዘገርም ኣብ ኢትዮጵያ ጀሚሩ ነይሩ ዝበሎ መስርሕ ለውጢ ምብናኑ ዝሻቕሎ ምዃኑ ዝጠቐሶ እዩ። ኣብ ኤርትራ “ድምጺ ለውጢ ንከይስማዕ” ከይደቀሰ ዝሓድር ዲክታተር፡ ኣብ ኢትዮጵያ ናይ ለውጢ መቐጸሊ መሲሉ ክቐርብ ምፍታኑ ክሳብ ክንደይ ብተገራጫዊ ኣተሓሳስባ ይህወጽ ከምዘሎ የመልክት። እዚ ከኣ ካልእ መርኣያ ናይቲ ኣብ ልዕሊ ህዝብና ዘለዎ ኣሽካዕላልን ንዕቀትን ምዃኑ፡ ምስትውዓል ዘድልዮዩ። ኢድ ኣእታነተይ ኣብ ጉዳይ ኢትዮጵያ ክቕጽሎ እየ ክብል እንከሎ፡ ነቲ ምስ ብልጽግና ኮይኑ ክዘራርጎ ወጥንዎ ዝነበረ’ሞ ዝበርዓኖ ዕብዳን፡ መጣፍእቲ ቀይሩ ክቕጽሎዩ ይሸባሸብ ከምዘሎ ዘርኢዩ። 

እዚ መደረ ኢሳያስ  መልእኽቱ  ብሓፈሻ ናብ ዝተፈላለዩ ወገናት ኮይኑ፡ ብፍላይ ድማ ናብ ህዝቢ ኤርትራ ዘቕነዐ እዩ። ትሕዝቶኡ ከኣ ኣብ ናይ ክሳብ ሕጂ ጉዕዘኡ ምስሊ ህዝቢ ኤርትራ ደዊኑ፡ ኣብ ዘይምልከተቶ ውግኣት እናተጠበሰ፡ “ወላድ መኻን”  ንክገብሮ ይፍክር ምህላዉ እዩ። ስለዚ ህዝብና ንከምዚ ዝኣመሰለ ዘይሓላፍነታዊ መልእኽቱ ክሰምዕ ናይ መጀመርታኡ’ኳ እንተዘይኮነ፡ ንዝኾነ ነገር ደረት ስለ ዘለዎ፡ “ደጊም ኢደ-እግርኻ ኣክበልና” ክብሎ ምርጫኡ ዘይኮነ ግደታኡ’ዩ።

ሰራዊት ኤርትራ ኣብ ኩሉቲ ኢሳያስ ዝኣጉዶ ሓዊ ቀዳማይ ግዳይን ተሓታትን ዝኸውን ንሱ እናሃለወን ንገዛእ ርእሱ ድሒኑ ህዝቢ ከድሕን እናተገበኦን፡ ካብ ኣገልጋልነት  ፈሊኻ ብዘይረአ ኢደበይዛ ጥፍኣት ህግደፍ ኮይኑ ክቕጽል ነውሪ’ዩ። ብውሕዱ ንገዛእ ርእሱ ዘይምድሓኑ ድማ ክሳብ ክንደይ ኣብ ትዕዝብቲ ከም  ዘውድቖ  ከስተብህል ይግበኦ።

ደንበ ተቓውሞ ኤርትራ፡ በዚ ናይ ኢሳያስ መደረ ጥራይ ዘይኮነ፡ በቲ ሓፈሻዊ ኩነታት ሃገርና ይሻቐል ከምዘሎ ርዱእ’ዩ። እንተኾነ ካብኡ ትጽቢት ዝግበረሉ ሻቕሎት ጥራይ ዘይኮነ፡ ናይቲ ዘሻቕል መፍትሒ ምርካብ’ዩ። ነዚ ዘብቅዖ ውሁድ መደርኽ ናይ ምፍጣር ጻዕሩ ዝያዳ ከቐልጥፍ ከኣ ህልዊ ምዕባለ  ዘሰክሞ ዘሎ ከቢድ ሓላፍነት እዩ።